| ፍቃድ ኣምላኽን እምነትን |
|
|
|
| Article Manager - Daily devotion |
| Saturday, 03 April 2010 22:03 |
|
ኣብ ሓደ ውሱን ጉዳይ ፍቃድ ኣምላኽ እንታይ ምኻኑ እንተፈሊጥና፡ እቲ ዝለመንናዮ ነገር ንኽፍጸም እምነትና ወሳኒ እዩ። ኣብ ካልእ ክፍሊ ወንጌል፡ ዕላማ የሱስ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ክነሱ፡ ብዘይ ምእማኖም ግና ምንም ሓይሊ ክገብር ከም ዘይከኣለ ነንብብ። ማር 11፡24 ከኣ ኣንብብ። ስለዚ እቲ ዝኣምን ሰብ ከም ዝተዋበ እናኣመነ እዩ ዝጽሊ። እምነት ግና ኣምላኽ ከም ዝኽእል ምእማን ወይ ምፍላጥ ጥራይ ማለት ኣይኰነን። ነዚሞ እቲ ዘይኣምን ሰብ ጥራይ ዘይኰነ ሰይጣን'ውን ይኣምን እዩ። እምነት ግና ኣምላኽ ከም ዝኽእልን፡ ነቲ ዝለመንካዮ ሕጂ ከም ዝተዋበልካዮን ተኣሚንካ ምምስጋንን እዩ። በቲ ሓደ ወገን ድማ ብዛዕባ እቲ እንጽልዮ ነገር ፍቃድ ኣምላኽ ምኻኑ ምፍላጥና ንእምነትናን ንመልሲ ጸሎትናን ሓጋዚ እዩ። ፍቃድ ኣምላኽ ግሉጽ እዩ። ኣምላኽ ንፍቃዱ ዘይፍለጥ ሚስጢር ኣይገበሮን፡ ንፍቃዱ ኣፍሊጡ እዩ። ንዓና ብግሊ ድማ ብዝተፈላለየ የፍልጠና እዩ፡ ፍልጠናን ክመርሓናን ድማ ቃል ኣትዩ እዩ። ገለ ካብቲ ፍቃዱ ዘፍልጠና መገድታት እዞም ዝስዕቡ እዮም። 1. ቃሉ። መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ግሉጽ ፍቃድ ኣምላኽ ንዓናን፡ ንዕለታዊ ምርሒት ዝህበናን ቃል ኣምላኽ ዘለዎ" መጽሓፍ እዩ። ስለዚ ነቲ ሓፈሻዊ ፍቃድ ኣምላኽ ኣሜን ክንብሎ ይግባእ። ንኣብነት ሓደ ዝሓመመ ክርስትያን፡ ክፍወስ ድዩ ኣይፍወስን፡ ፈሊጥካ ንምጽላይ ኣምላኽ ተወሳኺ ፍሉይ ምርሒት ክሳብ ዘይሃበ ቃል ኣምላኽ ብዋቅስሉ ኢኹም ዝሓወኹም ስለ ዝብል ከም ዝፍወስ ኣሚንካ ጸሊኻ ከተመስግን፡ ዘኽእለካ ንጹር ቃል ፍቃድ ኣምላኽ ኣሎካ። 2. ምስክርነት ኣብ መንፈስናን ካብ ኣሕዋትን። ነዚ ክልቲኡ ብሓደ ኣርእስቲ ጌርናኳ እንተተዛረብናሉ ፍቃድ ኣምላኽ መጀመርታ ኣብ መንፈስና ምስክርነት ይህብ እዩ። እዚï ዝኮነሉ ድማ፡ ዳግም ዝተወልደ ሰብ ህያው ዝኾነ መንፈስ ስለ ዘለዎን ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነን፡ ኣምላኽ ነቲ ሰብ ክዛረቦ ዝደሊ ዝኾነ ይኹን ነገር ኣብ መንፈሱ ክዛረቦ ይኽእል እዩ። ካብ ኣሕዋት ድማ ተመሳሳሊ ምስክርነት እንተሎ እዚ ፍቃድ ኣምላኽ ፈሊና ንምፍላጥ እኹል መረጋገጺ እዩ።
3. ኵነታት። ሓደ ሓደ እዉን ኵሉ ነገር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘይተጻሕፈ ጥራይ፡ ፍቃድ ኣምላኽ ፈሊና ንምፍላጥ ዘሸግረና እዋናት ኣሎ። ንመገሻ፡ ንስራሕ ካብ ክልተ ነገራት ንምምራጽ፡ ፍቃድ ኣምላኽ ኣየናይ ምኻኑ ንምፍላጥ ኣምላኽ ኣብ ኵነታትካ ዝገብሮ ነገር ኣስተብህል። እዚ ምናልባት ምስቲ ኣብ ላዕሊ ጠቂስናዮ ዘሎና ሓቢሩ ዝኸይድ ነገር እዩ።
4. ብትንቢት። ኣምላኽ ነቲ ድሮ ኣብ ልብና ክገብሮ ጀሚሩ ዘሎ ነገር ብትንቢት ከረጋግጸልካ ይኽእል እዩ። ግብ 13፡1-3 ኣንብብ። ስለዚ ኵሉ ጊዜ መልሲ ዘለዎ ጸሎት ንምጽላይ እዘን ክልተ ነገራት ዘይፈላለያ እየን። ፍቃድ ኣምላኽን እምነትን። ኣብዚ ዓመት ዘሎና ራእይ እንታይ እዩ? -እግዚኣብሄር እቲ ዳሕረዋይ ዝናብ ከዝንበልና እሞ ወንጌል ብድንቅን ብተኣምራትን ክሰፍሕ ነፍሳት ድማ ክድሕኑ፡ ኣምላኽ ዓቢ ዝኾነ ነባሪ ምንቕቓሕ ክህበና ስሙ ኣብ ሃገርና ኽፍለጥን ኽፍራህን፡ -እግዚኣብሄር ምድራና ሰላም ክህበና፡ ካብ ኵናት ከዕርፈና፡ ደጊም ዝፈስስ ደም ብኾንቱ ትጠፍእ ነፍሲ ኣብ ምድርና ከይትህሉን፡ ሃዲእና ብዘይ ህውከት ንኣምላኽ ከነምልኽን -ብኣዝመራን ብጠልን ክንባረኽ ደርቅን ፌራን ካብ ምድርና ኽጠፍእ፡ እዚ እምበኣር ብምልኡ ፍቃድ ኣምላኽ እዩ። በዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ፍቃድ ኣምላኽ ንምፍላጥ እንጥቀመሉ ኣገባብ ተጠቂምና እንተመርመርናዮ ፍቃዱ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ። ስለዚ ነቲ ድሮ ኣምላኽ ኣብ ልዕሌና 'እወ' ኢልዎ ዘሎ ንሕና ድማ ኣሜን ኢልና ንቀበሎ። እቲ ናይ ምእማንና ሊቀ ካህናት ዝኾነ የሱስ ድማ ንሱ ኣሜንን እሙንን ስለ ዝኾነ ነቲ ንሕና ዝተኣመንናዮ ሒዚ ኣብ ኣምላኽ ክረኣየልና እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ኣብ ዮሃ 14፡14 ብስመይ ሓደ ነገር እንተለመንኩም ክገብረልኩም እየ ዝብል።///
|
Well come !!!
Latest Message
(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4) ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ። ካብተን ካልኦት መ....
ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ....
ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ዝፈትዎ ሓወይ ብዙሕ ሳዕ “እዚ እባ ግበረለይ?”፡ “ከምዚ እባ ተማልኣለይ?”፡ “ከምዚ ትገዝኣለይ ዲኻ?....
ኣብ መንፈሳዊ ንስጋውን ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎን ናይ ለውጢ ሞተር ከኣ ዝኾነ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ዘለዋ ሕብረተሰብ ውሕስነት ....
We exist to freely share the good news from God to the entire world so you can KNOW the Truth about life and eternity. We provide free access on the Internet to the finest, most trustworthy biblical truths and materials.
Father's Love Letter is a compilation of bible verses from both the Old & New Testaments that are presented in the form of a love letter from God to the world.Christianbook.com
Christianbook.com is the online home of Christian Book Distributors (CBD), the world's largest distributor of Christian resources.
Streaming Faith
Streaming faith, the world's largest faith based broadcasting portal, allows Christian ministries to spread the gospel by delivering their live or video on ...