Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Friday
Sep 10th
Home arrow Articles arrow Message arrow እግዚኣብሄር ዕጽፍን ካዕበትን ዝህብ ኣምላኽ እዩ ፣
እግዚኣብሄር ዕጽፍን ካዕበትን ዝህብ ኣምላኽ እዩ ፣ PDF Print E-mail
Wednesday, 09 September 2009

ሓደ በዓል ዋኒን ንሰራሕተኝኡ ብዝሰርሖ ስራሕ ብገምጋም ክንድዚ እዩ ዝግብኦ ኢሉ እዩ ነቲ ሰራሕተኝኡ ዓስቡ ዝህቦ ፣ ካብኡ ንላዕሊ ግና ኣይህቦን እዩ ። እግዚኣብሄር ግና ዓስኻ ጥራይ ዘይኮነስ ዕጽፍን ድርብን ጌሩ ዝኸፍል ኣምላኽ እዩ ፣ ኣብ ምሳ 23፣17-18 ከምዚ ይብል <<ብርግጽ ዓስቢ ኣሎ ትጽቢትካ ከኣ ከንቱ ኣይክኸውንን እዩ እሞ ልብኻ ኹሉ መዓልቲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሃልዎ ደኣ እምበር ብሓጥኣተኛታት ኣይትቕናእ ፣>>

   እቲ ንእግዚኣብሄር ዝጥምት ሰብ ዓስቢ ኣለዎ ። ብሓቂ እምነትና ከምዚ እንተኾይኑ ደኣ ኣዒንትና ናበይ ይጥምታ ኣለዋ ፧ ብሓቂ ናብ ከምቲ ዳዊት ኣብ መዝ 121፣1 ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል ኣለኹ ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዚመጸኒ ፧ ዝበለ ናብ ኣኽራንዶ ንጥምት ኣሎና ፧ ዳዊት እንታይ ስለዝደለየ እዩ ከምዚ ኢሉ ፧ ረዲኤት ዝደሊ ሰብ መብዛሕትኡ ጊዜ ናብ ላዕሊ እዩ ዝጥምት ሙሴ ኣብ ዝጓዓዘሉ ዝነበረ ኣብ ውግእ ከይተረፈ ኣእዳዉ ንላዕሊ ይገብር ነይሩ ኩሉ ጊዜ ኣእዳዉ ንላዕሊ ዝገብር ሰብ ኣይክእልን ስለዚ ኣባኻ ይወድቕ ኣለኹ እዩ ዝብል ፣ እቲ ውግእ ድማ ጠጠው ይብል ጸላኢኻ ኢዱ እንተዘይ ኣልዒሉ ክትማርኾ ኣይትኽእልን ኣይትኽእልን ኢኻ ፣ ኢዱ ንላዕሊ እንተኣልዒሉ ግና ተሳዒረ እዩ ዝብል ዘሎ ስለዚ ኢድካ ንላዕሊ ምልዓል ከምዚ ትርጉሙ ካብ ሃለዎ ፣ ሙሴ ድማ ኣእዳዉ ንላዕሊ ከልዕል ከሎ ሓይሊ ወይ ረዲኤት ካብ ላዕሊ ከምዝቕበል ዘሎ እዩ ዘርእየና ።

   ኣብ ዮሃንስ 14፣1 ጎይታ የሱስ <<ልብኹም ኣይሸበር ብኣምላኽ እመኑ ብኣይ እውን እመኑ>> ይብል ፣ ተስፍኡ ኣብ ዓለም ኣብ ሰባት ኣብ ገንዘብ ዝገብር ሰብ ብዝኾነ ዓይነት ስዒሩ ወይ ተዓዊቱ ኣይፈልጥን ስለምንታይ ይመስለኩም ፣ ናይ ሰባት ነገር ምናልባት ሓንሳብ ክልተ ሳብ ይገብር ይኽእል ካብኡ ወጻኢ ግን ክጸርፈካ እዩ ዝርከብ ። ስለዚ ከምዚ ኣብ ቃሉ ልብኹም ኣይሸበር ኢሉና ዘሎ ካብዚ ፍትወት ዓለምን ካልእን ተኣሊና ናብ እግዚኣብሄር እናጠመትና በቲ መገዲ እናተጓዓዝና ብሓቂ ዓስቢ ኣሎና ፣ የሱስ ጎይታ እዩ ። ኢሰ 43፣1 ሕጂ ግና ኣታ ያእቆብ እቲ ዝፈጠረካ ኣታ እስራኤል ድማ እቲ ዝደኮነካ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ተበጅየካ እየ እሞ ኣይትፍራሕ ፣ ስለዚ ተበጃዊና እግዚኣብሄር ስለ ዘሎና ክንፈርሕን ክንጠራጠርን ልብና ክንሽበርን ናብ ዘየድሊ መገዲ ክንኸይድ ኣይግባእን ፣ ኢሰ44፣1-2 ። ጥራሕ ብምሉእ ልብናን ሓሳብናን ናብ እግዚኣብሄር ክንትምት ኣለና ፣ ኣብ ምሳ4፣23 ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ ልዕሊ ኹሉ ንልብኻ ሓልዎ፣ ይብለና ፣ ስለዚ ካብቲ ዘየድሊ መገዲ ህይወት ዘይህብ ጉዕዞ ካብቲ ዘይሃንጽ ዘበለ ክንእለ ኣሎና ።  ብምሉእ ልብና ናብ እግዚኣብሄር ክንትምት ኣሎና ።

   ሰብ ብዙሕ ይሓስብ ብዙሕ ይዛረብ ብዙሕ ይትምነ ፣ እቲ ዝፍጽም ግና እግዚኣብሄር እዩ ። ከምቲ ንስኻ ትሓስቦን ትደልዮን ዘይኮነ ዕጽፍን ድርብን ዝገብር እዩ ። ኢሰ55፣6 እምበኣርስ ከምቲ ቃሉ ንእግዚኣብሄር በቲ ዝርከበሉ ጊዜ ንድለዮ ዳሕራይ መገድና ምስ ስሓትና ከምቲ ኮይኑ ኢልና ካብ ነጉረምርም ። ኣብ ኢሰ 55፣12 ዘሎ ብሓጎስ ክትወጹ ብሰላም ድማ ክትስነዩ ኢኹም ኢሉና ኣሎ። እሞ እዚ ኩሉ ተስፋታት እንተሎና ደኣ ንምንታይ ንጭነቕ ፧ መጀመርታ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ እዚ ኩሉ ድማ ይውሰኸልኩም ኣሉና ኣሎ ማቴ 6፣33  ። እዚ ኩሉ ብእኡ እዩ ዝከውን ፣ ስለዚ ህይወትና እናተጠንቀቕና ንጎይታ እናጠመትና በዚ ክንጉዓዝ    ይግባእ ። <<ብርግጽ ዓስቢ ኣሎ ትጽቢትካ ከኣ ከንቱ ኣይክኸውንን እዩ እሞ ልብኻ ኹሉ መዓልቲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሃልዎ ደኣ እምበር ብሓጥኣተኛታት ኣይትቕናእ ። >>       <> <> <>

 

 
 

 


-    ናይ ጸሎት ዋጋ ከይከፈልካ ካብ እግዚኣብሄር ምንቕቓሕ ኣይትጸበ ። (መጽሄት ተዳሎ )

-    ጸላያይ ክርስትያን ሓያልዩ ፣ ብነገራት ዙርያኡ ኣይነቓነቕን እዩ ።  (ቤንሂን)

-    ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽ ምዃን ክንደይ ሰናይ እዩ

-    ዝወሓደ ቓላት ኣብ ዘለዎ ዝበለጸ ጸሎት እዩ (ማርቲን ሉተር)

-    እቲ ኣዝዩ ዝምብርከኽ ኣብሊጹ ይቐውም ። (ድ.ኤል.ሙዲይ)

-    ናይ ገለ ሰባት ጸሎት ብኽልቲኡ ወገን ክቑረጽ የድልዮ ኣብ መጀመርታኡን ኣብ መወዳእታኡን ፣ኣብ ማእከሉ ድማ ሓዊ ክእጐደሉ ኣለዎ ፣ (ድ.ኤል.ሙዲይ)

-     ጽሎት ውርጹጽነት ቃላት ዘይኮነ ናይ ልቢ እዩ ።

-      ኩሉ ሓይልና ኣብ ጸሎት እዩ ዘሎ ። (ስፕርጀን)

                  

             

      ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ነሕዋት ይኹን ምስቶም ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዘይሓልፍ ዜፍቅርዎ ኹሎም ጸጋ ይኹን ።

መጺሔት ሻሎም

Comments
Add New Search
meron   |94.218.207.xxx |2009-09-14 07:58:43
hallo,
egziabher abzihu yebarekuw, nezie web organize tgebru, egzibabher
absrahkum kulu yedegefkum, btame sebktie web eya. tebareku
Write comment
Name:
Email:
 
Title:
Please input the anti-spam code that you can read in the image.
{poweredby} {poweredby}

3.26 Copyright (C) 2008 Compojoom.com / Copyright (C) 2007 Alain Georgette / Copyright (C) 2006 Frantisek Hliva. All rights reserved."

 
< Prev   Next >
  • Send Postcard !
  • Advertismnet!

    Our Favorite Links

    www.bible.org
    Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

    Christ for all Nations, Cfan
    cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
    http://www.cfan.org
     
    Release Eritrea!
    release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha

    Who's Online

    We have 17 guests online
    • tigrina
    • English

    Agelglot.com

    Syndicate


    EGMM pro Mezmur

    EGMM PRO MEZMUR  

    EGMM pro Sbket

    EGMM PRO SBKET  

    EGMM pro Books»

    EGMM ORO BOOKS 

    Active Quiz»

    Active Quiz 

    EGMM PRO REDIET»

    EGMM PRO REDIET