| የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ድዩ? (8ይ ክፋል) |
ምዕራፍ ኣርባዕተ
የሱስ ክርስቶስ እቲ ኣምላኽ ዘለዎ ስልጣን ኣለዎ
ስልጣን ኣምላኽ ኣብ የሱስ ዝተራእየ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ንገዛእ ርእሱ ኣምልኾ ኽሓትት ከሎ እዩ፣ ወሲኺ ኸኣ ንገዛእ ርእሱ ከተንስኣ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ፣ ልኽዕ ከም ኣምላኽ ከኣ ብስልጣንን ብዘፍርሕን ዘረባ ተዛሪቡ። ኣምልኾ ወሲዱ
ብዛዕባ ኣምልኾ ብንጹር ዝዛረባ ውሑዳት ዝኾና ናይ ቃል ኣምላኽ ጥቕስታት ኣለዋ እየን፣ ብሉይን ሓድሽን ከኣ ኣምላኽ በይኑ ጥራይ ኣምልኾ ክወስድ ከም ዘለዎ ብንጹር ተዛሪቦም ኣለዉ፣ የሱስ እውን ንሰይጣን ክዛረቦ ኸሎ "ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ጥራይ ስገድን ኣገልግልን" ኢሉ እዩ መሊሱሉ። (ማቴ 4፣10, ሉቃ 4፣8) ማንም ሰብን መልኣኽን ኣምልኾ ክወስድ ብፍጹም ኣይክእልን እዩ። (ማቴ 4፣10, ራእ 19፣20, 22፣8) ኣምላኽ ንማንም ሰብ ክብሩ ኣይህብን እዩ። (ኢሰ 42፣8)
ኣብ ሓድሽ ኪዳን ንኣምልኾ ትብል ቃል ሓንቲ ናይ ግሪኽ ቃል እዩ ዝጥቀም ንሳ ኸኣ "ፕሮስኩኔኦ" እዛ ቓል እዚኣ የሱስ ክርስቶስ ንሰይጣን ንኣምላኽ ጥራይ ከምልኽ ከም ዘለዎ ክዛረቦ ኸሎ ንኣምልኾ ዝተጠቕመላ ቓል ድማ እያ ኔራ። እዛ ቓል እዚኣ ካብ ማንም ቃል ንላዕሊ ንኣምላኽ ምምላኽ ወይ ንኣምልኾ እትገልጽ ቃል እያ። (ዮው 4፣24, ራእ 5፣14, 7፣11, 11፣16, ወዘተ... )
የሱስ ክርስቶስ ንሓደ ሰብኣይ ምስ ፈወሶ እቲ ሰብኣይ "ንሱ ኸኣ ጐይታይ ይኣምን በለ ሰገደሉውን" እዛ ሰገደሉ እትብል ቃል ኣምልኾ ማለት ኮይና ካብ እታ ፕሮስኩኔኦ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል እያ። የው 9፣38፣ ልኽዕ እዛ ናይ ግሪክ ቃል እዚኣ ኸኣ ኣብ ማቴ 14፣33 ተጠቂሳ ኣላ እዚ ድማ ደቂ መዛሙርቱ ንየሱስ ብማይ ማይ ክመጽእ ከሎ ምስ ሰገድሉ እዩ። ካልእ ጊዜ እውን ደቂ መዛሙርቲ ንየሱስ ድሕሪ ትንሳኤ ምስ ረኣየኦስ "... ንሳተን ቅርብ ኢለን እግሩ ሒዘን ሰገዳሉ" ይብል ኣብ ማቴ 28፣9። ቅድሚ ትንሳኤ ኾነ ድህሪ ትንሳኤ የሱስ ኣብ ኩሉ እዋንን ጊዜን ኣምልኾ ወሲዱ እዩ። እቲ ንሰይጣን ኣምልኾ ንየሱስ ጥራይ እዩ ዝግባኣ ኢሉ ኣምሪሩ ዝገንሖ የሱስ ንሱ ግና ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ኣምልኾ ኸኣ ስለ ዝግብኦ ኣምልኽ ተቐቢሉን ወሲዱን።
ኣብ እብ 1፣6 መልኣኽቲ ኣምላኽ ንየሱስ ከምልኽዎ ተነጊርዎም ኣለዉ። ራእይ የውሃንስ 5፣8-14 ተጠቒሶም ዘለዉ ጥቕስታት ነቲ ገንሸልን ንኣምላኽን ክብርን ኣምልኾን ዝህቡ ጥቕስታት እዮም። ኣብቲ ኣዚዩ ሓያል ዝኾነ ጥቅስታት ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ፊሊጲ ከኣ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ኩሉ ንኽብሪ የሱስ ከም ዝንብርከኹ ተጠቒሱ ኣሎ። እቲ ወዲ ኣምላኽ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣምልኾ ወሲዱ ኣሎ። ንሱ መሰረት እምነትናን ተስፋናን ክብርንና እዩ።
እቲ ሓባራዊ ምስክር ናይ ሓድሽ ኪዳንን ቤተክርስትያንን ኣምልኾ ነቲ ስሉስ ኣምላኽ ንኣብ ወልድ መንፈስ ቁዱስ እዩ ዝግባእ።
ንገዛእ ርእሱ ከተንስእ ስልጣን ኣለዎ
ምንም እኳ የሱስ ክርስቶስ ከም ሰብ እንተ ሞተ ንገዛእ ርእሱ ግና ካብ ሞት ከተንስኣ ስልጣን ከም ዝነበሮ ተዛሪቡ። እዚ ስልጣን እዚ እንትርፎ ኣምላኽ ካልእ ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። ገለ ገለ ሰባት ከምዚ ኢሎም ክሓቱ ይኽእሉ እዮም የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ እንተ ኮይኑ ደኣ ከመይ ጌሩ እዩ ንገዛእ ርእሱ ዘተንስኣ? ኣብ ዮውሃንስ 2፣19 የሱስ ክርስቶስ "ነዚ ቤት መቕደስ ኣፍርስዎ (ንስግኡ ኣመልኪቱ እዩ ዝዛረብ ዘሎ ጥቕሲ 21) ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየ እሉ መለሰሎም" ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ክዛረብ ከሎ ኸኣ "ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር ካባይ ዚወስዳ እውን የልቦን። በጃ ኸሕልፋ ስልጣን ኣሎኒ መሊሰውን ክወስዳውን ስልጣን ኣሎኒ" ይብል ኣብ ዮው 10፣18።
ልኽዕ ከም ኣምላኽ ተዛሪቡ
የሱስ ክርስቶስ ኣስማት ኣምላኽ፣ ባህሪ ኣምላኽ፣ ስልጣን ኣምላኽ፣ ከምኡ ድማ ኣምልኾ ከም ዘለዎን ከም ዝግብኦን ጥራይ ኣይኮነን ተጠቂሱ ዘሎ። ካልእ ተወሳኺ ድማ እቲ ኣምላኽ ጥራይ ክዛረቦ ዝግባኣ ነገር ተዛሪቡ እዩ፣ ሓደ ጊዜ ፈሪሳውያን ንየሱሱ ክርስቶስ ክኣስርዎ ሰባት ምስ ለኣኹሉ እሞ ኸኣ እቶም ሰባት ንየሱሱ ከይኣስሩ ጥራሕ ኢዶም ምስ ተመልሱ እቶም ፈሪሳዉያን ነቶም ሰባት ስለምንታይ ከይሓዝኩምዎ መጺኹም ኢሎም ምስ ሓተትዎም እቶም ሰባት ከምዚ ኢሎም እዮም መሊሰሙሎም "ከምዚ ሰብ እዚ ጌሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን ኢሎም መሊሰሙሎም" ዮው 7፣46፣ እዚ ሓቂ እዩ።
ብስልጣን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከይተመሰጥካ ንወንጌላት ከተንብቦ ብፍጹም ዘይከኣል እዩ። ንሱ ንሰባት ናብኡ ክመጹ እናጸወዓ ሰባት ብገዛእ ርእሶም ቀቢጾም ክሳብ ሞት ክስዕብዎ ኣዚዙ። ኣብ ማእከል እቶም ሰማዕቱን ተኸተልቱን ከኣ ብስልጣን ይዛረብ ኔሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ መምሃራን ሕግን ፈርሳውያንን ካብ ሕግን ነብያትን እናመጹኡ እዮም ዝምህሩ ዝነበሩ። የሱስ ክርስቶስ ክዛረብ ከሎ ግና "ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ እናበለ እዩ ዝዛረብ ዝነበረ" ኩነታት ንናቱ ስልጣን ኣረጋጊጸሞ እዮም። ኣጋንንቲ ምስ ረኣይዎ ብቓሉ ሃዲሞም፣ ንፋስን ባሕርን ተገዚኦሞ። ምውታት ተስኢሞ ሓንካሳት ተሰራሲሮም ዕውራት ከኣ ርእዮምም።
ሲኤስ ልዊስ ከምዚ ኢሎም ይዛረቡ "ዝኾነ ሰብ ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ጌሩ ዝተዛረቦ ዘረባ ክዛረብ እየ እንተበል፣ እዚ ሰብ እዚ ጽሉል እዩ ወይ ከኣ ጥዕና የብሉን ወይ ከኣ እቲ ናይ ገሃንም ሰይጣን ክኸውን ኣለዎ። ኣብዚ ክትመርጹ ናትኩም ውሳኔ እዩ። ወይ ከኣ እዚ ሰብ እዚ ወዲ ኣምላኽ እዩ ወይ ከኣ ሓደ ጹሉል ሰብ እዩ። ነዚ ሰብ እዚ ካብ ሰይጣን እዩ ኢልኩም ክትቀትልዎ ከተባጭውሉ ጡፍ ክትብሉሉ ትኽእሉ ኢኹም ወይ ከኣ ብርግጽ እዚ ወዲ ኣምላኽ እዩ ኢልኩም ኣብ እግሩ ወዲቕኩም ኣምላኸይን ጐይታይን ኢልኩም ከተምልኽዎ ይከኣል እዩ። ግና ንፍለጥ የሱስ ክርስቶስ ናይ ሞራል መምህር ኣይኮነን እዚ ትርጉም ዘይብሉ ሓሳባት ንግደፎ ንሱ ነዚ ኸምዚ ዝበለ ነገር ቦታ ኣይሓደገልናን።"
ናይ ቁዱሳት ጹሑፋት ኣስማትን መዝነትን ባህርያትን ዝገልጹ ጥቕስታት ያህዌን የሱሱን ሓደ ምኻኖም ይነግሩና።
"ሓደ ኣምላኽ ጥራይ" 1ቆሮ 8፣6
|
Well come !!!
Latest Message
(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4) ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ። ካብተን ካልኦት መ....
ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ....
ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ዝፈትዎ ሓወይ ብዙሕ ሳዕ “እዚ እባ ግበረለይ?”፡ “ከምዚ እባ ተማልኣለይ?”፡ “ከምዚ ትገዝኣለይ ዲኻ?....
ኣብ መንፈሳዊ ንስጋውን ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎን ናይ ለውጢ ሞተር ከኣ ዝኾነ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ዘለዋ ሕብረተሰብ ውሕስነት ....
We exist to freely share the good news from God to the entire world so you can KNOW the Truth about life and eternity. We provide free access on the Internet to the finest, most trustworthy biblical truths and materials.
Father's Love Letter is a compilation of bible verses from both the Old & New Testaments that are presented in the form of a love letter from God to the world.Christianbook.com
Christianbook.com is the online home of Christian Book Distributors (CBD), the world's largest distributor of Christian resources.
Streaming Faith
Streaming faith, the world's largest faith based broadcasting portal, allows Christian ministries to spread the gospel by delivering their live or video on ...