| ገነትዶ ሲኦል? |
|
|
|
| Tuesday, 09 June 2009 | |
|
ሓደ ግዜ ጀምስ እተባህለ ብኹሉ ነገሩ ኣብ ቅድሚ ሰብ እተናእደ ክርስትያን ነበረ። ጀምስ ሓደ
መዓልቲ ስሚዝ ምስ እተባህለ ካልእ ክርስትያን ተገራጨወ። ክልቲኦም ናይ እተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያናት ኣባላት እዮም። ናይዞም
ክልተ ኣሕዋት ባእሲ ከቢድ እዩ ነይሩ። ክልቲኦም ንሓድሕዶም ይወናጀሉ። እቲ ሓደ መንቀሊ ነገር እቲ ሓደ ድማ ተግባሪ ነገር እዮም።
በዚ ኣብ መንጎኦም እተፈትጥረ ባእሲ ብዘይ መንጎኛ ንነዊሕ ግዜ ተሰሓሒቦም። ኪዕረቑ ፍጹም ኣይተኻእለን። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ንዘሎ
ጸገሞም እተረድአ ሰብ ግና ኣይነበረን። ወዮ ባእሶም ካብ ክበዱ እተላዕለ ንሓድሕዶም ፈጺሞም ከም ጸላእቲ ብምቝጻር ፍጹም ዘይዘራረቡ
ኾኑ። ጀምስ ስሚዝ ኣብ ዘለዎ ፍጹም ኣይመጽእን። ክልቲኦም ድማ በብወገኖም ይጽልዩን ቤተ ክርስትያን ይመላለሱን።
ጀምስ ብልቡ ምስ
ስሚዝ ፈጺሙ ሰላም መርሓባ ኣይበሃሃልን እየ ኢሉ'ዩ ወሲኑ። ውሳኔ ስሚዝ'ውን ተመሳሳሊ እዩ። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ጀምስ ምስ ስሚዝ
ከይተዓርቀ በቲ ኣብ ከባቢኡ ወሪሩ ዝነበረ ናይ ኮለራ ሕማም ተጠቒዑ ሞተ። እቲ ዘገርም ድሕሪ ሓጺር ግዜ ስሚዝ ድማ ብኻልእ ምኽንያት
ሞተ። ሽዑ ነፍሲ ስሚዝ ናብቲ ዚግበኣ ስፍራ ክትኣቱ ጉዕዞ ጀመረት። ኣብቲ መስርዕ ብዙሓት ነፍሳት ነበራ። ሽዑ እቲ ዚውዝዕ ዝነበረ
መልኣኽ ንስሚዝ ጸዊዑ፣ "እንቋዕ ብደሓን መጻእካ። እሞ ብዛዕባ ስፍራኻ ክሕብረካ፣ ጀምስ እተባህለ ሰብ ብሰንኪ ምድንጓይካ ስፍራ
ከይተዋህበ ገና ኣብ ግዝያዊ ስፍራ ስለዘሎ ነዓ ናብኡ ክወስደካ ኣብ ገነት ብሓደ እዩ ስፍራ ኪወሃበኩም በሎ። ብቓላት ናይቲ መልኣኽ
ዝሰምበደ ስሚዝ "ምስ ጀምስ!?" በሎ ብምግራም። ወዮ መልኣኽ ድማ "እወ ምስ ጀምስ" መለሰሉ። ብቕጽበት ዓይኒ ኸኣ ናብቲ ጀምስ
ዝነበሮ ብሑት ስፍራ ኣብጽሖ። ጀምስን ስሚዝን ግን ኣብ ገነት ብሓደ ኪኾኑ ኣይፈተዉን። ሽዑ እቲ መልኣኽ "እሞ ብፍቶት ኣብ ገነት
ብሓደ ምዃን ካብ ኣበኹምስ ብግዲ ናብ ሲኦል ሓቢርኩ ትኸዱ!" በሎም። ብቕጽበት ዓይኒ ኸኣ ንነፍሶም ግብ ዝበለ ጸልማትን እዚ ዘይበሃል
ፍርሃትን ኣብ ዘለዎ ስፍራ ረኸብዋ። ኵሉ ጊዜ ኸኣ ብብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኣብ ሓደ ስፍራ ኪነብሩ ጀመሩ።
"ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም!" (ኤፌ.4፣25) "ጸገማት ‘ደው በል!' ዚብሉ ምልክታት ዘይኮኑስ ናበይ ገጽካ ከተብል ከምዘለካ ዚሕብሩ መምርሒታት እዮም።" - ሮበርት ሹለር ኣርእስቲ ጸሎት 1. እግዚኣብሄር ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጥሜትን፣ ስደትን፣ መከራን ምወዳእታ ኪገብረሉ። 2. ኣብ ሃገርና ናብ ጎይታ ንዚመጹ ዘለዉ ሓደሽቲ ነፍሳት ኣምላኽ ኣብ እምነት ኬዕብዮምን ኬጽንዖም። ኣዳላዊ- ቴዎፍሎስ ገብረክርስቶስ (ምስታ ማሕበር ማራን ኣታ ይብል!) |
|
| Last Updated ( Tuesday, 09 June 2009 ) |
| < Prev | Next > |
|---|
| Home |
| EGMM |
| News |
| Articles |
| Social Issue |
| Witness |
| Media |
| Service |
| ERIHOPE |
| ELIM 31 |
| GundiWeini-Magazine |
| T. Bible |
Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.
Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
Release Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha