Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Friday
Sep 03rd
Home
ሰማእታት ካታኮምብ (10 ክፋል) PDF Print E-mail
Wednesday, 06 May 2009

 

መስዋእትነት

ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ከሕልፍ ካብዚ ዝዓቢ ፍቕሪ የልቦን።

እቲ ቦታ ኣብ ሰፈር መኳንንቲ ቄሳር ኮይኑ እቲ ግዜ'ውን መስዩ ነበረ። ሉኩሉስ ኣብ ውሽጢ ክፍሉ ባዕ ዝበለ ብርሃን ኣብሪሁ ኮፍ ኢሉ ነበረ። ሃንደበት እቲ ማዕጾ ተዃሕኵሐ። ሉኩሉስ ድማ ካብቲ ዝነበሮ ብድድ ብምባል ነቲ ማዕጾ ከፈቶ እሞ ሓደ ሰብ ናብቲ ክፍሊ ብምእታዉ ኣብ ቅድሚ ሉኩሉስ ደው በለ።

ሉኩሉስ ድማ ዓው ብዝበለ ድምጺ "ማርሴሉስ!" ኢሉ ድሕሪ ምጭራሕ ነቲ ዘፍቅሮ ዓርኩ ብምርኣዩ ተሓጕሱ ሓቖፎ።

"ፍቱዉ ዓርከይ፣ ዳግማይ ክንራኸብ ብምኽኣልና ሓጎሰይ ወሰን የብሉን። ኣብዚ ኮፍ ኢለ ብዛዕባኻ እየ ክሓስብ ጸኒሐ። ዳግማይ ብህይወት እንራኸበሉ ዕድል የጋጥመናዶ ይኸውን እናበልኩ ክሓስብ ከለኹ ደበኽ ኢልካ።"

 

ማርሴሉስ ከኣ ንብጻዩ ከምዚ ክብል መለሰሉ "ክቡር ዓርከይ፣ ኣብ መጻኢ ብዙሕ ግዜ ንራኸብ ኣይመስለንን። ሎሚ'ውን ህይወተይ ኣብ ሓደጋ ትወድቕዶ ትኸውን እናበልኩ እናተጠራጠርኩ እየ መጺአ።"

"ብርግጽ ማርሴሉስ፣ ብጽኑዕ ከምእትድለ ተገይሩ ኣሎ። ንዓኻ ሒዙ ናብ ቄሳር ንዘቕረበ'ውን ዓቢ ሽልማት ከምዝወሃቦ ተኣዊጁ ኣሎ። ብኣይ ወገን ግና ዋላ ሓንቲ ጸገም ክመጻካ ከም ዘይክእል ከምእትፈልጥ ኣይጠራጠርን እየ። ዕርከነትና ከምቲ ናይ ቀደም ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ። እዚ ሒዙካ ዘሎ ጽላለ እንተዝገድፈካ ድማ ከም ናይ ቀደምና ሓቢርና ብሓጎስ ክንነብር ምኸኣልና ኔርና። በጃኻ ማርሴሉስ ...."

"በጃኻ ሉኩሉስ፣ ኣይተሸግረኒ። ኣነ እንተኾንኩ ብፍጹም ሓሳበይ ኣይልውጥን እየ። ንዓኻ ኩነታትይ ዘሕዝን መሲሉ ይረኣየካ ይኸውን፣ እቲ ሓቂ ክነግረካ እንተኾይነ ግና ኣብ ህይወተይ ከምዚ ናይ ሕጂ ተሓጕሰ ኣይፈልጥን እየ።"

"ቁሩብዶ ኣይትሓፍርን ኢኻ! ተሓጕሰ ኣለኹ ድማ ትብል ኣለኻ?"

"እወ ሉኩሉስ፣ እዚ ናይ ሕጂ ሓጎሰይ ብቓላት ክግለጽ ኣይክእልን እዩ። ርግጽ እዩ ብዙሕ መከራ ክበጽሓኒ እዩ ግን ከኣ ኣይጭነቕን እየ፣ ክስደድ እየ ግን ከኣ ተስፋ ኣይቆርጽን እየ።"

"ቄሳር ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዝእውጆ ዘሎ ስደትን መከራን ቀሊል ከይመስለካ።"

"ብዛዕብኡ ጽቡቕ ገይረ እፈልጥ እየ። በብመዓልቱ ብዙሓት ናይ እምነት ኣሕዋተይ ክቕተሉ እርኢ ኣለኹ። እቲ ከቢቡና ዘሎ ናይ ሓደጋ ዓንኬል'ውን በብመዓልቱ እንዳጸበበ ይኸይድ ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና። ብዙሓት ብጾተይ'ውን ካብቲ ዝኸድዎ ቦታ ሬስኦም ክምለስ ከሎ ብዙሕ ግዜ ርእየ ኣለኹ።"

"እሞ ነዚ ኩሉ እንዳረኣኻ ዲኻ ሕጉስ እየ ትብለኒ ዘለኻ?"

"እወ ሉኩሉስ፣ ልበይ ዓለም ክትርድኦ ብዘይከኣላ ሰላም ተመሊኡ ኣሎ። እዚ ሰላም ከኣ ሰማያውን ልዕሊ ኩሉ ምስትውዓልን እዩ።"

"ዝኸበርካ ማርሴሉስ፣ ንሞት ዘይትጸዓድ ምዃንካ ዝፈልጥ እኳ እንተኾንኩ፣ ክሳዕ ክንድዚ ዝኣክል መከራ ትዕገስ ኢኻ ኢለ ግና ኣይገመትኩን ነይረ።  ቆራጽነትካ ካብ ዓቕሚ ሰባት ንላዕሊ ኮይኑ ይረኣየኒ ኣሎ። ምናልባት'ውን ካብ ጽላለ ዝመጽእ ትብዓትን ቆራጽነትን ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ።"

"ተጋጊኻ ሉኩሉስ ዓርከይ፣ እዚ ኣባይ ትርእዮ ዘለኻ ጽንዓት ካብ ላዕሊ ዝተወሃበኒ እዩ። ንዓይ፣ ጎይታይ የሱስ ካብ ናይ ዓለም ኩሉ ሃብቲ ይበልጸኒ እዩ። ቅድሚ ሕጂ እዚ ምስጢር ክርደኦ ኣይከኣልኩን ነይረ። ሕጂ ግና እቲ ኣረጊት ሓሊፉ እንሆ ኩሉ ተሓዲሱ እዩ። በዚ ዝተዋሃበኒ ሓድሽ ሓይሊ ከኣ ዝኾነ ይኹን መከራ ክጻወር እኽእል እየ። ኣብ ዙርያይ ኣፉ ከፊቱ ዝጽበየኒ ዘሎ መክራ ዘሰቅቕ እኳ እንተኾነ ንመሰረት ናይ እምነትይ ግና ከናውጾ ኣይክእልን እዩ።"

ኣብዚ ግዜ'ዚ ሉኩሉስ ጓሂ ብዝመልኦ ድምጺ ከምዚ በለ፣ "ናይ ሓሳብካ ጽንዓት ብጣዕሚ እዩ ዘሕዝነኒ። ሓንቲ ናይ ምውልዋል ምልክት እኳ እንተዝርእየልካ ነይረ፣ ደሓን ግዜ ክመልሶ እዩ ዝብል ተስፋ ምሓደረኒ ነይሩ። ኩሉ ኩነታትካ ግና "ናይ ዓሻ ሃይማኖት ካብ ጅማት ይተርር" ዝብል ምስላ ይዘኻኽረኒ ኣሎ።

ማርሴሉስ ከኣ "ክሳዕ መወዳእታ ኣብ እምነተይ ጸኒዐ ምእንቲ ክርከብሲ ኣምላኽ ጥራይ ይሓግዘኒ" ብምባል ናይ ልቡ ጽንዓት ንብጻዩ ገለጸ። ብምቕጻል ድማ ከምዚ እናበለ ብዛዕባ ዝመጻሉ ጉዳይ ንሉኩልስ ክገልጸሉ ጀመረ፣

"ሎሚ ክሳዕ ኣብዚ ከምዝመጽእ ዝገበረኒ ናተይ ጉዳይ ኣይኮነን። ናብዚ ዝመጻእክሉ ምኽንያት ናትካ ሓገዝ ደልየ እየ። ቅድሚ ሕጂ "ዝኾነ ዓይነት ጸገም እንተኣጋጢሙካ ሓገዘይ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ" ኢልካኒ ነይርካ። ሕጂ መጺአ ዘለኹ'ውን ነቲ ዝሃብካኒ ተስፋ መሰረት ብምግባር እየ።"

"ኣብ ትሕቲ ስልጣነይ ዘሎ ዝኾነ ይኹን ነገር ክገብረልካ ድሉው እየ። እትደልዮ ዘለኻ ሓብረኒ።"

"ሓደ እሱር ምሳኻ ኣሎ።"

"እወ፣ ከምኡ እንተኢልካስ ብዙሓት ሒዝና ኣለና።"

"ኣነ ብፍላይ ደልየ ዘለኹ ብዛዕባ ሓደ ቆልዓ እዩ።"

"ቅድሚ ቅሩብ ግዜ ሓደ ቆልዓ ከምእተተሓዘ ሰሚዐ ኣለኹ።"

"ዋላኳ ቄሳር ክርስትያናት ንኽህደኑ እንተኣዘዘ፣ ከምዚ ዓይነት ቆልዓ ግና ክተሓዝ ኣይነበሮን። ሕጂ'ውን ኣብ ኢድካ ስለዘሎ ክትፈትሖ እልምነካ ኣለኹ።"

"ከመይ ገይረ ማርሴሉስ! ናይ ሮማ ሕግን ማሕላን ረሲዕካዮ ኢኻ መስለኒ። እዚ ትሓተኒ ዘለኻ እንተገይረ ከም ከሓዲ ከምዘቝጽረኒ ኣይትፍለጥንዶ ኢኻ? እዚ ግበር ካብ ትብለንስ ብገዛእ ሰይፍኻ ርእስኻ ኣጥፍእ እንተበልካኒ ይሓይሽ።"

"ናይ ውትህድርና ማሕላን ሕግን ኣይረሳዕክዎን። እንተኾነ ግና እዚ ቆልዓ ገና ህጻን ብምዃኑ ከም እሱር ክቁጸር ኣይግብኦን እዩ። ናይ ቄሳር ትእዛዝ ዋላ ንህጻናትዶ ይምልከት እዩ?"

"እቲ ትእዛዝ ዋላ ሓንቲ ናይ ዕድመ ፍልልይ ኣይገብርን እዩ። ካብኡ ዝንእሱ ህጻናት'ኳ ኣብ ኮሎሲዩም ክቕተሉ ከለዉ ብዓይንኻ ዝረኣኻዮ እንድዩ።"

ማርሴሉስ ከኣ "እወ ርእየ ኣለኹ" ድሕሪ ምባል ብሓሳቡ ናብተን ናይ ሓጎስ መዝሙር እናዘመራ ህይወትን ዝሰውኣ ኣዋልድ ተወንጨፈ።

ቀጺሉ ድማ "እሞ እዚ ቆልዓ ናይ መከራ ጽዋእ ክጭልጥ እዩ ማለት'ዩ?" ክብል ሓተተ።

"እምነቱ እንተዘይገዲፉ ኣይተርፎን እዩ።"

"ካብ እምነቱስ ፈልከት ከምዘይብል እፈልጦ እየ።"

"እሞ ንነብሱ እዩ ዝጎድእ። ማርሴሉስ፣ እዚ ኹሉ ዝገብር ዘሎ እቲ ሕጊ እዩ እምበር ኣነ ኣይኮንኩን እሞ በጃኻ ኣይትውቀሰኒ።"

"ዋላ ሓንቲ ኣይወቕሰካን እየ። ምእዙዝን ቅኑዕን ኣገልጋሊ ምዃንካ እፈልጥ እየ። ኣብዚ ክሳዕ ዘለኻ ከኣ ግቡእካ ክትፍጽም ኣለካ። ግን ሐደ ነገር ክሓተካ። እሱር ምፍታሕ ካብ ሕጊ ወጻኢ እዩ ኢልካኒ ኣለኻ፣ ሓደ እሱር ፈቲሕካ ኣብ ክንድኡ ካልእ ምእሳርከ ይከኣሎዶ?"

"እወ"

"ካብዚ ቆልዓ ንላዕሊ ተደላዪ ዝኾነ ሰብ እንተምጺአልካ ንእኡ ትፈትሖዶ?"

"እዋእ፣ ካብ ናትና ሰባት ዝአስርኩሞምዶ ኣለዉ እዮም?"

"የለዉን። ካባና ግና ብጽኑዕ ዝድለዩ ከምዘለዉ ትፈልጥ ኢኻ። ናይ መብዛሕትና ህይወት'ውን ብዓቢ ሽልማት ተተሚኑ ኣሎ። ስለዚ ናይዞም ሰባት ምትሓዝ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ህጻናት ከፍትሕ ይኽእል እዩ።"

ሉኩሉስ ከኣ ብምድናቕ "ኣብ መንጎ ክርስትያናትከ ሓደ ነቲ ሓደ ኣሕሊፍካ ምውህሃብ ኣሎ ድዩ?" ክብል ሓተተ።

"ኣይፋሉን! ካብ ማእከልና ንብጻዩ ኣሕሊፉ ዝህብ የለን። ሓደሓደ ግዜ ግና ሓደ ክርስትያን፣ ህይወት ናይ ብጻዩ ከድሕን ክብል ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ይህብ እዩ።"

"ብፍጹም ዘይመስል ነገር እዩ!"

"ዝተወደአ ሓሳብ እዩ!"

"ንምዃኑ በጃ እዚ ቆልዓ ክሓልፍ ተመዲቡ ዘሎ መን እዩ?"

"ኣነ ማርሴሉስ!"

በዚ ግዜ'ዚ ሉኩሉስ ቑሩብ ስጉምትታት ንድሕሪት ገጹ ድሕሪ ምኻድ "ንስኻ?" ክብል ጨረሐ።

"እወ ኣነ ባዕለይ!"

"ትላገጽ ኣለኻ መስለኒ። ዘይከውን ነገር ንምንታይ ትዛረብ ኣለኻ።"

"እዚ ዝብለካ ዘለኹ ኩሉ ካብ ልበይ እዩ። ከምኡ እንተዘይከውን ነይሩ ህይወተይ ንሓደጋ ኣቃሊዐ ናባኻ ንምምጻእ ኣይምፈተንኩን ነይረ። ነዚ ቆልዓ ንኸፍትሕ ዝክኣለኒ ኩሉ ክገብር ቆሪጸ ተላዕሊ ከምዘለኹ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ልዕሊ'ዚ ግና ሓደ ክትፈልጦ ዝደለኽዎ ነገረ ኣለኒ። ፖሊዮ፣ ዘርኢ ናይቶም ጥንታውያን ናይ ሮማ ምኳንንቲ እዩ። ኣዲኡ'ውን ብዘይካኡ ካልእ ውላድ የብላን። ኣቡኡ ኣብ ኵናት እዩ ሞይቱ። ዘርኡ ከኣ ሰርቪላውያን እዮም።"

"ሰርቪላውያን? እሞ ወዲ ሴሲሊያ እዩ ማለት'ዩ!"

"እወ! ንሳ'ውን ንግዚኡ ኣብ ካታኮምብ እያ ዘላ። ነዚ ቆልዓ ዘለዋ ፍቕሪ ከኣ መግለጺ የበሉን። በብመዓልቱ ናብ ከተማ ይለኣኽ እዩ። እንተኾነ ግና ክሳዕ ዝምለስ ኣዝያ እያ ትሻቐልን ትጭነቕን። ንኽለኣኽ እተፍቕደሉ'ውን እቲ ኣብ ውሽጢ ካታኮምብ ዘሎ ዝተበከለ ኣየር ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ከይቀዝፎ ስለእትፈርህ ጥራይ እዩ። ኣብ ውሽጢ ካታኮምብ ተዓጺኻ ምንባር፣ ኣብ ጥዕና ዘስዕቦ ጉድኣት ዓቢ ምዃኑ ስለእትርዳእ በብእዋኑ ምስታ ከተማ ርክብ ንኽገብር ተፍቕደሉ ነይራ። እዚ ቆልዓ'ዚ ድማ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ስልጣንካ ተኣሲሩ ይርከብ ኣሎ። ኣዲኡ ድማ ናይ ወዳ ምትሓዝን ምእሳርን ምስ ሰምዐት ካብ ምስንባዳ ዝተለዓለ ኣብ መንጎ ሞትን ህይወትን ጠልጠል ኢላ ትርከብ ኣላ። ናይዚ ቆልዓ ህይወት ኣብ ሓደጋ እንተወዲቑ ከኣ ናይ ኣዲኡ ሙማት'ውን ዘይተርፍ እዩ። ናይ ክልቲኦም ሞት ማለት ድማ ተረፍ ዘርኢ ናይቶም ናይ ጥንቲ ሮማውያን መኳንንቲ ካብ ማእከልና ንሓዋሩ ምጽናት ማለት እዩ። ርእሰይ በጃ እዚ ቆልዓ ኣሕሊፈ ንምሃብ ቆሪጸ ዝመጻእኩ'ውን ካብዚ ዝተለዓለ እዩ። ናተይ ህይወት ዋላ ሓንቲ ኣይኮነትን። ኣብ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ንበይነይ እየ ነይረ እሞ ሞተይ'ውን ንዋላ ሓደ ኣይክጎድእን እዩ። ልቢ ናይ ዋላ ሓደ'ውን ኣይክሰብርን እዩ። ዝኣልዮ ይኹን ዝድግፎ ሰብ የብለይን እሞ ነቲ ዘይተርፍ ሞት ክፈርሆ የብለይን። ሓደ መዓልቲ ሙማተይ ዘይተርፍ እዩ፣ ስለዚ፣ ህይወተይ በጃ ብጻየይ ከሕልፍ ወሲነ ኣለኹ። ዝኸበርካ ሉኩሉስ! ናባኻ ዘምጽኣኒ ምኽንያት ዘርዚረልካ ኣለኹ። ሕጂ'ውን ስለ ዕርክነትናን ስለቲ ዝኣተኻለይ ተስፋን ክትብል ነዚ ቆልዓ ፈቲሕካ ኣብ ክንድኡ ንዓይ ክትኣስረኒ እልምነካ ኣለኹ።"

ሉኩሉስ ከኣ ካብ መቐመጢኡ ተንሲኡ ኣብቲ ክፍሊ ናብዝን ናብትን ክብል ጀመረ። ኣብ መወዳእታ ድማ "በጀኻ ማርሴሉስ! ንምንታይ ከምዚ ጌርካ ትፍትነኒ ኣለኻ" ክብል ተዛረበ።

"ሓሳበይ ንኽትቅበል ኣዝዩ ቀሊል ነገር እዩ።"

"ናትካ ህይወት ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ከም ዝበልጸኒዶ ዘንጊዕካዮ ኢኻ?"

"እወ፣ ግና ናይዚ ቆልዓ ኩነታት ርአ።"

"ኩነታት ናይዚ ቆልዓ ዘሕዝን ምዃኑ ኣይክሕዶን እየ። እንተኾነ ግና ህይወትካ በጃ እዚ ቆልዓ ንኽተሓልፋ ከመይ ገይረ ዘፍቅድ ይመስለካ።"

"ህይወተይ ሓንቲ ግዜ ተወሲኑላ እዩ። ሙማተይ ዘይተርፍ እዩ። ስለዚ ህይወተይ ብፍቓደይ ንኣገልግሎት እዚ ቆልዓ ከውዕላ ፍቐደለይ።"

"ኣነ ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ፣ የዒንተይ እንዳረኣያ ኣይትሞውትን ኢኻ። ህይወተይ ተወሲኑላ እዩ ትብሎ ዘለኻ ዘረባ ኣይቅበሎን እየ። ከምቶም ካልኦት ክርስትያናት ናይ ህይወትካ ፍጻመ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ፣ ኣብ ኣደባባይ ክኸውን እዩ ኢለ ኣይኣምንን እየ።"

"ሓንቲ ግዜ እንተታሒዘ ከድሕነኒ ዝኽእል የለን። ክተድሕነኒ ዝከኣለካ ኩሉ ከም እትፍትን ኣይጠራጠርን እየ፣ እንተኾነ ግና ዝቐንዓካ ኣይመስለንን። ካብ ናይ ቄሳር ቁጠዐኸ መን ከድሕነኒ ይኽእል?"

"ብዝተኸኣለ መጠን ካብ ሓደጋ ንኽትርሕቕ ክጽዕር እየ። እንታይ ከም ዘጋጥምከ እንታይ ትፈልጥ። ዝኾነ ኮይኑ ግን እዚ ናይ ሕጂ ልመናኻ ፈጺመ ክሰምዖ ኣይደልን እየ።"

"ብቐጥታ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ቀሪበ እዚ ንዓኻ ዝነገርኩዃ ንኽገብረለይ ክልምኖ እየ።"

"ንዓኻ'ውን ብምእሳር፣ ንክልቴኹም ከም ዘቕትለኩም ኣይትጠራጠር።"

"ሓሳበይ ብልኡኽ ገይረ ከም ዝበጽሖ ክገብር እየ።"

"ንሱ'ውን ኣየዋጽኣካን እዩ። ከመይሲ፣ እቲ ልኡኽ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ንኽቐርብ መን ከፍቅደሉ ይኽእል?"

ማርሴሉስ ከኣ ተስፋ ቆሪጹ "እሞ ዋላ ሓንቲ ተስፋ የለን ማለት እዩ?" በለ።

"ዋላ ሓንቲ ክግበር ዝከኣል ዘሎ ኣይመስለንን እዩ።"

"እሞ ንኹሉ ልመናይ እምቢ ኢልካ ማለት'ዩ?"

"ዝኸበርካ ማርሴሉስ! ከመይ ገይረ ዓይነይ እንዳረኣየ ንብጻየይ ናብ ሞት ኣሕሊፈ ክህብ እኽእል? ነዚ ዘይከውን ልመናኻ ክቕበል ብዘይምኽኣለይ ይቕሬታ ኽትገብረለይ ካብ ልቢ እልምነካ ኣለኹ።"

ማርሴሉስ ከኣ መደቡ ከምዘይቀነዓሉ ምስ ረኣየ "ፍቓድ ጎይታ ይፈጸም። ፍረ ናይ ድኻመይ እዚ ካብ ኮነ ቀልጢፈ ናብቲ ዝመጻእኩሉ ምምላስ ይሕሸኒ። እዚ ተስፋ ዘቑርጽ መልእኽቲ ሒዘ ከመይ ገይረ ከምዝምለስ ኣይፈልጥን እየ" በለ።

ክልቲኦም የዕሩኽ ንቑሩብ ግዜ ገለ ቃል ከየተንፈሱ ተሓቛቝፎም ደው ድሕሪ ምባሎም፣ ማርሴሉስ ናብቲ ዝመጸሉ ንኽምለስ ቀልጢፉ ወጺኡ ከደ። ሉኩሉስ'ውን ብጻዩ ምስ ከደ፣ በቲ ዝሰመዖ ነገር ተደኒቑ ኣብ ናይ ሓሳብ ትካዘ ኣተወ።

ማርሴሉስ ከኣ ብሰላም ናብ ካታኮምብ ተመልሰ። ንሱ ሒዝዎ ዝመጽእ ሓበሬታ ብሻቕሎት ዝጸባበዩ ዝነበሩ ኩሎም ድማ ብምምጽኡ ተሓጎሱ።

ሕጂ'ውን ሴሲልያ ብዝግባእ ህይወት ኣይዘረአትን ነበረት። ኣብ ከባቢኣ ንዝፍጸም ኩሉ ብኸፊል እያ ተስተውዕሎ ነይራ። ኣብ ሃለፍታ ኮይና ከኣ ብዛዕባ ናይ ጥዑም ዘመን ግዜኣ ትዛረብ ነበረት። ብኻልእ ሸነኸ ከኣ እቶም ኣብ ካታኮምብ ዝተፈራረቕዋ ናይ ተስፋን ፍርሃትን፣ ናይ ሓጎስን ሓዘንን ስምዒታት ከምኡ'ውን እቲ ወትሩ ዘይተፈለያ ሻቕሎትን እቲ ንጥዕና ጎዳኢ ዝኾነ ናይቲ ቦታ ኣየርን፣ እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ንኣካላታን ኣእምሮኣን ከም ዝጎደኦ ብግልጺ ይረአ ነበረ። እቲ ሕንቃቐ ዝለመደ ናይ እመቤት ኣካላታን ሞራላን ድማ ብሰንኪ ናይ ወዳ ማእሰርቲ እንዳማህመነ ከደ።

በታ መዓልቲ ምሸት ከኣ ኩሎም ፈተውታ ኣብ ዙርያ ዓራታ ኮይኖም ኩነታታ ክሕልዉ ጀመሩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት እንዳደኸመት ስለዝኸደት ድማ ግዜ ሙማታ ከምዝኣኸለ ኣብ ኩሎም ተፈልጠ። እቲ ናይ ሽዑ ኩነታታ ድማ ዋላ ናይ ወዳ ምምላስ እኳ ከመሓይሾ ኣይክእልን ነበረ። ናይ ህይወታ ፍጻመ ስለዝቐረበት ከኣ ንነዊሕ እዋን ጸጥ በለት፣ ምዝራብ'ውን ሰኣነት።

የዒንታ ፈጠጠጥ ክብላ ጀመራ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ዝቐምሰለን ዝዓበረን ገጻ በርሀ። ተበራቲዓ ድማ "ማራን ኣታ! (ጎይታ የሱስ ንዓ)" ዝብላ ቃላት ክተውጽእ ከኣለት። ከምዚ ምስ በለት ከኣ ነፍሳ ካብ ስጋኣ ተፈለየት። ነፍሳ'ውን ናብቲ ዋንኣ ዝኾነ እግዚኣብሄር ተመልሰት።

Comments
Add New Search
Write comment
Name:
Email:
 
Title:
Please input the anti-spam code that you can read in the image.
{poweredby} {poweredby}

3.26 Copyright (C) 2008 Compojoom.com / Copyright (C) 2007 Alain Georgette / Copyright (C) 2006 Frantisek Hliva. All rights reserved."

 
< Prev   Next >
Headline
  • Pause
  • Previous
  • Next
1/10
 
Daily devotion
‎ከምቲ ኣምላኽ ዝርእዮ ምርኣይ‎ ኣብ 1ይ ሳሙኤል እግዚኣብሄር ንሳኦል ዝትክእል ንጉስ ክቐብእ ምስ ደለየ ንሳሙኤል ናብ እንዳ እሰይ ልኢኽዎ። ሳሙኤል ከኣ ዘይቲ ኣብ ቀርኒ ሒዙ ድሕሪ ም...
 
Teaching
‎ደቀ መዝሙርነት ብሓደ ዓይነት ቅርጺ 'ዶ?‎ ራንዲ ዲ ሬይስብሩክ*  ካብ ኣገልግሎት ደቀ መዝሙርነት ተመክሮኡ "ኩኪስ ካተር" ዝብል ሓደ ጽሑፍ ኣቕሪቡ ኔሩ። መታን ክንመሃረሉ ትሕዝቶኡ...
Cell Group Material
ዉሕሉል ኣገባብ ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስ መእተዊ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጸ ቓል ስለዝኾነ፡ ኸም ዉሉድ ኣምላኽ መጠን ግዜ ወሲድካ ከተንብቦን ከተጽንዖን ይግባእ። መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣ...
 
Character Study
ህይወት ዳዊት ሰብ ኣብ ጌጋ ብዘለዎ ኣረኣእያን ካብኡ ዝወስዶ ትምህርትን ኣብ ሰለስተ ክንመቕሎ ንኽእል፣     ቀዳማይ። ጌጋ ዝገብር እሞ ጌጋ ከምዝገበረ ተረዲኡ ...
 
Witness
Image ቃለ-መሕትት ምስ ዘማሪት ምስ ሰላም ሓጎስ 2004 ሀ. ሕሉፍ ታሪኽ ህይወት 1.      ብዛዕባ ገዛእ ርእስኺን ድሕረ ባይታኽን ኣተዓባብኽን መዕለልክና ዶ ?  ስመይ ሰላም ሓጎስ እበሃል።...
   
News
Image መልሲ ንሰብ ሓዳር ንኣብ ሓዳር ዘጋጥሙ ሕቶታትን ብድሆታትን እትምልስ ብግልጽነት ንዘሎና ጸገማት ሓዳር እተርኢ ብቡርስን ኬሮል ብሪትንን ዝተጻሓፍት ብሓው ዮናስ ወልደርፉ...
Social Issue
Image ንመንእሰይ ዕውታት ዝገብርዎ ባእታታት 3ይ ክፋል 3 ብዛዕባ ካልኦት ሰናይ ኣረኣእያ ምምዕባል። ሎሚ ኩሉትና ኣብዛ ምውድዳርን ዝናን ዝበዛሓላ ዓለም ኢና ንንበር ዘሎና። ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ወዲ ...
     
 
  • Send Postcard !
  • Advertismnet!

    ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ  ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንመላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መገዲ መራኸቢ እንዝርግሕ ክርስትያናት ኢና።

    Read all Books in our Web

               
       

     

    Give your Vote!

    What do you like most about Eriwongel.com?
     
    What die you want to change?
     

    Our Favorite Links

    www.bible.org
    Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

    Christ for all Nations, Cfan
    cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
    http://www.cfan.org
     
    Release Eritrea!
    release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha

    Join the EGMM team

    We are seeking a English and Amharic translator / editor who will serve with us as voluntary translator.
    Grafic & web Designer
    If you are Graphic and web Designer and looking out for working in the Kingdom of our Heavly Father, then here's the right opportunity to work with us.
    Advertiser links Geezsoft.com
    Hier you can download free Geez Font
    Eristart.com
    First Eritrean Startpage 

    Who's Online

    We have 75 guests online
    • tigrina
    • English

    Movies

    Agelglot.com

    Compassdirect.org

    Syndicate


    EGMM pro Mezmur

    EGMM PRO MEZMUR  

    EGMM pro Sbket

    EGMM PRO SBKET  

    EGMM pro Books»

    EGMM ORO BOOKS 

    Active Quiz»

    Active Quiz 

    EGMM PRO REDIET»

    EGMM PRO REDIET