Forgot your password? Create an account
  • Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
  • default color
  • green color
  • red color

Eriwongel.com

Monday
May 21st
Home Articles Books ኣገዳስነት ናይ ኣተሓሳስባና (1ይ ክፋል)
ኣገዳስነት ናይ ኣተሓሳስባና (1ይ ክፋል) PDF Print E-mail

ተግባርና ቀጥታዊ ውጺኢት ናይ ኣተሓሳስባና የርኢኣሉታዊ ኣተሓሳስባ እንተሎና ኣሉታዊ ህይወት ድማ ንነብርበቲ ሓደ ወገን ድማ ኣእምሮና ብቃል ኣምላኽ እንተኣሐዲስናዮ ከምቲ ኣብ ሮሜ 122  እንረኽቦ ተስፋ ቃል '' እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ '' ክንምርምርን ክንፈልጥን ንኽእል

ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ሰለስተ ክፍልታት ከፊለያ ኣለኹእቲ ቀዳማይ ክፋል ኣገዳስነት ናይ ኣተሓሳስባና ዝብል ኮይኑ፣ እንታይ ክንሓስብ ክንሓስብ ከምዘሎና ዝብል ነጥቢ ድማ ሒዙ ኣሎ

ናይ ብዙሓት ሰባት ሽግር መበገሲኡ ካብ ኣተሓሳስብኦም ኢዩሰይጣን ንኹሉ ሰብ ግጉይ ንኽሓስብ ይገብሮንሕና ድማ ነዚ ኣተሓሳስባዚ ነጺግና ምስ መንፈስ ቅዱስ ዝሰማማዕ ኣተሓሳስባ ከነማዕብል ይግብኣና

2ቆረ. 1045 ከምዝገልጸልና ቃል ኣምላኽ ጽቡቕ ጌርና ክንፈልጦን፣ ፈሊጥና ድማ ኣእምሮና ንኣምላኽ ንምእዛዝ ከነ ዳልዎ ከምዘሎና የዘኻኽረናካብ ቃል ኣምላኽ ወጻኢ ንዝመጸና ሓሳብ ድማ ኣብ ኣእምሮና ከነሰላስሎ የብልናን

እዛ መጽሓፍዚኣ ነዚ ንኽትገብሩ ክትሕግዘኩም ጸሎተይ ኢዩ

እቲ ዓውደ ውግእ ድማ ኣእምሮና ኢዩ ኣተሓሳስባና ምስ ኣተሓሳስባ ናይ ኣምላኽና ክመዓራረ ይግብኦ እዚ መስርሕዚ ድማ ጊዜን መጽናዕትን የድልዮ

ተስፋ ኣይትቑረጽ! ምኽንያቱ ቀስ ብቐስ ክትቅየር ትኽእል ኢኻ በተሓሳስባኻ ብጽቡቕ እንተተዳሊኻ ብእኡ መጠን ድማ ህይወትካ ክቕየር ይጅምር ናይ ኣምላኽ ሰናይ መደብ ኣብ ልዕሌኻ ከተስተውዕል ምስ ጀመርካ፣ በቲ መደብ ክትመላለስ ክትጅምር ኢኻ

 

እቲ ዓውደ ውግእ ኣእምሮና ኢዩም (ዕራፍ 1 )

''እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እም በር፣ ምስ ስጋን ደምን ኣይኮነን። ''    (ኤፌ.  61112)

  
ካብዛ ጥቕሲ ከምእንርድኦ ኣብ ውግእ ንርከብ። እቲ ቕልስና ድማ ምስ ሰብ ኣይኮነን። ምስ ድያብሎስን ኣጋንንትን ኢዩ። ሰይጣን ንዓና ንምትላልልን ንምስዓርን ውሕሉል መደብ የውጽእ።

ሰይጣን ሓሳዊ እዩ። ጎይታ ኢየሱስ ኣብ ዮሃ. 844 ‘‘. . . ሓሳዊ እዩ እሞ፣ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ '' ብምባል ይገልጾ። ሰይጣን ብዛዕባናን ብዛዕባ ካሎኦት ሰባትን ኩነታትን ሓሶት ይነግረና። ይኹን ድኣ እምበር ነዚ ኹሉ ሓሶት ብሓደ እዋን ኣይነግረናን'ዩ።

ንኣእምሮና ብውሕልና ዝተዳለወ ቅንጹብ ሓሳባት፣ ጥርጣሬ፣ ፍርሂ፣ ምኽንያት፣ ተኣምራትን ክልሰሓሳባትን ብሕቶ መልክዕ የቕርበልና። ቀስ ኢሉ ድማ ተጠንቂቑ ይሰርሕ። ነስተውዕል! ጸላኢ ነቲ ቕልስናኡ ስትራተጂ የውጽእ፣ ጊዜ ወሲዱ ድማ ንነፍሲ ወከፍና የጽንዓና።

እንታይ ከም እንፈቱን እንታይ ከምእንጸልእን ይፈልጥ። ምእማናን፣ ኣየናይ ኣዝዩ ከምዘሸግረናን ድኽመትናን ፍርህናን ይፈልጥ። ንዓና ንኽስዕር ድማ ዝኣክል ጊዜ ንኸጥፍኣልና ኣይስልችዎን ኢዩ። ሓደ ካብቶም ቀንዲ ሓያል ጎኑ ድማ ትዕግስቱ ኢዩ። ጸላኢና እምበኣር ትዕግስተኛ ኢዩ።

ነቲ ጽኑዕ ዕርድታት ምፍራስ

'' ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታ ት ብርቱዕ እዩ እምበር፣ ስጋዊ ኣይኮነን፣ ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገርሉን እናፍረ ስና፣ ኩሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ንማርኸሉ ኢና''   (2ቆረ. 1045)

                                       

ሰይጣን ብጥንቑቕን ዘደናግርን ሜላታት ተጠቒሙኣብ ኣእምሮና '' ጽኑዕ ዕርዲ'' ይፈጥር

ኣብ ላዕሊ ጳውሎስ ከምዝገለጾ፣ ነዚ ናይ ሰይጣን ጽኑዕ ዕርዲ ንምቅዋም ኣጽዋር ከምዘሎና የዘኻኽረናብዛዕባ እዞም ኣጽዋር ኣብ ዝቕጽል ክፍልታት ክንርእዮ ኢና፣ ንሕጂ ግን ኣብ መንፈሳዊ ኩናት ከም እንርከብ ክንፈልጥ ይግብኣናጥቕሲ 5 ነቲ ውግእ ብኸመይ ከምነሰንፎ ተብርሃልና

ስጋብ ሕጂ ከምዝረኣናዮ፣

  1. ኣብ ኩናት ንርከብ
  2. ጸላኢና ድማ ሰይጣን ኢዩ
  3. እቲ ዓውደ ውግእ ኣእምሮና ኢዩ
  4. ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ኣእምሮና ጽኑዕ ዕርዲ ንምስራት ይነጥፍ
  5. ነዚ ድማ ብስትራቴጂን ምትላልን ይፍጽሞ
  6. ከይተሃወኸ ድልየቱ ንምፍጻም ድማ እኹል ጊዜ ይወስድ

ሕጂ ድማ ነቲ ዘውጾኦ መደብ ብኸመይ ክዕወተሉ ከምዝኽእል ንዝብል ብምሳሌ ጌርና ክንሪኢ ኢና

ብወገን ሜሪ

ሜሪን ብዓል ቤታ ጆንን ሕጉስ ዝኾነ ሓዳር የብሎምን። መብዛሕቱኡ ጊዜ ኣብ ሞንጎኦም ግጭት ኣሎ። ክልቲኦም ድማ ይሓርቁ፣ ይቕሕሩን የማርሩን። በዚ ኩነታቶም ዝተጸለው ክልተ ደቂ ኣለውዎም። በቲ ግጭት ናይ ወለዶም ሰበብ ድማ ኣብ ጠባይ ናይቶም ቆልዑን፣ ኣብ ቤት ትምህርቶም ከይተረፈ ክትንክፎም ጀሚሩ። ሓደ ኻብኦም ብሰንኪ ሕርቃን ናይ ጨጓራ ሕማም ሓሚሙ።

ናይ ሜሪ ሽግር ንጆን ከም ርእሲ ናይታ ቤት ኣይትፈልጦን እያ። ንሳ  ናይቲ ቤት ሓላቓ ክትከውን ትደሊ። ''ናይ ገዛእ ርእሳ'' ገንዘብ ከተቐመጥ ድማ ትሰርሕ። ዓው ምባል ትፈቱ፣ ትቋየቕ፣ ብርእሳውን ክትሓድር ትደሊ።

ምናልባት ''ነዚኣ ድኣ ጎይታ'ዩ ዘድልያ'' ትብሉ ትኾኑ።

ንጎይታ ትፈልጦ እያ! ሜሪ ንጎይታ ከም ናይ ውልቂ መድሓኒኣ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ተቐቢላቶ። እዚ ድማ ድሕሪ መርዕዖም ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ምዃኑ ኢዩ።

''እሞ ድኣ ሜሪ ድሕሪ ንጎይታ ከም ናይ ውልቂ መድሓኒኣ ምቕባላ፣ ኣብ ህይወታ ለውጢ ኣይተራእየን ማለት ድዩ፧''

እወ፣ ለውጢ ኔሩ። በቲ ሕማቕ ባህሪያታ ከምተነጽገት እንተ ፈለጠት እኳ፣ ናይ ዘልኣለም ህይወት ከምእትረክብ ግን ትኣምን እያ። ቅድሚ ንጎይታ ምርካባ ቅዝንትን ተስፋ ዘይብላን እያ ኔራ።ሕጂ ድማ ተስፋ ኣለዋ፣ ግን ከኣ ቅዝንቲ(ዘይሕጉስቲ) እያ።

ሜሪ ኣተሓሳስባኣ ጉጉይ ከምዝኾነ ትኣምን ኢያ። ክትልወጥ ትደሊ።ካብ ክልተ ዝተፈላለዩ ሰባት ድማ ምኽሪ ተቐቢላ፣ ምምሕያሽ ግን ኣየርኣየትን። ስለምንታይ፧

ናይዚ መልሲ ድማ ኣብ ሮሜ 122 ንረኽቦ ''እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ሙሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፣ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፣ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።''

ሜሪ ኣብ ኣእምሮኣ ጽኑዕ ዕርዲ ኣለዋ። እዚ ድማ ነዊሕ ጌሩ። እዚ ዕርድታትዚ ብኸመይ ከምዝፈርስ ድማ ኣይትፈልጥን እያ። ዓላዊት፣ ሓራቕን ተቛያቒትን ወ..ተ ክትከውን ከምዘይብላ ትፈልጥያ። ነገር ግን ነዚ ባህርያታ ብኸመይ ክትቅይሮ ከም ትኽእል ኣይትፈልጥን። ከምቲ ክትኮኖ ዘይግብኣ ኮይና ትመ ላለስ ዘላ ድማ ተግባራታ ክትቆጻጸሮ ስለዘይክኣት እያ።

ንተግባራታ ክትቆጻጸሮ ዘይከኣለት ድማ ነተሓሳስብኣ ክትቆጻጸሮ ስለዘይከኣለት ኢዩ። ነተሓሳስብኣ ክትቆጻጸሮ ዘይከኣለት ምኽን ያትውን ሰይጣን ኣቐዲሙ ኣብ ንእስነታ ጽኑዕ ዕርዲ ስለዝሰረተ ኢዩ።

ሰይጣን ገና ንኣሽቱ ኮሎና ነቲ ውሕሉል ውጡኑ ኣተኣታትዩ፣ ተጠንቂቑ ናይ ምድንጋር ዘርኢ ክዘርእ ይጅምር። ኣብ ናይ ሜሪ ኩነታት እንተሪኢናውን፣ እቲ ሽግር ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ኣብ ጊዜ ንእስነታ'ዩ ተጀሚሩ።

ሜሪ ህጻን ኣብ ዝነበረትሉ ጊዜ ኣቡኣ ብሕሉፍ ይገርፋ ኔሩ። ንእሽቶ ጌጋ እንተፈጺማ ድማ ኩሉ ጊዜ ሕርቃኑ የርእያ። ንዓመታት ዝኣክል በዚ ናይ ኣቦኣ፣ ኣብ ልዕሊኣን ኣብ ልዕሊ ኣዲኣን ዝነበሮ ኣተሓሕዛ ተሳቕያ። ንዓዓን ነዲኣን ድማ ምንም ኣኽብሮት ኣይነበሮን። ሓዋ ንሜሪ ግን ካብዚ ሽግርዚ ነጻ'ዩ ኔሩ፣ ምናልባት ወዲ ተባዕታይ ስለዝኾነ ይኸውን።

ሜሪ ጓል 16 መት ምስኮነት፣ ሰይጣን ናይ ሓሶት መልእኽቱ ብኸምዚ ዝስዕብ እናለኣኸ ንኣእምሮኣ ክቆጻጸሮ ጀሚሩ፣

'' ሰብኡት ንነብሶም ከም ሓደ ፍሉይ ነገር ኢዮም ዝሓስብዋ፣ ኩሎምውን ሓደ ዓይነት ኢዮም፣ ክትኣምንዮም ድማ ኣይትኽ እልን ኢኺ። ክጎድእኹን ክብለጹልክን ይደልዩ። ሰብኣይ ኔርኪ እንተትኾኒ ግን ህይወትኪ ባዕልኺ ምመራሕክያ ኔርኪ። ዝደለ ኽዮ ነገር ድማ ትፍጽሚ። ንሰባት ትእዝዝዮም፣ ሓላፊቶምውን ትኾኒ፣ ከምዝደለኽዮ ጌርኪ ድማ ትመልኪዮም።''

በዚ ሰበብዚ ድማ ኣእምሮ ናይ ሜሪ ከምዚ ዝብል መፍትሒ ረኺቡ '' ካብዚ ቤት ምስ ወጻእኩ ማንም ዝእዝዘንን ዝመልከንን የለን!''

ሰይጣን ኣብ ኣእምሮኣ ተቐሚጡ። ሓንቲ ሰብ ነዚ ሓሳባት እዚ ንኣሻሓት ጊዜ ዝኣክል ንዓሰርተ ዓመታት ምስ ኣሰላሰለቶ ተመርዕያ ምጭውትን፣ ሕራይ በሃሊትን ተፈቃሪትን ክትከውን ትኽእል ድያ፧

ሜሪ ኣብ ከምዚ ኩነታት ትርከብ። እንታይ ክትገብር ኣለዋ፧ ኣብ ከምዚ ናታ ኩነታትከ ንሕና እንታይ ምገበርና፧

እቲ ቃል ኣጽዋርና ኢዩ

''. . . ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተጸናዕኩም፣ ብሓቂ ደቀ መዛ ሙርተይ ኢኹም። ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፣ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፣ በሎም።''       (ዮሃ.  83132)

                          

ጎይታ ኣብዚ ቦታዚ ኣብ ልዕሊ ሓሶት ናይ ሰይጣን ብከመይ ከምእንዕወት ይነግረና። ነቲ ሓቂ ዝኾነ ቃል ኣምላኽ ድማ ክንፈልጥ ይግባእ። በቲ ቃል ኣእምሮና እናሐደስና፣ ከምቲ ኣብ 2ቆረ. 1045 ዝተገለጸ ኣጽዋር ውግእና ኣልዒልና፣ ነቲ ጽኑዕ ዕርድታት ጸላኢ ንኸነፍርስ እኹል ፍልጠት ክንሕዝ ይግባኣና።

እዞም '' ኣጽዋራት'' ድማ ብስብከት፣ ትምህርቲ፣ መጻሕፍቲ፣ ካሴት፣ ጉባኤን ካብ ናይ ውልቂ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ብእንረኽቦ ቃል ኣምላኽ ከነጥርዮም ንኽእል። ኣብ ርእሲዚውን እቲ ምግላጽ ብመገዲ መንፈስ ቅዱስ ክሳብ እንረኽቦ ምስቲ ቃል ''ክንጸንዕ'' ይግባእ። ኣብ ማር. 424  ኢየሱስ ከምዚ ይብለና

''ድማ በሎም፣ ብትሰምዕዎ ተጠንቀቑ። በቲ እትሰፍርሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም ኪውሰኸልኩምውን እዩ።''

ስለዚ ክደግሞ እየ፣ እቲ ኣጽዋር ውግእና (ቃል ኣምላኽ) ብቀጻሊ ክንጥቀመሉ ኣሎና።

ካልኦት ክልተ መንፈሳውያን ኣጽዋራትውን ኣሎውና: ኣምልኾን ጸሎትን። ካብ ካልእ መገድታት ንላዕሊ ብኣምልኾ ንሰይጣን ቀልጢፍና ክንስዕሮ ንኽእል። እቲ ኣምላኾ ግን ካብ ልቢ ዝነቐለ፣ ሓቅነት ዝሓዘ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ኣምልኾ ኣፋዊ ጥራይ ክኸውን የብሉን። ንኣምላኽ ከም ቃሉን ከም መጠን ዕቤቱን ከነምልኾ ይግባኣና።

ጸሎት ምስ ኣምላኽ ርክብ ምግባር ማለት ኢዩ። ብመገዲ ጸሎት ንኣምላኽ ሓገዝ ንሓቶ፣ ወይውን ዘጸግመና ነገራት ኣብ ቅድሚኡ ነቕርቦም።

ውጺኢታዊ ዝኾነ ናይ ጸሎት ህይወት ንኽህልወኩም እንተ ደሊኹም፣ ውልቃዊ ዝምድናኹም ምስ ኣምላኽ ከተማዕብሉ ኣለኩም። ንሱ የፍቅረኩም ኢዩ፣ ምሕረተኛ ኢዩ፣ ክሕግዘኩም ድማ ድልው ኢዩ። ንጎይታ ፍለጥዎ፣ ዓርኩኹም ኢዩ። ንኹላ ትና ድማ ሞይቱልና ኢዩ። ንመንፈስ ቅዱስውን ፍለጦ፣ ኣብ ውሽጥኻ ኣሎ፣ ሓጋዚኻ ምኻኑ ኣይትረስዕ! ኩሉ ጊዜ ድማ ናትካ ፍቓድ ኣርእዮ።

ጸሎትካ ብቓል ኣምላኽ ዝተሰነየ ክኸውን ኣለዎ። ቃል ኣምላኽን ናትና ድሌት ምህላውን መሰረታውያን፣ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንቀርብ ኮሎና ዘድሉዩና ነገራት ኢዮም።

ስለዚ እምበኣር ኣጽዋርና ቃል ኣምላኽ ከይሓወሰና ክንጥ ቀመሎም ኣይንኽእልን ኢና። ከምቲ ጳውሎስ ኣብ 2ቆረንጦስ ዝነገረና፣ ኣጽዋርና ስጋዊ ኣይኮኑን፣ መንፈሳዊ ኢዮም። መንፈሳዊ ኣጽዋር ዘድለየና ምኽንያት ድማ ቅልስናና ንሰይጣን ሓዊስካ ምስ እከያት መናፍስቲ  ስለዝኾነ ኢዩ። ጎይታ ኢየሱስ ከይተረፈውን ኣብቲ ናይ ምድረ በዳ ርክቡ ምስ ሰይጣን፣ ንሰይጣን ንምስዓር ቃል ኣምላኽዩ ተጠቒሙ። (ሉቃ.  4113)  ሰይጣን ብሓሶት ንጎይታ ይዛረቦ፣ ጎይታ ድማ ቃል ኣምላኽ እናጠቐሰ '' ጽሑፍ''' ኢሉ ይምልሰሉ ኔሩ።

ሜሪ ነጽዋራታ ክትጥቀመሎም ኣብ ዝጀመረት እዋን፣ ነቲ ኣብ ኣእምሮኣ ተነዲቑ ዘሎ፣ ዕርድታት ናይ ጸላኢ  ከተፍርስ ትጅ ምር። ነታ ሓራ ትገብር ሓቂ ድማ ክትፈልጣ ትጅምር። ኩሎም ሰቡኡት ከም ኣቦኣ ከምዘይኮኑውን ክትርዳእ ትጅምር። ገለ እኳ ከም ኣቦኣ ክኾኑ እንተኸኣሉ፣ ዝበዝሑ ግን ከም ኣቦኣ ኣይ ኮኑን። ንኣብነት ጆን ሰብኣያ ከም ኣቦኣ ኣይኮነን። ንሜሪ ድማ ኣጸቢቑ የፍቅራ ኢዩ።

ብወገን ጆን

ጆን ብወገኑ፣ ነቲ ኣብ ሞንጉኡን ኣብ ሞንጎ ብዓል ቤቱ‐ሜሪን ዘሎ ሽግር ናይ ሓዳሮም ኣስተዋጾኦ ኣለዎ።

ጆን ከም ርእሲ ናይታ ስድራ ሓላፍነቱ ክወስድ ኔርዎ። ኣምላኽ ናይቲ ገዛ ቀሺ ጌርዎ ኢዩ። ጆንውን ከም ሜሪ ዳግም ዝተወልደ ክርስትያን ኢዩ። ጉቡእ ናይ ሓዳር ስርዓት ይፈልጥ። በዓል ቤቱ፣ ወጻኢታቶምን ውላዶምን ንዑዑ ከይተረፈውን ከተማሓድሮ ከምዘብላ ይፈልጥ ኢዩ። እዚ ኩሉ እናፈለጠ ድማ ከም እተሰነፈ ፈሊጡ ናብ ቴሌቪዥን ምርኣይን፣ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታትን ዘንቢሉ።

ጆን ካብ ሓላፍነት ዝሃድም ዘሎ ምግታር ስለዝጸለአ ኢዩ። ከምዚ ዝስዕብ ሓሳብ ኔርዎ ''ነዚ ኩነታትዚ ብዙሕ እንተ ዘይተገደስኩሉ ይሓይሽ፣ ምናልባት ለውጢ ይመጽእ ይኸውን'' ወይውን '' ክጽልየሉ'' እናበለ ካብቲ ግቡእ ስጉምቲ ምውሳድ ተሪፉ ይኸውን። ጸሎት ጽቡቕ ኢዩ፣ ንሓላፍነትና ግን ዘወግድ ክኸውን የብሉን።

ጆን ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓላፍነት ክፈልጥ ኣለዎ ዝበልኩ፣ ጆን ብጃህራን ብምቑያቕን ክቀርባ ኣለዎ ማለተይ ኣይኮነን። ኤፌሶን 525 ከምዝምህረና፣ ልክዕ ከምቲ ክርስቶስ ንቤተክርስትያኑ ዘፍቀራ፣ ሰብኣይ ድማ ንሰበይቱ ከምኡ ከፍቅራ ኣለዎ። ጆን ሓላፍነት ክወስድ ኔርዎ፣ ብድሕሪኡ ድማ ስልጣን ይመጽእ። ምስ ብዓል ቤቱ ብፍቕራዊ መገዲ ጽኑዕ ክኸውን ኣለዎ። ንሜሪ ድማ ሽሕ እኳ ህጻን ኣብ ዝነበረትሉ ጊዜ ብኣቦኣ እንተ ተጎደአት፣ ነዚ ጉዳይ ንኣምላኽ እንተሂባቶን ኣሚናቶን፣ ኩሎም ሰቡኡት ከም ኣቦኣ ከምዘይኮኑ ክትፈልጥ ከምዘለዋ ከረድኣ ኔርዎ።

ጆን ክገብሮ ዝግብኦ ብዙሕ ነገራት ኔሩ። ነገር ግን ንሱውን ከም ሜሪ ንጸላኢ ኣፍደገ ዝኸፍት ሽግር ኔርዎ። ስለዚ ድማ ኣብ ኣእምሩኡ ኩናት ተፈጢሩ። ከም ሜሪ ንሱውን ኣብ ጊዜ ንእስነቱ ተጎዲኡ'ዩ። ኣዲኡ ትመልኮ ኔራ። ብመልሓሳ ድማ ተጓዳኢት ኔራ። ንኣብነት ''ጆን፣ ንስኻ ጉዑዝይ ኢኻ፣ ምንም ዋጋ የብልካን'' ትብሎ ኔራ።

ጆን ብወገኑ ከም ኩሎም ቆልዑ በዲኡ ተቐባልነት ንኽረክብ፣ ነዲኡ ከሐጉሳ ብዙሕ ፈቲኑ። ነገር ግን ዝከኣሎ እኳ እንተፈተነ እቲ ዝፈጸሞ ጌጋታት እናበዝሐ ከይዱ። ጠገለ ዘይብሉ ኮይኑ ድማ ተሪፉ።

የዕሩኹቱውን ነጺጎሞ። እዚ ነገርዚ እኳ ንመብዛሕትና እንተ ኣጋጠመና፣ ንጆን ግን ኣቐዲሙ በዲኡውን ስለተነጸገ ኣዝዩ ሃሲይዎ።

ከምኡውን ናይ ካልኣይ ደረጃ ተመሃራይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ሓንቲ ኣዝዩ ዝፈትዋ መንእሰይ ኔራ። ደሓር ግን ንዑዑ ሓዲጋ ንኻልእ መንእሰይ ኣፍቂራ። እዚ ኩሉ ነገራት ኣብ ህይወት ናይ ጆን ምስ ኣጋጠመ፣ ሰይጣን ድማ ኣብ ኣእምሩኡ ንዓመታት ዕርድታቱ ምስ ሰረተ፣ ጆን ትብዓት ዘይብሉ፣ ህዱእን ንጹሉን ሰብ ኮይኑ ተሪፉ።

ጆን ምንም ስጉምቲ ክወስዱ ካብ ዘይክእሉ ዓይነት ሰባት ኢዩ። ንዓመታት ዝኣክል ናብ ኣእምሩኡ ከምዚ ዝስዕብ ሓሳባት ይመጾ ''ንዝኾነ ሰብ እንታይ ከምትሓስብ ዘይምንጋር ይሓይሽ፣ ምኽንያቱ ድማ ዝሰምዓካ ስለዘየለ። ሰባት ክቕበሉኻ እንተ ኾይኖምውን ነቲ ዝደልይዎ ነገር ጥራሕ ሕራይ ክትብሎም ኣሎካ።''

ኣብተን በቲ ናቱ መትከል ክጸንዕ ዝፈተነሉ እዋናት ድማ ዝሰዓር ይመስሎ። ኣብ መወዳእታ ድማ ምግታር ኣየዋጻኣንንዩ ኢሉ ወሲኑ።

በዚ ምኽንያት ድማ '' ኣብ መጨረስታ ስለዝጉዳእ፣ ንምንታይ ይካታዕ፧'' ኢሉ ደምዲሙ።

 

እቲ መልሲ እንታይ ክኸውን ይኽእል፧

'' ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፣ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ኢዩ። ንምሩኻት ከምልስ፣ ንዕውራት ምርኣይ፣ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፣ ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለአኸኒ።'' (ሉቃ.  41819)

ናይ ጆንን ሜሪን ኩነታት ናብርኦም እንታይ ከምዝመስል ንምግማቱ ኣየጸግምንዩ። ኣቐዲመ ብዙሕ ቋይቂ ከምዘሎ ነጊ ረኩም ኔረ። ግጭት(ይቂ) ኩሉ ሰብ ከምዘሎ ዝፈልጦዩ፣ ንዕዑ ንምእላይ ግን ስጉምቲ ዝወስድ ዳርጋ የለን። እቲ ኩነታት ናይ ገዝኦም ዘሕዝን'ዩ፣ ሰይጣን ድማ እዚ ኹነታት ምህላው ብጣዕሚ ደስ ይብሎ።

ንጆን ሜሪንን ደቆምን እንታይ የጋጥሞም ይኸውን፧ ነዚ ኩነታቶም ክሳገርዎ ይኽእሉዶ ይኾኑ፧ ክርስትያናት ኢዮም - ሓዳሮምን ቤተሰቦምን ፋሕ ክብል ድማ የሕንኽ ኢዩ። ምዃን እኳ ናቶም ሽግር ኢዩ። ዮሃ. 83132 ኣብቲ ናቶም ኩነታት ወሳኒ ቃል ኢዩ። እንተዳኣ ብቐጻሊ ቃል ኣምላኽ ኣጽኒዖም፣ ነታ ሓቂ ክፈልጥዋ ኢዮም። ኣብ ልዕሊ እታ ሓቂ ድማ ስጉምቲ እንተወሲዶም ሓራ ክኾኑ ኢዮም።ስለዚ ድማ ነፍሲ ወከፎም ነታ ሓቂ ክፈልጥዋን ክደልይዋን ብዛዕባ ዝሓለፈ ህይወቶም ድማ ንኣምላኽ ክህብዎ ኣለዎም።

ሓቂ ድማ ኩሉ ጊዜ ብቃል ኣምላኽያ ትግለጽ። እቲ ዘሕዝን ድማ ሰባት ነዚ ኩሉ ጊዜ ክቕበልዎ ኣይደልዩን ኢዮም። ድኽመታትና ኣግሂድና ንመፍትሒኡ ምብጋስ የሕምመና። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ሰባት ንነውሮም ብምኽንያት ይሓልፍዎ። ነቲ ሕማቕ ባህሪኦም ሸለል ብምባል፣ ነዚ ሕጂ ዘለውዎ ህይወቶም ብኣሉታዊ መገዲ ንኽጸልዎም ዕድል ይኸፈትሉ።

ዝሓለፈ ህይወትና ነቲ ሽግርና ክገልጾ ይኽእል ይኸውን፣ ነገር ግን ኣብ ትሕቲ እስራት ንኸይንጸንሕ ከም ምኽንያት ኣይን ጠቀመሉ።

ኩላትና ካብ ምኽንያት ውጽኣት ኢና፣ ምኽንያቱ ድማ ኢየሱስ ከም ቃሉ መሰረት ካብቲ ግፍዒ ናይ ጸላኢና ንኸውጽኣና ኩሉ ጊዜ ድልው ስለዝኾነ። እንተዳኣ ምስ ጎይታ ማዕረ ማዕረ ክንከይድ ድልየት ኣሎና፣ ንሱ ድማ ስጋብ እቲ ናይ መጨረስታ ናይ ዓወት መስመር ከብጽሓና ድልው ኢዩ።

መውጺኢ መገዲ ኣሎካ

'' ሰብ ክጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፣ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፣ መው ጺኢ ገይሩልኩም ኣሎ፣ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይ ሓድገኩምን እዩ።''          (1ቆረ. 1013)

ካብቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ጽውጽዋይ ዝመስል ኩነታት፣ ሰይጣን ከመይ ጌሩ ኣብ ልዕሊ ኩነታትናን ህይወትናን ጽኑዕ ዕርድታት ክስርት ከምዝኽእል ንምግማት ኣየጸግምን'ዩ። ነዚ ጽኑዕ ዕርድታት ከነፍርሰሉ እንኽእል ኣጽዋር ስለዝሃበና ክብሪ ንኣምላኽ!  ኣምላኽ ኣይኩንነናን'ዩ፣ ሓገዝ ዘይብልናውን ኣይገድ ፈናን'ዩ። (1ቆረ.  1013)  ኣምላኽ ብኽንጻወሮ ዘይንኽእል ፈተና ኣይፍትነናን ኢዩ፣ ነገር ግን ምስ ነፍሲ ወከፍ ፈተና መውጺኢ መገዲ ይፈጥረልና።

ገሌና ከም ጆን፣ ገሌና ድማ ከም ሜሪ ኢና። መብዛሕትና ምስዚ ኩነታት ከምእንመሳሰል ርግጸኛ እየ። እቲ ናቶም ሽግር ውሽጣዊ'ዩ‐ ኣብ ኣተሓሳስቦኦምን ኣእምሮኦምን። እቲ ደጋዊ ባህሪያቶም ድማ ናይቲ ውሽጣዊ ህይወቶም መግለጺ ኢዩ። ሰይጣን ድማ እንተዳኣ ኣእምሮና ተቖጻጺሩ፣ ተግባራትናውን ከምዝቆጻጸሮ ይፈልጥ'ዩ።

ኣብ ህይወትካ ክስበር ዘለዎ ጽኑዕ ዕርዲ ይህልወካ'ዩ። ከምዚ ኢለ ድማ ከተባብዓካ እደሊ። '' ኣምላኽ ኣብ ጎንኻ ኢዩ ''  ውግእ ኣሎካ፣ ናይቲ ውግእ ዓውዲ ድማ ኣእምሮኻ ኢዩ፣ እቲ ጽቡቕ ዜና ግን፣ ኣምላኽ ኩሉ ጊዜ ኣብ ጎንኻ ኮይኑ ይዋጋኣልካ

ይቅጽል!

Battlefield of the mind  By Joyce Meyer (ትርጉም ዳንኤል ብርሃነ) 2008

 

 

 

 

 
Well come !!!
Latest Message

EGMM

ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ  ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንመላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መገዲ መራኸቢ እንዝርግሕ ክርስትያናት ኢና።

Social Web

Share to Facebook Share to Twitter Share to Google 
ካብ ሎ-ድባር…፣

ካብ ሎ-ድባር…፣

(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4)  ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ። ካብተን ካልኦት መ....

መልእኽቲ ፋሲካ

መልእኽቲ ፋሲካ

የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ እንተ ዘየፍስስ ኔሩ ታሪኽ ዓለምና ሓንሳብን ንሓዋሩን ብኹፍእ ታሪኽ ምስ ተዛዘመ ኔሩ። ኣምላ....

እቲ መቕሰን ኣገልጋሊ

እቲ መቕሰን ኣገልጋሊ

ንሕናደቂ ሰባት ካብዚ ኸማና ዝዀነ ሰብ ናእዳ ክንቅበል ከሎና ዝስምዓና ሓበንን ሞራልን ኣዚዩ ሓፍ ዝበለ ልዕሉ ....

እቲ ፉንፉን

እቲ ፉንፉን

ከም ሰባት ኣዚና እንጸልኦን እንፍንፍኖን ነገር ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ድማ ኩሉሳዕ ምስ ሞራላዊ ....

ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን ክትዓግብ እያ፧

ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን ክትዓግብ እያ፧

ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ....

ኣብርሃም ብሉጽ ዓርኪ ኣምላኽ

ኣብርሃም ብሉጽ ዓርኪ ኣምላኽ

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ማእለያ ዘይብሎም ዘድንቑና ሰባት ብዙሓት እዮም። ካብኣቶም ሓደ ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣቦ....

እቲ ጹኑዕ ሰብእይ

እቲ ጹኑዕ ሰብእይ

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ዝተጠቕሱ ብዙሓት ናይ እምነት ኣቦታት ዝዀኑ ጀጋኑ ተጠቒሶም ኣለዉ። እዞም ሰባት ብፍርሓት....

ምእንቲ ክንስማዕ

ምእንቲ ክንስማዕ

ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ዝፈትዎ ሓወይ ብዙሕ ሳዕ “እዚ እባ ግበረለይ?”፡ “ከምዚ እባ ተማልኣለይ?”፡ “ከምዚ ትገዝኣለይ ዲኻ?....

ኣምላኽ ካብ መንእሰይ እንታይ እዩ ዝደሊ

ኣምላኽ ካብ መንእሰይ እንታይ እዩ ዝደሊ

ኣብ መንፈሳዊ ንስጋውን ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎን ናይ ለውጢ ሞተር ከኣ ዝኾነ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ዘለዋ ሕብረተሰብ ውሕስነት ....

ስምብራታት ህይወት

ስምብራታት ህይወት

ቅድሚ ሒደት ዓመታት። ኣብ ሓደ ምውቕ ናይ ሓጋይ ቀትሪ ኣብ ፍሎሪዳ ሓደ ንእሽቶ ቆልዓ ኣብ ድሕሪ ገዝኡ ኣብ ዝርከብ ቀላ....

"እንታይ እዩ ስምካ"  ዘፍ.32።27

"እንታይ እዩ ስምካ" ዘፍ.32።27

ሰባት ኣብ ምድሪ ካብ ዝፍጠሩ ንነገራት ንምልላይ። ምፍላይን ምግላጽን ስም ይጥቀሙ፣ ስም ዝኾንካዮ ወይ ክትኮኖ እት....

እቲ ሓታቲ ባዕሉ መላሲ

እቲ ሓታቲ ባዕሉ መላሲ

መቸም ቡዙሕ ግዜ መልሲ ፈሊጡ ዝሓተካ ሓታተይ ብድሕሪ ሕትኡ ገለ ግብረ መልሲ ከም ዘለዎ ፉሉጥ እዩ....

ሕማም ሰብ ቆሮንጦስ ሕማም እዚ ዘመን እዚ

ሕማም ሰብ ቆሮንጦስ ሕማም እዚ ዘመን እዚ

ምፍልላይ፣ ሓድሕዳዊ ዘይምስናይ፣ ክብረት ርእስኻ ምድላይ፣ ንሓጥያት ምምኽናይ ኣብ እታ ኣካል ክርስቶስ ክርኣዩ ዘይግብኦም ባእታታ ይኹኑ እምበር ግና እ....
 ፍርዲ ኣንበሳ

ፍርዲ ኣንበሳ

ሓደ ግዜ ካብ ሓደ ሰባኺ ዝሰማዕክዎ ምሳሌ ንዓይ ኣዝዩ መሃሪ ዀይኑ ስለዝረኸብክዎ ከካፍለኩም፡- ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ከባቢ ሓደ ግርጉር ኣንበሳ ነበረ። ኣብ መ....
ብግዚኡ ንኹሉ ክምልሶ እዩ

ብግዚኡ ንኹሉ ክምልሶ እዩ

ኣብ ህይወትናዘድልዩና ነገራት ኣዝዚዮም እኳ ቡዙሓት እንተኾኑ ሓንሳብ ሓንሳብ ግና ካብ ድሌታትና ዝበለጸን....

MINISTRIES

Bible.org
Joyece MeyerWe exist to freely share the good news from God to the entire world so you can KNOW the Truth about life and eternity. We provide free access on the Internet to the finest, most trustworthy biblical truths and materials.

 

Father's Love Letter
Beauty Spring 2007Father's Love Letter is a compilation of bible verses from both the Old & New Testaments that are presented in the form of a love letter from God to the world.

Copy of MINISTRIES (B)

Christianbook.com
christianbook.comChristianbook.com is the online home of Christian Book Distributors (CBD), the world's largest distributor of Christian resources.

Streaming Faith
Beauty Spring 2007Streaming faith, the world's largest faith based broadcasting portal, allows Christian ministries to spread the gospel by delivering their live or video on ...

Last Message

17 May 2012, 21.44lemlem0
kab-lo-dibar(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4)  ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ።...
18 0
06 April 2012, 02.29hanidani
afasgaየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ እንተ ዘየፍስስ ኔሩ ታሪኽ ዓለምና ሓንሳብን ንሓዋሩን ብኹፍእ ታሪኽ ምስ ተዛዘመ ኔሩ።...
375 0
29 March 2012, 05.46hanidani2
2012-03-29-05-59-10ንሕናደቂ ሰባት ካብዚ ኸማና ዝዀነ ሰብ ናእዳ ክንቅበል ከሎና ዝስምዓና ሓበንን ሞራልን ኣዚዩ ሓፍ ዝበለ ልዕሉ እዩ። ነዚ ዀይንኮነ...
279 0
15 March 2012, 08.32hanidani
2012-03-15-08-34-59ከም ሰባት ኣዚና እንጸልኦን እንፍንፍኖን ነገር ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ድማ ኩሉሳዕ ምስ ሞራላዊ ህይወት ሰብ ዝጻረር ነገር ክንርኢ...
294 0
13 March 2012, 22.51lemlem0
there-is-hopeመ እ ተ ዊ  ብዙሕ ግዜ ሃንደበት ብዘጋጥሙኻ ነገራት ጸቕጢ ይፈጥረልካ፣ኩሉ ግዜ ንግሆ ተመሲጠ ጋዜጣ እንዳምበብኩ ከለኹ...
209 0
10 March 2012, 23.12lemlem0
worthyጸጋን ሰላምን ካብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታናን ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ንኹላትኩም ይኹን። ክቡራትን ቅዱሳንን ኣሕዋትን ኣሓትን፡...
284 0
29 February 2012, 08.28hanidani
heaven-1ቀደም ዝፈልጣ ሓንቲ ዓለመይ ዓለመይ መን ኣሎ ብኣኺ ዘይሓመመ ዓለምይ ብሓቂ መራር ኢኺ ትብል ደርፊ ኔራ እያ። እዚ ሰብ ከምዚ ኢሉ...
177 0
27 February 2012, 21.06lemlem0
metshaf-efeson   እቲ ብክርስቶስ ዘሎና ቦታ ነቲ ብክርስቶስ እንረኽቦ መንፈሳዊ በረኸት ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክንነብሮ ከም እንኽእል...
319 0
25 February 2012, 00.37lemlem0
2012-02-25-00-41-09ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን...
428 0
19 February 2012, 01.43hanidani
2012-02-19-01-49-47ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ማእለያ ዘይብሎም ዘድንቑና ሰባት ብዙሓት እዮም። ካብኣቶም ሓደ ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣቦና ኣብርሃም እዩ።...
443 0