Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Friday
Sep 03rd
Home
ዮውሃንስ መጥመቕ ኣገልጋሊ ጽድቂ PDF Print E-mail
Wednesday, 15 August 2007
Imageኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ዝተጻሑፉ ማእለያ ዘይብሎም ናይ ኣምላኽ ሰባት ተጻሒፎም ዘለዉ ንዓና ንትምህርትና ክኸውን እዩ ታሪኾም ተጻሒፉልና ዘሎ፣ ተማሂርና ጥራይ ስቕ ክንብል ዘይኮነስ ካብኡ ሓሊፍና ከኣ ኣርኣያ ናቶም ሒዝና ክንከይድ እዩ፣ ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ክምዕደና ኸሎ ዝተዛረቦ ነገር ኣሎ እዩ ንሱ ኸኣ ኣሰር ኣሰር እቶም ጽድቂ ዝስዕቡ ሰዓቡ ዝብል እዩ፣  ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ተጻሒፎም ዘለዉ ናይ ኣምላኽ ሰባ ብዛዕባ ኣብ ቡሉይ ኪዳን ብትንቢት ዝተነግረሉ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከኣ ዝትገልጸ ብዛዕባ ዮውሃንስ መጥመቕ ቁሩብ ክንሪኢ ኢና፣ ብፍላይ ዮውሃንስ መጥመቕ ዝነብሮ ባህሪ ከመይ ከም ዝነበረ ክንርኢ ኢና፣

ኣመጻጽኣ የውሃንስ መጥመቕ

የውሃንስ ካብ ንኣምላኽ ዝፈርሑ ስድራ እዩ ትወሊዱ፣ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ስድራቤት ዮውሃንስ መጥመቕ ክዛርብ ከሎ ከምዚ ይብል “ብዘመን ንጉስ ሄሮዶስ ንጉስ ይሁዳ ካብ ክፍሊ ኣቢያ ዝካርያስ ዝበሃል ካህን ነበረ፣ ካብ ኣዋልድ ኣሮን ከኣ ኤልሳቤጥ ትበሃል ሰበይቲ ነበረቶ፣ ክልቲኣቶም ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቃን ነበሩ፣ ብኹሉ ትእዛዝ እግዚኣብሄርን ሕጋጋቱን ብዘይጉድለት ዚኸዱ ነበሩ፣ ኤልሳቤጥ መኻን ነበረት እሞ ዉሉድ ኣይነበሮምን ክልቲኣቶም ከኣ ዕለቶም ዝሓልፎም ኣረግቶት ነበሩ”፣ ሉቃ 1።5-7 የውሃንስ እምበኣር ካብ ኣርግቶት ስድራ ዝመጸ ናይ ተኣምራት ዉሉድ እዩ፣

ብፍላይ ብዛዕባ ኣመጻጽኣ የውሃንስ መትመቕ ክንሓስብ ከሎና እንመሃሮ ዓቢ ትምህርቲ ኣሎ እዩ፣ እቲ ጹሑፍ ከም ዝምህረና ስድራ ቤት ዮውሃንስ መጥመቕ ማለት ዘካርያስን ኤልሳቤጥን ብኹሉ መንገዶምን ግብሮምን ንኣምላኽ ባህ ዘብሉ ልቢ ኣምላኾም ከኣ ዘቕሰኑ ሰባት እዮም ኔሮም፣ ከምዚ ክነሶም ግና ሓደ ዓቢ ዝኾነ ብድሆ ኔርዎም እዩ፣ ንሱ ኸኣ ዉሉድ ኣይነበሮምን፣ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኸኣ ዉሉድ ዝረኽቡሉ መዓልቲ እውን ሓሊፉ እዩ፣ ነዚ ድማ እዩ መልኣኽ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ዘካርያስ ስለ ዉሉድ ዝጸለዮ ጸሎት መልሲ ክንገሮ ምስ መጸ ጋን ዝኾኖ፣

 እስከ ነቲ ቓል እንታይ ከም ዝብል ንርኣ ድማ ዮ “እቲ መልኣኽ  ድማ በሎ ዘካርያስ ጸሎትካ ተሰሚዑልካ እዩ እሞ ኣይትፍራህ ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ክትወልደልካ እያ ሱሙዉን የውሃስ ክትሰምዮ ኢኻ”  ሉቃ 1።13 ዘካርያስ ከኣ ነዚ ምስ ሰመዐ ምእማን ጸገሞ እሞ ነቲ መልኣኽ ኣምላኽ ከምዚ በሎ “ዘካርያስ ከኣ ነቲ መልኣኽ ኣነ ኣሪገ እየ ሰበይተይ ከኣ ዕለታ ሓሊፉ እዩ እሞ ነዚ ብምንያት ክፈልጦ እየ በሎ” ብርግጽ ኣዚ ንካህን ዘካርያስ ካብቲ ንኽቅበሎ ዝተሸገረሉ ነገር እዩ ኔሩ፣

 ብዝሑ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እናተመላለስና ክንሰና ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ዘጋጡሙና ብዱሆታት ኣለዉ እዮም፣ ኣብ ዙርያ ዘካርያስ ዝነብሩ ምስ ኣምላኽ ዘይመላለሱ ቤተሰብ ዉሉድ ከም ዝነበርዎም ፉሉጥ እዩ፣ ብዓይኒ ፍትሒ ካብኦም ንላዕሊ ዉሉድ ክህልዎም ዝግብኦም እንዳ ካህን ዘካርያስ እዮም፣ ኩሉ ጊዜ ሓሳብ ኣምላኽን ሰብን ግና ኣያስንነን መራኸብ እውን የቡሉን፣ እንዳ ካህን ዘካርይስ ብሰንኪ እዚ ዝነበሮም ጸገም ብኡ መጠን ዝነበሮም ስቓይን ውርደትን ዓቢ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ እቲ ዘሐጉስ ግና እዞም ሰባት እዚኣቶም ገና እሙናት ኮይኖም እዮም ንኣምላኽ ዘገልግሉ ዝነበሩ፣ ብዘየገድስ ኩነታቶምን መኻንነቶምን ንኣምላኽ ካብ ምፍራህን ንቓሉ ካብ ምእዛዝን ድሕር ኣይበሉን? እስከ ናብ ገዛእ ርእስና ንመለስ ኣገልግሎትና ኣብይን ብኸመይን ዝተሞርከሰ እዩ? ነገርካ መሊኢልካ ድሌት ልብኻ ረኺብካ ንኣምላኽ ምእማንን ምግልጋልን ኩሉ ዝኽእሎ ቀሊል እዩ፣

ኣብቲ ብቅድስና እናተመላለስካ ክንስኻ ነገራትካ ምስላጥ ዝኣበየካ እዋንን ሰዓትን ግና እሙን ኮንካ ምግልጋል ቀሊል ኣይኮነን የግዳስ ብጸጋ ኣምላኽ ይከኣል እዩ፣ ከምቲ ሓረስታይ ደበና ርእዩ ዘይዘርእ ንሕና ኸኣ እቲ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበና ናይ ክህንነት ሓላፍነት ክንዓምም ኩነታትናን ጉድለትናን ከይርኣና ብተኣማንነት ክንፍጽም ከሎና እዩ በረኸትን ዓወትን ዝመጽእ፣ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ስለ ዝኾንካ ጥራይ መገድኻ ንጹፍ ኩሉ ነገርካ ሙሉእ ማለት ኣይኮነን እኳ ደኣ እቲ ዝዓበየ ብድሆን ፈተናን ዘለዎ ኣገልጋሊ እዩ፣ ካብ ኩሉ ንላዕሊ እሙን ኮይኑ ከገልግል ዘለዎ ኸኣ ንሱ እዚ ኣገልጋሊ እዩ፣

 ሃዋርያ ጳውሎስ ክዛረብ ከሎ “ግናኸ እቲ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ካብ ኣምላኽ እምበር ካባና ምእንቲ ከይከውን እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎ፣ ብኹል ወገን ንጽቀጥ ግናኸ ኣይጸበናን እንገብሮ ይጠፍኣና ግናኸ ተስፋ ኣይንቐርጽን፣ ንስጎግ ድርቡያት ግና ኣይኮናን ይደፍኡና ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና፣ ህይወት የሱስ ኣብ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድውን ኩሉ ሳዕ ሞት የሱስ  ኣብ ስጋና ንጸውር ኣሎና” 2ቆሮ 4።7-10፣

ሓቂ እዩ ኣባና ሓይሊ ኣምላኽ ክገሃድን ክስልጥንን ኣብ መንገድና ከምዚ ጳውሎስ ዝበሎ ቡዙሕ ኢና ንሓልፍ፣ እቲ ዘሕጉስ ግና እዚ መንገዲ እዚ መወዳእቱእ መንገዲ ክብርን ዓወትን እዩ፣ ካህን ዘካርያስን ኤልሳቤጥን ድማ ኣብ ቤቶም ዝነበረ ኩነታን ጸቕጥን ውርደትን ብዘይገድስ እሙናት ኮይኖም ንኣምላኾም የገልግሉ ነበሩ፣ ኣምላኽ ከኣ ነቶም ነገራትን ከይጠመቱ ይዒንቶም ናብኡ ጌሮም ሓልፍነቶም ንምዕማምን ንዕኡ ከሕጉሱ ኸኣ ዝጓዓዙ ሰባት ኣብ ዘመናት ኩሉ ኣ ሕፊርዎምን ኣኽሲርዎምን ብፉጹም ኣይፈልጥን እዩ፣ የዒንቲ እግዚኣብሄር ወትሩ ናብ ኣቶምን ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ጸሎቶምን እዩ፣ እዮብ ባርያ ኣምላኽ ኩሉ ከለዎ ንኣምላኽ እሙን ኔሩ፣ ኩሉ ምስ ተሓድገን ምስ ሰኣነን ከኣ ንኣምላኽ ኣዚዩ እሙን ኔሩ፣ ንኣምላኽ ምግልጋልን ምስ ምህላውን ዘይምህላውን ምትሕሓዝ ብፉጹም የብሉን፣

ካልእ ካብ ህይወት ስድራቤት የውሃንስ መጥመቕ እንመሃሮ ነገር ከኣ ኣሎ፣ ንሱ ኸኣ ዘካርያስን ኤልሳቤጥን ዉሉድ ክረኽቡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸልዮም እዮም፣ ግናኸ ጸሎቶም ከይተሰምዐ መዓልታቶም ሓሊፉ፣ ንሶም ተስፋ ቖሪጾም ረሴዖሞ፣ ዉሉድ ክረኽቡ ዝነበሮም ተስፋ ኸኣ ኩሉ ማህሚኑ፣ ግናኸ እቲ ኣብ ሰማይ እዚ ዝፋኡ ከኣሊ ኹሉ ኣምላኽ ጸሎትን ልመኣን ንብዓትን ደቁ ብፉጹም ክርስዕ መዓስ ይከኣሎ? ኣምላኽ መስተውዓሊ እዩ ዝገብሮ ዘበለ ኹሉ ኸኣ ይፈልጥ እዩ፣

ብዙሕ ግዜ ኣምላኽ ዝደንጎየና ዝመስለና ሰዓታት ሒደት ኣይኮነን ብኡ ተሰኒፍና ተስፋ ዝቖረጽናሉ እዋን ውን ቀሊል ኣይኮነን፣ ኣምላኽ ንእንዳ ዘካርያስ ክሳብ መወዳእታ ክሳብ ኣብቲ ዘይከኣል ደረጃ ዘብጸሖም ንዝበለጽን ንተኣምራትን ንኽብርን ክኸውን መታን እዩ፣ እቲ ተኣምራታዊ ዮውሃንስ ክውለድ እንተኾይኑ ናይ እንዳ ዘካርያስ ኩሉ ነገር ክመውት ኣለዎ፣ ሎሚ ኩሉ ነገር ተወድኢ ኣላሽ ዝበልናሉ ነገር ንክብሪ ኣምላኽ ምኻኑ ክንግረኩም ይፈቱ፣  

እቲ ናትና መወዳእታ ናይ ኣምላኽ መጀመርያ እዩ፣ ኣምላኽ ዘጸብየና ጸሊኡና ዘይኮነስ መታን ሓደ ኩቡር ነገር ክህበና እዩ፣ ኣምላኽ ነቶም ናቱ ተራ ነገር አይኮነስ ሕልፍ ዝበለ ነገር እዩ ዝገብረሎም፣  

ኣምላኽ ኣብ ቤት ዘካርያስ ዝገበሮ እውን እዚ እዩ፣ ነዚ ድማ እያ ኤልሳቤጥ  ከምዚ ዝበለት “ድሕሪ እተን መዓልታት እቲኤን ኤልሳቤጥ ሰበይቱ ጠነሰት እሞ ጎይታይ ንኣይ ብዝረኣየለን መዓልታት ሕስራነይ ካብ ማእከል ሰብ ምእንቲ ኼርሕቕ ከምዚ ገበረለይ ኢላ ሓሙሽተ ወርሒ ነፍሳ ሓበኤት” ሉቃ 1።24-25 ኣብቲ ምዕራፍ ትሕት ኢሉ ኸኣ “ኤልሳቤጥ ክትወልድ ኣዋርሕ በጽሔ ወዲ እውን ወለደት፣ ጎረባብታን ኣዝማዳን ድማ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኸም ዘዕበየላ ሰሚኦም ምስኣ ተሓጎሱ” ካብ ኣምላኽ ኣብ ግዜኡ ዝመጽእ ኩሉ ሳዕ ንሓጎስን ንበረኸትን ንተኣምርታን እዩ ዝኸውን፣ የውሃንስ ከኣ በዚ መንገዲ ስለ ዝመጸ እዩ ንቡዙሓት ንበረኸትን ንፈውስን ዝኾነ፣

ናብ ኣምላኽ ዝጸለናዮ ጸሎት ኩሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካብታ ዝጸአናላ መዓልቲ ጀሚሩ ተሰሚዑ እዩ፣ እቲ መልሲ ግና ናይ ኣምላኽ እዩ በዓሉ ኸኣ ኣብ ምድቡ ኢዜ ክምልሶ እዩ፣ ሓቂ እዩ ተስፋ ዝቖረጽናሉ ጸሎትና ዝረሳዕናሉ ኣጋጣሚ ኣሎ ኣምላኽ ግና ኣይርስዕን እዩ፣

ሓደ ጊዜ ኣብቲ ኣልኣዛር ሓሚሙ ንሞት ዝበጻሓሉ ኣግጣሚ ከይሞተ እንከሎ ማርታን ማርያምን ፈተውቲ የሱስ ብዛዕባ ምሕማም ኣልኣዛር እንኮ ዝፈትዎኦ ሓውን ናብ የሱስ መልእክቲ ለኣኻ፣ ከምዝፍውሶ ኣሚነን እየን መልእኽቲ ዝለኣኻ፣ የግዳስ የሱስ ኣብቲ ንሰን ዝደለየኦ ጊዜን ሰዓትን ኣይመጸን፣ ብኣንጻሩ ኣልኣዛር ምስ ሞተ ምስ ተቐብረ ምስ መሽመሽ እዩ ናብቲ ቦታ ዝመጸ፣ የሱስ ኣብዚ እንተትህሉ ሓወይ ኣይምሞተን እንባለ ኣግሮምረማ ብኻልእ ኣዘራረባ ሽዕ ልማኖና ሰሚዕካና እንተ ትኸውን እዚ ኣይምኾነን ኔር እየን ዝብላ ዝነበራ፣ የሱስ ግና ኣብቲ ክመጸሉ ዝባእ ሰዓት መጽዩ ነቲ ዝሞተ ሬሳ ህያው ጌርዎ፣ ጸሎተን ሰሚዕዎ እዩ ግና ኸኣ ኣብቲ ንሱ ዝደልዮ ሰዓት እምበር ኣብ ጊዜኤን ኣይመጸን፣ ካብቲ ዝሓሰብኦ ንላዕሊ ኸኣ መሊሱለን፣

 ሎሚ ኸኣ ኣብ ህይወትና እናጸሎና ኸሎና ነገርና ዝሞተና ሰባት ዶ ኣሎና? የሱስ ክመጽእ እዩ፣ ንሱ ለምኑ ክወሃበኩም ድለዩ ክትረኽቡ ዝበለ ኣምላኽ ዘይኮነን? እሞ ኣምላኽ ከይሕሱ ሰብ ኣይኮነን ከይጠዓስ ከኣ ወዲ ሰብ ኣይኮነን ዝበሎስ ኣይገብሮን ዝተዛረቦ ኸ ኣይፍጽሞን ዶ? ስለዚ ነዚ ኣሚኑ ብኣምላኽ ተስፋ ጌርና ኣብቲ ዘፍቅረና ስሌና ክብል ከኣ እቲ እንኮ ሓደ ወዱ ከይበቐቐ ዝሃበና ኣምላክ ተስፋ ንግበር፣ ነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ከም ምኽሩ እውን ዝተጸውዑ ኩሉ ነገር ንሰናዮም ከም ዝድግፎም ንፈልጥ ኢና ከም ዝተባህለ፣ ኩነታትና ይጸብቕ ኣይጸብቕ ጸሎትና ይመለስ ኣይመልስ ንኣምላኽ ከነግልግል ንሱ ኮታ እንተ ዝድግፈና፣

ካልእ ካብ ስድራቤት ዮውሃንስ መጥመቕ እንመሃሮ ነገር እንተሎ እዚ እዩ፣ ኣብ ቤት ኣምላኽ እናገልገልካ እንከለኻ ንኣምላኽ ዘይምእማን ከምዘሎ እዩ፣ ዘካርያስ ካህን እዩ፣ ኣብ ታሪኽ እውን እግዚኣብሄር እንታይ ከምዝገበረን ከምዝሰረሐን ርእዩ ኣሎ እዩ፣ ምንም እኳ ሰበይቱ መኻን እንተ ነበረት ኣምላኽ ግና ኣብ ዘመናት ኩሉ መኻናት ማህጸነን ከፊቱ ዉሉድ ክህበን ከሎ ኣንቢቡን ሰሚዑን ኣሎ እዩ፣

ኣብ ቤት መቕደስ እትዩ ዕጣን ንኣምላኽ ከዕርግ ከሎ እውን ኣምላኽ ኣብርሃም ኣምላኽ ኢሳቕ ኣምልኽ ያቆብ እናበለ እዩ ዘመልኽን ንኣምላኽ ዘኽብር፣ እዞም ሰባት እንተርኢናዮም ከኣ ኣንስቶም መኻናት ዝነበራ ግና ኣምላኽ ማህጸነን ዝኸፈተለን ሰባት እየን፣ ንኣብነት ሳራ ኣብ እርግናኣ እይ ንኢሳቕ ወሊዳ፣ ሰይቲ ኢሳቕ ርብቃ እንተርኢናያ እውን ድሕሪ ቕንደይ ምህለላ እያ ንያቆብን ንኢሳቕን ዝወለደቶም፣ ሰይቲ ያቆብ ራሄል እንተሪኢና እውን ድሕሪ ኽንደይ ግዜ እያ ንዮሴፍን ቢንያምን ረኺባ፣ ካህን ዘካርያስ ከኣ ነዚ ናይዚኣቶም ኣምላኽ እዩ ዘምልኽ ዝነበረ፣ እንተኾነ ነዚ ብመልኣኽ ዝተባህሎ መልእኽቲ ምእማን ጸጊምዎ፣ ክሳብ እቲ ዝፍጸም ከኣ ዓባስ ኮይኑ፣

ኣምላኽ ዝበለና ብሰንኪ ዘይምእማና ኣብ ህይወትና እነምጾ መርገም ክንደይ ኮን ዓቢ እዩ? ኣምላኽ እንተ ኢሉ ተወድኡ እዩ፣ ኣብ መንጎ ማርያምን ካህን ዘካርይስን ዝነበረ ፍልልይ እዚ እዩ፣ ማርያም ኣብ ታሪኽ ዘመና ድንግል ክትወልድ ሰሚዓ ኣይትፈልጥን እያ ኣብ ታሪኽ እውን ኣይነበብትን፣ ንቡር ከኣ ኣይኮነን፣ እቲ መልኣኽ መድሓኒ ክትወልዲ ኢኺ ክብላ ከሎ ከምይ ኢሉ ይኸውን ኢላ ሓቲታቶ፣ እቲ መልኣኽ ከምቲ ንዘካርያስ ዝበሎ ስለምንታይ ኢሉ ኣይተቖጠዓን ብኣንጻሩ ንኣምላኽ ዝሰኣኖ ከምዘየለ ምስ ገለጸላ እያ ኣሜን ንባርያኻ ከም ቃልካ ይኹነለይ ዝበለት፣ ሎሚ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝንገረና ቓል ከምዘለዎ ክንቅበሎ ኸለና ጥራይ እዩ ኣድማዒ ዝኸውን፣

 ነዚ ኸኣ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ተስሎንቄ ነቲ ቃል ኣምላኽ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልክምዎ ኣባኻትኩም ዝዓይን ዝሰርሕን ዘሎ ኢሉ ዝነኣዶም፣ ሎሚ ንቓል ኣምላኽ ከም ቃል ኣምላኽ ክንቅበሎ ከሎና ጥራይ እዩ በረኸትን ፈውስን ጸምጻልና፣ ኣብ እብራውያን ከኣ እቲ ቓል ብእምነት ምስኦም ስለ ዘይሓበረ ኣይጠቐሞምን ተባሂሉ ተጻሒፉ ኣሎ እሞ ካብዚ ነፍስና ክትሕሎ ኣምላኽ ንቓሉ ዝቕበል መንፈስ ከብዘሓልና ንጸሊ፣ ደበና እኳ እንተዘይሃለወ ንፋስ እውን እንተዘይነፈሰ ኣምላኽ ግና ንቓሉ ከምዝገብሮ ርጉጻት ንኹን፣

 እታ ኣብ 2ነገስት 4 ምዕራፍ ተጠቂሳ ዘላ ሰይቲ ነቢይ ኣብቲ ዝተጨነቐትሉ እዋንን ሰዓትን ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ነቢይ ኤልሳእ ምስ ከደት ነገራ ምስ ኣፍሰሰት ንሱ ከኣ እንታይ ኣለኪ ኢልዎ ንሳ ኸኣ በጀካ ሒደት ዘይቲ ካልእ የብለይን ኢላ ምስ ነገረቶ ኪዲ ካብ ጎረባብቲ ጎይብታት ኣምጽኢ እቲ ዘይቲ ኸኣ ናብኡ ምልእዮ ንዕኡ ሸጢኪ ኸኣ ዕዳኺ ከፊልኪ በቲ ዝተረፈ ኸኣ ብእኡ ተናበሪ፣ ኣይገርምን እንታይ እዩ ዝብላ ዘሎ እዚ ብተሓሳስባ ስነ ፍልጠን ሰብን ዕሽነት ዘይኮነን? የግዳስ ነቲ ዕሽነት ዝመስል ናይ ኣምላኽ ቃል ተኣዚዛ ኸደት እምበር ካልእ ተወሳኺ ሕቶታትን ምኽንያታትን ኣየቕረበትን ከምቲ ዝተባህላ ኸኣ በረኸት ጥራይ ዘይኮነ በርኸት ምስ ተረፉ ረኺባ፣ እዚ እዩ እምነት፣ ኣብቲ ዘይብልካ ዘይከውን ዝመስል ንኣምላኽ ኣሚንካ ምስኡን ምስቃልን ደውኢልካ እሜን ምባል እዩ፣

Comments
Add New Search
zeregaber Moghes   |195.229.241.xxx |2010-06-07 05:32:44
Dear Sir/ Madam,

The content of the passage is good. You have reminded me
that "Christianity is a life style no matter what is the circumstance".
Thank you may God bless you.

Even though it such a good text but I feel the
content and the title are not matching or the passage is not complete.
Write comment
Name:
Email:
 
Title:
Please input the anti-spam code that you can read in the image.
{poweredby} {poweredby}

3.26 Copyright (C) 2008 Compojoom.com / Copyright (C) 2007 Alain Georgette / Copyright (C) 2006 Frantisek Hliva. All rights reserved."

Last Updated ( Tuesday, 21 August 2007 )
 
< Prev
Headline
  • Pause
  • Previous
  • Next
1/10
 
Daily devotion
‎ከምቲ ኣምላኽ ዝርእዮ ምርኣይ‎ ኣብ 1ይ ሳሙኤል እግዚኣብሄር ንሳኦል ዝትክእል ንጉስ ክቐብእ ምስ ደለየ ንሳሙኤል ናብ እንዳ እሰይ ልኢኽዎ። ሳሙኤል ከኣ ዘይቲ ኣብ ቀርኒ ሒዙ ድሕሪ ም...
 
Teaching
‎ደቀ መዝሙርነት ብሓደ ዓይነት ቅርጺ 'ዶ?‎ ራንዲ ዲ ሬይስብሩክ*  ካብ ኣገልግሎት ደቀ መዝሙርነት ተመክሮኡ "ኩኪስ ካተር" ዝብል ሓደ ጽሑፍ ኣቕሪቡ ኔሩ። መታን ክንመሃረሉ ትሕዝቶኡ...
Cell Group Material
ዉሕሉል ኣገባብ ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስ መእተዊ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጸ ቓል ስለዝኾነ፡ ኸም ዉሉድ ኣምላኽ መጠን ግዜ ወሲድካ ከተንብቦን ከተጽንዖን ይግባእ። መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣ...
 
Character Study
ህይወት ዳዊት ሰብ ኣብ ጌጋ ብዘለዎ ኣረኣእያን ካብኡ ዝወስዶ ትምህርትን ኣብ ሰለስተ ክንመቕሎ ንኽእል፣     ቀዳማይ። ጌጋ ዝገብር እሞ ጌጋ ከምዝገበረ ተረዲኡ ...
 
Witness
Image ቃለ-መሕትት ምስ ዘማሪት ምስ ሰላም ሓጎስ 2004 ሀ. ሕሉፍ ታሪኽ ህይወት 1.      ብዛዕባ ገዛእ ርእስኺን ድሕረ ባይታኽን ኣተዓባብኽን መዕለልክና ዶ ?  ስመይ ሰላም ሓጎስ እበሃል።...
   
News
Image መልሲ ንሰብ ሓዳር ንኣብ ሓዳር ዘጋጥሙ ሕቶታትን ብድሆታትን እትምልስ ብግልጽነት ንዘሎና ጸገማት ሓዳር እተርኢ ብቡርስን ኬሮል ብሪትንን ዝተጻሓፍት ብሓው ዮናስ ወልደርፉ...
Social Issue
Image ንመንእሰይ ዕውታት ዝገብርዎ ባእታታት 3ይ ክፋል 3 ብዛዕባ ካልኦት ሰናይ ኣረኣእያ ምምዕባል። ሎሚ ኩሉትና ኣብዛ ምውድዳርን ዝናን ዝበዛሓላ ዓለም ኢና ንንበር ዘሎና። ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ወዲ ...
     
 
  • Send Postcard !
  • Advertismnet!

    ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ  ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንመላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መገዲ መራኸቢ እንዝርግሕ ክርስትያናት ኢና።

    Read all Books in our Web

               
       

     

    Give your Vote!

    What do you like most about Eriwongel.com?
     
    What die you want to change?
     

    Our Favorite Links

    www.bible.org
    Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

    Christ for all Nations, Cfan
    cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
    http://www.cfan.org
     
    Release Eritrea!
    release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha

    Join the EGMM team

    We are seeking a English and Amharic translator / editor who will serve with us as voluntary translator.
    Grafic & web Designer
    If you are Graphic and web Designer and looking out for working in the Kingdom of our Heavly Father, then here's the right opportunity to work with us.
    Advertiser links Geezsoft.com
    Hier you can download free Geez Font
    Eristart.com
    First Eritrean Startpage 

    Who's Online

    We have 89 guests online
    • tigrina
    • English

    Movies

    Agelglot.com

    Compassdirect.org

    Syndicate


    EGMM pro Mezmur

    EGMM PRO MEZMUR  

    EGMM pro Sbket

    EGMM PRO SBKET  

    EGMM pro Books»

    EGMM ORO BOOKS 

    Active Quiz»

    Active Quiz 

    EGMM PRO REDIET»

    EGMM PRO REDIET