Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Friday
Sep 03rd
Home arrow Articles arrow Teaching arrow እቲ ዝዓበየ መግለጺ ናይ እቲ ቃል
እቲ ዝዓበየ መግለጺ ናይ እቲ ቃል PDF Print E-mail
Friday, 10 April 2009

Imageንቓል እግዚኣብሄር ከነጽንዖ እንከሎና፡ እቲ ቀዳማይ ወትሩ ኣባና ኪህሉ ዘለዎ ኣገዳስን ዓብዪን መትከል፡ ነቲ ቃል ንሕና ክንገልጾ ከም ዝግብኣና ጌርና ክንወስዶ ዘይኰነስ፡ እቲ ነቲ ቓል ዝሃበ ጐይታ ባዕሉ፡ ንገዝእ ርእሱን ነቲ ናቱ ዝዀነ ፍቓድን ኪገልጸልና ኢሉ ከም ዝሃበና ጌርና ክንወስዶ ኣዩ።

እዚ፡ ክርስቶስ እቲ ህያው ቃል ከም ዝዀነ ዘረጋግጽ እዩ። ብዛዕባ "እቲ ቃል" ክንዘራረብ እንከሎና፡ ነቲ ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ዘመልክት ህያው ቃልን ነቶም ናይ ሓቂ ቅዱስ ጽሑፋት ዘጠቓልል ጽሑፍ ቃልን ክንነጻጽሎም ኣይንኽእልን ኢና።

ነፍሲ ወከፎም „እቲ ቃል" ተባሂሎም እዮም ዚጽውዑ፡ ምኽንያቱ እቲ ብቛንቋ ግሪኽ ሎጎስ  ዚብል ቃል፡ መበቈል ናይ ክልቲኦም ስለዝዀነ። ሎጎስ ማለት ንዘይረኣዩ ሓሳባት ዝገልጸልናን ዘግህደልናን ስለዝዀነ፡ እቲ ብሁል ወይ ድማ ጽሑፍ ቃል ማለት እዩ።

እዚ ሎጎስ እምበኣር፡ ንክርስቶስ ማለት ነቲ ህያው ቃል ዘመልክት እዩ፡ ምኽንያቱ ንሱ እዩ ነቲ ዘይርአ ኣምላኽ ዚገልጾ። „ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሃዶ።" (ዮሃ. 1፡18)

እምበኣርሲ ንሕና ንክርስቶስ ክንገልጾ ማለት ብዛዕባ ክርስቶስ ከነረድእ ዝድለየና ኣይኰነን። እኳ ድኣስ፡ ንዓና ኣምላኽ ናይ ምርኣይን ኣጸቢቕና ከም ንፈልጦ ናይ ምግባርን ተልእኾ ዝወሰደ ንሱ ባዕሉ እዩ። ንሱ ንኣቦ ኣብሪሁ ይገልጾን ይርእዮን። ንሕና ኸኣ ክንኣምኖ ይግብኣና።

እታ „ኣግሃዶ" እትብል ኣብ ዮሃንስ 1፡18 ዘላ ቃል ምስዚ ኣገላልጻና ኣተኣሳሲርና ክንሪኣ እንከሎና፡ ጠቓሚትን ኣዝያ ኣገዳሲትን ኰይና ንረኽባ። ንሳ ኣብቲ ቅቖበ (ቅበ) ንሱ ድማ ዝወጸ ወይ ዝመጽአ ማለት እዩ። ከምኡ ኸኣ ካብ hሖዋቅቾተmሽቕ (hቅዋቅተmሽቕ) ንሱውን ዝመርሕ ማለት እዩ። ስለዚ ድማ ነቲ ድርብ ግሲ ክንትርጉሞ እንከሎና፡ ዝመርሕ፡ ዘፍልጥ፡ መገዲ ዝመርሕ፡ ኣድቂቑ ዝምርምር፡ ዝዝርዝር፡ ዝቐልዕ፡ ስርሑ ኸኣ ዘነጽር ዝብል ሓሳብ የስምዕ። ኣብ ሉቃስ 24፡35 ካብዛ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሳ ዘላ ሓሳብ እተወስደ ቅኃቅዋቅዘቕዘ (ትንተና ቃል ኣምላኽ ማለት እዩ) ዚብል ስም እዩ ተጠቒሙ ዘሎ። ትርጉሙ ኸኣ ዓሚቝ መግለጺ ወት ትንታኔ ማለት እዩ። ዋይክሊፍ፡ „ንሱ ንብዘሎ ዘርዚሩ ኣብሪህዎ እዩ፡" ብዚብል የቕርቦ። እቲ ዝበለጸ ትርጉሙ እምበኣር፡ ኣገንዘበ፡ ከም ዚፍለጥ ገበረ፡ ኣነጺሩን ኣብሪሁን ኣረድአ ማለት እዩ።

ስለዚ እምበኣር፡ ክርስቶስ ቃል ኣምላኽ ተባሂሉ ዝጽዋዕሉ ምኽንያቱ ንሱ ንኣቦ ከም ዚፍለጥ ዚገብር ዘብርሆ ከምኡውን ዚገልጾ ስለ ዝዀነ። ስለዚ እውን እዮም ቅዱሳት ጽሑፋት „ቃል ኣምላኽ" ተባሂሎም ዞጽውዑ። ምኽንያቱ ንሳቶም በቲ ናይ „እቲ ቓል" ደራሲ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ጌሮም ንኣቦን ወልድን ከም ዚፍለጡë ስለ ዚገብሩ።

ክርስቶስ ፡ እቲ ናብ ኣቦ ዘብጽሕ እንኮ „መገዲ" እዩ(ዮሃ 14)። ንሱ ንሕና ንኣምላኽ ብኹሉ ባህርያቱን ፍቓዱን ቃሉን ከም ንፈልጦ ይገብር። „ እቲ ዝሃብካኒ ቃል ሃብክዎም።" „ኣነ ቃልካ ሃብክዎም፡ ቃልካ ሓቂ እዩ።" (ዮሃ.24፡8,14,17)።

 

11 እቲ ጽሑፍ ቃል ንወልድ ከም ዝገለጾ

 

ብተመሳስሊ መልክዕ እቲ ጽሑፍ ቃል ማለት ኣቲ ቅዱስ ጽሑፍ፡ ንክርስቶስ ምእንቲ ኪትርጉመልናን ብዛዕባ ክርስቶስ እውን ምእንቲ ክምስክረልናን እዩ ተዋሂቡ። ስለዚ ኸኣ እዩ መንፈስ ቅዱስ ናይ ክልቲኦም ተርጓሚ ወይ ገላጺ ናይ ምዃን ተልእኾ ዘለዎ።

 

ካብዚ ዝተበገሰ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰለስተ መልክዓት ከም ዝቐረበልና ንርኢ።

እቲ ስጋ ዝለበሰ ቃል

እቲ እተጻሕፈ ቃል

እቲ እተሰብከ ቃል

ካብዚ ወጻኢ የልቦን። ክርስቶስ ንኣቦ የግህዶ። እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ንክርስቶስ የግህዶ። እቲ መንፈስ ድማ፡ በቲñ እተጻሕፈን እተሰብከን ቃል ኣምላኽ ኣቢሉ፡ ንኽልቲኦም የግህዶም። ኣብዚ ንርዝነት ናይቲ ኣብ 2 ጢሞ. 4፡2 ተጠቒሱ ዘሎ፡ „ነቲ ቃል ኣምላኽ ስበኮ" ዚብል ትእዛዝ እናኣነጸረ፡ ከመይ ብዘደንቕ መገዲ ነቲ „እተሰብከ ቃል" ከም ዘጕልሖ ንርኢ። እንደገና እውን ነቲ ኣምላኽ ዝለዓለን ዝኸበረን ስፍራ ዝሃቦ „እተሰብከ ቃል" እዞም ናይ ዘመንና ወንጌላውያንን ሚሲዮናውያንን ሰበኽቲ፡ ኣብቲ ወትሩ-ሓድሽ ኢሎም ዘውጽእዎ ቅድታትን፡ ዘመን-ኣምጽኦ ኣገባባቶምን ክሳዕ ክንደይ ዘይብቑዓትን

ቀንጠመንጢ ብልሓታትን ፈሊጣትን እነኣዘውተሩ ከም  ዝረመስዎ ክንዕዘብ ንኽእል። ነቲ „እተሰብከ ቃል" ዝተዋህበ ክብረት ንዘይምጕዳል፡ ከምኡውን ነቲ እተጻሕፈ ቃል በቲ ዝተሓተ መጠንውን ይኹን ሓይሉ ከየጥፍእን፡ ዳጌፋ ሰብኣዊ ዓቕሚ ዚጽበ ከይከውንን ምእንቲ፡ ኣብቲ ኣገባብትናን ትሕዝቶ መልእክታትናን፡ ከመይ ዝበለ ጥንቃቐ ከነርኢ እዩ ዝግብኣና?

„ነቲ ቃል ሃብክዎም፡ ...." እዚ እቲ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኪዛረቦ ከሎ ዝሃቦ ርእሰ-እኹል  ዝዀነ መተእማመኒ ቃል እዩ ዝነበረ። ንሱ ሽዕኡ ንኺጸንዑ ዚሕግዞም ቃል ሂበዮም፡ ኣይኰነን ኢሉ። ናይ መዝሙር መጽሓፍ ወይ እውን ቃልካን ካልእ ነገራትን ሓዋዊሰ ሂበዮም እውን ኣይበለን። ንሱ ብዘይካ እቲ" ቃል ኣምላኽ" ካልእ መተካእታ ወይ ተወሳኺ  ነገር ኣይሃበን። ከማኡ ስለዝዀነ ድማ፡ እቲ ጐይታ ዝሃቦ „ቃል"  ብባዕሉ እኹልን „ነቲ ኣምላኽ ዝመደበሉ ዕላማ ኪፍጽም ድማ ዚኽእልን ከም ዝዀነ ኣጸቢቕና ክንኣምንን ርጉጻት ክንከውንን ንኽእል ኢና።

 

111 እቲ ህያውን እቲ እተጻሕፈን ቃል፡

 

እምበኣርሲ፡ ብዛዕባ ክልቲኦም፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ህያውን እቲ እተጻሕፈን ቃል፡ ነቲ ብዮሴፍ ሃርት ዝተባህለ ዝመሳሰል ካልእ መግለጺ እውን ተዋሂቡ ነይሩ።

 

 ቅዱሳት ጽሑፋት ምስቲ ቃል ኣምላኽ፡ 

 ሓደ ግሩም መጸዋዕታ ተዋህቦም

 እቲ ህያውን እተጻሕፈን ቃል

ብኹሉ ንብረቶም ስኑያት እያቶም።

 

ኣብዚ፡ ነዚ ጽሑፍና ብጥንቃቐ ምስ እንዕዘቦ፡ ንኽልቲኦም በብነፍሲ ወከፎም ኣብ ዝተዋህበ ትንቢት፡ እቶም እተጠቕሱ ክሳዕ ክንደይ ብልክዕ ዝመሳሰሉ ምዃኖም ክንግንዘብ ንኽእል ኢና።

ንገለ ካብኣቶም እስከ  ብኣብነት መልክዕ ንርአ።

 

ተመሳሳሊ መግለጺ ብዛዕባ ክርስቶስን ቅዱስ ጽሑፋትን።

 

ስሙ ቃል ኣምላኽ ተባሆሉ ይጽዋዕ።                  ራእ.19፡13

„ ንቓል ኣምላኽ ግዲ በልዎ።"                     ሉቃ. 5፡1

„ መስፍን ሰላም"                           ኢሳ.9፡6

„ወንጌል ሰላም"                            ሮሜ. 10፡1,5.

 

የሱስ በለ፡ „ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ

ናብ ኣቦ ዝመጽእ የልቦን።"                     ዮሃ 14፡6

        

„ብመገዲ ትእዛዝካ ኣመላልሰኒ።"                  መዝ.119፡35

 

የሱስ ከኣ በሎ፡ „ኣነ መገዲ እየ።"                 ዮሃ.16፡6

„ዎ እግዚኣብሄር ስርዓታትካ መሃረኒ፡"                መዝ.119፡33

 

„ ኣነ ..... ሓቂ ..... እየ።"                       ዮሃ. 14፡6

„ቃልካ ሓቂ እዩ።"                            ዮሃ.17፡17

 

ክርስቶስ፡ „ ... ጸጋን ሓቅን መሊኣዎ ..."              ዮሃ.1፡14

„ኩሉ ትእዛዛትካ ከኣ ሓቂ እዩ።"                  መዝ.119፡151

 

„ከምዚ ይብል ኣሎ፡ „... እቲ ቅዱስ ሓቀኛ ... „         ራእ. 3፡7

„ ..ፍርድታት እግዚኣብሄር ሓቂ እዩ።"                መዝ. 19፡9

 

„እዚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን.                    1ዮሃ.3።20                     

 

„ነቲ ቃል ህይወት ሒዝኩም...                      ፊል. 2፡16

 

„ ... ካብኡ ሓደ ዓጽሚ እኳ ኣይኪሰብሩን እዮም።"           ዮሃ19፡36

„ ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይክእልን እዩ ..."                    ዮሃ.10፡35

 

„ .. እንጌራ ህይወት ኣነ እየ፡ ...ካብዚ እንጌራ ኣዚ ዝበልዐ                  ዘበለ ንዘልኣለም ኪነብር እዩ።"                         ዮሃ.6፡51

„ ሰብ ብኹሉ ቃል ኣምላኽ እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ .."  ሉቃ.4፡4

 

„ናይ ህይወት ፈልፋሊ ኣባኻ እዩ እሞ፡ ...."                 መዝ.36፡9

„ሕጊ ጠቢብ ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ።"                  ምሳ.13፡14

 

„ ሽዑ የሱስ፡ ኣነ ብርሃን ዓለም ኣየ፡ .."                   ዮሃ. 8፡12

ዳዊት በለ፡ „ ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ ንመገደይ ብርሃን እዩ።"   መዝ.119፡105

 

„ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት።"                 ዮሃ.1፡4 

„ ... ሕጊ ከኣ ብርሃን እዩ።"                          ምሳ.6፡23

 

 

„እቲ እምኒ እቲ ዝወደቖ ድማ ኪጭፍለቕ እዩ።          ሉቃ.20፡18                                               

„ቃለይዶ ከም ሓውን ከምቲ ንኸውሒ ሓሸምሸም            

ዘብል ሞደሻን ኣይኰነን።"                        ኤር.23፡29


 

„... ንኣኻትኩም ንእትኣምኑ ክቡር እዩ፡..."                 1ጴጥ.2፡7

„ብእኡ እታ ክብርትን ዓባይን ተስፋ ዝረኸብና ..."             2ጴጥ.1፡4

 

„ፍትወይሲ ካብ ዓሰርተ ሽሕ እተመርጸ፡ ጻዕዳን ቀይሕን እዩ።"     መሃ.5፡10

„ቃላትካ ንትንሓገይ እምብዛ ጥዑም እዩ።"                 መዝ.119፡72

 

„ ስሙውን ግሩም ... ኪበሃል እዩ።"                    ኢሳ.9፡6

„ምስክራትካ መስተንክር እዩ።"                       መዝ.119፡129

 

„ ... ክርስቶስ እቲ ሓይሊ ኣምላኽ፡..."                        1 ቈረ.1፡24

, ወንጌል ሓይሊ ኣምላኽ ... „                             ሮሜ 1፡16

 

„ንስኻ ሰናይ ኢኻሞ ሰናይ ትገብር ኣሎኻ።"                    መዝ.119፡68

„ እቲ እተዛረብካዮ ቃል እግዚኣኣብሄር ጽቡቕ ኣዩ።"              ኢሳ.39፡8

 

„ ... ነቲ ካብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩሞ ኢኹም እሞ፡ ..."        1ዮሃ 2፡3

„ ... ብዘሎ ቃልካ ሓቂ እዩ።"                            መዝ.119፡160

 

„አረ ንስኻስ ካብ ዘልኣለም ንዘላኣለም ኣምላኽ ኢኻ።"          መዝ.90፡2

„ ምስክራትካ ንዘልኣለም ጽድቂ እዩ።"                   መዝ.119፡144

 

ዝፋንካ ንዘልኣለም ኣለም ይነብር።"                      እብ. 1፡8

„ ንዘልኣለም ከም ዝመስረትካዮ ... ብምስክራትካ ፈለጥኩ።"      መዝ119፡152

 

„ እግዚኣብሄር ግን ንዘልኣለም ነጊሱ ይነብር።"              መዝ.9፡7

„ ቃል ኣግዚኣብሄር ግና ብዘልኣለም ይነብር።"              1ጴጥ.1፡25

 

„ ንሕናስ ክርስቶስ ንዘልኣለም

ከምዝነብር ድኣ ..... ካብ ሕጊ ሰማዕና።"                  ዮሃ.12፡34

„ ህያውን ንዘልኣለም ዚነብርን ቃል ኣምላኽ፡ ... „            1ጴጥ.1፡23

 

, ናይ ክርስቶስ መንግስቲ ....ንሳ ግና ንዘልኣለም ክትቀውም እያ።"  ዳን.2፡44

„ ቃል ኣምላኽ ግና ንዘልኣለም ይነብር።"                   ኢሳ41፡8

 

„ ኣብቲ እምኒ እቲ ዝወደቐ ዘበለ ኪስበር፡ እቲ እምኒ እቲ ዝወደቖ

ድማ ኪጭፍለቕ እዩ።"                              ሉቃ.20፡18

„ቃለይዶ ... ከምቲ ንኸውሒ ሓሸምሸም ዜብል መዶሻን ኣይኰነን።"  ኤር23፡29

 

ክርስቶስ፡ „ እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ መንሳተትን፡ ... „        ሮሜ9፡33

„ ብዘይ ምእዛዞም በቲ ቓል ይዕንቀኡ።"                   1ጴጥ. 2፡8

 

„ እንሆ ድማ፡ ኣነ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም .... ምሳኻትኩም እየ።" ማቴ.28፡20

„ ትእዛዝዛትካ ንሓዋሩ ምሳይ ኣዩ፡ ... „                  መዝ.119፡98

 

„ ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኪሓድር .... „     ኤፌ.3፡17

„ ቃል ክርስቶስ ብኹሉ ጥበብ መሊኣኡ ይሕደርኩም"         ቆሎ. 3፡16

                 

 

ንሱ ኣባና ከምዚነብር ንሕና በቲ ዚህበና መንፈስ ንፈልጥ ኢና።"  1ዮሃ3፡24

„ ... ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለዘሎን፡ ... „         1ዮሃ.2፡14

 

ክርስቶስ፡ „ .... እሙንን ሓቀኛን ......                    ራእ.19፡11

ምስክራትካ፡  „ ..... ብጽድቅን ዕዙዝ ሓቅን ምስክራትካ ኣዘዝካ።"   መዝ.119፡138

 

„ ካብ ኣፉ ኸኣ ንኣህዛብ ዝወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ።"     ራእ.119፡15

„ ቃል እግዚኣብሄር .... ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ እዩ።"  እብ.4፡12

 

„ እግዚኣብሄር ንጻድቅ ይዕዘቦ።"                      መዝ.11፡5

„ ቃል ኣህዚኣብሄር፡ ... ክሳዕ ዝፍትኖ፡ .... „              መዝ.105፡19

 

ክርስቶስ እቲ „ .... ፍቱን እምኒ፡ ... „                  ኢሳ28፡16

„ ቃል እግዚኣብሄር እተዀልዐ እዩ።"                    መዝ. 18፡30

 

 

 „ክርስቶስን"  „ቅዱስ ጽሑፋትን" እውን ተመሳስሊ ባህርያት ከምዘለዎም ተገሊጹ ኣሎ።

 

,እቲ ካብ እምላኽ እተወልደ ዘበለ ርእሱ ይሕሉ።"         1ዮሃ.5፡18

„ ብህያውን ንዘልኣለም ዘይጠፍእን ቃል ኣምላኽ፡ ካብ ዘይጠፍእ

ዘርኢ ተወለድኩም።"                              1ጴጥ.1፡23

 

„ ብናይ የሱስ ክርስቶስ፡ (ትንሳኤ ካብ ምዉታት፡ ብብዙሕ ምሕረቱ ...)

ብሓድሽ ዝወለደና እምላኽ፡..."                         1ጴጥ.1፡3

„ ብክርስቶስ የሱስ ብወንጌል ወሊደኩም እየ፡ ..."             1ቈረ.4፡15

 

„ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ከም ዚገብሮም.."   ዮሃ.5 ፡21                                  

„ቃልካ ህያው ጌሩኒ ኢዩ።"                        መዝ.119፡50

 

„ ንኣኻትኩም ህያዋን ገበረኩም።"                     ኤፌ. 2፡1

„ትእዛዛትካ.... ብእኡ ህያው ጌርካኒ ኢኻ ... ኣይክርስዖን እየ።"  መዝ119፡93

 

„ እቲ ዝበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር እዩ።"            ዮሃ. 6፡57

„ ... ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ክትዓብዩ፡

ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ በሃግዎ።"                1ጴጥ.2፡2

 

„ሓራ ምእንቲ ክንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓራ ኣውጺኡና እዩ።     ገላ. 5፡1

 „ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ከተውጻኣኩም እያ።"             ዮሃ.8፡32

 

„ ደም የሱስ ክርስቶስ .....   ካብ ኩሉ ሓጢኣት ይንጽሃና እዩ።"  1ዮሃ.1፡7

„ ንኣኻትኩም ከኣ ሳላ እቲ ዝነገርኩኩም ቃል ድሮ ንጹሃት ኢኩም።" ዮሃ15፡3

 

ክርስቶስ፡ „ .... ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዝመጹ ....

ፈጺሙ ኬድሕኖም ይኽእል እዩ።"                        እብ. 7፡25

„ ... ነቲ ንነፍስኹም ኼድሕና ዚከኣሎ

ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎ።"                     ያዕ.1፡21

 

„ ብክርስቶስ የሱስ እተቐደሱ፡.... „                      1ቈረ.1፡2

„እቲ ፍጥረት ... በቲ ቃል ኣምላክን ጸሎትን ዚቕደስ ስለዝዀነ፡.."   1ጢሞ.4፡5

 

„ በዚ ፍቓድዚ በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዚኣክል

ዝተሰውአ መስዋእቲ ስጋ የሱስ ክርስቶስ ተቐዲሱ እዩ።"           እብ.10፡10

„ በቲ ሓቂ ቀድሶም፡ ቃልካ ሓቂ እዩ።"                     ዮሃ.17፡17

 

„ ንስኻትኩም ካብኡ ካብቲ ካብ ኣምላኽ

ንጥበብን ጽድቅን ምሕዳስን ምድሓንን ዝዀነልና ክርስቶስ የሱስ ኢኹም።" 1ቈረ.1፡30

„ እተን፡ „ ብእምነትብክርስቶስ የሱስ

 ንምድሓን ከለብማካ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ ..."         1ጢሞ.3፡15

 

„ክርስቶስ፡ „ ንኹሎም ሕሙማት ኣሕወዮም።"                  ማቴ.4፡24

„ ቃሉ ልኢኹ ኣሕወዮም።"                              መዝ.107፡20

" ብመጠን እቲ ኣባይ ብሓይሊ ዚገብር ዘሎ ግበሩ እናተጋደልኩ እጽዕር እሎኹ።"ቆሎ.1፡29

" እቲ ብኣና እተሰብከ ቃል ኣምላኽ፡ .....

 ኣባካትኩም እትእምኑ ዘሎኹም ዚዓዪ ዘሎ፡ ..... „                   1ተሰ.2፡13

 

ጐይታ የሱስ ክርስቶስ፡ „ እቲ ንህያዋንን ንምዉታትን ኪፈርድ ዘለዎ፡ ...."     2ጢሞ.4፡1

"..... እምበኣርሲ፡ ኣቲ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቃል፡ .... ኪፈርዶ እዩ።"          ዮሃ.12፡48

 

" ... ናብ ኣምላክ ጸሎተይን ታሕጓሰይን ከእቱ እየ።"                  መዝ. 43፡4

" .... ቃላትካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኰነኒ።"                      ኤር.15፡16

 

ስለዚ፡ በዚ ኩሉ መረዳኢታት እዚ፡ እቲ ህያው ቃልን። እቲ እተጻሕፈ ቃልን ኪፈላልዩ ከምዘይክእሉ ንርኢ ኣሎና። ምስኡውን፡ ኣብቲ ዚስበኽ ቃል ተነጻጺሎም ኪቐርቡ ከምዘይግባእ ክንርዳእ ክኢልና ኣሎና።

 

እምበኣርከስ፡ ንክርስቶስ ከይሰበኽካ፡ ነቲ እተጻሕፈ ቃል ንበይኑ ፈሊኻ ምስባኽ፡ ጨሪሱ ስብከት ኪበሃል ኣይክእልን እዩ። ከምኡ ዝበለ ስብከት እንተተፈተነ እውን፡ ብሓይሊ ናይ እቲ መንፈስ (መንፈስ ቅዱስ) ክግበር ኣይክእልንዩ።

 

ጳውሎስ ናብ ተሰሎንቄ ምስ ከደ፡ ከምዚ ሎሚ ኪግበር ንርእዮ ዘሎና፡ ካብ መጽሔታት ወይ ካብ ኣእምሮ እቲ ሰባኺ ባዕሉ ወይ እውን ካብ ተሞክሮ ዘይኰነ፡ (ከምቲ ልማዱ እውን ዝነበረ) ንቕዱስ ጽሑፋት እናተርጐመ ይገልጸሎም ነበረ። ግናኸ ኣብኡ ከይተወሰነ፡ ከምቲ ኣስዒቡ ዝገልጾ፡ እዚ ስብከት እዚ፡ „ክርስቶስ (እቲ ህያው ቃል) ኪስቀን ካብ ምዉታት ኪትንስእን ከምዚግብኦ፡ እዚ ዝሰብከልኩም ዘለኹ የሱስ ከኣ ክርስቶስ እዩ።" እናበለ እዩ ዚጅመርን ዚቕጽልን።

 

ስለዚ፡ እቲ ህያው ቃልን፡ እቲ እተጻሕፈ ቃልን ኪïፈላለ ዘይክእል ካብ ኰነ፡ ንቓል ኣምላኽን ነቲ ቃላት ኣምላኽን ክንምርምሮ እንከሎና፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ንምስማዕ፡ ነቲ „ዝበለጸ ግደ" ሓሪና፡ ማለት ኣብ እግሪ ጐይታ የሱስ ኴንና ድምጹ ኽንሰምዕ፡ መጺእና ከምዘለና ክንሓስብ ይድለየና። (ሉቃ.10፡39) ክሳዕ እዚ ክፋል ኢና መጺእና ዘሎና፡ እቲ ዝበለጸን ዝኸበረን ስዒቡ ኪመጽእ እዩ። እዚ ድማ፡ ነቲ ክብሪ ናይ ዝዓረገ ጐይታ፡ ልክዕ ከም ክብሪ ናይቲ ስጋ ዝለበሰ ጐይታ ኣብ ምድሪ ዝተራእየ ( ዮሃ.1፡14)፡ ክብሩ ምርኣይ ኣብ እንኽእለሉ ግዜ (ዮሃ.17፡24) ኪኸውን እዩ። ብድሕርዚ፡ ኣብቲ ዚቕጽል ግዜ፡ ንሱ እቲ ግሩም „ቃል"፡ እቲ ዝኸበረ ጐይታና፡ ልክዕ ከምቲ ቀደም ዝገበሮ፡ (ሎሚ ውን ንመፈስ ቅዱሱ ኣብïሉ ዝገብሮ ዘሎ) ነቲ ቅዱስ ዝገብሮ ጽሑፋት ብዛዕባ ርእሱ ዚብሎ ኩሉ እናገለጸልና፡ ንዓና ነቶም ቅዱሳን፡ ነቶም ናብኡ ዝተኣከብና  ዘበልና፡  ንኣቦ ምእንቲ ክንፈልጦ፡ ኪነግረናን ከፍልጠናን እዩ(1ተሰ.1፡10, 2፡1)።      

 

                   

ብኢ. ዳብልዪው ቡሊንገር (ስነህይወት)

   ------//////-------

Comments
Add New Search
Write comment
Name:
Email:
 
Title:
Please input the anti-spam code that you can read in the image.
{poweredby} {poweredby}

3.26 Copyright (C) 2008 Compojoom.com / Copyright (C) 2007 Alain Georgette / Copyright (C) 2006 Frantisek Hliva. All rights reserved."

Last Updated ( Friday, 10 April 2009 )
 
< Prev   Next >
  • Send Postcard !
  • Advertismnet!

    Our Favorite Links

    www.bible.org
    Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

    Christ for all Nations, Cfan
    cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
    http://www.cfan.org
     
    Release Eritrea!
    release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha

    Who's Online

    We have 46 guests online
    • tigrina
    • English

    Agelglot.com

    Syndicate

    Video

    EGMM pro Mezmur

    EGMM PRO MEZMUR  

    EGMM pro Sbket

    EGMM PRO SBKET  

    EGMM pro Books»

    EGMM ORO BOOKS 

    Active Quiz»

    Active Quiz 

    EGMM PRO REDIET»

    EGMM PRO REDIET