Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Friday
Mar 12th
Home arrow Articles arrow Teaching arrow ኣምላኽ ሰብ ኣይኮነን (ካልኣይ ክፋል )
ኣምላኽ ሰብ ኣይኮነን (ካልኣይ ክፋል ) PDF Print E-mail
Monday, 26 January 2009

ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ካብ ዘሁ.23፣19 ከምኡውን 1ሳሙ.15፣29 ኣምላኽ ከም ዘይሕሱን ዘይጠዓስን፣ ሰብ ግን ከም ዝሕሱን ዝጠዓስን ርኢና ኔርና። ቀጺልና ከኣ ካልእ ኣምላኽ ሰብ ከም ዘይኮነ ዝምህር ሓሳባት ክንርኢ ኢና።  

  1. ኣምላኽ ነቲ ዝበሎ ዝገብርን ንዝተዛረቦ ዝፍጽምን እዩ። ዘሁ.23፣19

ንኣምላኽ ካብ ሰብ ዝፈልዮ ካልእ ነገር ንሱ ንዝበሎ ዝገብርን ነቲ ዝተዛረቦ ዝፍጽምን ምዃኑ እዩ። ኣምላኽ ከም ሰብ ብሕጽረት ጊዜ፣ ስእነት ዓቕሚ ወይ ካልእ ምኽንያት ንዝበሎ ካብ ምግባርን ንዝተዛረቦ ካብ ምፍጻምን ተዓንቂፉ ኣይፈልጥን እዩ። ንሱ ስለ ባሮቱን ሕሩያቱን ንባሕሪ ዝመቅል፣ ንሩባ ከም እምባ ዝኹምር፣ ብወኻዕታ ህዝቡ ንቀጽሪ ከተማ ዘፍርስ . . . እዩ። ሰብ ጊዜ ሓጺርዎን ዓቕሚ ስኢኑን ብዙሕ ካብቲ ክገብሮ ዝሓሰቦ ንጊዚኡ የወንዝፎን ከይገበሮ ይተርፍን እዩ፣ ኣምላኽ ግን ከምኡ ኣይኮነን።

 

እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ጎይታ፣ ሰብ ኣምላኽ ከም ዘይኮነ ኣጸቢቑ ይርድኦም ስለ ዝነበረ ንእንገብሮ ነገራት ኣምላኽ እንተ ፈቒድዎ ከምዚ ወይ ከምቲ ክንገብር ኢና ክንብል ከም ዝግብኣና ጽሒፎም ኣለዉ (ግብ.18፣21 ያእ.4፣15)ሰብ ንዝበሎ ናይ ምግባር ተኽእሎ እምበር ርግጽነት የብሉን። ኣምላኽ ሓይሊ እንተሂብዎ ጥራይ እዩ ነቲ ዝበሎ ኽገብሮ ዝኽእል። ኣምላኽ ግን ንዝበሎ ከም ዝገብሮ ርግጸኛ እዩ፣ ነቲ ዝበሎ ንኸይገብሮ ክኽልክሎ ዝኽእል ከኣ የለን። ስለዚ ከምቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተደጋጊሙ ተጠቒሱ ዘሎ ነቲ እንገብሮ ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ኾይኑ ጥራይ ከም እንገብሮ ክንእመን እምበር ኣብ ኢድና ብዘየለ ነገር ክንጀሃር ኣይግባእን እዩ። ፍቓድ ኣምላኽ እናፈለጥናዮ ንኸይድ እምበር ፈሊጥና ስለ ዘይንውድኦ ከኣ ‘ኣነ ድሌተይ እኳ ከምዚ እንተኾነ ግናኸ ፍቓድካ እምበር ፍቓደይ ኣይኹን' ኢልና ክንጽሊ ኣሎና (ሉቃ.22፣42 ፣ ግብ.18፣21)ፍቓድ ርእስኻ ምግባር እምበር ናትካ ፍቓድ ምህላው(ከም ሰብ ገለ ነገር ክትገብር ምድላይ) ሓጢኣት ኣይኮነን።

  1. "ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዝርኢ፣ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዝርኢ" 1ሳሙ.16፣7

እዚ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ዝተዛረቦ ዘረባ እዩ። ሳሙኤል ንጉስ ክቐብእ ናብ ቤት እሰይ ምስ ተላእከ በቲ ዝሓለፈ ናይ ሳኦል ተመኩሮ ኣብ እንዳ እሰይውን ነዊሕ ዝቑመቱ ሰብ ክቐብእ ዘለዎ ስለ ዝመሰሎ ንኤልያብ ክቐብኦ ምስ ሓሰበ እግዚኣብሄር እዚ ዘረባ'ዚ ተዛሪብዎ። ብርግጽ ሳኦል ካብ መንኩቡ ንላዕሊ ኣብ እስራኤል ካብ ዘሎ ኩሉ ሰብ እኳ ይነውሕ እንተነበረ እዚ ነቶም ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ዘሎ ጥራይ ክርእዩ ዝኽእሉ ሰባት

ዝተዋህበ መፈለጥታ እምበር እግዚኣብሄር ብምኽንያት ምንዋሕ ቁመቱ ስለ ዝመረጾ ኣይነበረን።

እቲ ኣምላኽ ንዝነዓቖ ክቐብእ ዝሓሰበ ነብይ ሳሙኤል ኣገልጋሊ ኣምላኽን ካብቲ ኣምላኽ ብእኡ ዝተዛረቦ ዘረባ ሓንቲኳ ናብ ምድሪ ዘየውደቐ ሓቀኛ ነብይን እዩ (1ሳሙ.3፣19)። በዚ ኣብዚ ክፍሊ ተገሊጹ ዘሎ ሓሳብ ግን ከም ሳሙኤል ዝበለ ብሉጽ ነብይ ምዃንውን ካብ ደረጃ ሰባት ኣውጺኡ ናብ ደረጃ ኣምላኽነት ከም ዘየብጽሓካ ንርኢ። ሳሙኤል ኣብ ቤት እሰይ ምስ ኣተወ "ንኤልያብ ርእዩስ፣ እቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ፣" ኢሉ (1ሳሙ.16፣6)። ሳሙኤል ንሳኦልን ኤልያብን ብምንዋሕ ቁመቶም ኣመሳሲሉ ንኤልያብ ክቐብእ ደልዩ ከኸውን ዝከኣል እዩ። እግዚኣብሄር ግን ንሳኦል ኮነ ብድሕሪኡ ንዝመጽእ ንጉስ ብልቦም ከም ዝመርጾም ነጊርዎ (1ሳሙ.16፣7)። ንሳኦል ልቡ ርእዩ ምስ መረጾ ከኣ ቁመቱ ንመሐበሪ ተጠቒሙሉ።

እዚ ኣምላኽ ልቢ ከም ዝርኢ ዝዛረብ ጥቕሲ ኣምላኽ ካብ ደጋዊ ትርኢትና ሓሊፉ ልብና ከም ዝርኢን እቲ ኣገዳሲ ነገር ልብና ምዃኑን እምበር ደጋዊ ኩነታትና ከም ዘይግድሶ ኣይዛረብን እዩ። ‘ኣምላኽ ልቢ እዩ ዝርኢ' ማለት  ንሱ ንኽልቲኡ ስለ ዝርእዮ ከምቲ ናይ ሰብ ብደጋዊ ነገር ከተታልሎ ኣይትኽእልን ኢኻ ማለት እዩ። ስለዚ እዚ ‘ኣምላኽ ልቢ እዩ ዝርኢ' ዝብል ጥቕሲ ነቶም ብግዳማዊ ኣነባብራኦም ንሰባት ዝዕንቅፍን ንኣምላኽ ዘጽርፍን ኣደብ ዘይብሉ ናብራ ዝነብሩ ሰባት ኣይምልከትን እዩ።

ሓደ ካብቲ ኣምላኽ ካብ ግዳማዊ ነገራትና ሓሊፉ ልብና ከም ዝርኢ ዝምህረና ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ እዮብ እዩ። እዮብ እምነቱ ክትፍተን ከላ ብዝበጽሖ መግደራ ብስነ መለኮታዊ መምዘኒ ክርአ ከሎ  ዕሽነት ክበሃል ዝኽእል ዘረባ እዩ ተዛሪቡ። ብዙሕ  ‘ዘየስተውዓሎን ዘይፈልጦን' ነገር ከም ዝተዛረበ ንሱ ባዕሉውን ተኣሚኑ ኣሎ (እዮ.42፣3)። ዘረባ እዮብ ንገለ መምህራን ‘ዝፈራህክዎ መጺኡኒ' ስለ ዝበለ'ዩ እዚ ኩሉ መከራ መጺእዎ ክሳብ ምባልውን ኣብጺሕዎም እዩ። ብኣንጻሩ ኣዕሩኽ እዮብ ብስነ መለኮታዊ መምዘኒ ‘ምግላጽ' ክበሃል ዝኽእል ሓሳባት ተዛሪቦም። ሰባት ስነመለኮትን ሰረተ እምነትን ካልእ ግዳማዊ ነገራትን ክርእዩ ከለዉ እግዚኣብሄር ግን ናብራን ልቢን ይርኢ ስለ ዝነበረ ኣብ መወዳእታ መጽሓፍ እዮብ፣ "እግዚኣብሄር ንእዮብ እዚ ምስ ተዛረቦ፣ ንኤሊፋዝ ቴማናዊ በሎ፣ ብዛዕባይ ከምቲ እዮብ ባርያይ ዝገበሮ ጌርኩም፣ ቅኑዕ ስለ ዘይተዛረብኩም፣ ኣባኻን ኣብ ክልቲኦም መሓዙትካን ኩራይ ተቓጺሉ እዩ። . . . እዮብ ባርያይ ኪጽልየልኩም እዩ፣ ንእኡ ክቕበሎ እየ። ከም እዮብ ባርያይ ጌርኩም ብዛዕባይ ቅንዕና ስለ ዘይተዛረብኩም፣ ምእንትኡ ኢለ ከምቲ ንዕሽነትኩም ዚግባእ ኣይክገብርን እየ። ሽዑ ኤሊፋዝ ቴማናዊ፣ ቢልዳድ ሹዋዊ፣ ሶፋር ናዕማዊ ኸይዶም ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። እግዚኣብሄር ከኣ ንእዮብ ተቐበሎ።" (እዮ.42፣7-9) ይብል።

ሰብ ንስነ መለኮትን ቅኑዕነትን ናይቲ ዘረባ ክርኢ ከሎ ኣምላኽ ግን ካብ ቃላት ኣፎም ሓሊፉ ኩነታት ልቦም ይርኢ ስለ ዝነበረ እዮብ ብዛዕብኡ ቅኑዕ ከም ዝተዛረበ መስኪሩሉ። እዮብ ብዛዕባ እግዚኣብሄር እንታይ እዩ ቅኑዕ ተዛሪቡ? ክሳዕ ምዕራፍ 37 እዮብ ገለ ጽቡቕ ዘለዎ ብዙሕ ናይ ስንፍና ቃላት ተዛሪቡ እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ልቡ ዝነበረ ነገራት ኣውጺኡ። ካብ ምዕራፍ 38-41 እግዚኣብሄር ምስ ተዛረቦ ግን ቀደም ብሰማዒት እዝኒ ጥራይ ሰሚዑ ምንባሩ ካብኡ ተበጊሱ ከኣ ዘየስተውዓሎ፣ ንዕኡ እምብዛ ዘገርምን ዘይፈልጦን ነገር ከም ዝተዛረበ ስለዚ ከኣ ንርእሱ ከም ዝፈንፈነን ኣብ ሓመድን ሓመኹሽትን ኮይኑ ከም ዝተነስሐን ንርኢ (እዮ.42፣1-6)። ኣዕሩኽ እዮብ እምበኣር እቲ ኩሉ ዝተዛረብዎ ጽቡቕ ነገራት ክንዲዘን እዮብ ዝተዛረበን ውሑዳትን ቅኑዓትን ዘረባ ክበጽሓ ስለ ዘይከኣላ እየን ኣምላኽ ብእኦም ከም ዝኾረየን እዮብ ክጽልየሎም ከም ዘድልዮምን ተነጊርዎም። ልቦምን ኣፎምን በበይኑ ኮይኑ ቅኑዕ ብዘይ ምዝራቦም ኩራ ኣምላኽ ኣባታቶም ነዲዱ። ሎሚውን ብዙሓት ሰበኽቲን ሰዓብቶምን እዮብ ብኣሉታዊ ምእማን (Negati፣e Confession) መከራ ከምዝመጾ  ይዛረቡ እኳ እንተኾኑ ንመጽሓፍ እዮብ ክሳብ ምዕራፍ 42 እንተ ኣንቢብናዮ ግን ነዚ ኣምላኽ ዝነኣዶን ነቲ ዝነበሮ ዕጽፊ ጌሩ ዝመለሰሉን ሰብኣይ ከም ኣዎንታዊ ምእማን ብዘይ ምእማኑ መከራ ዝመጾ ጌርና ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እዮብ ክዛረብ ከሎ እግዚኣብሄር ከም ዝተሓጎሰሉን (እዮ.42፣7-9) ብትዕግስቱ ኣብነት ከም ዝኾነን (ያእ.5፣11) እዩ ዝዛረብ። እዮብ ነቲ ብዘይ ፍላጥ ዝተዛረቦ ብዙሕ ዘረባ ዕሽነት ኣብ ምዕራፍ 42 ምስ ተነስሓሉ ስለ ዝተሓድገሉ ብዛዕባ እዮብ ክንዛረብ ከሎና ኣብቲ እግዚኣብሄር ለውሃት ዝመልአን ደንጋጽን ስለ ዝኾነ ዝገበረሉ መወዳእታ ከነተኩር ይግባእ። መጽሓፍ እዮብ ከምቲ ተደጋጊሙ ዝተገብረ "እቲ ዝፈራህክዎ ነገር መጺኡኒ፣ እቲ ዝስቀቖ ዝነበርኩ ኸኣ ወሪዱኒ" እትብል ጥቕሲ ወሲድና (እዮ.3፣25) ኣዎንታዊ ኣተሓሳስባ ንክንምህረሉ ኣይተጻሕፈን። ብምስትውዓል እንተ ኣንቢብናዮ 1. ኣምላኽ ሰብ ከም ዘይኮነ (እዮ.38-41) 2. ኣምላኽ ካብ ዘረባኻ ሓሊፉ ንመንፈስካ ከም ዝርኢ (ዝሰምዕ) (እዮ.42፣7-9)፣ 3. ሰብ ብዘይ ምኽንያት ሓጢኣትውን ሕማምን መከራን መግደራን ክበጽሖ ከም ዝኽእልን 4. እዚ ሎሚ ዘሎ ናይ ብልጽግና ወንጌል ካብ ኣምላኽ ከም ዘይኮነን ዝምህር መጽሓፍ እዩ። ዘይቅኑዕ ልቢ ሒዝካ ብዙሕ መንፈሳዊ ዝበሃል ፍልጠት ክትዛረብ ዝከኣል እዩ። እንተኾነ ግን ነቶም ደገ ዝርእዩ ሰባት እምበር ነቲ ደገን ውሽጥን ዝርኢ ኣምላኽ ከተታልል


 

ኣይከኣልን እዩ። ምኽንያቱ ኣምላኽ እንታይ ኢልካ ጥራይ ዘይኮነስ ስለምንታይ ከምኡ ኢልካ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ኣምላኽ ሰብ ከም ዘይኮነ ፈሊጥና ምስኡ ብንጹህ ልቢ ክንመላለስ ይግብኣና።   ይቕጽል . . .

Comments
Add New Search
Write comment
Name:
Email:
 
Title:
Please input the anti-spam code that you can read in the image.
{poweredby} {poweredby}

3.26 Copyright (C) 2008 Compojoom.com / Copyright (C) 2007 Alain Georgette / Copyright (C) 2006 Frantisek Hliva. All rights reserved."

 
< Prev   Next >
 
  • ኣገልገልቲ
    ኣገልገልቲ እንታይ ይብሉ
    Letter5

    ሰክቡራትን ፍትዋትን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንዓኻትኩም ይኹን፣ እዚ ዘለናዮ እዋን....

  • ደቀንስትዮ
    ደቀንስትዮ እንታይ ይዛረባ? Welcome

    ክቡራትን ፍቑራትን ኣሕዋትን ኣዴታትን ኣዋልድ መንእሰያትን ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንዓኻትክን ይኹን። ኢሂን ምሂን እትብላሉ ብዛዕባ መንፈሳውን.........

  • መንእሰያት
    ካብ መንእሰያት ናብ መንእሰያት
    Letter3

    ሰላም ሰላም ንዓኻትኩም ኣብ ፈቐዶ ቦታታትን ሃገራትን ዘለኹም መንእሰያት። ጸጋን ሓጎስ ኣምላኽን ምሳኹም ይኹን። እንሆ ሓሳብኩም እትገልጽሉ ህርመት ልብኹም እትዛረቡሉ ርእይቶኹም ከኣ እትህቡሉ መድረኽ ተኸፊቱልኩም........

Advertismnet!

Our Favorite Links

www.bible.org
Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

Christ for all Nations, Cfan
cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
http://www.cfan.org
 
Release Eritrea!
release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha

Who's Online

We have 4 guests online
  • tigrina
  • English

Agelglot.com

Compassdirect.org

Syndicate

Video

EGMM pro Mezmur

EGMM PRO MEZMUR  

EGMM pro Sbket

EGMM PRO SBKET  

EGMM pro Books»

EGMM ORO BOOKS 

Active Quiz»

Active Quiz 

EGMM PRO REDIET»

EGMM PRO REDIET