Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Friday
Sep 03rd
Home
ሰማእታት ካታኮምብ (9 ክፋል) PDF Print E-mail
Saturday, 28 February 2009

ምትሓዝ

ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ የጥርየልኩም እዩ።

ሆኖሪዮስ ምስ ክልተ ሰለስተ ዝኾኑ ሰባት ኣብታ ንጸሎት ዝእከቡላ ክፍሊ ኮፍ ኢሉ ነበረ። ካብቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ሓንቲ ከኣ ሴሲልያ ነበረት።

ኣብታ ክፍሊ ሓንቲ ናይ ጥዋፍ መብራህቲ ጭልጭል ትብል ነበረት። ናይቶም ሰባት ኣቀማምጣ ብጣዕሚ ጸጥ ዝበለ ኮይኑ ሓዘንን ስግኣትን ዘጎሳቖሎም ምዃኖም ብግልጺ ይረአ ነበረ።

ናብዝን ናብትን ናይ ዝመላለሱ ሰባት ስጉምትን ናይ ምጉርምራም ድምጽን ይስማዕ። ሃንደበት ከኣ ናይ ሓደ ቅልጡፍ ኣካይዳ ዘለዎ ሰብ ስጉምቲ ናብታ ዝነበርዋ ክፍሊ ገጹ ቀረበ።

 

ማርሴሉስ ከኣ ናብ ውሽጢ'ታ ክፍሊ ኣትዩ ኣብ ቅድሚኦም ደዉ በለ። ኩሎም ድማ ብስንባደ ካብ መቐመጢኦም ብድድ በሉ።

ሴሲልያ ከኣ "ፖሊዮ ኣበይ ኣሎ?" ክትብል ሓተተት።

ማርሴሉስ ከኣ "ኣይረኣኽዎን" ክብል መለሰላ።

ሴሲሊያ ከኣ መልሲ ናይ ማርሴሉስ ምስ ሰምዐት ብስንባደ "ኣይረኣኽዎን?" ብምባል ኣብቲ ኮፍ መበሊኣ ረፋዕ በለት።

"ኢሂ ... ካብ ዝወጽእ ነዊሕ ገይሩ ድዩ?"

"ቅድሚ ሰዓት ሽዱሽተ ክምለስ ነይርዎ፣ ሕጂሞ ሻቕሎቱ ክቐትለኒ እዩ።"

"ዋላ ሓንቲ ኣይከውንን እዩ፣ ንሱ እንተኾነ ከመይ ገይሩ ንነብሱ ካብ ሓደጋ ከም ዝሕልዋ ይፈልጥ እዩ።"

ማርሴሉስ ከምዚ ዓይነት ናይ መጸናንዒ ቃላት ብምዝራብ ነቲ ዝተሸበረ ልባ ክህድኦ ፈተነ።

ሴሲልያ ግና ካብ ኮፍ መበሊኣ ብድድ ብምባል "ከመይ ጌርካ ዋላ ሓንቲ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ትበለኒ ኣለኻ? ኣብ ዙርያና ዝኸበበና ሓደጋ ጽቡቕ ጌርና ንፈልጦ ኢና። ከምዚ ናይ ሕጂ እዋን ገይሩ'ኳ መእተዊናን መውጽኢናን ጨኒቑና ኣይፈልጥን እዩ" በለቶ።

ሆኖሪዮስ ከኣ "ዝኾነ ኮይኑ፣ ማርሴሉስ፣ ንዓኻኸ ክሳዕ ሕጂ ዘደንጎየካ ምኽንያት እንታይ እዩ? ተመሊስካ ክትመጽእ ኢኻ ኢልና ፈጺምና ተስፋ ኣይገበርናን ኔርና" በሎ።

"ኣብቲ ቪያ ኣልባ ዝበሃል መንገዲ ምስ በጻሕኩ ገለ ሰባት ክሕዙኒ ፈቲኖም። ኣነ ከኣ ነቲ ተሰኪመዮ ዝነበርኩ ስንቂ ብምድርባይ ሃዲመ ናብቲ ፈለግ ገጸይ ኣምራሕኩ። እቶም ሰባት ድማ እንዳሳደዱኒ ክሳዕ እቲ ሩባ መጹ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ከኣ ናብቲ ሩባ ዘሊለ ብምእታው ሓምቢሰ ናብቲ ማዕዶ ክሰግር ክኢለ። ካብኡ ድማ መንገዲ እንዳቋረጽኩ ከምዚ ትርእዩኒ ዘለኹም ብሰላም ናብዚ ክበጽሕ ከኣልኩ።"

"ንስክላ ኢኻ ኣምሊጥካ፣ ብጣዕሚ እዮም ዝደልዩኻ ዘለው። ንዓኻ ሒዙ ዘምጽአ ክሽለም እዩ እንዳተበሃለ ይውረ ኣሎ።"

"ንስኻትኩም'ውን ሰሚዕኩም ኢኹም ማለት እዩ?"

"እወ፣ ካብዚ ዝገድድ'ውን ካልእ ብዙሕ ነገራት ሰሚዕና ኣለና። ንኹላትና ንምጥፋእ ከቢድ ጻዕሪ እዩ ዝግበር ዘሎ። በብግዚኡ ዝበጽሓና ዘሎ ወረ ዘፍርህን ተስፋ ዘቑርጽን እዩ። ስለዚ፣ ናብቲ ካብዚ ተመዚዙ ዘሎ ሰይፊ ከድሕነና ዝኽእል ኣምላኽና ኣጸቢቕና ክንውከል ይግባእ።"

ማርሴሉስ ከኣ ተስፋ ብዝመለኦ መንፈስ "መእተዊናን መውጽኢናን ከምዘይረኽብዎ ክንገብር ኢና" በለ።

ሆኖሪዮስ ግና "እተን መእተዊናን መውጽኢናን ዝኾና ዓበይቲ ደጌታት ተቖጻጺሮመን ኣለዉ ይበሃል።" ክብል መለሰሉ።

"ሓደስቲ ደጌታት ንገብር። እምበርከ ክንደይ ደጌታት ኢሎም ክሕልዉ እዮም።"

"ናይ ምእመናን መራሕትን ሽማግሌታትን ሒዙ ንዘምጽኣልና ሽልማት ክንህብ ኢና ኢሎም ኣለዉ።"

"ኣብኣቶም ሓደጋ ከይወርድ ጽቡቕ ጌርና ክንሕልዎም ኣለና ማለት እዩ።"

"ስንቅና ክውዳእ ጀሚሩ ኣሎ። ካብ ደገ ንረኽቦ ዝነበርና ረዲአት'ውን ብጣዕሚ ጎዲሉ እዩ።"

"እዚ ኩሉ ከርዕደና ኣይግባእን እዩ። ከምቲ ናይ ቀደም ሕጂ'ውን ክሕግዙና ፍቓደኛታት ዝኾኑ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ንሕና'ውን ከምቲ ናይ ቀደም ብትብዓት ስንቂ ምምልላስ ከነቋርጽ የብልናን። ኣብ ውሽጢ ካታኮምብ ክሳዕ ዘለና ብዛዕባ መግቢ ዝኾነ ይኹን ሽግር ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና ክወርዶም ኣይክእልን እዩ። እዚ ዕዮ'ዚ ብቖራጽነት እንዳፈጸምና ከለና ተታሒዝና እንተተቐተልና ከኣ ኣኽሊል ህይወት እዩ ተዳልዩ ዝጽበየና።"

"እወ ማርሴሉስ፣ እዚ ሕጂ ዝተዛረብካዮ ኩሉ ሓቂ እዩ። ኣብዚ ውሽጢ ክሳዕ ዘለና ሞት ክንፈርህ የብልናን። ናይ እምነትካ ጽንዓት ኣብ ሕፍረት ኣውዲቑኒ ኣሎ። ንምዃኑ ሞት እንታይ እዩ? ንቑሩብ ግዜ ኣሳቕዩ ንዘለኣለም ዝሓልፍዶ ኣይኮነን? ሎሚ መዓልቲ ዝሰማዕናዮ ወረ ንልብና ብጣዕሚ ኣጨኒቕዎ እዩ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣመንቲ ተበታቲኖም ኣለዉ። ብዙሓት ማሕበራት ምእመናን ኣብዛ ከተማ ተመስሪተን ምስጋናአንን ጸሎትንን ናብ ኣርያም የቃልሓ ነይረን። ሕጂ ግና ኩለን ፈሪሰን እየን። ኣመንቲ'ውን ካብ ምድሪ ገጽ ከምዝጠፍኡ ይግበር ኣሎ።" ድሕሪ ምባል፣ ሆኖሪዮስ ገጹ ናብ ምድሪ ደፊኡ ትም በለ። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ከኣ ብናይ ቅኔ ድምጺ መዝሙር ዳዊት ምዕራፍ ሰማንያ ክደግም ጀመረ።

ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፣

ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ብጸሎት ህዝብኻ እትኹሪ፣

እንጌራ ንብዓት ኣብላዕካዮም፣

ብመስፈር ከኣ ንብዓት ኣስቴኻዮም።

ንጎረባብትና መካትዒኦም ትገብረና ኣለኻ፣

ጸላእትና'ውን የላግጹልና ኣለው።

ዎ ኣምላኽ ሰራዊት ምለሰና፣

ክንድሕን ድማ ገጽካ ኣብርሃልና።

ማርሴሉስ እዚ ምስ ሰመዐ ንሆኖሪዮስ ከምዚ በሎ። "ኦ ሆኖሪዮስ! ኣይትጕሀ፣ መከራና ካብ ዕለት ናብ ዕለት እንዳወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ግና ብእኡ በቲ ዘፍቀረና ካብ ሰዓርቲ ንላዕሊ ክንከውን ንኽእል ኢና። ንሱ ባዕሉ ብቓሉ ከምዚ ይብለና "ነቲ ዝስዕር ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት ክበልዕ ክህቦ እየ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፣ ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ። እቲ ዝስዕር በቲ ካልኣይ ሞት ኣይክጉዳእን እዩ። ነቲ ዝስዕር ካብቲ ስዉር ማና ክህቦ እየ፣ ጻዕዳ እምኒ ድማ ብዘይ እቲ እተቐበሎስ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ኣብታ እምኒ እቲኣ እተጻሕፈ ስም ክህቦ እየ። ነቲ ዝስዕርን ክሳዕ መወዳእታውን ግብረይ ዝሕሉንሲ ከምቲ ኣነ ካብ ኣቦይ ዝተቐበልክዎ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ ከሰልጥኖ እየ። ኮኾብ ጽባሕውን ክህቦ እየ። እቲ ዝስዕር ከምኡ ጻዕዳ ክዳውንቲ ክኽደን እዩ፣ ኣነውን ንስሙ ካብ መጻሓፍ ህይወት ኣይክፍሕቆን እየ፣ ኣብ ቅድሚ ኣቦይን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ ንስሙ ክእመኖ እየ። ነቲ ዝስዕር ኣብታ መቕደስ ኣምላኸይ ዓንዲ ክገብሮ እየ፣ ካብኣ ከቶ ኣይክወጽእን እዩ። ስም ኣምላኸይን ስም እታ ከተማ ኣምላኸይን፣ ናይታ ካብ ኣምላኸይ ካብ ሰማይ እትወርድ ሓዳስ የሩሳሌም፣ ነቲ ሓድሽ ስመይን ክጽሕፈሉ እየ፣ ከምቲ ኣነ'ውን ዝሰዓርኩ እሞ ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋን እተቐመጥኩ፣ ነቲ ዝስዕር ኣብ ዝፋነይ ምሳይ ክቕመጥ ክህቦ እየ።"

ማርሴሉስ እዚአን ቃላት ክዛረብ ከሎ ንባዕሉ ገጹ ብናይ ተስፋ ብርሃን ከንጸባርቕ ስምዒቱን ትብዓቱን ድማ ክጓሃሃር ጀመረ። እቶም ዝሰምዕዎ ኩሎም'ውን እቲ ንልቦም ከቢድዎን ኣጨኒቕዎን ዝነበረ መከራ ብምርሳዕ ልቦም ብሓጎስን ብዘለኣለማዊ ተስፋን ተመልአ። እቲ ብስግኣት ተዓትዒቱ ዝነበረ ሓሳቦም ከኣ ብሓሳብ እታ ኣደባባያታ ከም ጽሩይ ወርቂ ዝኾነት ሓዳስ የሩሳሌምን እቲ ውቁብ ናይ ስየ ኣግራባን፣ ብመዝሙር ናይቲ ገንሸልን ብሩህ ገጽ ናይቲ ኣብ ዝፋን ዝተቐመጠ ንጉስን ተመልአ።

ሆኖሪዮስ ከኣ ንማርሴሉስ ከምዚ በሎ "እዘን ዝተዛረብካየን ቃላት ካብ ጭንቀተይ ኣናጊፈናኒ እየን። ድሕሪ ደጊም ብምድራዊ መከራ ክንሽበር የብልናን። ናይዚ ትማል ትማል ናይ እምነት ሓውና ዝኾነ ማርሴሉስ ጽንዓት ንኹላትና ኣብ ሕፍረት ከም ዝሸመመና ዘየጠራጥር እዩ። ድሕሪ ደጊም ኩሉ ሓሳብና ኣብቲ ኣብ ቅድሜና ዝጽበየና ዘሎ ሓጎስ ክዓርፍ ይግባእ። ከመይሲ፣ እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተፈረሰት እኳ፣ ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና ንፈልጥ ኢና። ጸላእትና እንዳቐረቡ ይመጹ ኣለዉ። ህይወትና እንስውኣላ ግዜ ቀሪባ እያ እሞ ሙማትና ካብ ዘይተረፈ ከም ክርስትያን ንሙማት ንዳሎ።"

ማርሴሉስ ድማ "እዚ ኩሉ ጭንቀት ካብ ምንታይ ዝተለዓለ እዩ? ካብቲ ናይ ቀደም ብዝበለጸ ንሞት እንፈርሃሉ እንታይ ምኽንያት ኣለና? ኣብ ውሽጢ ካታኮምብ ክሳዕ ዘለና እንታይ ክበጽሓና ይኽእል?" ክብል ሓተተ።

"ኣየ ማርሴሉስ፣ እሞ ብዛዕባ'ቲ ዘጋጠመ ነገር ኣይሰማዕካን ኣለኻ ማለት እዩ?'

"እንታይዶ ኣጋጢሙ እዩ?"

"ክሪሲፑስ ከም ዝሞተዶ ኣይሰማዕካን ኢኻ?"

"ክሪሲፑስ! ሞይቱ? ዘይሕሰብ እዩ! መዓስ? ብኸመይ?"

"ወተሃደራት ቄሳር ብሓደ ፈላጥ መንገዲ እንዳተመርሑ ኣብ ውሽጢ ካታኮምብ ብምእታው ናብታ ጸሎት ዝካየደላ በዓቲ ኣምሪሖም። ምምጽኦም ምስ ተሰምዐ ከኣ ብኡብኡ እቶም ምእመናን ናብ ፈቐዱኡ ፋሕ ኢሎም። ክሪሲፑስ ግና ብሰንኪ እርጋን ይኹን ዋላስ ሰማእትነት ስለዝደለየ "ካብዛ ዘለኽዋ ኣይንቀሳቐስን እየ" ብምባል ኣቕቢጹ። እቶም ወተሃደራት ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ከኣ ክሪሲፑስ ምስቶም ክልተ ሓለውቱ ንጸሎት ተንበርኪኹ ጸኒሕዎም። ብኡብኡ ድማ ርእሱ ፈጽፊጾም ቀቲሎሞ። እቶም ክልተ ሓለውቱ'ውን ምስኡ ሓሊፎም።"

ማርሴሉስ ድማ ክሰምዕ ድሕሪ ምጽናሕ "ምስቶም ናይ ሰማእታት ሰራዊት ንኽጽንበሩ ክሳዕ ሞት እሙናት ኮይኖም እዮም እሞ ኣኽሊል ህይወት ክቕበሉ እዮም" በለ።

ብሃንደበት ከኣ ብደገ ናይ ሰባት ወኻዕታ ተሰምዐ። ኩላቶም ካብቲ ዝነበርዎ ብስንባደ ተንስኡ። ከይሓሰብዎ'ውን ኩላቶም "ወተሃደራት መጺኦም" ክብሉ ጨርሑ።

እንተኾነ ግና እቲ ብደገ ዝተሰምዐ ድምጺ ናይ ወተሃደራት ኣይነበረን። ካብቲ ላዕለዋይ ዓለም፣ ማለት ካብታ ከተማ መልእኽቲ ሒዙ ሓደ ክርስትያን መጺኡ ነበረ። እቲ መልእኽተኛ ከኣ ራዕራዕ እናበለን እንቅዓ እንቅዓ እናተንፈሰን ኣብቲ ምድሪ ቤት ረፋዕ ኢሉ ኮፍ ድሕሪ ምባል፣ ኢዱ እናጠፍጠፈ "ጠፋእና! ጠፋእና!" በለ።

ናይዚ ወዲ ኩነታት ንሴሲልያ ብጣዕሚ ኣሰንበዳ። ራዕራዕ እናበለት ከኣ ናብቲ መንደቕ ተጸገዐት። ኣእዳዋ ጭብጥ ኣቢላ፣ ኣዒንታ ኣፍጢጣ ንኽትዛረብ ከናፍራ ፈጥፈጥ ክብላ ጀመራ። እንተኾነ ግና ሓንቲ ቃል እኳ ከተውጽእ ኣይከኣለትን።

ሆኖሪዮስ ከኣ "ተዛረብ! ተዛረብ! እንታይ እዩ እቲ ነገር? እስከ ንገረና!" በሎ።

እቲ ወዲ ከኣ "ፖሊዮ!" በለ።

ማርሴሉስ ከኣ ብቑጠዐ "ፖሊዮ እንታይ ኮይኑ?" ክብል ሓተቶ።

"ተታሒዙ! ተኣሲሩ!"

ኣብዚ ግዜ'ዚ ሓደ ኣእዛንካ ዘጽምም ኣውያት ተሰምዐ። እታ ዘእወየት ድማ ሴሲልያ ነበረት። ብኡብኡ ድማ ኣብቲ ምድሪ-ቤት ድፍእ በለት። ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ከኣ ኣልዒሎም ናብ ክፍላ ብምውሳድ መድሃኒት ገበሩላ እሞ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ህይወት ዘረአት። እንተኾነ ግና ካብ ስንባድን ካብቲ መውደቕትን ዝተለዓለ ኣእምሮኣ ስለዝተናወጸ ብዙሕ ግዜ ኣብ ሃለፍታ ጸነሐት።

እቲ መልእኽተኛ ከኣ ኣእምሮኡ ዘህድኣሉ ቅሩብ ግዜ ብምርካቡ ህድእ ኢሉ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ከምቲ ዝግብእ ገይሩ ሓበረ።

ማርሴሉስ ከኣ "ፖሊዮ ምሳኻ ድዩ ነይሩ?" ክብል ሓተቶ።

"ኣይፋሉን፣ ንበይኑ እዩ ነይሩ።"

"እንታይ ክገብር ከይዱ?"

"ሓበሬታ ክኣኻኽብ እዩ ከይዱ። ንሱ ካባይ ርሕቕ ኢሉ ቀቅድመይ ይኸይድ ነይሩ። ኣመጻጽኣና ድማ ካብታ ከተማ ናብዚ ገጽና እዩ ነይሩ። ኣብ መንገድና ሰባት ኣብ ዝተኣኻኸብሉ ቦታ ምስ በጻሕና ብሃንደበት እቶም ሰባት ንፖሊዮ ደው ኣቢሎም ክምርምርዎ ጀሚሮም። እንታይ ኢሎም ይሓትዎ ከምዝነበሩ ክሰምዖም ኣይከኣልኩን። እንተኾነ ግና ኣእዳዎም እንዳወጣወጡ የፈራርህዎ ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ድማ ሒዞም ክወስድዎ ከለዉ ርእየዮም። ኣነ ከኣ ዋላ ሓንቲ ክገብር ኣይከኣልኩን። ብርሑቕ ኮይነ ኩነታቱ ክዕዘብ ጥራይ ፍርቂ ሰዓት ሓሊፉ። ብኡብኡ ድማ ናይ ቄሳር መኳንንቲ ስለዝመጹ ንዕኦም ተዋሂቡ። ንሳቶም ድማ ሒዞሞ ከይዶም።"

"ናይቶም መኳንንቲ መራሒ መን ከምዝነበረ ርኢኻዮዶ?"

"እወ ርእየዮ፣ ሉኩሉስ እዩ።"

ማርሴሉስ ከኣ "እምበኣር ሉኩሉስ እዩ ነይሩ!" ድሕሪ ምባል ኣብቲ ዝነበሮ ቦታ ኮይኑ ምስ ሓሳቡ ክቃለስ ጀመረ።

Comments
Add New Search
Write comment
Name:
Email:
 
Title:
Please input the anti-spam code that you can read in the image.
{poweredby} {poweredby}

3.26 Copyright (C) 2008 Compojoom.com / Copyright (C) 2007 Alain Georgette / Copyright (C) 2006 Frantisek Hliva. All rights reserved."

Last Updated ( Saturday, 28 February 2009 )
 
< Prev   Next >
Headline
  • Pause
  • Previous
  • Next
1/10
 
Daily devotion
‎ከምቲ ኣምላኽ ዝርእዮ ምርኣይ‎ ኣብ 1ይ ሳሙኤል እግዚኣብሄር ንሳኦል ዝትክእል ንጉስ ክቐብእ ምስ ደለየ ንሳሙኤል ናብ እንዳ እሰይ ልኢኽዎ። ሳሙኤል ከኣ ዘይቲ ኣብ ቀርኒ ሒዙ ድሕሪ ም...
 
Teaching
‎ደቀ መዝሙርነት ብሓደ ዓይነት ቅርጺ 'ዶ?‎ ራንዲ ዲ ሬይስብሩክ*  ካብ ኣገልግሎት ደቀ መዝሙርነት ተመክሮኡ "ኩኪስ ካተር" ዝብል ሓደ ጽሑፍ ኣቕሪቡ ኔሩ። መታን ክንመሃረሉ ትሕዝቶኡ...
Cell Group Material
ዉሕሉል ኣገባብ ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስ መእተዊ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጸ ቓል ስለዝኾነ፡ ኸም ዉሉድ ኣምላኽ መጠን ግዜ ወሲድካ ከተንብቦን ከተጽንዖን ይግባእ። መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣ...
 
Character Study
ህይወት ዳዊት ሰብ ኣብ ጌጋ ብዘለዎ ኣረኣእያን ካብኡ ዝወስዶ ትምህርትን ኣብ ሰለስተ ክንመቕሎ ንኽእል፣     ቀዳማይ። ጌጋ ዝገብር እሞ ጌጋ ከምዝገበረ ተረዲኡ ...
 
Witness
Image ቃለ-መሕትት ምስ ዘማሪት ምስ ሰላም ሓጎስ 2004 ሀ. ሕሉፍ ታሪኽ ህይወት 1.      ብዛዕባ ገዛእ ርእስኺን ድሕረ ባይታኽን ኣተዓባብኽን መዕለልክና ዶ ?  ስመይ ሰላም ሓጎስ እበሃል።...
   
News
Image መልሲ ንሰብ ሓዳር ንኣብ ሓዳር ዘጋጥሙ ሕቶታትን ብድሆታትን እትምልስ ብግልጽነት ንዘሎና ጸገማት ሓዳር እተርኢ ብቡርስን ኬሮል ብሪትንን ዝተጻሓፍት ብሓው ዮናስ ወልደርፉ...
Social Issue
Image ንመንእሰይ ዕውታት ዝገብርዎ ባእታታት 3ይ ክፋል 3 ብዛዕባ ካልኦት ሰናይ ኣረኣእያ ምምዕባል። ሎሚ ኩሉትና ኣብዛ ምውድዳርን ዝናን ዝበዛሓላ ዓለም ኢና ንንበር ዘሎና። ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ወዲ ...
     
 
  • Send Postcard !
  • Advertismnet!

    ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ  ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንመላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መገዲ መራኸቢ እንዝርግሕ ክርስትያናት ኢና።

    Read all Books in our Web

               
       

     

    Give your Vote!

    What do you like most about Eriwongel.com?
     
    What die you want to change?
     

    Our Favorite Links

    www.bible.org
    Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

    Christ for all Nations, Cfan
    cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
    http://www.cfan.org
     
    Release Eritrea!
    release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha

    Join the EGMM team

    We are seeking a English and Amharic translator / editor who will serve with us as voluntary translator.
    Grafic & web Designer
    If you are Graphic and web Designer and looking out for working in the Kingdom of our Heavly Father, then here's the right opportunity to work with us.
    Advertiser links Geezsoft.com
    Hier you can download free Geez Font
    Eristart.com
    First Eritrean Startpage 

    Who's Online

    We have 69 guests online
    • tigrina
    • English

    Movies

    Agelglot.com

    Compassdirect.org

    Syndicate


    EGMM pro Mezmur

    EGMM PRO MEZMUR  

    EGMM pro Sbket

    EGMM PRO SBKET  

    EGMM pro Books»

    EGMM ORO BOOKS 

    Active Quiz»

    Active Quiz 

    EGMM PRO REDIET»

    EGMM PRO REDIET