Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • green color
  • blue color
Member Area
You are here: Home arrow News arrow Islam abd the Cross arrow ምጭዋይ ኣወዳትን ኣዋልድን ክርስትያናት
ምጭዋይ ኣወዳትን ኣዋልድን ክርስትያናት PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Tuesday, 18 December 2007
ክርስትያናት መራሕቲ ከምዝሕብርዎ ምጭዋይ ኣወዳትን ኣዋልድን ክርስትያናት ናብ ምስልምና ንምልዋጥ ኣብታ ብብዝሒ ኣስላም ዝንብሩላ ሶኮቶ እትብሃል ክፍለ ሃገር ናይጀርያ

ልሙድ ተርእዮ ኰይኑ’ሎ ይብሉ ። ሶኮቶ: ናይጀርያ መጋቢት 14(Compass Direct News) ኣብ መጀመርታ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ቪክቶር ኡዶ ኡሰን ዝተባህለ ወዲ 13 ዓመት ኣባል ናይታ ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ኣብ እትርከብ ከተማ ዘላ ክርስቶስ ሃዋርያዊት ቤተ ክርስትያን እትብሃል ጠፊኡ ።ኣብ ናይ 20 ጥሪ ሓበሬታ ግን መንእሰይ ቪክቶር ካብ ሰድራኡ ተፈልዩ ኣብ ገዛ ናይ ሓደ ኣስላማይ ጐረቤት ተጨውዩ ይርከብ ነይሩ ። ሓንቲ ክርስትያን መንእሰይ ስድራኡ ናብ ዝርከቡሉ ማበራ ዝተባህለ ክፍሊ ናይ ከተማ ሶኮቶ ብቁልጡፍ ብምኻድ ሓበረቶም ።

ኣደ ቪክቶር ኤስተር ኡዶ ኡሰን ናብቲ ወዳ ዝተራእየሉ ገዛ ቀልጢፋ ብምኻድ ረኸበቶ: እንተዀነ ንሱ’ውን ካብቲ ንሽድሽተ ወርሒ ትሓይሩሉ ዝነበረ ቤት ንምህዳም ብዙሕ ጻዕሪ ይገብር ከምዝነበረ ። ንኮምፓስ ሓቢራ “ብቁልጡፍ ብኢዱ ሒዘ ንገዛና ንምኻድ ናባይ ገጸይ ስሓብክዎ” “እንተዀነ  ኣላህ ዎ ኣክባር! ኣላህ ዎ ኣክባር! ኣላህ ዎ ኣክባር! (እግዚኣብሄር ዓቢ እዩ) ዝብል ቅጽበታዊ ጭድርታ ሰማዕኩ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም ኣስላም ናባና ገጾም ክጐዩ ምስረኣኹ ድማ ሰንበድኩ”  ትብል ።

ንኮምፓስ እናበኸየት ከምዝሓበረቶ : እቶም ኣስላም ንኽልቲኦም ድሕሪ ምኽባቦም ንወዳ መንዚዖማ ። ነቲ ኣብ ገዛ ዘይነበረ ሰብኣያ ቅድሚ ምልኣኻ ገለ ኣባላት ናይቲ ጭፍራ ወዳ  ሕጂ ኣስላማይ ሰለዝዀነ ንሳ ትኹን ሰብኣያ ነቲ ቈልዓ ስድራኡ ከምዘይኰኑ ነጊሮማ ።

ንሳ ንኮምፓስ ከምዝገለጸቶ « ወዳ ኣብ ሕዳር ዝሓለፈ ዓመት እዮም ጨውዮሞ ሎሚ ጥራይ ኢየ ርእየዮ ” “ከመይ ኢሉ ሓደ ሰብ ንወደይ ናብ ሃይማኖቱ ክኣቱ ብሓይሊ ይግድዶ? ” ትብል ኣቦ ቪክቶር ኡዶ ኡሰን ንኮምፓስ ከምዝሓበሮ ሰበይቱ ተጨኒቃ ተሌፎን ምስደወለትሉ ናብ ገዛ ብቁልጡፍ ብምምጻእ እቲ ቈልዓ እንደገና ተጨውዩ ዝጸንሖ ጥራይ የመስሎ ነይሩ ።

‘እንተድኣ ናብ ገዛ እቲ ኣስላማይ ሰብኣይ ወደይ ከምጽእ ኢለ ከይደ: ህይወት ሰድራ ቤተይ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እንኰላይ ንኻልኦት ኣብ ሶኮቶ ዝርከቡ ክርስትያናት ክጥቅዕዎም መገዲ ዝኸፍት ኢለ ሓሲበ ‘ ይብል ኡሰን ብኣንጻሩ ኡሰን ንጓሳ ማሕበሩ ክነግሮ ከሎ ክልቲኦም ድማ ንኻልኦት መራሕቲ ቤተ ክርስትያንን ከምኡውን ናይቲ ክፍለ ሃገር ናይ ጸጥታ ኣገልግሎት ሓቢሮም ።

“ፖሊስ ድማ ክሳብ እቲ ሱልጣን ናይ ሶኮቶ: ኣብ ናይጀርያ ናይ ዝርከቡ ኣስላም መራሒ ካብ መገሻኡ ዝምለስ ኣብዚ እዋን’ዚ  ዋላ ሓደ ክገብሩ ከምዘይክእሉ ሓቢሮሙና ። ” ይብል “ ንሕና ከይፈልጥና ነዚ ቈልዓ ንሽድሽተ ወርሒ ሒዞሞ ።  ምስልምና ክቕበል ድማ ገዲዶሞ ። እዚ ተግባር እዚ ኣብ ወዲ 13 ዓመት ቈልዓ ይፍጽሙ ? ”

Last Updated ( Tuesday, 18 December 2007 )
 
< Prev   Next >
&amp;lt;div style=&amp;quot;overflow:hidden; height:323px;&amp;quot; &amp;gt;
<br />&lt;br /&gt;&amp;lt;br /&amp;gt;&amp;lt;div class=&amp;quot;nfimages&amp;quot;&amp;gt;Image&amp;lt;/div&amp;gt;
<br />&lt;br /&gt;&amp;lt;br /&amp;gt;&amp;lt;div class=&amp;quot;nftitle&amp;quot;&amp;gt;take the Chains&amp;lt;/div&amp;gt;
<br />&lt;br /&gt;&amp;lt;br /&amp;gt;&amp;lt;div class=&amp;quot;nfcontent&amp;quot;&amp;gt;

ዎ ኣምላኽ ኣቦ ምሕረት ኣቦ ሳህሊ ኣቦ ፍቕሪ ምሕረትካ ንዘልኣለም ኣለም እዩ ዝነብር፣ ካብ ኣብ ሰባት ዘሎካ ፍቕርን ሓልዮትን ዝተላዕለ ኸኣ ንምብጃው እቲ ብምስልኻ ዝፈጠርካዮ ህዝብኻ ንምድሓን እቲ እንኮ ተፍቅሮ ሓደ ወድኻ ኣብ መቀል ክመውት ዝገበርካ፣ ካብዚ ዝዓቢ መግለጺ ፍቕርን ምሕረትን ከኣ የብልካን፣ ካብዚ ኣዚዩ ኩቱር ምሕረትካን ሳህልኻን ዝተላዕለ ኸኣ ከም ብዝሒ ኣበሳና ኣይትፈድየናን ከም ብዝሒ ሓጥያኣትና ኸኣ ኣይትፈርደናን፣ እናጉሃናካ ክነስና ዘይትርሕቐና፣ እናበደልና ክነስና ዝባንካ ዘይትህበና ኣቦና ኢኻ፣ እንሆ ኸኣ ነዚ ባህሪኻ ፈሊጥና ነቲ ቦቅባቕ ልብኻ ኸኣ ተገንዚብና ብወድኻ ብየሱሱ ክርስቶስ ኣቢልና ንምሕረትን ምሕዳስን ንፈውስን ንለውጥን ንረዲኤትን ንሓገዝን እንሆ ናብ ዝፋን መስቀልካ ንቐርብ ኣሎና

&amp;lt;/div&amp;gt;
<br />&lt;br /&gt;&amp;lt;br /&amp;gt;&amp;lt;/div&amp;gt;