Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Thursday
Mar 11th
Home arrow Articles arrow Cell Group Material arrow ዉሕሉል ኣገባብ ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስ
ዉሕሉል ኣገባብ ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስ PDF Print E-mail
Tuesday, 23 October 2007
Article Index
ዉሕሉል ኣገባብ ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስ
Page 2
Page 3
መእተዊ

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጸ ቓል ስለዝኾነ፡ ኸም ዉሉድ ኣምላኽ መጠን ግዜ ወሲድካ ከተንብቦን ከተጽንዖን ይግባእ።

መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ግብሪ ከምዝገበረልናን፤ እንታይ ኢሉ ከምተዛረበን ብንጹር የርእየና እዩ። ከም ኡዉን እግዚኣብሄር ኣብ ታሪኽ ንብዙሓት ቅዱሳን ብኸመይ ዝበለ መገዲ ክምዘመላለሶም የመልክተና እዩ። ስለዚ እቲ ሕቡእን ምሉእን ሃብቲ ናይቲ ጽሑፍ ምስ ነፍሲ ወከፍና ክዉሃሃድ እንተድ ኣ ኾይኑ፤ ንመጽሓፍ ቅዱስና ልቢ ኢልና ከነጽንዖ ግቡእ እዩ።

መሰረት ናይዚ ሕጂ ጎይታ ኣብ ዘመንና ዝዛረቦ ዘሎ ኩሉ እቲ ኣቐዲሙ ዝተዛረቦ ቃል እዩ። እግዚኣብሄር ብ ኣና ገይሩ ንኻል ኦት ክዛረብ ከሎ፤ በቲ ጽኑዑን ቅዱስን ቃሉ ገይሩ እዩ። ስለዚ እቲ ቓል ቅድሚ ምዝራብና ወይ ምስማዕና፤ እቲ ቓል ኣብ ልብና መሊኡ ክሓድር ንፍቐደሉ።

ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፤ እዞም ዝስዕቡ ክልተ ዓበይቲ ረቋሒታት ኣብ ግምት ክ ኣትዉ ኣለዎም፥

1.    ኩነታት/ ህይወት ናይቲ ዘጽንዕ ሰብ
2.    ኣገባብ ኣጸናንዓ

I.    መንፈሳዊ ትሕዝቶ ናይቲ ሰብ


ኣብዚ ዘመንዚ እቶም ብዛዕባ ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዋሃቡ ዘለዉ ሰሚናራት ኣብቲ ኣገባብ ጥራይ ዘተኮሩ እዮም። እንተኾነ ግን፡ መንፈሳዊ ደረጃ ናይቲ ዘጽንዕ ሰብዉን ኣዝዩ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። ስለዚ እዞም ዝስዕቡ ስለስተ ቅድሚ ዅነት ብዛዕባ እቲ ሰብ ንመልከት

Illustration about types of hearers of the word ገሊ ኡ ኣብ ጽቡቅ መረት...

1.    ኣድላይነት መንፈሳዊ ምዃን

"እዘን ኣነ ዝነገረኩም ዘሎኹ ቓላት መንፈስ እየን ህይወትዉን እየን።" የዉ.6+63 ከም ኡዉን "እግዚኣብሄር መንፈስ እዩ" የዉ.4+24። ናይ እግዚኣብሄር ቓል ፊደል ዘይኮነስ መንፈስ እዩ። ስለዚ ሰብ ብመንፈሱ ጥራይ'ዩ ነቲ መንፈስ ዝኾነ እግዚኣብሄር ኽትንክፎ ዝኽእል (ደም ዝሓዛህ ዝብል ዝነበረት ሰበይቲ)። እምብ ኣር እቲ ቓል መንፈስ ስለዝኾነ፡ ብመንፈሱ ዳግም ዝተወልደ ጥራይ እዩ እዩ ብመንፈስ ኾንኑ ከንብቦ ዝኽእል። ንመንፈሳዊ ነገር ብመንፈስ ኢና ክንርድ ኦን ክንርምስሶን እንኽል። ከምቲ ንጎይታ ብመንፈስ ዝምለኽ፡ ቃሉ ድማ መንፈሳዊያን እንተዘይኾይንና፡ ጽቡቅ ገይርና ከነጽንዖን ክንርድ ኦን ኣይንኽእልን ኢና። ሰብ ንቓል እግዚኣብሄር ብመንፈሱ እንተዘይኮይኑ ብነፍሱ ወይ ብስጋኡ ክፈልጦ ኣይኽእልን እዩ። ንቓል እግዚኣብሄር ብ ኣእምሮ ተመራሚርካ ክትበጽሖ ኣይክ ኣልን እዩ (እዮብ11=7)። ከመዮ እቲ ጽሑፍ " ንሕና መንፈሳዊያን ግና ነቲ መንፈሳዊ ነገር ብ.....

Illustration: Electric power--> electric wire---> Lamp at home---> LIGHT
           ቓል እግዚኣብሄር-------ዝተወልድ መንፈስ-----        ሰብ  ----ምርዳእ ጽሑፋት

2.    ምቱርጋም መንፈሳዊ ነገር ንመንፈሳዊ ሰብ

ከመዮ እቲ ጽሑፍ "....ስጋዊያን ስለዝኾንኩም......."  እቲ ነቲ ቓል ዘጽንዕ ሰብ ዳግም ዝተወልደ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ብመንፈሱ ድማ ዝዓበየ ክኸዉን ኣለዎ። ትርጉም ናይ ሓደ ዓቢይ መንፈሳዊ ሓሳብ፤ ነቲ ብመንፈሱ በጽሒ ዝኾነ ሰብ ጥራይ'ዩ ክርድ ኦ ዝኽእል። ኣብ 1ቆረ 2*1-4, 5-7, 9-13 እንተንቢብና.....ቓል እግዚኣብሄር ብመንፈስ ቅዱስ ድ ኣምበር ብጥበብ ሰብ ኣይግለጽን እዩ። ናይ ሰባት ቓል ጥበብ ዓይኒ ዝርእዮ እዝኒ ዝሰምዖ ካብ ልቢ ሰባትዉን ዝመንጨወ እዩ። ቓል እግዚኣብሄር ግና ብመንፈስ ቅዱስ ዝግለጽ ወይ ዝኽፈት እዩ። ስለዚ ከመዮ እቲ ጽሑፍ "ብዛዕቡ እንብሎ ብዙሕ ነገር ነይሩናስ........." ከምዝብሎ እቲ ብሓቂ ብመንፈሱ በጽሒ ዝኾነ ሰብ እንተዘይኾይኑ እቲ ስጋዊ ክርስትያን ትርጉም ናይ ብዙሓት ዓሞቅቲ መንፈሳዊ ሓሳባት ክርድ ኦ ኣይክ ኣልን እዩ።

ኣብ 1ቆረንጦስ 2፥3 ሰለስተ ዓይነት ሰባት ንርኢ፤

ሀ. ነፍሳዊ ሰብ (Psychological Man):- እዚ ሰብ ብመንፈሱ ዳግም ዘይተወልደ ሰብ ኾይኑ ነቲ መንፈስ ናይቲ ቓል ድማ ፍጹም ክርድ ኦ ዘይኮነሉ ሰብ እዩ።

ለ. ስጋዊ ሰብ (Carnal Christian):- እዚ ሰብ ዳግም ዝተወልደ ኾይኑ ግናኸ ብስጋኡ ድ ኣምበር ብመንፈሱ ዘይምራሕ ሰብ እዩ። እቲ ዳግም ዝተወልደ መንፈሱ ብመንፈሱ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ክግዛእ ዘይሃበ ሰብ እዩ። ስለዚ ንቓል እግዚኣብሄር ብኸፊል ጥራይ'ዩ ዝርድኦ፤ ጸባ ጥራይ እምበር ዕጹም ብልዒ ዘይበልዕ እዩ። ካብ ሰባት ዝስምዖ ምግላጽ ድ ኣምበር፤ ንሱ በዓሉ ቀጥታ ካብ ጎይታ ምግላጽ ዘይረክብ እዩ።

ሐ. መንፈሳዊ ሰብ;- እዚ ዓይነት ሰብ፤ መንፈሱ ዳግም ዝተወልድ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኣብ ትሕቲ ቅጽጽር መንፈስ ቅዱስ ዝ ኣተወ እዩ። ብመንፈስ እንዳተመላለሰ ድማ ናብ ራእይን ምግላጽን ዝሰጋገር ሰብ እዩ።

ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዖ እንተድ ኣ ኾይንና፡ ብመንፈስ እንመላለስ መንፈሳዊያን ኽንከዉን ኣሎና።

II.    ኣድላይነት ምፍላይ ወይ ቅድስና


እዚ ረቛሒ ድማ እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ነጥብታት ዝሓዘ እዩ

ሀ. ዝተኸፍተ ልቢ

መጽሓፍ ቅዱስ ቓል ኣምላኽ ጥራይ ዘይኮነስ ከምኡዉን ብናይ እግዚኣብሄር ብርሃን ዝመልኣ እዩ። ከመዮ እቲ ጽሑፍ 2ቆረ 3=18. . . . ዝብሎ፤ ህይወትካ ብኽብሪ እግዚኣብሄር ዘንጸባርቀ ክኽዉን እንተድ ኣ ኾይኑ፡ ኣብ ቅድሚ ጎይታ ኩሉ ሳዕ ብቕሉዕ ገጽ ማለት ብዝተኸፍተ ልቢ ምዃን የድሊ። ሰብ ንጎይታ ብምል ኣት ብመንፈሱ፤ልቡ፤ፍቓዱን ኣእምሮኡን ዝተኸፍተ እንተድኣ ኮይኑ ኣብቲ ቃል ክብሪ ጎይታ ይር ኢ እዩ።

Illustration ጸሓይ ብብርሃን ሙቐትን ዝተመልኣት ኮይና ኣብ ዓለም ተብርህ ድ ኣምበር፤ ነቲ ኣብ ዕጽዉ ገዛ ዘሎ ሰብ ኣይትበጽሖን እያ። ኻብ ዝተዓጸወ ቦታ ክወጽእ ኣለዎ።

ዓቀን ናይ ብርሃን ብመጠን ክፉታት ምዃንና እዩ ዝሰርሕ። እቲ ንጎይታ ኣዝዩ ክፉት ዘይኮነ ክርስትያን ዝርእዮ ብርሃን ዘይኮነስ ጽልግልግ ዝበለ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብ ኢዱ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎዎካ እንተኾነ፤ ነፍሲ ወከፍ ካብቲ ቓል ዝረኽቦ ብርሃን ግና ይፈላለ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብቦ እንከሎና ትኽስ እንብልን ነቲ እነንብቦ ድማ ዘይንርድ ኦ እንተኾይኑ፡ ሓደ ካብ ህይወትና ክግዕዝ ዘለዎ ጸልማት ኣሎ ማለት እዩ።
ኽፍተተ ልቢ ድማ ካብቲ ንጎይታ ብምል ኣት ዝተፈለኻ ምዃን ወይ ድማ ብብርሃን ብምምልላስ ዝመጽእ ኢዩ። ስለዚ ልብና ብምልኣት ብጎይታ ጥራይ እንተዘይተዋሂቡ፡ ጸልማት ማለት መንፈሳዊ ድንቑርና ኣብ ዙርያና ከንጸላሉ ይክ ኣል እዩ።

ለ. ብኽልተ ጎይቶት ዘይተገዝኣ ልቢ> ብርሃን ኣብ ዱንካነን ክዓርፍ ከሎ

ከመዮ እቲ ጽሑፍ " ዮዉ.6=21-24 ዝብሎ፤ ሰብ ዘለዎ ዘበለ ኩሉ ንጎይታ ሂቡ ብጎይታ ጥራይ ዘይተግዝ ኣ እንተኾይኑ፡ መብራህቲ ብምዃን ብርሃን እግዚኣብሄር ከብርህ ኣይክእልን እዩ። ልብና ብርሃን እግዚኣብሄር ዝቅበልን ዘብርሃን መብራህቲ ህይወትና እዩ።

ብርሃን(እግዚኣብሄር)------->ብርሃን ዝቅበል መብራህቲ(ልቢ ሰብ)------->ዘብርህ ህይወት ሰብ

ኣብዚ ተጠቂሱ ዘሎ ጥቅሲ፡ ኣዕንትኻ ጥዕይቲ እንተኾይኑ ዝብል ዘሎ፡ ኣዕንትኻ ናብ ሓደ ነገር ጥራይ ኣቅኒዓን ዝርእያ እንተኾይነን ማለቱ እዩ። ስለዚ ኣዒንቲ ልብና ናብ ሓደ ጎይታ ጥራይ ኣቅኒዓን እንተጠመታ እዩ ብዘሎ ኣካላትና ጥዑይን ብርሃን እግዚኣብሄር ዘብርህ መብራህቲ ዝኸዉን።

ልቡ ብገንዘብ፡ ፍትወት ዓለም፡ ህርፋን ስልጣን....ወ.ዘ.ተ ዝተመልኣ ክርስትያን ኣዒንቱ ናብ ክልተ ነገራት ስለዝጥምታ፡ ብርሃን ካብ ላዕሊ ተቐቢሉ ብርሃን እግዚኣብሄር ብምልኣት ዘብርህ መብራህቲ ክኸዉን ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ከመዮ እቲ ጽሑፍ የዉሃንስ ድማ........ከምዝብሎ ኣንሓና ድማ ብብርሃን ጎይታ እንነብርህ ብርሃን እዛ ዓለም ክንከዉን ምእንቲ ዝተመቅለ ልቢ ኣይሃልወና። ክልተ ዝልቡ ሰብ ብኹሉ ነገሩ ጽኑዕ ኣይኮነን።

ሐ. ቐጻሊ ምእዛዝ

ከመዮ እቲ ጽሑፍ ነቲ ዘለዎ ይዉሰኾ....ዝብል፡ እግዚኣብሄር ኣምልክ ድማ ብመጠን እቲ ቐጻሊ ንእኡ እንእዘዞ፡ ብእኡ መጠን እዩ ናይ ቓሉ ደገ ዝኸፍተልና። ብዙሕ ምእዛዝ ብዙሕ ምግላጽ የምጽእ። እቲ ቅድስናን ምእዛዝን ቐጻሊ እንተኾይኑ፡ ከም መብራህቲ ቐጻሊ ኣይነብርህን ኢና።

ከመዮ እቲ ጽሑፍ ዮዉ.7፥17 ዝብሎ ሰብ ድማ ንፍቓድ እግዚኣብሄር ዝተዋህበ እንተኾይኑዩ ናይ እግዚኣብሄር ነገር ዝፈልጥ። ስለዚ ናይ ምግላጽ ምርካብ ቅድሚ ኩነት ምእዛዝ እያ። ክርስትያን ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ንምግባር ብምሉእ ልቡ ዝተወሰነን ዝተበገሰን እንተዘይኮይኑ፤ እግዚኣብሄር ቓሉ ገሊጹ ክምህሮ ክሓስብ ኣይግብ ኦን እዩ። ናይ ኤልን ሳሙኤልን ዘክር።

III.    ኣድላይነት ብተመኵሮ ዝተፈትነ ብሱል ሰብ ምዃን


ከመዮ እቲ ጽሑፍ እብ 5. 14 ዝብሎ..እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዕ ሰብ ድማ ብጎይታ እንዳዓበየ ዝኸይድ፡ ንቓል ጎይታ ድማ ኣብ ግብሪ ብምዉዓል ብሕልናኡ ጽቡቅን ክፉእን ፈላልዩ ንኽፈልጥ ዝሰልጠነ ክኸዉን ይግባእ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንኹነታትና ጽቡቅ ገይሩ ይገልጾ እዩ። ሓደ ክርስትያን ብባህርያቱ ከመይ ዝበለ ምዃኑ ገምጋም ንምርካብ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ምዕራፍ ከንብባ ሂብካ፡ ካብታ ምዕራፍ እንታይ ዓይነት መልእኽቲ ሒዙ ክመጽእ ከምዝኽእል ምርኣዩ ይክኣል እዩ። ሓደ ክርስትያን ብቓል ጎይታ ፍቱንን ብሱልን እንተኾይኑ፡ ንቓል እግዚኣብሄር ብዑምቐት ከጽንዖ ይቐሎ እዩ።

እምብኣር ክርስትያን ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ብተመኵሮ ዝበሰለ ፍቱን ኢዩ ዘብልዎ ንጥብታት እዞም ዝስዕቡ እዮም<
    
   ሀ. ቅድመ ኵነታዊ (ዝንቡዕ) ዝኾነ ሓሳብ ዘይብሉ ምዃን
   ለ. ሸለልትነት ዘየጥቅዖ
   ሐ. ነቲ ቓል ብሁንጡየነት ዘይፈታተኖ?



Last Updated ( Wednesday, 24 October 2007 )
 
Next >
 
  • ኣገልገልቲ
    ኣገልገልቲ እንታይ ይብሉ
    Letter5

    ሰክቡራትን ፍትዋትን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንዓኻትኩም ይኹን፣ እዚ ዘለናዮ እዋን....

  • ደቀንስትዮ
    ደቀንስትዮ እንታይ ይዛረባ? Welcome

    ክቡራትን ፍቑራትን ኣሕዋትን ኣዴታትን ኣዋልድ መንእሰያትን ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንዓኻትክን ይኹን። ኢሂን ምሂን እትብላሉ ብዛዕባ መንፈሳውን.........

  • መንእሰያት
    ካብ መንእሰያት ናብ መንእሰያት
    Letter3

    ሰላም ሰላም ንዓኻትኩም ኣብ ፈቐዶ ቦታታትን ሃገራትን ዘለኹም መንእሰያት። ጸጋን ሓጎስ ኣምላኽን ምሳኹም ይኹን። እንሆ ሓሳብኩም እትገልጽሉ ህርመት ልብኹም እትዛረቡሉ ርእይቶኹም ከኣ እትህቡሉ መድረኽ ተኸፊቱልኩም........

Advertismnet!

Our Favorite Links

www.bible.org
Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

Christ for all Nations, Cfan
cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
http://www.cfan.org
 
Release Eritrea!
release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha

Who's Online

We have 11 guests online
  • tigrina
  • English

Agelglot.com

Compassdirect.org

Syndicate

Video

EGMM pro Mezmur

EGMM PRO MEZMUR  

EGMM pro Sbket

EGMM PRO SBKET  

EGMM pro Books»

EGMM ORO BOOKS 

Active Quiz»

Active Quiz 

EGMM PRO REDIET»

EGMM PRO REDIET