Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Friday
Sep 10th
Home arrow Articles arrow Literature arrow ኣብቲ ማዕበል
ኣብቲ ማዕበል PDF Print E-mail
Tuesday, 23 September 2008

Imageከምቲ ልሙድ መደብ ናይ ሰንበት ሒደት መዝሙር ምዝማሮም፣ እቲ ናይታ ቤተክርስትያን ጓሳ ማሕበር ተሲኡ ስብከቱ ቅድሚ ምቕራብ ንሓደ ኣብታ ምሸት ተዓዲሙ ዝመጸ ጓሻ ኣላለዮም።  እቲ ጓሳ ማሕበር ነቲ ጉባኤ እዚ ሰብ እዚ ኣዚዩ ዘፍቅሮ ዓርኩ ምዃኑ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ባዕሉ ከላልን ሰላምታ ከቕርብን ነቲ ጉባኤ ዝኸውን መልእኽቲ እንተለዎ እውን ከመሓላልፍ ምኻኑ ነቲ ጉባኤ ሕበሮ። ብመሰረት እቲ ዕድመ ኸኣ እቲ ዓቢ ሰብኣይ ናብ መድረኽ ደየበ ከምዚ ክብል ከኣ ዘረባ ጀመረ።

"ኣቦን ወድን ከምኡውን ዓርኪ ወዱ ሓቢሮም ብባሕሪ ይኸዱ ነበሩ" ዘረብኡ ብምቕጻል "ናብቲ ገምገም ባሕሪ ከይበጽሑ ኸኣ ብርቱዕ ማዕበል ኣጓነፎም። እቲ ማዕበል ከኣ እምብዛ ዓቢ ነበረ። ምንም እኳ እቲ ኣቦ ኣብ ባሕሪ ጃልባ ሒዙ ናይ ምጉዓዝ ተመኩሮ እንተ ነበሮ፣ ነታ ጃልባ ግና ናብ ቁኑዕ ኣንፈት ክመርሓ ኣይከኣለን። እታ ጃልባ ኸኣ ነቲ ማዕበል ክትጻወሮ ስለ ዘይከኣለት ክትሰጥም ጀመረት ሰለስቲኦም ከኣ ተታሓሒዞም ናብቲ ባሕሪ ኣተዉ።"

እቶም ኣብቲ ቤተክርስትያን ዝነበሩ መንእሰያት ብተመስጦ ክሰምዖ ጀመሩ። እቲ ዓቢ ሰብኣይ ታሪኹ ብምቕጻል "እቲ ሰብኣይ ሓንቲ ናይ መድሕን መሕንበሲ ወይ ካላማዳርያ ነበረቶ። እዛ መሕንበሲት ካላማዳርያ ንመን ከም ዝህቦ ጨንቖ። ካብ ክልቲኦም ከኣ ንመን ከድሕን ከም ዘለዎ ንምሕሳብ እኳ ግዜ ኣይነበሮን። እዚ ኣቦ ከምዚ ኢሉ ሓሰብ ወደይ ክርስትያን ሰዓቢ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እዩ እንተ ሞተ ናብ ሰማይ ናብ ኣምላኽ እዩ። ዓርኩ ግና ገና ንየሱሱ ኣይፈለጦን ስለዚ ንዓርኪ ወደይ ከድሕን ኣሎኒ ኢሉ ወሰነ። ወደይ ፍረ ኸርሰይ የፍቅረካ እየ ብምባል እታ ናይ መድሕን መሐንበሲት ናብ ዓርኩ ወዱ ሰደዳ። ወዱ በቲ ባሕሪ ተወስደ ሬሱ እኳ ኣይተረኽበን እቲ ዓርኩ ግና ደሓነ።"

እቶም ነቲ ሰብኣይ ዝሰምዖዎ ዝነበሩ መንእሰያት ሕጂኸ እንታይ ክብል ኰን እዩ ብምባል ኣቶኪሮም ክጽበይዎ ጀመሩ። እቲ ሰብኣይ ዘረብኡ ብምቕጻል "ኣብኡ ወዱ ንዘልኣለም ምስ የሱሱ እቲ ብጻዩ ግና ንዘልኣለም ብስቓይ ብዘይ የሱሱ ከሕልፎ ኣይደለይን። ነዚ እዩ ኸኣ ካብ ወዱ ንላዕሊ ነቲ ብጻይ ወዱ ከድሕን ዝደለየ። ስለዚ ንዓርኩ ወዱ ከድሕን ንወዱ መስዋእቲ ጌርዎ። ኣምላኽ እቲ ፈቃር ከኣ ንዓና ከምዚ እዩ ጌይሩልና። ንዓና ንምድሓን ነቲ እንኰ ሓደ ወዱ ስሌና መስዋእቲ ክኸውን ፈቒዱ። ስለዚ ሎሚ ኸኣ ነዚ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ጻዊዒት ተቐቢልኩም ምድሓን ክትረኽቡ ጻዊዒቱ ክትቕበሉ ይዕድመኩም" ኢሉ ናብ ኮፍ መበሊኡ ከደ። ብድሕሪ እዚ እቲ ጓሳ ማሕበር ናብ መድረኽ ደይቡ ሓጺር መልእኽቲ ኣቕረበ። ንመድሓኒ የሱሱ ክርስቶስ ከኣ ብምልኣት ህይወቱ ወፍዩ ክስዕቦ ዝደሊ ሰብ እንተሎ ኢሉ መጸዋዕታ ኣቕረበ። ማንም ግና ናብ ቅድሚት ዝወጸ ኣይነበረን።

እቲ መደብ ምስ ተወደኣ ክልተ መንእሰያት ናብቲ ዓቢ ሰብኣይ ከዱ ካብቶም መንእስያት ሓደ "ብጣዕሚ ጉሩም ታሪኽ ግና እዚ ሓቂ ኣይመስለንን ኣቦ ንወዱ ሓዲጉ እሞ እቲ ዓርኪ ወዱ ሓንቲ መዓልቲ ሰዓቢ ኣምላኽ ክኸውን እዩ ብዝብል ተስፋ ጥራይ ንወዱ የሕሊፉ ንዓርኪ ወዱ ከድሕን ኣይመስለንን" በሎ። "ጽብቕ ኣሎኻ" በለ እቲ ዓቢ ሰብኣይ ናብ መጽሓፍ ቁዱ እናጠመተ ኣብ ገጹ ዓቢ ፍሽኽታ እናርኣየ ነቲ መንእሰይ ኣተኪሩ እናጠምተ "ብርግጽ ሓቒ ዘይኮነ ዶ ይመስለካ" ግና እንሆ ኣነ ናይቲ ኣምላኽ ዝገበሮ እንታይ ከም ዝመስል ምስክር ኮይነ ኣብ ቅድሚኻ ደው ኢለ ኣለኹ። ኣምላኽ ወዱ የሱሱ ሂብኒ። ወደይ እቲ ዝነገርኩኹም ኣቦ ኣነ እየ። እቲ ሕጂ ፓስተርካ ዘሎ ኸኣ እቲ ዘድሓንክዎ ዓርኪ ወደይ እዩ" ብምባል እቲ ታሪኽ ናቱ ዛንታ ምዃኑ ሓበሮም።

Comments
Add New Search
aron  - hi   |75.62.251.xxx |2010-03-04 10:15:29
kiristina
aron  - hi   |75.62.251.xxx |2010-03-04 10:16:33
hi
Write comment
Name:
Email:
 
Title:
Please input the anti-spam code that you can read in the image.
{poweredby} {poweredby}

3.26 Copyright (C) 2008 Compojoom.com / Copyright (C) 2007 Alain Georgette / Copyright (C) 2006 Frantisek Hliva. All rights reserved."

Last Updated ( Wednesday, 31 December 2008 )
 
< Prev   Next >

Advertismnet!

Read all Books in our Web

           
   

 

  • tigrina
  • English

Agelglot.com

Syndicate


EGMM pro Mezmur

EGMM PRO MEZMUR  

EGMM pro Sbket

EGMM PRO SBKET  

EGMM pro Books»

EGMM ORO BOOKS 

Active Quiz»

Active Quiz 

EGMM PRO REDIET»

EGMM PRO REDIET