Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Friday
Mar 12th
Home arrow Articles arrow Teaching arrow ሸውዓተ ናይ መወዳእታ ቃላት የሱስ
ሸውዓተ ናይ መወዳእታ ቃላት የሱስ PDF Print E-mail
Saturday, 27 December 2008

ሰባት ኣብ ኣፍሞት ምስ ኮኑ ዘውጽእዎ ናይ መወዳእታ ቃላት ካብ መዓሙቕ ልቦም ዝመንጨወ ኢዩ። እቲ ውሩይ ፈረንሳዊ ጀነራል ናፖልዮን ቦናፖርተ ክመውት እንከሎ "ኣነ  ቅድሚ ጊዜይ ይመውት ኣለኹ፣ ኣካላተይ ድማ ናብ ምድሪ ክምለስ ኢዩ" ከም ዝበለ ይንገር። ፈረንሳዊ ጸሓፊ ቮልቴይር፣ ኣብ ናይ ሞት ዓራቱ ኮይኑ ንሓኪሙ፣ "ብኣምላኽን ብሰባትን ዝተረሳዕኩ ኢየ። ንዕድመይ ንሽዱሽተ ወርሒ እንተ ኣናዊሕካለይ፣ ፍርቂ ካብ ብጽሒተይ ክመቕለካ ኢየ" ከም ዝበሎ ይዝንቶ። የሱስ'ውን ኣብተን ናይ መወዳእታ ሽዱሽተ ቅድሚ ሞቱ ዝነበራ ሰዓታት፣ ሓዲግ ሰማይ ሓዲግ ምድሪ ተንጠልጢሉ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ስቓይ ኮይኑ፣ ሸውዓተ ንውሽጣዊ መንነቱ ዝገልጽ ሓሳባት ተዛሪቡ።

ስቕለት ብልክዕ ንሰብ ካብ ትንፋሱ ዝፈሊ መቕጻእቲ ኢዩ ኔሩ። ክብደት ናይ ምሉእ ኣካላት ብመስማር ኣብ ዝተሽኽለ ኣዕዳው ክንጥልጠል ከሎ ኣብ ኣፍልቢ ከቢድ ቃንዛ የስዕብ። ንናይ ኣፍልቢ ጭዋዳታት ብምልማስ ንምስትንፋስ ኣዝዩ ከቢድ ይገብሮ። እቲ እተሰቕለ ሰብ ኣየር ንውሽጢ ክስሕብ እኳ እንተኽኣለ ንደገ ከውጽኦ ግን ይኽእል ኣይነበረን። ኣየር ንደገ ከውጽእ ምስ ዝደሊ፣ ነቲ ኣብ ኣፍልቡን ኣብ ኣእዳውን ዘሎ ጸቕጢ ንምጉዳል በእጋሩ ተደጊፉ ንኣብራኹ ክዝርግሕን ንኣካልቱ ንላዕሊ ሓፍ ከብልን ኣለዎ። ግናኽ በዚ ተግባራትዚ ኣብተን ብመስማር ኣብ ዝተሸኽላ ኣእጋር ዝስዕብ ቃንዛ ቀሊል ኣይነበረን። ሮማውያን ነቲ ስቕያት ከሕጽርዎ ምስዝደልዩ ንእግሩ ይሰብርዎ። በዚ ድማ ነእጋሩ ምዝርጋሕን ንኣካላቱ ትኽ ምባልን ምስ ኣብ ሓጺር እዋን ብሕጽረት ኣየር ይመውት። እቶም ወተሃደራት ኣእጋር ናይ'ቶም ምስ የሱስ ዝተሰቕሉ ሰረቕቲ ሰይሮሞም ናይ የሱስ ኣእጋር ግን ሂወቱ ሓሊፋ ብምጽንሓ ኣይተሰብራን። (ዮሃ. 1931,33)በዚ ድማ እቲ ገለ ካብ ኣዕጽምቱ እኳ ኣይተሰብረን ዝብል ትንቢት ተፈጺሙ። (ዮሃ. 1931,33) ስለዚ ድማ ኢዩ ነተን ናይ መወዳእታ ቃላት ምስ ነፍሲ ወከፍ ትንፋሱ እናተቓለሰ ዘውጽአን።


ኣእዳውን ኣእጋሩን ብመስማር ምስቲ መስቀል ክወግእዎ ከለዉ "ኣቦይ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን ኢዮም እሞ ሕደገሎም" በለ።(ሉቃ.2334) ዝበዝሑ ካብ ሰረቕቲ፣ ዘረፍቲ፣ ዓመጽቲ...  እንተዝስቀሉ ዓው ኢሎም ምተጻረፉን ምተራገሙን። የሱስ ግና ብኣዝዩ ዘደንቕ ሕድኣትን ክግለጽ ብዘይክእል ፍቕርን ስለቶም ገፋ ናብ ኣቦ የማልድ ነበረ። ከምቲ ጀይ. . ሬይል፣ ፍሉጥ እንግሊዛዊ ጳጳስ ናይ ሊቨርፑል፣ ዝገለጾ "ደም ናይቲ ኣዝዩ ዝኸበረ መስዋእቲ ክፈስስ ከሎ፣ እቲ ካብ ኩላቶም ሊቀ ናት ኣዝዩ ዝበለጸ ሊቀ ናት ከማልድ ጀሚሩ"  የሱስ፣ ፍጹም ሰብ እኳ እንተነበረ ፍጹም ኣምላኽ ድማ ስለዝነበረ ነቶም ገፋ ክኹንኖምን ብትንፋሱ ፍጹም ከጥፍኦምን ይኽእል ነበረ። ግና ከምኡ ተዝገብር ኹሉ እቲ ስቅያቱ እንታይ ፍረ ምሃበ? ከድሕን እምበር ክፈርድሲ ኣይመጸን። ስለ ሓጥያተኛታት ገዛእ ርእሱ በጃ ክህብ ኢዩ ሓርዩ። ስለቶም ዘጋፍ ምጽላይ ብዓቕሚ ደቂ ሰባት ዝከኣል ኣይኮነን። የሱስ እቲ ምስ ኣቦ ዝነበሮ ጥቡቕ ርክብ ኣኽኢልዎ። ነዚ ብምግባሩ ድማ ነቲ ትንቢት ናይ ነቢይ ኢሳያስ "ነፍሱ ንሞት ስለ ዝወፈያ፣ ምስ በደለኛታት ከኣ ስለ እተቖጽረ ..." (ኢሳ.5312) ክፍጽሞ ክኢሉ።

 

ብእምነትን ጣዕሳ ዝመልኦን ሓሳባት ናይ ሓደ ካብቶም ምስኡ ተሰቒሎም ዝነበሩ ገበርቲ ክፉእ ተተንኪፉ ከምዚ በሎ "ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ክትኸውን ብሓቂ ይብለካ ኣለኹ።" (ሉቃ. 2343) ኣምላኽ በቶም ርእሶም ዘትሕቱ ባሕ ከምዝብሎ ዛንታ ናይዚ ዝተጣዕሰ ገባሪ ክፉእ ይምህረና። እቲ ሕዝቢ፣ ሊቃውንቲ ካሕናት፣ ወተሓደራትን እቲ ምስኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ገባሪ ክፉእን ኩላቶም ንየሱስ ይጸርፍዎ ነበሩ። (ሉቃ.2335,39) ብርግጽ መንነት ናይ የሱስ ክፈልጡዎ ኣይከኣሉን። እቲ ካልኣይ ገባሪ ክፉእ ግና ፍልይ ዝበለ ምርዳእ ኔርዎ። (ሉቃ. 2340,43)ነቲ ዝፈጸሞ ገበንን ቅኑዕነት ናይቲ ዝተዋህቦ ፍርድን ብምርኣይን ናይ የሱስ  ንጽሕና ብምስትውዓልን (ጥቕሲ 41) ከም መድሓኒ ተቐቢልዎ። (ጥቕሲ 42) የሱስ ድማ ጣዕስኡን እምነቱን ብምርኣይ ኣብ ምሉእ ዘመኑ ሓሲብዎ ዘይፈልጥ ተስፋ ሂብዎ። እቲ ገባሪ ክፉእ፣ ንየሱስ፣ ኣብታ መንግስቱ ክተክል ዝመጸላ መዓልቲ ክዝክሮ ኢዩ ሓቲቱ ኣብ ዓሰርተ ዓመት፣ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት፣ ምናልባት'ውን ሓምሳ ዓመት። የሱስ ግና በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ገነት ከም ዝወስዶ ኣረጋጊጽሉ። "ገነት" ዝብል ቃል መበቆሉ ካብ ፐርሽያ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ናይ ሓጎስ ስፍራ ማለት ኢዩ። ኣብ ናይ ግሪኽ ትርጉም ብሉይ ኪዳን ማለት ሰፕቱጅያንት፣ ነዚ ቃል ንገነት ኤደን ንምግላጽ ተጠቂሙሉ ኣሎ። ኣብ 2ቆረ.1234 ከምኡውን ራኢ.27 ንመንግስተ ሰማይ የመልክት። ይቕረ ምባል ንየሱስ ክሳብ ክንደይ ከምዘሕጉሶ ዛንታ ናይዚ ገባሪ ክፉእ የርእየና። ስለዚ ንምሕረት ንፈውስን፣ ስፍራ ኣብ ገነት ንምውሓስን ብትሕትና ናብ የሱስ ንቕረብ።

 

ኣብተን ናይ መወዳእታ ሰዓታት'ውን የሱስ ብዛዕባ ካልኦት ኢዩ ዝሓስብ ዝነበረ። ሓደ ካብኡ ብዛዕባ ኣዲኡ ኢዩ ከይትስእንን ብዝኾነ ከይትሽገርን የሰናድኣላ ኔሩ። "የሱስ ነዲኡን ነቲ ዘፍቅሮ ወደ መዝሙርውን ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉን ምስ ረኣየ፣ ነዲኡ፣ ኣቲ ሰበይቲ፣ እነሆ ወድኺ በላ። ነቲ ወደ መዝሙር ከኣ እንሃ ኣዴኻ በሎ። እቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽኡ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ። (ዮሃ.1926,27)

 

ኣብ ጊዜ መከራ ምሉእ ብምሉእ በቲ መከራ ንወሓጥ እሞ፣ ንኹሉ ንርስ ንእሽቶ ቃንዛ ናይ ኩርምትን ሕማም ርእስን ከጋጥመና ከሎ ስምትና ምቁጽጻር ክሳዕ ንስ ተነቀፍቲ ንኸውን። ኣብዚ ግን የሱስ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ብዛዕባ ኣዲኡ ክግደስን ኩነታት ከጣጥሓላን ክንርኢ ኣዝዩ ዘገርም ኢዩ። ማርያም፣ ሓፍቲ ማርያም፣ ማርያም መግደላዊትን ዮሃንስን ኣብ እግሪ እቲ መስቀል ነበሩየሱስ'ውን ከጸናን ምፈተወ ኔሩ። ሽሕ' ይቑንዞ፣ ንምስትንፋስ ኣዝዩ ይሽገርን ነፍሱ'ውን ትስቀን እንተነበረት፣ ንሓዘንን እዞም ክሳዕ መወዳእታ ዝሰዓብዎን እተኣመንዎን ስቕ ኢሉ ክርኢ ኣይከኣለን። እኳ  ደኣ ኣብ ወንጌላት ከም ንርእዮ የሱስ ኩሉሳዕ፣ ነቶም ናብኡ ዝመጹ፣ ደንጋጽን ሓላይን ምዃኑ ኢዩ። (ማቴ.936,1414,1532,2034

)

ማርያም ኣዲኡ፣ ወዳ ከም ገበነኛ ክግረፍን ክሳቐን ካብ ምርኣይ፣ ዝከኣል ተዝኸውን፣ ኣብ ክንዲ ወዳ፣ ንገዛእ ርእሳ ምስቓይ፣ ብሓጎስ ምተቐበለቶ። ብሰንኩ ብዙሕ ከም እተሳቐየት ዝፍለጥ ኢዩ። ስምኦን ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ንወዳ ክሓቑፎ እንከሎ፣ ንማርያም፣ እቲ ውሉዳ ሓንቲ መዓልቲ ሴፍ ናብ ነፍሳ ከም ዘእቱ ኣዊጁላ ነበረ። (ሉቃ.235) ማርያም መበለት ብምንባራ፣ የሱስ፣ እቲ ቦኽሪ ውላዳ፣ ዘድልያ ክምልእን ገለ ከኣ ከይጎድላ ክከታተልን ሕጋዊ ሓላፍነት ኔርዎ። ንየሱስ ግን ካብ ሓላፍነት ሕልፍ ዝብል ኢዩ። ቃንዛ ናይ ማርያም ይስምኦን ንድሕነታ ድማ ብቐረባ ይከታተልን ነበረ። ሓዲግ ሰማይን ምድርን ተንጠልጢሉ ድማ እቲ ንኣኣ ዝሓሸ ነገር ገበረ። ናብ ዑቕባ ወደ መዝሙሩን ዘፍቕሮ ርኩን፣ ዮሃንስ፣ ሃባ። (ዮሃ.1323) ዮሃንስ፣ ንማርያም ልክ ከም ኣዲኡ ጌሩ ክኸናኸና ከም ዝኾነ ይፈልጥ ነበረ። (ዮሃ.1927)

ልብናዶ ከም ናይ ማርያም ድንጋጸ ተመሊኡ ኣሎ? ስቓይ ናይ'ዞም ኣብ ከባቢና ዘለው ክንካፈል ፍቓደኛታት ዲና? ብዙሕ ጊዜ "ንኻልኦት ክንሕግዝ ክንብል ነብስና ክንጎድእ የብልናን ግና ሓይልና ክንዕቅብን ምሒር ካብ ምድንጋጽ ክንቁጠብን ኣለና" ክበሃል ሰሚእና ኣሎና። ግናኸ ልዕሊ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ውድቀት ንምእላይ ነዛ ዕግርግር ዝመልኣ ዓለም ገለ ፍቕሪ ክነካፍል ኣይኮናን ተጸዊዕና?

 

ድሕሪ ሓሙሽተ ሰዓትን ፈረቓን ብርቱዕ ናይ ስቕያት ጊዜ፣ ኣብቲ ዝለዓለ ጥርዚ ናይ ቃንዝኡ፣ ጎይታ ከምዚ በለ "ኣምላኸይ ኣምላኸይ፣ ንምንታይ ሓደግካኒ?" (ማቴ.2746)

ነዘን ጎይታ ኣብ መስቀል ዝበለን ቃላት እዚአን፣ ወንጌላዊ ማቴዎስ ክጽሕፍ ከሎ፣ የሱስ በቲ ካብ ቅድሚ ምስራት ዓለም እተመደበሉ፣ ካብ እግዚኣብሄር ብምፍላዩ ከም እተሳቐየ የረድኣና። ኣብ መንጎ የሱስን ኣብኡን ዝነበረ ዓሚቕ  ጨሪሱ ተቋሪጹ ኣይፈልጥን ነበረ። በዚ ድማ የሱስ ብኣብኡ ከም እተሓድገ ክስም ርግጽ ነበረ። ኣቦ ብርግጽ ብሰንኪ ሓጥያትና ራሕሪሕዎን ገጹ መሊሱሉን ነበረ። እዚ ድማ ከምቲ ነቢይ ኢሳያስ ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ተነቢይዎ ዝነበረ ኢዩ። (ኢሳ.5346)

ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፣ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፣ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚኣብሄር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቛጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገብንና ቖሰለ፣ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፣ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፣ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፣ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና። ኹላትና ኸም ኣባጊዕ ተባረርና፣ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለ፣ እግዚኣብሄር ከኣ ኣበሳ ኹላትና ኣብኡ (ኢሳ.534-6)

ንሱ ንሓጥያትና ኣብ መስቀል ተሰኪምዎ ክነሱ፣ እግዚኣብሄር ገጹ መሊሱሉን፣ ቁጥዐኡ ኣብ ልዕሊኡ ነዲዱን። እዚ ፍጻመ እዚ ክንድምንታይ ከም ዘሳቐዮ ክንዕቅኖ ኣይንኽእልን ኢና ግና ኣብ ጌተሰማኔ ብዝረኸቦ ሕሉፍ ቃንዛ ክንርድኦ ንኽእል ኢና። (ማር.1433, ሉቃ.2241,44)

 

የሱስ ምስ ደቀመዛሙርቱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን "ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኽቱ በጃ ከሕልፍ ካብዚ ዝዓቢ ፍቕሪ ይልቦን" ኢልዎም። (ዮሃ.1513) ሓዋርያ ዮውሃንስ'ውን ኣብ ቀዳማይ መልእኽቱ ነዚ ሓሳብ' ደጊሙ "ንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፣ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ ኣሎና፣ ንሕና'ውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ከነሕልፍ ይግብኣና ኢዩ" ብምባል ኣስፊርዎ ይርከብ። (1ዮሃ.316) ህይወትካ ንኻልኦት ኣህሊፍካ ምሃብ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ግናኸ ምናልባሽ ወላ ህይወትና ንምሃብ ቅድሚ ምሕሳብና፣ ዝያዳ ጊዜ፣ ፍቕርን፣ ሓልዮትን ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለው ክንህብ ንኽእል ኢና።

 

ኣብ ኣጋ ምሟቱ፣ የሱስ፣ ብዝነቐጻ ከናፍሩ"ጸማእኩ" በለ።(ዮሃ.1928)

የሱስ ኣምላኽ ኢዩ ኔሩ እግዚኣብሄር ወዲ ምእንቲ ሓጥያትና ኣብ መስቀል ሞይቱ። ግናኸ የሱስ ፍጹም ሰብ ከኣ ኢዩ ኔሩ። ከም ሰብ፣ ከማና ጠምዩ፣ ጸሚኡ፣ ደኺሙ፣ ከምኡ ክብል ድማ ኣይተጠራጠረን፣ ኣብ መስቀል ጸማእኩ ብምባል ድማ ካልእ ኣብ መዝሙር ዳዊት (6921) ዝርከብ ትንቢት ፈጸመ። እቲ ምንጪ ማይ ህይወት ንደቂ ሰባት ኮይኑ ዝመጸሲ ሓንቲ መዓልቲ ማይ ጸሚኡ ክሳቐ ኢዩ ኢሉስ መን ኮን ይሓስቦ?

የሱስ ከም ሰብ ስለ ዝጠመየ፣ ዝጸምአ፣ ዝተሓደገን ንኹሉ ጸገምና ክርድኣልናን ክድግፈናን ይከኣሎ ኢዩ። ኣብ ጊዜ መከራና ድማ ከጸናንዓና ይኽእል ኢዩ (እብ.218,415,16)

 

መንፈሱ ቅድሚ ምፍላያ፣ የሱስ፣ ተፈጸመ ኢሉ ጨደረ (ዮሃ.1930) ሰለስቲኡ ካብ ወንጌላት፣ የሱስ ቅድሚ ምሟቱ ዓው ኢሉ ከም ዝጨደረ ይዛረብ ኢዩ። ግናኸ ዮውሃንስ ጥራይ ኢዩ እንታይ ከም ዝበለ ኣስፊርዎ ዝርከብ። መብዛሕትኡ ጊዜ እተሰቕለ ሰብ ኣብ ጊዜ ሞቱ ዓው ኢሉ ክጭድር ዘኽእሎ ሓይሊ ኣይረኽብን ኢዩ። የሱስ ግን ብዓውታ ጨዲሩ። ግን ዓውታ ናይ ሞት ዘይኮነ ዓውታ ናይ ዓወት ኢዩ ኔሩ። ነቲ ዝበለጸ ዓወት ተጎናጺፉ ነበረ። ንእግዚኣብሄር ብምልኣት ብፍጽምና ምእዛዙን ኣብ መስቀል ብምሟቱን ሽኡ ደጌታት መንግስተ ሰማይ ተኸፊቱሉ። ነቲ ንደቂ ሰባት ካብ እግዚኣብሄር ፈልይዎም ካብ ሕላውነት ኣምላኽ ከልኪልዎም ንዝነበረ ቀጽሪ ኣፍሪስዎ። ሕጂ መገዲ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንጹር ኢዩ እንታይ ኢና እሞ ክንገብር? ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል "ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዝመጹ ኩሉ ጊዜ ምእንትኦም ክልምን ዝነብር ስለ ዝኾነ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል ኢዩ።" (እብ.725) ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ስፍራ ንኽንረክብ ምእንቲ ንዓዮ ዕዮ የልቦን። (ኤፌ.28) የሱስ ፈጺምዎ ኢዩ። ንኹሉ ሓጥያትና ይቕረ ክብለልናን ንሕተቶ እሞ ሎሚ ምስ ኣቦ ንተዓረቕ፣ ወላ' ኣብኡ እንተዘይሀለና፣ ካብ ሎሚ ጀሚርና ንመንግስቲ ኣምላኽ ክነስተማቕር ንኽእል ኢና። (ዮሃ.738)

ነፍሱ ክትወጽእ እንከላ የሱስ ደጊሙ ጨደረ "ኣቦይ ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቁባ ኣለኹ ኢሉ ጨርሔ" (ሉቃ.2346) እዘን ናይ መወዳእታ ቃላት የሱስ፣ ምስቲ ኣይሁዳውያን ኣዴታት ንደቀን ቅድሚ ምድቃሶም ክጽልይዎ ዝምህርዎም ጸሎት ይመሳሰል ኢዩ። እዚ ጸሎት መግለጺ ምሉእ ትውክልቲ ኣብ ኣምላኽ ኢዩ። ካብቲ ንጉስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ እግዚኣብሄር ኣብ ጎኑ ከምዝኾነ ብምእማን ንመዓልትታቱ ናብኡ ዘማዕቆበ (መዝ.3113) ዝመጸ ኢዩ። የሱስ ንርእሱ ናብ ኢድ እግዚኣብሄር ብምህላፍ ዓረፈ ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ዝበለጸ መደብ መዲቡሉ ከም ዘሎ ይፈልጥ ነበረ። ብርግጽ የሱስ ድሕሪ ስቅያቱ፣ ኣቦ ካብ ሞት ከም ዘተንስኦን ኣብ ልዕሊ ኩሉ ልዕል ከም ዘብሎን ይፈልጥ ነበረ። ኩሉ ጊዜ የሱስ ብዛዕባ እቲ ዝጽበዮ ዝነበረ ስቅያት ንደቀ መዛሙርቱ ክነግሮም እንከሎ፣ እቲ ዝስዕቦም ክብሪ ድማ ይነግሮም ነበረ። (ማቴ.1621, 1719, 1722,23) እቲ ተስፋ ናይዚ ክብሪ ድማ እዩ ንየሱስ ሓይሊ ኣዕጢቑ ብመከራ ክሳዕ መወዳእታ ክዕገስ ዘኽኣሎ። (እብ.1212)

ንሕናኸ፣ ኣብ ጊዜ መከራ፣ ኩሉ ጸልማት ክመስል ከሎ፣ ተስፋ ምቑራጽ ክኸበና ከሎ፣ ናብ ኣምላኽ ተመሊስና ንርእስና ኣብቲ ናይ ፍቕሪ ሓለዋኡ ነማዕቁብ ዲና? ብሉጽ ነገራት ንዓና ከም ዝዓቆረልና ንኣምኖ ዲና? ንምንታይ ሎሚ ንህይወትና ኣብ ኣዕዳው ዘይነንብራ፣ ሞገሱ ኣባና ክነብርን ክባርኸናን ይደሊ ኣሎ። ስለዚ ንምንታይ ንጽበ? ከምዚ ኢልካ/ ናብ ኣምላኽ ክትጽልይ/ ትኽእል/ሊ፣-

 

እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ በደለይ ይፈልጥ፣ ብሰንኩ ክኹነን ምተገብኣኒ፣ ግናኸ ኣብ ክንዳይ ንወድኻ የሱስ ኮነንካዮ፣ ስለ ስቅያቱን ኣብ መስቀል ስለ ምሟቱን የመስግነካ። ኩሉ ሓጥያተይ ይቕረ ክትብለለይ ይልምነካ። መንፈስካ ሓበኒ፣ ሓድሽ ርክብ ምሳኻ ክጅምር ሎሚ ኣኽእለኒ። ክስዕበካ ይደሊ እየ፣ ድምጽኻ ክሰምዕን ፍቓድካ ክገብርን። ካብዚ ሰዓት ጀሚረ ገዛእ ርእሰይ ኣብ ኣገልግሎትካ የእቱ። ኣሜን

Comments
Add New Search
Write comment
Name:
Email:
 
Title:
Please input the anti-spam code that you can read in the image.
{poweredby} {poweredby}

3.26 Copyright (C) 2008 Compojoom.com / Copyright (C) 2007 Alain Georgette / Copyright (C) 2006 Frantisek Hliva. All rights reserved."

Last Updated ( Saturday, 27 December 2008 )
 
< Prev   Next >
 
  • ኣገልገልቲ
    ኣገልገልቲ እንታይ ይብሉ
    Letter5

    ሰክቡራትን ፍትዋትን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንዓኻትኩም ይኹን፣ እዚ ዘለናዮ እዋን....

  • ደቀንስትዮ
    ደቀንስትዮ እንታይ ይዛረባ? Welcome

    ክቡራትን ፍቑራትን ኣሕዋትን ኣዴታትን ኣዋልድ መንእሰያትን ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንዓኻትክን ይኹን። ኢሂን ምሂን እትብላሉ ብዛዕባ መንፈሳውን.........

  • መንእሰያት
    ካብ መንእሰያት ናብ መንእሰያት
    Letter3

    ሰላም ሰላም ንዓኻትኩም ኣብ ፈቐዶ ቦታታትን ሃገራትን ዘለኹም መንእሰያት። ጸጋን ሓጎስ ኣምላኽን ምሳኹም ይኹን። እንሆ ሓሳብኩም እትገልጽሉ ህርመት ልብኹም እትዛረቡሉ ርእይቶኹም ከኣ እትህቡሉ መድረኽ ተኸፊቱልኩም........

Advertismnet!

Our Favorite Links

www.bible.org
Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

Christ for all Nations, Cfan
cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
http://www.cfan.org
 
Release Eritrea!
release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha

Who's Online

We have 14 guests online
  • tigrina
  • English

Agelglot.com

Compassdirect.org

Syndicate

Video

EGMM pro Mezmur

EGMM PRO MEZMUR  

EGMM pro Sbket

EGMM PRO SBKET  

EGMM pro Books»

EGMM ORO BOOKS 

Active Quiz»

Active Quiz 

EGMM PRO REDIET»

EGMM PRO REDIET