Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Friday
Sep 10th
Home arrow Articles arrow Daily Devotion arrow ብፍቕሪ እትገብር እምነት
ብፍቕሪ እትገብር እምነት PDF Print E-mail
Friday, 01 May 2009

 ሰብ ገላትያ ብጎይታ ኣሚኖም መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ምቕባሎም ገለ ኣይሁድ ሕጊ እንተ ዘፈጸምኩም ሰዓብቲ ክርስቶስ ክትኮኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም ዝብል ናይ ስሕተት ትምህርቲ ስለ ዘእተውሎም ሃዋርያ ጳውሎስ መልእኽቲ ክጽሕፈሎም ተደሪኹ። ንሱ ኣብ መልእኽቱ ግዝረት ኣብ ምድሓንና ዋላ ሓንቲ ግደ ከም ዘይብሉ ምእንቲ ከፍልጥ ነቲ ጽርኣዊ ዝነበረ ቲቶስ ከም ዘይገዘሮ ተዛሪቡ (ገላ.2፣3)። ብክርስቶስ ሓራ ወጺእካ ከተብቅዕ ናብ ሕጊ ምምላስ ከኣ በርዑት ባርነት ምቑራን ምዃኑ ነጊርዎም (ገላ.5፣1)። ብክርስቶስ የሱስ እታ ብፍቕሪ እትገብር እምነት እምበር ግዝረት ኮነ ዘይግዝረት ዋላ ሓንቲ ከም ዘይብሉ ድማ ምሂሩ።

እግዚኣብሄር ንሰብ ስለ ዘፍቅሮን ምስኡ ናይ ፍቕሪ ሕብረት ክገብር ስለ ዝደሊን ከምቲ ንሱ ኣፍቂሩና ሓደ ወዱ ዝሃበና ንሕናውን ኩሉ እንገብሮ ብፍቕሩ ተደሪኽና ክንገብሮ ይደልየና። ጎይታውን ኣብ ቃሉ “እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፣ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፣ ኣነውን ኤፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ። . . . ዜፍቅረኒ እንተሎ፣ ቃለይ ይሕሉ እዩ፣ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፣ ናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።” (ዮሃ.14፣21-23) ይብል። ከም ናይ ሓዲሽ ኪዳን ኣመንቲ እንገብሮ ኩሉ ንጎይታ ብዘሎና ፍቕሪ ዝተደረኸ እንተ ዘይኮይኑ ትርጉም የብሉን። ኣብ ብሉይ ኪዳን ብዝረኽብዎ ዓስቢ ተደሪኾም ትእዛዝ ኣምላኽ ይሕልዉ ኔሮም፣ ካብ ግብሮም ሓሊፉ ሃቐናኦም ይምዘን ስለ ዘይነበረ  ብመጠን እቲ ዝሓለውዎ ትእዛዛት ዓስቢ ይቕበሉ ኔሮም። ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ግን ብፍቕሪ ተደሪኽና እምበር ዓስቢ እናተጸበና ትእዛዛት ኣምላኽ ክንሕሉ ከም ዘይብልና ተገሊጹ ኣሎ። ትእዛዛት ኣምላኽ ምፍጻም ወይ ዘይምፍጻም በረኸት ወይ መርገም ካብ ምምጻእ ሓሊፉ ንጎይታ ተፍቅሮን ዘይተፍቅሮን የርኢ እዩ። ከምዚ እንተጌርካ ኣምላኽ ከኣ ከምዚ ክገብረልካ እዩ ዝብል ትምህርቲ እምበኣር ናይ ሓድሽ ኪዳን ትምህርቲ ኣይኮነን። ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ መልእኽቱ ብፍቕሪ ኣምላኽ ተደሪኽካ ህይወትካ ኣብ ክንዲ ኣሕዋትካ ከም ተሕልፍን ፍቕሪ ኣምላኽ ተረዲኡካ ንጽጉማት ኣሕዋትካ ከም ትረድእን ይዛረብ (1ዮሃ.3፣16-17) ጎይታ ዝገበረልና እንተ ዘይተረዲኡና እቲ እቶም ዝተረድኦም ዝገብርዎ መግለጺ ፍቕሮም ‘ጥፍኣት’ ክመስለና ይኽእል እዩ (ማቴ.26፣8)። ጎይታ ዘይተረድኣና ነገር ክንገብር ስለ ዘይደልየና እግዚኣብሄር ብቃሉን መንፈሱን ፍቓዱ ከፍልጠና ክንሓቶ የድልየና። ኣምላኽ ነቲ ሰባት ብፍቕሪ ተደሪኾም ዝገብርዎ ብዙሕ ኮነ ሒደት ነገር ስለ ዝቕበሎ ኣብ መንጎ እቶም ‘ተረፎም’ ዝህቡን ‘ዘለዎም መግቦም’ ዝህቡን ይፈላሊ እዩ (ሉቃ.21፣4)። ንሱ ነቲ ብፍቕሩ ተደሪኽካ እትገብሮ ናትካ ዝበለጸ ነገር ይቕበሎ እምበር ‘ከምዚ ወይ ከምቲ ክትገብሮ ኔሩካ’ ብምባል ኣየጉህየካን እዩ።  ህይወትናን ኣገልግሎትናን ብፍቕሪ ዝተደረኸ ድዩ? ንጎይታ እቲ ዝበለጸዶ ወይስ ተረፍ ኢና ንህቦ ዘሎና? መብዛሕትና ሃይማኖት እምበር ጥዑይ መንፈሳውነት ስለ ዘይብልና ንኽንጽሊ ኮነ ዕሽር ንኽንህብ መምርሒ፣ ንከነገልግል መተሓሳሰቢ የድልየና እዩ። ክንጽሊ፣ ከነገልግልን ንዕዮ ኣምላኽ ዝኸውን ገንዘብ ክንህብን ፍቓድን ድላይን ኣምላኽ እዩ። እዚ ኩሉ ብፍቕሪ እንተ ዘይተደሪኹ ግን ጎይታ ኣይደልዮን እዩ። ንሕና ዕሽርና ብዘይ ምሃብና ዝበኩር ዕዮ ኣምላኽ የለን። ብመሰረቱውን ዕሽር ምሃብ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ትምህርቲ ኣይኮነን። ገለ ክፋል ናይ ኣታዊታትካ ንዕዮ ኣምላኽ ምሃብ ርእስኻ ምግታእ ስለ ዝምህረካ ጽቡቕ ልምምድ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ግን ዕሽር ምሃብ እቲ ዝተረፈ ናተይ እዩ ማለት ስለ ዝኾነ ምስቲ ኩለንትናኻ ምውፋይ ዝምህር ትምህርቲ ጎይታ ዝሳነ ኣይኮነን። ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ ስለ ዝፈቱ (2ቆረ.9፣7) ክንድቲ ተሓጉስና ክንህቦ ዝደለና ይቕበለና እዩ። ጎይታ ዕሽር ምሃብ ኣይመሃረን ዕሽር ብምሃብ ዝመጽእ በረኸት ወይ ብዘይ ምሃብ ዝመጽእ መርገም ከኣ የለን። ሓዲሽ ኪዳን ብዛዕባ ህይወትካ ብምልኣት ንኣምላኽ ምውፋይ ስለ ዝዛረብ እቲ ኣብ ሚልክያስ ዘሎ ብዛዕባ ዕሽር ንምምሃር ዝጥቀስ ጥቕሲ ነቶም ህይወቶም ብምልኣት ዘየወፈዩ ብመሰረት ብሉይ ኪዳን ዝነብሩ ሰባት ዝምልከት ምዃኑ ከነስተውዕል የድልየና። ኣምላኽ መዓስ እዩ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ክኾነና ኢሉ ወዱ ሂቡና? ጠባይና ከነዐሪ ምስ ጀመርና ወይስ ገና ሓጥኣን ከሎና? ነዚ ሕቶ እዚ እንተ መሊስናዮ  ዓስቢ እናተጸበኻ ትእዛዝ ኣምላኽ ምፍጻም ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዘይኮነ ክርድኣና እዩ። ንሱ እዚ ኩሉ ዝገበረ ብዓባይ ፍቕሪ ስለ ዘፍቀረና እምበር ንሕና ገለ ምእንቲ ክንገብረሉ ኣይኮነን። ጎይታ የሱስ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን እንተ ደሊና እቲ ካልእ ከም ዝውሰኸልና ተዛሪቡ ስለ ዘሎ ዓቕምና ብዘየገድስ ንሱ ከም ቃሉ ከም ዝኾነ ክንዝክር ኣሎና። እግዚኣብሄር ጽቡቕ ነገራት ዝህበና ንሱ ሰናይ ስለ ዝኾነ እምበር ከምዚ ወይ ከምቲ ስለ ዝገበርናሉ ኣይኮነን። ብፍቕሪ ዘይግበር ነገር ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዋጋ ስለ ዘይብሉ ንእንገብሮ ዘበለ ብምንታይ ተደሪኸ እገብሮ ኣለኹ ኢልና ክንሓትትን ጎይታ ኣዒንትና ከብርሃልና ክንሓቶን ይግብኣና። “ብክርስቶስ የሱስሲ፣ እታ ብፍቕሪ እትገብር እምነት ደኣ እምበር፣ ግዝረት ኮነ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ ኣይከኣሎን እዩ።” (ገላ.5፣6)                          እግዚኣብሄር ይደግፈና!
Comments
Add New Search
Write comment
Name:
Email:
 
Title:
Please input the anti-spam code that you can read in the image.
{poweredby} {poweredby}

3.26 Copyright (C) 2008 Compojoom.com / Copyright (C) 2007 Alain Georgette / Copyright (C) 2006 Frantisek Hliva. All rights reserved."

 
< Prev   Next >
  • Send Postcard !
  • Advertismnet!

    Our Favorite Links

    www.bible.org
    Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

    Christ for all Nations, Cfan
    cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
    http://www.cfan.org
     
    Release Eritrea!
    release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha

    Who's Online

    We have 2 guests online
    • tigrina
    • English

    Agelglot.com

    Syndicate

    Video

    EGMM pro Mezmur

    EGMM PRO MEZMUR  

    EGMM pro Sbket

    EGMM PRO SBKET  

    EGMM pro Books»

    EGMM ORO BOOKS 

    Active Quiz»

    Active Quiz 

    EGMM PRO REDIET»

    EGMM PRO REDIET