| ዉሕሉል ኣገባብ ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስ |
|
|
|
| Article Manager - Cell Group Material | |
| Tuesday, 23 October 2007 12:05 | |
|
መሰረት ናይዚ ሕጂ ጎይታ ኣብ ዘመንና ዝዛረቦ ዘሎ ኩሉ እቲ ኣቐዲሙ ዝተዛረቦ ቃል እዩ። እግዚኣብሄር ብ ኣና ገይሩ ንኻል ኦት ክዛረብ ከሎ፤ በቲ ጽኑዑን ቅዱስን ቃሉ ገይሩ እዩ። ስለዚ እቲ ቓል ቅድሚ ምዝራብና ወይ ምስማዕና፤ እቲ ቓል ኣብ ልብና መሊኡ ክሓድር ንፍቐደሉ። 1. ኩነታት/ ህይወት ናይቲ ዘጽንዕ ሰብ2. ኣገባብ ኣጸናንዓI. መንፈሳዊ ትሕዝቶ ናይቲ ሰብኣብዚ ዘመንዚ እቶም ብዛዕባ ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዋሃቡ ዘለዉ ሰሚናራት ኣብቲ ኣገባብ ጥራይ ዘተኮሩ እዮም። እንተኾነ ግን፡ መንፈሳዊ ደረጃ ናይቲ ዘጽንዕ ሰብዉን ኣዝዩ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። ስለዚ እዞም ዝስዕቡ ስለስተ ቅድሚ ዅነት ብዛዕባ እቲ ሰብ ንመልከት Illustration about types of hearers of the word ገሊ ኡ ኣብ ጽቡቅ መረት... 1. ኣድላይነት መንፈሳዊ ምዃን"እዘን ኣነ ዝነገረኩም ዘሎኹ ቓላት መንፈስ እየን ህይወትዉን እየን።" የዉ.6+63 ከም ኡዉን "እግዚኣብሄር መንፈስ እዩ" የዉ.4+24። ናይ እግዚኣብሄር ቓል ፊደል ዘይኮነስ መንፈስ እዩ። ስለዚ ሰብ ብመንፈሱ ጥራይ'ዩ ነቲ መንፈስ ዝኾነ እግዚኣብሄር ኽትንክፎ ዝኽእል (ደም ዝሓዛህ ዝብል ዝነበረት ሰበይቲ)። እምብ ኣር እቲ ቓል መንፈስ ስለዝኾነ፡ ብመንፈሱ ዳግም ዝተወልደ ጥራይ እዩ እዩ ብመንፈስ ኾንኑ ከንብቦ ዝኽእል። ንመንፈሳዊ ነገር ብመንፈስ ኢና ክንርድ ኦን ክንርምስሶን እንኽል። ከምቲ ንጎይታ ብመንፈስ ዝምለኽ፡ ቃሉ ድማ መንፈሳዊያን እንተዘይኾይንና፡ ጽቡቅ ገይርና ከነጽንዖን ክንርድ ኦን ኣይንኽእልን ኢና። ሰብ ንቓል እግዚኣብሄር ብመንፈሱ እንተዘይኮይኑ ብነፍሱ ወይ ብስጋኡ ክፈልጦ ኣይኽእልን እዩ። ንቓል እግዚኣብሄር ብ ኣእምሮ ተመራሚርካ ክትበጽሖ ኣይክ ኣልን እዩ (እዮብ11=7)። ከመዮ እቲ ጽሑፍ " ንሕና መንፈሳዊያን ግና ነቲ መንፈሳዊ ነገር ብ..... Illustration: Electric power--> electric wire---> Lamp at home---> LIGHT ቓል እግዚኣብሄር-------ዝተወልድ መንፈስ----- ሰብ ----ምርዳእ ጽሑፋት 2. ምቱርጋም መንፈሳዊ ነገር ንመንፈሳዊ ሰብከመዮ እቲ ጽሑፍ "....ስጋዊያን ስለዝኾንኩም......." እቲ ነቲ ቓል ዘጽንዕ ሰብ ዳግም ዝተወልደ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ብመንፈሱ ድማ ዝዓበየ ክኸዉን ኣለዎ። ትርጉም ናይ ሓደ ዓቢይ መንፈሳዊ ሓሳብ፤ ነቲ ብመንፈሱ በጽሒ ዝኾነ ሰብ ጥራይ'ዩ ክርድ ኦ ዝኽእል። ኣብ 1ቆረ 2*1-4, 5-7, 9-13 እንተንቢብና.....ቓል እግዚኣብሄር ብመንፈስ ቅዱስ ድ ኣምበር ብጥበብ ሰብ ኣይግለጽን እዩ። ናይ ሰባት ቓል ጥበብ ዓይኒ ዝርእዮ እዝኒ ዝሰምዖ ካብ ልቢ ሰባትዉን ዝመንጨወ እዩ። ቓል እግዚኣብሄር ግና ብመንፈስ ቅዱስ ዝግለጽ ወይ ዝኽፈት እዩ። ስለዚ ከመዮ እቲ ጽሑፍ "ብዛዕቡ እንብሎ ብዙሕ ነገር ነይሩናስ........." ከምዝብሎ እቲ ብሓቂ ብመንፈሱ በጽሒ ዝኾነ ሰብ እንተዘይኾይኑ እቲ ስጋዊ ክርስትያን ትርጉም ናይ ብዙሓት ዓሞቅቲ መንፈሳዊ ሓሳባት ክርድ ኦ ኣይክ ኣልን እዩ። ኣብ 1ቆረንጦስ 2፥3 ሰለስተ ዓይነት ሰባት ንርኢ፤ ሀ. ነፍሳዊ ሰብ (Psychological Man):- እዚ ሰብ ብመንፈሱ ዳግም ዘይተወልደ ሰብ ኾይኑ ነቲ መንፈስ ናይቲ ቓል ድማ ፍጹም ክርድ ኦ ዘይኮነሉ ሰብ እዩ። ለ. ስጋዊ ሰብ (Carnal Christian):- እዚ ሰብ ዳግም ዝተወልደ ኾይኑ ግናኸ ብስጋኡ ድ ኣምበር ብመንፈሱ ዘይምራሕ ሰብ እዩ። እቲ ዳግም ዝተወልደ መንፈሱ ብመንፈሱ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ክግዛእ ዘይሃበ ሰብ እዩ። ስለዚ ንቓል እግዚኣብሄር ብኸፊል ጥራይ'ዩ ዝርድኦ፤ ጸባ ጥራይ እምበር ዕጹም ብልዒ ዘይበልዕ እዩ። ካብ ሰባት ዝስምዖ ምግላጽ ድ ኣምበር፤ ንሱ በዓሉ ቀጥታ ካብ ጎይታ ምግላጽ ዘይረክብ እዩ። ሐ. መንፈሳዊ ሰብ;- እዚ ዓይነት ሰብ፤ መንፈሱ ዳግም ዝተወልድ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኣብ ትሕቲ ቅጽጽር መንፈስ ቅዱስ ዝ ኣተወ እዩ። ብመንፈስ እንዳተመላለሰ ድማ ናብ ራእይን ምግላጽን ዝሰጋገር ሰብ እዩ። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዖ እንተድ ኣ ኾይንና፡ ብመንፈስ እንመላለስ መንፈሳዊያን ኽንከዉን ኣሎና። II. ኣድላይነት ምፍላይ ወይ ቅድስናእዚ ረቛሒ ድማ እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ነጥብታት ዝሓዘ እዩ ሀ. ዝተኸፍተ ልቢ መጽሓፍ ቅዱስ ቓል ኣምላኽ ጥራይ ዘይኮነስ ከምኡዉን ብናይ እግዚኣብሄር ብርሃን ዝመልኣ እዩ። ከመዮ እቲ ጽሑፍ 2ቆረ 3=18. . . . ዝብሎ፤ ህይወትካ ብኽብሪ እግዚኣብሄር ዘንጸባርቀ ክኽዉን እንተድ ኣ ኾይኑ፡ ኣብ ቅድሚ ጎይታ ኩሉ ሳዕ ብቕሉዕ ገጽ ማለት ብዝተኸፍተ ልቢ ምዃን የድሊ። ሰብ ንጎይታ ብምል ኣት ብመንፈሱ፤ልቡ፤ፍቓዱን ኣእምሮኡን ዝተኸፍተ እንተድኣ ኮይኑ ኣብቲ ቃል ክብሪ ጎይታ ይር ኢ እዩ። Illustration ጸሓይ ብብርሃን ሙቐትን ዝተመልኣት ኮይና ኣብ ዓለም ተብርህ ድ ኣምበር፤ ነቲ ኣብ ዕጽዉ ገዛ ዘሎ ሰብ ኣይትበጽሖን እያ። ኻብ ዝተዓጸወ ቦታ ክወጽእ ኣለዎ። ዓቀን ናይ ብርሃን ብመጠን ክፉታት ምዃንና እዩ ዝሰርሕ። እቲ ንጎይታ ኣዝዩ ክፉት ዘይኮነ ክርስትያን ዝርእዮ ብርሃን ዘይኮነስ ጽልግልግ ዝበለ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብ ኢዱ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎዎካ እንተኾነ፤ ነፍሲ ወከፍ ካብቲ ቓል ዝረኽቦ ብርሃን ግና ይፈላለ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብቦ እንከሎና ትኽስ እንብልን ነቲ እነንብቦ ድማ ዘይንርድ ኦ እንተኾይኑ፡ ሓደ ካብ ህይወትና ክግዕዝ ዘለዎ ጸልማት ኣሎ ማለት እዩ። ኽፍተተ ልቢ ድማ ካብቲ ንጎይታ ብምል ኣት ዝተፈለኻ ምዃን ወይ ድማ ብብርሃን ብምምልላስ ዝመጽእ ኢዩ። ስለዚ ልብና ብምልኣት ብጎይታ ጥራይ እንተዘይተዋሂቡ፡ ጸልማት ማለት መንፈሳዊ ድንቑርና ኣብ ዙርያና ከንጸላሉ ይክ ኣል እዩ። ለ. ብኽልተ ጎይቶት ዘይተገዝኣ ልቢ> ብርሃን ኣብ ዱንካነን ክዓርፍ ከሎ ከመዮ እቲ ጽሑፍ " ዮዉ.6=21-24 ዝብሎ፤ ሰብ ዘለዎ ዘበለ ኩሉ ንጎይታ ሂቡ ብጎይታ ጥራይ ዘይተግዝ ኣ እንተኾይኑ፡ መብራህቲ ብምዃን ብርሃን እግዚኣብሄር ከብርህ ኣይክእልን እዩ። ልብና ብርሃን እግዚኣብሄር ዝቅበልን ዘብርሃን መብራህቲ ህይወትና እዩ። ብርሃን(እግዚኣብሄር)------->ብርሃን ዝቅበል መብራህቲ(ልቢ ሰብ)------->ዘብርህ ህይወት ሰብ ኣብዚ ተጠቂሱ ዘሎ ጥቅሲ፡ ኣዕንትኻ ጥዕይቲ እንተኾይኑ ዝብል ዘሎ፡ ኣዕንትኻ ናብ ሓደ ነገር ጥራይ ኣቅኒዓን ዝርእያ እንተኾይነን ማለቱ እዩ። ስለዚ ኣዒንቲ ልብና ናብ ሓደ ጎይታ ጥራይ ኣቅኒዓን እንተጠመታ እዩ ብዘሎ ኣካላትና ጥዑይን ብርሃን እግዚኣብሄር ዘብርህ መብራህቲ ዝኸዉን። ልቡ ብገንዘብ፡ ፍትወት ዓለም፡ ህርፋን ስልጣን....ወ.ዘ.ተ ዝተመልኣ ክርስትያን ኣዒንቱ ናብ ክልተ ነገራት ስለዝጥምታ፡ ብርሃን ካብ ላዕሊ ተቐቢሉ ብርሃን እግዚኣብሄር ብምልኣት ዘብርህ መብራህቲ ክኸዉን ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ከመዮ እቲ ጽሑፍ የዉሃንስ ድማ........ከምዝብሎ ኣንሓና ድማ ብብርሃን ጎይታ እንነብርህ ብርሃን እዛ ዓለም ክንከዉን ምእንቲ ዝተመቅለ ልቢ ኣይሃልወና። ክልተ ዝልቡ ሰብ ብኹሉ ነገሩ ጽኑዕ ኣይኮነን። ሐ. ቐጻሊ ምእዛዝ ከመዮ እቲ ጽሑፍ ነቲ ዘለዎ ይዉሰኾ....ዝብል፡ እግዚኣብሄር ኣምልክ ድማ ብመጠን እቲ ቐጻሊ ንእኡ እንእዘዞ፡ ብእኡ መጠን እዩ ናይ ቓሉ ደገ ዝኸፍተልና። ብዙሕ ምእዛዝ ብዙሕ ምግላጽ የምጽእ። እቲ ቅድስናን ምእዛዝን ቐጻሊ እንተኾይኑ፡ ከም መብራህቲ ቐጻሊ ኣይነብርህን ኢና። ከመዮ እቲ ጽሑፍ ዮዉ.7፥17 ዝብሎ ሰብ ድማ ንፍቓድ እግዚኣብሄር ዝተዋህበ እንተኾይኑዩ ናይ እግዚኣብሄር ነገር ዝፈልጥ። ስለዚ ናይ ምግላጽ ምርካብ ቅድሚ ኩነት ምእዛዝ እያ። ክርስትያን ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ንምግባር ብምሉእ ልቡ ዝተወሰነን ዝተበገሰን እንተዘይኮይኑ፤ እግዚኣብሄር ቓሉ ገሊጹ ክምህሮ ክሓስብ ኣይግብ ኦን እዩ። ናይ ኤልን ሳሙኤልን ዘክር። III. ኣድላይነት ብተመኵሮ ዝተፈትነ ብሱል ሰብ ምዃንከመዮ እቲ ጽሑፍ እብ 5. 14 ዝብሎ..እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዕ ሰብ ድማ ብጎይታ እንዳዓበየ ዝኸይድ፡ ንቓል ጎይታ ድማ ኣብ ግብሪ ብምዉዓል ብሕልናኡ ጽቡቅን ክፉእን ፈላልዩ ንኽፈልጥ ዝሰልጠነ ክኸዉን ይግባእ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኹነታትና ጽቡቅ ገይሩ ይገልጾ እዩ። ሓደ ክርስትያን ብባህርያቱ ከመይ ዝበለ ምዃኑ ገምጋም ንምርካብ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ምዕራፍ ከንብባ ሂብካ፡ ካብታ ምዕራፍ እንታይ ዓይነት መልእኽቲ ሒዙ ክመጽእ ከምዝኽእል ምርኣዩ ይክኣል እዩ። ሓደ ክርስትያን ብቓል ጎይታ ፍቱንን ብሱልን እንተኾይኑ፡ ንቓል እግዚኣብሄር ብዑምቐት ከጽንዖ ይቐሎ እዩ። እምብኣር ክርስትያን ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ብተመኵሮ ዝበሰለ ፍቱን ኢዩ ዘብልዎ ንጥብታት እዞም ዝስዕቡ እዮም< ሀ. ቅድመ ኵነታዊ (ዝንቡዕ) ዝኾነ ሓሳብ ዘይብሉ ምዃን ለ. ሸለልትነት ዘየጥቅዖ ሐ. ነቲ ቓል ብሁንጡየነት ዘይፈታተኖ? {mospagebreak}B. ኣገባብ ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስመእተዊ ንእግዚኣብሄር በቲ መንፈስ ቅዱስ ዝገልጸልና፡ ኣንሕናዉን ናብ ትግባረ እነዉዕሎ ቓሉ ገይርና ኢና እንፈልጦ። መንፈስ ቅዱስ ነቲ መንፈስ ናይቲ ቃል ንኽገልጸልና ድማ........ ነቲ ቃል ኣንብብ ኣቢልካዮ ንምዝካሩ ትሽገር ሰብ እንተኾንይካ ኢቲ ሽግር ናይ ኣጸናንዕ>>> ናይ እግዚኣብሄር ቓል ዝተጻሕፈ ከላትና ኣምላኽ መን ምዃኑን ኣንሕናዉን ከመይ እንተነበርና ኢና ንእኡ እነንሕጉሶ ምእንቲ ክንፈልጥ እዩ። በዚ ድማ ኣምላኽ ብቓሉ ገይሩ ምስ ገዛእ ርእሱ ከላልየና ከም ኡዉን ንቓሉ ብምእዛዝ ከመይ ዝበለ በረኸት ከምዝህበና ከርእየና ይደሊ እዩ። እምብ ኣር ንቓል ጎይታ ብዝተኸፍተ ልቢ ብምጽናዕ እቲ ቓል እንታይ ይብል ኸምዘሎ፡ እቲ ቓል እንታይ ማለቱ ምዃኑ፡ ከም ኡዉን ነቲ ዝበርሃልና ቓል ከመይ ገይርና ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ከንዉዕሎ ከምዘሎና ክንፈልጥ ናይ ነፍሲ ወከፍና ሓልፍነት እዩ። ነዚ ንምጭባጥ ድማ ፍልይ ዝበለ ኣገባብ ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስ የድልየና። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እነጽንዓሉ እዋን ህድእ ኢልካ ብዲስፕሊን ምቅማጥ የድሊ። መጽሓፍ ቅዱስ ብህዉኽ ኣእምሮን ብዘይርግእ ልቢ እቲ ቓል እንታይ ይብል ኣሎ፡ እንታይ ማለቱ ምዃኑ፡ ንህይወትካ ድማ እንታይ ይዛረብ ኣሎ ፈሊኻ ንምፍላጡ ኣሸጋሪ እዩ። Illustration about people of Berians መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዞም ዝስዕቡ ረብሓታት ኣለዉዎ 1. ብዉልቅኻ ነቲ ቓል ብምልኣት ንምፍላጥ ዓቅምኻ ክብ የብል 2. ብዝያዳ ንእግዚኣብሄርን ንመገድታቱን ንኽተፈልጥ ይሕግዝ 3. ንእምነትካ የዕብዮ 4. ካብ ዝመጽእ ንፍስ ንየው ነጀዉ ዘብል ጋሻ ትምህርቲ ትሕሎ 5. ኣብ ክርስቶስ ብክርስቶስ ምዃን ማለት ከመይ ዝበለ ዓቢይ ነገር ምዃኑ ትግንዘብ I. መሳልላት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብስለስተ መሳልላት ዝቆመ እዮ። እቶም መሳልላት ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም >> መሳልል ትዕዝብቲ እቲ ጽሑፍ እንታይ ይብል ኣሎ? >> መሳልል ኣተረጋጉማ እቲ ጽሑፍ እንታይ ማለቱ እዩ? >> መሳልል ትግባረ ነቲ ጽሑፍ ከመይ ገይረ ይትግብሮ? ሀ. መሳልል ትዕዝብቲትዕዝብቲ ቓል ብቓሉ እንክትርገም ልብኻ ብምስትዉዓል ኣብ ነገራት ኣዉዲቅካ ምምልካት ማለት እዩ። ኣብዚ መሳልል ድማ፡ ቓል ጎይታ እንታይ ይብል ኸምዘሎ፡ ልብና ብምዉዳቅ ናብቲ ጽሑፍ እንምልከተሉ መሳልል እዩ። ከመዮ እቲ ጽሑፍ..ልበይ ኣብ ኡ ኣዉዲቀ ተመልከትኩ ካብ ኡ ድማ ጥበብ ተምሃርኩ ከምዝብሎ፤ ኣብዚ መሳልል እቲ እነንብቦ ክፍሊ-ጽሑፍ "እንታይ ይብል ኣሎ?" ንዝብል መሰረታዊ ሕቶ ንምልሶ። መብዛሕት ኡ እዋናት፤ ሓደ ክፍሊ-ጽሑፍ ነንብቦ እሞ፤ ድሕሪ ዉሑዳት ደቓይቕ ግና እቲ ዘንበብናዮ ምዝካሩ ዓቐብ ይኾነና እዩ። ከምዚ ክኽዉን ዝኽ ኣለ ድማ፡ ነቲ ቓል ልቢ ኢልና ካብዘይ ምንባብን ምምልካትን ምዃኑ ኣሉ ዘይብሃሎ ሓቂ እዩ። ነቲ ቓል ብልብና ዘይኮነስ ብ ኣዒንትና ጥራይ ነንብቦ ኣሎና ማለት እዩ። ወይ ዉን ኣብቲ እነንብቦ ክፍሊ-ጽሑፍ፡ እቲ ብዕቱብ ክንምልከቶ ዝግብ ኣና ነጥቢ ወይ ሓሳብ ብዘይምፍላጥና ክኸዉን ይኽእል እዩ። ስለዚ መሳልል ትዕዝብቲ ነቶም ብዕቱብ ክንምልከቶም ዝግቡኡና ነጥብታት ንምፍላጥ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ። ሓደ ክፍሊ-ጽሑፍ ቓል ብቓሉ እንታይ ይብል ከምዘሎ ንምርካብ፡ መሳልል ትዕዝብቲ ብጣዕሚ ጠቃሚ እዩ። ብመጠን እቲ ነቲ ክፍሊ-ጽሑፍ ልብኻ ኣዉዲቅካን ደጋጊምካን ዘንበብካዮ፡ ብእኡ መጠን እዩ ዋና-መልእኽ ናይቲ ጽሑፍ ዝርድ ኣካን ብቐሊሉ ዝተሓዘልካን። እዚ ድማ ግዜን ተመኵሮን ዝሓትት መስርሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅድሱ እዩ። እምብኣር መሳልል ትዕዝብቲ በዞም ዝስዕቡ ስለስተ መምሪሒታት ዝቆመ እዩ። እዞም መምሪሒታት principles ድማ ነቲ እነንብቦ ክፍሊ-ጽሑፍ ልቢ ኢልና ክንምልከቶ ዝሕጉዙና እዮም። ንሳቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም:- * ምድህሳ ዋና-ሓሳብ ናይቲ ክፍሊ-ጽሑፍ * ዓብይ ስእሊ ናይቲ ክፍሊ-ጽሑፍ ምርካብ * ኣብ ዕምቖት ናይቲ ክፍሊ-ጽሑፍ ምቱካር 1. ዋና-ሓሳብ ናይቲ ክፍሊ-ጽሑፍ ምድህሳስምፍላጥ ዋና-ሓሳብ ናይቲ እተንብቦ ክፍሊ-ጽሑፍ እቲ ቀዳማይን ኣገዳስን ዋህዮ ትዕዝብቲ እዩ። ዋና-ሓሳብ ናይ ሓደ ክፍሊ ንባብ ንዝተወሰነ ቓል፤ሓረግ ወይ ድማ ምሉእ ሓሳብ ፍሉይ ትርጉም ዝህብን እቲ ጸሓፊ ድማ እንታይ ይብል ከምዘሎ ንምፍላጥ ዝሕግዝ እዩ። ነዚ ንምትግባር ድማ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣምልእ ሀ. ብጸሎት ምጅማር:- ብዘይ ደገፍ መንፈስ ቅዱስ ሓንቲኳ ምግባር ስለዘይንኽእል፤ ከም መግለጺ ትዉክልትና፤ ነቲ መጽናዕትና ብመንፈስ ጸሎት ክንጅምሮ ይግባእ። ከመዮ እቲ ጽሑፍ የዉ. 16*13-15…….ከምዝብል፡ ንስኻ ድማ ክፍሊ መጽናዕትኻ ቅድሚ ምጅማርካ፡ እግዚኣብሄር ብመንፈሱ ገይሩ ናብ ኩሉ ሓቂ ዘበለ ክመርሓካን የዕንትኻ ከፊቱ ድማ ኣብ ቓሉ ተኸዚኑ ዘሎ ት ኣምራት ከርእየካ ምእንቲ ብጸሎ መንፈስ ናብቲ ገላጺ ኩሉ ምስጥራት ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ምምጻእ ኸምዘድልየካ ኣይትዘንግዕ። ለ. ዝደጋገሙ ቓላት፤ሓረጋትን ሓሳባትን ፈሊኻ ምፍላጥ:- ዋና-ሓሳብ ናይ ሓደ ክፍሊ-ጽሑፍ ብፍሉያት፡ ቓላት፤ ሓረጋት፡ሓሳባት፤ ከምኡዉን ኣብ ሓንቲ ቃል ወይ ሓረግ ብዘተኮሩ ምሉኣት ሓሳብ sentences ዝቆመ ክኸዉን እዩ። እምብ ኣር ተጠንቒቅካ ልብኻ ኣብቲ ክፍሊ ንባብ ኣዉዲቅካ ብምምልካት እቲ ጽሓፊ ብምድግጋም ዝጠቅሶም ዘሎ ቓላት ወይ ሓረጋት ወይ ድማ ምሉኣት ሓሳባት ምምልካት ከድልየካ እዩ። እቶም ዝደጋገሙ ዘለዉ ቃላት ይኹን ሓረጋት ወይ ምሉኣት ሓሳባት ድማ ምስቲ ኽፍሊ ጽሑፍ ከመይ ኢሎም ይተሓሓዙ ኣለዉ? ኢልካ ብህድኣት ምምልካት ነቲ ዋና-ሓሳብ ንምርካብ ይክኣል እዩ፤፤ ሐ. ብቐሊሉ ዝርኣዩ ነገራት ምምልካት ኣብ ዝኾነ ክፍሊ-ጽሑፍ፡ እቲ ኣንባቢ ቐልጢፉ ዝርእዮም ወይ ዝምልከቶም ነጥብታት ኣለዉ። እዚኣቶም ድማ ኣብ ምፍላጥ ዋና-ሓሳብ ናይቲ ክፍሊ-ጽሑፍ ዝጻወቶ ተራ ኣለዎ እዩ። ክዉንነት ብዛዕባ ሰባት፡ ኣስማት ቦታታት፡ ከምኡዉን ፍጻሜታት ገለ ካብቶም ሓደ ኣንባቢ ብቐሊሉ ክምልከቶም ዝኽእሉ ነገራት እዮም። ነዞም ዝተጠቅሱ ኣቶኪርካ ምርኣዮም ድማ ኣገደስቲ ወይ ተደጋገምቲ ሓሳባት ንምርካብ፡ ከም ኡዉን ኣቛዉማ ናይቲ ክፍሊ-ጽሑፍ ወይ መጽሓፍ ንምፍላጥ ሓገዝቲ እዮም። መ. ብዘይ ቅድመ ኩነታዊ ሓሳብ ምቕራብ እቲ ክፍሊ-ጽሑፍ ኣብ እነንብበሉ ወይ እንምልከተሉ፡ እቲ ጽሑፍ በዓሉ ሓሳብ ክዛረብ ክንሓድጎ ይግባእ። እቲ ኣንባቢ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ልቡ ዘቐመጦ ነገር ወይ ሓሳብ ሃሊዎ፡ እቲ ጽሑፍ ድማ ምስቲ ኣብ ልቡ ዝተሃንደሰ ሓሳብ ምእንቲ ክሰማማዕ ኢሉ ዘንብቦ እንተኾይኑ ብጣዕሚ ጌጋ እዩ። ከመዮ እቲ ጽሑፍ ከምቲ ገሊኣቶም ንቓል ኣምላኽ ዝሓዋውስዎ ኣንሓና ግና ኣይንሓዋዉሶን ኢና ከምዝበሎ ነቲ ኣብ ልብኻ ዝሃንደስካዮ ሓሳብ ንምትግባሪ ኢልካ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ፡ ዋና-ሓሳብ ናይቲ ክፍሊ-ጽሑፍ ስሒትካ፡ ናብ ካልእ ሃተዉተውን ስሕተትን ከተምርሕ ይክኣል እዩ። ከመዮ እቲ ጽሑፍ ዮዉ. 17+17 ከምዝብሎ እግዚኣብሄር ብሓቂ ክንፈልጦን ንእኡ ድማ ብሓዊ እተፈለናን ዝሰዓብናን ኽንከዉን እዩ ዝደሊ። ነቲ ጽሑፍ ከነንብቦ እንከሎና እቲ እንኮ ድርኺትና ነቲ በዓል ሓቂ ፈሊጥና መገድታትና ንምትዕርራይ ክኸዉን ይግባእ። ስለዚ ነቲ ቓል በዘይ ቅድመ-ኩነታዊ ሓሳብ ልብኻ ወይ ዝንቡዕ ድርኺት ኣንብቦ። ጎይታ ድማ ብመንፈሱ ገይሩ ናብ ሓቂ ዘበለ ወይ ድማ ናብ ምፍላጥ ዋና-ሓሳብ ናይቲ ክፍሊ-ጽሑፍ ክመርሓካ እዩ። ልብኻ በቲ ጎይታ ዝብለካ ጥራይ ከመልእ ይዳሎ። ረ. ብዕላማ ምንባብ ቓል ኣምልኽ ከተንብብ እንከሎኻ፡ ከም ልማድ ከተንብብ ስለዘሎካ ዘይኮነስ፡ ብዕላማ ከተንብቦ ይግባእ። ከመዮ ጋዜጤኛታት ምሉእ ሓበሬታ ናይ ሓደ ፍጻሜ ንምርካብ፡ መን? እንታይ? መዓስ? ኣበይ? ስለምንታይ? ኸመይ? ዝብል ሕቶታት ዝሓቱ፡ ንስኻዉን ዋና ሓሳብ ወይ ምሉእ ሓሳብ ናይ ሓደ ክፍሊ-ጽሑፍ ንምርካብ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ብዕላማ ኣብቲ እተንብቦ ጽሑፍ ኣልዒልካ ተጠቀመሎም:- * መን? መን ጽሒፍዎ? መን ኢልዎ/ተዛሪብዎ? በዓል መን ተጠቅሶም ኣለዉ? ንመን እዩ ዝዛረብ ዘሎ? ብዛዕባ መንዩ ዝዛረብ ዘሎ? * እንታይ? እቲ ቐንዲ ፍጻሜ እንታይ ኢዩ? እንታይ ቐንዲ ሓሳባት ኣለዉ? እንታዎት ዓበይቲ ትምህርትታት ኣለዉ? እቶም ሰባት እንታይ ይመስሉ? ብዛዕባ እንታይ ይዛረብ ኣሎ? እዚ ክብል ከሎ እንታይ እዩ ዕላምኡ? * መዓስ? መዓስ ተጽሒፉ? እቲ ፍጻሜ መዓስ ኮይኑ? መዓስ ክፍጸም እዩ? መዓስ ነዚ ኢልዎ? መዓስ ነዚ ፈጺምዎ? * ኣበይ? ኣበይ እዚ ኾይኑ? ኣበይ እዚ ተባሂሉ? ኣበይ እዚ ክኸዉን እዩ? * ስለምንታይ? ስለምንታይ ተጽሒፉ? ስለምንታይ እዚ ተብሂሉ? ስለምንታይ ብተደጋጋሚ እዚ ፍጻሜ ወይ ትምህርቲ ይጥቀስ ኣሎ? ስለምንታይ እዝን እትን ተገይሩ? * ኸመይ? እዚ ብኸመይ ተገይሩ? ብኸመይ ኾይኑ? እዚ ሓቂ ብኸመይ ተገሊጹ? እምብ ኣር እቲ ክፍሊ-ጽሑፍ ብኸምዚ ዕላማ እንተተነቢቡን እዞም ሕቶታትዉን እንተተመሊሶም፡ ኣዝዩ ብዙሕ ነገር ክንምሃርን፡ ነቲ ዋና ሓሳብ ድማ ክንረኽቦ ይክ ኣል እዩ። እዞም ሕቶታት ዓንዲ ሕቆ ናይ ዉሕሉል ትዕዝብቲ ጥራይ ዘይኮነስ መሰረት ናይ ሓደ ቅኑዕ ኣትረጋጉማ ጽሑፍ እዮም። እዚ ዘይምምላእ ግና ናብ ዝንቡዕ ዝኾነ ኣረዳድ ኣ ጽሑፋት የምርሕ እዩ። 2ጴጥ 3~16 Example:- "ድሕሪኡ ድማ የሱስ ይሁዳ ሓዲጉ ናብ ገሊላ ኸደ። ኣይሁድ ክቐትልዎ ይደልዩን ስለዝነበሩ ብእኡ ኣይሓለፈን።" የዉ. 7*1 እስከ ሕጂ ነዚ ጥቅሲ ምርኩስ ብምግባር ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ንመልስ • እዚ ክፍሊ-ጽሑፍ ብዛዕባ መን ይዛረብ ኣሎ? ___________________ • የሱስ እንታይ ይገብር ነይሩ?______________________________ • ናበይ ይንቐሳቐስ ነይሩ?__________________________________ • ስለምንታይ ናብ ይሁዳ ዘይከደ?____________________________ • መዓስ እዚ ኮይኑ?_____________________________________{mospagebreak} 2. ዓቢይ ስእሊ ናይቲ ክፍሊ-ጽሑፍ ምርካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብ40 ዝኾኑ ሰባት ዝተጻሕፉ 66 መጽሓፍቲ ዝሓዘኳ እንተኾነ ልክዕ ብሓደ ሰብ ክምዝተጻሕፈ ሓደ መጽሓፍ እዩ። ነፍሲ ወከፍ መጽሓፍ ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኾነ ዕላማን መልእኽትን ኣለዎ። ስለዚ ከምቲ ሙሴ መቕደስ ንምስራሕን ከምኡዉን ኖህ መርከብ ንምስራሕ ስእሊ ኻብ ጎይታ ዝተቐበሉ ንስኻ ድማ ናይ እግዚኣብሄር ሓሳብ ልቢ መገድታት ንምፍላጥ፡ ናይቲ እተንብቦ ጽሑፍ ገዚፍ ስእሊ ምርካብ ኣገዳሲ እዩ። ናይቶም ጽሑፋት ዓበይቲ ስእሊ ምርካብ ድማ ናብ ምልኣት የሰጋገረካ ዩ።
3. ዕሙቐት ክፍሊ ጽሑፍ ምምልካትዋና ሓሳብ ናይቲ ክፍሊ ጽሑፍ ድሕሪ ምድህሳስና፡ ዕሙቀት ናይቲ ጽሑፍ ምምልካት ክንጅምር ይግባእ።
መልሲ ናይዞም ሕቶታት ብዕቱብ ምርካብ፡ ነቲ ክፍሊ-ጽሑፍ ብትኽክል ኣብ ምቱርጋም ዓቢ ተራ ኣለዎ።
|
Well come !!!
Latest Message
(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4) ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ። ካብተን ካልኦት መ....
ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ....
ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ዝፈትዎ ሓወይ ብዙሕ ሳዕ “እዚ እባ ግበረለይ?”፡ “ከምዚ እባ ተማልኣለይ?”፡ “ከምዚ ትገዝኣለይ ዲኻ?....
ኣብ መንፈሳዊ ንስጋውን ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎን ናይ ለውጢ ሞተር ከኣ ዝኾነ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ዘለዋ ሕብረተሰብ ውሕስነት ....
We exist to freely share the good news from God to the entire world so you can KNOW the Truth about life and eternity. We provide free access on the Internet to the finest, most trustworthy biblical truths and materials.
Father's Love Letter is a compilation of bible verses from both the Old & New Testaments that are presented in the form of a love letter from God to the world.Christianbook.com
Christianbook.com is the online home of Christian Book Distributors (CBD), the world's largest distributor of Christian resources.
Streaming Faith
Streaming faith, the world's largest faith based broadcasting portal, allows Christian ministries to spread the gospel by delivering their live or video on ...