ዎ ኣምላኽ ኣቦ ምሕረት ኣቦ ሳህሊ ኣቦ ፍቕሪ ምሕረትካ ንዘልኣለም ኣለም እዩ ዝነብር፣ ካብ ኣብ ሰባት ዘሎካ ፍቕርን ሓልዮትን ዝተላዕለ ኸኣ ንምብጃው እቲ ብምስልኻ ዝፈጠርካዮ ህዝብኻ ንምድሓን እቲ እንኮ ተፍቅሮ ሓደ ወድኻ ኣብ መቀል ክመውት ዝገበርካ፣ ካብዚ ዝዓቢ መግለጺ ፍቕርን ምሕረትን ከኣ የብልካን፣ ካብዚ ኣዚዩ ኩቱር ምሕረትካን ሳህልኻን ዝተላዕለ ኸኣ ከም ብዝሒ ኣበሳና ኣይትፈድየናን ከም ብዝሒ ሓጥያኣትና ኸኣ ኣይትፈርደናን፣ እናጉሃናካ ክነስና ዘይትርሕቐና፣ እናበደልና ክነስና ዝባንካ ዘይትህበና ኣቦና ኢኻ፣ እንሆ ኸኣ ነዚ ባህሪኻ ፈሊጥና ነቲ ቦቅባቕ ልብኻ ኸኣ ተገንዚብና ብወድኻ ብየሱሱ ክርስቶስ ኣቢልና ንምሕረትን ምሕዳስን ንፈውስን ንለውጥን ንረዲኤትን ንሓገዝን እንሆ ናብ ዝፋን መስቀልካ ንቐርብ ኣሎና