Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • green color
  • blue color
Member Area
You are here: Home arrow News arrow Eri-Hope-News arrow ዎ ኤርትራ !
ዎ ኤርትራ ! PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Wednesday, 20 February 2008

“ዎ ዮርሳሌም (ኤርትራ)። ኣብ ልዕሊ ቐጽርኺ ሓለውቲ ኣቑመ ኣለኹ፣ ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተዘክርዎ ኣይተዕርፉ፣ ንዮርሳሌም (ንኤርትራ) ክሳዕ ዜጽንዓ ኣብ ምድሪ እውን መመስገኒ ክሳብ ዝገብራ ኣይተዕርፍዎ፣”

ኢሰያስ 62።6

ኩቡራትን ፍትዋትን ተኸታተልቲ ኤሪ ሆፐ (ERIHOPE)፣ ከምቲ ኩሉ ግዜ እንብሎ እዚ ሃገርና ኤርትራ ዘላቶ እዋን ኣዚዩ ሓደገኛ ሰዓትን ሃዋህውን እዩ፣ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ዓቢ ዝዀነ ከቢድ ቅልውላው እያ ትነብር ዘላ። ኩነታትና ኸኣ እናኸፈኣ እምበር እናሓሸ ኣይኰነን ዝኸይድ ዘሎ። ስለዚ ነፍሲ ወከ ኤርትራውን መፈቐሪ ኤርትራን ብዛዕባ እዛ ሃገር እዚኣ ክጽሊ ሓላፍነት ኣለዎ፣ ነዚ ኸኣ መርበብ ሓበሬታ ኤሪ ሆፐ (ERIHOPE) እንሆ ወርሓዊ ማለት ነፍሲ ወከፍ ቀዳመይቲ ቀዳም ናይ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ጸሎት ክኸውን ትእውጅ ኣላ። ነዚ ወርሒ መጋቢት ብምሉኡ ኸኣ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ክንጽሊ ኢና። ትወሳኺ ኣርእስቲ ጸሎት ምስ ዝህልወኩም ወይ እውን ትንቢታዊ መልእኽቲ ከተመሓላልፉ እዚ ማዕጾ ክፉት እዩ። ምሳና ብጸሎት ክትሓብሩን ሓሳብኩምን ርኢቶኩምን ከተፍስሱ ድማ ንዕድመኩም።
ወርሓዊ ኣርእስቲ ጸሎት
1 ብዛዕባ እሱራት
    ሀ ብዛዕባ እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተኣሲሮም ዘለዉ ግና ክሳብ ሕጂ ፍትሒ ዘይረኸቡ
I.    ኣምላኽ ብምድሓንን ፍትሕን ክበጽሖም

II.    ኣምላኽ ብዘድልዮም ዘበለ ንስጋዊ ድሌቶምን ጥዕነኦምን ክመልእ፣

III.    ኣምላኽ ንልቦም ካብ ተስፋ ቑርጸት ኣውጺእዩ ብሰላምን ተስፋን ክመልኦም፣
    ለ ብዛዕባ እቶም ብሰንኪ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ተኣሲሮም ዘለዉ ምእመን
I.    ኣምላኽ ብትብዓት ክመልኦም ኣብ እምነት ደው ክብሉ ኸኣ ክረድኦም፣

II.    ኣምላኽ መቑሖም ክሰብር

III.    ኣምላኽ ብዘድልዮም ዘበለ ንስጋዊ ድሌቶምን ጥዕነኦምን ክመልእ፣

IV.    ኣምላኽ ውሽጦም ብሰላም ክመልኦን ከዕርፎን፣

  ኩቡራት ተኸታተልቲ ኤሪ ሆፕ (ERIHOPE) እምበኣር እዛ ወርሒ እዚኣ ነዞም እሱራት ወፍይናያ ኣሎና ስለዚ እዛ ናይ ወርሒ መጋቢት ቀዳመይቲ ሰሙን ብዛዕባ እዞም እሱራት ኣበርቲዕና ክንጽሊ ኢና፣ እቲ መልስን ውጺትን ከኣ ኣብ ዝሓጸረ  ግዜ ክንርእዮ ኢና።

ኣምላኽ ይባርኽኩም
Last Updated ( Wednesday, 20 February 2008 )
 
Next >
<div style="overflow:hidden; height:323px;" >
<br />&lt;br /&gt;&amp;lt;br /&amp;gt;&amp;lt;div class=&amp;quot;nfimages&amp;quot;&amp;gt;Image&amp;lt;/div&amp;gt;
<br />&lt;br /&gt;&amp;lt;br /&amp;gt;&amp;lt;div class=&amp;quot;nftitle&amp;quot;&amp;gt;take the Chains&amp;lt;/div&amp;gt;
<br />&lt;br /&gt;&amp;lt;br /&amp;gt;&amp;lt;div class=&amp;quot;nfcontent&amp;quot;&amp;gt;

ዎ ኣምላኽ ኣቦ ምሕረት ኣቦ ሳህሊ ኣቦ ፍቕሪ ምሕረትካ ንዘልኣለም ኣለም እዩ ዝነብር፣ ካብ ኣብ ሰባት ዘሎካ ፍቕርን ሓልዮትን ዝተላዕለ ኸኣ ንምብጃው እቲ ብምስልኻ ዝፈጠርካዮ ህዝብኻ ንምድሓን እቲ እንኮ ተፍቅሮ ሓደ ወድኻ ኣብ መቀል ክመውት ዝገበርካ፣ ካብዚ ዝዓቢ መግለጺ ፍቕርን ምሕረትን ከኣ የብልካን፣ ካብዚ ኣዚዩ ኩቱር ምሕረትካን ሳህልኻን ዝተላዕለ ኸኣ ከም ብዝሒ ኣበሳና ኣይትፈድየናን ከም ብዝሒ ሓጥያኣትና ኸኣ ኣይትፈርደናን፣ እናጉሃናካ ክነስና ዘይትርሕቐና፣ እናበደልና ክነስና ዝባንካ ዘይትህበና ኣቦና ኢኻ፣ እንሆ ኸኣ ነዚ ባህሪኻ ፈሊጥና ነቲ ቦቅባቕ ልብኻ ኸኣ ተገንዚብና ብወድኻ ብየሱሱ ክርስቶስ ኣቢልና ንምሕረትን ምሕዳስን ንፈውስን ንለውጥን ንረዲኤትን ንሓገዝን እንሆ ናብ ዝፋን መስቀልካ ንቐርብ ኣሎና

&amp;lt;/div&amp;gt;
<br />&lt;br /&gt;&amp;lt;br /&amp;gt;&amp;lt;/div&amp;gt;