Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Friday
Sep 03rd
Home arrow Articles arrow Teaching arrow ዕዮ ጸጋ ኣምላኽ - ኲኖ ምድሓን (1ይ ክፋል)
ዕዮ ጸጋ ኣምላኽ - ኲኖ ምድሓን (1ይ ክፋል) PDF Print E-mail
Monday, 08 June 2009

መእተዊ

“ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ፣ ንኹሉ ሰብ’ውን ምድሓን ኣምጺኡ።” (ቲቶ.2፣11)

ጸጋ፣ ከይጸዓርካሉ ብነጻ ዚወሃብ ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ እዩ፣ ኣምላኽ ከኣ ነዚ ዓብዪ ጸጋኡ ብየሱስ ክርስቶስ ጌሩ እዩ ናብ ደቂ-ሰባት ኣምጺእዎ።

“ሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፣ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ፣ እምበኣርከስ ንሕና ኩላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና።” (ዮሃ.1፣16-17)

ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፣ ሰባት ብበደሎምን ብኣበሳኦምን ምዉታት እዮም፣ ብባህርዮም ድማ ደቂ ቝጥዓ እዮም፣ ግናኸ ብክርስቶስ ምስ ኣመኑ ይድሕኑ። እዚ ናይ ምድሓን ምስጢር’ዚ ንዘመናት ተሰዊሩ ዝነበረ’ዩ። ግዜኡ ምስ ኣኸለ ግና ኣምላኽ ገለጾ። እዚ ምድሓን እዚ ኸኣ ናብ ኩሉ እዩ መጺኡ። እቲ ዝኣመነ ይድሕን። በዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ብጸጋ ኣምላኽ ከምእንድሕን ይነግረና።

ሰብ ብጸጋ ምስ ደሓነ ተመሃራይ ናይ ጸጋ ኮይኑ እዩ ዚነብር። ነዚ ንምርዳእ ካብ ቲቶ.2፣11-13 ከነንብቦ ንኽእል።

“ጸጋ ኣምላኽ...እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፣ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፣ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና ኣሎ።”

ኣብዚ ጥቕሲ እዚ ከም እንግንዘቦ ጸጋ፣ ‘እንታይ ክንጽበ ከምዘሎናን፣ እንታይ ክንክሕድ ከምዘሎናን፣ ከመይ ኢልና ክንነብር ከምዚግበኣናን’ ይምህረና። ነዚ ጸጋ ዚምህረና ትምህርቲ እምበኣር ቀጺልና ኣብ ሰለስተ ከፊልና ክንርእዮ ኢና።

1. ጸጋ ትጽቢት ይምህረና

ሓደ ነገር ኪኸውን’ዩኪመጽእ’ዩ ወይ ድማ ኬጋጥም’ዩ ኢልካ ምእማንምሕሳብ ወይ ምትስፋው ትጽቢት ይበሃል። ትጽቢት ውልቀ-ኣንፈታዊ እዩ። ማለት ኪኸውን፣ ኬጋጥም ወይ ኪመጽእ ምዃኑ ምቝጻር እዩ። እምበኣር ኣብቲ ሓቀኛ ትጽቢት ብዝሐ-ኣንፈት የለን። ስለዝኾነ ኸኣ ኣብቲ ሓቀኛ ትጽቢት ‘ርግጽ’ እምበር ‘እንተ’ ወይ ‘ምናልባት’ ዚበሃል ቃና የለን። በዚ ኸኣ ትጽቢት ኣብ እምነት እያ እትበቍል። ብመጠንታ እምነት ከኣ ትነብር። ብመጠንታ እምነት ክብ-ለጠቕ ትብል። ሓቀኛ ትጽቢት ኣወንታዊት ድማ እያ። ጸጋ እምበኣር እታ ውልቀ-ኣንፈታዊትን፣ ኣወንታዊትን ኣብ እምነት እትበቍል ተጽቢት ክትህልወና ይምህረና። ማለት እንተን ምናልባትን ዘይብላ፣- ኣወንታዊት ኵነተ-ህይወት - ንሳ ኸኣ - ‘ትጽቢት’ ይምህረና፣ ክንጽበዮ ዘሎና ክልተ ነገራት ከኣ ይነግረና።

1.1    ብሩኽ ተስፋ

እቲ ዘድሓነና ጸጋ ብቐዳምነት ነቲ ‘ብሩኽ ተስፋ’ ክንጽበ ይምህረና። ነዚ ብሩኽ ተስፋ’ዚ እንተ ወይ ምናልባት ብዘይብሉ ኣወንታዊ ኵነተ-ህይወት ክንጽበዮ ይምህረና። ተስፋ ኣብ ትጽቢት ኴንካ ዚጭበጥ መጻኢ ግዛዕ ወይ ነገር ኰይኑ፣ ንገዛእ ርእሱ ናይ ትጽቢት መፈጸምታ እዩ። ዘይጭበጥ ወይ ዘይተሓዝ ነገር ተስፋ ኣይኮነን። ተስፋ ኣሎኒ ዚብል፣ እቲ ዚትስፈዎ ዘሎ ነገር ብርግጽ ከምዘለዎ ኰይኑ እዩ ህይወቱ ዚምእዝን። ኣብዛ ምድሪ ንነገራት ብናይ ሰብ መለክዒ ስለ እንልክዖ ነዚ ዝብሎ ዘለኹ ከነስተውዕሎ ብዙሕ ግዜ የጸግመና እዩ። ኣብ ምድሪ ብሰንኪ ዘሎ ናይ ሰብ ብልሽውና ተስፋኻ ኪፍጸም ምስ ዘይትርእዮን ሰባት ኣተስፍዮሙኻ ኪጠልሙኻን ከልዉ ስለዚጸልወካ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ተስፋ ርግጽ ጌርካ ክትሕዞ የጸግመካ። እቲ ብሩኽ ተስፋ ኣምላኽ ግና ካብ ናይ ሰብ እተፈልየን ርግጽ ዚፍጸምን እዩ።

“ንሕና፣ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ ሃዲምና ዝወጻእና ብርቱዕ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና።” (እብ.6፣18)

ተስፋ ንዘይረአ ነገር እዩ። ዚረአ እንተኾይኑ ኸኣ ተስፋ ተባሂሉ ኣይጽዋዕን።

“ነቲ ዚርእዮስ ተስፋ ዚገብሮኸ መን ኣሎ፣ ብተስፋ ኢና ድሒና ዘሎና እሞ፣ ነቲ ዚርአስ ተስፋ ምግባሩ እዚ ተስፋ ኣይኮነን። ነቲ ዘይንርእዮስ ተስፋ እንተገበርናዮ ግና፣ ብትዕግስቲ ንጽበዮ ኢና።” (ሮሜ.8፣24-25)

“ተስፋ ከም መልህቅ ነፍሲ ድልድልትን ጽንዕትን እያ፣ ናብቲ የሱስ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘልኣለም ሊቀ ካህናት ኰይኑ ኸም መራሒ ምእንታና ዝኣተዎ ውሽጢ እቲ መጋረጃ እተእትወና ተስፋ ኣላትና።” (እብ.6፣19-20)

መጽሓፍ ቅዱስ ንተስፋ ተባዕታይን ኣንስታይን ጾታ እናሃበ እዩ ዚዛረበሉ። እዚ ኸኣ ዕቤትን ስፍሓትን ተስፋ እዩ ዜርኢ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ፣ ተስፋ ኣብ ዘይረአ ዚንበር ዚተሓዝ መለኮታዊ ሓይሊ እዩ። እዚ እንዛረበሉ ዘሎና ብሩኽ ተስፋ ህያው ድማ እዩ። ማለት ኣይሓልፍን፣ ኣይረክስን፣ ኣይጽምሉን። (1ጴጥ.1፣3-4) ስለዚ ኸኣ እዩ እቲ እዚ ተስፋ እዚ ዘለዎ ኣብ ህይወቱ እንተን ምናልባትን ዘየፍቅድ። እቲ ነዛ ተስፋ እዚኣ ዝሃበ ኣይሕሱን’ዩ፣ ኣየታልልን ድማ እዩ። ንሱ ህያው እዩ፣ ኣይሓልፍን፣ ኣይረክስን ኣይጽምሉን። ስለዚ ኸኣ እታ ካብኡ ዝመጸት ተስፋ ዘይትሓልፍን፣ ዘይትረክስን፣ ዘይትጽምሉን ህያው ኰይና እትነብርን መለኰታዊት ሓይሊ እያ። ከምቲ ብጾታ ናይ ተስፋ እንግንዘቦ ‘ተስፋ’ ኣዝዩ ሰፊሕ ምዃኑ ኢና እንግንዘብ። ስለዝኾነ ኸኣ ሰባት ብዛዕባ ተስፋ መጽሓፍቲ ጽሒፎም ይርከቡ። ጌና’ውን ብሕጂ ትወሳኺ መጽሓፍቲ ኪጸሓፍ እዩ። ኣርእስቲ ተስፋ እምብዛ ሰፊሕ ኰይኑ ከብቅዕ ነዚ ኣልዒለዮ ዘሎኹ ኣርእስቲ ዚኸውን ግና ጽብብ ብዝበለ መልክዑ ጥራሕ ክንርእዮ ኢና።

መጽሕፍ ቅዱስ ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ ናይ እብራውያን ክፍሊ ጽሑፍ እዛ ተስፋ እዚኣ ከም መልህቅ ነፍሲ ምዃና ይሕብረና። መልህቅ ናይ መራኽብን ጀላቡን ልጓም ወይ ፍሬኖ እዩ። ኣብ ባሕሪ ንኺቖማ ድማ የገልግል። መጽሓፍ ቅዱስ ንእምነት ከም መርከብ ጌሩ ገሊጽዋ ኣሎ። (1ጢሞ.1፣19) መልህቅ ኣብ መርከብ ወይ ድማ ኣብ ጃልባ እዩ ዚርከብ። ስለዚ ድማ ተስፋ ኣብ እምነት ይርከብ ኣብዛ ከም ባሕሪ እትምሰል ዓለም ድማ እምነትና ኪጸዕን ኪድልድልን ይገብር። ምኽንያቱ መልህቅ ነታ መርከብ ኣብ ማእከል ባሕሪ የጽንዓን የደልድላን እዩ። እዛ ተስፋ እዚኣ ኸኣ ናብቲ የሱስ ከም መራሒ ምእንታና ዝኣተዎ ውሽጢ እቲ መጋረጃ ተእትወና። ኣብኡ ኸኣ ዘይሓልፍን፣ ዘይረክስን፣ ዘይጽምሉን፣ ዓይኒ ዘይረኣየቶ እዝኒ ዘይሰምዓቶ፣ ኣብ ልቢ ወድሰብ ከኣ ዘይተሓስበ ርስቲ ንወርስ። ውሉድ ኣምላኽ ኴንና ንኣምላኽ ከምታ ንሱ ዘለዋ ንርእዮ ንእኡ ኸኣ ንመስል። ማእለያ ዘይብሉ፣ ብሉጽ፣ ናይ ዘልኣለም፣ ምሉእ፣ ረዚን ኣብ ሰማያት ተኣርኒቡልና ዘሎ ክብሪ ንወርስ። (1ጴጥ.1፣3-4፣- 1ቆረ.2፣9፣- 2ቆረ.6፣16-7፣1፣- 1ዮሃ.3፣2፣- 2ቆረ.4፣16-18፣- ቈሎሴ 1፣5)።

እምበኣርከስ እዚ እዩ እቲ ተስፋ! እዚኣ እያ እታ ተስፋ! ነዚ ተስፋ እዚ ብእምነት ምቕባሉ የድሊ፣ ሽዑ እቲ ተስፋ ድማ ተመሊሱ እምነትና ኬደልድል እዩ። እዚ ብሩኽ ተስፋ ኣብ ክርስትና ዓቢ ስፍራ እዩ ዘለዎ። ጸጋ ኸኣ ነዚ ብሩኽ ተስፋ ጨቢጥና ክሳብ ፍጻሜኡ ክንጽበ እዩ ዚምህረና።

ፍቁራት ኣሕዋትን ኣሓትን ዝኾነ እንተኾነ፣ ‘ምድሪ ወላ እንተተገልበጠት’ እቲ እተዋህበና ብሩኽ ተስፋ፣ ኣምላኽ ብማሕላ ዘጽንዖ ስለዝኾነ ፈጺሙ ዝይጥለም እዩ እሞ ልብና በዚ ተስፋ እዚ ይምላእ። ኣብዛ ማዕበላት ዝበዝሓ ዓለም ነዛ ተስፋ እዚኣ ቀጥ ኣቢልና እንተሕዝናያ፣ ብእምነት ድማ ርግጽ እንተገበርናያ፣ ሽዑ ካብቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ፍቕሪ ኪፈልየና ዚኽእል ሓይሊ ኣይኪህሉን እዩ። ሽዑ ድማ ተስፋና ጨቢጥና ክንርከብ ኢና። ሎሚ እቲ ኣብ ዙርያና ዚሃምም ብርቱዕ ማያት ተስፋና ኬጥፍእ ኣብ ዚደልየሉ ዘሎ እዋን ጸጋ ኣምላኽ ግና ነቲ ብሩኽ ተስፋ ክንጽበ ይምህረና ኣሎ። ነዚ ትምህርቲ ጸጋ ቀጥ ኣቢልና ንሓዞ። እወ! ከምቲ እዮብ “ንጽድቀይ ኣጽኒዔ እሕዞ፣ ከቶ ኣይሰዶን” ዝበለ “ንተስፋይ ቀጥ ኣቢለ እሕዞ፣ ከቶ ኣይሰዶን” እናበልና ከም ይስሓቅ ደቂ ተስፋ ስለዝኾንና ብተስፋ ንንበር። (እዮብ 27፣6)

.....ይቕጽል።


Comments
Add New Search
Write comment
Name:
Email:
 
Title:
Please input the anti-spam code that you can read in the image.
{poweredby} {poweredby}

3.26 Copyright (C) 2008 Compojoom.com / Copyright (C) 2007 Alain Georgette / Copyright (C) 2006 Frantisek Hliva. All rights reserved."

Last Updated ( Tuesday, 09 June 2009 )
 
< Prev   Next >
  • Send Postcard !
  • Advertismnet!

    Our Favorite Links

    www.bible.org
    Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

    Christ for all Nations, Cfan
    cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
    http://www.cfan.org
     
    Release Eritrea!
    release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha

    Who's Online

    We have 55 guests online
    • tigrina
    • English

    Agelglot.com

    Syndicate

    Video

    EGMM pro Mezmur

    EGMM PRO MEZMUR  

    EGMM pro Sbket

    EGMM PRO SBKET  

    EGMM pro Books»

    EGMM ORO BOOKS 

    Active Quiz»

    Active Quiz 

    EGMM PRO REDIET»

    EGMM PRO REDIET