Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Friday
Sep 10th
Home arrow Articles arrow Message arrow እቲ መሲሕ ብጆርጅ ሃንደል
እቲ መሲሕ ብጆርጅ ሃንደል PDF Print E-mail
Monday, 31 August 2009

"ንቅዱሳን ጽሑፋት ብሙዚቃ ከወሃህዶም ከሎ ዝስምዖ ደስታ ኩሉ እዋን ምስ ገለጸዩ። እቶም ኣብ መዝሙረ ዳዊት ዘለዉ ብሉጻት ሓረጋት ኣብ ዕጋበቱ ዝነበሮም ኣበርክቶ ኣዝዩ ዘገርምዩ " ሰር ጆን ሃውኪንስ ብዛዕባ ጆርጅ ፍሪደሪክ ሃንደል ዝበሎ። 

1741 ጆርጅ ሃንደል ውዱቅ እዩ ነይሩ። ጠፊሹ: ብርቱዕ ኣካላዊ ቃንዛ ገጢምዎ: ግዳይ ናይቲ ኣብ ዝርሑ እተገብረ ሽርሒ ኮይኑ። እቲ ሓደ እዋን ዓቢ ናይ ኦፔራ ኣቅራቢ ዝነበረ: ኣብ ለንደን ናይ ስንብታ ምርኢት ንኸቅርብ ውጥን ኣውጺኡዩ። ንናይ ለንደን ከበርቴ እዚ "ዓዋን ጀርመናዊ" (ከምኡ ኢሎም ይጽውዕዎ ነበሩ) በቃ ወዲኡዩ፣ ይኹን እንበር ኣብ ክራማት ንመሲሕ  ኣዋደዳ። ንሳ ናብ መድረኽ ምርኢት ዝመለሰቶ ጥራይ ኣይነበረትን። እንታይ ደኣ ክሳዕ ሕጂ ብብዙሓት ከም ምሳሌ ናይ "እምነት ክርስትና" ተቐባልነት ውን ረኽባ እያ፣

ተቓውሞ ይጅምር

ዘይከም ወዲ ዓዱን መሰትኡን ጀሃን ባች (ክልቲኦም ኣብ ሓደ ዓመት እዮም ተወሊዶም። ተራኺቦም ግን ኣይፈልጡን) ሃንደል ካብ ሙዚቀኛታት ስድራቤት ኣይነበረን፣ ኣቦ ሃንደል መቓሳይ ኮይኑ። ናይ ወዱ ናይ ሙዚቃ ሞያ ኩሉ እዋን ምስ ኣቃለሎ እዩ፣ ወዱ ጠበቓ ክኾነሉ እዩ ትምኒቱ፣ ሽሕ እዃ ኣቡኡ (ጸኒሑስ ንወዱ ኣብ መበል ታሽዓይ ዓመቱ ናይ ሙዚቃ ትምህርቲ ክወስድ ኣፍቂድሉ እዩ) ወዲ 11 ዓመት ምስ ኮነ እንተሞተ። ብርግጽ ክሳዕ 1703 ጆርጅ ሕጊ ኣጽኒዑ እዩ፣ ሃንደል ኣብ 12 ዓመቱ ንናይ ኦርጋን መምህሩ ተክኦ። ቀዳመይቲ ድርሰቱ ድማ ጸሓፈ፣

ድሕሪ ናይ ሙዚቃ መጽናዕቱ ኣብ ጀርመንን ጣልያንን። ሃንደል ናብታ ዝተረፈ ሂወቱ ዝተቀመጠላ ዓዲ እንግሊዝ እዩ ኣምሪሑ። ደራሲ ሙዚቃ ናይ ሮያል ቤት ጸሎት ድማ ኾነ፣ ዓቢ ስምዒት ኣብ ኦፔራ ኸኣ ነበሮ። ግዚኡ ዝሓለፎ ስምዒትዩ ግና ዝነበረ፣ ምኽንያቱ እዚ ዓይነት ቅዲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ፋሽን ወጻኢ ኮይኑሉ ዝነበረ እዋንዩ፣ እታ ናይ 1728 ህብብቲ ስርሓት ናይ ቤጋርስ ኦፔራ (Beggar's opera) ንባዕላ ነቲ ቅዲ ሃይሳቶ እያ (satirize) ሃንደል ኣብ 1740 ታት ኮይኑ ኦፔራ ይጽሕፍን ብዙሕ ገንዘብ የጥፍእን ነበረ፣

ኣዕሩኽ ሃንደል ንዓርኮም። እቲ ኮንሰርት ተቅርበሉ ኣዳራሽ ተዓዛቢ የብሉን ክብልዎ ከለዉ። ንሱ ግና ብዋዛ። ጥራዩ ኣዳራሽ ድምጺ ጽቡቅ እዩ ዘስምዕ ይብሎም ነበረ፣

ነዊሕ ግን ኣይተዋዘየን። ኣብ 1737 ናይ ሃንደል ናይ ኦፔራ ካምፓኒ ጠፊሻ። ንሱ ድማ ብወቅዒ መሰል ሕማም ክሳቀ ጀመረ፣ ነገራት መሊሶም እንክገዱ ከኣ። እታ ዳሕረወይቲ ሙዚቃዊት ስርሑ። እታ ኦራቶርዮ (ናይ ሃይማኖት ሙዚቃዊ ቅንብር ኮይኑ። ዝበዝሕ እዋን ቅዱስ ዛንታታት እተዘንትወሉ እዩ። ፍሉይ ልብሲን ኣብ መድረኽ ዝርአ ናይ ድራማ ኣቅሑን። ድራማዊ ምንቅስቃሳትን ዘይብሉ ከኣ እዩ) እታ ክሳዕ ሕጂ ኣካታዒት ዘላ እያ፣ እታ ኣስቴር እትብል ቀዳመይቲ ኦራተርይኡ (ከም ሓቂ ብዓይነታ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ፋልመይቲ እያ) ቤተ ክርስትያን ብቑጥዐ እያ ተቐቢላታ፣ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስሲ ብተራ ተዋሳእቲ ክንገር። ካብኡ ዝገደደ ድማ ቃል እግዚኣብሄርሲ ኣብ ቤት ትያትር ክዝረብ ድማ በለት፣

"ድልየት ሰይጣን ብኸምዚ መልኽዕ ኣብ ማእከልና ክሳዕ ዝኣቱስ። ንምንታይ ደኣ    ኢና ኣብዚ ዘሎና " ብምባል ሓደ ካህን ጨደረ፣ ጳጳስ ለንደን ምስዚ ሓሳብ ተሰማምዑ እሞ። እታ ኦራቶርዮ ንኸይትትግበር ድማ ከልከሉ፣ ብዝኾነ ሃንደል ግና ስርሑ ቀጸለ። ንጉሳዊ ስድራቤት ተሳቲፎም ድማ ረኣይዋ። ጽቡቕ ከኣ ተቐበልዋ። ቤተ ክርስትያን ግና ገና ኣብ ቑጥዐ ነበረት፣

ኣብ 1739 ምውዕዋዕ ንእስራኤል ኣብ ግብጺ ብውፉያት ክርስትያናት ስለ እተሳናኸለ። ንምርኢት እታ ኦራቶርዮ ጸልዩዋ እዩ፣ እዚ ኹሉ ተደሚሩ ነቲ ጻዕራም ናይ ሉተራዊ እምነት ተኸታሊ ሃንደል ኣሕረቆ፣ ከምቲ ዓርኩ ጆን ሃውኪንስ ዝበሎ "ኣብ መላእ ህይወቱ ዓሚቅ ስምዒት ሃይማኖት ኣንጸባሪቁ እዩ፣ ኣብ ምይይጡ። ንቅዱሳን ጽሑፋት ብሙዚቃ ከወሃህዶም ከሎ ዝስምዖ ደስታ ኩሉ እዋን ምስ ገለጸ እዩ። እቶም ኣብ መዝሙረ ዳዊት ዘሎዉ ብሉጻት ሓረጋት ኣብ ዕጋበቱ ዝነበሮም ኣበርክቶ ኣዝዩ ዘገርምዩ "

ዋላ እኳ ኣዝዩ እንተተቆጥዐ ንጉዳይ ፑሪታንስ (Puritans') ግን ግዲ ኣይገበረሉን     (ንሃንደል ቀጻሊ ዘቆጥዖ ዝነበረ ምኽንያት "ፈራዪ ጸርፊ ብሓሙሽተ ቋንቋታት" ዝብል ስም ሂቦሞ ስለ ዝነበሩ እዩ) "መጽሓፍ ቅዱሰይ ብዝግባእ ኣንቢበዮ እየ። ንርእሰይ ዘዋጽኣኒ ድማ መሪጸ ኣለኹ" ድማ ይብል ነበረ፣ ግደ ሓቂ ሃንደል ከም ዝኾነ ይኹን ጳጳስ መጽሓፍ ቅዱስ ይፈልጥ ነይኑ እዩ፣ ኮይኑ ግን ኣብ ፋይናንሳዊ ትሕዝትኡ ብጣዕሚ ንእሽቶ እዩ ተደጊፉ፣ ሓደ እዋን ናይ ንግስነት ኣወሃሃዲ ሙዚቃ ዝነበረ ሎሚ ግና ብዕዳ ከይእሰር ሰጊኡ ዘለወሉ እዋን ኮይኑ ኣሎ፣

 

በታ መሲሕ ተገላጊሉ

ሃንደል ከቢድ ጸቅጢ ስለ ዝገበረሉ። ዓርኩ ቻርለስ ደሃነስ ክበጽሖ መጸ፣ እዚ ውሩይ ኣንግሊካን ብዛዕባ ህይወት ክርስቶስን ዕዮ ምድሓንን እትገልጽ ምሉእ ብምሉእ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደት ሓንቲ ሊብረቶ (ናይ ኦፔራ መጽሓፊ ቃላት) ኣዳልዩ ነበረ፣ እቲ ጭኑቅ ምሉእነታዊ (perfectionist) ጀነስ። ነቶም ንመሎኮታውነት የሱስ ዝኽሕዱ ንምብዳህ እዩ እዚኣ ጽሒፍዋ፣ ሃንደል ነዚኣ ኣቀናቢሩ ክሰርሓ ድዩ? ሕቶ ቻርለስ እዩ፣ ብርግጽ ሃንደል ክሰርሓ ወሲኑ እዩ፣ ንኽውዳኣ ድማ ሓደ ዓመት ከም እትወስደሉ ገምጊሙ ኣሎ፣

ልክዕ ብድሕሪኣ ዱብሊን ዝተባህሉ ናይ ተራድኦ ጉጅለ ንሃንደል ሓንቲ ናይ መኽሰብ ምርኢት ከቀናብረሎም ተወከስዎ፣ ካብኣ ዝርከብ ኣታዊ ንሰባት ካብ ናይ ዕዳ ማእሰርቲ ሓራ ንኽገብርዩ። ሃንደል ድማ ገለ ኮምሽን ክረክብ እዩ፣ ብትሕዝቶን ድርኺትን ብነሓሰ 22 1741 ሃንደል ንመሲሕ ክሰርሓ ጀመረ፣ ቀዳማይ ክፋል ብሹድሽተ መዓልታት ተዛዘመ። ብዝሰዓበ ትሽዓተ መዓልታት ካልኣይ ክፋል፣ ብዝቀጸለ ሽዱሽተ መዓልታት ሳልሳይ ክፋል ተሰርሐ፣ ንምምዕርራይ እታ ኦርኬስትራ ተወሰኽቲ ክልተ መዓልታት ወሰዳሉ፣ ሃንደል ልክዕ ኣብ ገለ ከም ዝተዋሕጠ ሰብ እዩ ነታ ስራሕ ዛዚምዋ፣ ካብ ክፍሉ ዳርጋ ኣይወጸን። መግቢ ውን ንማለቱ እዩ ተንኪፉ፣ ግናኸ ኣብ 24 መዓልታት። 26 ገጻት ኣቀናበረ፣ ዓርሞሽሽ ጅግንነታዊ ኣካላዊ ስራሕ፣

ነታ ብሃሌሉያ ኣትፍለጥ ሓባራዊት መዝሙር ጽሒፉ ምስ ወድኣ ከምዚ በለ። "ነቲ ዓቢ ኣምላኽን ኩሉ ሰማያትን ኣብ ቅድመይ ከም ዝረኣኽዎ ጌረ ሓሰብኩ"

ሽሕ እኳ ድርሰት እታ ምርኢት እንደገና ክርክር እንተለዓዓለ( ጆናዛን ስዊፍት- ደራሲ ናይ ጉዕዞ ጉሊቨር (Gulliver's travels) ደሓር ውን ቆሞስ ናይ ቅዱስ ፓትሪክስ ካቴድራል ዝነበረ ኣዝዩ ተቖጢዑ ንመዘምራኑ ኣብታ ድርሰት ከይነጥፉ ከልኪሉዩ) እታ ቀዳመይቲ ምርኢት ብሚያዝያ 13, 1742 ኣብ ኣዳራሽ ሙዚቃ ጎደና ፊሻምብል ኣዝያ መሳጢት ነይራ፣ ካብ ዓቅን ንላዕሊ ጽቅጥቅጥ ኮይኑ። 700 ሰባት ተሳቲፎም። 400 ፓውንድ ተኣኪቡ። 142 ሰባት ካብ ቤት ማሕቡስ ከገላግልዩ፣ (ጠለብ ትኬት ኣዝዩ ስለ ዝበዝሐ ሰብኡት ኣስያፎም ዓጢቆም ከይመጹ። ኣንስቲ ድማ ኣብ ቀሚሸን ዕንክሊል hoops /ኣብቲ እዋን ኣብ ቀምሽ ወይ ጎና ዝግበር ዝነበረ ዕንክሊል/ ከይገብራ ተነግሮም። ዝያዳ 100 ሰባት ኣብቲ ምርኢት ከም ዝኣትዉ ውን ተገብረ። ብኡብኡ እቲ ዕንክሊል ኣብ ግዜ ምርኢት ከም ፋሽን ምኽዳኑ ውን ኣቋረጸ) 

ክሳዕ እዋን ሞቱ ሃንደል 30 ምርኢታት መሲሕ ኣቅሪቡ ዩ፣ ንሓንቲ ካብኣተን ጥራይ እዩ ኣብ ቤት ክርስትያን ብሪስቶል ካቴድራል ዘቕረባ፣ ኣብታ ምርኢት ጆን ዊስሊ ተረኺቡ ነይሩ። ከምዚ ክብል ድማ ተዛሪቡ "ልክዕ ከምዚ ናይ ምርኢት ኣብ ግዜ ስብከትከ እዚ ጉባኤ ክንድዚ ተገዲሱ ብዕቱብ ይከታተል ድዩ የጠራጥረኒ" 

 

ሓይሊ ሙዚቃ

እዚ ስርሓት እዚ ኣብ ሰማዕቱ ምስጢራዊ ዝኾነ መንፈሳዊ ጽልዋ የሕዲሩዩ፣ ሓደ ጸሓፋይ ከም ዝገለጾ። ናይ መሲሕ ሙዚቃን መልእኽትን "ዝያዳ እቶም ኩሎም እተጻሕፉ ናይ ስነ መለኮት ስርሓት። ንኣሽሓት ሰባት ንኣና እግዚኣብሄር ከም ዘሎና። ኣረዲኣን የእሚናን እያ"

ናይቲ ኣቀናባሪ ባዕላዊ ግምገማ ኣብቲ ኣዝዩ ዘፍቅሮ ሞያ። ልዕሊ ማንም ካልእ። ዝያዳ ብሕታዊ ባህጊ ዝህብ እዩ፣ ድሕሪ እታ ናይ ፈለማ ምርኢት መሲሕ ኣብ ለንደን። ንጉስ ኪኖዩል ንሃንደል ስለቲ ብሉጽ ምዝንጋዕ እንዃዕ ሓጎሰካ በሎ፣ ሃንደል ክምልስ ከሎ "ንጉስ። ኣዘናጊዐዮም ጥራይ እንተደኣ ኮይነ ክጉሂ እየ። ገለ ዝያድኡ ጌረ ክኸውን ተስፋ እገብር በሎ"

እቲ ናይ ዓለም ዝበለጸ ግኑን ሃይማኖታዊ ብሉጽ ስራሕ ዘቅረበ ኣቀናባሪ። ሃይማኖታዊ እምነቱ ንብዙሓት ክኢላታት ሙዚቃ ግድል ኮይኑዎም እዩ፣ ኣብቲ ሙዚቀኛታት ክርስትያናት ንናይ ከባቢኦም ቤተ ክርስትያን ጥራይ ዝዓይሉ ዝነበሩ ዘመን። እቲ ኣቀናባሪ ዓለማዊ ኦፔራን ኦርኬስትራን ካብቲ ልሙድ ኣገባብ ዝተፈልየ እዩ ነይሩ፣ ገና ንሱ ብውፉይ ሰዓቢ ክርስቶስን ኣብ ሰባት ብዘለዎ ተገዳስነትን እዩ ብሰፊሑ ዝፍለጥ፣ ናይ ሃንደል ስነ ምግባር ልዕሊ ነቐፋ እዩ ነይሩ፣ ኩሉ ግዜ ኣብ ቤተ ክርስትያን ብብርኩ ተምበርኪኹ እዩ ዝርአ። ኩሉ ትርኢቱን ምንቅስቃሳቱን። ሓቀኛ ስምዒት ናይ ትግሃቱ የንጸባርቅ፣

ዓርኩ ጆን ሃውኪንስ ከም ዝሰነዶ "ኣብ መላእ ህይወቱ ዓሚቅ ስምዒት ሃይማኖት ኣንጸባሪቁ እዩ፣ ኣብ ምይይጡ። ንቅዱሳን ጽሑፋት ብሙዚቃ ከወሃህዶም ከሎ ዝስምዖ ደስታ ኩሉ እዋን ምስ ገለጸ እዩ። እቶም ኣብ መዝሙረ ዳዊት ዘሎዉ ብሉጻት ሓረጋት ኣብ ዕጋበቱ ዝነበሮም ኣበርክቶ ኣዝዩ ዘገርምዩ" ኣብ ሓንቲ ካብተን ተሪፈን ዘለዋ ገለ ውሑዳት ደብዳቤታቱ ሃንደል ንዘምኡ ብዛዕባ ሞት ኣዲኡ ከጸናንዖ ከሎ "ነቲ ሓያል ጥራይ የሐጉሶ እንበር። ነቲ ዓቢ ቅድስናኡ ብክርስትያናዊ ተኣዛዝነት ህይወተይ ውን ክውፊየ" ክብል ጽሒፉዩ፣

ብርግጽ ድማ ነቲ ብተቀናቀንቱ ዝወርዶ ዝነበረ ጉድኣት ንኽጻወር። ክርስትያናዊ ጸጋ የድልዮ እዩ፣ ካብ ውሽጢ ደምብኡ ከይተረፈ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ገጢምዎዩ፣ ድሕሪ መሲሕ ኣዝያ ፍልጥቲ ሙዃና ውን። ዓቢ ሃይማኖታዊ መራሒ ጆን ኒውቶን (ናይታ ዘደንቅ ጸጋ እትብል መዝሙር ኣቀናባሪ) ብቀጻሊ ኣንጻር እቲ "ዓለማዊ" ዝበልዎ ምርኢት ናይታ መጽሓፍ ቅዱሳዊት ዝኾነት ኦራተርዮ ምስ ሰበኸ እዩ፣

ብሕያውነቱን ንሽጉራትን እተሳቐዩን ብዝነበሮ ልግስን ብዓለም ደረጃ ኣዝዩ ዝተፈልጠዩ፣ ዋላ ውን ግላዊ ፋይናንሳዊ ዕንወት እንተገጠሞ ሃንደል ንናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ብናጻ ምስ ለገሰ እዩ፣ ንሱ ቀልዓለም ዘይብሉ ትስፉው ኣብ ርእሲ ሙዃኑ ኣብ እግዚኣብሄር ዝነበሮ እምነት ኣብ ዝሓልፎ ዝነበረ ኩሉ ዓይነት ፈተናታት ደው ክብል ኣኽኢልዎ እዩ፣ ሃንደል እቲ ቅኑዕ ሉተራናዊ። ዝኾነ ገጅለኣዊ ጽልኢ ዘይነበሮ። ብዝኾነ ዘይጣዋወ። ኣብ ናይ ማሕበራት ዘይምስምማዕ ንጹር መርገጺ ዝነበሮ እዩ፣ ሓደ እዋን ሃንደል ኣብ ቅድሚ ዝተላዕልዎ ጳጳስ ቀሪቡ ከምዚ ብምባል እዩ መሊሱ። " መጽሓፍ ቅዱሰይ ብዝግባእ ኣንቢበዮ እየ። ንርእሰይ ዘዋጽኣኒ ድማ መሪጸ ኣሎኹ"'

"ተስፋ ምርኻብ ምስቲ ሰናይ ኣምላኹ። ምቁር ጎይትኡን መድሓኒኡን። ምስ መዓልቲ ትንሳኤ ክኾነሉ" ቅድሚ ሞቱ ቅድሚ ገለ መዓልታት ሃንደል ኣብ ዓርቢ ስቅለት መዓልቲ ክመውት ከም ዝደሊ ገሊጹ ነይሩ፣ ሃንደል ክሳዕ ሓሙስ ጽግቦ መዓልቲ እዩ ብሂወት ጸኒሑ። ሚያዝያ 14,1759 ሞቱ ካብታ ናይ መወዳእታ ምርኢት። ናይታ መሲሕ ኣትብሃል ብልጽቲ ስርሓቱ ዘርኣየላ ልክዕ ድሕሪ ሸሞንተ መዓልታት ኮነ፣

ናይ ቀረባ ዓርኩ ጀምስ ስይሚዝ ከም ዝጸሓፎ። "ከምታ ዝነበራ - ምስጉን ክርስትያን እዩ ሞይቱ ሃንደል። ብሓቀኛ ስምዒት ናይ ተግባራቱ ንኣምላኽን ሰብን። ብፉጹም ልግሲ ንኹላ ዓለም ድማ" ልዕሊ 3000 ቀባሮ ኣብ ዝተሳተፍሉ ሃንደል ኣብ ዌስትሚኒስተር ኣበይ (Westminster Abbey) ተቐብረ፣ ኣብኡ ተተኺሉ ዘሎ ሓወልቱ። ንሳልሳይ ክፋል ምርኢት መሲሕ ንምኽፋት ዝተጻወታ ሶሎ (solo) ዘንጸባርቅ ኮይኑ። ኣብ ኢዱ ጽሑፍ (manuscript) ሒዙ ይርአ። ከምዚ ድማ ይንበብ "መድሓንየይ ህያው ሙዃኑ እፈልጥ እየ"

 

Comments
Add New Search
Write comment
Name:
Email:
 
Title:
Please input the anti-spam code that you can read in the image.
{poweredby} {poweredby}

3.26 Copyright (C) 2008 Compojoom.com / Copyright (C) 2007 Alain Georgette / Copyright (C) 2006 Frantisek Hliva. All rights reserved."

 
< Prev   Next >
  • Send Postcard !
  • Advertismnet!

    Our Favorite Links

    www.bible.org
    Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

    Christ for all Nations, Cfan
    cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
    http://www.cfan.org
     
    Release Eritrea!
    release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha

    Who's Online

    We have 16 guests online
    • tigrina
    • English

    Agelglot.com

    Syndicate


    EGMM pro Mezmur

    EGMM PRO MEZMUR  

    EGMM pro Sbket

    EGMM PRO SBKET  

    EGMM pro Books»

    EGMM ORO BOOKS 

    Active Quiz»

    Active Quiz 

    EGMM PRO REDIET»

    EGMM PRO REDIET