Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Wednesday
Mar 10th
Home arrow Witness arrow ሓዳር ኣብ ጸልማት ለይቲ ( 2ይ ክፋል ምስክርነት ኤም ኤይ ጋብሪኤል)
ሓዳር ኣብ ጸልማት ለይቲ ( 2ይ ክፋል ምስክርነት ኤም ኤይ ጋብሪኤል) PDF Print E-mail
Monday, 25 May 2009
ሓደ ምሸት ብድሕሪ ገዛ ናይቲ ዝነበርናዮ ገዛ ኣቢሎም ወሰዱኒ እሞ ኣብ ሓደ ማዕጾን መስኮትን ዘይነበሮ ናይ ኮንክሪት ህንጻ ኣእተዉኑ።። ብዘንቀ ሓንቲ ብርሃን ተእቱ ከፋት ኣላታ። ናብቲ ዘንቀ መሳልል ተኺሎም ኣደየቡኒ እሞ "ኪድ እቶ" ክብሉ ኣዘዙኒ።። በታ ከፋት ወጺአ ኣብ ሓደ ገምገም ኮፍ በልኩ። ኣእጋረይ በቲ ኮፍ ዝበልኩሉ ገምገም ጠልጠል ኣቢለ ፈነኽዎ እነሆ ከኣ እግረይ ኣብ ማይ ኪዓርፍ ተፈለጠኒ። በቲ ጽልግልግታ ኣስሊኾ ኣብቲ ትሕተይ ዘሎ ማይ ዝንሳፈፍ ዝመስል ነገር ርአኹ። "በቓ ካብዚ ቦታ መውጻኢ የብለይን መቓብረይ ኮይኮነ ኣይተርፍን!" በልኩ ብሓሳበይ። "ሎሚ መዓልቲ ክቐትሉኒ እዮም።" ሸተት ኢለ ናብቲ ማይ ክጥሕል ዝደረኻኒ ኣእዳው ናይቲ ወታሃደር ፈነዋኒሞ እቲ ማይ ክሳዕ መንኩበይ እናደየበ መጸ።

  (1ይ ክፋል ታሪክ (ምስክርነት) ኤም ኤይ ጋብሪኤል) ድሕሪዚ እተን ኣብቲ ማይ ክንሳፈፋ ዝራአኽወን ነገራት ለካስ ኣናጹ እየን ነይረን። ናብ መንኩበይን ገጸይን ወረር ወረር በላኒ። ንነዊሕ ግዜ መግቢ ስለዘይረኸባ ሃነፍነፍ በላ። "መርመርተይ ኣዝዮም ሕሱማት እዮም" በልኩ ብሓሳበይ። "እዚ ተማራማራይ ሙስሊምዚ ነታ ዝዓበየት መሳርሒቱ ዝኾነት ርእሱ ሕርሕራይ ጌረን ብምግሃጽ ኩሉ ቀልቡን ኣእሙሩኡን ዛንዛን ከብለኦ ዝኽእላ ፍጥረታት ረኺብና!" ኢሎም ከምዝመኸሩለይ ተረዳእኩ።

ናብቲ ዝነበርኩዎ ክፍሊ እትኣቱ ንእሽቶ ጩራ ብርሃን ነታ ኣብ ዘንቀ ዝነበረት ከፋት ምስ ዓጸውዋ ግብ ዝበለ ጸልማት ኮነሞ ኣብታ ዝሰዓበት ደቒቕ ፍርሒ ውሒጥኒ ሰጠምኩ። ለይቲ ምሉእ ኣብኡ ገዲፎሙኒ ከዱ። ንጽባሒቱ ወጋሕታ ግን ሞተይ ሕየተይ ክፈልጡ መጹ። ነታ ዝዓጸውዋ ናይ ዘንቀ ብርሃን ከፈትዋ እሞ ጩራ ጸሓይ ርእየ ክሳብ ሽዑ ብህይወት ምጽነሐይ እናሓሰብኩ ተስፋይ ንላዕሊ ክዓርግ ተሰማዓኒ።

እታ ለይቲ እቲኣ ዋላ ሓንቲ ኣንጭዋ ዋላ ንሓንሳእ እውን ከይነኸሰትኒ እያ ወጊሓ። ርግጽዩ ኣብ ኩሉ ኣካላተይ እናዓንደራ ብርእሰይን ጸጉረይን ብጉንዲ እዘነይን እናተጠዋወያ ክጻወታ ዝሓደራ ኣናጹ ኣብ ልዕለይ ጉድኣት ከየውርዳ ዝከላኸለሉ ዝኾነ ብልሓት ኣይነበረንን። ሓንቲ ኣንጭዋ ኣብ ሞንኩበይ ደው ትብል። እተን ካልኦት ከኣ ብኣፈን ንገጸይ ወሰን ኢለን ይድህስሰኦ ነይረን። ኩሉ ግን ከም ሕያውነት ዘለዎ ምስዓም ዳኣ ኮይኑ ይስማዓኒ ነበረ ኣምበር ኣስናን ኣንጭዋን ምትሕንፋጥን ዝባሃሉ ነገራት ብፍጹም ኣይተሰማዓንን። በቃ እተን ኣናጹ ናዓይ እሙናትን ለዋሃትን ኮይነናለይ ሓደራ። ዋላ ሎሚ ኣንጭዋ እንተርእየ ንአአን ፉሉይ ኣኽብሮትን ጽቡቕ ስምዒትን እዩ ዘለኒ። እተን ኣናጹ በታ ለይቲ ኣቲኣ ዘርኣያኒ ጠባይ ክሳዕ ሎሚ ንሓዋሩውን እናገረመኒ ክነብር እዩ።

ርክብ ምስ ሓደ እሙን ዓርኪ

እቲ መርመራ ገና ኣይተወደአን። ሓደ ማዓልቲ እቶም መርመርተይ ናብ ሓደ ገዛ ወሲዶም ናብ ማዕጾ ናይታ ንእሽቶ ክፍሊ እናኣመልከቱ ሓደ ካብኦም ከምዚ በለ። ኣብዚ ገዛዚ ሓደ ኣዝዩ ዘፍቅረካን ምሳኻ ክራኸብ ዝደሊን ክቡር ዓርኪ ይጽበየካ ኣሎ። "መንዳአ ኮይኑ" ሓተትኩ ንውሽጠይ። ምናልባት ሓደ ካብ ቤተሰበይ ወይ ኣዕሩኽተይ ዶ ኾን ይኸውን! ክርእየኒ ዝደሊ ሰብ እንተዝኾነለይ። ልዕሊ ኩሉ ግን ካብዚ ማእሰርቲዚ ከውጻአኒ ዝተበገሰ ዘመድ እንተዝኾነለይ ከመይ ጽቡቕ ነይሩ። ትምኒታተይን ተስፋይን ሰማይ ጠንቒሩ። ሽዑ ሓደ ካብቶም ወተሃደራት "ንስኻ እካ ኣይትፈልጦን ኢኻ ንሱ ግን ይፈልጠካ እዩ።" በለኒ ነቲ ማዕጾ ከፊቶም ንርእሶም ናብቲ ገዛ ከይእተዉ ንዓይ ግና ንውሽጢ ገጸይ ደፊኦም ብድሕረይ ነቲ ማዕጾ ኣግጠምዎ። ብኣዒንተይ ናብቲ ውሽጢ እቲ ገዛ እናፈተሽኩ ጠመትኩ እሞ ሓደ ኣፍጢጡ ዝርእየኒ ዓቢ ከልቢ ርእየ ኣዒንተይ ምእማን ሰኣንኩ። ብዘይካ ከልቢ ኣብቲ ገዛ ዝኾነ ካልእ ፍጥረት የልቦን። እቶም ዓጽዮሙኒ ዝኸዱ ሰባት ደርጋዕ ደርጋዕ እናበሉ ኣናራሓቑ ክኸዱ ከለዉ ነቲ ተፋጢጡኒ ዘሎ ፍጥረትን ትቕጽል ለይትን ድማ እናሓሰብኩ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ካብ ዘላቶ ናብ ገለ ጥልቐት ክትጥሕል ከላ ተሰማዓኒ። ሽዑ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ህይወተይ ናብቲ ዝፈጠረኒ ከእዊ ጀመርኩ። "ንስኻ ኣቦይ ኢኻ። ዎ ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ ኸኣ ትሕልወኒ። ከመይ ጌርካ ኣብ ትሕቲ እዘን ጨካናት ኣጽፋርን ኣስናንን ናይዚ ከልቢዚ ክትሓድገኒ! እዞም ሰባት እዚኦቶም ክገብርዎ ዝደልዩ ኣይተረዳአንን። ግናኸ ንስኻ ምሳይ ከምእትኸውን እፈልጥ ኣሎኹ። ሓደ መዓልቲ ከኣ ክሪእየካን ክረኽበካን እየ።"

ድሕሪ ገለ ካሊኢታት ኣብ ማእከል እቲ ክፍሊ ቀስ ኢለ ኣእጋረይ ኣመሳቒለ ኮፍ በልኩ። እቲ ከልቢ ናባይ ኣቢሉ መጸ እሞ ክእመን  ብዘይካኣል ኣብ ፊት ንፊተይ ኮፍ በለ። ኣዒንቱ ናባይ ተኺሉ ኸኣ ንደቓይቕ ዝኣክል ጠመተኒ። ኣዒንቱ ካብ ርእሰይ ክሳዕ እግረይ መላሊሰን ይጥምታኒ ነበራ። ከም ገለ ክብል ሓሳበይ ናብ ውሽጠይ ተሰብሲቡ ክሓስብ ከኣልኩ እሞ ናብቲ እቲ ዘይፈለጥኩዎ ዘለኹ ኣምላኽ ክጽሊ ጀመርኩ። ጽንሕ ኢሉ እቲ ከልቢ ከም ሓደ ክበልዕ ዝሃረፈ እንስሳ ካብ ዝነበሮ ተንሲኡ ኣብ ዙርያይ ኮለል ክብል ጀመረ። ኣብ ሞንጎ ግን ናብ የማናይ ጎድነይ ጽግዕ በለ እሞ ብመልሓሱ እዝነይ ለሓሰኒ። ኣስዒቡ ኣብኡ ኣብቲ የማናይ ጎድነይ ኮፍ በለ እሞ መወዳእትኡ ዝኽሰት እንታይ ከምዝኸውን ምግማት ሲኢነ ብሓሳብን ጭንቐትን ተወጠርኩ። እቲ ከልቢ ግን ኣብ ጎድነይ ደቂሱ ንሓያለ ደቓይቕ ጸንሐ። ሽዑ ድኻም ተጻዓዒኑኒ ከይተረዳአኒ ድቃስ ጠለመኒሞ እቲ ድራማ እቲ ጭንቀት እቲ ምፍጣጥ እቲ ፍርሕን ሰንፈላልን ኮታ ኩሉ እቲ ማዕበል ሃደአ። ካብቲ ዝጸቐጠኒ ድቃስ ምስተበራበርኩ። እቲ ኸልቢ ኣብቲ ሓደ ኩርናዕ ናይቲ ክፍሊ ተጸጊዑ ረአኽዎ። ከምዝተበራበርኩ ምስ ረኣየ "ከምዛ ዳሓንዶ ሓዲርካ!" ክብል ዝደለየ እናጎየየ ናባይ መጸ። ሕጂውን ቅርብ ኢሉ የማነይቲ እዝነይ እናላሓሰኒ ኣብ የማናይ ጎድነይ ተጸጊዑ ከኣ ኮፍ በለ።

እቶም ወተሃደራት ነቲ ዝነበርኩዎ ክፍሊ ከፊቶም ኣተዉ እሞ እቲ ከልቢ ኣብ ጎድነይ ደቂሱ ኣነ ኸኣ እናጸለኹ ይርእዩና። ሽዑ ሓደ ካብኦም "ኣነ እዚ ሰብ እዚ ወዲ ኣዳም እዩ ኢለ ኣይኣምንን ኣየ። ዲያብሎስ እዩ። ሰይጣን ብኣካሉ!" እቶም ካልኦት ከኣ ከምዚ እናበሉ ይቐባበሉ ነበሩ። "ኣይመስለንን! ምናልባት ሓደ ዘይረአ ሓይሊ ብድሕሪኡ ኮይኑ ይከላኸለሉ ኣሎ ምበልኩ!" "ኣየናይ ሓይሊ ማለትካ እዩ እሞ? እዚ ሰብዚ እኮ ኣረሜን ወይ ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምን ሰብ እዩ።>> << ኣይፋልን እዚ ሰብዚ ጸረ ኣላህ ስለዝኾነሲ ባዕሉ ሰይጣን ድኣ እዩ።>> ተበሃሃሉ።

ሓደ ሰብ ብድሕረይ ኮይኑ እናኾብኮቦኒ ናብታ ናይ ቅድም ሸላይ መለሱኒ። እቲ ኣብታ ሸላ እቲኣ ዝጸንሓኒ ግብጻዊ እሱር ንዓይ ካብኡ ምስ ወሰዱኒ ነቶም ፖሊስ <<ነዚ ሰብኣይ ስለምንታይ ኢኹም ተሳቕይዎ ዘለኹም?>> ኢሉ ሓቲትዎም ነበረ። ንሳቶም ከኣ ንምስልምና ስለዝኻሓደ ኢሎም ነጊረምዎ እዮም። ሽዑ እምብዛ ተቖጠዐ ፉሉይ ጽልኢ ጸሊኡኒ ስኑ ይሕርቅመለይ ከም ዘሎ ኣብ ኣዒንቱ ርኤኽዎ። ናብታ ሸላ ኣብ ዝተመለስኩላ ህሞት ክቐትለኒ ተዳልዩ እዩ ጸኒሕኒ። እንተኾነ ኣብታ ሸላ ምስኡ 15-20 ደቒቕ ምስ ጸናሕኩ ሓደ ወተሃደር ናይ ምቕያር ቦታ ወረቓቕቲ ሒዙ ህሩግ በለና እሞ ሒዝዎ ኸደ።

ሽዑ በቲ ዝኸውን ዝነበረ ኣዝየ ክግረም ጀመርኩ። እቲ ኣብ ሓለዋ ህይወተይ ሓደ ድሕሪ ሓደ ዝፍጸም ዘሎ ተኣምራታዊ ፍጻሜታት እናአደነቐኒ ደጊመ እዝክሮ ነበርኩ። "ከመይ ዝበለ ሓይሊ ብኸመይ ዝበለ ጥበብ እዩ ዚሕልወኒ ዘሎ" ኢለ ሓተትኩ። መልሲ ንሕቶይ ክረክብን ክርዳእን ግን ኣይከኣልኩን። ስለዚ ብዛዕብኡ ክመራመር ብዙሕ ግዜ ክወስድ ኣይደለኹን። ብዙሕ ከይጸናሕኩ ውን ናተይ ናይ ቦታ ቅያር ወረቐት ዝሓዙ ወተሃደራት መጹ እሞ ናብ ሓደ ኣብ ደቡብ ካይሮ ዝርከብ ቀዋሚ ቤት ማእሰርቲ ወሰዱኒ። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ንመርመርተይ ሰባት እዮም ኢለ ክኣምን ክሳዕ ዝጽግመኒ ጸላእክዎም። እዚ ኹሉ መከራ ዘውሩዱለይ ዘለዉ ንምስልምና ወይ ብዛዕብኡ ስለምንታይ ሕቶ ይሓትት ተባሂሉ እዩ። ድሕሪ እዚ ኩሉ ዝገበሩኒ ኣብ ምስልምና ዝነበረኒ እምነት ጭራሽ ተነቓነቐት። ሕጂ ድማ ናብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ እየ ዘምርሕ ዘለኹ።

እታ ዝሰዓበት ሰሙን ኣብታ ኣብ ደቡብ ካይሮ ዘላ ቤት ማእሰርቲ ኣሕለፍክዋ። ብመጠኑ ህድእ ዝበለ ጊዜ ነይሩኒ። እግዚኣቢሄር ሓደ ኣብ ሱር ነቀል ምስልምና( Radical Islam) ዘይኣምን ወተሃደር ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ለኣኸለይ። በዚ ኩሉ እናሓላፍኩ ዝቕነኹለን መዓልታት ወለደይ ከኣ ኣበይ ከምዘለኹ ንምፍላጥ ዘይፈተንዎ ኣይነበረን። ክሳዕ እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ገይሹ ዝቐነየ ኣብ ፓርላማ ግብጺ ልዑል መዓርግ ዘለዎ ኣኮይ ዝምለስ ግን እቲ ዝገበርዎ ጻዕርታት ብዘይ ፍረ ተረፈ። " ሽዑ ኣደይ እናነበዐት ኩሉ ነገረቶ። ክልተ ቕነ ምሉእ መዋድቖ ወድና ደሊና ስኢናዮ ኢና። በቃ ጠፊኡ ወደይ!" እናበለት ብብኽያት ኣጨነቐቶ። ኣኮይ ኩሉ እቲ ዝድለ ርክባት ስለዝነበሮ ሽዑ ንሽዑ (ማለት ካብ ዝእሰር ክልተ ቕነ ምስ ኣቑጸርኩ) ናብቲ ተቐይደሉ ዝነበርኩ ቦታ ብኣካል መጺኡ ነቲ ዝድለ ኣነ ዝልቀቐሉ ወረቓቕቲ ኣቕሪቡ ኣፍታሓኒ። ሒዝንውን ከደ።

 

ጽንሕ ኢሎም እቶም ፖሊስ ነቦይ እዚ ዚስዕብ ጸብጻብ ሃብዎ። "ወድኻ ንምስልምና ከም ዘሓደጎ ዘነጽር ክሲ ካብ ኣል-ኣዝሃር ዩኒቨርስቲ ተቐቢልና ነይርና። እንተኾነ ድሕሪ ናይ 2 ቕነ ናይ መርመራ መስርሕ ነዚ ክሲዚ ዝድግፍ መርትዖ ክንረኽበሉ ኣይካኣልናን። " ኣቦይ ነዚ ናይ መወዳእታ ቃል ብምስምዑ ክሃድእ ከኣለ። ካብ ኩሎም ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብዝተፈላለየ ኣብ ዩኒቨርስቲ ብዛዕባ ምስልምና ዝተመሃርኩ ኣነ ጥራይ ብምንባረይ ኣቦይ በዚ ዕጉብ እዩ ነይሩ። ስለዚ ኣነ ንምስልምና ክሓድግ ዝብል ሓሳብ ናብ ኣቦይ ክመጽእ ፈጺሙ ዘይካኣል እዩ ነይሩ። ስለዚ ኣቦይ "ነዚ ኩሉ ሽግር ናብ ወደይን ናብ ቤተይን ዘምጸአ ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ካብ ዘለዉ ገለ ሰባት ብምኽንያት ናይ ሞያ ተፈላጥነቱ ንወደይ ዝቐንኡሉን ብኽፋእ ዝጥምትዎን ሰባት ዝተጠጀአ ክኸውን ኣለዎ" ኢሉ ገመተ።

 

ኣቦይ ነቲ ዝወረደኒ ሽግር ከም ዝፈለጦ ኮይኑ ኢዩ ዚዛረብ ዘሎ። "ናይ እዚኣቶም ነገር ኣይቕረበና። ብፍጹም ኣየድልዩናን እዮም" በለ። ምስኡ ኣልጊቡ ኸኣ ኣብቲ ቤት ዕዮ ፋብሪክኡ ከም ናይ መሸጣ ዳይርክተር ኮይነ ክዓዪ ተቓላጢፈውን ስርሐይ ክጅምር ሓተተኒ። ኣቦይ ሓደ ናይ ቆርበት ንሰቡኡትን ኣንስትን ዝኸውን ናይ ቆርበት ጃኬታት ዘፍሪ ዕዉት ቤት ዕዮ (ቢዝነስ) ዚውንን ሰብ እዩ።


ሓደ ዓመት ብዘይ እምነት   

ንሓደ ዓመት ዝመልእ ጊዜ ብዘይዝኾነ ይኹን እምነት ተጎዓዝኩ። ጸሎተይ ዘቕርበሉ ዝጽወዖ ኣምላኽ ዝነብረሉ ጎይታ ዘይብለይ ግዜይ ኣሕለፍኩ። ሓደ ምሕረተኛን ጽቡቕን ኣምላኽ ከምዘሎ ይርዳአኒ እዩ። ኣየናይ ምኻኑ ግን ክፈልጥ ኣይካኣልኩን። ( እዝስ እቲ ናይ ኣስላም ኣምላኸዶ ኾን ይኸውን? ወይሲ እቲ ናይ ክርስትያናት እዩ? ወይሲ እቲ ናይ ኣይሁድ እዩ? ወይስ ከም እታ ናይ ሂንዱ ላም ገለ እንስሳዶ ይኸውን? ከመይ ጌረ ከምዝረኽቦ ብልሓቱ ፈጺሙ ጠፍኣኒ።

 ሓደ ክትርድእዎ ዘለኩም ነገር ኣሎ። ንሱ ኸኣ ሓደ ሙስሊም እምነት ምስልምና ሓቅነት ዘይብሉን ሓቂ ዘይኮነን እምነት እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ እንተደኣ በጺሑ እሞ ናተይ

ዝብሎ ወይ ከኣ ክውከሎ ዝኽእልሉ ሃይማኖት እንተደኣ ስኢኑ ናብቲ ዝኸፈአን ዝበርተዐን እዋን ናይ ህይወቱ በጺሑ ማለት እዩ። እምነት ኣብ ማእለማ ህይወት ናይ ሓደ ማእከላይ ምብራቓዊ ሰብ ዝተዋሃደት ባእታ እያ።። ንኣምላኹ ከይፈለጠ ኪነብር ዝኽእለሉ መገዲ ክሓስብ ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ።። ስለዚ እታ ዓመት እቲኣ ኣብ ውሽጢ መንፈሰይ ዝተኸሰተ ስቓይን ቃንዛን ነቲ ስጋዊ ኣካላተይ ኣማሲንዎ ነበረ። ንናብራይ ዘድልየኒ ኩሎም ነገራዊ ቀረባት ብምልኣት እንተነበረኒ እካ ኣእምሮይ ብዛዕባ መንነት እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ክሓስብ ዕረፍቲ ዝባሃል ስለዘይረኸበ ንሱ ዘስዓቦ ከቢድ ድኻም ንብዘሎ ኣካላተይ ረመሶ። ብሕማም ርእሲ ትንፋሰይ ክትመሉቕ ደለየት።። ናብ ሓደ ዘመድ ስድራ ቤተና ዝኾነ ሓኪም ከድኩ። ናይ ሓንጎል መርመራ ገበረለይ ግን ዝኾነ ይኹን ሕማም እንተዘይረኸበለይ ንግዚኡ ዝጠቕመኒ ገለ ከኒናታት ኣዘዘለይ።


እቲ ናይ ከረን ስብከት

ሕማም ርእሰይ ምግዳፍ ስለዝኣበየኒ ቀስ ብቐስ ኣብ ሰፈርና ኣብ ዝነበረት ቤት መድሓኒት ኣብ ሰሙን 2-3 መዓልቲ ዝመላለስ ዓሚል ኮይነ ተረኽብኩ። ነፍሲወከፍ መድሃኒት ዝገዝኣላ መዓልቲ እቲ ሕማም ካብ ርእሰይ ለቒቑ ንሓዋሩ ዝወጸሉ መዓልቲ ኪኾነለይ እናተተስፈኹ ቁሩብ ኪኒናታተይ ሒዘ እምለስ ነበርኩ ንሓያሎ እዋን ምስተመላለስኩ በዓልቲ ቤት ናይ ዋና ትካል ዝኾነት ፋርማሲስት "እንታይ ሽግር እዩ እቲ ኣጋኒፍካ ዘሎ?" ኢላ ትሓተኒ። ዘጋነፈኒ ነገር የብለይን። ግና ዘይትካሓድ ሽግር ኣላትኒ። ንሳ ከኣ ብዘይ ኣምላኽ ይነብር ምህላወይ ጥራይ እዩ። እቲ ንኹሉ ፍጥረትን ንዓይን ዝፈጠረ ኣምላኽሲ ኣየናይ ምኻኑ ምፍላጥ ምስኣነይ። በቃ እዚኣ እያ እታ ቀንዲ ሕማመይ እብል በልክዋ።።

 

ብድሕርዚ እዚ ዝስዕብ መልሲ ሃበትኒ።- "እሞ ንስኻ ኣብቲ ዝላዓለ ናይ ግብጺ እስላማዊ ዩኒቨርስቲ ትምህር ፕሮፌሰር እንዲኻ? ስድራ ቤትካ ከኣ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝተፈልጡን ሕፉራትን እንድዮም?" ሽዑ ኣነ መለስኩ "እወ ዝበልክዮ ሓቂ እዩ ግን ኣብቲ ትምህርቶም (ሰረተ እምነቶም) ሓሶት ዝኾኑ ነገራት ስለ ዝረኸብኩሎም ስድራ ቤተይ ኣብ መሰረት ሓቂ ዝተሃንጸ ህይወት ከምዘይብሎም እውን ስለዘረጋገጽኩ። ደጊም ምሳኣቶም ሕብረት የብልይን ዛጊት ንነብሰይ ብናይ ምስልምና ሓሶታት ጎላቢበያ እየ ዝኸይድ ነይረ ሕጂ ግና መሸፈኒ ዘይብለይ ዕርቃነይ ዝወጻእኩ ኮይኑ ይስመዓኒ ነዚ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ባዶነት ከመይ ጌረ ክመልኦ እኽእል ጥራይ እዩ እቲ ሕቶይ።" ሽዑ ንሳ "በል ሕራይ። ሕጂ እዘን ከኒናኻ ክህበካ ምስአን ግና ነዛ መጽሓፍ እዚኣ እህበካ ኣለኹ እሞ ብዛዕባኣ ዝብለካ ኣስተውዒልካ ስማዕ ቅድሚ ኩሉ ኪዳን ክትኣትወለይ እሓተካ ንሱ ኸኣ ካብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣቐዲምካ ገለ ክፋል ከየምበብካ ካብተን ከኒና ሓንቲ ፍረ እውን ትኹን ከይትወስድ።" በለትኒ ሽዑ ነቲ መጽሓፍ ሒዘዮ ናብ ቤተይ ከድኩ እሞ ተቓዳዲመ ብሃውሪ ምስ ገንጸልኩ ካብ ዝወጸትለይ ገጽ ጀሚረ ከንብብ ጀመርኩ እንሆ ኸኣ ኣዒንተይ ኣብ ማቴ 5-38 ዓረፋ " ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ ስኒ ኣብ ክንዲ ስኒ እናተባህለ ኪዝረብ ሰሚዕኩም ኣለኹም። ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማየነይቲ መልትሕካ ንዝወቕዓካ እታ ኻልአይቲ እውን ምለሰሉ፣" ዝብል ኣንበብኩ ደገምክዎ ኸኣ

 

ሽዑ ምሉእ ኣካላተይ ከንቀጥቅጥ ጀመረ ንቑርኣን ምሉእ ህይወተይ ኣጽኒዐዮ እንተኾነ ግን ንሓንሳእ እውን ይኹን ከምዚ ቃል እዚ ጌሩ ውሽጠይ ዝሰረጸኒ ነገር ኣይረኸብኩሉን እንሆ በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢለ ምስ የሱስ ክርስቶስ ፊት ንፊቱ ደው ኢለ ከምዘሎኹ ተሰምዓኒ

 

ድሕሪ እዚ ኣሰር ናይ ግዜ ጠፋኣኒ ከምዚ ኣብ ልዕሊ ኸረን ኣብ ዘሎ ደመና ኮፍ ኢለ ዘሎኹ እሞ እቲ ናይ ኩሉ ኣድማሳዊ ተፈጥሮ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሉ ብዛዕባ ምስጢራት ገነትን ብዛዕባ ልቢ ኣምላኽን ዚነግረኒ ዘሎ ኮይኑ ተሰምዓኒንመጽሓፍ ቅዱስ ምስ እቲ ንብዙሕ ዓመታት ንቑርኣን ብምጽናዕ ዝተመሃርክዎ ትምህርቲ እናኣነጻጸርኩ ከንብቦ ጀመርኩ። ብቐሊሉ ድማ ኪርድኣኒ ከኣለ ክሳዕ ንጽባሒቱ ንግሆ ምንባበይ ኣየቃረጽኩን ነበርኩ ወጋሕታ ምስኮነ ልበይ ንጎይታ የሱስ ክርስቶስ ሃብክዎ


ኣብ ድብያ ከም ዝኣቶኹ

ብድሕሪ እዚ ፍጻሜ እዚ ነቲ ፋርማሲስትን ሰበይቱን ጥራይ ንየሱስ ከም ናይ ግሊ መድሓንየይ ጌረ ከምእተቐበልክዎ ነገርክዎም ኣብ ግብጺ ዝኮነ ይኹን ሰብ ንምስልምና እንተድኣ ሓዲጉ እቲ ኩሉ ዝውሰዶ ቅጽበታዊ መደምደታ እቲ ሰብ እቲ ናብ ሃይማኖት ክርስትና ከምዝኣተወን ከም ሳዕቤኑ ድማ ኪቅተል ከምዝግብኦን ዚብል እዩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ናተይ መርገጺ ምስተሰምዐ እቶም ኣኽረርቲ ሙስሊም ንዓይ ኣድብዮም ብቃጻ ዝቐትሉ ክልተ ሰባት ኣዋፈሩ እዚ መደብ እዚ ድማ ሓደ መዓልቲ እንዳ ሓደ ዓርከይ በጺሔ እናተመለስኩ ከለኹ ተፈጸመ ኣብ ውሽጢ ከተማ ጊዛ እዩ። ናይ 15-20 ደቓይቕ ኣቢሉ ዝኸውን ጉዕዞ ተጋዒዘ ኣብ ጥቃ ገዛውትና ዘሎ ጎደና ተርሳእ እንብሎ ሰፈር በጻሕኩ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዘሎ ጎደና ርሕቕ ኢሉ ኣብ ኣንፊ ሓደ ግሮሰሪ ዱካን ደው ዝበሉ ክልተ ሰባት ርኤኹያታዊ ኣለባብሳ ዘለዎም ነዊሕ ጻዕዳ ቀምሽ ዝተኸድኑን። ነዊሕ ጭሕምን መሸፈን ርእስን ዘለዎምን ኣዮም ናይቲ ግሮሰሪ ዓማዊል ይኾኑ ኢለ ሓሰብኩ እምበር ናብ ልዕለይ ሓደጋ ዘውድቑ ሰብ ክፉእ እዮም ኢለ ኣይጠርጠርኩን

 

ኣብቲ ግሮሰሪ ምስ በጻሕኩ ደው ኣበሉኒ ሃንደበት ድማ ክልቲኦም ካራሩኦም መዘዙ እሞ ብእኡ ኪወግኡኒ ኣእዳዎም ኣልዓሉ ኣነ ዝኾነ ዝከላኸለሉ ኣጽዋር የብለይን። ሃሩር መዓልቲ ስለዝነበረ ድማ ፍኹስ ዝበለ ስረን ማልያን ተኸዲነ እየ ወጺኤ ስለዚ ርእሰይ ንምክልኻል ኣእዳወይ ዘርጋሕኩ። ይኹን እምበር ብልሒ ካራሩኦም ኣብ ኣእዳወይ ብተደጋጋሚ ኪዓልብ ጀመረ። ዝተዘጋገለ ኣእዳወይ ደምብደም ኮነ ኣብተን ዓመታት እቲኣተን ከምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮ ልሙድ እዩ ዝነበረ

    

ሰባት ብጥራይ ኢዶም ንዝባኣሱ ሰባት ኪፈላልዩን ከተዓርቑን ይፍትኑ ይንበሩ እምበር ካራሩ ኣብ ዝተሓወሶ ባእሲ ኢዱ ክእቱ ዝደሊ ሰብ ኣይነበረን። ገለ ጠበንጃ ወይ ሽጉጥ ዝመዝዝ ሰብ እንተኣጋነፈካ እሞ ከኣ ኢዱ ዘእቱ መተዓረቒ ወይ መንጎኛ ኣይትረክብን ኢኻ። ካብቶም ዘጥቅዑኒ ክልተ እቲ ሓደ ካርኡ ኣብ ልበይ ክሸኽታ እናኣነጻጸረ ይስንዝር ነበረ። ኣብ ሓንቲ ካብ ፈተነታቱ ዳርጋ ተዓዊቱ ኔሩ። ረኺቡኒ እባ ኢለ ብሓሳበይ ዕድለይ እናተጸበኹ ከለኹ ቁሩብ ንጎኒ ኣቢለ ስለተኣለኹ ብሓሙሽተ ኢንች ኣቢሉ ሰሓተኒ። ንኻርኡ ኣብ መንኩበይ ኣዕሊብዋ። ነቲ ዝተሸኸተ ካራ ምስመዘዞ ደመይ ከም ቡምባ ቡሽቡሽ እናበለ ክውርወር ረኤኽዎ። ክሳዕ ሎሚ ዝርኣየኒ መሰክሒ እዩ።

 

ሽዑ ናብ ምድሪ ወደቕኩ እሞ ንርእሰይ ክከላኸለሉ ዝኽእለሉ ዕድል ስለዘይተረፈኒ ዝዕድለይ ኢለ ከም ኩዕሶ ዕኽልል በልኩሞ መወዳእታይ ክርኢ ዓይነይ ከፈትኩ። ቀጺሉ እቲ ኻልኣይ ኣጥቃዕየይ ኣብ ጨጎራይ ወጊኡ ክብትነኒ ናብ ከብደይ ኣነጻጺሩ ካርኡ ኣምሪሑ መጸ። እንተኾነ ካርኡ ምስ ኩልቲ ዝድርበ ዝነበረ ሓይሊ ኣብ በራቒቶይ ዓለበት። ኣብታ ግዜ እቲኣ እቲ ኪፈላለ ዝጸንሐ ደመይ ሓድሽ ውሓዚ ስለዝተወሰኾ ዕውልውል ኢሉኒ ኣዒንተይ ክጽልምተኒ ጀመረ። ኣብቲ ተስፋ ዘይብሉ ህሞት እቲ ተደርብየ እንከለኹ ክልተ ፖሊስ መኮንናት ብሞተር ሳይክል እናተወናጨፉ መጹ እሞ እቶም ኣጥቃዕተይ ሃዲሞም ከዱ። ናብ ሆስፒታል ተወሲደ ረድኤት ሕክምና ተገበረለይ። ካብ ሞት ከም ዝተረፍኩ ምስ ኣረጋገጹ እቶም መኮንናት ፖሊስ መበገሲ ናይቶም ክቐትሉኒ ዝፈተኑ ሰባት ዝፈልጥ እንተኾይነ ሓተቱኒ። ዝፈልጦ ከምዘይብለይ ነገርክዎም። እንደገና ኣቦይ እውን ኣነ ንምስልምና ከምዝሓደግክዎ ዝዝረብ ዝነበረ ኩሉ ዘረባታት ንዓይ ከምኡ ይገብር እዩ ኢሉ ፈጺሙ ስለዘይከኣለ ኣብ ቅድሚ እቶም ፖሊስ ኣበርቲዑ ነጸጎ።

 

ኣቦይ ነቲ ሓቂ ከምእተገንዘቦ 

 

ኣብ ትሕቲ ኣቦይ ኮይነ ምስራሕ ቀጸልኩ።። ብዛዕባ ሓድሽ እምነተይ ምዝራብ ኣቓረጽኩዎ። እካ ደኣ ኣብ 1994 ብዛዕባ ዕድላት ምስፋሕ ዋኒን ከጽንዓሉ ኣቦይ ንደቡብ ኣፍሪቃ ልኢኹኒ ከድኩ። ኣብኡ ኣብ ዝጸናሕኩሉ መዓልታት ምስ ሓንቲ ህንዳዊት ናይ ክርስትያናት ስድራቤት ሰለስተ መዓልቲ ዝኣክል ቀነኹ። ክሰናበቶም ከለኹ ሓንቲ መስቀል ዘላታ ሰንሰለት ኣብ ክሳደይ ዝገብራ መዘከርታ ክትኮነኒ ሃቡኒ።። እዛ ንእሽቶ መስቀል እዚኣ ናይ መነባብሮይ መቐይሮ ምኽንያት ኮነት። ናብ ዓደይ ምስተመለስኩ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ኣቦይ ነታ ኣብ ክሳደይ ዝገበርክዋ ሰንሰለት ርኣያ እሞ ኣዝዩ ተናደደ። ምኽንያቱ ኣብ ባህሊ ምስልምና ኣብ ክሳደን ስልማት ክገብራ ዝፍቀደለን ደቀንስትዮ ጥራይ ብምንባረን " ስለምንታይ ኢኻ ነቲ ሰንሰለትን መስቀልን ኣብ ክሳድካ ዝገበርካዮ?" እናበለ ብቑጥዓ ሓተተኒ።

 

ድሕሪ እዚ ነቦይ ዝመለስኩሉ መልሲ መልሓሰይ ባዕላ ትዛረብ ከምዝነበረት እዩ ዝመስል እምበር ብምስትውዓል መምየ ዝተዛረብኩዎ ኣይነበረን። ከምዚ ዚብል መልሲ ሃብኩዎ። "ኣቦ እዚ ሰንሰለት ኣይኮነን። እዝስ መስቀል እዩ። እዚ መስቀል እዚ ነቲ ምእንታይን ምእንታኻን ምእንቲ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘሎ ኩሉ ካልእ ሰብውን ኪብል ኣብ መስቀል ንዝሞተ የሱስ ክርስቶስ ዝውክል እዩ። ኣነ ንየሱስ ክርስቶስ ከም ኣምላኸይን መድሓኒየይን ገይረ ተቐቢለዮ እየ። ንስኻን ኩሎም ኣባላት ስድራ ቤትና እውን ንየሱስ ከም መድሓኒኹም ጌርኩም ክትቅበልዎ እጽልየልኩም ኣለኹ። ሽዑ ንሽዑ ኣቦይ ኣብኣ ኣብታ ደው ኢሉ ዝሰምዓኒ ዝነበረ ቦታ ቀልቡ ኣጥፊኡ ወደቐ። ኣሕዋተይ ናብኡ ጎየዩ። ኣደይ ከኣ ብስምባደ ኣእወየት ነቦይ ካብቲ ዝወደቖ ደጋጊፍና ኣልዓልናዮ እሞ ማይ ኣብ ገጹ ኣፍሲስና ከነዝሕሎ ፈተንና። ናብ ቀልቡ ምስ ተመልሰ እቲ ሕርቃንን ናህርን ኣይገደፎን ነበረሞ ሕንቕንቕ እናበሎ ምዝራብ ሰኣነ። ብእዳዉ ናባይ እንዳመልከተ ርእሱ ይንቕንቕ ነበረ። ጽንሕኢሉ ኸኣ ብሕርቃን ብዝላሕተተ ድምጺ "ሓውኹም ሃይማኖት ለዊጡ እዩ። ሎሚ ክቐትሎ ኣሎኒ!" በለ።

 

ኣቦይ ናብ ዝኸዶ ኩሉ ቦታ ካብኡ ዘይትፍለ: ኣብ ትሕቲ ትሽትሹ ኣብ ናይ ቆርበት መዕጠቒ ዝተለጉመት ሽጉጥ ኣላቶ። (መብዛሕትኦም ሃብታማት ግብጺ ብረት ይሕዙ እዮም።) ሽጉጡ መዚዙ ድማ ናባይ ኣቕናዓ። ካብኡ ነጢረ ህድማ ጀመርኩ በታ ቀዳመይቲ ጎደና እናሸኾኽኩ ክሃድም ከለኹ ጠያይቲ ክትኮስን ሽሽ እናበለ ተሃንቢቡ ክሓልፍን እሰምዖ ነበርኩ። ሽዑ ነብሰይ ከድህን ከየዕረፍኩ ጎየኹ። ገዛ ኣቦይን ዝፈትዎም ስድራይን ንዘልኣለም ሓዲገዮም ንኣስታት ሓደ ኪሎሜተር ዝኸውን ብናህሪ ጎየኹ። ገዛ ሓፍተይ ብሸነኽ ቅድመይ ስለ ዝነበረ ናብኡ ኣቕናዕኩ ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ተቐላጢፈ ንሓፍተይ ንኽትሕግዘኒ ተማሕጸንክዋ። እንዳዓለቦይ ከይደ ፓስፖርተይን ክዳውንተይን ሰነዳተይን ጠራኒፋ ከተምጽኣለይ ለመንክዋ። ንሳ ግን ደንጽይዋ ምኽንያትን መበገሲ ናይዚ ኹሉ ተብተብ ክነግራ ሓተተት። "ኣቦይ ክቀትለኒ ስለዝደለየ" በልክዋ። ሽዑ ብዝያዳ ተረበሸት። ኣቦይ ስለምንታይ ንዓይ ንወዱ ክቐትለኒ ይደሊ ከምዘሎ ከይነገርክዋ ምንም ክትሕግዘኒ ከምዘይትኽእል ኣፍለጠትኒ። ሽዑ "ኣይፈልጥንየ እንተደሊኺ ነቦይ ሕተትዮ።" በልክዋ።

 

ሃዲመ ምስ ኣምለጥክዎ ኣቦይ ናበይ ከምዝኸይድ ኣጸቢቑ ፈሊጡ ነበረ። ምኽንያቱ ምስ ሓፍተይ ጥቡቕ ምቅርራብ ከምዘለኒን ገዝኣ ኸኣ ኣብ ኣንፈት እቲ ዝሃድመሉ ዘለኹ ስለዝርከብ። ኣብኡ ከምዘይ ስእነኒ ገሚቱ እግርእግረይ ይስዕበኒ ኔይሩ። ኣነን ሓፍተይን ዘረባና ከይወዳእና ከለና ኣርከበናሞ: እናገዓረን ንብዓቱውን ብገጹ እንዳወሓዘ ነቲ ማዕጾ ክድግድጎ ጀመረ ። " ማዕጾ ክፈትዮ ። ኣቲቖልዓ!" ድማ በለ ። ኣስዒቡ ኸኣ " ፈሊጠኪ ኣሎኺ ሓውኺ ሃይማኖት ለዊጡ እዩ። ንምስልምና ጠንጢንዎ ሞይትና ኢና ኣቲ ሞይትና! ኢና ዋይኣነ!" እናበለ ሓንሓነ። ሓፍተይ ነቲ ማዕጾ ከፊታ ከተረጋግኦ እናፈተነት " ሓወይ ደኣ ኣብዚእካ ዘየሎ ኣቦ!" ዕርፍ በል ሓንሳእ ድሓር ኣብ ገዛ ኩልና ክንዘራረብ ኣይሓይሽን? በጃኻ ኣቦይ !...." ኣናበለት ኣእተወቶ። ኣህዲኣን ኣብ ዝኸድክዎ ቦታ ረኺባ ንዓይ ንገዛ ከተምጽኣሉ ምኻና ኣእሚናን ኣፋነወቶ። ብድሕርዚ ሓፍተይ ብኩነታተይ ደንገጸትለይሞ ናብ ገዛ ወለድና ከይዳ ዘድልየኒ ነገራት ጠራኒፋ ኣምጽኣትለይ። ናታን ናይ ኣደይ ሓገዝ ገንዘብ እውን ረኸብኩ ከምዚ ኢለ ድማ ካብ ሓፍተይ ተፋንየ ብዕለት 28,1994 ኣጋምሸት ኣብ ማኪናይ ኣትየ ጉዕዘይ ጀመርኩ፣

 

መገሻይ ብመሬት ስለ ዝነበረ: ብሰሜን ግብጺ ናብ ሊብያ ሰጊረ: ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ዝወሰደለይ ብዙሕ ሽግርን መከራን ዝርኣኹሉ ጉዕዞ ካሜሩን በጻሕኩ። ኣብኡ ብዙሕ ከይጸናሕኩ ኸኣ ጉዕዞይ ቀጸልኩ። ኮንጎ ድማ ኣቶኹ። እታ ሃገር ብዓሶ እያ ተቐባቢላትኒ። ኣጋጣሚ ሓደ ግብጻዊ ሓኪም ተደልዩ ተረኽበ መርሚሩ: - ሙማተይ ካብ ንጽባሒቱ ንግሆ ከምዘይሓልፍ ነገረኒ። ሬሳይ ናብ ግብጺ ንምምላስ ክዳለዉን: ናይ ሬሳ ሳንዱቕ ሒዞም መጺኦም ኪወስዱንን ንኢምባሲ  ግብጺ ኣብ ኮንጎ ነገረለይ።

 

ንጽባሒቱ ንግሆ ግን ኣነ ካብቲ ዝደቀስክዎ ተበራቢረ ተንሳእኩ። ጥዕየ ድማ ደው በልኩ። እቶም ኩሎም ዝረኣዩን ዝሰምዑን ብኣድናቖት ክሳዕ ዘንቀጥቅጡ ኮኑ። ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታት ምሉእ ብምሉእ ጥዕየ ካብቲ ሆስፒታል ወጻእኩ። ንዝረኸብክዎ ሰብ ኩሉ ጎይታ የሱስ ዝገበረለይ ተኣምራት እናነገርኩ ክዘውር ጀመርኩ።

 

ህይወት ከም ሰዓቢ ክርስቶስ

 

ንጎይታ የሱስ ከም ጎይታይ ጌረ ካብ ዝቅበሎ ዓሰርተ ዓመት ሓለፉ ኣሎ። የሱስ ንዓይ ጸዊዑንን: ምስልምና ፈጺሙ ክህበኒ ዘይከኣለ ካልእ ነገር ድማ: ምስኡ (ምስ የሱስ) ናይ ብሕቲ ርክብ ሂቡንን ኣሎ።

 

ስለቶም ድሕረይ ዝገደፍክዎም ህዝበይ ዝኾኑ ኣስላም: ካብ ምጽላይን ምምላድን ከይተቖጠብኩ  ንጎይታ ካብ ናይ ምስልምና ጸልማት ከውጽኦምን ከናግፎምን ለይቲ ምስ መዓልቲ እልምኖ ኣለኹ። ነዚ ዝስዕብ ገጻት ከተንቡ ከለኹም  እዚ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምኻኑ ክትሪኡ ኢኹም። ናይ ምስልምና ትምህርትታት ነቶም ብስም "ኣላህ" እቲ ዝኸፍአ ጥፍኣት ክፍጽሙ ዚኽእሉ ኣሸበርቲ ኣፍሪዩ።

 

ሎሚ ዓለም ብምልእታ። ምስልምና እንታይ ከም ዝምህር ክትፈልጥ ትደሊ። ብዛዕባዚ ኣዝዩ ብዙሕ ሓበሬታታት ብመገዲ መራኸቢ ብዙሓን: ኢንተርኔት ተመሓላሊፉ ኣሎ። ናተይ ዕላማ እምበኣር እዞም ሰባት እዚኦም ነቲ ዝገብርዎ ስለምንታይ ከም ዝገብርዎ ተነጺሩ ንኽትርእይዎ እዩ:: ይኹን እምበር ናብ ቁጥዓ ከለዓዕለኩም ኣይደልይን። ኣነ ከለዓዕለኩም ዝደሊ ንኽትኣምኑ ማለት ንግድነት ምውዳቕ ምስልምናን ምፍታሕ  ኩሎም እሱራቱን እዩ።

ብስም የሱስ ኣሜን።

 

 

Comments
Add New Search
Write comment
Name:
Email:
 
Title:
Please input the anti-spam code that you can read in the image.
{poweredby} {poweredby}

3.26 Copyright (C) 2008 Compojoom.com / Copyright (C) 2007 Alain Georgette / Copyright (C) 2006 Frantisek Hliva. All rights reserved."

Last Updated ( Monday, 25 May 2009 )
 
< Prev   Next >
 
  • ኣገልገልቲ
    ኣገልገልቲ እንታይ ይብሉ
    Letter5

    ሰክቡራትን ፍትዋትን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንዓኻትኩም ይኹን፣ እዚ ዘለናዮ እዋን....

  • ደቀንስትዮ
    ደቀንስትዮ እንታይ ይዛረባ? Welcome

    ክቡራትን ፍቑራትን ኣሕዋትን ኣዴታትን ኣዋልድ መንእሰያትን ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንዓኻትክን ይኹን። ኢሂን ምሂን እትብላሉ ብዛዕባ መንፈሳውን.........

  • መንእሰያት
    ካብ መንእሰያት ናብ መንእሰያት
    Letter3

    ሰላም ሰላም ንዓኻትኩም ኣብ ፈቐዶ ቦታታትን ሃገራትን ዘለኹም መንእሰያት። ጸጋን ሓጎስ ኣምላኽን ምሳኹም ይኹን። እንሆ ሓሳብኩም እትገልጽሉ ህርመት ልብኹም እትዛረቡሉ ርእይቶኹም ከኣ እትህቡሉ መድረኽ ተኸፊቱልኩም........

Advertismnet!

Our Favorite Links

www.bible.org
Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

Christ for all Nations, Cfan
cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
http://www.cfan.org
 
Release Eritrea!
release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha

Who's Online

We have 17 guests online
  • tigrina
  • English

Agelglot.com

Compassdirect.org

Syndicate


EGMM pro Mezmur

EGMM PRO MEZMUR  

EGMM pro Sbket

EGMM PRO SBKET  

EGMM pro Books»

EGMM ORO BOOKS 

Active Quiz»

Active Quiz 

EGMM PRO REDIET»

EGMM PRO REDIET