Articles
Daily Devotion
“ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፣ . . .” ማቴ.6፣33 | “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፣ . . .” ማቴ.6፣33 |
|
|
|
| Tuesday, 23 June 2009 | |
|
ካብ
ቀደም ጀሚሩ እግዚኣብሄር ዝጽውዖም ሰባት ካብ ኩሉ ኣብሊጾም ንእኡ ከፍቅሩን ከቐድሙን ይሕተቱ ኔሮም። ኣብርሃም፣ ይስሃቕ፣
ያእቆብ፣ ሙሴ፣ ዳዊት . . . ብመጠን እቲ ዝበርሃሎም ብርሃን
ካብ ብዙሕ ነገራት ኣብሊጾም ንኣምላኽ ዘቐደሙ ሰባት ኔሮም። ዳንኤልን ብጾቱንውን ዝበልዕዎ ኮነ ዝሰትይዎ ነገራት ካብ ኣምላኽ
ዝፈልዮም ከይከውን ይጥንቀቑ ኔሮም። ኩሎም እቶም ብእምነቶም ዝተመስከረሎም ከኣ ካብ ብዙሕ ነገራት ኣብሊጾም ንእግዚኣብሄር
ዘቐደሙ ኔሮም። ኣብ ሓድሽ ኪዳንውን ጎይታ የሱስ ካብ ኩሉ ነገር ኣብሊጽና እንተ ዘይኣፍቂርናዮን ቀዳማይ እንተ ዘይሰሪዕናዮን
ደቀ መዛሙርቱ (ሰዓብቱ) ክንከውን ከም ዘይንኽእል ተዛሪቡ ኣሎ (ማቴ.10፣37-39 ፣ ሉቃ.14፣26-27)። ኣብ ሉቃ.9፣59-62
ንጎይታ እንተ ዘየቐዲምናዮ ሰዓብቱ ክንከውን ከም ዘይንኽእል ዝምህረና ሓሳባት ሰፊሩ ኣሎ።
ኣብቲ
ክፍሊ ጎይታ ንሓደ ሰብኣይ ‘ሰዓበኒ’ ኢልዎ። እቲ ሰብኣይ ድማ ክስዕቦ ፍቓደኛ ኔሩ እንተኾነ ግን ቅድሚ ንጎይታ ምስዓቡ
ክገብሮ ዝነበሮ ሓደ ነገር ኔርዎ፣ ስለዚ ድማ “ጎይታይ፣ ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፣” ኢልዎ።
እዚ ሰብኣይ ኣቦኡ ሞይቱ ድዩ ኔሩ ወይስ ኣይሞተን ኣይተነጸረን። ኣቦኡ ሽዑ ሞይቱ ስለ ዝነበረ ክቐብሮ ደልዩ ኔሩ ይኸውን፣
ወይ ድማ ኣቦይ ክሳዕ ዝመውት ተጸበየኒ ይብል ኔሩ ይኸውን። ንስኻኸ ንጎይታ ካብ ምስዓብ ዝዕንቅፈካ ብቐብሪ ናይ ኣቦ ክምሰል
ዝኽእል ቅድሚት ዝሰራዕካዮ ነገር ይህልወካዶ? ብዙሓት ሰባት ኣብ ቅድሚ ወለዶም፣ መቕርቦም፣ መጻምድቶም ሰዓብቲ ጎይታ መሲሎም
ክረኣዩ ኣይደልዩን እዮም። እቲ ቅድሚት ዝሰርዕዎ ሰብ ከሎን ከየለን ህይወቶም ዝተፈላለየ እዩ። እቲ ሰብ ኣብ ዘየለወሉ
ህይወቶም ጽቡቕ ዝስጉም ዘሎ ይመስል እቲ ሰብ ኣብ ዝመጽኣሉ ግን ንድሕሪት ይምለሱ። ከምዚ ዓይነት ኣማኒ ካብ ጎይታ ዘብልጾን
ቅድሚት ዝሰርዖን ነገር ስለ ዘለዎ ሰዓቢ ክርስቶስ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ምስ ነገራትን ሰባትን ዘሎካ ርክብ ድሕሪ ጎይታ
እንተ ዘይተሰሪዑ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ካብ ምዃን ከታርፈካ እዩ። ኣቦኻ ምቕባር ኮነ ካልእ ንእኡ ዝመስል ቃል ኣምላኽ ሓጢኣት
ዘይብሎ ነገራት ምግባር ጌጋ ኣይኮነን፣ ቅድሚ ጎይታ እንተ ተሰሪዑ ግን ሓደገኛ እዩ።
ኣብዚ
ናይ ሉቃ.9 ክፍሊ ጽሑፍ ሓደ ካልእ ሰብኣይ ንጎይታ “ጎይታይ፣ ኽስዕበካ እየ፣ ግናኸ ቅድም ካብ ስድራቤተይ ክሳናበት
ፍቐደለይ፣” ኢልዎ። ባዕሉ ክስዕብ ወሲኑ
ከብቅዕ ቅድም ክገብሮ ዘለዎ ነገር ንምግባር ክፍቀደሉ ሓቲቱ። ጎይታ ቅድሚኡ ካልእ ክንሰርዕ ስለ ዘይደልየና ነቲ ቀዳማይ “ምውታት
ንምውታቶም ይቕበሩ ሕደጎም። ንስኻ ግና ኪድ፣ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንገር፣” ክብሎ ከሎ ነዚ ካልኣይ
ድማ “ዕርፊ
ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፣ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ” ኢሉ መሊሱሉ። ይዕበ ይንኣስ ቅድሚ ጎይታ
ዝስራዕ ነገር እንተሎና ሰዓብቲ ክርስቶስ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ ኣብ ህይወትና ንመን ወይ ንምንታይ ነቐድም ኣሎና
ተጠንቂቕና ክንምልሶ ዘሎና ሕቶ እዩ። ክንፍጽሞ ዘሎና ዕዮ፣ ክንወስዶ ዘሎና ሓላፍነት፣ ክንገብሮ ዘሎና ተግባራት እኳ እንተ
ሃለወና ኣብ ህይወትና ቀዳማይ ቦታ ክሕዝ ግን ግቡእ ኣይኮነን። ንጎይታ ካብ ምስዓብ ዘታርፈናን ‘ቅድም ከምዚ/ከምቲ’ ክገብር
ዘብለናን ነገር ካብ ህይወትና ክእለን ግቡእ ቦትኡ ክሕዝን ኣለዎ። ቃል ኣምላኽ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፣ እዚ
ኩሉ ድማ ይውሰኸልኩም” (ማቴ.6፣33) ብምባል እንታይ ከነቐድም ከም ዘሎና ብንጹር ተዛሪቡ ኣሎ። ሰዓቢ
ጎይታ ምዃን ማለት ንነገራት በቲ ንሱ ዝርእዮ ኣረኣእያ ምርኣይ እምበር ክትገብሮ ዝግብኣካ ምግዳፍ ማለት ስለ ዘይኮነ ከምቲ
ንሱ ዝደልዮ ጌርና ምእንቲ ክንገብሮ ንጎይታ ነቐድሞ። ንኣምላኽ ምስ ኣቐደምካ ነቲ ክትገብሮ ዘሎካ ምግባር ከኣ ንክብሪ ኣምላኽ
ዝኸውንን ሰባት ነቲ ጽቡቕ ግብርኻ ርእዮም ንኣምላኽ ዘመስግኑሉ ዕድል ምፍጣርን ስለ ዝኾነ ኩሉ ሳዕ ኣብ ህይወትና ንጎይታ
ነቐድሞ ከም ዘሎና ርግጸኛታት ክንከውን ይግብኣና። |
| < Prev | Next > |
|---|
ሰክቡራትን ፍትዋትን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንዓኻትኩም ይኹን፣ እዚ ዘለናዮ እዋን....
ክቡራትን ፍቑራትን ኣሕዋትን ኣዴታትን ኣዋልድ መንእሰያትን ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንዓኻትክን ይኹን። ኢሂን ምሂን እትብላሉ ብዛዕባ መንፈሳውን.........
ሰላም ሰላም ንዓኻትኩም ኣብ ፈቐዶ ቦታታትን ሃገራትን ዘለኹም መንእሰያት። ጸጋን ሓጎስ ኣምላኽን ምሳኹም ይኹን። እንሆ ሓሳብኩም እትገልጽሉ ህርመት ልብኹም እትዛረቡሉ ርእይቶኹም ከኣ እትህቡሉ መድረኽ ተኸፊቱልኩም........
| Home |
| EGMM |
| News |
| Articles |
| Social Issue |
| Witness |
| Media |
| Guestbook |
| Service |
| ERIHOPE |
| Elim Newspaper |
Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.
Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
Release Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha
Cafeteria worker, couple convicted without basis under widely condemned…
World Vision worker says militants dragged his colleagues into…
Fulani herdsmen strike Christian villages, slaying mainly ethnic Berom…
Outside Islamists had intimidated local officials into withdrawing approval.