Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Friday
Sep 03rd
Home arrow Articles arrow Cell Group Material arrow መልእኽቲ ጳዉሎስ ናብ ሰብ ሮማ
መልእኽቲ ጳዉሎስ ናብ ሰብ ሮማ PDF Print E-mail
Saturday, 04 August 2007

Image1. ድርኺት ናይዚ መጽናዕቲ

ከመዮ እቲ ጽሑፍ ንሕና ግና እቲ ብኣምላኽ እተዋሃበና ምእንቲ ክንፈልጥሲ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝኾነ መንፈስ ድኣምበር ደጊምና መንፈስ ናይዛ ዓለም ኣይተቐበልናን። ከምዝብሎ፡ እቲ ቐንዲ ድርኺት ናይዚ መጽናዕቲ እምብኣር እቲ እግዚኣብህር ኣምላኽ ብጎይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ኣብ መስቐል ዝሰረሓልና ስራሕን ዝተቐበልናዮ ቦታን ጸጋን ብመንፈስ ፈሊጥናን ተረዲእናን ኣብ ህይወት ብዙሕ ምእንቲ ክንገዝእ እዩ።

2. ጻሓፊ

መልእኽቲ ሮማ ሃዋሪያ ጳዉሎስ ኣብ ከባቢ 55-58 ድ.ሞ.ክ ከምዝጽሓፋ ይፍለጥ (ሮማ 1*1, 15*1-33 ኣንብብ)፡፡ ብተወሳኺ እዛ መልእኽቲ ናይ ጳዉሎስ ትኹም ድኣምበር ብኢድ ጠርጥዮስ ዝብሃል ሰክረታሪ ናይ ሃዋሪያ ጳዉሎስ ከምዝተጻሕፈት ኣብ ሮማ 16*22 ሰፊሩ ንረኽቦ።

3. ድሕሪ ባይታ ከተማ ሮማን ማሕበር ሰብ ሮማን     

ሀ. ጥንታዊት ከተማ ሮማ

መልእኽቲ እትቅበል ዘላ ማሕበር ኣብ ከመይ ዝበለ ቦታ ትርከብ ዝብል ሕቶ ምምላስ ኣዝዩ መሰረታዉን ኣገዳስን እዩ። ቦታ ናይታ መልእኽቲ ዝመጻ ዘሎ ማሕበር ምስቲ መልእኽቲ ምትሕሓዝ ከምዘለዎ ምርዳኡ ኣሸጋሪ ኣይኮነን ኢለ ይኣምን፡፡ እታ ማሕበር ዘላቶ ቦታ ወይ ከተማ ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ እዩ።

ሮማ ዝብል ስም መጀመሪያ ስም ናይ ሓንቲ ንእሽቶ ቁሸት ከምዝነበረ ይፍለጥ። ተቐማጦ ናይዛ ንእሽቶ ቁሸት ድማ ንኢጣልያ ብግምት ብ260 ቅ.ል.ክ ተዋጊኦም ይሕዝዋ። ድሒሩ፡ ካልኣይ ዉግእ ፓኒክ ማለት ኣብ ገማግም 201 ል.ደ.ክ ዝተገብረ ከቢድ ኪናት ብዓወት ተቐማጦ ንእሽቶ ከተማ ሮማ ምስ ተዛዘመ፡ ግዝኣት ሃጽነት መንግስቲ ሮማ ከም ዓብይ መንግስቲ ከተማ ሮማ ክምስረት ክኢሉ።

ግዝኣት ሃጸነት መንግስቲ ሮማ ቀስ ብቀስ እንዳስፋሕፈሕ ከም ሓደ ፍጹም ዘይድፈር ዓብይ መንግስቲ ክኸይድ ይጅምር። መጀመሪያ ንኢጣልያን ድሕሩ ድማ ንካልኦት ዘዳዉቡ ከተማታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ምስ ኣእተወን፡ ንተቀማጦ ናይዘን ከተማታት ይኹን ንኻልኦት ዘዳዉብኦም ዓድታት ናይ ሮማ ዘግነት ክወስዱ ከምዝኽእሉ ጻዉዒት ከቕርበሎም ይጅምር፡፡ ስለዚ ብዙሓት ህዝብታት ጽቡቅ ምምሕዳር ግዝኣት ሃጸነት መንግስቲ ሮማ ድሕሪ ምርኣዮምን ምስሞዖምን፡ ካብቲ ዝነበርዎ ካልእ ግዝኣት ባርባሪያንን ትይራኒስን ብምህዳም፡ ብፍቶቶም ናብ ምምሕዳር ግዝኣት ሃጸነት መንግስቲ ሮማ ተጸንቢሮም ኢዮም። እምብኣር ካብዚ ንድሓር፡ ጥንታዊት ከተማ ሮማ ብፖሎቲካ፡ ብቁጠባን ብጆኦክራፊያዊ ኣቐማምጥኣን፡ ሕምብርቲ ወይ ስትራተጂካዊት ከተማ ናይ ዓለምና እንዳኾነት ክትመጽእ ክኢላ፡፡

ግዝኣት ሃጸነት መንግስቲ ሮማ በቶም ብርቱዓት ዝነበሩ ወታህደራቱ ገይሩ ናብ ኩሉ ማዕዝናት እንዳስፋሕፍሓ ምኻድ ኣየቓረጸን። ንኣብነት፡ ብቐደም ተኸተል መፈለምታ ንኢቱስካንስ, ድሕሩ ንሳምኒትስ, ድሕሩ ንግሪኽ, ድሕሩ ብደቡብ ኢጣልያ ንጋዉልስ, ድሕሩ ንካርተጅያንስ, ድሕሩ ንመቀዶንያ, ድሕሩ ንሶሪያ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽሩ ክሳብ ዘእትዉ ከመይ ዝበለ ሓይል ግዝኣት ከምዝነበረ ታሪኽ ይነግር። ነዚ ኩሉ ኩናት ድማ ብሒደት ወታህደራቱን ብዝበዝሑ ዑሱባት ናይተን ኣቐዲሙ ዝተቆጻጸረን ከተማታት እዮ ዝመርሖ ነይሩ።

ኣብ ልዕሊ እዚ ኩሉ፡ ግዝኣት ሃጸነት መንግስቲ ሮማ ከመይ ኢሉ እዩ ወዲቁ ኢሎም ብምግራም ዝሓቱ ሰባት ዉሑዳት ኣይኮኑን። ብገምጋም ኣብ 476 ድ.ል.ክ ማለት ሮሙሎስ ኣጎስቱስ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋናት: ግዝኣት ሃጸነት መንግስቲ ሮማ ከምዝወደቐ ታሪኽ ይሕብር። ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ተመራመርቲ ታሪኽን ፖሎቲካን፡ ንምኽንያት ዉድቐት ግዝኣት ሃጸነት መንግስቲ ሮማ ብዝምልከት፡ ዝተፈላለዩ ርእዮታት ሂቦም ኣለዉ። እቶም ቐንዲ ምኽንያት ተብሂሎም ዝተጠቅሱ ድማ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፡-

    ዓብይ ወሓዚ ስደኛታት፡- ካብ ዝተፈላለዩ ምኽንያት ዝተላዕለ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ነተን ዝነብርወን ዝነበሩ ዓድታት ሓዲጎም፡ ናብ ግዝኣት ሃጸነት መንግስቲ ሮማ ከምዝተጸንበሩ ታሪኽ ዝምስክሮ ፍጻመ እዩ። እዚ ወሓይዝ ናይ ሰደኛታት ድማ ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ሮማ ወጻኢ ብምንባሩ፡ ኣብተን ከተማታት መንግስቲ ሮማ ዘይንቡር ዕልቅልቅ ህዝብታት ፈጢሩ እዩ። እዚ ምዉሓዝ ስደኛታት ድማ ንቑጠባ ናይቲ ግዝኣት ኣዝዩ ጎዳኢ እዩ ነይሩ። ስለምንታይሲ፡ ኣብቲ እዋን ግዝኣት ሃጸነት መንግስቲ ሮማ ነቶም ስደኛታት ዝኸዉን ረዲኣት ክህብ ናይ ግድን እዩ ኾይንዎ ነይሩ። ንኽንድዚ ብሚልዮናት ዝቑጸር ስደተኛ ንምዕንጋል ዝወጽኣ ገንዘብ ንቁጠባ ናይቲ መንግስቲ ኣዝዩ ጎድኢዎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ምምሕዳሩ ዓቅሙ እዉን ኣዳኺምዎ እዩ።

    ሕማቕ መሪሕነት ሃጸታት፡- ግዝኣት ሃጸነት መንግስቲ ሮማ ብዙሓት ኣዝዮም ንጉዓት መራሕቲ እካ እንተነበርዎ፡ ኣዝዮም ብጭካነ ዝተፈልጡ፡ ከምኡውን ትሑት ናይ ምምሕዳር
ዓቅሚ ዝነበሮም ከም እነ ሃጸ ካሊጉላ, ነይሮ, ኮሞዶስ ነይሮማ እዮም። እዞም ተጠቂሶም ዘለዉ ሃጸታት፡ ክርስትያናት ንምድምሳስ ዓድታት ብባርዕ ሓዊ ከምዝደምሰሱ, ስልጣኖም ንምንዋሕ ድማ ስልጣናት እንዳገምጠሉ ንዉሩያት ጀነራላት ከም እነ ጀነራል ስቲሊኮ ብሕቡእ ከምዝቐተሉ ታሪኽ ይምስክር። ሞት ናይቶም ብሚስጥር ዝተቐትሉ ጀነራላት ድማ ንሞራል ናይቶም ተዋጋእቲ ወታህደራቶም ኣዳኺምዎ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ዉትትድርና ሞሊቖም ክወጹ ገይርዎም እዩ። እዚ ድማ ንምድኻም ናይቲ ዓንዲ ሕቆ ናይቲ ግዝኣት ሃጸነት መንግስቲ ሮማ ዝነበረ ወታህደራዊ ስታፍ ቀንዲ ምኽንያት እዩ ተብሂሉ ይንገር።

    ዘይግቡእ ቁጠባዊ መሪሕነት፡- ዘይግቡእ ቁጠባዊ መሪሕነት ሓደ ካብቶም ንዉድቐት ግዝኣት ሃጸነት መንግስቲ ሮማ ምኽንያታት ከምዝኾነ ገለ ናይ ቁጠባ ተመራመርቲ ይእምቱ። ሃጸነት መንግስቲ ሮማ ኣብ ክንዲ ሰደድ ዘብዝሕ፡
ንቐረብ ብወርቂ ዓዲጉ ዘምጽኦም ዝነበሩ ናይ ገጻ ገጽ ኣቕሑ ብምብዝሖም፡ ንሃብቲ ናይቲ ዓዲ ጎዲእዎ እዩ። ሃብቲ ማለት ወርቂ ናይቲ መንግስቲ ምንቁልቃል፡ ቁጠባ ናይቲ መንግስቲ ናብ ባይታ ክዘብጥ ገይርዎ ጥራይ ዘይኮነስ ዓቅሚ ናይቲ መንግስቲ ክዝቅብብ ገይሩ እዩ።

    ምእታዉ ተላበድቲ ሕማማት፡-  ኣብቲ ግዚ ብምብራቅ ገጹ ዝኣተወ ዝነበረ ተላባዲ ሕማም ንምቁጻሮም ዘሸግሩ ንኣዝዮም ብዙሓት ዘጋታት መንግስቲ ሮማ ህይወቶም ኣስኢንዎም እዩ። እዚ ህልቂት ድማ ኣብቶም ወታህደራት ይበዝሕ ከምዝነበረ ገምጋማት ይሕብሩ። ስለዚ ምጉዳል ቑጽሪ ሰራዊት ይኹን ዘጋታት፡ ንሓይሊ እቲ መንግስቲ ኣብ ምጉዳል ተራ ነይርዎ እዩ ይብሃል።

እምብኣር ኣብቲ ትሕቲ ከምዚ ዝበለ መንግስቲ፡ምምሕዳርን ከተማን ዝነበረት ማሕበር ክርስቶስ፡ ከመይ ትመስል ከምዝነበረት ሓፈሻዊ ስእሊ ክህልወካ ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣሎኒ። ብዝበለጸ ስዒቡ ብዛዕባ እታ ማሕበር ሰብ ሮማ ሓጺር መግለጺ ይቐርብ ኣሎ፡፡      

ለ. ማሕበር ሰብ ሮማ

ማሕበር ሰብ ሮማ ብእምነትን መንፈሳዊ ርድኢትን ኣዝያ ሓያል እያ ነይራ (ሮማ 1*8)፡፡ እዛ ማሕበር ምስኣ ዝቕመጥ ወይ ኣቐዲሙ ብ ኣካል ዝበጽሓ ሃዋሪያ እካ እንተዘይነበራ፡ ኣብ እምነት ጎ.የ.ክ ኣዕሚቓ ብምስራት፡ ኣብ ህይወት ብዙሓት ሰባት ኣዉንታዊ ዝኾነ ጽልዋ ዝገደፈት በተክርስትያን እያ (ሮማ 15*14)፡፡ ብዙሓት ካብ ኣባላታ ድማ ምስ ሃዋሪያ ጳዉሎስ ኣብ ብዙሓት ቦታታትን ኣጋጣሚታትን ንዕዮ ወንገል ብተወፋይነት መከራ ይጸግቡ ከምዝነበሩ እቲ ጽሓፊ ብዓሉ መስኪርሎም ኣሎ (ሮማ 16)፡፡ ከም ኡዉን ሓዉና ጳዉሎስ ካብ የሩሳለም ተኣሲሩ ናብ ከተማ ሮማ ምስ መጸ ካብ 30-40 ማይላት እናተጎዓዙ ብዝደልዮም ዘበለ ኩሉ ሓንቲ ብዘይምጉዳል ንዓብይ ምጽንናዕን ምትብባዕን ኾይኖም እዮም (ግብ. 28*13-15)፡፡

ማሕበር ሰብ ሮማ ካብ ኣይህዱን ኣህዛብን ዝተዋጽኣት በተክርስትያን እያ ነይራ። ብቑጽሪ ኣንፃር ግና ኣህዛብ ላዕለዋይ ኢድ ከምዝነበሮም ካብቲ መልእኽቲ ንግንዘቦ እዩ። እንተኾነ ግና ሓዉና ጳዉሎስ እቶም ወገን ኣህዛብ ዝኾኑ ነቶም ብተስፋ ምሩጻት እስራኣላዊያን ኣሕዋቶም ዓሚቕ ዝኾነ ክብረት ክልግስሎም ድ ኣምበር ኣብ ልዕሊኦም ንዕቐት ኸየርእዩ የዘኻኽሮም (ሮማ 11*1-32)። ስለዚ ከምተርእዮ ነቲ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ወገን ኽፍጠር ንዝኽእል ዘይምቕዳዉ ከርሕቕ ምእንቲ ብስፍሕ ዝበለ መልክዕ ብዛዕባ እስራ ኣልን ኣህዛብን ክዛረብ ናይ ግዲ ክኾኖ ንርኢ።

ብዛዕባ ኣመሰራርታ ማሕበር ሰብ ሮማ ንዝምልከት፡ ብመን መዓስ ከምዝተመስረተት ርጡብ ዝኾነ ሓበረታ እካ እንተዘየለ፡ እዞም ዝስዕቡ ሓርፋፍ ገምጋማት ኣለዉ፡-

    ብመጀመሪያ ደረጃ ማሕበር ሰብ ሮማ በቶም ኣብ መዓልቲ ሓምሳ ካብ ሮማ ናብ እስራ ኣል ዝመጹ እሞ ወንገል ተቐቢሎም ናብ ሮማ ብዝተመልሱ ሰባት እያ ተመስሪታ ዝብል ገምጋም ኣሎ (2*10)፡፡

    ብካልኣይ ደረጃ፡ ኣብዛ መልእኽቲ ሓዉና ጳዉሎስ ኣቐዲሙ ኣብ ካልእ ቦታታት ብዕዮ ወንገል ዝተላለዮም ኣሕዋትን ኣሓትን ንኣብነት፡ ኣኪላስን ጰርኪላስን (ሮማ 16*3, ግብ.18*2-3)

ንድሮኒቆስን ዩንያን (ሮማ 16*13, ማር 15*21) በብሓደ ስሞም እንዳጠቐሰ ሰላም ብምባሉ፡ ብሓደ ካብዚኣቶም ተመስሪታ ክትኸውን ይክኣል ዝብል ገምጋም ድማ ኣሎ፡፡

4.  ሕመረት መልእኽቲ

እቲ ዋና መልእኽቲ ናይ ሓደ ጽሑፍ ወይ ጸሓፊ ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳስን ጠቃምን እዩ። ነዚ ፈሊኻ ዘይምፍላጥ ግጉይ ዝኾኑ ኣተረጋጉማ ወይ ኣረዳድኣ ጽሑፋት ከስዕበልካ ዝክኣል እዩ። ምፍላጥ ዋና ማለት ሕመረት መልእኽቲ ናይ ሓደ ጽሑፍ፡ ኣቲ ጽሑፍ እንታይ ይብል ኣሎ፡ እንታይ ማለቱ እዩ፡ ዝብሉ መሰረታዊያን ሕቶታት ክትምልሶም ኣዝዩ ደጋፊ እዩ፡፡ እምብኣር ሕመረት መልእኽቲ ናይ መልእኽቲ ጳዉሎስ ናብ ሰብ ሮማ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡-
 
እቲ ንኹሉ ሰብ ዘድሕን ጽድቂ ኣምላኽ ብዘይ ሕጊ ተገሊጹ፡፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሀር ግብሪ ዝጸድቅ ሓደካ ስለዘይተረኽበ፡ እቲ ጽድቂ ኣምላኽ ዝኾነ የሱስ ክርስቶስ፡ ብዘይ ሕጊ ማለት ብጸጋን እምነትን ተገሊጹ ንኹሉ ሰብ ዝኸዉን ምድሓን ድማ ኣምጺኡ ዝብል ሓሳብ እዩ (ሮማ 1*16-17, 3*21-23, 10*4,11….)፡፡

5. ዕላማ መልእኽቲ ሰብ ሮሜ


ሓደ ጽሓፊ ሓደ ጽሑፍ ክጽሕፍ እንከሎ ብዕላማ እዩ ዝጽሕፍ፡፡ በቲ ዝጽሕፎ ገይሩ ዝብሎ ወይ ክሃርሞ/ም ዝደልዮ/ም ዕላማ/ታት ኣለዉ እዮም፡፡ ስለዚ ሓዉና ሃዋሪያ ጳዉሎስ ንመልእኽቲ ሰብ ሮማ ንኽጽሕፋ ካብ ዝደረኽዎ ዕላማታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡-

(1)    ሃዋርያ ጳዉሎስ ኣብ ስጳኛ ( ) ወንገል ጎ.የ.ክ ክእዉጅ መደብ ስለዝነበሮ ነዚ መደብ ንኽትግብሮ ንማሕበር ሮማ ከም መዋፈሪቱ ክጥቐመላ ሓሳብ ነይርዎ እዩ፡፡ ስለዚ ቅድሚ ምብጋሱ ንሰብ ሮማ ምስ ርእሱ ብምልላይ ምስ ተበገሰ ንኽቅበልዎ ከዳልዎም ስለዝደለየ እዩ ነዛ መልእኽቲ ኣቐዲሙ ዝጽሓፍ (ሮማ 15*22-24-26)፡፡

(2)    ሳልሳይ መሪሕ ንድፊ ኣገልግሎት (  ) ናይ ሃዋሪያ ጳዉሎስ ካብ የሩሳለም ኣትሒዝካ ክሳብ ሮማ ወንገል ምዝርጋሕ እዩ ነይሩ። ከተማ ሮማ ድማ ከምቲ ኣቐዲሙ ተገሊጹ ዝነበረ ካብ ግዝ ኣት ሃጸነት መንግስቲ ሮማ ዝተላዕለ ብኹሉ ሸነኽ ሕምብርቲ ዓለም ስለዝነበረት፡ ሃዋሪያ ጳዉሎስ ነዛ ከተማ ከም ቐንዲ መዋፈሪት ዓለምለኻዊ ንድፊ ምዝርጋሕ ወንገሉ ክጥቐመላ ነቕ ዘይብል ድልየት ነይርዎ፡፡ እንተኾነ ግና ናብ የሩሳለም ይኸይድ ብምንባሩን ኣብ የሩሳለም ድማ እንታይ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ይፈልጥ ኣይነበረን፡፡ ስለዚ ንሰብ ሮማ ብገለ ምኽንያት ብኣካል እንተዘይኸዶም ነዚ መልእኽቱ ጽሒፉ ክሰድሎም እሞ ንሳቶም ድማ ብወገኖም ንመልእኽቱ ናብ ኩሉ ኩንዓት ዓለም ክዝርግሕዎ ብኹሉ ሸነኽ ኣገዳሲ ኾይኑ ስለዝተሰመዖ እዩ ጽሒፍዋ (ሮማ 15*25,32)፡፡

(3)    ኣብ መጨረሻ፡ ከምተርእዮ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ማሕበር ሰብ ሮማ ዝነበሩ ኣይህዱን ኣህዛብን ዘይምቕዳዉ ይቐላቐል ስለዝነበረ ንዝኾነ ዓይነት ዘይምርድዳእ ካብ ስሩ ክምሕዎ ስለዝደለየ እዩ (ሮማ 11*13-32)፡፡

መልእኽቲ ጳዉሎስ ናብ ሰብ ሮማ

ማሕበር ሰብ ሮማ ካብ ኣይህዱን ኣህዛብን ዝተዋጽኣት በተክርስትያን እያ ነይራ። ብቑጽሪ ኣንፃር ግና ኣህዛብ ላዕለዋይ ኢድ ከምዝነበሮም ካብቲ መልእኽቲ ንግንዘቦ እዩ። እንተኾነ ግና ሓዉና ጳዉሎስ እቶም ወገን ኣህዛብ ዝኾኑ ነቶም ብተስፋ ምሩጻት እስራኣላዊያን ኣሕዋቶም ዓሚቕ ዝኾነ ክብረት ክልግስሎም ድ ኣምበር ኣብ ልዕሊኦም ንዕቐት ኸየርእዩ የዘኻኽሮም (ሮማ 11*1-32)። ስለዚ ከምተርእዮ ነቲ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ወገን ኽፍጠር ንዝኽእል ዘይምቕዳዉ ከርሕቕ ምእንቲ ብስፍሕ ዝበለ መልክዕ ብዛዕባ እስራ ኣልን ኣህዛብን ክዛረብ ናይ ግዲ ክኾኖ ንርኢ።

 

ይቅጽል!!! 

Comments
Add New Search
michael   |84.229.134.xxx |2009-10-06 14:59:52
ዝኸበርኩም የሕዋት .......
አነ መጽሓፍ ቁዱስ
ከንብብ ከለኹ ሓደ ሕቶ ናብ የእምሮይ
ዪመጸኒ።ንሱ ኸኣ ኣብዚ ላዕሊ ተተቂሱ ዘሎ
፤መጽሓፍ ቁዱስ ቃል ኣምላኽ ኢዩ ትብል ኣርእስቲ
ኢዩ።ከምዝመስለኒ ግን መጽሓፍ ቁዱስ ቃል ኣምላክ
ጥራይ አይ ኮነን ዝሓዘ።ታሪኽ ነገስታት፣ስልጣነ
ወዲሰብ ፤ታሪኽ እስራኤላዊያን፤ኩዊናትን
ውግእን፤ዓመጻን ግፍዕን ወዲሰብ፤ከምኡ ድማ
ስደት ...ወዘተ እውን መጽሓፍ ቁዱስ የጠቃሊል
እዩ።ከምዝመስለኒ ወንገል፡ትንቢታት፤ወይ ቃል
ኩሎም ነቢያት፤ራእይ ...እዚኦም መጻሕፍቲ ቀጥታ
እግዚኣብሐር ዝተዛረቦም ቃላት እሞ ቢመገዲ
ነቢያት ዚበጸሑና እዮም።ናይ ሓዋሪ...
Tariku nega  - RE:   |62.96.234.xxx |2009-10-20 14:45:43
20. Oktober 2009

tut mir leid das ich keine geez/Tigrigna font in die
rechner die ich benutze zu verfugung steht. michael du has uns veroffenbart das
nach deine meinung während du die Bibel liest, kommt zu seine gedanke das die
Bibel nicht nur gottes wort sondern, der ist auch eine Geschichte über über
könige, civilization von mencheit, Geschichte Israel, und auch über
kriege,
flucht und folter und so weiter und weiter schreibest zu deine meinung das
evngelium und auch wörte die propheten und Offenbarungen.
Michael wie zum
schluß zu seine kommentar geschrieben hast, alle die evangelien und propheten
Sie waren geschrieben durch den hilfe den heiligen geist .aber das in die bibel
auch solche geschichte wie geschichte über menchliche civilization, krieg und
folter ist auch genau so wie die evangelien und proheseiung und Offenbarung; die
schreiber diese geschichte und ereignisse waren die gleiche Propheten.Zu
er...
negu  - nikulu nifleto   |88.91.52.xxx |2010-06-06 21:13:16
selam miki hawey hasabka bihaki sibuk eyu gin egziabiher eti
seheguseka neger ab kalu wela eti himak zebele ayhabion eyu seb
metan bifitawu kigizio elu himakin sibukn nikinfelit eyu sideli shiu
neti sibuk ente meresna sibuk silemintays adamin hewanin hansab kabta
om sile sibeliu himak sibuk kia sifeletu nihn win komu kinfelit ile
sideli eyu
Write comment
Name:
Email:
 
Title:
Please input the anti-spam code that you can read in the image.
{poweredby} {poweredby}

3.26 Copyright (C) 2008 Compojoom.com / Copyright (C) 2007 Alain Georgette / Copyright (C) 2006 Frantisek Hliva. All rights reserved."

Last Updated ( Saturday, 04 August 2007 )
 
< Prev   Next >
  • Send Postcard !
  • Advertismnet!

    Our Favorite Links

    www.bible.org
    Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

    Christ for all Nations, Cfan
    cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
    http://www.cfan.org
     
    Release Eritrea!
    release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha

    Who's Online

    We have 68 guests online
    • tigrina
    • English

    Agelglot.com

    Syndicate

    Video

    EGMM pro Mezmur

    EGMM PRO MEZMUR  

    EGMM pro Sbket

    EGMM PRO SBKET  

    EGMM pro Books»

    EGMM ORO BOOKS 

    Active Quiz»

    Active Quiz 

    EGMM PRO REDIET»

    EGMM PRO REDIET