| ታሪኽ ቤተክርስትያን (AD 29 – 500) 7ይ ክፋል |
|
|
|
| Thursday, 29 January 2009 | |
|
ቀዳመይቲ መጽሓፍ ብጆን ፎስተር ትርጉም ብይሳኮር ምዕራፍ 3
ድሕሪ ሃዋርያት ንዘሎ ጊዜ ዝምልከት ሓበሬታ፡ ኣብ ዩዘብዩስ ክንምርኮስ ግዲ እዩ። ዩዘብዩስ በዓል ቄሳርያ ኣብ ጳለስታይን ነበረ። ካብ 231 ዓመተ ምህረት ኣትሒዙ፡ ኦሪገን ነዛ ከተማ እዚኣ ሓድሽ ዝና ኣምጺኡላ ነበረ። ከምኡ ኸኣ ማእከል ክርስትያናዊ ትምህርቲ ገይሩዋ ነበረ። ዩዘብዩስ ኣብኡ ከም ተማሃራይ፡ መምህርን ጸሓፊን ነበረ። ኣብ 313 ኸኣ ኣቡን (ጓሳ) ቄሳርያ ኮነ።
እታ ኣዝያ ኣገዳሲት ጽሕፍቱ፡ እታ አክለስያስቲካል ሂስትሪ እትብል፡ ካብ ዝቐደሙ ጸሓፍቲ ነዊሕ ጥቕስታት ዚሓዘት መጽሓፉ እያ። ብዛዕባ ጥንታዊ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ዝምልከት እዛ መጽሓፍ ቀንዲ ምንጪና እያ። እዛ መጽሓፍ ብዛዕባ ተካእቲ ሃዋርያት ዝብል ሓደ ክፋል ኣለዋ።
ዩዘብዩስ ኣዝዮም ብዙሓት ተካእቲ ነበሩሞ ንኩሎም ክጠቕሶም ከም ዘይከኣለ፤ ይኹንምበር ነቶም ብዛዕባ ሃዋርያት ዘዘኻኽሩና ጥራይ ከም ዚጠቐሰ ይገልጽ። ገሊኦም ጓሶት (ማለት ጳጳሳት)፡ ገለ ኸኣ ወንጌላውያን ነበሩ። ዩዘብዩስ ነዛ ወንጌላውያን እትብል ቃል፡ ከምቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 4፡5ን ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 21፡8 ዘሎ ተጓዓዝቲ ሚስዮናውያን ማለት ምዃና እዩ ዝጥቀመላ። ገለ ካብቶም ጓሶት ኢግናትዮስ በዓል ኣንጾክያ፡ ቅለምንጦስ በዓል ሮማ፡ ፖሊካርፕ በዓል ስሚርናን እዮም። እቲ ብሓጺር እኳ ይኹን ነዞም ሰባት እዚኦም ኣብዚ መጽሓፍ ጥቕስ ኣቢልናዮም ምሕላፍና ብዛዕባ ሃዋርያት ክሳብ ክንደይ ከም ዘዘክሩና ዘርኢ እዩ።
እቶም ሚስዮናውያን ካብዚኦም ቁሩብ ሕውስውስ ዝበሉ እዮም። ዩዘብዩስ ቅድሚ ኹሉ፡ ነቲ ብውህበት ትንቢት ምስ ኣዋልድ ፍሊጶስ ስሙይ ዚነበረ፡ ንኳድራቱስ እዩ ዝሰርዕ (ግብሪ ሃዋርያት 21፡9)። ዩዘብዩስ፡ ኳድራቱስ ብትብዓት እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ ክብል ከም ዝኽእል እምበር ኳድራቱስ ብዛዕባ መጻኢ ክንበ ይኽእል እዩ ማለቱ ኣይኮነን። ኳድራቱስ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ተጣበቕቲ እዩ። እዚ ተጣባቒ ዝብል ቃል ኣብ ጥንታዊት ቤተ ክርስትያን ንእምነት ክርስትና ክጣበቐሉ ኢሉ ዝዛረብ ወይስ ዝጽÆሕፍ ሰብ እዩ። ብዙሕ ጽሑፋት እዞም ሰባት (ኣፖሎጄስ ማለት ጥብቅና ምሕላው ማለት እዩ) ተሰጋጊሩ ኣባና በጺሑ ዘሎ፡ ሚስዮናዊ ስብከት ከመይ ይመስል ከም ዚነበረ የርእየና። እዞም ተጣበቕቲ፡ ኣብ ክርክሮም ክረትዑ ጥራይ ዘይኮነስ ነፍሳት ክማርኹ ኢሎም እውን ይፍትኑ ነይሮም እዮም። ኳድራቱስ ኣዝዩ ተባዕ ነበረ እሞ ጥብቅናኡ ከም ቅልዕቲ ደብዳበ ናብቲ ንጉሰ ነገስት ገይሩ ኣዳለዋ።
ዩዘብዩስ ዝጠቕሶም ሰለሰተ ሚስዮናውያን፡ ቅድሚ ናብ እምነት ምምጻኦም ፈላስፋታት ዚነበሩ እዮም። እዚኦም ኣሪስቲድ በዓል ኣቴና፡ እቲ ኣብ አፌሶን ተማሃራይ ፍልስፍና ዚነበረ ጃስቲንን ጳንቲናውስ በዓል ሲሲሊን እዮም።
ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ እዛ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ መንገዲታት ሮማን እቶም ብእኡ ዝጓዓዙ ዚነበሩ ሰባትን ክንዛረብ እንከለና፡ ሓሳባቱ ከፋልጥ ዚደሊ ... መምህር ጠቒስና ኔርና ኢና። ብዛዕባ ግሪኻውያን ክንዛረብ እንከለናውን ፍልስፍናን ፈላስፋታትን ጠቒስና ኔርና። ሞያ እዞም ሰለስተ እዚኦም፡ እዚ ሞያ እዚ ነበረ - ምምህር ፍልስፍና። ህያብ ትንቢት ካድራቱስ ኣብ ሚስዮናዊ ዕዮ - ኣብ ስብከት - ኪዋፈር ገደዶ። እዞም ተጓዓዝቲ ፈላስፋታት ክርስትያን ምስ ኮኑ፡ ኮለል ምባልን ምምሃርን ቀጸልዎ። ሚስዮናውያን ኮኑ ማለት እዩ። በዚ ኸኣ ብሓቂ ተካእቲ ሃዋርያት ኮኑ። ብኸምዚ ከምቲ ሰማዒት እዝኒ ኣብ ዚረኸበሉ ዝኸይድ ዚነበረ፡ ክፉት ዕድል ኪረክብ እንከሎ ኸኣ ኮፍ ዝብል ዚነበረ ጳውሎስ ኮኑ። ጃስቲን ከም ሚስዮናዊውን ተራ ግሪኻዊ ፈላስፋ ይመስል ነበረ፡ ይብል ዩዘብዩስ። ይኹንምበር ቃል ኣምላኽ ይሰብኽ ነበረ። እዚኦም ሰለስቲኦም ጽሑፋት ጥብቅና ጽሒፎም እዮም። በዚ ካብ ሰለስቲኦም ጃስቲን እቲ ዚዓበየ ነበረ። ኣቐድም ኣቢልና ከም ዚረኣናዮን፡ ኣብ 165 ዓመተ ምህረት፡ ኣብ እተፈርደሉን ብሰይፊ ኣብ እተሰየፈሉን፡ ኣብ እዋን ፍርዱ ኣብ ሮማ ካብ ዚሃቦ መልሲን፡ ጽሑፉ ብሓቂ ሚስዮናዊ ዘብሎ እዩ።
ዳኛ፡ ኣኼባታትኩም ኣበይ ኢኹም እተካይዱ? ጃስቲን፡ ኣብ ዚረኸብናዮ። ... ኣምላኽና ሰማይን ምድርን ዚመልእ ኣምላኽ እዩ። ኣብ ዝኾነ ቦታ ኸኣዩ ዝምለኽ። ዳኛ፡ ኣበየናይ ቦታ? ጃስቲን፡ ኣብ ቤት ማርቲን ኣብ ላዕሊ እየ ዝነብር። ጥቓ መሕጸብ ቲሚዮቲናን። ... ዝኾነ ዝደለየ ዚመጻኒ ሰብ ኸኣ ነቲ ሓቀኛ ትምህርቲ እንግሮ ነበርኩ። (ያንግ 47)
ኣብዚውን እንደገና ብዛዕባ ቤተ ክርስትይን ኣባይቲ ንርኢ። ጃስቲን ኣብ መንገዲ ንዚረኸቦም ሰባት ኪዛረብ ይኽእል ነበረ። ነቶም ዚደልዩ ኸኣ ኪምሃሩ ናብ ቤት ማርቲን ኪመጹ ይነግሮም ነበረ።
ዩዘብዩስ ብዛዕባ ጳንቲናውስ ከምዚ ይብል፡ ንሱ ፈላስፋ ኪኸውን ዚሰልጠነ፡ ኣዝዩ ምሁር ሰብ ነበረ። ጸኒሑ ኣብታ ኣብ ኣለክሳንድርያ ዚነበረት ናይ ክርስትያን ኮለጅ መሃረ። ኣዝዩ ርሱን ሃረርታ ነበሮሞ፡ መምህር ወንጌል ንህዝብታት ምብራቕ ኽኸውን ተሾመ። ክሳብ ምድሪ ህንዲ ኸኣ ተላእከ። ኣብኡ ዚረኸቦም፡ ንክርስቶስ ዚፈልጡ ህዝቢ፡ ድሮ ወንጌል ማቲዎስ ሒዞም ረኸቦም። ... ድሕሪ ብዙሕ ሰናይ ዕዮ ኸኣ፡ ርእሰ መምህራን እታ ኣብ ኣለክሳንድርያ ዚነበረት ኮለጅ ኮነ (ያንግ 34)።
ዕቤት መራኸቢታት ካብ ኣለክሳንድርያ ናብ ምብራቕ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ድሮ ኣስተብሂልናሉ ኣሎና። ጳንቲናውስ በዚ መንገደï ናይል - ቀይሕ ባሕሪ - ባሕሪ ዓረብ ክሳብ ክንደይ ከም እተጓዕዘ ክንፈልጥ ኣይከኣልን እዩ። ይኹንምበር እቲ ኣብ 400 ዓመተ ምህረት ኣቢሉ ዚጸሓፈ ጂሮም እዚ ክርስትያን ፈላስፋ ክርስቶስ ነቶም ብራህማን ፈላስፋታትን ህንዲ ሰበኸሎም ይብል እዩሞ ጳንቲናውስ ህንዲ ከም ዚበጽሐ ኣብ ሓሳብ ጂሮም ፍጹም ምጥርጣር የለን።
ብዙሓት ሰባት ሃይማኖት ክርስትና ብዙሕ ከይተወደበ እንከሎ፡ ምስ ሃንደበትነቱ እንከሎ ንዚነበሮ ጊዜ ከም ፍጹም ጊዜ ይቖጽርዎ። ብዛዕባ እዞም ቀዳሞት ሚስዮናውያን ዚምልከት፡ ድምጺ ኣምላኽ ሰሚዕካ፡ ብውልቅኻ ኪትብገስ፡ ልዕሊ እቲ ብመንገዲ ቤተ ክርስትያን ኣመልኪትካ፡ ከም ሓደ ካብ ኣገልገልታ ኪትቅበለካ ሓቲትካ፡ ደገፍ ቤተ ክርስትያን ረኺብካ ኪትከይድ ፍጹም ስራሕ ኪመስል ይኽእልዩ። ይኹንምበር፡ ሓደ ጋሻ ኣብ ሓደ ቦታ ኪበጽሕ፡ ገያሻይ ሚስዮናዊ ምዃኑ ኪሕብር እንከሎ ጸገማት ይፍጠሩ ነበሩ።
እቶም ቀዳማይቲ መልእኽቲ ዮሃንስ እተጻሕፈትሎም ክርስትያናት አፌሶን ከምዚ ተባሂሉዎም እዩ፡
ኣቱም ፍቑራተይ፡ ብዙሓት ነብያት (ሰበኽቲ) ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም ኣለዉ እሞ እቶም መናፍስቲ ካብ ኣምላኽ እንተኾኖም መርምሩ ... (1 ዮሃንስ 4፡1)።
ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘይኣተዉ ገለ ካብቶም ኣዝዮም ቀዳሞት ትእዛዛት እዚኦም ነበሩ፡
ናባኹም ዚመጽእ ዘበለ ሃዋርያ (ወይስ ሚስዮናዊ) ከም ንጎይታ ጌርኩም ተቐበልዎ። ምሳኹም ኸኣ ሓደ ወይስ ክልተ መዓልቲ ይጽናሕ። ሰለስተ መዓልቲ እንተ ጸንሐ ግን እዚ ሓሳዊ ነብዪ እዩ። ገንዘብ እንተ ሓተተ፡ እዚ ሓሳዊ ነብዪ እዩ። ኩሉ ብቃል ኣምላኽ እዛረብ ኣሎኹ ዚብል ነብዪ ኣይኮነን። እዚ ከምዚ ዚበለ፡ ባህርያት ጎይታ ኸኣ ኪህልዎ ይግባእ እዩ። (9)
ኣብ ከባቢ 170 ዓመተ ምህረት ኣቢሉውን ሉችያን በዓል ሳሞሳታ ዚብሃል ኣረመን ጸሓፊ ነዚ ዚስዕብ ዛንታ ኣዘንተወ፡
ዝኽነ መታለሊ ናብ ክርስትያናት እንተ ከደ፡ ነዞም ዓያሹ ሰባት እናታለለ ቀልጢፉ ኪህብትም ይኽእል እዩ። ... ፐረግሪን ኮለል ኪብል ኢሉ ካብ ዓዱ ወጸ እሞ ዘድልዮ ዘበለ ካብኣቶም ረኸበ። ኣዝዮም ጽቡቕ ገይሮም ኸኣ ሓለዩሉ።
ሓንቲ ንእሽቶ ኣኼባ ከመይ ገይራ ንሓደ ገይሹ ዚመጻ ሰብ ኪትፍትኖ ትኽእል? መዓልቲ መገሻኡ ካብ ክልተ መዓልቲ እንከየሕለፉ፡ ክርስትያናት ንዚመጾም ጋሻ ከመይ ገይሮም ከም ጎይታ ከም ዚኾነ ገይሮም ኪቕበልዎ ይኽእሉ? ንመታለልቲ እንከየተባብዑ፡ ክርስትያናት ከመይ ገይሮም ለጋሳት ኪኾኑ ይኽእሉ? ጳንቲናውስ ተሾመ ... ተላእከ ይብል ዩዘብዩስ። እዚ ማለት ኸኣ እታ ኣብ ኣለክሳንድርያ ዚነበረት ቤተ ክርስትያን ልኢኻቶ ማለት እዩ። ሚስዮናው ዕዮ እናማዕበለ ኣብ ዚመጸሉ፡ እዚ ኣብ ክንዲ ንውልቀ ሰባት ዚሕደግ፡ ሓላፍነት ቤተ ክርስትያን ኮነ።
ቅለምንጦስ ተማሃራይ ጳንቲናውስ ነበረሞ ኣብ 180 ዓመተ ምህረት ኸኣ ከም ሓላፊ እታ ኮለጅ ንጳንቲናውስ ተክኦ። ኣለክሳንድርያ ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ማእከላት ፍልጠት ነበረት። ነቲ ጳንቲናውስ ኣብ ተማሃሮ ዚነበሮ ሚስዮናዊ ዕዮ ኸኣ ቅለምንጦስ ቀጸሎ። ቅለምንጦስ፡ ፍልስፍና ግሪኽ ንእምነት ክርስትና ቅቡል ዚኾነ መሰረት ከንጽፍ፡ ኣብ ጥቕሚ ኪውዕል ይኽእልዩ። መንፈሳዊ ህይወት ኸኣ ብፍልጠት ኣቢሉ፡ ንኣምላኽ ምርኣይ ወሲኹ፡ ካብ እምነት ዝብገስ ኣብታ እትመጽእ ህይወት ኸኣ ንኣምላኽ ምምሳል እዩ፡ ዝብል እምነት ነበሮ።
ድሕሪ ቅለምንጦስ ኸኣ ኦሪገን መጸ። ንፈላስፍታት ጽቡቕ ኣረኣእያ ኣይንበሮ እምበር፡ ኦሪገን ልዕሊ ኩሎም ክርስትያን ሓሰብቲ፡ እቲ ዚዓበየ ክርስትያን ሓሳቢ ነበረ። ኦርገን ክምህር ኣብ ዚጀመረሉ ጊዘ ኣዝዩ ንእሽቶ እኳ ይንበር እምበር፡ ክርትያን ከመይ ይኽወን ኪማሃሩ ኢሎም እልፊ ተማሃሮ ናብ ክፍልታቱ ይውሕዙ ነበሩ፡ ይብል ዩዘብዩስ። በዚ ምኽንያት ኸኣ ኣማሓዳሪ እታ ከተማ ተማሃሮ ናብ ቤት ኦሪገን ከይቀርቡ ኢሉ ወተሃደራት ይልእኽ ነበረ። ስለዚ ኸኣ ኦሪገን ቤቱ ይለዋውጥ ነበረ። ሎሚ ኣብዚ፡ ጽባሕ ኸኣ ኣብቲ ይኸይድ። በዚ ኸኣ እቶም ወተሃደራት ኣብ ዘይከውን ቦታ ይሕልዉ ነበሩ። እቶም ተማሃሮ ግን ኣበይ ከም ዚረኽብዎ ይፈልጡ ነበሩ
ኣብ ከባቢ 250 ዓመተ ምህረት ኣቢሉ ኣብ ዚጸሓፎ፡ ኦሪገን ብዛዕባ ሓፈሻዊ ሚስዮናዊ ዕዮ ከምዚ ይብል፡ ነዛ እምነት ኣብ ምሉእ ዓለም ከብጽሕዋ ክርስትያናት ዚከኣሎም ዘበለ ይገብሩ። ገሊኦም ንጎይታ ዝስዕቡ ኪረኽቡ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክሳብ ገጠራትን ቁሸታትን ኣብ ህይወት ኮለል ምባል ዕዮኦም ይገብርዎ።
ሎሚ ብዙሓት ህይወቶም ይህቡ ስለ ዘለዉ፡ ቦታ ክብሪ ዘለዎም ሃብታማት ሰብኡት፡ ካብ ክቡራት ቤተሰብ ዝውለዳ ኣንስቲ ንሚስዮናውያን እንተ ተቐበልዎም፡ ገለ ሰባት ክብሪ ኪረኽቡ ኢሎም እዮም ገሊኦም ሰበኽቲ ዚኾኑ ዘለዉ ኢሉ ኪደፍር ዝኽእል መን ኣሎ? ንምጅማር ዚኣክል፡ ሚስዮናዊነት ሓደገኛ ነበረ። ሕጂውን ይኹን ልዕሊ እቶም ሰበኽቲ ዘኽብሩ ክርስትያናት፡ ሰበኽቲ ዚጸልኡ ዘይክርስትያናት ኣዝዮም ይበዝሑ። (ያንግ 48)
ደናቁር ሰማዕቲ እውን እንከይተረፈ ክርስትያናት ንሰማዒ ዘበለ ይቕበልዎ ንዚብል ኣሽሙር ዘረባ ካልእ ሃይማኖት ዚኾኑ ሰባት፡ ኦሪገን መልሲ ክህበሉ ኢሉ ይቕጽል። ናብቲ ኣዝዩ ህቡብ ስብከት ኣረማውያን ፈላስፋታት እናመልከተ ኸኣ፡ ከምዚ ይብል፡
እዚኦም ካብ ኩርናዓት ጎደናታት ሰባት ይጽውዑ። ሰማዕቶም ኸኣ ኣይመርጹን እዮም። ኣይሓርዩንውን። ዚደለየ ደው ይብልን ይሰምዕን። ኣወዳትን ኣዋልድን፡ ባሮትን ዓያሹን። ... ንሕና ክርስትያናትውን ድሌትና ንኹሉ ሰብ ክንምህርዩ። ንባሮት ሓርነት ኣእምሮ፡ ብሃይማኖት ዚኸበረ ኣእምሮ፡ ከመይ ከተድሕኖ ትኽእል ከነርእዮም ንደሊ። (ያንግ 52)
ይኹንምበር ኦሪገን ከምዚ ዚበለ ዕዮ ወንጌላዊነት ምስ ስነ-ስርዓት ቤተክርስትያን እዩ ዘተኣሳስሮ። ንሱ፡ ክርስትያናት ነቶም ዚደልዩ ሰባት ሓደ ብሓደ ይፍትንዎም እሞ ንጀመርቲ ዚኸውን ትምህርቲ ይጅምሩሎም ይብል። ድሕሪዚ፡ ነቶም ብሓቂ ደለይቲ ኮይኖም እተረኽቡ ዝኸውን ሓደ ካልእ ትምህርቲ ይጅመረሎም። እንታይ ፈሊጦም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከመይውን ይነብሩ ድሕሪ ዚፍትሽ ካልእ መርመራ ኸኣ እዚኦም ንጥምቀት ኪዳለዉ ይፍቀደሎም።
ሓደ ካብቶም ናይ ቀደም ተማሃሮ ኦሪገን ዚነበረ ኣዝዩ ፍሉይ፡ ግሪጎሪ ታውማቶርገስ (213-270)፡ ግሪጎሪ ገባር ተኣምር ዚብሃል ሚስዮናዊ ሳልሳይ ክፍለ ዘበን ነበረ። ንሱ ወዲ ሓደ ኣዝዩ ፍሉጥ ስድራ ቤት፡ ደቡብ ምዕራብ ጸሊም ባሕሪ እትርከብ ጶንጠስ ነበረ። ንሱ ከም በዓል መዚ መንግስቲ ኮይኑ ኪምለስ ኢሉ ተስፋ ይገብር ነበረሞ ትምህርቱ ኪውድእ ኢሉ ናብ ወጻኢ ዚኸደ ሰብ ነበረ። ኣብ ትሕቲ ኦሪገን ኮይኑ ኣብ ቂሳርያ ተማህረ፡ ክርስትያን ኮይኑ ኸኣ ከም ሚስዮናዊ ናብ ዓዱ ተመልሰ። ኣብኡ ኸኣ ጓሳ ኮነ። ዕዮኡ ኸኣ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን እቲ ዚዓበየ ብብዝሒ ምልዋጥ ሰባት ኣምጸአ። ዓባዩ ሓንቲ ኣብ ማእከል እቶም ግሪጎሪ እቲ ገባር ተኣምራት ናብ እምነት ዘምጸኦም ሰባት ዚዓበየት፡ ሓዉ ንባዚል፡ መኹሱ ንገባር ተኣምራት፡ ግሪጎሪ ብዓል ንያሳ ከምዚ ገይሩ ይገልጾ፡
እንደገና ኣብ ወጋሕታ እቲ ህዝቢ፡ ሰብኡት፡ ኣንስቲ፡ ቆልዑ፡ ከምኡ ኸኣ ብምኽንያት ኣጋንንቲ ስለ ዚሓዝዎም፡ ወይስ ብምኽንያት ጭንቂ ወይስ ሕማም ዚሳቐዩ ሰባት ኣብ ኣፍደገኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ ድሌት ነፍሲ ወከፍ ዚመጸ ዘበለ ሰብ ዘማልእ ነገራት ይገብረሎም። ይሰብኽ፡ ሕቶታት ይምልስ፡ ይመክር፡ ይምህር፡ ይፍውስ። እቲ ኪብሎ ዚሰምዕዎ፡ ኬገብሮ እንከሎ ይርእይዎ ነበሩሞ፡ ብምርኣይን ብምስማዕን ኸኣ ሓይሊ ኣምላኽ የርእዮም ስለ ዚነበረ በዚ ምኽንያት እዚ ብዙሓት ናብ ስብከቱ ይመጹ ነበሩ። ቃላቱ ንኣእዛኖም ድንቂ ነበረ፡ ኣብ ሕሙማት ዚገበሮ ተኣምራታቱ ኸኣ ንኣዒንቶም መስተንክር ነበረ። ሕዙናት ተጸናንዑ፡ መንእሰያት ከኣ ምምላኽ ርእስኻ ተማህሩ፡ ሽማግለታት ኸኣ ቃል ምጽንናዕ ተቐበሉ። ባሮት ንጎይተቶም እቲ ግቡእ ኪገብሩ ተማህሩ፡ ጎይተት ኸኣ ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዘለዉ ክርሕርሑሎም ተማህሩ። ድኽታት ብሰናይ ግብሪ ኪህብትሙ ከም ዝኽእሉ መሃሮም፡ ሃብታማት ኸኣ ብዛዕባ ካልኦት ኪሓስቡ፡ መገብቲ እምበር ወነንቲ ሃብቶም ከም ዘይኮኑ መሃሮም። (ያንግ 58)።
ኣብዚ ብሓቂ ሓደ ተካኢ ሃዋርያት ሰብ ከም ዚረኸብና ክንፈልጥ ንኽእል ኢና።
ክሳብ ሕጂ ነዛ ወንጌላዊ እትብል ቃል ከምቲ ዩዘብዩስ ዚጥቀመላ ናይ ምሉእ ጊዜ ሚስዮናዊ ከም ማለት ጌርና ኢና ተጠቂምናላ። ሕጂ እምበኣር ናብዚ ሎሚ ተራ ወንጌላዊነት ኢልና እንጽውዖ ገጽና ንምለስ። |
|
| Last Updated ( Thursday, 29 January 2009 ) |
| < Prev | Next > |
|---|



ዳሕሮት ግዝያት (ሳልሳይ ክፋል)
ዒራቕ
እስከ ናብ ትንቢት ዳኒኤል 4፡10-11, 13-14 ተመሊስና ነንብብ።"እቲ ኣብ ምድቃሰይ ከለኽ ዝረኣኽዎ ራእይ ርእሰይ፡ ከምዚ እዩ፡ እንሆ ኦም ኣ...
ቃለ-መሕትት ምስ ዘማሪት ምስ ሰላም ሓጎስ 2004
ሀ.
ሕሉፍ ታሪኽ ህይወት
1.
ብዛዕባ ገዛእ ርእስኺን ድሕረ ባይታኽን ኣተዓባብኽን መዕለልክና
ዶ ?
ስመይ
ሰላም ሓጎስ እበሃል።...
መልሲ ንሰብ ሓዳር
ንኣብ ሓዳር ዘጋጥሙ ሕቶታትን ብድሆታትን እትምልስ ብግልጽነት ንዘሎና ጸገማት ሓዳር እተርኢ ብቡርስን ኬሮል ብሪትንን ዝተጻሓፍት ብሓው ዮናስ ወልደርፉ...
ንመንእሰይ ዕውታት ዝገብርዎ ባእታታት 3ይ ክፋል
3 ብዛዕባ ካልኦት ሰናይ ኣረኣእያ ምምዕባል።
ሎሚ ኩሉትና ኣብዛ ምውድዳርን ዝናን ዝበዛሓላ ዓለም ኢና ንንበር ዘሎና። ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ወዲ ...
'ሃለዋት በተክርስትያን'
ኣብ ሉዘርን ስዊዘርላን ኣብ ወርሒ ኣፕሪል ካብ 9 ክሳብ 11 'ሃለዋት ማሕበር ኣምላኽ' ብዚብል ኣርእስቲ ምስ ካልእ ኣገዳሲ ትምህርትን ናይ ሕቶን መልስን ና...
Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.
Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
Release Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha
Hard-line cleric defies local officials? order to stop construction.
Chhattisgarh, India, August 31 (CDN) — Police in Sivaho…
Muslims said to use mistaken identity to stop activities of Christian who refused…
Muslims said to use mistaken identity to stop activities of Christian who refused…