Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Friday
Mar 12th
Home
ሰማእታት ካታኮምብ (8 ክፋል) PDF Print E-mail
Friday, 30 January 2009

ስደትን መከራን

ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም፣ ነታ ተስፋ ምእንቲ ክትረኽብዋስ፣ ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ።

Imageእቲ ስደትን መከራን እንዳተጓሃሃረ ከደ።

ኣብተን ማርሴሉስ ኣብ ውሽጢ ካታኮምብ ዝጸነሓለን ውሑዳት ሳምንታት ሓያለይ ሰባት መዕቆቢ ንኽረኽቡ ሃዲሞም ናብተን በዓትታት ክኣትዉ ጀመሩ። ቅድሚ ሕጂ ክንድዚ ዝኣክል ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ካታኮምብ ተኣኻኺቦም ኣይፈልጡን ነበሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሰበስልጣን ሮማ ካብቶም ክርስትያናት ነቶም ቀንዲ ዝበሃሉ እንዳመረጹ እዮም ዘሳድዱ ነይሮም።

እዚ ናይ ሕጂ ስደት ግና ክርስትያን ብዝብል ስም ንዝጽውዑ ኩሎም ንምጥፋእ ዝዓለመ ነበረ። ስለዚ ድማ ህጻናት ይኹኑ ኣረጋውያን፣ ደቂ-ተባዕትዮ ይኹኑ ደቂ-ኣንስትዮ፣ ድኻ ይኹን ሃብታም ከይፈለዩ ንኹሎም ከሳድድዎም ጀመሩ።
 
ክሳዕ እዛ ናይ ሕጂ ስደት ዘተለዓለትላ እዋን ምስታ ከተማ ዝነበሮም ርክብ ብመጠኑ ዕዉት ነበረ። እቶም ኣብ ልዕሊ እተን በዓትታት ኣብታ ከተማ ናይ ምንባር ዕድል ዘጋጠሞም ክርስትያናት ነቶም ኣብ ውሽጢ ካታኮምብ ዝነብሩ ዝነበሩ ናይ እምነት ኣሕዋቶም ዝተፈላለዩ ሓገዛት ብምግባር ይረድእዎም ነበሩ። ሕጂ ግና ብሰንክ'ዚ ዝተለዓለ ስደት እቶም ቅድም ዝረድእዎም ዝነበሩ ክርስትያናት ቤቶምን ሃብቶምን እንዳሓደጉ ኣብ ውሽጢ ካታኮምብ ክዕቆቡ ተገደዱ። እቶም ንኻልኦት ዝረድኡ ዝነበሩ ኩሎም ድማ ተመሊሶም ንባዕሎም ኢድ ሰብ ዝጸባበዩ ኮኑ።
 
ዝኾነ ኮይኑ፣ እቲ ዝነበርዎ ኩነታት ፈጺሙ ተስፋ ዘቑርጽ ኣይነበረን። እቶም ክርስትያናት፣ ኣብ ሮማ ዝነብሩ ብዙሓት ክርስትያን ዘይኮኑ ፈተውትን ናይ ስጋ ኣዝማድን ነይረሞም። ንሳቶም ከኣ ብዝተኸኣሎም መጠን ነቶም ክርስትያናት ንምሕጋዝ ይጽዕሩ ነበሩ። ዝኾነ ይኹን ሓድሽ ተርእዮ ከጋጥም ከሎ፣ ነቲ ኩነታት ብዘይ ሻራ ክዕዘቡ ዝደልዩ ብዙሓት ሰባት'ውን ኣብ ሮማ ነይሮም። እዚኣቶም ከኣ ብዙሓት ክርስትያናት ኣዝማድን ፈተውትን ነይረሞም። በቲ ዝወርዶም ዝነበረ መከራ ከኣ ነቶም ክርስትያናት ይድንግጹሎም ነይሮም። ዋላ'ኳ ክርስትያን ንምዃን እንተዘይወሰኑ፣ ነቶም ክርስትያናት ብጾቶም ንምሕጋዝ ግና ድሉዋት ነበሩ። ብኻልእ ሸነኽ ክረአ ከሎ ግና ነቶም ጣኦታት እቲ ዝግባእ መስዋእቲ ብምቕራብን ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ መቕደስ ብምስላምን ነቲ ናይ ቀደም እምነት ዝነበሮም እሙንነት የርእዩ ነበሩ። ክርስትያናት ከኣ ንዕለታዊ መግቦም፣ ኢድ ናይ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ምርኣይ ግዲ ኮኖም።
 
ጸልማት ለይቲ ጉልባብ ብምግባር ናብታ ከተማ ዝገብርዎ ዝነበሩ ስንቂ ናይ ምድላይ ጉዕዞ ዓቢ ሓደጋ ዘሰዕብ ከምዝኾነ ቅድም ኢሉ ተገሊጹ እዩ። እንተኾነ ግና ነዚ ዕዮ'ዚ ዝፍጽሙ ተባዓት ዝኾኑ ሰባት ካብ መንጎ እቶም ክርስትያናት ከቶ ተሳኢኖም ኣይፈልጡን ነበሩ።
 
ማርሴሉስ'ውን ኣብዚ ሓደገኛ ዕዮ ብምስታፍ ናይ እምነት ኣሕዋቱ ጸገም ንኸቓልል ዝነበሮ ድሉውነት ካብ ምግላጽ ዓዲ ኣይወዓለን። ኣብ ናይ ውትህድርና ዘመኑ፣ ናብ ዓቢ ናይ ክብሪ ደረጃ ዘብጸሖ ቆራጽነትን ጅግንነትን ኣብ ግዜ መከራ'ውን ቀንዲ ኣጽዋር ኮኖ። ቁጽሪ ናይቶም በብመዓልቱ ዝቕተሉ ክርስትያናት ኣዝዩ ብዙሕ ነበረ። ነዚኣቶም ካበየ ቦትኡ ደሊኻ ብምምጻእ ኣብ ውሽጢ ካትኮምብ ብኽብሪ ከምዝቕበሩ ምግባር ከኣ ናይ ክርስትያናት ዕዮ ነበረ። እዚ ዕዮዚ ንምፍጻም ግና ብዙሕ ኣጸጋሚ ኣይነበረን፣ ከመይሲ እቶም ሬሳ ሰማእታት ንኽቐብሩ ዝተመደቡ ሰራሕተኛታት፣ ስርሖም ምእንቲ ክቃለለሎም እቶም ክርስትያናት መጺኦም ናይ ኣዝማዶም ሬሳ ክወስዱ ከለዉ ርእዮም ከም ዘይረኣዩ ትም ይብልዎም ስለዝነበሩ እዩ።
 
ካብ ዕለታት ሓንቲ መዓልቲ ካብቶም ኣብ ጥቓ ጎደና ኣፒያ ኣንቲካ ዝነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ክልተ ተታሒዞም ከምዝተቐትሉ ተሰምዐ። ማርሴሉስ ከኣ ሓደ ካልእ ሰብ ኣኸቲሉ ሬሳኦም ንኸምጽኦ ቆረጸ። መንእሰይ ፖሊዮ'ውን ገለገለ ነገራት ክሕግዞም ተባሂሉ ምስኦም ከደ። ናብ ቀጽሪ እታ ከተማ መስ በጽሑ ከኣ ጸሓይ ዓረበቶም እሞ ብኡብኡ ከባቢኦም ጸላም ወረሶ። ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ግና ወርሒ ስለዝወጸት ንመንገዶም ዝኸውን ብርሃና ለገሰት።
 
በቲ ጸልማት፣ መንገዲ እንዳቋረጹ ናብ ኮሎሲዩም በጽሑ። እዚ ዓቢ ሜዳ ስፖርት፣ ማእለያ ዘይብሎም ክርስትያናት ዝሃለቕሉ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተገሊጹ እዩ። ናይቲ ህንጻ ግርማን ዕቤትን ከኣ ምስ ስልጣን ናይቶም ዘስርሕዎ ቄሳራት ዝዳረግ ነበረ። ብዙሓት ሓለውቲ ደገ ብድሕር'ቲ ብሓጺን ዝተሰርሐ ማዕጾታት ደው ኢሎም ብትግሃት ይሕልዉ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መእተዊ ደገ ከኣ ናይ ጥዋፍ መብራህቲ ይበርህ ነበረ።
 
እቶም ዘብዔኛታት፣ ማርሴሉስን ብጾቱን ዝመጹሉ ጉዳይ ምስ ፈለጡ ናብ ውሽጢ ብምእታው ናብቲ ሜዳ ንኽስዕብዎም ኣዘዝዎም። ኣብ ማእከል እቲ ሜዳ ከኣ ንሮማውያን ከሐጉሱ ናይ ዝተጨፍጨፉ ክርስትያናት ሬሳ ተኾሚሩ ነበረ። ናይ መብዛሕትኡ ሬሳ ኩነታት ዘስካሕክሕ ኣብ ልዕሊ ምንባሩ ናይ መን ምኻኑ ንኽትፈልዮ'ውን ዘጸግም ነበረ። ድሕሪ ብዙሕ ድኻም ከኣ ናይቶም ዝደልይዎም ዝነበሩ ሰባት ሬሳ ስለዝረኸቡ ነቶም ሬሳታት ኣብ ክሻ ብምእታዉ ንኽወስድዎም ክዳለዉ ጀመሩ።
 
ማርሴሉስ የማነ ጸጋም እናተዘዋወረ ኩነታት ናይቲ ሜዳ ስፖርት ተዓዘበ። ናይቲ ህንጻ ግርማ ዘፍርህ ኮይኑ ብዝሒ ናይቶም ኮፍ መበሊታት ከኣ መቑጸሪ ዘይብሉ ነበረ። ነቲ ከም ከውታ ለይቲ ዝጸልመተ ህንጻ ክዕዘብ ከሎ ድማ ኣብኡ ተዋሒጡ ዝተርፍ መሰሎ።
 
ኣብ ልቡ ድማ ከምዚ ዝብል ሓሳብ መጾ "ኣነኸ ኣብዚኣ ቦታ ስለ መድሓኒየይ ህይወተይ ዝስውኣላ መዓልቲ መዓስ ኮን ትኸውን? እቲኣ መዓልቲ ክትመጽእ ከላ ኣብ እምነተይ ጸኒዐ ይርከብዶ ይኸውን? ኦ ጎይታ የሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ ክጸንዕ ርድኣኒ።"
 
ወርሒ ካብ ትወጽእ ብዙሕ ስለዘይገበረት እቲ ሜዳ ገና ብርሃን ኣይረኸበን ነበረ። እቲ ሬሳ ናይ ምድላይ መስርሕ'ውን ካብቶም ዘብዐኛታት ብዝተለቕሕዎ ናይ ጥዋፍ መብራህቲ እዩ ተኻይዱ።
 
ማርሴሉስ ብሃንደበት ካብተን ዝተዓጸዋ በዓትታት ናይቲ ህንጻ፣ ናይ ሓደ ሰብኣይ ድምጺ ከቃልሕ ከሎ ሰመዐ። ጸጥታ ናይቲ ለይቲ፣ ንናይቲ ሰብኣይ ድምጺ ካብ መጠን ንላዕሊ ንጹር ገይርዎ ነበረ። ካብ ልሳን እቲ ሰብኣይ ዝወጻ ዝነበራ ቃላት ከኣ እዘን ዝስዕባ እየን፣
 
እቲ ለይትን መዓልትን
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዝኸሶም ዝነበረ፣
እቲ ከሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ፣
ሕጂ ምድሓን፣ ስልጣንን መንግስትን፣
ናይ ኣምላኽና ኮይኑ፣ ምልኪ ከኣ ናይቲ ቅቡኡ እዩ።
ንሳቶምውን ሳላ ደም እቲ ገንሸልን፣
ሳላ እቲ ቃል ምስክሮምን ሰዓርዎ፣
ንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን።
 
ማርሴሉስ ከኣ ንብጻዩ "እዚ ሰብኣይ መን ይበሃል?" ክብል ሓተቶ።
 
ብጻዩ ከኣ "ብዛዕብኡ ብዙሕ ኣይትጨነቕ። ንሱ ሓውና ሲና እዩ። ብሰንኪ ዝወረዶ ጓሂ ኣእምሮኡ ዝተናወጸ እዩ። እዚ ስደትን መከራን ክጅምር ከሎ ንሓደ ወዱ ሒዞም ብሓዊ ኣቃጺሎም ቀቲሎሞ። ብድሕር'ዚ ከኣ ኣብ ኩሉ ቦታታት እንዳኸደ ኣብ ልዕሊ ሮማውያን ናይ ፍርዲ ቃላት ካብ ምውጻእ ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን እዩ። ንሶም'ውን ቀደም ሸለል ይብልዎ ነይሮም። ሎሚ ግና ከምዚ ትርእዮ ዘለኻ ሒዞሞ ኣለዉ" ክብል መለሰሉ።
 
"እሱር እዩ ማለት ድዩ?"
 
"እወ!"
እቲ ዘፍርህ ድምጺ ናይ ሲና ደጊሙ ኣቃለሐ፣
 
ዎ ቅዱስን ሓቀኛን ጎይታ፣
ክሳዕ መዓስ ኢኻ ዘይትፈርድ፣
ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኸ
ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም።
 
"እዚ እቲ ኣብ ኩርባ ካፒቶሊን ርእየዮ ዝነበርኩ ሰብኣይዶ ይኸውን?"
 
"እወ፣ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ። ኣብዛ ከተማ ንሱ ዘይበጽሓ ቦታ የላን። ክሳዕ ቤተ መንግስቲ እንዳኸደ እዩ ናይ ፍርዲ ቃላት ዝዛረብ።"
 
"ካብዚ ቦታ ቀልጢፍና ንውጻእ"
 
ክሻኦም ኣብ መንኩቦም ተሰኪሞም ናብቲ መውጽኢ ደገ ገጾም ብቕልጡፍ ከዱ። እቶም ሓለውቲ ደገ ቑሩብ ኣዘራሪቦም ንኽወጹ ኣፍቀዱሎም። ናብ ደገ ምስ ወጹ ከምዚ ዝብል ድምጺ ናይ ሲና ተሰምዐ፣
 
እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ፣ ወዲቓ፣
ማሕደር ኣጋንንትን
ሰፈር ኩሎም ርኹሳት መናፍስትን
ሰፈር ርኹስን ዘፈንፍን ዝበለ ኹሉ ዑፍን ኮይና።
ህዝበይ ካብኣ ተፈለዩ።
 
ካብ ኮሎሲዩም ክሳዕ ዝርሕቁ ሓንቲ ቃል ከየተንፈሱ ጉዕዞኦም ቀጸሉ። ብድሕር'ዚ ማርሴሉስ ከምዚ ብምባል ዘረባ ጀመረ፣
 
"ኣብቲ ውሽጢ ሒዞም ዘትርፉና መሲሉኒ ብጣዕሚ ፈሪሀ ነይረ።"
 
እቲ ብጻዩ ከኣ "ፍርሃትካ ምኽኑይ እዩ። ከመይሲ፣ ሓደ ካብቶም ሓለውቲ ደገ ዊን እንተዝብሎ ኣብኡ ሒዙ ከትርፈና ይኽእል ነይሩ። ስለዚ፣ ከምዚ ዓይነት ዕማም ክንፍጽም ከለና ዝኾነ ዓይነት ሓደጋ ከጋጥመና ከምዝኽእል ክንፈልጥ ኣለና። ኣብ ዝኾነ ሰዓት ንሙማት ዝተዳለና ክንከውን ይግብኣና። ጎይታ ንቕሑ ኢሉ ዝኣዘዘና ቃል'ውን ክንርስዖ የብልናን። ካብዛ ዓለም እንፍለየላ ሰዓት ክትመጽእ ከላ "ድሉው ኣለኹ" ክንብል ይግብኣና" በሎ።
 
"እወ፣ ጎይታ'ውን ኣብ ዓለም ከለና ብዙሕ መከራ ከምዘጋጥመና ገሊጹልና እዩ።"
 
"ብርግጽ! እንተኾነ ግና ጎይታ ከምኡ ኢሉ ጥራይ ኣይገደፈናን፣ "ኣጆኹም ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፣ ኣብቲ ኣነ ዘለኽዎ ንስኻትኩም'ውን ኣብኡ ክትመጹ ኢኹም" ዝበለና ቃል ክንሓስብ ከለና ልብና ብሓጎስ ይምላእ። ብረድኤቱ ከኣ ንሞት ክንስዕር ንኽእል ኢና። ስቓይ እዚ ዘመን'ዚ ነቲ ኣባና ክግለጽ ዝመጽእ ዘሎ ክብሪ ከምዘይመዓራረዮ ይስምዓኒ ኣሎ።"
 
ብኸምዚ መልክዕ በቲ ህያው ዝኾነ ቃል ኣምላኽ እንዳተጸናንዑ ጉዕዞኦም ዛዚሞም ብሰላም ናብቲ ዝሓሰብዎ ቦታ በጽሑ። ኣብኡ ምስ በጽሑ ድማ ስለቲ ዝተገበረሎም ሓለዋ ንኣምላኽ ኣመስገኑ።
 
ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት፣ ማርሴሉስ ስንቂ ክደሊ ንበይኑ ናብ ገዛ ናይ ሓደ ናይ ክርስትያናት ፈታዊ ዝኾነ ሰብኣይ ከደ። ናይቲ ሰብኣይ መንበሪ ካብ ቀጽሪ ናይታ ከተማ ውጽእ ኢሉ ኣብ ጥቓ ጎደና ኣፒያ ኣንቲካ ዝርከብ ኮይኑ እቲ ሰብኣይ'ውን ንክርስትያናት ብዙሕ ሓገዝ ዝገበረ ነበረ። ማርሴሉስ ከኣ ንስንቂ ዝኸውን መግቢ ምስ ረኸበ ሓበሬታ ክሓታትት ጀመረ።
 
እቲ ሰብኣይ ከኣ ከምዚ በሎ "ሕማቕ ወረ ይናፈስ ኣሎ። ሓደ ካብ መኳንንቲ ቄሳር ናብ ሃይማኖት ክርስትና ብምቕያሩ ቄሳር ኣዝዩ ተቖጢዑ ኣሎ። ካብዚ ዝተለዓለ ድማ ኣብ ቦታ ናይቲ ክርስትያን ዝኾነ ሓለቓ ሰራዊት ካልእ ሰብ ብምሻም ንክርስትያናት ሃዲኑ ንኽሕዞም ጽኑዕ ዝኾነ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ ይበሃል። በብመዓልቱ ከኣ ንክርስትያናት እንዳሓዙ ናብ ቤት ማእሰርቲ ይድርብይዎም ኣለዉ። ዋላ ሓደ ሰብ ካብ ቑጠዐኦም ከምልጥ ኣይከኣለን።"
 
"ንክርስትያናት እንዳሃደነ ንኽሕዝ ተሸይሙ ዘሎ ሓለቓ ሰራዊት መን ምዃኑ ትፈልጥዶ?"
 
"እወ! ሉኩሉስ ዝበሃል እዩ።"
 
"ሉኩሉስ? ዘገርም እዩ! ቅድሚ ሕጂ፣ ሉኩሉስ በሊሕን ሓያልን ሰብ ምዃኑ ሰሚዐ ነይረ።"
 
"እወ፣ ከምኡ እዩ ዝበሃል። ዝኾነ ኮይኑ፣ እቲ ዝናፈስ ዘሎ ወረ ንክርስትያናት ባህ ዘብል ኣይኮነን። ናይዚ ኩሉ ጠንቂ ድማ ናይቲ ሓለቓ ሰራዊት ክርስትያን ምዃን እዩ። ቄሳር ኣዝዩ ተቖጢዑ ኣሎ። ንእኡ ሒዙ ንዝመጸ ከኣ ዓቢ ሽልማት ተዳልዩ ኣሎ ዝብል ወረ ኣሎ። ኣጋጣሚ እንተረኺብካዮ ኣጠንቅቆ ኢኻ። ኣብ ካታኮምብ ተሓቢኡ ከምዘሎ ሰሚዐ ኣለኹ።"
 
"እወ፣ ኣብኡ ከይተሓብአ ኣይተርፍን እዩ። ንክርስትያናት ካልእ እንታይ መሕብኢ ኣልዎም ኢልካ ኢኻ።"
 
"እቲ ወረ ኣዝዩ ዘፍርህ እዩ ዘሎ። ብጣዕሚ ክትጥንቀቑ ኣለኩም።"
 
"ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ክቐትሉና ኣይክእሉን እዮም።"
 
"ናትኩም ክርስትያናት ድፍረትን ቆራጽነትን ወትሩ ይደንቀኒ እዩ። ምስጢርኩም ኣብ ልብኹም ጌርኩም ንማለቱ ጥራይ ናይ ቄሳር ኣዋጅ እንተኣኽበርኩም እንታይ ኣለዎ? ባዕልኹም ንምንታይ ሞት ትጽውዑ?"
 
"መድሓኒና ስሌና ክብል ሞይቱ እዩ፣ ንሕና'ውን ስሌኡ ክንመውት ድሉዋት ኢና። ከምቲ ንሱ ስለቶም ናቱ ክብል ዝሞተ፣ ንሕና'ውን ናቱ ኣሰር ብምስዓብ ስለ ኣሕዋትና ንኽንመውት ቆሪጽና ኣለና።"
 
"ንስኹም ክርስትያናት እተገርሙ ፍጡራት ኢኹም።"
 
ማርሴሉስ ከኣ ካብቲ ሰብኣይ ተሰናቢቱ ምስ ወጸ እቲ ዝሰምዖ ወረ ኣእምሮኡ ከጨንቖ ጀመረ። ኣብ ጉዕዞኡ ድማ ከምዚ እናበለ ክሓስብ ጀመረ "ለካስ ኣብ ክንዳይ ተተኪኡ ዘሎ ሉኩሉስ እዩ! ሕጂኸ ብዛዕባይ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ይህልዎ ይኸውን? ከም ክርስትያን ጥራይዶ ይርእየኒ ይኸውን ዋላስ እንኮላይ ከም ዓርኩ? ነዚ ንምርግጋጽ ብዙሕ ግዜ ኣይክወስደለይን እዩ። መቸስ ኣብ ኢዱ ዝወድቀላ መዓልቲ ከመይ ኢለ እድነቕ እኸውን? ብዘይክኡ መቸስ ዝሕዘኒ የለን። ከም ድላዩ እንተገበረ ክሓርቕ የብለይን፣ ከመይሲ ንሱ ወተሃደር ስለዝኾነ ግድን ዝተኣዘዞ ክፍጽም ኣለዎ። ናይ ውትህድርና ግቡኡ ንዓይ ከም ናይ መንግስቲ ጸላኢ ንኽርእየኒ የገድዶ እዩ። ብልቡ ይፈትወኒ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ይድንግጸለይ ይኸውን፣ እንተኾነ ግና እዚ ኩሉ ናይ ውትህድርና ጉቡኡ ካብ ምፍጻም ክዓግቶ ኣይክእልን እዩ። ንዓይ ሒዙ ንዘምጽአ ሽልማት ክወሃቦ እዩ ተባሂሉ እንተተኣዊጁ ኮይኑ ንዓይ ንምሓዝ ዝገብሮ ጻዕሪ ልዑል ክኸውን ኣለዎ። እቲ ግዜ ቀሪቡ እዩ እሞ ተዳልየ ክጸባበ ኣለኒ።"
 
ከምዚ ኢሉ ብልቡ እንዳሓሰበ ብጎደና ኣፒያ ኣንቲካ ገይሩ ጉዕዝኡ ቀጸለ። ብሓሳብ ተዋሒጡ ናብዝን ናብትን እናበለ ክግስግስ ከሎ፣ ከይሓሰቦ ሰባት እክብ ኢሎም ደው ኣብ ዝበሉሉ ኩርናዕ ስለዝበጽሐ እቶም ሰባት ኣኽቢቦም ደው ኣበልዎ።
 
ካብ ማእከሎም ሓደ "ክሳዕ ክንድዚ ምቕልጣፍ ኣየድልን እዩ። ንምዃኑ መን ትበሃል? ናበይከ ትኸይድ ኣለኻ?" በሎ።
 
ማርሴሉስ ከኣ ብቑጠዐ "ካብ ቅድመይ ተኣለ" ብምባል ነቲ ሰብ ደፍኦ። ኩሉ ኩነታቱ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሰባት ስልጣን ከምዝነበሮ ብግልጺ ይረአ ነበረ።
 
እቶም ሰባት ከኣ በቲ ዝሰምዕዎ ናይ ስልጣን ቃል ኣዝዮም ተሰናበዱ። ናብ ድሕሪት ገጾም'ውን ከድሓርሕሩ ጀመሩ። እቲ ከም መራሒኦም ኮይኑ ንማርሴሉስ ዝተዛረቦ ሰብ ግና ደጊሙ "መን ምዃንካ እንተዘይነጊርካና በዚ ክትሓልፍ ኣይትኽእልን ኢኻ" በሎ።
 
ማርሴሉስ ከኣ "ካብ ቅድመይ ተኣለ እብለካ ኣለኹ። ንዓይ ኣይተፈልጠንን ማለት ድዩ? ኣነ ካብ ናይ ቄሳር ኣዘዝቲ ሰራዊት ሓደ እየ" በሎ
 
ሽዑ ኩሎም ተሰናቢዶም መንገዲ ከፈትሉ እሞ ማርሴሉስ ከኣ ጉዕዝኡ ቀጸለ። ቅሩብ ስጉምትታት ምስ ከደ ግና ካብ መንጎኦም ከምዚ ዝብል ድምጺ ሰመዐ፣
 
"ማርሴሉስ እቲ ክርስትያን እዩ! ከየምልጥ ሓዝዎ!" ኩሎም ኣብ ዘዘለዉዎ ኮይኖም ኣውያቶም ደርጉሕዎ።
 
ማርሴሉስ ከኣ ግዜ ከየጥፈአ ነቲ ተሰኪምዎ ዝነበረ ስንቂ ናብቲ ደርብዩ ናብ ሓንቲ መዕጸፊት ኣንጎሎ ገጹ ጎየየ። ኩሎም ከኣ ሰዓብዎ።
 
ማርሴሉስ እግረይ ኣውጽእኒ ብምባል የማነ ጸጋም እናቋረጸ ናብቲ ቲበር ዝበሃል ፈለግ ገጹ ኣምረሐ። ብጉያኡ ድማ ነቶም ኣሳደድቱ ብርሑቕ ርሕቀት ፈልይዎም ተመርቀፈ። ናብቲ ፈለግ ምስ በጸሐ ከኣ ተወርዊሩ ብምእታው ናብ ስግር ማዕዶ ክሕንብስ ጀመረ። እቶም ኣሳደድቱ'ውን ናብ ገምገም እቲ ሩባ እኳ እንተበጽሑ ካብኡ ንላዕሊ ክሰግሩ ግና ኣይደፈሩን።
Comments
Add New Search
Write comment
Name:
Email:
 
Title:
Please input the anti-spam code that you can read in the image.
{poweredby} {poweredby}

3.26 Copyright (C) 2008 Compojoom.com / Copyright (C) 2007 Alain Georgette / Copyright (C) 2006 Frantisek Hliva. All rights reserved."

Last Updated ( Friday, 30 January 2009 )
 
< Prev   Next >
Headline
  • Pause
  • Previous
  • Next
1/10
ምስክርነት ናይ ኣጸያፊ ጾታዊ ስራሕ ትሰርሕ ዝነበረት

"ባሮት ሓጢኣት ከሎኹምሲ ካብ ጽድቂ ውጹኣት ሓራ ኢኹም ዝነበርኩም። መወዳእትኡ ሞት ስለ ዝኾነ በዚ ሎሚ እትሓፍርሉ ዘሎኹም እንተ ዘይኮይኑስ በቲ ጊዜ እቲ እንታይ ፍሪኡ ነይርኩም፡ ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ናይ ዘልኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለዝወጻእኩም ኣምላኽውን ስለ ዘተገዛእኩምዎ ፍሬኹም ንቕድስና ኮይኑ ኣሎ መወዳእታኡ ኸኣ ናይ ዘልኣለም ህይወት እዩ። " ሮሜ 6 20-23

Read more...
 
Daily devotion
ምፍታን እምነት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፈተና ብዙሕ ጊዜ ተዛሪቡ ኣሎ። ገለ ካብኡ ምስ እንርኢ ‘ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር ናብ ፈተና ኣይተእትወና’ ኢልና ክን...
Message
‎እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ ፧‎ ሉቃ 18:41 “የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ናብኡ ኼምጽእዎ ኣዘዘ ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ የሱስ ፤ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ ፧ ኢሉ ሓተቶ ። ንሱ ኸኣ ፤ ...
 
Teaching
ክርስትናን ሃይማኖትን: ሕቖን ከብድን መእተዊ መብዛሕትና፡ ክርስትና ከም ሃይማኖት ኢና እንርድኦ። እዚ ግን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሰረት ዘይብሉ ግጉይ ርድኢት እዩ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ክርስትና ማ...
Cell Group Material
ዉሕሉል ኣገባብ ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስ መእተዊ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጸ ቓል ስለዝኾነ፡ ኸም ዉሉድ ኣምላኽ መጠን ግዜ ወሲድካ ከተንብቦን ከተጽንዖን ይግባእ። መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣ...
 
Character Study
ህይወት ዳዊት ሰብ ኣብ ጌጋ ብዘለዎ ኣረኣእያን ካብኡ ዝወስዶ ትምህርትን ኣብ ሰለስተ ክንመቕሎ ንኽእል፣     ቀዳማይ። ጌጋ ዝገብር እሞ ጌጋ ከምዝገበረ ተረዲኡ ...
 
Witness
Image ‎ቫንያ‎ ቐዳማይ ክፋል ኢቫን ቫሲሊየቪች ሞይሲየቭ (ብሕጽር ዝበለ ኣጸዋውዓ ወይ ሳጓ ድማ ቫንያ) ብ1952፣ ቮሎንቲሮቭካ ኣብ ዝተበሃለት ሓንቲ ቁሸት ናይ ግዝኣት...
         
 
  • ኣገልገልቲ
    ኣገልገልቲ እንታይ ይብሉ
    Letter5

    ሰክቡራትን ፍትዋትን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንዓኻትኩም ይኹን፣ እዚ ዘለናዮ እዋን....

  • ደቀንስትዮ
    ደቀንስትዮ እንታይ ይዛረባ? Welcome

    ክቡራትን ፍቑራትን ኣሕዋትን ኣዴታትን ኣዋልድ መንእሰያትን ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንዓኻትክን ይኹን። ኢሂን ምሂን እትብላሉ ብዛዕባ መንፈሳውን.........

  • መንእሰያት
    ካብ መንእሰያት ናብ መንእሰያት
    Letter3

    ሰላም ሰላም ንዓኻትኩም ኣብ ፈቐዶ ቦታታትን ሃገራትን ዘለኹም መንእሰያት። ጸጋን ሓጎስ ኣምላኽን ምሳኹም ይኹን። እንሆ ሓሳብኩም እትገልጽሉ ህርመት ልብኹም እትዛረቡሉ ርእይቶኹም ከኣ እትህቡሉ መድረኽ ተኸፊቱልኩም........

Advertismnet!

ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ  ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንመላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መገዲ መራኸቢ እንዝርግሕ ክርስትያናት ኢና።

Read all Books in our Web

           
   

 

Give your Vote!

What do you like most about Eriwongel.com?
 
What die you want to change?
 

Our Favorite Links

www.bible.org
Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

Christ for all Nations, Cfan
cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
http://www.cfan.org
 
Release Eritrea!
release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha

Join the EGMM team

We are seeking a English and Amharic translator / editor who will serve with us as voluntary translator.
Grafic & web Designer
If you are Graphic and web Designer and looking out for working in the Kingdom of our Heavly Father, then here's the right opportunity to work with us.
Advertiser links Geezsoft.com
Hier you can download free Geez Font
Eristart.com
First Eritrean Startpage 

Who's Online

We have 3 guests online
  • tigrina
  • English

Movies

Agelglot.com

Compassdirect.org

Syndicate


EGMM pro Mezmur

EGMM PRO MEZMUR  

EGMM pro Sbket

EGMM PRO SBKET  

EGMM pro Books»

EGMM ORO BOOKS 

Active Quiz»

Active Quiz 

EGMM PRO REDIET»

EGMM PRO REDIET