Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Friday
Mar 12th
Home arrow Articles arrow Teaching arrow እቲ እንኮ ዓብዪ ዛዕባ ናይ ቃል ኣምላኽ
እቲ እንኮ ዓብዪ ዛዕባ ናይ ቃል ኣምላኽ PDF Print E-mail
Friday, 10 April 2009

Image(1)               ክርስቶስ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብሓፈሻ፡

ኣብ ብምሉኡ እቲ ቃል ኣምላኽ ተዘርጊሑ ብሰፊሕ ዚዝረበሉ ርእሲ ወይ ከኣ ዛዕባ ክርስቶስ እዩ። ንሱ ኸኣ ናይታ ሰበይቲ ናይ ተስፋ ዘርኢ ተባሂሉ ዝተነግረሉ እዩ። ዘፍ 3፡15

መሰረት ናይ ወድ ሰብን ኩሉ ፍጥረትን ናይ ምሕዳስ ተስፋ፡ ኣብቲ ኣብ ምዱብ ግዜኡ ኪውለድ እሞ ኪስቀን ኪመውትን፡ ከምኡውን ኣብቲ ብትንሳኤኡ ናይቲ ሕድሽ ፍጥረት ርእሲ ኪኸውንን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ንርእሲ ናይቲ ነዚ ኹሉ ዕንወት ዘምጽአ ናይ ጥንቲ ተመን ኪጭፍልቕን ዝነበሮ፡ ኣብ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ዝተሰረተ እዩ። ስለዚ ድማ እዮም ክርስቶስ እቲ ንጉስን እቲ ንሱ ኣስዒቡ ከቑሞ ዝነበሮ መንግስትን፡ ነቲ እንኮን ዝዓበየን ኣርእስቲ ናይ ብምሉኡ ቃል ኣምላኽ (መጽሓፍ ቅዱስ) ከቑሙ ዝኸኣሉ።

በዚ መሰረት ከኣ፡ ክርስቶስ ንመለኰታዊ ምግላጽ ናይ ቃል ኣምላኽ፡ ባዕሉ መፍትሕ ኰይኑ ንረኽቦ። ብዘይ ብእኡ ድማ፡ እቲ ቃል ክትርድኦ ዘይከኣል ኰይኑ ይተርፍ።

ካብዚ ዝነቐለ፡ ንትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምሮን ክንሰርዖን እንተዄንና፡ መጀመርያ ንዕኡ ንክርስቶስ ኣብ ቦታኡ ኣቐሚጥናን፡ ከም መወከሲ ወሲድናን ጥራይ ኪኸውን ኣለዎ። ኩሉ ምኽርታትን ዕላማታትን ኣምላኽ ኣብ ክርስቶስ ዝተማእከለ እዩ። 

(1)               ኣብ ብሉይ ኪዳን፡- እቲ ንጉስን እታ መንግስትን፡ ኣብ ኩሉ እቲ ዝተዋህበ ተስፋን ትንቢትን፡ ስእላዊ መረድኢን ምሳሌን ሰፊሮም ኣለዉ።

(2)               ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት፡- ናይ ዮሃንስ መጥምቁን ጐይታ የሱስ ክርስቶስን ቀንዲ ስብከትን ትምህርትን፡ ብዛዕባ እቲ ንጉስን እታ መንግስቱን ምንባሩ ንርኢ። ይኹን እምበር ነቲñ መስርሕ ክንሪኦ ከሎና፡ እንሆ እታ መንግስቲ ተነጺïጋ፡ እቲ ንጉስ እውን ተሰቂሉ (ሞይቱ) ንዕዘብ።

(3)               ኣብ ግብረ ሃዋርያት፡- ኣብዚ ድማ እታ መንግስቲ ናብ ቤተ ክርስትያን ክትሰጋገር ከላ ኢና ንዕዘብ። እታ መንግስቲ ከም ብሓድሽ ብጴጥሮስ ንእስራኤል ትወሃብ እሞ፡ ከምብሓድሽ ድማ ኪነጽግዋ ከለዉ፡- እስጢፋኖስ ብእምኒ ተቐጥቂጡ ድሕሪ ምማቱ ድማ ጴጥሮስ እውን ኪእሰር እንከሎ ኢና ንዕዘብ። (ግብ.12)

  

ብድህሪዚ ጳውሎስ፡ ኣቐዲሙ (ምዕ.9) ተሓርዩን ተጸዊዑን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንኣገልግሎት ጐይታ ኪምዘዝን ብዝዕባ እታ መንግስቲ ንእስራኤል ኪምስክረሎም ይጅምር። እስራኤል ጨሪሶም ምስ ነጸግዎ ድማ፡ ንሳልሳይን መወዳእታን ግዜ ኣብ ኢሳያስ 6፡10 ዘላ ናይ ዑረት ፍርዲ ኣወጀሎምን „ደጊም ምድሓን እግዚኣብሔር ናብ ኣህዛብ ከም እተላእከን፡.." ኣፍለጦምን። ( ግብ. 28፡25-28)

ጳውሎስ፡ ኣብቲ ናብ እብራውያን ኣመንቲ ዝጸሓፎ ሕውነታዊ መልእኽቱ፡ ምንም እኳ ኩሎም ነገራት ብኹሉ ምኽሪ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ እግሪ ክርስቶስ ዝተገዝኡ እንተዀኑ፡ „ግናኸ ኩሉ ከም ዚግዝኦ፡ ንሕና ገና ሎሚ ኣይንርእዮን ኢና ዘሎና።" ኪብል ጽሒፉሎም ኣሎ።

ካብ ሽዑ ጀሚራ፡ እታ መንግስቲ ተወንዚፋ ኢያ ዘላ።

(4)               ኣብ መእኽትታት ሃዋርያት፡- ኣብዚ መሰጋገሪ ዘመን ናይ ምፍሳስ ጸጋ እምላኽ፡ እቲ ንጉስ ከቢሩ ንሪኦ፡ ምንም እኳ እታ መንግስቱ ኣብ ውንዛፈ እንተሃለወት ከኣ ኣብታ ማሕበር ናይ ኩሉ ነገር ርእሲ ኰይኑ ኣሎ።

(5)               ኣብ ራእይ መፈጸምታ ዘመን፡- ኣብዚ እቲ ንጉስ፡ ፍርዲ ናይ ዝህበሉ ምግላጽን፡ እታ መንግስቲ እትቘመሉ ፍጻሜን ስለዝመጻአ፡ ኩሉ ተስፋ እውን ስለ እተፈጸመን ትንቢታት ስለዝተወዳኡን፡ እቲ ንጉስ ኣብ ዙፋኑ ብሓይልን ብኽብርን ነጊሱ ንሪኦ።

 

ነዚ ክብ ኢሉ ተዘርዚሩ ዘሎ፡ ብኸምዚ ዚስዕብ ኣቃውማ ቀሪጽና ክንሪኦ እውን ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል።

   (ሀ) ኣቲ ንጉስን እታ መንግስትን ኣብ ተስፋን ትንቢትን፡ (ብሉይ ኪዳን)

  (ለ) እቲ ንጉስ መጺኡ። ርእሱ ገሊጹ። ተነጺጉ። እቲ ምስጢራት ናይታ     

      መንግስቲ ድማ ተነጊሩ፡ ተኣዊጁ። (ማቴ.13፡11,34,35)

      (እቶም ኣርባዕተ   ወንጌላት)።

  (ሐ) መሰጋገሪ ግዜ (ግብረ ሃዋርያት) እታ መንግስቲ ከምብሓድሽ

      ተወፍያ፡ ተዋሂባ። ግና ሕጅውን ተነጺጋ።

      (ቀዳሞት መልእኽትታት ጳውሎስ)

  (ለ*) እቲ ንጉስ ልዕል በለ። ኣብ ልዕሊ ኩሉ ርእሲ ምእንቲ ኪኸውን ድማ

     ነታ ስጋኡ፡ ኩሉ ኣብ ኩሎም ዚመልእ ምልኣቱ ዝዀነት ማሕበሩ ተወፈየ።

      (ኤፌ.1፡፡22,23)። እቲ ዓብዪ ምስጢር (ኣምላክ) እውን ተጋህደ።

      (ዳሕረዎት መልእኽትታት ጳውሎስ)። እታ መንግስቲ ኣብ ውንዛፈ                       እያ ዘላ። (እብ.2፡8)

   (ሀ*)  ነቲ ንጉስን ነታ መንግስትን ዝሸፈኖም ጉልባብ ይቕላዕ። እቲ ንጉስ    ኣብ ዙፋኑ ይነግስ።እታ መንግስቱ ኸኣ ብመለኰታዊ ሕይልን ስልጣንን ቈይማ ትርአ።( ራእ.19፡20) እቲ ተስፋን እቲ ትንቢትን ኩሉ ይፍጸም።(ፍጻሜታት መጨረስታ ዘመን)።

 

ኣብቶም ሓሙሽተ ኣካላት ዝርአ ዝምድናታት ከምዚ ዚስዕብ እዩ።

ኣብ „ሀ"ን „ሀ*"ን፡ እቲ ንጉስን እታ መንግስትን ኣለዉ።

እብ „ለ"ን „ለ*"ን፡ እቲ ንጉስን፡ እቲ ምስጢራት ናይታ መንግስትን ኣለዉ።

ኣብ „ሐ" እቲ ማእከላይ እካል፡ እቲ መሰጋገሪ ግዜ ኣሎ። እቲ ንጉስ ግን የሎን። መንፈስ ቅዱስ ግን ኣሎ። እታ መንግስቲ ተወንዚፋ እያ። ናይታ ማሕበር (ቤ/ክ) ምስጢር ግና ተቐሊዑ/ተገሊጹ እዩ። (ኤፌ. 3)

 

እዚ ዝምድናታት እዚ፡ በዚ ዚስዕብ ሰንጠረጅ ኪርአ ይከኣኣል እዩ።

 

 

መጽሓፍ ቅዱስ

 

ብሉይ ኪዳን

እቲ ንጉስን እታ መንግስትን ኣብ ትንቢትን ኣብ ተስፋን።

ወንጌላት

እቲ ንጉስን እታ መንግስትን ተኣዊጆም፡ ተነጺጎም ድማ።

ግብረ ሃዋርያት

መሰጋገሪ ግዜ፡ እቲ ንጉስን እታ መንግስትን ዳግም ተዋሂቦም፡ ተነጺጎም እውን፡ ስለዚ ተሳሒቦም ኣለዉ።

መልእኽትታት

እቲ ንጉስ ከም ርእሲ ናይ ማሕበሩ ልዕል ኢሉ፡ እታ መንግስቱ ተወንዚፋ፡ï ይጽበ ኣሎ። እብ.11፡9።

መወዳእታ ዓለም

እታ መንግስቲ ብፍርድን ብኽብርን ትቐውም፡ እቲ ንጉስ ኣብ ዙፋኑ ይነግስ።

        

ካብቲ ቅርጺ ኣቃውማን፡ እዚ ዳሕረዋይ መረድኢ ስእሊ እዝን፡ እቲ ዝዓበየ ርእሲ (ዛዕባñ) ናይ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ጥራይ ምዃኑ ኣነጺሩ የርእየና። ካብ ዘፍጥረት 3፡15 ጀሚሩ ክሳዕ ራእይ 27፡ „እቲ ዚመጽእ" ንኹሉ ራእይና ቀጺጹ መሊእዎ ንረኽቦ።


እዚ ዚምህረና ቍምነገር፡ እምበኣር፡ ምጽኣት ናይ ክርስቶስ፡ ወትሩ ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ቀዋሚ ተስፋ ኰይኑ ካብ ቀደም ዝጸንሐ ርእሲ (ዛዕባ) ምዃኑ እዩ።

 

ኣብ ምዱብ ግዜኡ፡ ንሱ መጺኡ እዩ። እንተዀነ ግና ምስ ተነጽገን ምስ ተቐትለን፡ ካብ ሞት ተንሲኡ፡ ናብ ገነት ዓረገ። ኣብኡ፡ ኣብ የማን ዙፋን ኣቦ ተቐሚጡ ኸኣ ንብሕጂ „እቶም ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ክሳዕ ዝዀኑ" ይጽበ ኣሎ። (እብ.10፡13)

 

ከምዚ ኢሉ ኸኣ ክርስቶስ፡ „እቲ ዚመጽእ" ኣብ ብዘሎ ቃል ኣምላኽ፡ እቲ በይኑ ንኹሉ ዝመልእ ርእሲ ኰነ።

 

ንሱ እቲ ህይወት ዚህብ መንፈስ፡ „ኒውማ" ናይቲ እተጻሕፈ ቃል ስለዝዀነ፡ ብዘይ ብእኡ ሃቲ ቃል ምዉት እዩ። ኸምቲ ስጋ ብዘይ „መንፈስ"  ማለት ብዘይ „ታቦቅችmሽ" ምዉት ዝዀነ፡ (ያዕ. 2፡26)፡ ኸምኡ ድማ እቲ እተጻሕፈ ቃል ብዘይ እቲ „ታቦቅችmሽ" ምዉት እዩ። እምበኣር፡ እቲ ታቦቅችmሽ ማለት እቲñ መንፈስ እቲ ክርስቶስ እዩ። ናይ 2 ቈረ. ምዕራፍ 3 ምሉእ ምጕት እምበኣር እዚ እዩ።

 

ጐይታ የሱስ ክርስቲስ ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ኪዛረብ ከሎ፡ „ ብዛዕባይ እዮም ዚምስክሩ" ኪብል ዝኸኣለሉ ምኽንያት ድማ እዚ እዩ።

 

እቲ ናይ ኩሎም ቃላት ቃል ኣምላኽ ዝዓበየ ዕላማ ብዛዕባ „እቲ ዚመጽእ" ምንጋር እዩ። እቲ ኹሉ ኻልእ፡ እቲ ዝተረፈ ብምሉኡ፡ ነዚ ዚሕግዝን ዘገልግልን ጥራይ እዩ።

 

ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ተራ ናይ ስድራ ቤት ፍጻሜታት፡ ምስቲ ኣዝዩ ዝዓበየ ራእያት ናይቲ ነብዪ ተገጣጢሞም፡ ነቲ ንቅዱስ ጽሑፋት ዝመልአ ጐይታ ክምስክርሉ ከለዉ እንርእዮም ዘሎና እምበኣር እዚ እዩ። ብዛዕባ እቲ እተጻሕፈ ቃል ከኣ፡ ከምቲ ንሓዳስ የሩሳሌም እተባህለላ፡ „መብራህቱስ እቲ ገንሸል እዩ።"     (ራእ.21፡23)።

 

ዝዀነት ባህርያዊት ዓይኒ ሰብ፡ ካብ ክርስቶስ ወጻኢ እንተጠሚታ፡ ካብ ግዳማዊ ታሪኻዊ ነገራትን ኵነታትን ሓሊፋ ትርእዮ የብላን። ካብዚኦም እቶም ገሊኦም፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ኣዝዮም ደቀቕቲ፡ ገሊኦም ኸኣ እሞ ዝፍንፈኑ፡ ካልኦት ድማ ትሕቲ ዓቐን እዮም። በቲ ካልእ ሸነኽ ግን፡ ነቲ „መላእኽቲ እኳ ክርእይዎ ሃረር ዝብልዎ" ነገራት ወይ ብሒደት ቃላት ወይ ከኣ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ዘረባ፡ ጐሲኻዮ ምሕላፍ ኣሎ።

 

ግናኸ፡ „እቲ መንፈሳዊ ዓይኒ" ሓንሳብ ምስተኸፍተ፡ ክርስቶስ ንሙሴን ብነብያትን ክምስከረሉ ከሎ የስተውዕል እሞ ኩሉ ነገር ሓድሽ መልክዕ ክሕዝ ይጅምር። ኣብ ቅዱስ ጽሑፋት ኪምዝገቡ ፈጺሞም ዘይበቕዑ ዝመስሉ ደቀቕቲ ነገራት ንብዘሎ እቲ ራእይ ይመልእዎን ነቲ እተጻሕፈ ቃል ብብርሃን ኰሊዖም፡ ብኽብሪ ናይ መለኮታዊ ህላውነት ከም ዘንጸባርቕ ይገብርዎ። ብድሕሪዚ ኢና እቲ ብመንፈስ ቅዱስ እተመርሐ ጸሓፊ፡ ስለምንታይ ነቲ ምስ ካልኦት ነገራት ከተወዳድሮ ከሎኻ፡ ኣብ ግምት ኪኣቱ ዘይክእል ኣዝዩ ደቂቕ ነገር ከም ዘተኵረሉን ኣብኡ ኣትኪሉ ከም ዚዛረብን ክንርዳእ ንጅምር።

 

ከምኡ ኣናበልና ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላክ ንኹሉ ነገራት ኣብ ናቱ ዕላማ ምእንቲ ኬውዕሎ፡ ኣብቶም ተራ ዝዀኑን ዘይኣገደስቲ ነገራትን ፍጻሜታትን፡ ንምኽርታቱ መደባቱን ዘንጸባርቑ ገለ ባህርያት ከምዘቐምጥ ንዕዘብን ይበርሃልናን።

 

እንሆ እምበኣር እዚ እዩ እቲ ንቓል ሓቂ እንኸፍተሉ ርእሰ-መፋትሕ!

 

„እዚኣቶም እዮም እቶም ብዛዕባይ ዚምስክሩ።" ነዚ መፍትሕ እዚ ኣብ ኢድና ጨቢጥና፡ ናብ ውሽጢ እቲ ስቡሕ ርስቲ ኽብሪ ናይ ቃል ኣምላኽ ሰሪጽና ክንብርብሮ ንኽእል ኢና። ንሱ ጥራይ እውን ኣይኰነን። ንብዙሓት ከምዘለውዎ ክትሪኦም፡ ወይ ከኣ ምስ ጐይታ ከይዛመድካ ክትሓስቦም ከሎኻ፡ ምንም ትርጉም ዘይትረኽበሎም ቃላትን፡ ኣፈፍኖታትን፡ ብወዝቢ ዝበሃሉ ብሂላትን፡ ኵነታትን፡ኣዕሚቝና ክንርድኦም ንጅምር።

 

እምበኣር፡ ኣብ መጽናዕቲ „ቃል ኣምላኽን" „ቃላት ኣምላኽን" ክንገብሮ ዝግበኣና፡ ነዚ ርእሰ መፋትሕ እዝን፡ ነዚ ብቐዳምነት ዚስራዕ ዓቢ መሰረታዊ መትከል እዝን ኣብ መዓላ ምውዓሉ እዩ። ማለት ቅድምን ልዕልን ኩሉ ነገር፡ ነቲ „ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሓፈ" እተባህለሉ ጐይታ የሱስ ብኹሉ ሸነኹ ክንረኽቦ ኣሎና። ምስ ረኸብናዮን፡ ምስ ተቐበልናዮን፡ ሽዑ ነቶም ንብዙሓት፡ „እምኒ መዓንቀፊን፡ ከውሒ ምንስታትን" እዮም ዝተባህሉ ክፋላት ናይ ቅዱስ ጽሑፋት ክንርድኦም፡ ነቲ ብብዙሕ ኻልእ መገድታት ተፈቲኑ ዝኣበየና ግድል ክንትንትኖ፡ ነቲ ስዉር ዝነበረ ነጺርና ክንሪኦ፡ ነቶም ኣንጻር „ቃል ኣምላኽ" ዚግተሩ ተቓውሞታት ክንረትዖም፡ ከምኡውን፡ ንዕሽነትን ድንቍርናን ናይ ብዙሓት ጸጥ ከነብሎን ንኽእል ኢና።

 

እዚ ርእሰ መፋትሕዚ ክዕየየሉ ኣብ ዝጅመረሉ ግዜ፡ ናብቲ ዝመጽእ ንጉስ ዘመልክቱ፡ ምሳሌኡ ዝዀኑ ጽላሎታት፡ ነቲ ስቅያቱን ዓብዪ ክብሩን ኣጕሊሖም ኼርእዩና ይጅምሩ። ፍጻሜታትን ኵነታትን ድማ ነቲ እጹብ መስተንክር ተግባራቱን መጻኢ ክብሪ ናይታ መንግስቱን ከንጸባርቕዎ ይጅምሩ።

 

!! ክርስቶስ ኣብተን ዝተፈላለያ መጻሕፍቲ ናይ ቃል ኣምላኽ   

  

ኣብ ዘፍጥረት፡- ኣንጻራዊ ምስሊ ናይቲ ብክርስቶስ የሱስ ኣባና ዘሎ ሓድሽ ፍጥረት ከርእየና ስለ ዝኽእል (2ቈረ.5፡17)፡ ኣብ ምፍጣር ፍጥረታት ብዛዕባ ዝተጋህዱ ክዉንነታት ብዝርዝር ክንርኢ ኢና።

 

ኣብቲ „ኣብ ጸልማት ዝበርሀ ብርሃን" (ዘፍ.1,2,3,) ንብርሃን ፍልጠት ናይ ኣምላኽ ክብሪ፡ ብገጽ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልብና ዘብርሆ" ብርሃን ክንርእዮ ኢና።(2ቈረ.4፡7)

እንተዀነ ግና፡ እቶም ብዛዕባ መንፈሳዊ ብርሃን ናይዚ ሓድሽ ፍጥረት እዚ ምንም ኣፍልጦ ዘይብሎም ሰባት ይዋእዮም፡ ብዛዕባቲ ኣብቲ ጥንታዊ መዝገብ ናይ ምፍጣር ፍጥረታት ተመዝጊቡ ዘሎ ኣብታ መጀመርታ መዓልቲ ዝተፈጥረ ብርሃንቲï ምንም ዝፈልጥዎ የብሎምን። ኣብቲ ታሪኽ ምፍጣር ፍጥረታት፡ ንሓደ ተፈጥሮኣዊ (ባህርያዊ) ሰብ ዝረኣዮ ነገር፡ ጽውጽዋይ ወይ ከኣ ፈጠራ ኣረግቶት ኣንስቲ ጥራይ እዩ። ስለዚውን ንኹሉ ገዲፉ፡ ናብቲñ ባቢሎናዊ ብከላ ናይ ጥንታዊ ሓቅነት ይጥሕል። ስለዚ ኣህዛብ፡ „ብሰሪ ትሪ ልቦምን ብሰሪ እቲ ኣባታቶም ዘሎ ድንቍርናን፡ ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም፡ ድንዙዛት ኰይኖምውን ብስስዐ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቁ።" (ኤፌ.4፡17,18) እቶም ነዞም ዕዉራት መራሕቲ ዚስዕቡ ዘበሉ ወይለኦም፡ ምኽንያቱ፡ ናብቲ ብስጋዊ ፍልጠቶምን ብዓለማዊ ጥበቦም ንርእሶም ዘዳለውላ ጕድጓድ ኪኣትዉ እዮም። „ክልቲኦም ናብታ ጕድጓድ ክኣትዉ እዮም"።

 

ኣብቲ ፈጣሪ ንክርስቶስ ክንርእዮ ኢና(ዮሃ.1፡3, ቆሎ.1፡16)።

 

ኣብቲ ቀዳማይ ኣዳም እውን፡ ነቲ ኻልኣይ ኣዳም ንርእዮ ኢና። (1ቈረ.15፡45, ሮሜ5፡14) ኣብቲ ቀዳማይ ሰብ፡ ነቲ ካብ ኣርያም ዝዀነ ጐይታ፡ ነቲ ኻልኣይ ሰብ ክንርእዮ ኢና። (1ቈረ.15፡47)

 

ኣብቲ „ ዘርኢ ናይታ ሰበይቲ" (ዘፍ.3፡15)፡ ነቲ ዝመጽእ ወዲ ኣብራሃም፡ ነቲ ወዲ ዳዊት፡ ነቲ ወዲ ሰብ፡ ነቲ ወዲ ኣምላኽ ክንርእዮ ኢና። በንጻሩ፡ ነቶም ኣብቲ ድቕድቕ ነይ ሮሜ ጸልማት ዝነብሩ ዚረኣዮም ነገር እንተኣልዩ፡ ሓደ ምስኪን ህጻን ወይ ከኣ ሓደ ዝሞተ ሰብኣይን ሓንቲ ብህይወት ትነብር ሰበይትን --- ንሳ ኸኣ ድንግል ማርያም ጥራይ እዩ። ነዚ ርኽሰቶም፡ መሰረት ኪዀኖም ምእንቲ ድማ ነቲ ናቶም (ኣውቶራይዝድ ቩልገይት ቨርዥን) ካብ ዘፍ.3፡15 ኣበላሽዮምዎ እዮም። ኣብቲ ናይ ኣብራሃም ዋልታ። እቲ ህያው ቃል ኪወጽእ፡ ኪዛረብ፡ ርእሱ ንኣብራሃም ኪገልጸሉ ከሎ ኢና ንርኢ። (ዘፍ. ምዕ.15, ዮሃ.3፡56)

 

ኣብ ይስሓቅ፡ ንክርስቶስ፡ ነቲ ሓቀኛ ዘርኢ ኣብራሃም ክንርእዮ ኢና።

(ሮሜ7, ገላ3፡16) ኣብቲ ነታ ኣደ ዝተኣወጀላ ኣዋጅ ከኣ፡ (ዘፍ. 18፡10, ሉቃ.1፡30ዕ33)፡ ነቲ ተኣምራትዊ ጥንሲን (ዘፍ.18፡14, ሉቃ.1፡35)፡ ክንርኢ ኢና፡ (ዘፍ.17፡19, ማቴ.1፡21, ሉቃ.1፡31, 2፡21)። ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት፡ መስዋእቲ ምሕራር ዚቐርበሉ መሰውኢ ንኪኸውን፡ ብወዝቢ ወይ ብምኽሪ ሰብ ዘይኰነስ ብመለኰታዊ ምኽሪ ኣምላክ፡ ኣቐዲሙ ዝተመድበ ከረን እዚ ኣብ ዝተናውሐ ሞት ናይቲ ሓደ፡ ናብ ተማሳሳሊ ኣማውታ ናይቲ ኻልኣይ ዘመልክት ምንጽልላው ንዕዘብ፡ (ዘፍ.22፡2, 1ዜና.21፡28, 22፡1, 2ዜና.3፡1)። በቶም ግዙኣት ኣብራሃም ወይ በታ ምስኦም ዝነበረት ኣድጊ ከም ዚጽወር ዘይምግባሮም እናኣስተንከረና ምስ እንዕዘብ፡ ኣብቲ ይስሓቅ ዝተሰከሞ ዕንጨይቲ  (ዘፍ.22፡6)፡ ነቲ መስቀሉ ተሰኪሙ ዝተወስደ ጐይታ ንርእዮ ኢና፡ (ዮሃ.19፡17)። 

 

ኣብቲ ንዮሴፍ፡ „ እሞ ብሓቂዶ ኣብ ልዕሌና ኽትነግስ፡ ብሓቂዶኸ ክትገዝኣና ኢኻ?" (ዘፍ.37፡8) ተባሂሉ በሕዋቱ ዝተሓተተሉ ሕቶ፡ ነቲ „ እዚ ኺነግሰና ኣይንደልን ኢና፡ ኪብሉ ኣሕዋቱ ዝተዛረብዎ (ደድሕሬኡ ዝለኣኹሉ) ጐይታ ርኢናዮ ኢና። ግና በንጻሩ እውን፡ ልክዕ ከምቲ „ነቲ ንሕናውን መስከርትን ተማቐልትን እንዀነሉ ምግላጽ ክብሪ፡ ኣብቲ ምልኣት ግዜኡ ንስቅያቱ ተኸቲሉ ዝመጽአ ክብሪ ናይቲ ሓቀኛ ዮሴፍ፡ ክንርእዮ ዝዀንና፡ ድሮ ነቲ ስቅያት ናይ ሓደ ብኽብሪ ተተኪኡ ርኢናዮ ኢና። (1ጴጥ.1፡11)

 

እምበኣር ምንም እኳ ነዚ ዓብዪ ርእሲ ወይ መትከል እዚ፡ ካብ መጽሓፍ ዘፍጥረት ከይወጻእና ጫፉ ጥራይ ትንክይ ኣቢልናዮ እንተእሎና፡ ኪንዮ እዚ ናብ ዝርዝራቱ ምእታው ኣየድልየናን እዩ። ከምቲ ጐይታ የሱስ ኣብ ሙሴ ዝጀመሮ። ንሕና ድማ ሓደ ምጅማርሲ ጌርና ኣሎና። እቲ ዝተረፈ ኣንበብትና በቲ ዝሓበርናዮ መገዲ ተኸቲሎም ኪምልእዎ ንገድፎ።

 

ብዝኰነ ግን፡ ናብተን ካልኦት መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ኣቲና ሓደ ክልተ ከፈትቲ ኣፍደገ ዝዀኑ ነጥብታት ከነተንብህ ጽቡቕ እዩ።

 

መጽሓፈ ዘጽኣት፡- ብዛዕባ መከራን ክብርን ሙሴ ኪነግረና ከሎ፡ ነቲ ዘፍጥረት ብዛዕባ ዮሴፍ ዚነግረና ይመስል። ኣብ ክልቲኦም ሰባት ድማ ናይ ክርስቶስ ስቅያትን ክብርን ምስሊ ንረክብ።

 

ስቅያት ዮሴፍ፡ ኣሕዋቱ „እሞ ብሓቅዶ ኣብ ልዕሌና ክትነግስ፡ ብሓቂዶኸ ክትገዝኣና ኣኢኻ?" እናበሉ ምስሓተትዎን ምስነጸግዎን እዩ ዝጀመረ፡ (ዘፍ.37፡80። ስቅያት ሙሴ ድማ። እቶም" ክልተ እብራውያን ሰብኡት፡"መን መስፍንን ፈራድን ገይሩ ኣብ ልዕሌና ሸመካ?" እናበሉ ምስሓተትዎን ምስነጸግዎን እዩ ጀሚሩ፡ (ዘጽ.2፡14)።

 

ኣብ ኩሉ እዚ ኣብነታት እዚ፡ እምበኣር ብሓንትን ተመሳሳሊትን ሕቶ፡ንክርስቶስ ኪነጽግዎ ከለዉ ኢና ንዕዘብ። እታ ሓንቲ ኣብ ልባቶም ትመላለስ ሓሳብ ካን ከናፍሮም ክትወጽእ ከላ ኣብቲ ምስላ ከም እነንብባ፡( ሉቃ.19፡11) „ደቂ ዓዱ ግና ጸልእዎ እሞ፡ ኣዚ ኺነግሰና ኣይንደልን ኢና፡ ኢሎም ደድሕሪኡ ለኣኹ፡" ትብል።

 

ብሓፈሻ እምበኣር፡ እቲ ሕቶ ኣብ ሰለስቲኡ ኣብነታት ተማሳሳሊ ኢዩ። ከምቲ ብዛዕባ ሙሴ፡ „ነዚ ሓለቓን ፈራድን ገይሩ መን እዩ ዝሰመካ ኢሎም ዝነቐፍዎ፡ ንእኡ ኣምላኽ ብኢድ ኣቲ ኣብ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዝተራእዮ መልኣኽ ገይሩ፡ ሓለቓን መድሓንን ምእንቲ ኪኸውን ለኣኾ፡" ዝተባህለሉ፡ ንነፍሲ ወከፍ እቶም ካልኦት እውን ከምኡ ተባሂሉሎም እዩ።(ግብ.7፡35)

 

ልክዕ ከምኡ ገይሩ ድማ፡እንሆ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምቲ ዝበሎ ነቲ ቕድም ንኣና እተሓርየ ክርስቶስ ኪሰደልናን፡" ክሳዕእቲ እምላኽ ካብ ጥንቲ ባፍ ቅዱሳን ነብያቱ እተዛረቦ ዘመን ምቕናኦ ኩሉ፡ ሰማይ ንየሱስ ክትቅበሎ ይግባኣ እዩ። (ግብ.3፡20,21)

 

ክሳዕ እዚ፡ ጌና ንዘፍጥረትን ዘጽኣትን ከይሰገርናየን እንከሎና፡ ነቶም ነዚ ሒዝናዮ ዘሎና ማይ ክርስቶስ ስቅያትን ክብርን ዘንጸላልዉ፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘለዉ ምልክታት ካብ ምልላይ ንላዕሊ ኬድና ኣሎና፡ (1ጴጥ.1፡11, 4፡13, 5፡1, ሉቃ.24፡26)።

 

መጽሓፍ ዘጽኣት ብዛዕባ ክርስቶስ ወሲኹ ዝነግረና ኣለዎ። በዛዕባ ክርስቶስ ከም ገንሸል ፋስጋ (1ቈረ.5፡7,8)፡ ብዛዕባ ክርስቶስ ከም ሓቀኛ ካህን፡ (ዘጽ.30፡10, እብ.5፡4,5)፡ ብዛዕባ እታ ብጐይታ እምበር ብሰብ ዘይተተኽለት ሓቀኛ ድንኳንን፡ (እብ.9)።

 

መጽሓፍ ሌዋውያን፡- ልክዕ ከምቲ ኣርባዕተ ወንጌላት ብዛዕባ ህይወት ጐይታ ኣርባዕተ ሸነኻዊ ርእየት ዚህቡና። ኣዚ መጽሓፍ ሌዋውያን ከኣ፡ በቲ መስዋእትታት ኣቢሉ፡ ኣርባዕተ ሸነኻዊ ርእየት ብዛዕባ ሞት ክርስቶስ የርእየና። እዚ ድማ ንመስዋእቲ ሓጥያትን መስዋእቲ በደልን ከም ሓደ ወሲድካ ማለት እዩ። እቲ ናይ መጽሓፍ ሌዋውያን ጽላሎት ወይ ምሳሌ ምስቶም ናይ ህይወት ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ምሳሌ ዝዀኑና ኣርባዕተ ወንጌላት ይመሳሰል።

 

መጽሓፈ ዘሁልቍ፡- ነቲ ናብ ዕንጨይቲ ኪስቀል ዝመጻአ ወዲሰብ ዘመልክት ጽላሎት እዩ፡ (ዘሁ. 21፡9, ዮሃ.3፡14, 15)። ካልኦት ንክርስቶስ ዘመልክቱ ኣብ ዘሁልቍ ዝርከቡ ምሳሌታትውን ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ፡ እቲ ከውሒ (ዘሁ.22፡11 1ቈረ10፡4) እቲ ዝመገቦም ማና (ዘሁ.11፡7-9, ዘሁ.11፡7-9, ዘዳ.8፡2,3, ዮሃ.6።57,58)፡ ከምኡ ከኣ እቲ ኣብ ዝመጽእ ግዜ „ ካብ ያዕቆብ ..... ዝወጽእ ኰዀብ" (ዘሁ.24፡17, ሉቃ.1፡78, 2ጴጥ.1።19, ራእ.2፡28, 22፡16)።

 

መጽሓፈ ዘዳግም፡- ነቲ „ ከማይ ዝበለ ነብዪ" ዚብል ስያሜ የብርሃልና፡ ( ዘዳ.18።15, ግብ.7፡23-26)፡ ከምኡ ከኣ ነቲ ከውሕን ጸግዕን ህዝቡ ዝዀነ ጐይታ የመልክት፡ ( ዘሁ.32፡26, 33፡27)።  

 

መጽሓፈ እያሱ፡- ብዛዕባ እቲ ንኹሎም ጸላእቱ ዚስዕር „ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር" ይነግረና፡ (እያ.5፡13-15, እብ.2፡10, 12፡2)። ከምኡውን ብዛዕባ እታ ቀያሕ ገመድ ናይ ረሃብ፡ (እያ.2፡12-20)፡ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ትመጽእ መዓልቲ ውግእ፡ ጐይታ ንህዝቡ ዘጽልለሉን ዘድሕነሉን ስቅያተቱን ክቡር ደሙን ዝነግረና፡ እዩ።

 

መጽሓፈ መሳፍንቲ፡- ብዛዕባ „እቲ መንክር" እዚ ማለት ከኣ „ ግሩም" ተባሂሉ ዝተሰየመ መልኣኽ ኪዳን ይነግረና፡ (መሳ.13፡18, ምስ ኢሳ.9፡6 ኣነጻጽሮ፡ እቲ ቓል ሓደ ኣዩ።)

 

መጽሓፈ ሩት፡- ናይቲ ወራሲና ዝዀነ፡ ሓቀኛ ቦኣዝ ምሳሌ የርእየና። እቲ ኣብ ሩት 2፡10 ተሓቲቱ ዘሎ ሕቶ ድማ ኣብ ምሳሌ 11፡15 መልሱ ረኺቡ ኣሎ።

 

መጽሓፈ ሳሙኤል።- ናብቲ ኣብ (ራእ.22፡16) „እቲ ሱር ዳዊትን ዘርኡን" ተባሂሉ ተጠቒሱ ዘሎ ወዲ ዳዊትን ጐይታ ዳዊትን ዘመልክት ምሳሌ ይህበና።ንሱ ኸኣ እቲ „መድሓንን ሓለቓን" ናይ ኣሕዋቱ ወይ ከኣ ሰዓብቱ ዝዀነ ዳዊት፡ ዝሓለፎ „መከራን" ምንጻግን እዩ፡ (1ስሙ.22፡1,2)

 

መጽሓፈ ነገስት፡-  „ ነቲ ስዒቡ ዚግለጽ ክብሪ"፡ ነቲ „ካብ ስሎሞን ዝዓቢ" (ማቴ.12፡42)፡ ነቲ „ካብ ቤት መቕደስ ዝዓቢ" (ማቴ.12፡6)፡ ነቲ ካብ „ ኩሉ ብዛዕባ ክብሩ ጥራይ ዚዛረበሉ ቤት መቕደስ" ዝዓቢ ጐይታ የመልክተና፡ (መዝ.29፡9)።

 

መጽሓፈ ዜና መዋእል፡- ንክርስቶስ ከምቲ „እግዚኣብሄር ብዛዕባ ደቂ ዳዊት እተዛረቦ"፡ ኣብ ምዱብ ግዜ ኪገሃድ ዝነበሮ፡ „ካብ ማእከል እቶም ቅቱላት ተወሲዱ" ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝተሓብአ „ወዲ ንጉስ" ጌሩ የርእየና።

 

መጽሓፈ እዝራ፡- ብዛዕባ እቲ ናይ ክርስቶስ ምሳሌ ዝዀነ ኤልያቂም፡ (ኢሳያስ 22፡23) ከም „ሽኻል....ኣብታ ቅድስቲ ቦታ ..." ጌሩ ይገልጾ።

 

መጽሓፈ ነህምያ፡- ከኣ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ብዙሕ ጽሑፋትውን ተደጋጊሙ ከም ምሳሌ ናይ ክርስቶስ ቀሪቡ ዘሎ፡ (ዮሃ.6፡57-58, 1ቈረ.10፡4) „ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ" ከምኡ ከኣ „ካብ „ከውሒ ዝፈልፈለ ማይ" (ነህ.9፡15, 20) ብማለት ።

 

መጽሓፈ ኣስቴር፡- እቲ ዘርኢ ብጽቡቅ ተዓቂቡ፡ ኣብቲ ምልኣት ናይ ዘመኑ ድማ ናብ ዓለም ከምዝውለድ ንቕድሚት እናረኣየ ይነግር። እቲ ስሙ ምንም እኳ ተሰዊሩ እንተዀነ ፡ ኣብ ቦትኡ ኣሎ።እንተቲ ፍቓዱን ሓይሉን ግን፡ ብኣንጻር እቲ ዘይቅየር ጽኑዕ ሕጊ ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን፡ ንኹሎም ጸላእቱ ስዒርዎም ይርአ።

 

መጽሓፈ እዮብ፡-  ንጐይታ ከም ናቱ „ዳኛ" ወይ „መንጎኛ" ከምኡውን „ከም ብሓድሽ" ናብ ምድሪ ኪመጽእ ዘለዎ ተበጃዊኡ ጌሩ ገሊጽዎ ኣሎ።

 

መጽሓፈ መዝሙራት፡- መዝሙራይ እኳ ብክርስቶስ ዝተመልኡ እዮም። ኩሉ እቲ ናይ ጐይታ ውርደትን ስቅያትን ሞትን ኣብኡ ንርእዮ ኢና፡ (መዝ22)። ብዘይካ እዚ  ድማ ትንሳኤ ጐይታ፡ (መዝ.16) ከም ውቃበን ጸጋን ኣብ ከናፍሩ ዝፈሰሰ ዝተቐብአ ነብዪ፡ (መዝ.45, ሉቃ.4፡22)፡ ከም „መዓርግ መልከጸዲቅ፡ ናይ ዘልኣለም ካህን፡ (መዝ   , እብ.5፡6, 6፡20, 7፡17,21)፡ ከም ልዕሊ ኩሉ ዝነገሰን ዝተሾመን ንጉስ (መዝ.2)፡ መንግስቱ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ትገዝእ ከምዘላ፡ (መዝ 103, 114, ወዘተ...) የርእየና።

 

መጽሓፈ ምሳሌ፡- ንክርስቶስ ከም „ ጥበብ ኣምላኽ" ኪገልጾ ንርእዮ፡ (ምሳ. 8፡1, 1ቀ.1፡24)፡ ቀጺሉውን ከም ናይ ህዝቢ ኣምላኽ „መገድን ብርሃንን" (ምሳ.4፡18)፡ ህዝቡ ተሰዲዱ፡ ጓና ኰይኑ ኣብ ዝነብረሉ ቦታ ከኣ „ዋሕስ" ኰይኑ ከም ዝማጐተሎም፡ (ምሳ.11፡15, ሮሜ5፡8-10, ኤፌ.2፡12, 1ጴጥ.2፡11)፡ ከም እቲ ኹሉ ግዜ ዘፍቅር „ፈታውን"፡ እቲ ን „ጸገማ ዚውለድ ሓውን" (ምሳ.17፡17) ገይሩ ይገልጾ።

 

መጽሓፈ መክብብ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ „ኣብ ሞንጎ ብዙሕ ከንቱነትን ናይ መንፈስ ጓህን፡ „ ካብ ሽሕሲ ሓደ ሰብኣይ ረኺበ ፡"ዚብሎ ጐይታ ይዛረብ።

 

መጽሓፈ መሃልየ መሃልይ፡-  ኣብዚ መጽሓፍ እዚ፡ ሰሎሞን፡ ብኣንጻር እቲ ናይ ንጉሳዊ ክብረቱን ዝተበለለ ናይ ቅብጥሮት ናብርኡን፡ ዘይልወጥ ኣምላኽ ኰይኑ ስለዝረኸቦ፡ ንክርስቶስ ከም „ ሓቀኛን እሙንን ጓሳን ኣፍቃሪን፡ ቀሪጽዎ ኣሎ።

 

መጽሓፈ ኤልያስ፡- ብስቅያትን ክብርን ኣምላኽ ዝሀብተመ ትሕዝቶ ዘለዎ መጽሓፍ። ጐይታ እቲ „ ንዑቕን፡ ብሰብ ድርቡይን፡ በዓል ስቃይ፡ ብሕማም ልዱይ፡ „ ተባሂሉ ተነጊሩሉ ንረኽቦ። (ኢሳ.53፡5)። ቀጺሉውን፡ „ብሰሪ ገበንና ቈሰለ፡ ካብ ምድሪ ህያዋን ተቘርጸ፡ እናበለ ይገልጾ፡ ( ኢሳ.53፡2-9) ይገልጾ። ግናኸ ክብሩ መሊሱ ኪግለጽ እዩ። „ጻማ ነፍሱ ኪርኢ፡ መዓልታቱ ኬንውሕ እዩ፡ ፍቓድ እግዚኣብሀር ከኣ ኣብ ኢዱ ኪሰልጥ እዩ፡" ይብሎ፡ (ኢሳ. 53፡9)። ከም ብሓድሽባሃድሽ ከኣ፡ ንሱ „ናይ ህዝቢዩ ብርሃን ኪኸውን ይብሎ፡ (ኢሳ.9፡6, ማቴ28፡18)። ሕልፍ ኢሉ፡ „ዒላ ምድሓን" ኢሉ ይስይሞ፡ (ኢሳ.12፡3)። „ብጽድቂ ዚነግስ" ንጉስ እውን ይብሎ ነዚ ጐይታ። (ኢሳ.32፡1,2)። „እቲ ጨንፈር እግዚኣብሄር፡ ንጌጽን ንኽብርን ኪዀኖም እዩ"፡ (ኢሳ.4፡2) ወዘተ.. እናበለ ነብዪ ኢሳያስ ንክርስቶስ ብብዙሕ ትንቢት ኣዕዚዙ ኣተንቢህዎ እዩ።

 

መጽሓፈ ኤርምያስ፡- ኤርምያስ ብዛዕባ ክርስቶስ፡ „እቲ ጻድቕ ጨንፈር" ከምኡውን „ እግዚኣብሄር ጽድቅና እዩ፡ እናበለ (ኤር.23፡5,6) ኣብ ርእሲ ምስያሙ፡ ንተልእኾ ናይዚ „ጻድቕ ጨንፈር"፡ „ እቲ ንጉስ ኪገዝእ፡ ኪቐንዖ ከኣ እዩ፡" ብማለት የብርሆ፡ (ኤር.23፡5)

 

መጽሓፈ ህዝቅኤል፡- ሕዝቅኤል እውን ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ብምሳሌ ገይሩ ኪገልጾ ከሎ፡ ከም „ሓቀኛ ጓሳ" (ህዝ.24፡23)ክ፡ ከምኡ ውን „እግዚኣብሄር ኣብኣ እዩ፡" (ህዝ.4835) ኢልዎ ኣሎ።

 

መጽሓፈ ዳንኤል፡- ንጐይታ „እቲ እምኒ" ብምባል ንሱ እቲ ርእሲ መኣዝን ከምዝዀነ የብርሆ። (ዳን.2፡34, መዝ78፡22, ኢሳ.8፡16, ማቴ.21፡44, ግብ.4፡11, 1ጴጥ.2፡4,6)። ብተወሳኺውን፡ „ወዲ ሰብ" ፡ (ዳን.7፡13,16)፡ እቲ „መሲሕ መስፍን"፡ (1ጴጥ.2፡4,6) እናበለ ሰምይዎ ንርኢ።

 

ጐይታ፡ ንሆሴእ „እቲ ሓቀኛ ዳዊት ከምዝዀነ፡ (ሆሴ.3፡5) ከምኡውን „ እቲ ...... ካብ ግብጺ እተጸውዐ ወዲ እዩ።

 

ዮኤል ድማ፡ የሱስ ክርስቶስ „ ኣብ ጽኑዕ ከረን...ኣብ ጽዮን ዝነብር እግዚኣብሄር ኣምላኹ፡" እዩ፡ (ዮኤ.3፡17)።

 

ንኦብድያ ድማ እቲ „ኣብ ከረን ጽዮን ዘምለጡ ኪህልዉ እዮም፡ ንሱውን ቅዱስ ኪኸውን እዩ፡" እናበለ ምስ ገለጾ፡ ወሲኹ ድማ „መድሓኒ" ኢሉ ዝስይሞ ጐይታ እዩ።

 

ክርስቶስ ንዮናስ፡ ትእምርቲ ናይ ትንሳኤኡን (ማቴ.12፡39-41)፡ እቲ „ምድሓኑ" ዝዀነሉ ጐይትኡን እዩ።(ዮናስ2፡9)።

 

ሚክያስ ድማ ጐይታ „እቲ ጠሓሲ"ን „ንጉስ"ን „ጐይታ"ን እዩ፡ (ሚክ.2፡13, 5፡2,5)

 

ንናሆም ከኣ „ብመዓልቲ ጸበባ ዕርዲ" እዩ፡ (ናሆም1፡7)

 

ንእምባቆም ከኣ „ባህታ፡ እልልታ" እዩ። መሊሱ ኸኣ „ሓይሉ" ከይኑሉ ይረኽቦ፡ (እምባ.3፡17-18)።

 

ጸፎንያስ ድማ፡ „ ኣብ ማእከል ጽዮን ዘድሕን ጅግና" እዩ፡ (ጸፎ.3፡17)

 

ሃጌ ድማ፡ ብዛዕባ የሱስ፡ እቲ „ክቡር ነገር ናይ ኣህዛብ" ኪመጽእ እዩ፡ ብምባል ይንበ፡ (ሃጌ 2፡7)።

 

ዘካርያስ ብወገኑ ንጐይታ በዞም ምሳሌታት እዚኣቶም የለልዮ፡- „ እቲ ሰብ"፡ „እተወቕዐ ጓሳ"፡   „እቲ ብጻይ እግዚኣብሄር"፡ (ዘካ.13፡7)፡ „ ናይ እግዚኣብሄር ባርያን ጨንፈርን" (ዘካ.3፡8)፡ „እቲ ጨንፈር ዝስሙ ሰብኣይ"፡ (ዘካ.6፡12)።

 

ሚልክያስ ከኣ፡ „እቲ መልኣኽ ቃል ኪዳን" (ሚል.3፡1)፡ „እቲ ናይ ደቂ ሌዊ ኣጽራይን ኰላዕን" (ሚል.3፡30) ከምኡ ኸኣ „ እቲ ጸሓይ ጽድቂ" (ዘካ4፡2) እዩ።

 

ኸምዚ ኢሉ እምበኣር፡ „ቃል" ኣምላክ፡ ሓደን ዓብዪን ርእሲ ወይ ከኣ ዛዕባ ኣለዎ።

 

እዚñ እንኮን ዓብዪን ንኹሉ ዝመልእን ዛዕባ ወይ ርእሲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እምበኣር ክርስቶስ እዩ። እዚ እቲ ቀንዲ ሓቂ ኰይኑ፡ ካልእ ኩሉ ነገር ነቲ ቀንዲ ዛዕባ ዘራጕድን ተወሳኽን ጥራይ እዩ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ክርስቶስ እቲ ናይ ቃል ኣምላክ „ መጀመርታን መወዳእታን" ኰይኑ ይነብር።

 

ካብዚ ዝነቐለ፡ እቲ ቃል ኣምላክ ናብቲ መወዳእታኡ ኣቢሉ ኪቃረብ ከሎ፡ እቲ መጀመርታ ከመይ ከም ዝጀመረን ብኸመይ ድማ ከም ዝማዕበለን የነጽረልና። በቲ ኻልእ ሸነኹ ከኣ፡ እቲ ኣብ መጀመርታ ማለት ኣብ ዘፍጥረት ዝረኣናዮ ነገራት፡ ኣብ ራእይ ብኸመይ ከም ዚፍጸም የብርሃልና።

 

 ኣብ መጽሓፈ ዘፍጥረት፡ ኣብ ሞንጎ ቀዳማይን ካልኣይን ጥቕስታት ናይታ ቀዳመይቲ ምዕራፍ፡ ሰይጣን ቀዳማይ ዕልወቱ ዝፈጸመሉ ተጻሒፉ ኣሎ። ናይ መወዳእታ ዕልወቱ ከኣ፡ ኣብ ራእይ 20፡7-9 ተመልኪቱ ኣሎ። ጥፍኣቱ ኣብ ዘፍ3፡15 ኪእወጅ ከሎ፡ ዚፍጸመሉ ግን፡ ኣብ ራእይ22፡10 ንረኽቦ።

 

ቅድም እቲ ፍልማዊ ምፍጣር ፍጥረታት ይመጽእ። ንሱ ነታ ሽዑ ዝነብረት ዓለም ኣምጺኡ፡ (ዘፍ1፡1, 2ጴጥ.3፡6)። ብድሕሪኡ „እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን „ መጺኡን ኣሎን፡ (ዘፍ.1፡2, 2ጴጥ.3፡7)። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ „ እቲ ሓድሽ ሰማይን፡ ሓድሽ ምድርን" ይመጽእ ኣሎ፡ (ራእ.21፡1, 2ጴጥ.3፡13)።

 

ኣብ ዘፍ1፡1፡ „ለይቲ" ኣሎና። ኣብ ራእ.22፡5 ግን „ደጊምሲ ለይቲ ኣይኪኸውንን" እዩ ይብለና።

 

ኣብ ዘፍ.1፡10፡ „ባሕሪ" ከምዘሎ ንርኢ። ኣብ ራእ.21፡1 ግና „ ባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን፡ ይብለና።

 

ኣብ ዘፍ1፡16,17፡ „ጸሓይን ወርሕን" ኣለውና። ኣብ ራእ.21፡23, 22፡5፡ ግና „ ጸሓይ ወይስ ወርሒ ... ኣየድልያን...." ይብለና።

 

ኣብ ዘፍ 3፡16-17፡ ሓዘንን ጓህን፡ መከራን ሞትን ኪኣትዉ ከለዉ ንርኢ።ኣብ ራእ.21፡4 ግን „ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን ወይ ጫውጫው ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ" ይብል

 

ኣብ ዘፍ3፡16-17 መርገም ፈለማ ኪብየን ከሎ ንርእዮ።ኣብ ራእ.22፡3 ግና „ ድሕሪ ደጊምሲ መርገም ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ፡" ይብለና።

 

ኣብ ዘፍ3፡22-24 ካብ ኤደን ገነትን ካብታ ኦም ህይወትን ምውጻእ ይኸውን። ኣብ ራእ.22፡2 ግና ሰናይ ምምላስ ናብታ ኦም ህይወትን፡ ዳግም ምውናን ብፈውሳ ናይ ምሕዋይ መሰልን ይኸውን።

 

እዚ ክብ ኢሉ ዝተዘርዘረ እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብሓፈሻ ዘሎ  ስኒት ወይ ውህደት ንምሕባር እኹል ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንመስመር ናይዚ ዕብዪን መሰረታውን መትከል እዚ ተኸቲሎም፡ ተወሳኺ ናቶም መጽናዕትታት ንኸካይዱ እውን ዘነቓቕሕ እዩ።

 

ብኢ. ዳብሊዪው ቡሊንገር  (ስነ ህይወት

 

--------------------------

Comments
Add New Search
Write comment
Name:
Email:
 
Title:
Please input the anti-spam code that you can read in the image.
{poweredby} {poweredby}

3.26 Copyright (C) 2008 Compojoom.com / Copyright (C) 2007 Alain Georgette / Copyright (C) 2006 Frantisek Hliva. All rights reserved."

Last Updated ( Friday, 10 April 2009 )
 
< Prev   Next >
 
  • ኣገልገልቲ
    ኣገልገልቲ እንታይ ይብሉ
    Letter5

    ሰክቡራትን ፍትዋትን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንዓኻትኩም ይኹን፣ እዚ ዘለናዮ እዋን....

  • ደቀንስትዮ
    ደቀንስትዮ እንታይ ይዛረባ? Welcome

    ክቡራትን ፍቑራትን ኣሕዋትን ኣዴታትን ኣዋልድ መንእሰያትን ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንዓኻትክን ይኹን። ኢሂን ምሂን እትብላሉ ብዛዕባ መንፈሳውን.........

  • መንእሰያት
    ካብ መንእሰያት ናብ መንእሰያት
    Letter3

    ሰላም ሰላም ንዓኻትኩም ኣብ ፈቐዶ ቦታታትን ሃገራትን ዘለኹም መንእሰያት። ጸጋን ሓጎስ ኣምላኽን ምሳኹም ይኹን። እንሆ ሓሳብኩም እትገልጽሉ ህርመት ልብኹም እትዛረቡሉ ርእይቶኹም ከኣ እትህቡሉ መድረኽ ተኸፊቱልኩም........

Advertismnet!

Our Favorite Links

www.bible.org
Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

Christ for all Nations, Cfan
cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
http://www.cfan.org
 
Release Eritrea!
release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha

Who's Online

We have 17 guests online
  • tigrina
  • English

Agelglot.com

Compassdirect.org

Syndicate

Video

EGMM pro Mezmur

EGMM PRO MEZMUR  

EGMM pro Sbket

EGMM PRO SBKET  

EGMM pro Books»

EGMM ORO BOOKS 

Active Quiz»

Active Quiz 

EGMM PRO REDIET»

EGMM PRO REDIET