Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Wednesday
Mar 10th
Home
ታሪኽ ቤተክርስትያን (AD 29 – 500) 8ይ ክፋል PDF Print E-mail
Tuesday, 31 March 2009

ቀዳመይቲ መጽሓፍ ብጆን ፎስተር

ትርጉም ብይሳኮር

ምዕራፍ 3

ተራ ወንጌላውያን

ነተን ኣዝየን ገለ ዓበይቲ ከተማታት ብዚምልከት፡ ሚስዮናዊ መንዩ ዚብል? ሕቶ ንምምላስ ኣይከኣልን እዩ። ቅድሚ ዝኾነ መዛግብቲ ሚስዮናዊ ዕዮ ምጽሓፉ ክርስትያናት ኣብ ሓደሓደ ቦታታት ከም ዚነበሩ ሓባሪ ይርከብ እዩ። ንኣብነት ጳውሎስ፡ ጵሪስኪላን ኣኪላስን ዚብሃሉ ኣይሁድ ክርስትያን ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ሮማ ዚመጹ ኣብ ቆሮንጦስ ከም ዚረኸበ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 18 ነንብብ ኢና። እዚኣ እታ ቀዳመይቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን እንረኽባ ክርስትያናት ኣብ ሮማ ከም ዚነበሩ ሓባሪት እያ።

 ቅድሚ እዚ ዝኾነ መዝገብ ሚስዮናዊ ዕዮ የለን። ክርስትና ሒደት ሚስዮናውያን ዕዮ ቤተ ክርስትያን ሒዞም ስለ ዚገሹ ጥራይ ኣይተዘርግሐን። ብዙሓት ተራ ክርስትያን ዕዮኦም ወጢጥዎም ኣብ ዚገሹሉ ሃይማኖቶም ምስኦም ሒዞምዎ ስለ ዚገሹ ክርስትና በዚውን ተዘርገሐ።

ኣብ ፍርዲ ጃስቲን እንደገና እንተ ኣቕለብና፡ ነዚ ተገሊጹ ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ምስ ኡ ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት ተታሒዞም ነበሩ። እቲ ዳኛ ኸኣ ንነፍሲ ወከፎም ሕቶታት እናሓተተ ነቲ መስርሕ ፍርዲ ቀጸሎ፡

ንስኻ ክርስትያን ዲኻ?

እወ ክርስትያን እየ።

ጃስቲን ድዩ ክርስትያን ጌሩካ?

ነዚ ሰናይ ምእማን እዚ ካብ ወለድና ኢና ወሪስናዮ

ወለድኹም መንዮም?

እተፈላለዩ ቦታታት ኣብ አስያ ማይነር ተጠቕሱ። እቲ መዝገብ ብኸምዚ ይውድእ።

እቶም ሰማእታት ንኣምላኽ ክብሪ እናሃቡ ናብቲ ልሙድ ቦታ ከዱ። ኣብኡ ኸኣ ተሰየፉ። (11)

ኣብዚ ኪስተብሃለለን ዚግባእ ክልተ ነገራት ኣለዋ።

ቀዳማይ፡ ክርስትና እተቐበሉ ሰባት ትምህርቲ ይምሃሩ ነበሩ፡

ንኣወዳትካን ንኣዋልድካን ሓላፍነት ኪትወስድ ይግባእ። ካብ እዋን ቁልዕነቶም ጀሚርካ ኸኣ ፍርሃት ኣምላኽ ምሃሮም።

ኣብዚ - ኣብ ቤተሰብ - እዩ ምትሕልላፍ ሃይማኖት ዚጅምር።

ካልኣይ፡ ከምዚኦም ዚበሉ፡ እምነቶም ምስኦም ዚማሉኡ፡ ክምስክሩሉ ኸኣ ድሉዋት ዝኾኑ ተራ ሰባት፡ ዓብዪ ሚስዮናዊ ጽልዋ ነበሩ።

ብዛዕባ ተራ ወንጌላዊነት ካብቲ ኣብ 175 ዓመተ ምህረት ኣቢሉ ዚጸሓፈ፡ ምናልባትውን በዓል ኣለክሳንድርያ ክኸውን ዚኽእል፡ ኣረማዊ ፈላስፋ ሓደ ድሙቕ ስእሊ ንረክብ። ንሱ ንክርስትና ናብ ሓደ ዓብዪ ቤት በቶም ባሮት ኣቢሉ ዚመጽእ፡ ድሓር ኣንስትን ቆልዑን ዚሕዝ፡ ከም ሕማም ዝላባዕ ገይሩ ይሓስቦ ነበረ። ክርስትያናት ኣብ ልዕሊ ኣቦን ኣደን ምልዕዓል ይምህሩ ኢሉ ዚዛረቦ ከም ሓቂ ክንቅበሎ ዘሸግር እዩ።

ኣብ ኣባይቲ ውልቀሰባት ኣለምቲ፡ ሰፈይቲ ጫማ፡ ዘይተማህሩ ሰባትን ንርኢ ኢና። እዚኦም ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ወይስ ኣብ ቅድሚ እቲ ብሱል ጎይታኦም ኣፎም ክኸፍቱ ኣይደፍሩን እዮም። ይኹንምበር፡ ናብ ቆልዑን ወይስ ናብተን ከምኦም ደናቁር ደቂ ኣንስትዮ ደኣ ይኸደê። ድሕሪዚ ኣዝዩ ድንቂ ዝኾነ ዘረባ ይዛረቡ፡ ንመምህርካ ወይስ ኣቦኻ ንምንታይ ትሰምዖ? ንዓና ስምዓና። ንሳቶም ዓያሱን በሃማትን እዮም። ንሶም ሓንቲኳ ትኹን ሰናይ ነገር ኣይፈልጡን ወይ ኪገብሩውን ኣይኽእሉን እዮም። ሰባት ከመይ ኪነብሩ ኣለዎም ንሕና ጥራይ ኢና እንፈልጥ። ንስኹም ቆልዑ፡ ንሕና እንብለኩም እንተ ገበርኩም፡ ብሓቂ ሕጉሳት ኪትኮኑ ኢኹም። ቤትኩም ኸኣ ሕጉስ ኪኸውን ኪትገብሩ ኢኹም።

እናተዛረቡ እንከለዉ ሓደ ካብቶም መማህራን ወይውን እቲ ኣቦ ኪመጽእ እንከሎ ይርእዩ። ስለዚ ከምዚ ኢሎም ሕሹኽሹኽ ይብሉ፡ ንሱ ኣብዚ እንተሎ ክንገልጸልኩም ኣይንኽእልን ኢና። እንተ ደሊኹም፡ ኩሉ እቲ ዘሎ ኪንነግረኩም ምእንቲ ምስተን ደቂ ኣንስትዮን ምስ ኣዕሩኽትኹምን ወይ ናብቲ እንዳ ኣንስቲ፡ ወይስ እንዳ ሰራሕ ጫማ፡ ወይስ እንዳ ሓጻባይ ምጹ ኢኹም። ብኸምዚ ዝበለ ቃላት የስድዕዎም። (ያንግ 63)

ካብ ሓደ ክርስትያን ጸሓፊ፡ ምናልባት ኣብ 200 ዓመተ ምህረት ኣብ ካርተጅ ዚነበረ፡ ምስዚኣ ብሓደ ወገን - ኣዝዮም እተምህሩ ሰባት ስለ እትምልከት - እትነጻጸር ሓንቲ ስእሊ ንረክብ። ሰለስተ ናይ ሕጊ ሰባት፡ ኣዝዮም ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ እዮም ናይ ሓደ መዓልቲ በዓል ኣብ ገምገም ባሕሪ የሕልፍዎ። ክልተ ካብዚኦም ክርስትያናት ነበሩ። እቲ ሳልሳዮም ግን ኣረማዊ ነበረ። ከየጸንሐ ኸኣ ዘረባኦም ናብ ሃይማኖት ገጹ የብል። ኣማልኽቲ ብዙሓት ድዮም ወይስ ሓደ? ጣኦታት ኪምለኹ ይግብኦምዶ? በቲ ናይ ቀደም መንገዲ ኪንመላለስዶ ወይስ ንዓና ዚሕሸና መንገዲ ክንመርጽ ይግብኣና? ዛንታ እዚ ነዊሕ ክትዕ ኸኣ ይውዳእ። ሰለስተና ባህ ኢሉና ንቤትና ከድና። ሓዲኦም ናብ እምነት ክርስትና ስለ ዚመጸ ተሓጎሰ። እቶም ካልኦት ኸኣ ናብ እምነት ስለ ዘምጽእዎ ተሓጎሱ። እዛ ጽሕፍቲ ሓቀኛ ታሪኽ ከም ዚኾነት ከተምስል ኣይትፍትንን እያ። ሚኒክዩስ ፈሊክስ ዚጸሓፋ ጽሕፍቲ ጥብቅና እያ። ይኹንምበር ነቲ ኣብ ማእከል እቶም ድሓን ዚመነባብሮኦም ዚካየድ ነገራት ወካሊት እያ።

ብዛዕባ ሓደ ኣብ 140 ዓመተ ምህረት ኣብ ፓርቲያ ኣማሓዳሪ ከተማ ዚነበረ ሰብውን ነንብብ ኢና። ኣብታ ከተማ ኪኸውን እንከሎ ነቲ ንጉሰ ነገስት ፈሪሑ እምነቱ ሚስጢር ይገብሮ ነበረ። ይኹንምበር ኣብተን ኣብ ጥቓ እታ ከተማ ዘለዋ ዓድታት ኣብ ምስባኽ ክርስትና ኣዝዩ ንጡፍ ካብ ምንባሩ እተበገሰ እቶም ኣረማውያን ካህናት ኪቐትልዎ ፈተኑ።

ኣብ ገለ ጉዳያት፡ ተራ ወንጌላዊነት ኣዝዩ ዓብዪ ፍረ ነበሮ። ኣብዚ ጽማቑ ሰለስተ ኣብነታት ቀሪቡ እንሆ።

ኣብ 264 ዓመተ ምህረት ጎታውያን ንአሽያ ማይነር ወረርዋ። ካብኡ ከኣ ክርስትያን እሱራት ማሪኾም ንኪንዮ ጸሊም ባሕሪ ወሰድዎም። ድሕሪ ሰማንያ ዓመት፡ ብዙሓት ጎታውያን ክርስትያናት ኪኾኑ ጀመሩ። ናታቶም ኣቡንን ናይ ጎት መጽሓፍ ቅዱስን ኸኣ የንብቡ ነበሩ። ነዚ ኩሉ እቶም እሱራት ክርስያናት ዜጀመርዎ ነበረ።

ኣብ 294 ዓመተ ምህረት፡ ካልእ ግሪጎሪ፡ (ሓደ ሓደ እዋን እቲ መብርሂ ተባሂሉ ይፍለጥ እዩ) ኣቡን ኣርመንያ ኮይኑ ተቐብአ። ንሱ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ኣርመንያ በዓል መዚ ነበረ። ከም ክርስትያን ግን ተኣስረ። ይኹንምበር ሞገስ እቲ ንጉስ ጥራይ ኣይተቐበለን። ንንጉስን ሃገርን ደኣ ንሃይማኖት ክርስትና ከሰቦም። ነዚ ኩሉ ከም ተራ ክርስትያን ጀመሮ።

ኣብ 340 ዓመተ ምህረት፡ ፍረምናጦስ እቲ ቀዳማይ ኣቡን ኣብ ኢትዮጵያ ኾነ። ኩሉ ኣብኣ ዚነበረ ኽቕተል እንከሎ፡ ንሱን ሓውን፡ ካብ ሓንቲ ናይ ግሪኽ መርከብ እተማረኹ እሱራት ነበሩ። ክርስትያናዊ ምስክርነቶም ከም እሱራት ቆልዑ ጀሚሩ እሙናት ኣገልገልቲ እቲ ንጉስ ምስኮኑውን ኣየቋረጸን።

ህይወት ክርስትያናት

ጽልዋ ህይወት ክርስትያናት መብዛሕትኦም ተጣበቕቲ ብዙሕ እተዛረቡሉ ኣርእስቲ እዩ።

እቲ ካብ ጳለስታይን ብአሽያ ማይነር ኣቢሉ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ዓዲ ጥልያንን ሮማን ኣቢሉ ዘብፅሕ መንገዲ ኣብ ባሕሪ ኣጸቢቑ ዚፈልጦ ዚነበረ ጃስቲን ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ፡

ብትዕግስትን ትሕትናን፡ ንኹሎም ሰባት ካብ ሕፍረትን ክፉእ ትምኒትን ከነውጽኦም፡ የሱስ ኣዚዙና እዩ። ነዚ ኸኣ ኣብ ህይወት ብዙሓት ምሳና ርክብ ዚነበሮም ሰባት ከነርእዮ ንኽእል ኢና። ብዙሓት፡ እሙን ህይወት ክርስትያን ጎረባብቲ፡ ድንቂ ትዕግስቲ እተዓመጹ ክርስትያን መጋይሽቶም፡ ቅንዕና ኣብ ዕዳጋ ምስኣቶም ዚዕድጉን ዚሸጡን ክርስትያናት ርእዮም ተማሪኾም እዮም። ካብ ዓመጽን ምፍርራህን ኸኣ ተለዊጦም እዮም። (ያንግ 68)

ኣሪስቲድ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ፡

ክርስትያናት ትእዛዛት ክርስቶስ ኣብ ልቦም ተጻሒፉ ኣሎ። ነታ እትመጽእ ዘላ ዓለም እናተጸበዩ ኸኣ ይሕልዉዎ። ... ንጸላእቶም ኸኣ ጽቡቕ ኪገብሩ ይፍትኑ። ... ኣንስቶም ንጹሃት እየን፡ ኣዋልደን ኸኣ ትሑታት። ብዛዕባ ባሮቶም ኸኣ፡ ክርስትያን ኪኾኑ የተባብዕወም፡ ድሕሪኡ ኸኣ ብዘይ ኣፈላላይ ኣሕዋት ኢሎም ይጽውዕዎም። ... ሓሶት ኣብኦም ኣይትርክብንያ። ንሓድሕዶም ኸኣ ይፋቐሩ። እቲ ዘልዎ ነቲ ዘይብሉ ብልግሲ ይህቦ። ... ከምኡ ኸኣ፡ ሕያውነት ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ስለ ዚኣመንዎ፡ እንሆ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ውቃበ ኣብኦም ይውሕዝ። ... ብሓቂ እዚ ትምህርቲ እዚ ዓብዪን ድንቂን እዩ። ... ኣብኡ ገለ መለኮታዊ ነገር ኣለዎ። (ያንግ 181)

እቲ ካብ ናይ ኩሎም ዚተብዐ ኦሪገን ከምዚ ይብል፡

ብናይ ክርስቶስ መንፈስ፡ ንምድሓን ካልኦት ዚሰርሑ ሰባት ክርኢ ዚደሊ እንተሎ፡ ኣብቶም ንወንጌል የሱስ ኣብ ኩሉ ቦታታት ዚሰብኩ የቕልብ። ... ኣብ ዓለም ብዙሓት ክርስቶሳት ኣለዉ። ... ክርስቶስን ቤት ክርስትያንን ሓደ ኣካል ከቑሙሲ፡ ክርስቶስ ርእሲ ቤት ክርስትያን እዩ። ... ካብቲ ርእሲ ክሳብ ጫፍ እቲ ልብሲ ናይ ክርስቶስ ነገር ኣለዎ። (ያንግ 181)

ገለ ኣንበብቲ፡ እዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ሰለስተ ጥቕስታት ክርስትያናት ንውዳሰ ክርስትያናት ዚጸሓፍዎ ቃላት ስለ ዚኾነ፡ ነጻ ግምገማ ኣይኮነን ኢሎም ኣይቅበልዎን ይኾኑ። ይኹንምበር እዚ ንነቐፍቲ ዘይክርስትያናት ርእዮም ርእይቶኦም ኪህቡ እተጻሕፈ ዚዕድም ቃላት እዩ።

ተኣመንትን ሰማእታትን

ሚስዮናውያን መን ነበሩ? ወንጌላውያን ምሉእ ጊዜ፡ ተራ ወንጌላውያን፡ ጽልዋ ህይወት ክርስትያናትን ርኢና ኣሎና። ሕጂ ኣንፈትና ናብ ተኣመንትን ሰማእታትን ከነብል ኢና። ካብ ጊዜ እታ ናይ ጥንቲ ቤት ክርስትያን ኣትሒዙ፡ ክርስትያን ምዃኖም ተኣሚኖም ስቓይ እተቐበሉ ተኣመንቲ ተባሂሎም ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም። እቶም ከምዚ ኢሎም ተኣሚኖም ዝሞቱ ኸኣ ሰማእታት። እዘን ክልተ ቃላት እዚአን፡ ኣነ ብየሱስ ክርስቶስ እኣምን እየ ኽትብል እቲ ኣዝዩ ዘእምን መንገዲ ምእንቲኡ ክትመውት ክትዳሎ እዩ ዝብል ሓሳባት ሕቚፈን ኣለዋ።

ዩዘብዩስ ብዛዕባ ሓደ ባሲለደስ እተባህለ ኣብ ከባቢ 210 ዓመት ምህረት ኣብ ኣለክሳንድርያ ሓለቓ ሰራዊት ዚነበረ ሰብ የዘንቱ። ክርስትያናት፡ ከም ክርስትያን ከም እተኣስረ ይሰምዑ። ይኹንምበር ኣብ መዝገብ ጥሙቓት ቤተ ክርስትያን ባሲለደስ ዚብል ኣይረኸቡን። ስለዚ ኸኣ ኣብ ቤት ማእስርቲ ከይዶም በጽሕዎ። ንሱ ሓደ ካብ ግደታኡ ንሓንቲ መንእሰይ ክርስትያን ጎርዞ ናብቲ ብሞት እትቕጽዓሉ ቦታ ምብጻሕ ምኻኑ ሓበሮም። ንሱ ከድሕና ኪገብሮ ዝኽእል ምንም ነገር ኣይንበረን። ይኹንምበር ካብቲ ህዝቢ ዚወጽእ ዚነበረ ጸርፊ ተኸላኸለላ። ንሳ ኸኣ ኣመስገነቶሞ ከምዚ ኸኣ በለቶ፡ ክርስቶስ ኪፈድየካ ክልምኖ እየ በለቶ። ድሕሪዚ ድሕሪ ሰለሰተ ለይቲ ብሕልሚ ተገልጸትሉ እሞ ኣኽሊል ሰማእቲ ሃበቶ። ስለዚ ኸኣ ህይወቱውን የኽፍሎ ክርስትያን ኪኸውን ወሰነ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ኣጠመቕዎ። ንጽባሒቱ ኸኣ ተሰየፈ።

ቅድሚ ምሉእ ዓወት ደጋፊ ክርስትያናት ዚነበረ ንጉሰ ነገስት ኮንስታንቲን፡ ኣብቶም ኣብ ግዝኣት ሮማ ናይ መጨረሻ ዚተሳቐዩ ሰማእታት ኣብ ስባስተ፡ ቆጶዶቅያ ኣርብዓ ክርስትያን ወተሃደራት ነበሩ። እዚኦም መስዋእቲ ኣህዛብ ከይስውኡ ኣበዩ። ስለዚ ኸኣ ጥራሖም ናብ ሓደ ከም በረድ ዚዘሓለ ቀላይ ተኾብኮቡ። ዝኾነ ሓሳቡ ንዚቕይር ሰብ ተባኢሉ ኸኣ ኣብቲ ደንደስ ሓደ ውዑይ መሕጸቢ ሰብነት ነበረ። ካብዚኦም ሓደ ኪመውት ደልዩ ሓደ መንእሰይ ጥራይ ናብቲ ዘድሕን ሙቐት ተንፋሒኹ ኣተወ። ሓደ ካብቶም ሓለውቲ ረኣዮ። ክዳውንቱ ድርብይ ድርብይ ኣቢሉ ኸኣ ኣብ ማእከል እቶም ሰላሳን ትሽዓተን ቦታኡ ሓዘ።

ከም ዚረኣናዮ፡ ተርቱልያን ዘይርስዑ ቃላት ጽሒፉ ኣሎ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ እታ ኣዝያ ፍልጥቲ፡ እታ ደም ክርስትያናት ዘርኢ እዩ እትብል እያ። ንሱ ነዚኣ ቀጺሉ ይገልጻ፡

ብዝያዳ ኪትዓጽዱና እንከለኹም ዝያዳ ንውስኽ። ብዙሓት ካብ ጸሓፍትኹም ሰባት ንሞትን ቃንዛን ብትብዓት ኪገጥምዎ ይምህሩ። ይኹንምበር ከም ከምቶም ብግብሪ እምበር ብቓል ዘይምህሩ ክርስትያናት ሰዓብቲ ኣየፍርዩን እዮም። (ያንግ 349)

ንሱ ከምዚ ኢሉውን ጸሓፈ፡

ኩሎም እቶም ተጻዋርነት ሰማእታት ዝርእዩ፡ ጥርጥር ይሕዞም እሞ ነዚ ነገር እዚ ከጻርዩዎ ኢሎም ይሕልኑ። ድሕሪዚ፡ ነቲ ሓቂ ምስ ረኸብዎ፡ ንሶምውን ከም ሰዓብቲ  ይውሰኹ። (12)

ቅድሚ ምእማኑ ተርቱልያን ኣብ ሮማ ጠበቓ ነበረ። ስለዚ ኣብዚ ንሱ ንገዛእ ክመይ ኢሉ ናብቲ ናይ ክርስትያናት ወገን ከም ዚመጸ ይገልጽ ይህሉ ኬኽውን ዝከኣል እዩ።

Comments
Add New Search
Write comment
Name:
Email:
 
Title:
Please input the anti-spam code that you can read in the image.
{poweredby} {poweredby}

3.26 Copyright (C) 2008 Compojoom.com / Copyright (C) 2007 Alain Georgette / Copyright (C) 2006 Frantisek Hliva. All rights reserved."

Last Updated ( Tuesday, 31 March 2009 )
 
< Prev   Next >
Headline
  • Pause
  • Previous
  • Next
1/10
ምስክርነት ናይ ኣጸያፊ ጾታዊ ስራሕ ትሰርሕ ዝነበረት

"ባሮት ሓጢኣት ከሎኹምሲ ካብ ጽድቂ ውጹኣት ሓራ ኢኹም ዝነበርኩም። መወዳእትኡ ሞት ስለ ዝኾነ በዚ ሎሚ እትሓፍርሉ ዘሎኹም እንተ ዘይኮይኑስ በቲ ጊዜ እቲ እንታይ ፍሪኡ ነይርኩም፡ ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ናይ ዘልኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለዝወጻእኩም ኣምላኽውን ስለ ዘተገዛእኩምዎ ፍሬኹም ንቕድስና ኮይኑ ኣሎ መወዳእታኡ ኸኣ ናይ ዘልኣለም ህይወት እዩ። " ሮሜ 6 20-23

Read more...
 
Daily devotion
ምፍታን እምነት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፈተና ብዙሕ ጊዜ ተዛሪቡ ኣሎ። ገለ ካብኡ ምስ እንርኢ ‘ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር ናብ ፈተና ኣይተእትወና’ ኢልና ክን...
Message
‎እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ ፧‎ ሉቃ 18:41 “የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ናብኡ ኼምጽእዎ ኣዘዘ ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ የሱስ ፤ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ ፧ ኢሉ ሓተቶ ። ንሱ ኸኣ ፤ ...
 
Teaching
ክርስትናን ሃይማኖትን: ሕቖን ከብድን መእተዊ መብዛሕትና፡ ክርስትና ከም ሃይማኖት ኢና እንርድኦ። እዚ ግን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሰረት ዘይብሉ ግጉይ ርድኢት እዩ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ክርስትና ማ...
Cell Group Material
ዉሕሉል ኣገባብ ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስ መእተዊ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጸ ቓል ስለዝኾነ፡ ኸም ዉሉድ ኣምላኽ መጠን ግዜ ወሲድካ ከተንብቦን ከተጽንዖን ይግባእ። መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣ...
 
Character Study
ህይወት ዳዊት ሰብ ኣብ ጌጋ ብዘለዎ ኣረኣእያን ካብኡ ዝወስዶ ትምህርትን ኣብ ሰለስተ ክንመቕሎ ንኽእል፣     ቀዳማይ። ጌጋ ዝገብር እሞ ጌጋ ከምዝገበረ ተረዲኡ ...
 
Witness
Image ‎ቫንያ‎ ቐዳማይ ክፋል ኢቫን ቫሲሊየቪች ሞይሲየቭ (ብሕጽር ዝበለ ኣጸዋውዓ ወይ ሳጓ ድማ ቫንያ) ብ1952፣ ቮሎንቲሮቭካ ኣብ ዝተበሃለት ሓንቲ ቁሸት ናይ ግዝኣት...
         
 
  • ኣገልገልቲ
    ኣገልገልቲ እንታይ ይብሉ
    Letter5

    ሰክቡራትን ፍትዋትን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንዓኻትኩም ይኹን፣ እዚ ዘለናዮ እዋን....

  • ደቀንስትዮ
    ደቀንስትዮ እንታይ ይዛረባ? Welcome

    ክቡራትን ፍቑራትን ኣሕዋትን ኣዴታትን ኣዋልድ መንእሰያትን ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንዓኻትክን ይኹን። ኢሂን ምሂን እትብላሉ ብዛዕባ መንፈሳውን.........

  • መንእሰያት
    ካብ መንእሰያት ናብ መንእሰያት
    Letter3

    ሰላም ሰላም ንዓኻትኩም ኣብ ፈቐዶ ቦታታትን ሃገራትን ዘለኹም መንእሰያት። ጸጋን ሓጎስ ኣምላኽን ምሳኹም ይኹን። እንሆ ሓሳብኩም እትገልጽሉ ህርመት ልብኹም እትዛረቡሉ ርእይቶኹም ከኣ እትህቡሉ መድረኽ ተኸፊቱልኩም........

Advertismnet!

ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ  ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንመላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መገዲ መራኸቢ እንዝርግሕ ክርስትያናት ኢና።

Read all Books in our Web

           
   

 

Give your Vote!

What do you like most about Eriwongel.com?
 
What die you want to change?
 

Our Favorite Links

www.bible.org
Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

Christ for all Nations, Cfan
cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
http://www.cfan.org
 
Release Eritrea!
release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha

Join the EGMM team

We are seeking a English and Amharic translator / editor who will serve with us as voluntary translator.
Grafic & web Designer
If you are Graphic and web Designer and looking out for working in the Kingdom of our Heavly Father, then here's the right opportunity to work with us.
Advertiser links Geezsoft.com
Hier you can download free Geez Font
Eristart.com
First Eritrean Startpage 

Who's Online

We have 12 guests online
  • tigrina
  • English

Movies

Agelglot.com

Compassdirect.org

Syndicate


EGMM pro Mezmur

EGMM PRO MEZMUR  

EGMM pro Sbket

EGMM PRO SBKET  

EGMM pro Books»

EGMM ORO BOOKS 

Active Quiz»

Active Quiz 

EGMM PRO REDIET»

EGMM PRO REDIET