ናይ ሙሴ እሙንነት

Character Study
Typography

ኣብ ዘሁ.12፣7 እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሙሴ “ንሱ ኣብ ብዘላ ቤተይ እሙን እዩ።” ብምባል ተዛሪቡ። ንሙሴ እሙን ዝገበሮ ግን እንታይ እዩ?

 

  • ጥበብ ሰብ ገዲፉ ጥበብ ኣምላኽ ምምራጹ

 

ንሙሴ መንፈሳዊ መራሒ ክኸውን ዘብቅዖ እቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ግብጺ ዝረኸቦ ትምህርትን ጥበብን ኣይኮነን። ንመሪሕነት ዝበቕዐ ኣብቲ ኣብ ምድረበዳ ኣብ ጉስነት ዘሕለፎ ጊዜ ‘ኣንነቱ’ ብእግዚኣብሄር ድሕሪ ምስባሩ እዩ። ኣብተን ኣርብዓ ዓመታት ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝነበሮ ምትእምማን ኣጥፊኡ ኣብ ኣምላኽ ክውከል በቒዑ፣ ሽዑ ድማ ንህዝቢ ኣምላኽ ንምድሓን ተላኢኹ። ኣብቲ ምድረበዳ እታ ቤተመቕደስ ክትስራሕ ከላ ኣብ ዘጽኣት ምዕራፍ 39-40 “ሙሴ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኩሉ ገበረ” ወይ ድማ “ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ” ዝብል ሓሳብ 18 ጊዜ ተጠቒሱ ንረኽቦ። እቲ ብእግዚኣብሄር ንሙሴ ዝተዋህቦ ንድፊ ናይታ ቤተ መቕደስ ካብቲ ናይ ግብጺ ሃረማት (Pyramids) ዝተፈልየ ኣዝዩ ቀሊልን ንዝኾነ ሰብ ዝርድኦን እዩ ኔሩ። ሙሴ ንድፊ ናይታ ቤተ መቕደስ ኣብቲ ኣንነቱ ብርቱዕ ዝነበረሉ እዋን ማለት ኣብ 40 ዓመቱ ተዋሂብዎ እንተ ዝነብር ሰሓቢት ንኽገብራ ገለ ምትዕርራያት ምገበረላ ኔሩ።


ወዲ 80 ዓመት ምስ ኮነ ግን ኣንነቱ ስለ ዝሞተ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ጥራይ ጌሩ። ከምኡ ስለ ዝገበረ ከኣ ክብሪ ኣምላኽ ናብታ ቤተ መቕደስ ወሪዱ። ሰማያዊት ጥበብ ክትህልወና እንተኾይና ሰብኣዊ ጥበብና ካብ ዙፋን ልብና ክእለ ኣለዎ። ኣምላኽ ንሙሴ ዝመስከረሉ ንጥበብ ግብጺ ካብ ልቢ ሓግሒጉ ድሕሪ ምውጽኡ እዩ። ዝኾነ ንእግዚኣብሄር ከገልግል ዝደሊ ሰብ ኣብ ሰብኣዊ ጥበብ ምድጋፍን ምውካልን ከቋርጽ ኣለዎ። እግዚኣብሄር ሙሴ ከምቲ ዝተባህሎ ዝገብርን ዘይገብርን ፈቲንዎ። ክብሩ ኣብታ ቤተመቕደስ ብምግላጽ ከኣ ብዕዮ ሙሴ ምዕጋቡ መስኪሩ።

 

  • ረብሓ ገዛእ ርእሱ ዘይምድላዩ

 

እግዚኣብሄር ንሙሴ ብዋጋ ደቂ እስራኤል ረብሓ ገዛእ ርእሱ ዝደልን ዘይደልን ፈቲንዎ። ሙሴ ንክልቲኡ እቲ ፈተናታት ሓሊፍዎ። እቲ ቀዳማይ ደቂ እስራኤል ብወርቂ ምስሊ ምራኽ ምስ ሰርሑ እዩ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ “እዚ ህዝቢ እዚ እርእዮ ኣለኹ፣ እንሆ፣ ህዝቡ ተሪር ክሳድ እዩ። ሕጂ ኹራይ ኣብኦም ኪነደድ እሞ፣ ክውድኦም ሕደገኒ። ንኣኻ ድማ ዓብዩ ህዝቢ ኽገብረካ እየ፣” ኢልዎ (ዘጸ.32፣9-10)። እቲ ካልኣይ ጊዜ ከኣ ደቂ እስራኤል ናብ ከንኣን ምእታው ምስ ኣበዩ እዩ። ሽዑ ድማ እግዚኣብሄር “ብፌራ ኽወቕዖምን ከጥፍኦምን እየ፣ ንኣኻ ግና ካባታቶም ዚዐብን ዚብርትዕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ፣” ኢልዎ (ዘሁ.14፣12)። ኣብ ክልቲኡ

እዋናት ኣምላኽ ንደቂ እስራኤል ከጥፍኦምን ንሙሴን ዘርኡን ግን ዓቢ ህዝቢ ከም ዝገብሮ ነጊርዎ። ሙሴ ወራሲ ናይቲ ንኣብርሃምን ነቶም ዓሰርተው ክልተ ነገዳት እስራኤል ዝተዋህበ ተስፋ ዝኾነሉ ዕድል ረኺቡ። ምናልባት ካልኦት በዚ ፈተና እዚ ምወደቑ ይኾኑ ሙሴ ግን ኣይወደቐን። ኣብ ክልቲኡ እዋናት እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ክንሕፎም ለሚንዎ።

 

ብፍላይ ሓደ እዋን ደቂ እስራኤል ምእንቲ ክድሕኑን ክንሓፉን ንሱ ኣብ ክንድኦም ክመውትን ካብ መጽሓፍ ህይወት ክፈሓቑን ፍቓደኛ ኮይኑ።

 

“. . . ሕጂ ድማ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፣ እንተ ዘይኮነስ ካብቲ ዝጸሓፍካዮ መጽሓፍካ ሕኸኸኒ፣ በለ።” (ዘጸ.32፣31-32)። ብርግጽ ሙሴ መንፈስ ናይቲ ንሕና ምእንቲ ክንድሕን ኣብ መስቀል ኣቦኡ ክሓድጎ ፍቓደኛ ዝኾነ ክርስቶስ ኔርዎ። እግዚኣብሄር ነዚ ስስዐ ዝበሃል ዘይብሉ ናይ ሙሴ ህይወት ስለ ዝረኣየ ብኣዝዩ ጥቡቕ ዝኾነ ርክብ ክቐርቦ ጀሚሩ። ቃሉ “ሰብ ምስ ፈታዊኡ ከም ዚዛረብ፣ እግዚኣብሄር ድማ ምስ ሙሴ ገጽ ንገጽ ተዛረበ።” ይብል (ዘጸ.33፣11)። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ነቲ ብቃላት ክትገልጾ ዘይከኣል ክብሩ ናይ ምርኣይ ሓለፋ ሂብዎ። ሙሴ “በጃኻ፣ ክብርኻ ኣርእየኒ” ምስ በሎ፣ “እንሆ፣ ኣብዚ ጥቓይ ቦታ ኣሎ፣ ኣብቲ ኸውሒ ደው ክትብል ኢኻ። ኪኸውን ድማ እዩ፣ ክብረይ ኪሓልፍ ከሎ ኣብ ጭዳድ ከውሒ እገብረካ፣ ኣነ ኽሳዕ ዝሓልፍ ከኣ፣ ብኢደይ ክኽውለካ እየ። ኢደይ ድማ ኤልዕል እሞ ብድሕረይ ትርእየኒ፣ ገጸይ ግና ኣይርኤን እዩ፣” ኢልዎ (ዘጸ.33፣18-23)

 

እቲ ቀንዲን ወሳኒን መምዘኒ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ረብሓ ገዛእ ርእሱ ዘይደሊ ምዃን እዩ። ረብሓን ክብርን ገዛእ ርእስኻን ምድላይ ኣብ ውሽጥና ዓሚቕ ሱር ዘለዎ ነገር ስለ ዝኾነ ኣምላኽ ካብኡ ሓራ ንኸውጽኣና ከቢድ ስራሕ እዩ ዝሰርሕ። ንኩነታትና ከኣ ነቲ ረብሓ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምድላይ መንፈስ ከም ዘቃልዕን ንገዛእ ርእስና ከም እንፈርድን ጌሩ የዳልዎ።

 

ካብዚ መንፈስ እዚ ርእስና ምእንቲ ከነንጽህ ብቃሉን ብመንፈሱን ይዛረበና (ዝሰምዕ እዝኒ እንተ ኣልዩና)። ከምቲ ሙሴ እኳ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበሮ ናይ ኣማልድነት መንፈስ ዘይብልና ዳርጋ ኩልና ኣብ ውሽጢ ልብና ረብሓ ገዛእ ርእስና ስለ እነቐድም እዩ። ንካልኦት ብምስጢር እንተ ጸሊናሎም ክብሪ ኣይንረክብን ኢና።

 

እግዚኣብሄር ነቶም ረብሓ ገዛእ ርእሶም ዘቐድሙ ሰባት ኣሚኑ ስለ ዘይልእኮም ብከምዚ ዝጠቐስናዮ ኣገባብ ከም ዝፍትነና ክንፈልጥ ይግባእ።