Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Friday
Sep 03rd
Home
ታሪኽ ቤተክርስትያን (AD 29 – 500) 9ይ ክፋል PDF Print E-mail
Thursday, 18 June 2009

ቀዳመይቲ መጽሓፍ ብጆን ፎስተር

ትርጉም ብይሳኮር

                                            ምዕራፍ ኣርባዕተ

 

ኣየኖት ቅዱሳት ጽሑፋት? ኣየናይ ሰረት-እምነት? ኣየናይ ኣገልግሎት?

ኣብ ከባቢ ፍርቂ ካልኣይ ክፍለ ዘበን፡ ሰለስተ ጉጅለታት ቤት ክርስትያን ትዓብየሉ ዚነበረት ኣንፈት ንምቕያር ፈተኑ። እቲ ቀዳማይ ጉጅለ ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ዕጋበት ኣይነበሮን። እዚ ጉጀለ እዚ፡ ከም ክርስትያናት፡ ንምንታይ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይሁድ ንጥቀም ኣሎና። ዘይነቋርጾ? በለ። እቲ ካልኣይ ጉጅለ ክርስትና ብምኽንያት እቲ ትሑት ኣጀማምራኡ ብካልእ ሃይማኖት ዝስዕቡ ሰባት (ንኣብነት ሰልሰስ) ስለ እተናዕቀ ዘይተሓጎሱ ነበሩ።

 

 

 

እዚኦም፡ ንዑ ንሃይማኖትና ብዓብዪ ሓሳባት ጌርና ዳግም ንግለጾ በሉ። እቶም ሳልሳይ ጉጅለ ብምስራጽ መንፈስ ቅዱስን ብዛዕባ ዳግም ምጽኣት የሱስ ክርስቶስን ዚተረሳሰኑን ነበሩ። ብሓቂ ኸኣ እዞም ሰለስተ ጉጅለታት እዚኦም ንዕቤት ቤት ክርስትያን ጸልዮምዎ እዮም። ይኹንምበር በቲ ንሳቶም ዚሓሰብዎ መንገዲ ኣይነበረን። ቅድም ሓደ ዓብዪ ሕቶ ኣልዒልና፡ ድሕሪዚ ኸኣ ነቲ ነዚ ሕቶ እዚ ዘልዓለ ሰብኣይ ወይስ ሰብኡት ሰሚና፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ነቲ እዞም ጉጀለታት ዚጸለውዎ ክፋል ዕቤት ቤት ክርስትያን ርኢና፡ ንነፍሲ ወክፍ እዘን ሰለስተ ጉጅለታት ክንርእየን ኢና።

 

ኣየኖት ቅዱሳት ጽሑፋት? ማርሲዮን፡ ማርሲዮናውያንን ምስራዕ ሓድሽ ኪዳንን

ኣብ ጽማቑ ግብሪ ሃዋርያት፡ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣይሁዳውያን፡ ድሕሪዚ ሰማርያውያን፡ ድሕሪዚ ኣህዛብ ሰዓብቲ ኣይሁድነት፡ ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ክርስትና ዚመጹ ኣረማውያን ከእቱ ማዕጾ ቤት ክርስትያን ቀስ ብቐስ ከም እተኸፍተ፤ ከምኡ ኸኣ ጳውሎስ ከም ሃዋርያ ኣህዛብ፡ እቲ ናይ ኣህዛብ ተልእኾ ዘውዲ ፍጻመ ከም ዚደፈአ ኸኣ ርኢና ኣሎና። ኣብ 150 ዓመተ ምህረት መብዛሕትኦም ክርስትያናት ዘይ-ኣይሁዳውያን ነበሩ። እቶም ክርስትያናት ኣብቲ ጊዜቲውን ነቲ ናይ ኣይሁዳውያን ቅዱሳት ጽሑፋት (ንሕና ብሉይ ኪዳን ኢልና እንጽውዖ) የንብብዎ ነበሩ። ይኹንምበር ንክርስቶስ ከም ዘመልክቱን ክርስቶስ ኸኣ ከም ፍጻመኦምን የንብብዎም ነበሩ።

 

ኣብተን ናይ ኣባይቲ ኣብያተ ክርስትያናት ገለ ሓደስቲ ክርስትያናዊ ጽሑፋት ኪንበብ ጀሚሩ ነበረ። እዚ ግን ተሓሲቡሉ ብእተሓንጸጸ መደብ ኣይኮነን ዚግበር ነይሩ። ትም ኢሉ ጥራይ ይግበር ነበረ። ንኣብነት፡ ጳውሎስ ሓንቲ መልእኽቲ ናብታ ኣብ ተሰሎንቄ ዚነበረት ማሕበር ጸሓፈሞ ኣብ መወዳእታ፡ ነዛ ደብዳበ እዚኣ ኣብ ኩሎም ኣሕዋት ከተንብብዋ... (1 ተሰሎንቄ 5፡27) ዝብል ወሰኸላ። ዳሕራይ ደብዳበታቱ ካብ ሓደ ማሕበር ናብቲ ሓደ ኪለኣኽ ሓሳብ ኣቕረበ (ቆሎሴ 4፡16)። ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይሁድ ኣብ ቤት ክርስትያን ይንበቡ ነበሩ። ከምኡ ኸኣ መልእኽትታት ጳውሎስ ኣብ ቤት ክርስትያን ምንባቦም ተቐጸለ። በዚ ምኽንያት ኸኣ ሰባት ቅዱሳት ጽሑፋት ክብልዎም ጀመሩ (2 ጴጥሮስ 3፡16)።

 

ኣብ ርእሲ ከምዚ ዚበለ መልእኽትታት፡ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ጃስቲን መዘክር ሃዋርያት ኢሉ ዝጽውዖም፡ ቃል ምስክርነት እቲ ቃል ህይወት፡ እዚ ኸኣ ወንገላት፡ ሽዑኡ ኸኣ ተጻሒፉ ዚነበረ፡ ነበረን። እዚ፡ ይብል ንሱ፡ ምስ ጽሑፋት ነብያት ክም ቅዱስ ጽሑፋት ይንበብ ነበረ።

 

ኣብ ርእሲ እዚ በብእዋኑ ዝውስኽ ቁጽሪ ካልእ ክርስያናዊ ጽሑፋት ነበረ። ካብዚ ገሊኡሲ ከም ቅዱስ ጽሑፋት ክቑጸር ደኾን ኣይምተኻእለን? ክቑጸሩ እንተ ኾይኖምከ ኣየኖት? ክንደይ? እዘን ኣብያተ ክርስትያናት ከመይ ጌረን ይምረጻ? ኣብ ርእሲ እዚኸ መዓስ ምውሳኽ የቋርጻ? ካብዚ ሕቶታት እዚ ሓደኳ ውሳነ እተዋህቦ ኣይነበረን።

 

ኣብዚ ናብታ ዘይዓገበት ጉጅለ ከነብል ኢና። ማርሲዮን ኣብ 140 ዓመተ ምህረት ኣቢሉ ናብ ሮማ መጸ። ንሱ ኣዝዩ ሃብታም ነጋዳይን በሊሕ ክርስትያንን ነበረ። ኣብ ጸሊም ባሕሪ ካብታ ፍርቂ መንገዲ ኣብቲ ደቡባዊ ገማግም (ካርታ 3) እትርከብ ሲኖፐ እትብሃል ወደብ ዚንሳፈፋ መራኽብ ኸኣ ይውንን ነበረ። ኣብ ሓንቲ እተን መራኽቡ ኮይኑ ናብታ ውቅብቲ፡ ውሕስቲ ሽጉሽጉ ወደብ ስሚርና ገይሹ ኪኸውንን፡ ነቲ ኣብኣ ኣቡን ዚነበረ ፕሊካርፕ ረኺብዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዳሕራይ ኣብ ሮማ ንፖሊካርፕ ምስ ረኸቦ፡ እቲ ጳጰስ ከለልዮ ተጸብዩ ነይሩ እዩ።

 

ኣለሊኻኒዶ ኣሎኻ? ማርሲዮን ሓተተ።

ኣለልየካሎኹ በለ ፖሊካርፕ። ንስኻ ቦኽሪ ወዱ ንሰይጣንዶ ኣይኮንካን ኢኻ? (13)

 

ከምዚ ዝበለ መግናሕቲ ኪቕበል ማርሲዮን እንታይ እዩ ገይሩ?

 

ንዑኡ ኣብ ሮማ ክርስትያናት ተቐቢሎምዎ ነበሩ። ንሱ ኣዝዩ ለጋስ ሰብ ነበረሞ ንኣብያተ ክርስትያናት ኸኣ ብዙሕ ገንዘብ ለጊሱለን ነበረ። ንሱ ቁሩጽ ሓሳብ ዚነበሮ ሰብ ነበረ። ሰባት ኪሰምዕዎ ኢሎም ኸኣ ይዓጉዎ ነበሩ። ማርሲዮን ነቲ (ከምቲ ንሱ ዝብሎ) ንትምህርቲ የስéስ ዚተረድኦ እንኮ ሃዋርያ፡ ንጳውሎስ ይፈትዎ ነበረ። ንሱ ብዙሓት ክርስትያናት ብዛዕባ ብሉይ ኪዳን ይገጥሞም ብዛዕባ ዚነበረ ጸገማት ኣዝዩ ኣነጺሩ ይዛረበሉ ነበረ። ድሕሪ ቁሩብ፡ እቲ ጸረ-ክርስትያን ስልሰስ ነዚ ጸገማት እዚ ብመሪር ቃላት ገሊጽዎ እዩ።

 

ብሙሴ ኣቢሉ፡ ኣምላኽ፡ ኣንስቶምን ህጻናቶምን ከይተረፈ ጸላእትኻ ኣጥፍእ፡ በለ።

ብየሱስ ኣቢሉ፡ ኣምላኽ፡ ጸላኢኻ ኣፍቅር፡ በለ።

መንዩ ሓስዩ? ሙሴ ወይስ የሱስ? ወይስ ኣምላኽ ሓሳባቱ ቀይሩ እዩ? (14)

 

ማርሲዮን፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይሁድን ቅዱሳት ጽሑፋት ክርስትያንን ከም ዚገራጨዉ ከርኢ ኢሉ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይሁድ ብሓደ ወገን፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ክርስትያን ኸኣ በቲ ሓደ ገይሩ፡ ኮንትርዲክሽንስ (ዘይቃዶ ሓሳባት) እትብል መጽሓፍ ንምጽሓፍ ይዳሎ ነበረ።

 

ይኹንምበር ማርሲዮን ክንዮ እዚ ኸደ። ከምቲ ጳውሎስ ንሱ ጥራይ ንየሱስ ኪርደኦ ከም ዚኸኣለ ገይሩ ዚሓስቦ ዚነበረ፡ ከምኡ ኸኣ ንሱ በይኑ ጥራይ ንጳውሎስ ኪርድኦ ዚኸኣለ ከም ዝኾነ ጥራይ ዚሓስብ ዚነበረ ይመስል። ጳውሎስ ንክርስትያናት ካብ ሕጊ ሙሴ ነጻ ኣውጽእዎም ነበረ። ክርስትያናት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይሁድን፡ ካብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይሁድ ተገሊጹ ዘሎ ኣምላኽን እውን ነጻ ኪወጹ ሓሳባት ጳውሎስ ከምዚ እውን ነበረ ዚብል እምነት ነበሮ፡ ማርሲዮን። እዚ ኣምላኽ እዚ (ይብል ማርሲዮን) ኣብታ ዘይፍጹም ነገራት ዚመለኣ፡ ዚፈጠራ ነገራዊት ዓለም ይገዝእ። ልዕሊ ፍትሒ ብዘይከይድ ድርኺት ከኣ እዩ ዚዓዪ፡ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ። ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ። (ዘጸኣት 21፡24)። እዚ፡ በለ ማርሲዮን፡ ኣምላኽ ክርስትያናት ኣይኮነን። ኣምላኽን ኣቦን የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ኣሎ። ንሱ ንጹህ መንፈስ እዩ። ንሱ ብፍቕሪ እዩ ዚዓዪ።

 

እዚ ነታ፡ ማርሲዮን እንታይ እዩ ገይሩ? እትብል ሕቶና ይምልሰልና። መልሲ ፖሊካርፕ ንምግላጽ፡ ቃላት እቲ ካብ እዋን ህጻንነቱ ኣትሒዙ ምስ ፖሊካርፕ ጥቡቕ ርክብ ዚነበሮ ኢረናዎስ ክንወስድ ንኽእል ኢና። ንሱ ከምዚ ይብል፡

 

ማርሲዮን ንኣምላኽ ጸሪፉ እዩ ... መብዛሕትኡ ትምህርቲ ክርስቶስ ኸኣ ኣጸጊዑ ... ንገዛእ ርእሱ ልዕሊ እቶም ንወንጌላት ዘረከቡና ሃዋርያት ሰቒሉዋ እዩ። (ያንግ 252)

ኣቡን ሮማ ንማርሲዮን ኣወገዞሞ እተን ኣብያተ ክርስትያናት ንውጽኢት ገንዘቡ መለሳሉ።

 

ማርሲዮን ብዙሓት እተወገዙ ሰባት ከም ዚገበርዎ ገበረ - ንሰዓብቱ ሒዝዎም ወጸ። ንሮማ ማእከሉ ገበራሞ ነታ ጉጀለኡ ናብ ምዕራብ ገጹ ናብ ጎል፡ ንደቡብ ገጹ ናብ ገማግም ኣፍሪቃ፡ ንምብራቕ ናብ መሶጶጣምያ ገጹ ከስፋሕፍሓ ንናይ ንግዲ ዝምድናታቱ ተጠቕመሉ።

 

ነቶም ሰዓብቱ ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣይሁድ ነጻ ኣውጺኡ፡ ንጉጅለኡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክርስትያን ኣየኖት ኪኾና እየን፡ ማርሲዮን ኣፍለጠ። ቀዳማይን ካልኣይን ጢሞተዎስን ቲቶስን ኣውጺኡ፡ ዓሰርተ መልእኽትታት ጳውሎስ ከም ቅዱሳት ጽሑፋት ቆጸረን። (ገለ ሰባት ነዚአን ዘውጸኣሉ ምኽንያት፡ ቀዳማይ ጢምተዎስ 6፡20 ካብቲ ... ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ረሓቕ ናብኡ ዚቐንዐት እያ ይብሉ። ማርሲዮን፡ ሉቃስ ምስ እቲ ንሱ ዚፈትዎ ዚነበረ ጳውሎስ ብዘለዎ ርክብ ጥራይ ንወንጌል ሉቃስ ጥራይ፡ ንሓንቲ ወንጌል ተቐበለ። ማርሲዮን ከምቲ (ንሱ ዚበሎ) ጽልዋ ኣይሁድነት ዚቐየሮ ውሱን ቅዱስ ጽሑፋት እውን ክእርሞ ኢሉ ወሰነ። ንኣብነት፡ ማርሲዮን፡ ክሳብ ሉቃስ 4፡31 ዘሎ መጀመርታ ክፋል ወንጌል ሉቃስ ቆሪጹ ኣውጸኦ። የሱስ ኣይሁዳዊ ከም ዚነበረ፡ ዘርኡ ካብ ኣይሁድ ምንባሩ፡ ከም ኣይሁዳዊ ከም እተወልደን ከም ዚዓበየን፡ ኣይሁዳዊ ትንቢት ከም ዚፈጸመን ኪምሃር፡ ማርሲዮን ይደሊ ኣይነበረን። ኣብ ናይ ማርሲዮን ቅዳሕ ወንጌል ሉቃስ፡ የሱስ፡ ሃንደበት ኣብ ቅርናሆም እናመሃረ ይግለጽ። ብተወሳኺ፡ ማርሲዮን ከምዚ ዚብል፡ ካብ ሕጊ ሓንቲ ነቑጣ ካብ እትወድቕሲ፡ ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ ይቐልል ዝብል ሉቃስ 16፡17 ካብ ሓንቲ ነቐጣ ካብ ቃል ጎይታ ካብ እትሓልፍሲ፡ ሰማይን ምድርን ከምኡ ኸኣ ሕግን ነብያትን ክሓልፍ ይቐልል ብዝብል ተከኣ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ እቲ ተዛራቢ ተርቱልያን፡ ማርሲዮን ንመጽሓፍ ቅዱስ ብብርዑ ዘይኮነስ ብካራኡ እዩ ዚሰብኮ። ምስ ሓሳባቱ ዘይሰማማዕ ዘበለ ኩሉ ኸኣ ቀቀዲዱ ይድርብዮ ኢሉ ብምዝራቡ ኸኣ ኣይገርምን እዩ። ኣብያተ ክርስትያናት ማርሲዮን ኸኣ ንሚእትን ሓምሳን ዓመታት ምንባረን ቀጸላ።

 

በዚ ናይ ማርሲዮን ብድሆ ዝተሽገረት ቤት ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ቤት ክርስትያን ብርግጽ ኣየኖት መጻሕፍቲ ከም ዝሓቁፍ ኪትውስን ነበራ። ድሕሪ ጊዜ ማርሲዮን፡ ነዊሕ ጊዜ ከይጸንሐ ኣብ ሮማ ዝተጻሕፈ ዝርዝር መጻሕፍቲ ክሳብ ሕጂ ኣሎ። ሓድሽ ኪዳንና ካብ ዚሓቑፎም ዕስራን ሸብዓተን መጻሕፍቲ እተን ዕስራን ኣርባተን ኣብዚ ዝርዝር እዚ ተጠቒሶም ኣለዉ። ኣብኡ እዚ መጻሕፍቲ ዚተመርጸሉ ምኽንያት እውን ተገሊጹ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ መጽሓፍ፡ ምንም እኳ ኣብ ገሊኡ ብተዘዋዋሪ ይኹንምበር፡ ካብ ሃዋርያ ዚመጸት እያ። ንኣብነት፡ ማርቆስ ኣብ ወንጌሉ ዘሎ ሓበሬታ ካብ ጴጥሮስ ዚረኸቦ እዩ። ከምኡ ኸኣ ሉቃስ፡ መብዛሕትኡ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዘሎ ሓበሬታ ካብ ጳውሎስ ዝረኸቦ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ካልኣይ ጴጥሮስ፡ መልእኽቲ ናብ እብራውያንን ያእቆብን ገና ኣብ ጥርጥር ነበራ። እዚ ዝርዝር እዚ፡ ንፈል ምስ መል ኣይትሓዋውስ ኢሉ፤ ከም ጽሑፋት መናፍቓን ክንጸጉ ኣለዎም ዚበሎም ጽሑፋት እውን ይሰሚ እዩ። ፈል ብቋንቋ ላቲን ሓሞት (ማለት መሪር) ማለት እዩ። መል ኸኣ መዓር (ማለት መቐረት) ማለትዩ።

 

ምትካል ቀኖና ሓድሽ ኪዳን (ቀኖና ካብ መስመር ወይስ ኣብ ከምዚ ሕጂ ዝርዝር መጻሕፍቲ ካብ ዝብል ቃል ግሪኽ ዚመጸ እዩ) ኣብ ምዕራብ ጀመረ። ይኹንምበር ጽልዋ እዚ ናብ ኩሉ ኣስፋሕፍሐ። ኣብ ቻንግ ኣን፡ ኣብታ ጥንታዊት ርእሰ ከተማ ቻይና፡ ዝርከብ ሓደ ናይ ቻይና ጽሑፍ ብዛዕባ ምምጻእ ክርስትና ኣብ ቻይና ኣብ ዚመዝገቦ፡

 

ቅዱስ ጽሑፋት ኣብ ዕስራን ሸውዓተን ረጊኡ ኣሎ ይብል።

 

ኣብ ምዕራብ ይኹን ኣብ ምብራቕ፡ ንሰን ዕስራን ሸውዓተን መጻሕፍቲ እየን። ምትካል ቀኖና ቀዲሙ ስለ ዚጀመረ፡ ክርስትያናት ብዙሕ ጥቕሚ ዘይብሉ ጽሑፋት፡ ከምኡ ኸኣ ጽሑፋት ትምህርቲ ሓሶትን ጎዳኢ ጽሑፋትን ኣብ ቅዱሳት ጽሕፋቶም ንኸየእትዉ እዚ ሓገዞም። ስለዚ ኸኣ ኣብ መወዳእታ ማርሲዮን ንዕቤት ቤት ክርስትያን ኣብ ክንዲ ዚሃስዮ ኣዝዩ ጠቐሞ። 

 

ኣየናይ ሰረተ እምነት?

ግኖስቲካውያንን መምርሒ እምነትን

ማርሲዮን ንክርስትና ካብ ኣይሁዳዊ ሰረቱ ኪፈልዮ ኢሉ ፈቲኑ ነበረ። ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘበን ዚነበሩ ገለ ክርስትያናት ክንዮ እዚ ከዱ። እዚኦም ንክርስትና ካብቲ ንሓደ ዓብዪ ሃይማኖት ዘይግባእ መሲሉ እተራእዮም፡ ካብቲ ንእሽቶ ኣጀማምራኡ፡ ካብቲ ሓጺር ኣገልግሎት ኣብ ገሊላ፡ የሱስ በዓል ናዝረት፡ ወዲ ማርያም፡ ካብቲ ናይ የሩሳለም ናይ መስቀል ሞቱ፡ ካብዚ ሓራ ከውጽእዎ ኢሎም ፈተኑ። እዚኦም ንክርስትና ምስ ኣብቲ እዋን እቲ ዓብዪ ጽልዋ ዚነበሮ፡ ብዛዕባ ዓለም፡ ሰባትን ኣምላኽን ማራኺ ሓሳባት ከተኣሳስርዎ ፈተኑ። ገሊኡ እዚ ሓሳባት እዚ ካብ ፍልስፍና ግሪኽ ዚመጸ ነበረ። ገሊኡ ኸኣ ካብቲ ህይወት ቅልስ ነገርን መንፈስን እዩ ዝብል ኣራኣእያ ህይወት ምብራቕ (ሂንዱይዝም፡ ቡድሂዝምን፡ ዘራስቶርያኒዝምን) ዚመጸ ነበረ። ገሊኡ ኸኣ ካብ ጥንቆላ ብከዋኽብትን ጥንቆላን ዚመጸ ነበረ። እቲ ሓሳባት ከምዚ ነበረ።

 

ዓለም ካብ ነገር ኮነት። ነገር ኸኣ ክፉእ እዩ። ነዚ ነገራዊ ዓለም ኣብዘን ሸውዓተ ፕላነታት ብዝርከቡ ሰናይ ዘይኮኑ ሓይልታት እዩ ዚግዛእ። ንዓለምን ፕላነታትን ዚገዝእ ኸኣ ንሰባት ኪፈጥር እንከሎ ሓደ ዓብዪ ጌጋ ዚፈጸመ፡ ፈጣሪ ዚብሃል፡ ሓደ ንእሽቶ ኣምላኽ እዩ።

 

ሰባት ኣእምሮን ኣካልን ኣለዎም። ኣብ ውሑዳት ሰባት ግን ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ኣካል ዚተደጎለ፡ ብልጭታ መንፈስ ኣሎ። መንፈስ ኣብዚ ዓለም እዚ ፍጹም ኪህሉ ኣይግብኦን እዩ። ሽግር ፍጥረት ኸኣ እዚ እዩ። ኣብዚ ኸኣ መድሓኒ ኪህልወና ኣድለየ። 

 

ኣምላኽ - እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ - መንፈስ እዩ። ንሱ ምስ ካልኣት ካብኡ ዚወጹ ካብዛ ጸላምን ነገራዊት ዓለምና ኣዝዩ ርሒቑ ኣብ መንፈስን ብርሃንን ግዝኣት ይነብር። ኣምላኽ ኣብ ማእከል ሰባት እተኣስሩ መናፍስቲ ከም ዘለዉ ይፈልጥ ስለ ዚነበረ፡ ነቲ ኣብቲ መንፈሳዊ ግዝኣት ኣዝዩ ቀረባኡ ዝኾነ የሱስ ነዞም ከምዚ ዚበሉ መናፍስቲ ኪምለሱ ኪጽውዖም ኢሉ ናብዚ ናይ ዓለም መድረኽ ኪቕልቀል ስደዶ። የሱስ ነገራዊ ኣካልን ነገራዊ ድሌትን ዘለዎ ይመስል ነበረ። እተሳቐየን ዚሞተን እውን ይመስል ነበረ። የሱስ እውን መንፈስ ጥራይ እዩ እሞ እዚ ኩሉ ግን ተምሳል ጥራይ ነበረ እምበር ካልእ ኣይነበረን። የሱስ ፍልጠት እቲ መንፈሳዊ ግዝኣት ብምምጻእን ናብኡ ከመይ ጌርካ ክïትምለስ ትኽእልን ጥራይ እዩ ዘድሕን። እዚ እቲ ድሕሪ ሞት ንመንፈስ ሰባት ንፈጣሪ ንገዛእ ርእሱ ሓሊፍካ እውን፡ ብማእከል ፕላነታዊ ሓይልታት ናብቲ ኣዝዩ ርሕቕ መንፈሳዊ ዓለምን ናብቲ ውህደት ምስቲ መንፈስ ዝኾነ ሓቀኛ ኣምላኽ ዘሳግር ምትሃታዊ ድራር ለይቲ የጠቓልል።

 

ነቲ ዘይፈተዎ ትምህርቲ ንምቕዳድ ማርሲዮን ካራኡ ይጥቀም ነበረ። እዚ ካልኣይ ዘይዓገበ ጉጀለ ናታቶም ዓይነት ኪምልኡ ብርዒታቶም ተጠቕሙ። ብዙሓት ሰባት ኣካልን ኣእምሮን ጥራይ ነበሮም። ስለዚ ኸኣ ተራ ንጥምቀት ዘዳሉ ትምህርቲ ንመብዛሕትኦም ሰባት እኹል ስለ ዚኾነ እዚ ትምህርቲ እዚ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን እዩ ኢሎም ይገልጹ ነበሩ። እዚ ዓሚቑ ትምህርቲ እዚ፡ ነቶም ክቕበልዎ ዚኽእሉ ውሑዳት፡ ብሃዋርያት ኣቢሉ ክïበጽሖም ኢሉ፡ ክርስቶስ ብሚስጢር ዚሓደጎ ትምህርቲ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዚኦም ንገዛእ ርእሶም ግኖቲክስ ኢሎም ጽውዕዋ። 

 

እዚ ትምህርቲ እዚ ንብዙሓት ክርስትያናት ኣደንዘዞም፡ ንብዙሓት ኸኣ ስቅያት ኮኖም። እዞም ግኖስቲክስ ብሓቂ መንፈሳውያን መሳፍንቲ ድዮም፡ ኢሎም ኸኣ ሓተቱ። ቀሊል ክርስትያናዊ እምነት እኹል ጊዜኡ ኣእኪሉ ማለት ድዩ?

 

እስኪ ነዛ ቀላል ክርስትያናዊት እምነት ንርኣያ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ሓደ ሰብ፡ ክጥመቕ ኣብ ቅድሚ ጉባአ ደው ክብል እንከሎ ዝጥቀመሎም ሓጸርቲ መግለጺ እምነታት ኣለዉ፡ የሱስ ጎይታ እዩ (1 ቆሮ. 12፡3)፤ የሱስ ጎይታዩ፡ ... ኣምላኽ ካብ ምዉታት ኣተንስኦ (ሮሜ 10፡9)፤ የሱስ ወዲ ኣምላኽዩ (1 ዮሃ. 4፡15፡ ነዚኣ ክርስቶስን መድሓኒን ዝብል እንተ ተመሊኡዋ፡ እታ መጀመርታ ፊደላታ ዓሳ እትንበብ ቃል ትህበና። ዓሳ ኸኣ ከምቲ ዚረኣናዮ፡ ምስ ጥምቀት ምትእስሳር ዚነበሮ ምልክት እዩ።)

 

ጃስቲን ነዚ የሱስ ዝብል ቃል ክጽሕፎ እንከሎ፡ ብዙሕ እዋን፡ ከምዚ ከይሓሰበ ዚገብሮ፡ ሓንቲ ሓረግ ብዛዕባኡ ይውሰኸሉ። የሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ካብ ድንግል ዚተወልደ፤ የሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ትሕቲ ጶንጢዮስ ጸ፶ïላጦስ መከራ ዚተቐበለ፤ የሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ካብ ምዉታት ዚተንስአ። ከምዚ ዚበለ ሓረጋት ብሓደ ክእከብ እንከሎ፡ ኣብቲ ኣብ መሰረት-እምነት (ሃዋርያት) ዘሎ ዳርጋ ኩሉ ነገር ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ድሮ እዚ ሓቅታት እዚ ብዛዕባ የሱስ በቲ ቅኑዕ መስርዑ ተሰሪዑ ነይሩዩ፤ ነዚ ኸኣ ኩሉ ንጥምቀት ዚዳሎ ሰብ ይምሃሮ ይደግሞን ነበረ።

 

ግኖስቲክስ ኣብ ውሑዳት ዚተሓጽረ ከምዚ ዚበለ ዓሚቑ ፍልጠት ኣሎና ክብሉ እንከለዉ፡ መራሕቲ ቤት ክርስትያን፡ ኣሰር ከምዚ ዚበለ ሕልማዊ ሓሳባት ኣብ ዝኾነ ባህሊ ክርስትና ኣብ ዝኾነ ቦታ ተማሓላሊፉ ከም ዘይመጸ መለሱሎም። ብዘይካ እዛ ሓንቲ ምእማን እምነት፡ ሽዑኡ መለክዒ እምነት ኢሎም ክጽውዕዋ ጀሚሮም ዚነበሩ ካልእ ምንም ነገር ኣይነበረን።

 

ተርቱልያን ብዓል ካርተጅ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፡

 

ካብ ሃዋርያት ተማሓላሊፉ ዚመጸ ትምህርቲ ኣየናይ እዩ ክትፈልጡ፡ ኣብተን ሃዋርያት ከም ዚመስረትወን ዚፍለጣ ኣብያተ ክርስትያናት ጠምቱ። ኣብ ግሪኽ ዲኹም ዘለኹም? ንቆሮንጦስ ወይስ ፊሊጲ ውሰዱ። ኣብ አሽያ ማይነር ዲኹም ዘለኹም? እምበኣር ንአፌሶን ውሰዱ። ኣብ ጥልያን እንተሊኹም፡ ነታ ክልቲኦም ጴጥሮስን ጳውሎስን ትምህርቶም - ከምኡ ኸኣ ደሞምን ኣብኣ ዘፍሰሱላ ሮማ ውሰዱ። ሮማ እንታይ ከም እተማህረትን ከም ዚመሃረትን፡ ናብተን ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናት እንታይ ከም ዘማሓላለፈት ረኣዩ፡

ሓደ ኣምላኽ - ፈጣሪ ኩሉ ዓለም

የሱስ ክርስቶስን፡ ካብ ድንግል (እተወልደ)፡ ወዲ ኣምላኽ፡ ፈጣሪ

ከምኡ ኸኣ ትንሳአ ስጋን

 

ንሳ ንሕግን ነብያትን ምስ ጽሑፋት ወንጌላውያንን ሃዋርያትን ተዋሃህዶ። ካብዚ ጽሑፋት እዚ ኸኣ ንእምነታ ትሰቲ። ነዛ እምነት እዚኣ ኸኣ ብማይ ጥምቀት ትሓትማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተረጋግጻ። ብዩካሪስት ትምግባ። ብኣኣ ኸኣ ንሰማእትነት ትመክር። ንዝቃወም ዘበለ ንሓደ እኳ ኣይትቕበልን። (15)

 

ኢረናዎስ ኸኣ ተመሳሳሊ ሓሳባት ጸሓፈ። ንክልተ ምኽንያታት ቃላቱ ብፍሉይ መሳጢ እዩ። ቀዳማይ፡ ንኢረናዎስ፡ እቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዚመሃሮ፡ ፖሊካርፕ እዩ ምሂርዎ። ስለዚ ናብ ሃዋርያ ኣዝዩ ዚቐረበ እዩ። ብካልኣይ፡ ኢረናዎስ ብዛዕባ ብዙሕ ቋንቋታት ሓንቲ እምነት ኪጽሕፍ እንከሎ ህይወት ክርስትናኡ ኣብታ ቋንቋ ግሪኽ እትዛረብ ስሚርና ከም ዚጀመረ፡ ገለ ክፋል ትምህርቱ ኣብታ ቋንቋ ላቲን እትዛረብ ሮማ ከም እተማህረ፡ ከም ሽማግለ እታ ቤት ክርስትያን ናብ ጎል ተላኢኹ ኣብኣ ኸኣ ብቋንቋ ሰልቲክ ከም ዚሰበኸ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሰሜን ዚነበሩ ጀርመናውያንን ኣብ ደቡብ ዚነበሩ ስጳኛውያንን ፍልጠት ከም ዚነበሮ ኪዝከር ይግባእ።

 

ቤት ክርስትያን ... ነዛ ኣምነት እዚኣ ካብ ሃዋርያትን ካብ ደቀ መዛሙርቶምን ተቐበለታ።

ብሓደ፡ ኩሉ ዝኽእል ኣምላክ፡ ኣቦ

ሰማይን ምድርን፡ ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ኩሉን ዝፈጠረ፤

ከምኡ ኸኣ ብሓደ የሱስ ክርስቶስ፡ ወዲ ኣምላኽ

ንምድሓንና ክብል ስጋ ዚለበሰ፡ ካብ ድንግል እተወልደ

ብስቅያቱ፡ ትንሳአኡ ካብ ምዉታትን ዕርገቱ ናብ ሰማይን

በቲ ኣብ መጻኢ ዝኸውን ብክብሪ ምግላጹን፤ ...

ብመንፈስ ቅዱስን ...

 

ቤት ክርስትያን፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ኢላ ትሃሉ እምበር፡ ነዛ እምነት እዚኣ ኣብ ሓንቲ ቤት ትነብር ከም ዘላ ትሕልዋ። ሓንቲ ኣእምሮ ከም ዘለዋ ኸኣ ትኣምና፤ ሓንቲ ኣፍ ከም ዘላታ ኸኣ ትሰብካ፡ ትምህራን ነዚ ነገራት እዚ ኸኣ ተማሓላልፎ፤ ምንም እኳ ቋንቋታት ዓለም ይፈላለ፡ ሓይሊ እቲ ባህሊ ሓደን ንሱን እዩ። ...

 

እተን ኣብ ጀርመን ዚተተኽላ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ካብዚ ዝፍለ ነገር ኣይኣመነናን ወይስ ኣይተቐበላን፤ ኣብ ስጳኛ ወይስ ኣብ ጎል ወይስ ኣብ ምብራቕ ወይስ ኣብ ምስሪ ወይስ ኣብ ሊብያ ወይስ ኣብ ማእከላይ ከባቢታት ዓለም ዘለዋውን ከምዚ ኣይኣመናን ወይስ ኣይተቐበላን። እታ እምነት ሓንትን ንሳን እያ። (16)

 

ኣብ ጥምቀት ክርስትያን ዚእመኖ ምእማን እምነት፡ ሕጂ፡ ካልኦት ካልእ ፍልይ ዚበለ ትምህርቲ እንሰበኹ ኪመጹ እንከለዉ፡ ኣትሪሩ ዚሕዞ መለክዒ እምነት ኮነ።

 

ደጊም ክርስትና ኣብ ሓጹር ኣተሓሳስባ ኣይሁድነት ክውሰን ኣይኽእልን እዩ ኢሎም ምልላዮምሲ ግኖስቲካውያን ከምኡ ኸኣ ማርሲዮናውያን ኣይተጋገዩን። ክርስትና ኣብ ሃገራዊ ሃይማኖት ኣይሁድ ሓደ ጨንፈር ክኸውን ኣይኮነን ተመዲቡ ነይሩ። እቲ መደብ ንዓለም ዝኸውን ሃይማኖት ኽኸውን ነበረ። ጌጋ ግኖስቲካውያን ከም ጌጋ እቲ ገዝኡ ከስፍሓን ከመልክዓን ኢሉ ቅርጻ ክቕይር ኢሉ መሰረት ቤቱ ዘፍርስ ሰብ ነበረ። ክርስትና ኣብ ብሓቂ ዝተፈጸሙ ገለ ፍጻመታት ዚተሰረተ ታሪኻዊ ሃይማኖት እዩ። ግኖስቲካውያን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ተጻሒፎም ዘለዉ ብዙሓት ሓቅታት ሸለል በልዎም፤ ካልእ ወንጌል ዘለዎ፡ ካልእ ምድሓን ዚሰብኽ፡ ካልእ ክርስቶስ ኸኣ ደለዩ። ንክርስትና ግኖስቲሲዝም ብካልእ ቃላት ዚግለጽ ሓሳብ ዘይኮነስ ዕንወት ምኾነ ነይሩ። እዘን ቃላት እዚአን ብሰፊሑ ክፍለጣ ዚግብ አን ቃላት እየን።

 

ጓና ከይከውን ወይስ ክርስትና ቅድሚ ምምጻኡ ብዚነበረ ኩነታት ኣተሓሳስባ ስእሉ ከይብለል ምእንቲ - ንክርስቶስ ኣብ ልቢ ዘይፈልጥዎ ሰባት ግቡእ ቦትኡ ንኽረክብ ዘሎ ጻዕሪ፡ ንኽትምልኦ ሓንቲ ቤት ክርስትያን፡ ነታ ዓባይ ቤት ክርስትያን ሃብታም ኣበርክቶኣ ከተበርክተሉ እትኽእል ዓብዪን ኣዝዩ ኣድካሚን መንፈሳዊ ዕዮ እዩ። (17)

 

ሓደ መራሒ ቤት ክርስትያን፡ ንሱ ኸኣ ቅለምንጦስ በዓል ኣለክሳንድርያ፡ ንግኖስቲካውያን ፍልይ ዚበለ መልሲ ሃቦም። ከምቲ ሕጊ ንእብራውያን ዚመሃሮም፡ ከምኡ ኸኣ ፍልስፍና ናብ ክርስቶስ ንኸምጽኦም መሃሮም ብምባሉ ንፍልስፍና ግሪኽ ዚነበሮ ኣጠማምታ ድሮ ኣቕሊብናሉ ኣሎና። ኣብዚ ጊዜ እዚ ከም ማእከል ፍልስፍና ግሪኽ፡ ኣለክሳንድርያ ልዕሊ ኣቴና እውን ኣዝያ ኣገዳሲት ነበረት። ከም ናብ እስያ ተእቱ ኣፍደገ ንምብራቓዊ ሓሳባት ክፍትቲ ነበረት። ከም ቀንዲ ከተማ ምስሪ፡ ከም ማእከል ቆጸራ-ከዋኽብትን ጥንቆላን ነበረት። እዚ ኩሉ ኸኣ ኣለክሳንድርያ ግኖስቲካውያን መማህራን ሓሰኽሰኽ ዝብሉላ ቦታ ገበራ። እቲ ካብ ምሁራት ክፍልታት ኢዶም ዚህቡ ዚደሊ ዚነበረ ቅለምንጦስ፡ ከምቶም ግኖስቲካውያን ዚኣምንዎ፡ ነገር ክፉእ እዩ፤ ከምኡ ኸኣ ምድሓን ንውሑዳት መንፈሳውያን ጥራይ እዩ ዝብል እምነት ኣይነበሮን። ይኹንምበር፡ ቅለምንጦስ ሃይማኖት ክርስትና ናብ ብርሃን ኣቢልካ ዚግበር ቀጻሊ መሳጢ መገሻ እዩ ኢሉ ክሰብኽ ይኽእል ነበረ። ከምኡ ኸኣ ሰበኸ። ክርስትና ኣብዚ ጀሚሩ ድሕሪ ሞት ዝቕጽል፡ ናብ መንፈሳዊ ገነትን ናብ ሕብረት ምስ ኣምላኽን ዚኽየድ መንፈሳዊ ጉዕዞ እዩ፡ ዝብል ኣተሓሳስባ ነበሮ። ሓቀኛ ግኖሲስ (ፍልጠት) እንታይ እዩ ዘርኢ፡ ሓደ ኣብነት ትምህርቱ ኣብዚ እንሆ።

 

ፍልጠት ምፍጻም ሰብ ብባህሪ፡ ብህይወትን ብቃልን እዩ። ንኣምላኽ ሃሰው ዘይትብሎ እምነት፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ ትእመን እሞ ክብሪ ኸኣ ትህቦ። ከምዚ ኢሉ ጀሚሩ ኸኣ፡ እምነት መሰረት ፍልጠት እያሞ ሰብ ንኣምላኽ ኣብ ምፍላጥ ይበጽሕ። ፍልጠት ነቶም ንገዛእ ርእሶም ብቑዓት ምዃኖም ዘርኣዩ ብጸጋ ኣምላኽ ዚውሃብ እዩ። ከምቲ ንዘለዎ ይውሃቦዩሞ (ማርቆስ 4፡25) ዝብሃል፡ ካብ ፍልጠት ኣምላኽ፡ ፍቕሪ ትመጽእ። ንእምነት ፍልጠት ይውሃባ፡ ንፍልጠት ኸኣ ፍቕሪ ይውሰኸላ። ንፍቕሪ ኸኣ እቲ ሰማያዊ ርስቲ ይኾነላ። እዚ ነቲ ብእምነት፡ ፍልጠት፡ ፍቕሪ ምስ ጎይታ ዚጠብቕሞ ናብቲ ኣምላኽ ዘለዎ ኸኣ ዚድይብ ሰብ ይፍጸመሉ። ... እዚ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዳሕራይ፡ ንጽህና ልቢ ምስ ኣጥረና፡ ኣብ መጨረሻ ኸኣ ናብ ጎይታ ምስ ቀረብና፡ ንዘልኣለም ኸኣ ክንርእዮ ምስ በቓዕናን እንነብሮ ህይወት ኣብዚ ይምህረና። ... ከምቲ ዚበልክዎ፡ እቲ ቀዳማይ ለውጢ ምድሓን ካብ ኣረሜንነት ናብ እምነት ዘሎ እዩ። እቲ ካልኣይ፡ ካብ እምነት ናብ ፍልጠት ዘሎዩ። ፍልጠት ናብ ፍቕሪ ትሓልፍ። እዚኣ ኣብ መንጎ እቲ ዚፈልጥ ዘሎ ሰብን እቲ ዝፍለጥ ዘሎ ኣምላኽን ዘሎ ዕርከነት እያ። ምናልባት፡ ከም መላእኽቲ ምዃን (ሉቃስ 20፡36) እዚ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ዝኾነ ኮይኑ፡ በቲ ሸውዓተ ሰማያት*** ኣቢልና ናብ ቤት እቲ ኣቦና፡ ኣብኡ ንዘልኣለም ንዘልኣለመ ኣለም ብዘይ ለውጢ ክንበርህ፡ (ዮሃንስ 14፡2) ጉዕዞና ድሕሪ ምድምዳም ህይወትና ኣብ መሬት እውን ኣይከቋርጽን እዩ። (18)

 

ቅለምንጦስ ንባዕሉ ከምዚ ይብል።

ብዙሕ ካብኡ ብቃላት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኮነን ዘሎሞ ትምህርትና ንገሊኦም ዘይ መጽሐኣፍ ቅዱሳዊ ክመስሎም ይኽእልዩ። እቲ ንትምህርትና ትንፋስን ህይወትን ዚህቦ መጽሓፍ ቅዱስ ምዃኑ ይፍለጡ። (19)

 

እቶም ክንዮ እቲ ተራ ወንጌል ካልእ ነገር ዘናድዩ ዚነበሩ ክፍሊ ተማሃሮ፡ ሃይማኖት ክርስትና መሳጢ ቅርጺ ከም ዚነበሮ ኣብ ትምህርቲ ቅለምንጦስ ክርእዩ ከኣሉ። ይኹንምበር ሕጂስ ከም (እዚ ብቃላት መጽሓፍ ቅዱስ ዚግለጽ ዘሎዩ) ኣብ ኣብቲ ክርስቶስ የሱስ ባዕሉ እምኒ ዚመኣዝኑ ዝኾነ መሰረት ሃዋርያትን ነብያትን (አፌሶን 2፡20) ዚተነድቀ ህንጻ ረኣዩዎ።

 

ኣየናይ ኣገልግሎት?

ሞንታኑስ፡ ሞንታናውያንን እቲ ሰለስተ-ዝጽፍሑ ኣገልግሎትን

እቲ ሳልሳይ ዘይዓገበ ጉጅለ ካብታ ስርዕቲ ቤት ክርስትያን ሰባት ክፈሊ ኢሉ ኣይፈተነን። ይኹንምበር ካብቶም ስሩዓት ቤት ክርስትያን ኣጸቢቖም ፍልይ ዚበሉ መራሕቲ ክስዕብ ጀመረ። እዚኦም፡ ናብ ነብያት ተማሊስና ኣሎና በሉ።

 

ሓድሽ ኪዳን ማእሰርቲ ኣጋንንቲ ማለት ሓደ መንፈስ ብሓፈሻ እዚ ክፉእ መንፈስ እዩ፡ ንሰብ ዝቆጻጾሮ፡ ከምዚ ዝብለ ብዙሕ ስእላዊ መግለጺ መሊእዎ እዩ። ከምዚ ዝበለ ፍጻመታት ኣብ ታሪኽ ኣብ ምሉእ ዓለም ፍሉጥ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ገለ ሃይማኖታት፡ ገለ ሓደ ኣምላኽ ተቖጻጺርዎም ተባሂሎም ዚእመነሎም ሰባት ጸኒሖም ኣለዉ። ተቖጻጺርዎም ኪብሃል እንከሎ፡ እቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ኪዛረቦ ክኽእልሲ፡ ኣፈኛ እቲ ኣምላኽ ይኾኑ ማለትዩ።

 

ኣብ 156 ዓመተ ምህረት፡ ኣብ ማእከል እስያ ማይነር፡ ኣብ ፍርግያ (ካርታ ቁጽሪ 3 ረአ)፡ ንሞንታኑስ ዝብሃል ናብ ክርስትና ካብ ዚመጽእ ብዙሕ ዘይገበረ ሰብ ከምዚ ዚመስል ነገር ኣጓነፎ። ኣብ ተምሳጥ ኪኣቱ እንከሎ፡ ሰዓብቱ፡ ካብ ድምጹ ብዚተፈልየ ድምጺ ክዛረብ እንከሎ ሰምዕዎ፡

 

ሰብ ይድቅስ፡ ኣነ ግን እነቅሕ። እንሆ፡ እዚ ጎይታ እዩ

መልኣኽ የለን፡ መልእኽተኛውን የለን። - እንሆ ባዕለይ መጺአ ኣሎኹ (ያንግ 309)

 

ሓደ ካብቲ መልእኽታት ክርስቶስ ቀልጢፉ ከም ዝምለስን እዚኣ ኸኣ ኣብ ሓንቲ ፐፑዛ እትብሃል ናይ ፍርግያ ከተማ ካብ እትድኮን ካብታ ሓዳስ የሩሳሌም (ራእይ 21፡ 2) ከም ዚገዝእን ዚዛረብ ነበረ። ኣይጸንሐን ሞንታኑስ፡ ብከምኡ ናቱ ኣብ ተምሳጥ ዚኣትዋን፡ እቲ ኣምላኽ ዚዛረበንን ክልተ ሓገዝቲ ደቂ ኣንስትዮ ገበረ። ገለ ሰባት እዞም ሰለስተ ብሰይጣን ዚገዝኦም ከም ዚነበሩ ይዛረቡ ነበሩ። መብዛሕትኦም ግን እዚ ናብ መንገዲ እቶም መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ዚወረደ፡ ቅልጡፍ ምምላስ  ክርስቶስ ዚጽበዩ ዚነበሩ ቀዳሞት ክርስትያናት ኣዝዩ መሳጢ ምምላስ ክኸውን ይኽእልዩ ዝብል ሓሳብ ነበሮም። እቶም ዘረባ ሞንታኑስ ዚተቐበሉ፡ እዚ መጨረሻ ኣምላኽ ንርእሱ ዚገለጸሉ እዩ በሉ። እዚኦም ወዲ ኣምላኽ ብኽብሪ ዚግለጸሉ፡ እዚ ኸኣ መንፈስ ኣምላኽ ብቀጥታ ንህዝቡ ዚተዛረበሉ፡ ኣኺሉ እዩ ዝብል እምነት ነበሮም። እቲ ሓደስቲ መልእኽትታት፡ ምስ ናይ ጎይታ የሱስ ዘረባን መልእኽትታት ሃዋርያትን ክውሰኽ ተጻሕፈ። ኣብዚ ቤት ክርስትያን እንታይ ትግበር?

 

መራሕቱ መንፈስ ቅዱስ ተዛሪቡና ዚብሉ፡ ምምላስ ክርስቶስ ኸኣ ኣብ ቀረባ እዩ ኢሎም ዚእውጁ፡ ስምዒታዊ ምንቕቓሕ ዘለዎ ምንቅስቓስ ኪግለጽ እንከሎ እዚ ሕቶ እዚ ብዙሕ እዋን ክለዓል ጸኒሑ እዩ። ሕጂውን ይለዓል ኣሎ። ኢንስፒረሺኒዝምን (ትንቢታዊነት) ኣድቨንቲዝምን (ምጽኣታዊነት) ተባሂሉ ዚጽዋዕ ምንቅስቓሳት ብዙሕ እዋን ብሓባር እዩ ዚግለጽ። ቤተ ክርስትያን ንዘረባ ሞንታኑስ እንትርፎ ኣይከውንንዩ ካልእ መልሲ ክትህቦ ትኽእል ነይራ እያ ኢልካ ኪሕሰብ ኣጸጋሚ እዩ። እዚ ዚስዕብ ሓደ ካብ መራሕቲ ቤት ክርስትያን ዚሃቦ ፍርዲ ነበረ።

 

ምቁጽጻር ገዛእ ርእሱ ዘጥፍእ እቲ ሓሳዊ ነብዪ እዩ። ... ንሱ ኣብ ኣእምሮኡ ንዘሎ ከውጽኦ ኢሉ ይብገስ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ካብ ኣእምሮኡ ወጻኢ ይኸውን (ይጽለል)። ሓደ ካብኦም እንተ ዘይኮይኑ፡ ብከምዚ መንገዲ ዚተደረኸ ነብዪ ብሉይ ኪዳን ይኹን ወይስ ሓድሽ ከርእዩ ኣይክእሉን እዮም። ኣጋቦስ (ግብሪ ሃዋርያት 21፡10) ይኽêን ... ወይስ ኣዋልድ ፊሊጶስ (ግብሪ ሃዋርያት 21፡9) ... ወይስ ኳድራቱስ ወይስ ካልኦት ነብያት። (20)

 

ፍልልይ ኣብ መንጎ ቤት ክርስትያን ኩሉ ጊዜ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ብገለ መንገዲ ቤት ክርስትያን ምስ ሞንታናውያን ምፍልላያ ብፍላይ ኣዝዩ ዘሕዝን ነበረ። ብገለ መንገዲስ ሞንታናውያን ካብ ካልኦት ክርስትያናት ፍልይ ዚበሉ ነበሩ። ይኹንምበር ኣብቲ ስደት ዚሞቱ ሞንታናውያን ካብ እቶም ኣዝዮም ግሩማት ስማእታት ነበሩ። ሞንታናውያን እምነቶም ከም ካልኦት ክርስትያናት ነበረ። ጾም ኣብ ምሕላው ኣዝዮም ብፍሉይ ጥንቁቓት፡ ንድሌት ጉባአ ኣእዳዎም ዝዝርግሑ፡ ምስቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ናይ ኣህዛብ ዓለም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣትዉ፡ ካብ ስደት ዘይሃድሙ። ህይወቶም፡ ከም ክርስትያናዊ መለክዒ ነበረ። ኣብ መጀመርታ፡ ብምኽንያት እቲ መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ እዩ ዚብል እምንቶም ሞንታናውያን ከይምርዓዉ ክልክêላት ነበሩ። ዳሕራይ ግን ዳግም መርዓ ተኸልከሉ። ጎይታ ኣይተመለሰን እሞ፡ ዕሽነት ፐፑዛ ቀልጢፉ ሓለፈ። ይኹንምበር ምንቅስቓሳት ምጽኣት ፍሽለት ትንቢቶም ዝስሩ እይም ዝïመስሉ። ፐፑዛ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት እታ ዚቐጸለት ምንታናዊት ቤት ክርስትያን ኮነት።

 

ምፍላይ ሞንታናውያን ካብ ካልኦት ክርስትያናት ዘይተርፍ ነበረ። ንሞንታናውያን፡ እቶም ነቶም ሓደስቲ ነብያት ዘይተቐበልዎም ንመንፈስ ቅዱስ ዚጸርፉ (ሉቃስ 12፡10) ዚነበሩ መሲሉ ይስምዖም ነበረ። እቲ ልዑል ስነ-ምግባራዊ ደረጃኦም፡ ልዕሊ ኩሉ ኸኣ እቲ ንምምስሳል ነቓዕ ዘይገድፍ እምቢታኦም ኣብ 207 ዓመተ ምህረት ንተርቱልያን ንገዛእ ርእሱ ናብኦም ንክስሕቦ ከኣለ። ንሱ ኣብቲ ብሞንትንውያን ዝይኮነስ ብተርቱላውያን ዝፍልጡሉ፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ መራሒ እታ ጉጀለ ኮነ።  ከም ካልኦት ትንቢትውያንን ምጽኣታውያን ጉጅለታት፡ ብሓደñ ኮይኖም ክቕጽሉ ኣጸገምም። ይኹንምበር ቤት ክርስትያን ሞንታናውያን ክሳብ ሓሙሻይ ክፍለ-ዘመን ኪትቅጽል ከኣለት።

 

ኣብ ቤት ክርስትያን ብሓፈሻ ግን፡ ንሞንትኒዝም ብዚነበረ ግብረ-መልሲ ጥራይ ዘይኮነ ብምኽንያት እቲ ኣብቲ ጊዜ እቲ ዚነበረ ፍልልያትን ንኣገልግሎት ዝምልከት ምዕባለታት ተቐላጠፈን ሰፍሐን።   

 

ነቲ ቀዳማይ ኩነታት ብዚምልከት ነቲ ብዛዕባ ኣጀማምራ ተልእኾ ኣህዛብ ዝምልከት ሓበሬታ ክንምልከት ከድልየና እዩ። መራሕቲ እታ ኣብ ኣንጾክያ ዚነበረት ቤት ክርስትያን ነብያትን (ማለት ቅቡኣት ሰበክትን) መማህራንን ነበሩ። ሓቡሽተ ካብዚኦም፡ በርናባስን ጳውሎስን ሓዊስካ ተጠቒሶም ኣለዉ (ግብሪ ሃዋርያት 13፡1)። እዞም ክልተ እዚኦም፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ቀዳማይ ሚስዮናዊ ጉዕዞኦም፡ ኣብ መማሕበሩ ሽማግለታት ሓረዩሎም (ግብሪ ሃዋርያት 14፡23)። እዚ ነቲ ኣገልግሎት እቲ ከባቢ ኣቑሞም ማለት እዩ። ከምዚ ብምግባሮም ከኣ፡ ንውዳበ እታ ብመራሒን ቦርድ ሽማግለታትን ትማሓደር ዚነበረት ቤት ጸሎት ኣይሁድ ቀዲሖም ማለት እዩ። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ እቲ መራሒ ኣይተጠሕሰን ኣሎ። ይኹንምበር ዚኾነ ቦርድ ከም መራሒ ዝኾኖ ሓደ ሰብ የድልዮ እዩ። ሽማግለ ተራ ቃል እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ሕብረተሰባት ቤተሰብ፡ ዓዲ፡ ወይስ ቀቢላ ብዓበይቲ ትማሓደር እያ። ማለት ብሽማግለታት። እዚ ሽማግለ ዝብል ቃል ብቋንቋ ግሪኽ ፕረስቡተሮስ እዩ። እዚ ምንጪ እዚ ፕረስባይተር ዝብል፡ ብሓፈሻ ነዚ ከምዚ ዝበለ በዓል መዚ ኣብ ቤት ክርስትያን ዝኸውን ቃል እንግሊዝ እዩ።

 

ኣብ ከባቢ 58 ዓመተ ምህረት፡ ጳውሎስ ነቶም ኣብ አፌሶን ዚነበሩ ሽማግለታት ክረኽብዎ ጸውዖምሞ ከምዚ ኸኣ ኢሉ ተዛረቦም፡ ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማቕበር ጎይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኩሉ መጓሰ ሓልዉ (ግብሪ ሃዋርያት 20፡17ን 28ን)። ኣብዚ እቲ ኤጲስቆጶስ ዝብል ቃል ግሪኽ እዩ ተጠቒሙ። እዚ ብእንግሊዝ ቅድም ፒስኮፕ ናብ ዝብል ድሓር ኸኣ ናብ ቢሾፕ (ጓሶት) ዝብል ሓጺሩ። ትንታነ ጂሮም ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 20 ከምዚ ይመስል፡ እቲ ሃዋርያ ፕረስቡተሮስ (እዚ ሽማግለ ማለት እዩ) ማለት ሓደ ንሱ ቢሾፕ (ማለት ጓሳ) ማለት ከም ዝኾነ ኣነጺሩ ይምህር። እቲ ቀዳማይ ስም ማለት ፕረስቡተሮስ እዞም ሰባት ንምንታይ ከም እተመዘዙ ይሕብረና። ማለት እዚኦም ኣዝዮም እተሞኮሩ (ዓበይቲ ስለ ዝኾኑ) ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ቢሾፕ ኸኣ እንታይ ኪዓዩ ከም እተመዘዙ (ማለት ነቲ መጓሰ ክሕልዉ) ይሕብረና። ኣብዚ ደረጃ እዚ ሽማግለ-ጓሶት ተባሂሎም እውን ክጽውዑ ይኽእሉ እዮም። ጳውሎስ ንሰብ ፊሊጲ ክጽሕፈሎም እንከሎ፡ ነታ ማሕበር ምስ ኤጲስቆጶሳትን ዲያቆናትን ሰላም ኢሉዋ ኣሎ (ፊሊጲ 1፡1)። ከምቲ ጃስቲን ዝብሎ፡ እቲ ዲያቆን ነቲ ጓሳ ዝሕግዞ እዩ።

 

ኣብ 95 ዓመተ ምህረት፡ ከምቲ ብዙሕ እዋን ትገብሮ ዚነበረት፡ ቤት ክርስትያን ቆሮንጦስ ኣብ ባእስን ኣብ ምmቕቓልን ነበረት። ቅለምንጦስ ብዓል ሮማ ኸኣ ዕርቂ ኪገብር ኢሉ ናብኣ ጸሓፈ። ንሱ ነቶም ክርስትያናት ቆሮንጦስ ሃዋርያት እዚ ክልተ ዝጽፍሑ ኣገልግሎት ጓሶትን ዲያቆናትን ሃዋርያት ከም ዘቖምዎ ክቕጽል ኸኣ ዘድሊ ከም ዘማሉኡሉ ሓበሮም።

 

ሃዋርያት ኣብ ክንዳና ንወንጌል ካብ የሱስ ክርስቶስ ተቐበልዎ። ... ንሳቶም ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ሰበኹ እሞ ነቶም ቀዳሞት ኣመንቲ ኸኣ ጓሶትን ዲያቆናትን ገይሮም መዘዝዎም። ... ባእሲ ከም ዝህሉ ስለ ዝፈለጡ ኸኣ ... እዚኦም ምስ ሞቱ ኣብ ክንድኦም ካልኦት ብቑዓት ሰባት ክምዘዙ ዝብል ሕጊ ወሰኹሉ። ሃዋርያት ወይስ ብድሕሪኡ ካልኦት ምርኡያት ሰባት ዚመዘዝዎም እሞ ኸኣ ቤት ክርስትያን ብሓባር ዚሰመረቶም፡ኣገልግሎቶም ብዘይ መንቅብ ዘገልግሉ ሰባት ክትሰጉግ ግቡእ ኣይኮነን (ያንግ 195)።

 

ኣገልግሎት ጓሳ ካብቲ ቦርድ ሽማግለ-ጓሶት ካብ ምህላዉ ዚነቐለ ልምዲ እተጠርየ እዩ። ሓደ ቦርድ ኣብ ርእሲኡ ኮይኑ ዚመርሖ ከም ዘድልዮ ኢልና ኣሎና። እዚ ርእሲ እዚ፡ ሓደ ዚመርሕ ሰብ ኣዝዩ ኣብ ዚጥለበሉ ጊዜ፡ ወይስ እቲ ሰብ እቲ ኣዝዩ ዓብዪ ሰብ እንተ ኾይኑ፡ ኣብ ገለ ቦታታት ኩሉ ጊዜ ሓደ ንሱ፡ እቲ ሰብ እቲ ጥራይ ክኸውን ይኽእልዩ። ብምኽንያት እቲ ኣብ መበል መፋርቕ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ዚነበረ ዘይምርድዳእ፡ ከምዚ ዚበለ ጠለብ ኣዝዩ ዓብዪ ነበረ። ስም እቲ ጓሳ ኸኣ ኣብ ኩሉ ቦታታት እቲ ኣብ ልዕሊ ሽማግለታት ዝርእስ እንኮ ሰብኣይ ዝብል ትርጉም ክሕዝ ጀመረ። እዚ ኸኣ ጓሳ ሓደ ከባቢ ማለትዩ።

 

ኣብ ምቛም ቀኖና ሓድሽ ኪዳን፡ ካብ ሃዋርያት ዚምንጮም መጻሕፍቲ ተሓረዩ። ኣብ ምግላጽ መሰረት እምነት ኸኣ፡ ማለት መለክዒ እምነት፡ እቲ መምዘኒ እምነት እቲ ሃዋርያት ዘማሓላለፍዎ ትምህርቲ ነበረ። ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ ስልጣን ኣገልግሎት እውን ኣብቲ ብሃዋርያት ከም ዝተተኽለ ከም ዝፍለጥ ሓቂ ዚተሰረተን ብመንገዲ እቲ ከምቲ ቅለምንጦስ ዝበሎ፡ ብቑዓት ሰባት ይምዘዙ፡ ቤት ክርስትያን ብሓባር እትሰማምዓሉ ብመንገዲ ሃዋርያትውን ኪቕጽል ከም ዝግብኦን ርኡይ ኮነ።

 

ክንጅምር እንከለና ብነብያትን ሃዋርያትን ኣብ ኣንጾክያን ሽማግለ-ጓሶትን ኣብ ኤፌሶን ኢና ጀሚርና። ድሕሪ ካልኣይ ክፍለ-ዘመን ኣብ ዚሰዓበ ኩነታት ኢግናጥዮስ ኣቡን ኣንጾክያ ኣብ 107 ዓመተ ምህረት ናብቲ ናይ ሰማእትነት ሞቱ፡ እሱር ኮይኑ ብሓርፋፍ መንገዲ ብመሬት ናብ ሮማ ኪውሰድ እንከሎ ናብ ኤፌሶን ካብ ዝጸሓፋ ደብዳበ ኪበርህ ይኽእልዩ። ንሱ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዚነበረ ውልቃዊ ሓደጋ፡ ሓደጋ ምምቕቓል ኣብያተ ክርስትያናት እቶም ብመሬቶም ዚሓልፍ ዚነበረ ኣዝዩ ተሸጊሩ ነበረ። ሓንቲ ካብተን ዚተረፋ ደብዳበታት ኢግናጥዮስ፡ እዛ ናብ ኣብ ኤፌሶን ዚነበሩ ክርስትያናት ዚተጻሕፈት ደብዳበ፡ እዚኣ እታ ዚበረሀት እያ። መከራ እዛ መገሻ እዚኣ ሓሳባት ሙዚቃ ስለ ዘፍኮሶ፡ ክትሓስቦ ዘሐጉስ ነገር እዩ። ምናልባት ኣብ ኣብታ ኣብ ኤፌሶን ዘላ ቤት ክርስትያን ቤት ብበገና ገይሮም ይዝምሩ ከም ዚነበሩ ይፈልጥ ነይሩ ክኸውን ይኽእልዩ።

 

ከምቲ ከምኡ ከም እትገብሩ ፈሊጠዮ ዘሎኹ፡ ምስ ፍቓድ ጓሳኹም ክትሰማምዑ ይግባኣኩም እዩ። ... ከምቲ ኣግማድ ኣብ በገና** ዝሰማምዓ፡ ምስቲ ጓሳ ተሰማምዑ። ኣብቲ ስምምዕን ሙዚቃን ፍቕርኹም እቲ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ እዩ። ... ንርእስኹም ጉጅለ መዘምራን ግበርዋ፤ ... ብየሱስ ክርስቶስ ንኣቦ ብሓባር ብሓደ ድምጺ ኪትዝምሩ ክትክእሉስ፡ ቀንዲ ዜማ ኣምላኽ ሓዙ። (21)

 

እዚ ኸኣ ኣብ 107 ዓመተ ምህረት ኣብ ኣንጾክያን ኤፌሶንን ዚነበራ ኣብያተ ክርስትያናት እዚ ሰለስተ-ዝጽፍሑ ኣገልግሎት ከም ዚነበረን ዘርኢ እዩ። ድሕሪ እቲ ዚዓበየ ሓደጋታት ምፍንጫል ኣብ መፋርቕ እቲ ክፍለ-ዘመን እቲ፡ እቲ ሰለስተ-ዝጽፍሑ ኣገልግሎት ኣብ ኩሉ ከም ክበጽሕ ግዲ ነበረ።  

 

Comments
Add New Search
sami  - church history   |196.1.255.xxx |2010-01-24 10:34:19
please send me this church histroy in my email and a good idea like this go head
my God bless u in jesus name
Write comment
Name:
Email:
 
Title:
Please input the anti-spam code that you can read in the image.
{poweredby} {poweredby}

3.26 Copyright (C) 2008 Compojoom.com / Copyright (C) 2007 Alain Georgette / Copyright (C) 2006 Frantisek Hliva. All rights reserved."

 
< Prev   Next >
Headline
  • Pause
  • Previous
  • Next
1/10
 
Daily devotion
‎ከምቲ ኣምላኽ ዝርእዮ ምርኣይ‎ ኣብ 1ይ ሳሙኤል እግዚኣብሄር ንሳኦል ዝትክእል ንጉስ ክቐብእ ምስ ደለየ ንሳሙኤል ናብ እንዳ እሰይ ልኢኽዎ። ሳሙኤል ከኣ ዘይቲ ኣብ ቀርኒ ሒዙ ድሕሪ ም...
 
Teaching
‎ደቀ መዝሙርነት ብሓደ ዓይነት ቅርጺ 'ዶ?‎ ራንዲ ዲ ሬይስብሩክ*  ካብ ኣገልግሎት ደቀ መዝሙርነት ተመክሮኡ "ኩኪስ ካተር" ዝብል ሓደ ጽሑፍ ኣቕሪቡ ኔሩ። መታን ክንመሃረሉ ትሕዝቶኡ...
Cell Group Material
ዉሕሉል ኣገባብ ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስ መእተዊ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጸ ቓል ስለዝኾነ፡ ኸም ዉሉድ ኣምላኽ መጠን ግዜ ወሲድካ ከተንብቦን ከተጽንዖን ይግባእ። መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣ...
 
Character Study
ህይወት ዳዊት ሰብ ኣብ ጌጋ ብዘለዎ ኣረኣእያን ካብኡ ዝወስዶ ትምህርትን ኣብ ሰለስተ ክንመቕሎ ንኽእል፣     ቀዳማይ። ጌጋ ዝገብር እሞ ጌጋ ከምዝገበረ ተረዲኡ ...
 
Witness
Image ቃለ-መሕትት ምስ ዘማሪት ምስ ሰላም ሓጎስ 2004 ሀ. ሕሉፍ ታሪኽ ህይወት 1.      ብዛዕባ ገዛእ ርእስኺን ድሕረ ባይታኽን ኣተዓባብኽን መዕለልክና ዶ ?  ስመይ ሰላም ሓጎስ እበሃል።...
   
News
Image መልሲ ንሰብ ሓዳር ንኣብ ሓዳር ዘጋጥሙ ሕቶታትን ብድሆታትን እትምልስ ብግልጽነት ንዘሎና ጸገማት ሓዳር እተርኢ ብቡርስን ኬሮል ብሪትንን ዝተጻሓፍት ብሓው ዮናስ ወልደርፉ...
Social Issue
Image ንመንእሰይ ዕውታት ዝገብርዎ ባእታታት 3ይ ክፋል 3 ብዛዕባ ካልኦት ሰናይ ኣረኣእያ ምምዕባል። ሎሚ ኩሉትና ኣብዛ ምውድዳርን ዝናን ዝበዛሓላ ዓለም ኢና ንንበር ዘሎና። ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ወዲ ...
     
 
  • Send Postcard !
  • Advertismnet!

    ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ  ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንመላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መገዲ መራኸቢ እንዝርግሕ ክርስትያናት ኢና።

    Read all Books in our Web

               
       

     

    Give your Vote!

    What do you like most about Eriwongel.com?
     
    What die you want to change?
     

    Our Favorite Links

    www.bible.org
    Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

    Christ for all Nations, Cfan
    cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
    http://www.cfan.org
     
    Release Eritrea!
    release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha

    Join the EGMM team

    We are seeking a English and Amharic translator / editor who will serve with us as voluntary translator.
    Grafic & web Designer
    If you are Graphic and web Designer and looking out for working in the Kingdom of our Heavly Father, then here's the right opportunity to work with us.
    Advertiser links Geezsoft.com
    Hier you can download free Geez Font
    Eristart.com
    First Eritrean Startpage 

    Who's Online

    We have 2 guests online
    • tigrina
    • English

    Movies

    Agelglot.com

    Compassdirect.org

    Syndicate


    EGMM pro Mezmur

    EGMM PRO MEZMUR  

    EGMM pro Sbket

    EGMM PRO SBKET  

    EGMM pro Books»

    EGMM ORO BOOKS 

    Active Quiz»

    Active Quiz 

    EGMM PRO REDIET»

    EGMM PRO REDIET