Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Friday
Mar 12th
Home arrow Witness arrow ምስክርነት ዋሊድ
ምስክርነት ዋሊድ PDF Print E-mail
Wednesday, 13 May 2009
Imageስመይ ዋሊድ ይበሃል። ኣብ እስራኤል ቤትልሄም ኣብ እትብሀል ከተማ ተወሊደ። እተወለድኩላ ዕለት ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣብ ምስልምና ኣዝየን ቅዱሳት ዝኾና መዓልታት ማለት ኣብታ ናይ ኣስላም ነብዩ መሓመድ ዕለት ልደቱ ዝኮነት መዓልቲ እያ ነይራ።፡ እዚ ንወላዲ ኣቦይ ዓቢ ክብረት እዩ ነይሩ።፡ ካብዚ ተበጊሱ ድማ ኣቦይ ዋሊድ ዝብል ስም ኣውጽኣለይ።፡ ትርጉሙ ኸኣ ካብቲ (ኣል መውሊድ ኣልነቢ) ዚብል ቃል ዝተወሰደ ኮይኑ ዕላምኡውን ካብ መውሊድ ዚብል ቃል(ትርጉሙ ልደት ማለት እዩ)  ስለዝኾነ ንሓዋሩ ነታ ናይ ኣስላም ነብዩ ዕለት ልደት ንምዝካር እዩ።፡

ኣቦይ ፍልስጤኤማዊ መምህር ኮይኑ ኣብቲ ቅዱስ መሬት (The Holy Land)  እንግሊዝኛን እስላማዊ ትምህርትን ይምህር ነበረ።፡ ኣደይ ኣቦይ ንትምህርቲ ኣብ ኣሜሪካ ምስከደ 1956 ዝተመርዓዋ ኣሜሪካዊት እያ።፡

 

ወለደይ ስርዓት መነባብሮ ኣመሪካውያን ንኽልተ ደቆም ከስዕበሎም ካብ ዝኽእል ጽልዋ ንምርሓቕ ኣደይ ንዓይ ብጥንስታ ከላ 1960 ናብታ ሽዑ ዮርዳኖስ ተባሂላ ትጽዋዕ ዝነበረት ቦታ ሕጂ ናብ እስራኤል ኣትያ ዘላ ከተማ ቤተልሄም መጽኡ።፡ ኣብ ቤትልሄም ምስ በጽሑ ከኣ ኣነ ተወለድኩ።፡ ኣቦይ ስራሓት ይቐያይር ብምንባሩ-ሓንሳእ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከድና። ተመሊስና ድማ ‘' ናብ እቲ ቅዱስ ምድሪ'' ተመለስና።፡ እዚ ዳሕረዋይ ዝተቀመጥናሉ ቦታ ድማ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓሞቐ ለጥላጥ ቦታ ኮይኑ ያሪኮ ተባሂሉ ይፍለጥ።፡

 

ኣብቲ ‘'ውግእ ሽዱሽተ መዓልቲ'' ንኽጅመር ዝቀራረበሉ ዝነበረ መዓልታት ዘጽናዕኩዋ መዝሙር -ክርስዓ ኣይክእልን- ‘' ኣዕራብ እቶም ንፈትዎም - ኣይሁድ እቶም ኣኽላባትና'' ዝብል ኣርእስቲ ነበረ።፡ ብውሽጠይ። ኣብ በይነይ ‘'እዞም ኣይሁድ ዝብሃሉስ እንታዎት ኮን ይኾኑ እናበልኩ' ይግረም እንተነበርኩ።- ላዕሊ ላዕለይ ግን-ትርጉም ናይቶም ቃላት ከይተረደኣኒ ምስቶም ቈልዑት ኮይነ እናደጋገምኩ ይዝምሮም ነበርኩ።፡

 

ኣብቲ ‘'ቅዱስ ምድሪ''- ዕድመይ እናወሰኸ። እናዓቤኹ ብዝኸድኩ መጠን በቶም ኣብ ሞንጎ ኣዕራብን እስራኤልን ዝተኻየዱ ሓያሎይ ውግኣት ሓለፍኩ።፡እታ ቀዳመይቲ ውግእ ኣብ ያሪኮ እናተቐመጥኩ ከሎኹ ዝተኻየደት ኮይና። ንሳ ድማ እታ ‘'ኩናት ሽዱሽተ መዓልቲ'' እትብሃል ኣይሁዳውያን ነታ ‘'ኣረጊት የሩሳሌምን'' ዝተረፈ ክፋል ናይ ፍልስጠኤምን ወሪሮም ዝሓዙላ ኵናት እያ ዝነበረት።፡ እዚ ኵናት' እቲ ንኩሎም ኣብ ዓለም ዘለው ኣዕራብን ኣስላምን ዘጉሃየን ቅስሞም ዝሰበረን ኵናት ነበረ።፡

 

ቅሩብ መዓልታት ቅድምቲ ውግእ ባይቶ ኣሜሪካውያን ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ከባቢና ንዝነበሩ ዜጋታት ኣሜሪካውያን ከግዕዙ መጺኦምና ነበሩ።፡ ኣደይ ኣሜሪካዊት ብምንባራ ከውጽኡና ሓገዞም እኳ እንተወፈዩልና ኣቦይ ግን ሃገሩ ዝፈቱ ስለዝነበረ ኣይከውንን ኢሉ ኣበዮም።፡ ብድሕሪኡ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ንሓዋሩ ዘይርስዑኒ ፍጻሜታት ከም እኒ እቲ ንሽዱሽተ መዓልታት ከየቋረጸ ዝቐጸለ ድምጺ ናይ ቦምባታት መዳፍዕን ደብዳብን እኒ እቶም ኣብ ያሪኮ ብኣዕራብ ዝተዘረፉ መኽዘናትን ኣባይትን እኒ እቶም ንእስራኤላውያን ፈሪሆም ፈለግ ያሪኮ ንኪስንጥቁ ዝጓየዩ ዝነበሩ ህዝቢ-ርእየዮም እየ።፡

 

እቲ ውግእ እቲ ‘'ኵናት ሽዱሽተ መዓልቲ'' ተባሂሉ ዝተጸውዓሉ ምኽንያት-ኣብ ውሽጢ 6 መዓልታት ኪዛዘም ኣብ ርእሲ ምኽኣሉ።- ኣብ ሻብዓይ መዓልቲ ሓደ ጎረን ዝተባህለ መምህር / Rabbi / ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ የሩሳሌም ናይ ኣውያት መንደቅ ደይቡ ቀርኒ ምክት ብምንፋሕ ነቲ ዓወት ስለዘበሰረ እውን እዩ።፡ ብዙሓት ኣይሁድ እዚ ፍጻሜ' ምስቲ ኢያሱ ኣብ ዙርያ ናይ ያሪኮ መናድቕ። ንሽዱሽተ መዓልታት ድሕሪ ምኵላሉ። ኣብ ሻብዓይ መዓልቲ እውን ሾውዓተ ግዜ ብዝዀለለ። እቶም ካህናት ጥሩምባታቶም እናነፍሑ ከለው እቲ ህዝቢ ብወገኑ ድማ ብሓደ ድምጺ እናውከዐ ነታ ከተማ ዝሓዘሉ ፍጻሜ ዝመሳሰል እዩ።፡ ኣቦይ ግና ‘'መናድቕ ናይ ያሪኮ ኣብ ልዕሊዑ ከም ዝወደቖ ሰብ'' በዚ ኵናትዚ ኣዝዩ ተደቍሰ።፡እቲ ውግኣት እናተኻየደ እንከሎ ናይ ዮርዳኖስ ሬድዮ ኣገልግሎት ብምስማዕ ይከታተሎ ነበረ።፡ ኣዕራብ ነቲ ውግእ ይዕወቱሉ ኣለው ኣናበለ እኳ ይዛረብ እንተነበረ።- እቲ ዝሰሞዖ ዝነበረ ዜና ሓሶት ምዃኑ ግና ኣየስተብሃሎን ነበረ።፡በቲ ካልእ መዳይ ናይ እስራኤላውያን ሬድዮ ነቲ ብርግጽ እናቀረበ ዝመጽእ ዝነበረ ዓወቶም ታቃልሕ ነበረት።፡ እንተኾነ ኣቦይ እስራኤላውያን ፕሮፓጋንዳ እዮም ዝነዝሑ ዘለው ብምባል ነቲ ኣዕራብ ዝብልዎ ዝነበሩ ጥራይ ምእማን መረጸ።፡

 

ብድሕሪ' ኩነታት' ተመሊስና ናብ ቤተልሄም መጻእና' ዝሓሸ ናይ እንግሊዝኛ ትምህርቲ እትምህር ምዃና ኣብ እትፍለጥ ኣንግሊካን-ሉተራን ቤት ትምህርቲ ኣመዝገበና።፡ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ ሙስሊም ተመሃሮ ሓወይን ሓፍተይን ኣነን ጥራሕ ነበርና።፡ ፍርቂ ወገንና ኣሜሪካውያን ዝኾንና ሰባት ኣብ ማእከሎም ኣቲና ክንነብር ምስረኣዩ። እቶም መምህራን ይገርፉና።- እቶም መማህርትና ከኣ ይስሕቁና ነበሩ።፡ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍለ ግዜ ኪጅመር ከሎ ካብ ክፍሊ ወጺአ ክሳዕ ዚውዳእ ኣብ ደገ ኰይነ እጽበ።፡ ሓደ መዓልቲ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍለ ግዜ ምስ ተጀመረ-ናብቲ ክፍሊ ኣቶኹ።፡እሞ ሓደ ናይቲ ክፍሊ ዓንተር ዝኾነ ወዲ ተንሲኡ ኪበኣሰኒ ወጸ።፡ ‘'እዚ ፍርቁ ኣመሪካዊ ዝኾነ ሙስሊም እዚ ኪኣትወና ኣይንደልይን ኢና!'' እናበለ መደረ።፡ ኣነ ኣይወጽእን እየ ኢለ ኣቤኹ።፡ሽዑ እታ ናይታ ክፍሊ መምህር ኮፍ ክብል ኣፍቀደትለይ እሞ ተቐሚጠ ትምህርተይ ጀመርኩ።፡ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ናይታ ቤት ትምህርቲ ፓሊሲ ንመጀመርያ ግዚኡ ተለዊጡ ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ክመሃር ዝደሊ ሙስሊም ነጻ ተፈቅደሉ።፡ነቲ ዝቐጸለ ሰለስተ ዓመታት እምበር።- ብኣንጻር' ዝወርደኒ ዝነበረ ላግጽን ምድሃልን ከይተኾለፍኩ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሃርኩዎ።፡

 

ድሕሪ' ኣቦይ ናብ ሓደ ናይ መንግስቲ ቤት ትምህርቲ ቀየረኒ'እሞ ኣብኡ ኣብ እምነት ምስልምና እናዓቤኹ ከድኩ።፡ኣብዚ /' እቲ ቀንዲ ዝምገቦ ዝነበርኩ ሓሳብ ሓደ መዓልቲ ናይቲ መሐመድ እተባህለ እስላማዊ ነብዩ ጥንታዊ ትንቢት ዚፍጸሙሉ ተርእዮ ኪገሃድ እዩ። ዚብል እዩ።፡ እታ ትንቢት እቲኣ ብዛዕባ ሓደ እቲ ቅዱስ ምድሪ /  The Holy Land  / ተመሊሱ ኣብ ኢድ ኣስላም ዝወድቀሉን። ኣይሁድ ከኣ  ብሓደ ሰፊሕ ንኣይሁድ ናይ ምሕራድን ምጽናትን ወፈራ ካብ ገጽ ምድሪ ዚድምሰስሉ መዓልቲ ኢያ ትንበ።፡

 

 

 

 

 

 

 

እዛ ትንቢት እዚ ኣብቲ መጽሓፈ - ሕጋጋት ኣበዋት ናይ መሐመድ ተመዝጊባ እትርከብ ኮይና ከም ዝስዕብ ትሕዝቶ ኣለዋ።፡

‘'እታ መዓልቲ ፍርዲ ሓደ ዓሌት (ቀቢላ) ናይ ኣስላም ንሓደ ዓሌት (ቀቢላ) ናይ ኣይሁድ ከይሰዓሮ ከየንበርከኾ። ኣይክትመጽእን እያ'' /ብኣቡ ሑራያህ እተተረኸ። ሰሒሕ ሙስሊም።- ሐዲስ #6985- ሳሒሕ ኣል-ቡካሪ,ቅዲ 4 #177)

 

መሓመድ እቲ እዚ ትንቢት እዚ ዝፍጸመሉ ቦታ ኣበይ ምዃኑ ምስተሐተተ ኣብ ዝሃቦ መልሱ።- ‘'ኣብ የሩሳሌምን ኣብቶም ከባቢኣ ዘለው ህዝብታትን'' ኢሉ ኣሎ።፡

 

ኣብ ግዜ ንእስነተይ።- ኣነውን ልክዕ ከም ኣቦይ ናብ ምስልምናን ናብ ኩሉ እቲ ሙስሊም መማህራንና ዚብሉናን ኣተኵረን ጽን ኢለን ዝከታተል ሰብ ኰንኩ።፡ ነቲ ናይ መሓመድ ትንቢታት ኣሚነ ብምቕባል ‘'ንጅሃድ'' ወይ ከኣ ‘'ቅዱስ ኵናት'' ከም እቲ እንኮ ዓወት ወይ ከኣ ሰማእትነት ከጨብጠኒ ዚኽእል ብልሓት ጌረ። ብዘሎ ህይወተይ ወፌኹሉ።፡ ኣብ ምስልምና። ኣውራ ኸኣ ኣላህን። ናቱ ነብዩ ዝኾነ መሓመድን ዝኣተውልና ቃል ስለዘሎና። ሰማእትነት እቲ እንኮ ምድሓንካ ተረጋግጸሉን ናብ ገነት ትኣትወሉን መገዲ እዩ።፡ ከምቲ ቍርኣን እውን ዚብሎ።- ብዛዕባ እቶም ኣብ ዕላማ ናይ ኣላህ (ኣብቲ ቅዱስ ውግእ) ዝቕተሉ ሰባት ፈጺምካ ኣይትሕሰብ ምእንታኡ ክትመውት እሞ ምስ ኣምላኽካ ክትነብር (በረኸቱ እናተቐበልካ) ምእንቲ።፡ ቤተሰብ ኢምራን (ኣል ኢምራን-ጥቅሲ169/

 

ኣንጻር እቲ ‘'ናይ እስራኤል ጎበጣ'' ኢልና ንጽውዖ ዝነበርና * ኣብ እንገብሮ ናይ ቤት ትምህርቲ ተቓውሞታት ኣነ ኣብ ብዙሕ ዝነጥፍ ሰብ ኰንኩ።፡ ንኣብነት ጽሑፍ መደረታትን ጭርሖታትን የዳሉ።፡ ጸረ-እስራኤል ዝኾኑ ናይ መንደቕ ጹሑፍ ብምድላው እቶም ተመሃሮ ናብቶም ዕጡቃት ወተሃደራት እስራኤል ደናጉላ ንኺድርብዩ የላዓዕሎም ነበርኩ።፡ ‘'ምስ ጸላኢና ዝኾነ ኣካል ሰላም ወይ ዝርርብ ዝበሃል የልቦን።''  ‘'ደምናን ነብስናን ንኣራፋት ንስውእ!'' ‘'ደምናን ነስፍናን ንፍልስጢኤም ንስውኣላ!'' ከምኡ ኸኣ ‘'ሞት ንጽዮናውያን!'' ዝብሉ ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ብዓቢ ጭደራ ነቃልሕ ነበርና።፡

 

እቲ ኣምላኽ ነዛ ምድሪ እዚኣ ዝመደበላ ፍቓድን መደብን ይፍጽም ከምዘሎኹ እናኣመንኩ። ነዚ ኣይሁዳዊ ጸላኢ' ክዋግኦ ማሕላ ምሒለ እየ።፡ ኣብቲ ኣንጻር ሰራዊት እስራኤል ዝተገብረ ብዙሕ ምልዕዓልን ተቓውሞታትን ክበላሐቶ ብዝኽኣልኩዎ ዘበለ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት እስራኤል ጉድኣት ንምውራድ ኣዘውቲረ ይጽዕርን። ነቲ ዝኣተኹዎ ቃል ከተግብሮ ድማ ኩለንትናይ ወፍየ ብሓቂ እጽዕትን ነበርኩ።፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ይኩን ኣብ ጐደናታት ዋላ ኣብቲ ዝተቐደሰ ቦታታትውን ከይተረፈ (ንኣብነት ከም ኣብ ቤት መቅደስ ከረን) ከምኡውን ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ብኣዕራብ (መስጊድ ኣል ኣቕሳ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ። ዕግርግር ከለዓዕል ኣብ ዝኽኣልኩሉ ዘበለ ኩሉ ነቲ ዕግርግራት ይጅምርን ኣብኡ ይሳተፍን ነበርኩ።፡ ተማሃራይ 2 ደረጃ ኣብ ዝነበርኩለን ዓመታት ኣነ ኩሉ ግዜ ሓደ ካብቶም ኣናኸስቲ ሓዊን ኣበገስቲ ናይቲ ዕግርግርን ኰይነ እርከብ ነበርኩ።፡

 

ብዙሓት ሰባት ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ቦምባታትን ጠበናጁን እናተጠቕሙ ብዙሓት ሰባት ንእስራኤላውያን ካብ እስራኤል ኣልቂቖም ንኽውጽእዎም ቦምባታት ይኹን ዕጥቂ ጠበናጁ እናተጠቕሙ ብኹሉ ናይ ግብረሽበራ ስልቲታቶም ይዋስኡ ነበሩ።፡ እንተኰነ ግን ከውጽእዎም ፈጺሙ ኣይተኻእሎምን።፡

 

ንልበይ ክልውጥ ዚኽእል ምንም ሓይሊ የልቦን። ወይ ክመውት ኣሎኒ ወይ ከኣ ገለ ተኣምራት ኪመጽእ ኣለዎ።፡ እቲ ዝቐለለ ንርእሰይ ዝገልጸሉ መገዲ። ኣነ ካብቶም ኣብ እዋን ኢንቲፋዳ ወይ ‘'እቲ ምልዕዓል'' ደናጉላን ተባራዕቲ ጠራሙዝን  (ሞሎቶቭ ኮክተይልስ)  እናደርበዩ ኣብ CNN ትርእይዎም ዝነበርኩም መንእሰያት ሓደ ምኳነይ እዩ።፡ ኣነ ሓደ ካብቶም ኣይሁዳውያን ኣሸበርቲ። ኢሎም ዝጽውዕዎም ሰባት እየ።፡ እቲ ዘገርም ነገር። ኣነ ንኻልኦት የሸብር ኔረ ጥራይ ዘይኮነ። ኣነውን ንርእሰይ በቲ ናብ ገነት ንኽኣቱ ጽቡቕ ግብርን እኹል ብቕዓትን ዝሓተኒ እምነተይ እሽበር ምንባረይ እዩ።፡ ይኹን እምበር ጽቡቕ ተግባራተይ ካብቲ ክፋእ ተግባራተይ በቲ ኣምላክ ዚሰፍሮ መዐቀኒ ክምዘን እንከሎ። ዓብሊልዎ ከምዚወጽእ ርግጸኛ ክኸውን ኣይክኣልኩን ጥራይ ዘይኮነስ። እቲ ክፉእ ተግባራት ንመንፈሰይ ጸቒጥዎ ነበረ።፡

 

ብርግጽ እምበኣር ምስ ኣይሁዳውያን እናተዋጋእኩ ምሟት ነቲ ኣላህ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣተይ ዘለዎ ቁጥዓ የብርዶ ይኸውን ኢለ ኣመንኩ።፡ ንሱ ጥራይ ዘይኰነውን ኣብ ገነት ሓደ ጽቡቕ ቦታ ኪፈልየለይን ኣብኡ ምሳይ እትነብር ኩሉ እቲ ናይ ብሕተይ ፍትወታተይ እተዕግበለይን። ፍሩይ ዝኣዒንታ ሰበይቲ ኪቕርበለይን ፍቓዱ እዩ ኢለ ኣመንኩ።፡ በዚ ይኹን በቲ ዓወት ናተይ እዩ።፡ ናብዚ ዓወት' ዝመርሐኒ መገዲ ከኣ ግብረሽበራ ጥራይ እዩ።፡

 

ይዝከረኒ ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤትልሄም ኣብ ሓደ ጽቕጽቅ ኢሉ ዝመልአ ቤት       ትያትር ዝነበረ ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ነታ ‘'21 መዓልታት ኣብ ሙኒክ' እትብል ፊልም ብማዕበል ጠቕዓትን ሆታን እናተዓጀቡ ይሪኢዋ ነበሩ።፡ ልክዕ ኣብታ እቶም  ፍልስጢኤማውያን ናብ ውሽጥታ ሄሊኮፕተር ቦምባታት ኢድ ደርብዮም ነቶም እስራኤላውያን ኣትሌታት ዚቐትሉላ ምርኢት ምስ በጻሕና። ብኣማኢታት ዚቑጸሩ ተዓዘብቲ ብነጐድጓድ ጭድርታ ‘'ኣላሁ ኣኽባር'' ይብሉ ነበሩ።፡ እዚ ኩሎም ሙስሊም ኣብ ግዜ ዓወቶም ዚጭርሕዎ ናይ ዓወት ጭርሖኦም እዩ።፡

 

ካልእ ዝዝክሮውን ኣሎኒ።- ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ቤትልሄም እንከሎኹ እቶም ተመሃሮ ነቲ ናይ እስላማዊ መጽናዕቲ መምህርና። ኣብ ውግእ ወይ ካልእ ጐነጽ ንእስራኤላውያን እንተደኣ ስዒርናዮም።‘' ነተን ደቀንስትዮኦም ብስጋ ንኽንጋሰሰን ማለት ንኽንዕምጸን ይፍቀደልና ድዩ?'' ኢሎም ሐተትዎ።፡ መልሲ ናይቲ መምህር ከኣ። ከምዚ ዚስዕብ ነበረ።፡ ''ኣብ ውግእ ዝተማረኻ ደቀንስትዮ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝኾነ ካልእ ምርጫ የብለንን።፡ ድሮ ናብ ውሽማታት ተቐይረን ማለት እዩ።፡ ስለዚ ነቶም ወነንተን/ጎይቶተን ኪእዘዝኦም ግዱዳት እየን።፡ ምስ ምሩኻት ባሮት ስጋዊ ርክብ ብዛዕባ ምፍጻም ነቶም ባሮት ዚወሃብ ናይ ምርጫ ዕድል የልቦን''።፡ እዚ ጉዳይዚ ኣብ ቁርኣን እውን ብንጹር ሰፊሩ ኣሎ፥ ከምዚ ከኣ ይብል።

 

"ብዘይካ እተን ኣብ ኢድካ ዝወደቓ ባሮትካ ደቀንስትዮ (እንተዘይኮይኑ) ምርዑዋት ደቀንስትዮ ንዓኻ ኣይፍቀዳልካን እየን፥ ሕጊ ኣላህ ንዓኻ እዚ ኢዩ።። /ሱራ። ደቀንስትዮ /ኣል-ኒሳ ጥቅሲ 24/።፡

 

 

 

 

 

 

ኣብ ካልእ ዝተፈለየ ጥቅሲ'ውን ቁርኣን ከምዚ ይብል። ‘' ነብዪ ነተን ወርቂ  ከፊልካ ዝወሰድካየን ኣንስትካ ንዓኻ ፈቒድናልካ ኣሎና።- ከምኡ ከኣ ነተን ኣላህ ካብቲ ምርኮ ኣሕሊፉ ኣብ ኢድካ ዝሃበካ። የማነይቲ ኢድካ ዝወነነተን ደቀንስትዮ ባሮትካ። ከምኡውን ነተን ምሳኻ ንመዲና ዝሃደማ ኩለን ኣዋልድ ደቂ ሓወቦኻን ሓትነኻን። እንተላይ ዝኾነት ንዓኻ ንነብዩ ክትምርዖ ርእሳ ዝወፈየት ኣማኒት ሰበይቲ።  (እቲ ነብዩ እውን ክምርዓዋ ንዝበሃጋ ዘበለት) ልዕሊ ኩሎም ኣመንቲ። ሓለፋ ንዓኻ ፈቒድናልካ ኣሎና።፡ (ሱራ። Confederates  ኣልኣህዛብ ጥ።50)።፡

 

መሓመድ ነቲ ሓለፋ' ተጠቒሙ 14 ኣንስቲ ምምርዓውን። ከም ውጽኢት ናይቲ ዘካየዶ ዕውት ውግኣት ካብ ዝማረኾ ምርኮ ብዙሓት ምሩኻት /ባሮት/ ደቀንስትዮ እውን ኣእትዩ ምንባሩ ንዓና ዘሰክፈና ጉዳይ ኣይነበረን።፡ መሓመድ ክንደይ ኣንስቲ ኣእትዩ ምንባሩ ንምፍላጡ እውን ርግጽ መልሲ ስለ ዘይተረክበሉ ኩሉ ግዜ ዘካትዓና ዝነበረ ሕቶ እዩ።፡ ሓንቲ ካብተን ዝነበርኦ ኣንስቲ እውን ሰበይቲ ዛይድ ዝተባህለ ዘዕበዮ ወዱ ዝነበረት። ግና ኣላህ ንነብዩ መሓመድ ሰበይቲ ክትኮኖ ዝፈቐደሉ /ዝሃቦ/ እያ።፡ እተን ካልኦት ኣይሁዳውያን ባሮት ኣንስቲ መሓመድ ግን ንሰብኡተንን ስድራቤተንን ብሴፍ ሰይፉ መሓመድ ዝማረኸን እየን።፡

 

ንልቢ ፍልስጢኤማውያን ንምልዋጥ ካብ ዝገበርዎ ፈተናታት ሓደ መደበር ተሌቪዥን እስራኤል ናይ /   Holocaust  Documentary   / ናይ ኣይሁድ ምጽናት /ቅትለት/ ስእላዊ ታሪኽ ዝፈነወሉ ኣጋጣሚውን ነይሩ።፡ ኣነ ነቲ ፊልም ናይ ዘስካሕክሕ ቅትለት ኣብ ኣፈይ ዝብላዕ ነገር እናኣዀምሳዕኩ። ነቶም ንኣይሁድ ዝቀትሉ ዝነበሩ ጀርመናውያን እናኣጨብጨብኩሎም ርእየያ።፡ ብዛዕባ ኣይሁድ ንዝነበረኒ ጽልኢ ኣብ ኣእምሮይ ይኹን ኣብ ልበይ ከልዝቦ ወይ ክቅይሮ ፈጺሙ ዝክኣለኒ ኣይነበረን።፡ ምናልባሽ ‘'ናይ ልቢ ምትካእ መጥባሕቲ'' እንተዝግበረለይ ዶኾን ምተቐየረ!

 

ሓደ ግዜ ድማ ንቤት ትምህርትና ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ኣብ ገምገም ባሕሪ ኤሽዶድ ናብ ትርከብ ሓንቲ መዓስከር ኣይሁድ ወሲዶም ምስ ካልኦት ኣብያተ ትምህርቲ ኣይሁድ ተጸናቢርና ከምንቕኒ ገበሩ።፡ ንሱ'ውን ኣይሰርሐን።፡በንጻሩ እኳ ደኣ ምስ ኣይሁዳዊ ንዝተዛረበ ዝኾነ ካብ መማህራንና ነላግጸሉን ንድህሎን ነበርና።፡

 

እንተዀነ ኣደይ'ውን በቲ ካልእ ወገን። ሓደ ካልእ ናይ ኣምላኽ ውጥን ኢላ ዝሰመየቶ ዝተፈልየ ሓሳባት ክትምህረኒ ትፍትን ነበረት።፡ብዛዕባ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝነገረትኒ ኣብ ሓደ ምምላስ ኣይሁዳውያን ናብቲ ቅዱስ ምድሪ ኣቐዲሙ ብኣምላኽ ተመዲቡ ከምዝነበረን ሕጂ እቲ ትንቢት ምፍጻሙን ተዛረበት።፡ እዚ ንዓኣን ነዚ ወለዶ'ዚን ዝተዋህበ ዝዓበየ ናይ ኣምላኽ ተኣምራት ከም ዝኾነ። ዓለም እውን     "ፍቓድ (ኣምላኽ) ... ኣብ ምድሪ ኪፍጸም ‘'  ክትርኢ ከምዝተገደደትን ትነግረኒ ነበረት።፡

 

 

መሊሳ'ውን ብዛዕባቶም በብዕለቱ ኣብዚ ወለዶ' እናተጋህዱ ዝመጽኡ ዘለው ‘'ኣብ መጻኢ ዚፍጸሙ ተባሂሎም ቀደም ዝተተንበዩ ፍጻሜታት ከተረድኣኒ ጸዓረት።፡

 

 

ብዛዕባ ሓሰውቲ መሲሃትን   Counterfeits ከተፍልጠኒ ተገዲሳ ተዛረበትኒ።፡ ኣነ ግና ልበይ ኣንጻር ኣይሁዳውያን ናብ ምውጋእ ኣንቂዱ ሕኒን ይብል ብምንባሩ ኹሉ እቲ ኣደይ ትብለኒ ዝነበረት ቃላት /ብዘይ ተቐባሊ/ በኒኑ ተረፈ።፡

 

ኣደይ ብሓንቲ ኣሜሪካዊት ሚስዮናዊት ስድራቤት ትምህርቲ ምድሓን ተዋሂብዋ ክሳዕ ናይ ማይ ጥምቀት ምውሳድ በጺሓ ነበረት።፡ ኣብ ሓደ ሰበባ ዝነበሮ ዒላ ክትጥመቕ ተሓቲታ ምስ ኣበየት እቲ ሚስዮናዊ ካህን ኣብ መደክማ (YMCA) የሩሳሌም ኣብ ዝነበረ መሓንበሲ ቦታ ከይዱ ኩሎም ደቂተባዕትዮ ካብቲ ቦታ ከምዚእለዩ ገይሩ ነደይ ኣጠመቓ።፡ ካብ ስድራቤትና ሓደኳ ዝፈለጠ ኣይነበረን።፡

 

ብዘይካ ዝተጠቕሰ ኣደይ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ናብ ሓያሎ ኣብያተ መዘክር እስራኤል መገሻ ትወስደኒ ተርእየኒን ነበረት።፡ ካብኡ ዝነቐለ ከኣ ኣብ ስነ ቅርሲ ፍሉይ ኣድህቦን ፍቕርን ኣሕደርኩ።፡ ኣዝየ እውን ተመሰጥኩ።፡ ብዛዕባ' ምስ ኣደይ ኣብ ብዙሕ ክትዓት ይኣቱን። ኣይሁዳውያንን ክርስትያናትን ንመጽሓፍ ቅዱስ ከምዝጠወይዎ ብድፍረት ይነግራ ነበርኩ።፡ ኣደይ ድማ ነቲ ድፍረተይ ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ናይ ብራናታት ቤተመዘክር ብምውሳድን ናይ ኢሳያስ ብራናታት ብምርኣይን መለሰት።፡ እቲ ብራናታት ከይተለወጠን ከይተበረዘን ከም ዘለዎ ርኤኽዎ።፡ ካብ ኩሉ እቲ ዝተወሰደ ስእልታትን ደቂቕ መጽናዕትን ሓንቲኳ ትኹን ጌጋ ወይስ ምጥማም ከምዝተገብረ ተረድእ ጭብጢ ስለ ዘይተረኽበ ነደይ ዝምልሰላ ሰኣንኩ።፡

 

ይዝከረኒ ነደይ  ንየሱስ ‘'ወዲ ኣምላክ‘' እዩ ኢላ ክትዛረብ ርግምቲ ሃጸያዊት     ኣሜሪካዊትን ኣርሜን' እናበልኩ የዋርዳን የሳቕያን ነበርኩ።፡ ናይቶም ኣብቲ እንገብሮ ዝነበርና ጐነጻዊ ተቃውሞታት ዝሞቱ መንእሰያት ስእልታት ዘለዎ ጋዜጣ የርእያ እሞ ‘'ሰማእትነት ናይዞም ኩሎም ኣብ ምንትምንታይ?'' እናበልኩ መልሲ ክትህብ ብሕቶታት ከጨንቀላ ባህ ይብለኒ።፡ ሕሉፍ ሓሊፈ ነደይ እጸልኣን። -ኣቦይ ንዓኣ ፈቲሑ ካልእ ውርዝውቲ ኣስላመይቲ ሰበይቲ ኪምርዖ ኣዘውቲረ እዛረቦ ነበርኩ።፡

 

ሕሉፍ ሓሊፈ እውን ንቤት ትምህርቲ ኣብ እንስኣሎ ስእሊ ከምዛ ስእለይ ኣብ ጐድኒቶም ሰማእታት ኪወጽእ ሪጋይ ምእኻሉ ዝፈለጥኩ ክመስል ኢለ ናይ ሕዙን ገጽን ዘፍርሕ ጽውግታን ዘለዎ ገጸ ባህርይ ለቢሰ እስኣል።፡ ብዙሕ ግዜ ኣብቲ ናይ መንእሰያት ተቓውሞታትን ምርጻም ምስ ሰራዊት እስራኤልን ንርእሰይ ኣብቲ ናይ ሞትን ቅዝፈትን ሓደጋ የውድቓ ነበርኩ።፡

 

ኣብቲ መሪር ናይ ኵናት እዋናት ክምእኒ ኵናት ሽዱሽተ መዓልቲ። ተቓውሞ ውድብ ሓርነት ፍልስጢኤም። ሐድሕድ ውግእ ጸሊም መስከረም ናይ ዮርዳኖስ። ደማዊ ውግኣት ሊባኖስ። ውግእ ዮም ኪፑር። ኣብ እስራኤል እናተቐመጥኩ እየ ኣሐሊፈዩ።፡ ዋላኳ ንእስራኤል ንምዕናው እንተዘይከኣልናን ክንድቲ ዝኣክል ክሳራታት'ውን ተውርደልና እንተነበረትን ነታ ንእስራኤል ንምድምሳስ ንኽእለላ መዓልቲ ዓወት ካብ ምምናይ ግን ዚኽልክለና ነገር የለን።፡

 

ወለደይ ብዛዕባይ ዚጭነቑዎ መጠን ብፍላይ ከኣ ብሰራዊት እስራኤል ተቀይደ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝዳጐነሉ ዝነበርኩ ኩነታት እናበኣሰ ከደ።፡ ሓደ ግዜ ናብ ቤት ምክሪ ኣሜሪካውያን ኣብ የሩሳሌም ብምኻድ ከተውጽኣኒ ፈተነት።፡ሽዑ ካብ ዝወረዳ ጭንቀት ዝተላዕለ ጸጉሪ ርእሳ ኪረግፍ ጀመረ።፡ ካብ ኩሉ ዝገደደ ኣብቲ ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ ብዛዕባ ግብረሽበራ ዕሙቕ ዝበለ ትምህርቲ ተመሃርኩ።፡ ካብ ማእሰርቲ ክወጽእ ከለኹ ካብ ኩሎም ዝገደድኩ /ፋናቲክ/ ኰይነ እወጽእ ነበርኩ።፡

 

ካብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ተመሪቐ ምስወዳእኩ ወለደይ ናይ ዝለዓለ ትምህርቲ ዕድል ከናዲ ንኣሜሪካ ሰዲዶምኒ።፡ ኣብኡውን ብርግጽ ብዙሕ ክሳተፎ ዝኽእለሉ ጸረ-እስራኤል ማሕበራውን ፓለቲካውን ተቓውሞታት ኣጓነፈኒ።፡ ክሳዕ ሎሚ ዘይርስዓ ንኣዕሩኽተይ ክነግሮም ትፍተወኒ ንክርስትያናት ግን ቅጭ ተምጽኣሎም ዋዛ ኔራትኒ።፡ ንሳ ከኣ ‘'ንሂትለር ኣዝየ እየ ዝጸልኦ ምኽንያቱ ከኣ መደቡ ኪፍጽም ዘይከአለ ክሱፍ ብምንባሩ!'' ኣብሎም።፡ ነቲ ኣይሁዳዊ ሽግር ‘'ሓንሳእ ንሓዋሩ'' ኪአልዮ ኣይከኣለን። ማለተይ እዩ።፡

 

ንሂትለር ከም እቲ ዝበለጸን እቲ ልዕሊ ኩሉ ዝፈትዎን ዘድንቖን ናተይ ‘'ጅግና'' መሓመድ ከኣ እቲ ዝዓበየ ‘'ነብዩ'' ጌረ ኣብ ህይወተይ ኣንጊሰዮም ክጐዓዝ ከለኹ ብዛዕባ ኣይሁድን ክርስትያናትን። ኩሎም ሙስሊም ዘይኮኑ ሰባትን ግን ግዲ ዘይብለይ ኰንኩ።፡ ኣነ ዝኣምኖ ዝነበርኩ። ዓለም ሓደ መዓልቲ ንምስልምና ከም እትቕበልን ኩሎም ህዝብታት ዓለም ከኣ ንፍልስጤኤማውያን በቲ ምስ እስራኤል ኣብ ዝገበርዎ ውግኣት ዝኸሰርዎ ክሳራታት ሰብ ዕድኦም ምኻኖምን ኣዩ።፡ ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝነበረኒ ክቱር ጽልኢ። ቀተልቲ ነብያት ምኳኖምን እከይ ድሌታቶም ንምፍጻም ከምዚጥዕም ጌሮም ንቅዱስ ጽሑፋት ምጥምዛዞምን ካብ ምእማነይ ዝተላዕለ ኢዩ።፡ ከምኡ ጌሩ ከኣ ኢዩ ምስልምና ዝምህረካ።፡ ኣብ ርእሲኡ ከኣ እቲ እንኮ መድሃኒናን ናይ ኣምላኽ ፍቱው ነብዩ ዝኾነን መሓመድ ምኳኑ የረድእ።፡

 

ኣብ ኣሜሪካ ክቕመጥ ከሎኹ ክርስዖ ዘይክእል ወትሩ ኣብ ዓይነ-ሕሊናይ ዝቕጀለኒ ኩነታት ናይ እቶም ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ጥራይ እኳ ኣብ ኢራን። ዒራቕ። ኩወይት። ሶርያ። ዮርዳኖስ። ሊባኖስ። ኣፍጋኒስታን።፡ ከምኡ ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እስላማዊት ሃገር ዝሞቱ ኣሽሓት ሰማእታት ሙስሊም ኢዩ።፡ ነዞም ኩሎም ግድን ሕነ ክፈድየሎም ይግባኣኒ።- ዝዀነ ኣካል ናይ ደቂ ሰብ ከኣ ዋጋ ናይዚ ኩሉ ጥፍኣት  ኪከፍሎ ማለት ኪቕተል ይግብኦ።፡ እወ ብርግጽ እቲ ዋጋ ኣይሁዳውያን ኪከፍልዎ ከምዝግብኦም ኣብ ኣእምሮይ ጥርጥር የብለይን።፡ ምኽንያቱ ሓደ ካብቲ ዝለመድናዮ ነገር ንነገራት ጠዋዊና'ውን ይኹን። ዝኮነ ገበንን ተሓታትነትን ናብ ኣይሁድ ከምዚወድቕ ምግባር እዩ።፡

 

ሓደ መዓልቲ ምስ ሓደ ሰብኣይ ተበአስኩ እሞ። ኣዒንቱ ክሳዕ ዝነትዕ ሃረምኩዎ።፡ እቲ ሰብ ኣይሁዳዊ ምኳኑ ምስ ፈለጥኩ ድሐር ዝተሓጐስኩዎ ሓጐስ ደረት ኣይነበሮን።፡

 

እስላማዊ ታሪኽ ከጽንዕ ከሎኹ። ነብዩ መሓመድ ንሓደ ቀቢላ ኣይሁዳውያን ካብ ስዑዲ ጨሪሹ ከምዝሰጐጎም ንሓደ ኻልእ ቀቢላ ኣይሁድ ድማ። ደቂተባዕትዮኦም ዘበሉ ሓደኳ ከይገደፈ። ብሴፍ ከም ዝቕንጸሎም ተማሂረ ነበርኩ።፡ በዚ። ሽዑን ብድሕሪኡ ክዝክሮ ከሎኹን ኣዝየ እሕጐስን እምሰጥን ነበርኩ።፡ እተን ሰብኡተን ዝተቐትሉወን ኣንስቲ ናይታ ቀቢላ ከኣ ኩለን ወሻሽምቱ ኪኰና ተማሪኸን ተወስዳ።፡ ከምቲ ምስልምና ዚምህሮ -ኣነ ድማ ዝኣምነሉ።- ንዓለም ክገዝኣን ከመሓድራን ምሉእ ብቕዓት ዘለዎ ሰብ። ሓደ እስላማዊ ኣመሓዳሪ ወይ ከኣ ካሊፍ ጥራይ እዩ።፡ እወ ምስልምናስ ሓደ ውልቀሰብ ሰብኣውን ሞራላዊን ህይወቱ ዝመርሓሉ ሃይማኖት ኣይኰነን፥ ምስልምናሲ ንምሉእ ዓለም ዝጠምር ሕጋውን መንግስታውን ስርዓት ደኣ እዩ።፡ ምስልምና ብሰላማዊ መገዲ ኪዕወት እንተዘይክኢሉ ንኩሎም እቶም ንምስልምና ዘይቅበሉን ዘይእዘዝዎን ብውግእ ከንበርክኾም ኣለዎ።፡

 

ብኸምዚ ዓይነት እምነትን ኣካይዳን እናተጐዓዝኩ ከሎኩ ግን ሓቂ ንምዝራብ ንቍርኣን ኣብ ዘንብበለን ዝነበርኩ ኩለን መዓልታትን ሰዓታትን ኩሉ ግዜ ኣብ ብርቱዕ ፍርሒ ተዋሒጠ ምስተጨነቕኩ እየ።፡ ምክንያቱ ደድሕሪ ዘንብቦ ነፍሲ ወከፍ ጥቅሲ ነዚ ወይ ነቲ ሓጥያት እናበለ ይዝርዝርሞ ንነፍሲ ወከፍ ብናይ ሲኦል ሓዊ ናይ ምቅጻልን መቕጻዕቲ ከምዝፍረድ። ዝህቦ መፈራርሒ ስለዘለዎ። ሽዑ ልበይ ክትመሉቕ ክሳዕ ትደሊ ነቲ ፈጣሪየይ ኣምላኽ ክጽውዖ እሞ በቲ ዝገበርኩዎ ኩሉ ሓጢኣታት እናተጠዓስኩ። ''በጃካ ኣምላክ ይቕሬታ ግበረለይ። ካልኣይ ዕድል ከኣ ሃበኒ'' ክብሎ እደሊ።፡ እንተኰነ። ኩሉ ነቲ ዝገበርኩዎ ሓጢኣታትን ጽቡቕ ተግባራትን ኣጽርየ ክጽብጽቦ ይጽግመኒ' ብጥቕልሉ ክሓስቦ እግደድ።፡ ድሕሪ' እቲ ዝፈጸምኩዎ እከይ ተግባራትን ሓጢኣትን ነቲ ጽቡቕ ተግባራተይ ኣጸቢቑ ከምዝዕብልሎ ኣብ ውሽጠይ ይርድኣኒ።፡ ዓመጻይ ናብ ሕሊናይ ደይቡ ይጸቕጠኒ። ስለዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዝነብራ ብሓጢኣት ዝተጸየቐት መዓልቲ ብደገፍ ናይ እቲ ፈጣሪየይ ፍቕርን ምሕረትን ጥራይ ከምዝነብራ እፈልጥ ነበርኩ።፡ ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ዕጫ ህይወተይ / Destiny  / ከኣ ዘወትር ብውሽጠይሲ እሓስብ ነበርኩ።፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርሒን ምጥርጣርን ተዋሒጠ ነቲ ምእንቲ ድሕነት ክረክብ ኢለ ሰባት ንምቕታል ዝሓስቦ ኩሉ ፍጹም ጸላእኩዎ።፡ ንነብሰይ ብሓቂ ክሪኣ እንከሎኹ ኣንጭዋ ንምቕታል እውን መዓንጣ የብለይን። ከመይ ኢለ ደኣ እየ ኣይሁዳዊ ንምቕታል ዝኽእል?

 

ኣብ 1992 ኣቢሉ ሓንቲ ብግራንት ጀፍሪይ ዝተጻሕፈት ‘'ኣርማጌዶን።-ቆጸራ ምስ ዕጫ ህይወት '' ዝተባህለት መጽሓፍ ኣንቢበ ኣዝየ ተመሰጥኩ።፡ ገለ ካብቶም ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ተገሊጾም ዘለው ነገራት (ብዙሕ ዝርዝራዊ ትንቢታት) ብዛዕባ ናይ የሱስ።፡ልደቱ። ህይወቱን ትንሳኤኡን ከምኡ ከኣ ብዛዕባ ዳግመ ምፍጣር መንግስቲ እስራኤል ዝድህስሱ ብዙሐ-ዝርዝራዊ ትንቢታት ዝሓዘሉ እዮም።፡ በዝሑ ካብዞም ትንቢታት ልክዕ ከምቲ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፊርዎም ዘሎ ተፈጺሞም እዮም።፡እቲ ካልእ ዘገረመኒ ነገር ከኣ እቲ ንሓደ ሰብ ብዛዕባ ኣማኢታት ታሪኻዊ ፍጻሜታት።እሞ ድማ ኣማኢት ኣሽሓት ዓመታት ቅድሚ እቲ ዚፍጸሙሉ ግዜ ዝተነበዮም ትንቢታት።ብልክዕነት ንክፍጸሙ ዘለዎም ዕድል-ሓደ ካብ ፒልዮናት እዩ።፡እቲ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዘደንቕ ከኣ ዝበዝሑ ካብቶም ተጠቒሶም ዘለዎ ትንቢታት ኣብዚ ወለዶ እዚን ኣብ ቅድሚ ዓይነይን ዝተፈጸሙን ዝፍጸሙ ዘለውን ምስ ምዃኖም። እቲ ኣብ ምፍጻሞም ዝርአ ልክዕነት ንዝደቐቐት ምዝናፍ                                                    ናይቲ ፍጻሜ ካብቲ ቃል እኳ ዕድል ዘይህብ- (ዜሮ-መፈናፈኒ ዕድል) ምኳኑ ኢዩ።፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ርትዒ ከኣ ካብ መለኮታዊ መንቀሊ /  Origin / ዝመጸ ጥራይ ኢዩ ኪኸውን ዘለዎ።፡ እዚ መለኮታዊ መንቀሊ ከኣ እቲ ብዘይካኡ ካልእ ዘየልቦ እቲ ሓያል ኣምላኽ እዩ።፡

 

እቲ ቅልስ ኣብዚ እዩ ዝጅምር።፡ ኩሉ ድንግርግር በለኒ።፡ እንተደኣ እዛ ዝዓበኹላ ምድሪ እስራኤል በቶም ካብ ከርሳ ዝወጹ ኣሽሓት ናይ ስነ ቕርሲ መርትዖታታ ኣቢላ መጽሓፍ ቅዱስ ህያው ሓቂ ምኳኑ ኣረጋጊጻ እናተዛረበትን-እናጨደረትን እንከላ ከመይ ኢሉ እቲ ህያው ቃል መጽሓፍ ቅዱስ ብኣይሁዳውያን ክጥምዘዝ ይኽእል? መጽሓፍ ኢሳያስ ብሓደ ኣብ ጐደቦ ቤትልሄም ኣብ እትርከብ ሓንቲ ዓዲ ዝቅመጥ ዝጠፍኣት በጊዑ ኪደሊ ዝወጸ ሓደ መሱሊም። ኣብ በዓትታት ኵምሩም ተረኽበ።፡ ካብዚ ዝተረኽበ መጽሓፍዚ ምስዚ ሎሚ ኣብ ኢድና ዘሎ ብሉይ ኪዳን ምንም ፍልልይ ዘይብሉ ልክዕ ቅዳሕ ብሉይ ኪዳን ተረኽበ።፡ ብዛዕባ ምምጻእ የሱስ ክርስቶስ ዝንበዩ ኣምኢታት ጥቕስታት ሓቍፉ ዘሎ መጽሓፍ እዩ።፡

 

የሱስ ክርስቶስ መን ምኳኑ ባዕለይ መርሚረ ክፈልጥ ግድን ንመጽሓፍ ቅዱስ ከንብቦ ነይሩኒ።፡ድሕሪ እቲ ኹሉ ዝሓለፍኩዎ ኣብ መወዳእታ ነቲ የሱስ ዝበሎ ከንብብ ምስ ጀመርኩ ኣምላክ ናብቲ ሱር መሰረይ ናይቲ ጉዳይ ኣውሪዱ ኩሉ ከርእየኒ ጀመረ።፡

 

‘'ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ። ይብል እዚ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን ኩሉ ዚኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ‘' ራእ.18

 

ክርስቶስ ከኣ ኣነ ኣብርሃም ከይተወልደ ከም ዘሎኹ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ በሎም።፡ ዮሃ.558

 

የሱስን መሓመድን ብዛዕባ ርእሶም ተመሳሳሊ ቃል ኪዛረቡ ብምርኣየይ ተገረምኩ።፡እዚ ቃላት እዚ ከምቲ መሓመድ እውን ዝበሎ-ተራ ዘይኮነ ቃል እዩ።

 

መሓመድ እውን ከምዚ ኢሉ ኣሎ ኣብቲ ቅዱስ ጽሑፋቱ። ‘'ኣነ ናይ ኩሉ ፍጥረት መጀመርታን እቲ ናይ መወዳእታ ነብዩን ኢዩ።፡

 

ቀጺሉ'ውን መሓመድ። ‘'ኣነ ጌና እቲ ኣዳም ካብ ጭቃ ኪስራሕ ከሎ-ነብዩ ኣላህ ነበርኩ።፡

 

ኣብ ርእሲ'ዚውን ኣብቲ ናይ ፍርዲ መዓልቲ-ንኩሎም ሙስሊም ዝማልደሎም ምኳኑ።- በዚ ኩሉ ኣገልግሎቱ ድማ ንሱ መሓመድ እቲ ዳሕረዋይን ናይ መጨረሽታ ነብዩን መድሓኒን ምኳኑ ተዛሪቡ