|
Article Manager -
Daily devotion
|
|
Thursday, 08 April 2010 22:07 |
|
ኣብ 1ይ ሳሙኤል እግዚኣብሄር ንሳኦል ዝትክእል ንጉስ ክቐብእ ምስ ደለየ ንሳሙኤል ናብ እንዳ እሰይ ልኢኽዎ። ሳሙኤል ከኣ ዘይቲ ኣብ ቀርኒ ሒዙ ድሕሪ ምኻድ ነቲ ኣቐዲሙ ዝርኣዮ ቦኽሪ ወዲ እሰይ ዝኾነ ኤልያብ ንምቕባእ ተደናዲኑ። እግዚኣብሄር ግና “ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፣ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቁመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፣ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፣ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ፣” ኢልዎ (1ሳሙ.16፣7)። ምስ ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ንምምልላስ ከምቲ ንሱ ዝርእዮ ምርኣይ ስለ ዘድሊ ንሱ ከመይ ከም ዝርኢ ምፍላጥ ጽቡቕ እዩ። ኣብቲ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ዝተዛረቦ ዘረባ ተገሊጹ ዘሎ ቀንዲ ሓሳብ ኣምላኽ ከም ሰብ ከም ዘይርኢ እዩ።
|
|
|
Article Manager -
Daily devotion
|
|
Thursday, 08 April 2010 18:04 |
|
መዝሙር
ዳዊት 65፡ ናይ ዳዊት ናይ ምስጋና መዝሙር እያ። እዚ መዝሙር ግደ ኣምላኽን ግደ ሰብን ብንጹር ፈልዩ
ዝዛረብ መዝሙር እዩ። ኣብተን ቀዳሞት ክልተን ፈረቃን ጥቕስታት፡ ግደ ሰብ እንታይ ከም ዝኾነ ይዛረብ። ንሱ ድማ ንኣምላኽ ዝኸውን ምስጋና፡ ተወፋይነት ጸሎትን ምእማንን ኸውን ከሎ፡ ካብ ኡ ንታሕቲ ዘሎ ክፍሊ ናይቲ ምዕራፍ ክሳዕ መወዳእታ ግና ኣምላኽ ዝገብሮ ነገር ጥራይ እዩ ዝዛረብ።
እግዝኣብሄር
ንዓመት ብሳህሉ ይኽልላ፡ ብሕያውነቱ ይሽፍና፡ ካብ
ምሕረቱ ዝተላዕለ ካብ ዓመት
ናብ ዓመት ንሳገር። ግና እዚ ጥራይ'ውን ኣይኰነን። ከምቲ ካብ ጥቕሲ 4 ዘሎ፡ እግዝïኣብሄር ናብ ማሕደሩ ኣቕሪቡና ብበረኸት ቤቱ ድማ ኣጽጊቡና እዩ። ካብ ክፉእ ዘበለ መዕቆቢ ኰይኑና፡ ንብኹልና ኸኣ ባሪኹና እዩ።
|
|
Article Manager -
Daily devotion
|
|
Thursday, 08 April 2010 16:52 |
|
ኣብ መራቢ ብዝሓት ማለት ሬድዮ ቲቪ ጋዜጣታት መጽሔታት
ንከታተሎ ከም ዘሎና፡ ዓለምና ኣብዚï ቅሩብ ኣዋርሕ ሓደ መስመር ሰጊራ ኣብ
ኣስጋኢ ኩነታት ዝኣተወት ትመስል። ንምጥቃስ እንተ ኣድለየ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸስተ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ዶባዊ ግጭትን ምስጓግ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያን፡ ከባቢ ዓበይቲ ቀላያት ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ መሊሱ ብውግእ ምሕማሱን ኣብ መንጎ ኡጋንዳን ርዋንዳን ምስ ኮንጎ ዝነበረ ኪዳን ምፍራሱን፡ ኣብ ኣንጎላን ላይበርያን ተበጺሑ ዝነበረ ስምምዓት
ሰላም ብዋጻሊ ጸገማት ይገጥሞ ምህላውን፡ ኣብ መንጐ ህንድን ፓኪስታንን ኑክሌራዊ ውግእ ኸየኸትል ዘስግኤ ምትፋንን፡ ኣብ መንጐ ደቡብ
ኮርያን ሰሜን ኮርያን፡ ኢራንን ኣፍጋኒስታንን፡ ቱርኪን ሶርያን ከምኡ'ውን ዒራቕን፡ ብዓቢኡ'ኣ እቲ ኣብ ዝኾነ ደቒቕ ከም ብርቱዕ እሳተ ጐመራ ክትኰስ
ዝኽእል ሳንኩፍ ኩነታት እስራኤልን ኣዕራብን ብፍላይ ከኣ ፍልስጥኤም።
|
|
Article Manager -
Daily devotion
|
|
Tuesday, 06 April 2010 13:15 |
|
እግዝኣብሄር ካብ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ሓደ ዝጽበዮ ነገር ኣለሎ፡ እዚ ድማ ጸሎት እዩ። ሰብ ምስ ኣምላኽ ሕብረት ክገብር ዝተፈጥረ ክቡር ፍጥረት ኣምላኽ ኣብ ርእሲ ምŽúኑ፡ ከም ክርስትያን ድማ ብትብዓት ኣብ ዝፋን ኣምላኘ፡ ብጸሎት ዝዋርበሉ ጸጋ
ብክርስቶስ የሱስ ተ"ሂብ" እዩ። እግዝኣብሄር ናይ ዕላማን መደብን ኣምላኽ እዩ። ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ እኳ ክነሱ ግን፡ እቲ ዕላምኡ ኣብ ሸትኡ ክወቕዕ ናይ ሰባት ጸሎት ዘድልዮ ገይሩ ሰሪዕ"
ኣሎ። እግዝኣብሄር ክንጽሊ ዘይደልየና ነይሩ እንተዝውን፡ ኣብታ ንየሱስ ዝፈለጥናላ መዓልቲ ምወሰደና ነይሩ። ስለዚ ካብቲ እግዝኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ዝዳለዎ ዕዮ፡ እቲ ሓደን ቀንድን ዕዮ ጸሎት
እዩ። ዝጽሊ ሰብ መሳርሕቲ እግዝኣብሄር እዩ፡ ሚስጢሩ ኸኣ ይገልጸሉ እዩ።
|
|
Article Manager -
Daily devotion
|
|
Saturday, 03 April 2010 22:03 |
|
ጸሎት ክንጽሊ
ኮሎና፡ መልሲ ምእንቲ ኘንረክብ እዘን
ክልተ ነገራት ኣገደስቲ እየን። ጸሎት ስቕ ኢልካ፡ ንንፋስ ምዝራብ ወይ ድማ ኣብ ጸልማት ምትኳስ ኣይኰነን። ናብ መን ከም
እንጽሊ፡ እንታይ ከም እንጽልን መልሲ ጸሎት ከም ዘሎን ፈሊጥናን ኣሚንናን
ኢና እንጽሊ። እብ 11፡6' ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ከስምር" ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ
ክመጽእ ዝደሊ፡ ንሱ ከም ዘሎን ነቶም ዝደልይዎ" ዓስቢ ከም ዝህቦምን ክኣምን ይግብኦ እዩ' ይብለና።
ተስፋታት ኣምላኘ ኣብኡ (ማለት ኣብ ኣምላኽ) እወ
እዩ፡ 2 ቈረ 1፡20። ስለዚï፡ ኣምላኽ ነቲ ዝኣምን ኵሉ ይከኣል እዩ፡ ይብል። ማር 9፡23። ኣብዛ ካልኣይቲ ጥቕሲ
እንተተመልከትና የሱስ ናብዛ ምድሪ ካብ ዝምጽኦ፡ ሓደ ከምቲ ኣብ ሉቃ 4 ተጻሒፉ ዘሎ፡ ንእሱራት ምውጻእ ሓራ ክገብር እዩ።
ኣብ ግብ 10፡38'ውን ነቶም ሰይጣን ዝሰዓሮም ኵሎም እናሕወየ፡ ይብል። ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ወዱ ብኣጋንንቲ ተታሒዙ ዝተሸገረ
ሰብኣይ፡ እቲ ተስፋ ኣምላኽ እወ እዩ ነይሩ። ግን ብሸነኽ እቲ ሰብኣይ እምነት ይድለ ነይሩ።
|
|
Article Manager -
Daily devotion
|
|
Saturday, 03 April 2010 00:19 |
|
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ካብ ለዉ ዓበይቲ ፡ ከም ኣብነት ዝጥዋሱ ጸሎታት ሓደ፡ ናይ ሃና ጸሎት እዩ። ናብ ትሕዝቶ ጸሎታ ምስ እንርኢ፡
ሎሚ ንሕና ከመይ ዓይነት ጸሎት ንጽሊ ከም ሎናን ከመይ ክንጽሊ ም ዝግብኣናን
ክንምርምር ይሕግ´ና እዩ።
'£
እግ´ïኣብሄር፡
ውርደት ባርያ¥ ኣጸቢቕካ ርኢï
እንተ ከርካኒ
ንባርያ¥'ውን
እንተ ይረሳዕካኒ
ንባርያ¥
ተባዕታይ ውሉድ እንተ ደኣ ሃብካኒ፡ ኣነ ድማ ኵሉ êበን ህይወቱ ንእግ´ïኣብሄር
እውፍዮ ናብ ርእሱ ኣ መላጸ ኣየሕልፈሉን'ኢላ ተመባጽዔት' 1 ሳሙ
1፡11።
ካብï እንመሃሮ
1. ኵሉ ከኣልነት እግ´ïኣብሄር
ምፍላጥን ምእማንን። ሃና እግ´ïኣብሄር ኤልሻዳይ ኣምላኘ ምúኑ ዝተረድኤት ሰብ እያ። ብ¥êሕ
እን
ንጽሊ ኢና፡ መልሲ ጸሎትና ይንቕበል ዝገብረና ግና ብልብና፡ ኣምላኘ ይገብሮ ደዣን ዝብል ምጥርጣር ስለ ዝመጸና እዩ።
|
|
Article Manager -
Daily devotion
|
|
Friday, 02 April 2010 22:59 |
|
ብጊዜ ጽብሓት ካብ እግዚኣብሄር ዝናም
ለምኑ እቲ መባርቕ ዝገብር እግዚኣብሄር ካብ ነፍሲ ወከፍ ሳዕሪ ኣብ ግራት ሰርቢ ዝናም ከዝንመሉ እዩ።' ዘካ 10፡1
ምንቕቓሕ ቃል ንቓሉ ክንርድኦ ከሎና ካብ ምብዕዛዝ ምብርባር፡ ምትንሳእ ከመልክት
ከሎ ልክዕ ከምቲ ብጊዜ ሓጋይ ብጸሓይ ቀምሲሉ ወይ ጸልምዩ ዝጸንሐ ተኽሊ ዝናም ምስ ዘነበ ዝጥጥዕን ዝበራበርን፡ ቤተክርስትያን
ድማ መንፈስ ኣምላኽ ብሓይሊ ክግለጽ ምስ ጀመረ ካብቲ ባዕዚዛቶ ዝነበረት ትትንስእ ማለት እዩ።
ምንቕቓሕ ግና ስቕ ኢሉ ዝመጽእ ነገር ኣይኰነን። ኣብ ታሪኽ ምልስ ኢልና እንተ
ረኣና ምንቕቓሕ ንጸሎት ስዒቡ ዝመጽእ ፍጻመ ከም ዝዀነ ንርኢ። ኣብ ግብ 1፡14 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ተኣኪቦም ከየብኰሩ ሓቢሮም
ይጽልዩ ምንባሮም ነንብብ። ከምኡ'ውን ኣብ ግብ 2 ሓቢሮም ብሓንሳእ
ምንባሮም ንርኢ። እዚ ምእካብ'ዚ ንጸሎት ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ድማ እዩ መንፈስ ቅዱስ ብድንገት ካብ ሰማይ ብብርቱዕ
ደሃይ መጺኡ ከም ልሳን ሓዊ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ዝተቐመጠ። ከምኡ'ውን ኣብ ምዕራፍ 4 ሃዋርያት መሊሶም ኣብ ጸሎት ምስ ኣተዉ መንፈስ
ቅዱስ መሊሱ ከነቓቕሖም ከሎ ንርኢ።
|
|
Article Manager -
Daily devotion
|
|
Thursday, 01 April 2010 22:27 |
|
“ኩሉሳዕ ተሓጎሱ ። ከየባተኽኩም ጸልዩ ። እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ
የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ : ብኹሉ ኣመስግኑ ።”1ተሰ 5:17 ።እቶም ብክርስቶስ
የሱስ ዘለዉ ኩላቶም ካብ ካልኦት ኣህዛብ ኣዝዮም ፍሉያት እዮም ። ነዚ እቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ኣዝዮም ከስተውዕልዎ ይግብኦም
። ሓደ ካብቲ ዝፈልዮም ዓበየቲ ነገራት ከኣ ብኩነታት ዙርያኦም ከይተጸልዉ ንኣምላኽ ኩሉ ሳዕ የመስግኑ ብምዃኖም እዩ ። ኣቱም
ባሮት እግዚኣብሄር : ንእግዚእብሄር ብለይቲ ኣመስግንዎ : ብቐትሪ ኣመስግንዎ : ኩሉ ሳዕ ኣመስግንዎ ። ኣብ ድንኳን ቤትኩም ድምጺ
እልልታ ይሃሉ : ቤትኩም ብድምጺ መዝሙር ይምላእ ። ከተስተውዕልዎ ዘለኩም እንተሎ : ሰይጣን ከተመስግኑ ኣይደልየኩምን እዩ :
ሰይጣን ከተማርሩ : ንዕድልኩም ክትነቕፉ እዩ ዝደሊ ። ሓንቲ ነገር ክነግረኩም : ዕድል ናትኩም የሱስ እዩ ። እስኪ ሕጂ : ዕድለይ
የሱስ እዩ በሉ ። ትፈልጡ ኢኹም : መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተመስግኑ ምኽንያት ቅድም ርኸቡ ኣይብልን እዩ ። ኣቱም ሰባት : ከተመስግን
ምኽንያት ዘይኮነ ዘድልየካ የሱስ እዩ ዘድልየካ። እተገብረልኩም ምሕረት ኣይትረስዑ : ንስኻትኩም ዘይግብኣኩም ዓቢ ምሕረት እተገብረልኩም
ክቡራት ሰባት ኢኹም።
|
|
|
|
|
<< Start < Prev 1 2 3 4 5 6 7 Next > End >>
|
|
Page 1 of 7 |