| ጠቐነ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣመንትን ኣብያተ ክርስትያ |
|
|
|
| Written by Administrator | |
| Tuesday, 18 December 2007 | |
|
መቸም ካብታ ቤተክርስትያን ብዘመን ሃዋርያት ካብ ትቐውም ጀሚራ ኣብ ልዕሊኣ ዝወርድ ጠቐነታትን ክስታትን ማእለያ ዘይብሉ ኣዝዩ ቡዙሕ እዩ፣ ብዘመን ንጉስ ኔሮ ኮኑ ኢሉ እቲ ንጉስን ሰዓብቱን ኣብ ልዕሊ ቀጽርታት የርስሌም ብዝገበርዎ ባርዕ ብክርስትያናት ከም ዝተፈጸመ ኣሳቢባካ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝወረደ ግፍዕን ኣደራዕን ማለያ የብሉን፣ ስለዚ ሎሚ እውን ኣንጻር ኣመንትን ቤትክርስትያንን ዝወሃብ ዘሎ ክስታትን ጠቐነታትን ኩሉ መልክዑ ደኣ ይቀያየር ይኹውን እምበር ኩሉ ሓደ እዩ፣ ኣብ ሃገርና ኤርትራ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኣምነትን ቤተክርስትያንን ዝገብሮ ዘሎ ጸለማ ብመራኸቢ ብዙሓንን ብኣኼባታትን ይገልጾ ኣሎ፣ ብፍላይ ካብቲ መንግስቲ ኤርትራ ቀንዲ ምዕጻው ኣብያተክርስትያንትን ምእሳር ሰዓብቱን ዘምጾ ዘሎ ምኽንያታት መሳረሕቲ ኣሜርካ ናይ ሲኣይኤ ሰለይቲ ናይ ወያነ መጋበርያ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ኤርትራ ምፍልላይን ዘይርግእነቱን ዝፈጠሩ ዝብልን ካልእን እዩ፣ እቲ ሓቂ ግና እዚ ድዩ? ከምቲ ምስላ ኣቦታት ክትበልዓ ዝደለኻ ኣባጉንባዕ ዛግራ ትብላ ሎሚ እውን በዚ ኣንጻርዊ ዝኾነ ዘይኮነ ጠቐነታት ተጠቂምካ ኣንጻር ኣመንትን ቤትኣምላኽን ዝውሰድ ዘሎ ግፍዓዊ ስጉምቲ ጽባሕ ታሪኽ ክቕልዖ እዩ፣ እዚ ሎሚ መንግስቲ ኤርትራ ንኣመንቲ መናገዲ ወይጦታት መሳሪሒ ኣሜርካ መጋበርያ ወያነን ፈላለይትን ኣናበለ ዝጥቕኖ ዘሎ ጠቐነ ሓቂ ከም ዘይኮነ ባዕሉ ይፈልጦ እዩ፣ ታሪኽ እንተ ርኤና ግና እዚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝወስዶ ዘሎ ግፍዓዊ ስጉምቲ ካብ ኩቱር ጽልኣት እዩ፣ ስለምንታይ እዩ እዚ ጽልኢ እዚ መጽዩ እንተ ተባህለ ግና ኣብ ግዚኡ ናቱ ትነታነታት ኣለዎ፣ ኣብ 1998 መንግስቲ ኤርትራ ብግሁዶ ካብቶም ክጠፍኡን ክጸንቱን ኣብ መንግስቱ ኣጀንዳ ዘሎዉ ድሕሪ ኣይድስ እዞም መንፈስ ምኻኖም ዝገልጽ መግለጺታት ኣውጽኡ እዩ፣ እዚ ሎሚ ኣንጻር ኣመንቲ ዝወሃብ ዘሎ መግለጺ ግና ኩሉ ኣንጻር እዚ ዝበሃል ዘሎ እዩ፣ ኣብ ሓዳ ኣኼባ ሓላፊ ናይ መንግስቲ ኤርትራ እዞም ኣመንቲ እዚኦም ብኣሜርካ ከም ዘይምዎሉ ንፈልጥ ኢና ግናኸ ክጸነቱ ኣለዎም ክብል ከም ብዘይሕብእብ ተዛሪቡ እዩ፣ ኣመንቲ ከምቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝበሃለሎም ከም ዘይኮኑ ኣብ ታሪኽ ኩሉ ኣመስኪሮም ሕጂ እኳ ግፍዒ እናወረዶም ክነሶም የመስክሩ ኣለዉ፣ እዞም ኣምነቲ እዚኣቶም ከም ማንም ወዲ ሃገር ተርኦም ዘበርክቱ ግብኦም ከኣ ዝፍጹሙ ሰባት እዮም፣ እንተ ኣድለየ ብዙሕ ኣበነታት ከነምጽእ ንኽእል ኢና፣ እዘን ሎሚ ብመንግስቲ ኤርትራ ተዓጽየን ዘለዋ ሰብን እዝግን ዝምስክሮ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዓቢ ቦታን ስፍራን ዘለዎን እየን፣ ኣብዘን ኣብያተ ክርስትያናት እዚኣተን ዝፈልፈሉ ሰባት መልክዕን ውቃበን ሃገርን ኮይኖም እዮም ንበረኸት ምድርና እውን ኮይኖም እዮም፣ መንግስቲ ኤርትራ እዘን ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ኤርትራ ዝገበርኦ ኣበርክቶን ስራሕን ክኽሕዶ እካ እንተ በለ ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ፣ ንኣብነት ሓደ ግዜ እቶም ኣብ ቀጽርታት እንዳ መድሄነ ኣለም ኣርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝኣከቡ ዝነበሩ ኣምነቲ ሎሚ ግና ዝተኸልከሉን ዝተኣስሩን ዝግብርዎ ዝንበሩ ንጥፈታት መንግስቲ ኣፉ መሊኡ ኣይመስከርለዉምን ድዩ? ካልእ እውን እዛ ሎሚ ኣዳራሻታ መኻዚኖ መንግስቲ ኮይኑ ብዘሎ ንብረታ ተዘሪፉ ኣባላታ ኸኣ ኣብ እስርቤት ዘለዉ ቃል ህይወት ትብሃል ቤተክርስትያን ኣብ ሃገር ዝገበረቶ ኣበርክቶ ቀሊል ድዩ? ብዙሕ ከይተንተናስ ስንኩላን ማዓስከር ደንደን እንታይ ከም ዝብሉ እስከ ንወከሶም፣መንግስቲ ልእዃት ወያነን ኣሜርካን እንተ ኾይንን ደኣ ስለምንታይ ነቲ ትገብሮ ዝነበረት ንጥፈታት ከትቅጽሎ ዘተባብዓ ዝነበረ? በዘን ኣብያተክርስትያናትን ምእመናነን ዝተገብረ ልምዓታዊ መንፈሳዊ ንጥፈታት ክንገልጾ እንተ ንደሊ ወረቐት እኳ ኣይኣኽለናን እዩ፣ እዚ ግና ካብ ባሕሪ ብጭልፋ እዩ፣ ዝኾነ ኾይኑ ኣምንትን ቤተክርስትያንን ኣብ ሃገር ጽድቂ ዘምጽኡ ሰላም ዝተኽሉ ስለ ፍትሒ ኸኣ ደው ዝብሉ እምበር ከምቲ ወገሐ ጸብሐ መንግስቲ ኤርትራ ዝጥቅኖም ዘሎ ብፉጹም ኣይኮነኑ፣ ህዝቢ እውን ነዚ ኣንዳዕዲዑ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፣ ንእግረመንገድና ንመንግስቲ ኤርትራ ክንምሕጸኖ እንደሊ ነቶም ብስንኪ እምነቶም ኣብ ፈቐዶ ቦታት ዘሳቕዮም ዘሎን ኣብ ቤት ማእሰትን ከኣ ዳጊንዎም ዘሎ ምእምን ጽባሕ ንግሆ ብሰንኮም ታሪኽ ክሓቶ ምኻኑ ክዝንግዕ ከም ዘይብሉ ክነግሮ ንፈቱ፣ |
|
| Last Updated ( Wednesday, 27 February 2008 ) |
| Next > |
|---|