Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Friday
Sep 10th
Home
ሰማእታት ካታኮምብ ካልኣይ ክፋል PDF Print E-mail
Thursday, 18 September 2008

ሰፈር መኳንንቲ ቄሳር

Imageማርሴሉስ ተወላዲ ጋዴስ ኮይኑ ኣተዓባብያኡ ድማ ኣብ ሰራዊት ሮማ ብስነስርዓት ዝተሃነጸ እዩ ነይሩ። ኣብ ኣፍሪቃ፣ ሶርያን ብርጣንያን እናተዘዋወረ ከገልግል ከሎ ኩሉ ግዜ ኣብ ልዕል'ቲ ኣብ ዓውደ ኵናት ዘርእዮ ዝነበረ ጀግንነት ምስ ናይ ስራሕ ብጾቱ ዝነበሮ ሕብረትን ምስምማዕን ብጣዕሚ ዝምስገን እዩ ነይሩ። ኣብ ስርሑ ዝነበሮ ብቕዓት ድማ ማዕርግ ኣብ ልዕሊ ማዕርግ ክብሪ ድማ ኣብ ልዕሊ ክብሪ ከምዝውስኽ ይገብሮ ነይሩ። ቅድሚ ቅሩብ ግዜ ከኣ ሓንቲ ዓባይ መልእኽቲ ከብጽሕ ኢሉ ናብ ሮም ምስ መጸ፣ ብዘርኣዮ ብቕዓት ቄሳር ስለዝተሓጎሰ ምስቶም ናይ ክብሪ መኳንንቱ ኣብ ሓደ ላዕለዋይ ጽፍሒ ሒዙ ንኸገልግል ሸይሙዎ።

 

ብኣንጻሩ ሉኩሉስ ካብ ዓዲ ጥላያንሲ ይትረፍ ካብ ሮማ እኳ ወጺኡ ኣይፈልጥን ነበረ። ካብቶም ናይ ጥንቲ ሮማውያን መኳንንቲ ስለዝተወለደ ግና ብኽብሪ ይኹን ብሃብቲ ዓቢ ነበረ። ሉኩሉስ ከኣ ብትብዓትን ግሉጽነትን ማርሴሉስ ስለዝተማረኸ ክልቲኦም መኳንንቲ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ኮኑ። ብተወሳኺ'ውን ሉኩሉስ ናይ ሮማ መእተውን መውጽእን ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጦ ስለዝነበረ ንማርሴሉስ ነታ ከተማ ንኽፈልጣ ብዙሕ ይሕግዞ ነበረ።

ማርሴሉስ ናብቲ ኮሎሴዩም ዝበሃል ናይ ምርኢት ሜዳ ከይዱ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ምዕራፍ ተዘርዚሩ ዘሎ ህልቂት ክዕዘብ ናይ መጀመርያ ግዚኡ እዩ ነይሩ። ሰፈር መኮንናት ቄሳር ዝተደኮነሉ ቦታ ኣብ ጥቓ ቀጽሪ ሮማ ኮይኑ እቲ ሰፈር ድማ ብሓደ ፍሉይ መካበብያ ዝተሓጸረ እዩ። ናይቶም ወተሃደራት መንበሪ ኣብቲ መንደቕ ኣብ ዝተፈሓሩ ክፍልታት እዩ ነይሩ። እቶም መኮንናት ብዝሖም ብርክት ዝበሉ ኮይኖም ብሰንክ'ቲ ኣብታ ከተማ ዝነበሮም ዓቢ ክብሪ ከኣ ንብዙሕ ዘመናት ምምሕዳር ናይቲ መንግስቲ ናይ ምቁጽጻር ስልጣን ኣብ ኢዶም ጨቢጦም ዝነበሩ እዮም። ኣብ መንጎ መኮንናት ቄሳር ስልጣን ክትረክብ ማለት ከኣ ዓቢ ግምት ዝወሃቦ ክብሪ ስለዝኾነ ማርሴሉስ ናይ መጻኢ ዕድሉ ኣብ ጽኑዕ መሰረት ከምዝተሰረተ ይቑጸር ነበረ።

ንጽባሒቱ ሉኩሉስ ኣንጊሁ ናብ መንበሪ ክፍሊ ማርሴሉስ ክበጽሖ ኢለ ከደ። ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጦም ከኣ ብዛዕባ'ቲ ዝሓለፈ መዓልቲ ዝተዓዘብዎ ምርኢት ክዘራረቡ ጀመሩ።

ማርሴሉስ ኣቐዲሙ "ኣነ በቲ ትማሊ ዝተዓዘብናዮ ምርኢታት ፈጺመ ሕጉስ ኣይኮንኩን። እዚ ናይ ፈራሃት ስራሕ እዩ፣ ክልተ ጀጋኑ ብወግዒ ክቃለሱ ምርኣይ የሐጉሰኒ እኳ እንተኾነ እቲ ትማሊ ኣብ ኮሎሴዩም ዝተዓዘብናዮ ህልቂት ግና ኣዝዩ ኣነዋሪ እዩ ነይሩ። ካልእስ ይትረፍ ንምንታይ ህጻናትን ኣረገውትን ናብ ኣራዊት ከምዝድርበዩ ዝግበር?" ክብል ተዛረበ።

ሉኩሉስ ድማ "ንሳቶም ክርስትያናት ስለዝኾኑ ከምዚ ዓይነት ፍርዲ ኣብ ልዕሊኦም ንኽፍጸም ዝእዝዝ እቲ ሕጊ እዩ" ክብል መለሰ።

"ኣብ ኩለን ዝተዘዋወርኩለን ሃገራት ክርስትያናት ርእየ እየ። እንተኾነ ግና ዝኾነት ትኹን ናዕቢ ከለዓዕሉ ርእየዮም ኣይፈልጥን እየ።"

"በጃኻ ትም በል፣ ንሳቶም ኣዝዮም ሕሱማት እዮም።"

"ኩሉ ሰብ ብዛዕብኦም ከምዚ ዓይነት ወረ እዩ ዘናፍስ፣ እዚ ዘረባታት እዚ ግና ጭብጢ ኣለዎዶ?"

"ጭብጢ? ነዚኣቶምከ እንታይ ጭብጢ ኣድልይዎም፣ ንሳቶም ናይዚ መንግስቲ ሕግን ሃይማኖትን ንምቅዋም ሽርሒ ዘካይዱ ምዃኖም ፍሉጥ እዩ። ነቲ ናትና ምሕደራ ካብ ልቦም ከምዝቃወምዎ ቀንዲ መረጋገጺኡ ከኣ ንኣማልኽትና መስዋእቲ ካብ ዝስውኡ ሞት ምምራጾም እዩ። ንሳቶም ብዘይካ እቲ ዝተሰቐለ ኣይሁድ ካልእ ንጉስ ኣይፈልጡን እዮም። ንሱ ካብ ሞት ተንሲኡ እዩ እንዳበሉ ድማ የውርዩ። እቲ ኣብ ልዕሌና ዘለዎም ጽልኢ ድማ በቲ "ድሕሪ ሙማትኩም ንዘለኣለም ኣብ ገሃነም ክትሳቐዩ ኢኹም" ዝብል ስብከቶም ይገልጽዎ ኣለው።"

"እዚ እትብሎ ዘለኻ ኩሉ ሓቂ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣነ ግና ብወገነይ ዋላ ሓንቲ ዝፈልጦ የብለይን። ብዛዕባ ክርስትያናት ዘለኒ ኣፍልጦ ውሱን እዩ።"

"ነዛ ከተማ መሊኦማ ዘለዉ ንሳቶም ጥራይ እዮም። ንሳቶም ዘይብላ ሓንቲ ዞባ ናይ ግዝኣትና ኣይትረክብን ኢኻ። ሓደ ነገር ተጠንቂቕካ ኣስተውዕል፣ እዚ ንብዙሓት ዘጉሃየ ናይ መንግስትና ምድኻም፣ ናይ ግዝኣት ዶባትና እንዳጸበበ ምኻድ፣ ዘይምእዛዝን ክፍኣትን ምብዝሑ፣ እዚ ኩሉ ክርስትያናት እንዳበዝሑ ምስ መጹ ዝሳዕረረ ነገር እዩ። እዚ ኩሉ መዓት ዘምጽኡልና ዘለዉ ንሳቶም እንተዘይኮይኖም ካልእ መን ክኸውን ይኽእል።"

"እዚ እትብሎ ዘለኻ መከራ ከመይ ገይሮም ኣምጺኦምልና ክንብል ንኽእል?"

"እዚ ደኣ በቲ ኣጸያፊ ዝኾነ ትምህርቶምን ግብሮምን እዩ፣ "ኵናት ኣይንኣቱን" "ወተሃደራት ናይ ዕንወት መሳርሒታት እዮም" ይብሉ። ክሳዕ ክንድዚ ኣውዲቑና ዘሎ ከኣ መርገም ናይቲ ስሙይ ዝኾነ ሃይማኖትና እዩ። ንሳቶም ነቶም ህያው ዝኾኑ ኣማልኽትና "ዝተረገሙ ኣጋንንቲ" እዮም እንዳበሉ ይምህሩ። ብትምህርቶም'ውን ስነ-ምግባር ዝበሃል ከጥፍኡ ይጽዕሩ ኣለዉ። ብምስጢር ዝፍጽምዎም ነገራት ከኣ እሞ ብጣዕሚ ዘነውሩ እዮም። እንተኾነ ግና እቲ ምስጢር ብዘይካ እቶም ብጾቶም ዝኾኑ ካልእ ዝፈልጦ የለን። ሓደሓደ ግዜ ግና እቲ ከንቱ ዝኾነ ዘረባኦምን መዝሙራቶምን ንሰምዖ ኢና።"

"እዞም ሕጂ ክትዝርዝሮም ዝጸናሕካ ነገራት ብዋዛ ዝረኣዩ ኣይኮኑን። እዚ ዝበልካዮ ሓቂ እንተኾይኑ እቲ ዝግባእ መቕጻዕቲ ክቕበሉ ኣለዎም። እንተዘይተጋግየ ግና ንስኻ "እቶም ክርስትያናት ምስ ካልኦት ሰባት ከይተጸንበሩ ብምስጢር ስለዝነብሩ ብዛዕብኦም እንፈልጦ ነገር ዝተወሰነ እዩ" ክትብል ጸኒሕካ። ግን ሓንቲ ነገር እስከ ክሓተካ፣ እቶም ትማሊ በኸምቲ ዝረኣናዮ ዘስካሕክሕ ኣገባብ ዝሃለቑ ሰባት እቲ ክርስትያናት ይገብርዎ እዮም ተባሂሎም ዝሕመይሉ ክፋእ ዝፍጽሙዶ ይመስለካ? እቲ ትማሊ ዝረኣናዮ ሸያብ ሽማግለ ዕድሚኡ ብሓጢኣት ዘሕለፎዶ ይመስለካ? እተን ምጭዋት ኣዋልድ ዝዘመረኦ መዝሙርከ ርኽሰት ዘለዎዶ ይመስለካ?

ንእኡ ነቲ ዘፍቀረና፣

ካብ ሓጢኣትና'ውን ብደሙ ዝሓጸበና .."

ማርሴሉስ ብትሑት ድምጺ ነቲ መዝሙር ደገሞ።

ሉኩሉስ ከኣ "ብዓይኒ ሓቂ ደኣ ንዓይ'ውን ብጣዕሚ ከብደይ በሊዐናኒ እየን" በለ።

ማርሴሉስ ድማ "ሮማዊ ወተሃደር እንተዘይከውን ነይረ ምበኸኹለን ነይረ። እቲ ጉዳይ እሞ ከምቲ ዝግባእ ጌርካ ኣስተውዕሎ፣ እቲ ብዛዕባ እዞም ክርስትያናት ዝነገርካኒ ኩሉ መበገሲኡ ካብቶም ኣጸቢቖም ዘይፈልጥዎም ሰባት እዩ። ክርስትያናት ነውራማትን ሕሱማትን እዮም ኢልካኒ። ንሳቶም ግና በብመዓልቱ ምስቲ መሰረት ናይ ህይወት ዘነቓንቕ ሞት ገጽ ንገጽ ብምፍጣጥ ናይ ሞትን ህይወትን ምርጫ ክውስኑ ከምዘለዎም ትማሊ ተረዲኡኒ እዩ። ትብዓቶምን ኣማውታኦምን ዘደንቕ እዩ ነይሩ። ሮማ እኳ ኣብ ናይ ነዊሕ ዘመን ታሪኻ ከምቲ ትማሊ ዝረኣናዮ ዓይነት ጅግንነት ክተርእየኒ ኣይከኣለትን። ንስኻ "ወተሃደራት ይጸልኡ እዮም" ኢልካኒ፣ እንተኾነ ግና ኣማውትኦም ናይ ጅግንነት እዩ ዝነበረ። "ንሃገሮም ዝኽሕዱ እዮም" ኢልካኒ፣ እንተኾነ ግና ካብ ሕጊ ናይ ሃገሮም ሓንቲ ነጥቢ'ኳ ኣይጠሓሱን። "ርኹሳት እዮም" ትብለኒ ኣለኻ፣ እንተኾነ ግና ንዓይ ከምተን ትማሊ ዝረኣናየን ጽቡቓት ኣዋልድ ዝነጽህ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይመስለንን።"

"እዋእ፣ ንስኻ ደኣ ቀንዲ ደጋፊኦምዶ ኮይንካ የለኻን።"

"ከምኡ ኣይኮነን ዓርከይ ሉኩሉስ። ኣነ ሃረር ዝብሎ ዘለኹ እቲ ሓቂ ንምፍላጥ እዩ። ክሳዕ ሎሚ ብዛዕብኦም ካብ ሰባት ዝሰምዖ ዝነበርኩ ልክዕ ከምዚ ንስኻ ዝነገርካኒ ዘረባታት እዩ ነይሩ። እቲ ትማሊ ዝተዓዝብክዎ ምርኢት ግና እዚ ብዛዕብኦም ዝዝረብ ዘረባታት ሓቂ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ዝብል ስምዒት ኣብ ውሽጠይ ፈጢሩለይ ኣሎ። ንስኻ'ውን እቲ ጉዳይ ከተብርሃለይ እንተሓተትኩኻ ካልኦት ዝበልዎ ዘረባ ካብ ምድጋም ኣይሓለፍካን። ሓቂ ክንዛረብ እንተደሊኻስ ኣብተን ዝበጻሕክወን ኩሉን ዓድታት ክርስትያናት ናይ ሰለማውነትን እሙንነትን ዝና ከም ዘለዎም ይዝከረኒ። መለዓዓልቲ ናዕብን ፈጠርቲ ህውከትን እናተበሃሉ ዝሕመይዎ ኩሉ ሓቅነት የብሉን። ዋላ ሓደ እኳ ነቲ ፈጺሞሞ ዝበሃል ክፍኣት መርትዖ ኣምጺኡ ከረጋግጽ ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን። እሞ ንከምዚኣቶም ዓይነት ሰባት ሞት ይግብኦምዶ?"

"እሞ ቄሳር ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ከምዝጥቕዑ ዝገብርዶ ይመስለካ?"

"ናይቶም ብተንኮል ዝምርሑ ኣማኸርቱ ጌጋ ምኽሪ ሰሚዑ እንተኾነስ መን ይፈልጥ?"

"እቲ ሓሳብ ካብ ገዛእ ርእሱ ዝተበገሰ ምዃኑ ኣይትጠራጠር።"

"መቸስ ቁጽሪ ናይቶም ክሳዕ ሕጂ ዝሞቱ ብዙሕ እዩ።"

"እወ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ከይሃለቑ ኣይተርፉን እዮም። እንተኾነ ግና ዘይተተንከፉ'ውን ገና ብዙሓት  ኣለዉ። ነዚኣቶም ሃዲንና ክነጥፍኦም ፈቲንና ምኽኣል ስኢንና ኢና" ድሕሪ ምባል ቀጺሉ "ዘምጸኣኒ ዓቢ ጉዳይ ረሲዐዮ ከይነገርኩኻ ጸኒሐ፣ ካብ ቄሳር ሓንቲ ኣገዳሲት መልእኽቲ ኣምጺአልካ ኣለኹ" ብምባል ሓንቲ ጥቕልልቲ ብራና ኣውጺኡ ንማርሴሉስ ሃቦ እሞ ንሱ ድማ ተቐቢሉ ብጥንቓቐ ከንብባ ጀመረ። እታ ደብዳቤ፣ ናይ ማዕርግ ዕብየት ከምዝረኸበን ነቶም ኣብ ካታኮምብ ተሓቢኦም ዘለዉ ክርስትያናት ከኣ ካብቲ ዘለዉዎ በዓትታት እንዳሃደነ ክሕዞም ተኣዚዙ ከምዘሎን ትሕብር ነበረት።

ማርሴሉስ ድማ ነታ ደብዳቤ ገጹ ኣሲሩ ከንብባ ድሕሪ ምጽናሕ ጠቕሊሉ ኣቐመጣ።

ነዚ ክዕዘብ ዝጸነሐ ሉኩሉስ "እንታይ ደኣ ኣብ ገጽካ ናይ ሓጎስ ስምዒት ዘይረአ" ክብል ሓተቶ።

"ከም ግደ ሓቂ እንተኾይኑ እዚ ናይ ሕጂ ስርሐይ ብፍጹም ኣይፈተኹዎን ዘለኹ። ኣነ ወተሃደር እየ። ህጻናትን ኣረገውትን እንዳሓዝካ ንቀተልቲ ኣሕሊፍካ ምሃብ ሞያይ ኣይነበረን። እንተኾነ ግና ናይ ውትህድርና ግቡአይ ስለዝኾነ ክገብሮ ዝኽእል ነገር የለን። ፍቓድካ እንተኾይኑ ግና ብዛዕባ'ዚ ካታኮምብ ዝበሃል ቦታ ንገረኒ።"

"ካታኮምብ ዝበሃል ቦታ፣ ዓቐኑን ንውሓቱን ክንድዚ እዩ ተባሂሉ ክፍለጥ ዘይከኣል ኣብ ትሕቲ'ዛ ከተማ ዝተፈሓረ ናይ ትሕቲ-ምድሪ ባዓቲ እዩ። እቶም ክርስትያናት ስደት ክለዓሎም ከለዉ ናብኡ ይሃድሙ። ነቶም ምውታቶም'ውን ኣብኡ እዮም ዝቐብርዎም። ኣብቲ በዓትታት ሓንሳብ እንተ ኣትዮም መንግስቲ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ክቆጻጸሮምን ክሕዞምን ኣይክእልን እዩ።

"ነዚ ካታኮምብ ዝበሃል በዓቲ መን እዩ ፍሒርዎ?"

"እገለ እዩ ፍሒርዎ ክብሃል ኣይከኣልን እዩ። እቲ በዓቲ ካብ ዝፈሓር ብዙሕ ዘመናት ኣቑጺሩ እዩ።  ከምዝመስለኒ እተን በዓትታት ንመጀመርያ ግዜ ክፈሓራ ዝጀመራ ነዛ ከተማ መስርሒ ዝውዕል ስሚንቶ ንምርካብ ተባሂሉ እዩ። ሎሚ'ውን እንተኾነ እቶም ሸቃሎ ካብኡ እዮም ስሚንቶ ዘውጽኡ። እንዳጸንሐ ድማ ስሚንቶ ዝደሊ ሰብ እንዳበዝሐ ስለዝኸደ እቲ ምፍሓር'ውን ብኡ መጠን ወሲኹ። ስለዚ፣ ሎሚ ብሰንኪ ብዝሕን ንውሓትን ናይተን በዓትታት እዛ ከተማና ኣብ ቅጫ-መዓር ዝመስል መሰረት እያ ተሰሪታ ዘላ።"

"ንምዃኑኸ ፍሉጥ መእተዊ ኣለዎዶ?"

"እተን መእተዊታት'ኳ መቑጸሪ የብለንን። ንዓና ጸገም ኮይኑና ዘሎ'ውን እዚ እዩ፣ ከመይሲ፣ እተን መእተዊ ደጌታት ውሑዳት እንተዝኾና ነይረን ኣድቢና ክንሕዞም ምኸኣልና ኔርና። ስለዚ ድማ በየናይ ኣንፈት ሃድንና ክንጅምር ከምዘለና ንምፍላጥ ኣዝዩ የጸግመና።"

"ብጣዕሚ ዝጥርጠር ቦታኸ ኣሎዶ?"

"እወ፣ ቪያ ኣፒያ ኣንቲካ ዝተበሃለ ጎደና ሒዝካ ንሰለስተ ኪሎ ሜተር ዝኸውን ምስ ከድካ ሲሲልያ ሜተላ ዝበሃል መቓብር ኣሎ። ኣብኡ ድማ ሓደ ከቢብ ዝኾነ ነዊሕ ህንጻ ኣሎ። ኣብኡ ብዙሕ ግዜ ሬሳታት ተረኺቡ እዩ። እቶም ዝተረኸቡ ሬሳታት ከኣ እቶም ክርስትያናት ካብቲ ናይ ምርኢት ቦታ ብስርዓት ንኽቐብርዎም ኢሎም ናይ ዘምጽእዎም ኣዝማዶም ሬሳ እዩ ይበሃል። ዋርድያታት ተኸታቲሎም ከርክብዎም ከለዉ ከኣ ነቲ ሬሳ ገዲፎሞ ይሃድሙ። ምስ ናይዚ ኩሉ ግና ኣሰሮም ክትረክብ ብፍጹም ዘይከኣል እዩ። ካታኮምብ ዝተሓላለኸ ቦታ ስለዝኾነ ብዘይ ናይቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ሓገዝ ነቲ መእተውን መውጽእን ክረክብ ዝኸኣለ ሰብ የለን።"

"እዞም ‘ኣብኡ ዝነበሩ' ትብሎም ዘለኻ ሰባት እንታዎት እዮም?"

"እዚኣቶም ነቶም ነዳቖ ስሚንቶ ዘቕርቡ ኮዓትቲ ጉድጓድ (ፈሓርቲ) ኮይኖም፣ ሕጂ ግና ንሶም'ውን ኩሎም ክርስትያናት ኮይኖም እዮም። ሕጂ ቀንዲ ስርሖም ኮይኑ ዘሎ'ውን ነቶም ዝሞቱ ክርስትያናት ዝኸውን መቓብር ኣብ ውሽጢ'ቲ በዓቲ ምፍሓር እዩ። እዞም ፈሓርቲ ዕድሚኦም ኩሉ ዘሕልፍዎ ኣብተን በዓትታት ውሽጢ ኮይኑ፣ ኣብ ውሽጢ'ተን በዓትታት ሰብ ናይ ምምራሕ ክእለት ዘለዎም'ውን ንሳቶም ጥራይ እዮም።"

"ኣብ ካታኮምብ ውሽጢ ኣቲኻዶ ትፈልጥ?"

"እወ፣ ቅድሚ ነዊሕ ግዜ ሓደ ኾዓቲ ጉድጓድ እንዳመረሐ ኣርእዩኒ ነይሩ። እንተኾነ ግና ኣብ ውሽጢ ብዙሕ ክጸንሕ ኣይከኣልኩን። ኣብ ህይወተይ ምሉእ ከምኡ ዓይነት ዘስካሕክሕን ዘፍርህን ቦታ ርእየ ኣይፈልጥን እየ።"

"ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ካታኮምብ ብወረ ወረ እሰምዕ ነይረ እየ፣ ክሳዕ ሕጂ'ውን ብዛዕባቲ ቦታ ዝግባእ መጽናዕቲ ዘይምክያዱ ኣዝዩ ዘገርም እዩ። እዞም ኮዓትቲ ጉድጓድ ነቶም ወተሃደራት እንዳመርሑ ናብቲ ዝድለ ቦታ ከብጽሕዎምዶ ኣይክእሉን እዮም?"

"ብፍጹም! እዚ ደኣ እሞ ነቶም ክርስትያናት ኣሕሊፍካ ምሃብ ማለት እንድዩ።"

"ዝፈተነ ሰብከ ኣሎዶ?"

"እወ፣ ካብቶም ኮዓትቲ ጉድጓድ ገሊኣቶም ነቶም መኮንናት ንኽመርሕዎም ፍቓደኛታት ምዃኖም ብምግላጽ ኣብ ውሽጢ ኣእትዮም ርእሶም ክሳዕ ዝዞሮም ዕንክሊል ከብልዎም ይውዕሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቶም መኮንናት ሒዞሞ ዝኣተዉ ሽግ (መብራህቲ) ምስ ጠፈአ ክሳዕ ኣብ ደረጃ ምስንባድ ይበጽሑ። ስለዚ ድማ መሪሖም ንኸውጽእዎም ጥራይ ክልምንዎም ይጅምሩ። ኣብ መወድእታ ድማ እቶም ኮዓትቲ ጉድጓድ ነቶም መኮንናት "ርኢኹም ኣብዚ ቦታ ክርስትያናት የለውን። እቶም ዝነበሩ ውሑዳት'ውን ካብዚ ሃዲሞም እዮም" ብምባል ክሳዕ ኣብቲ መውጽኢ ቦታ የፋንውዎም።

"ነቶም ክርስትያናት ክሳዕ ዝረክብ ቆሪጹ ምድላዩ ዝቐጸለኸ ኣይነበረን ድዩ?"

"እወ ነይሮም፣ እንተኾነ ግና ነዚኣቶም'ውን እንተኾነ ኣብ ሓንቲ ዝተወሰነት ከባቢ ጥራይ ኮለል ከብልዎም ስለዝኸርሙ ፍረ ኣይተረኸቦን።"

"እሞ እቶም ክርስትያናት ዘለውዎ ቦታ ዝሕብር ዋላ ሓደ ኮዓቲ ጉድጓድ ኣይተረኸበን?"

"ሕልፍ ሕልፍ ኢሎም ይርከቡ እዮም፣ እንተኾነ ግና እቶም ክርስትያናት ሓንቲ ንእሽቶይ ናይ ሓደጋ ምልክት ክርእዩ ከለው ኣብቲ ዝፈልጥዎ መሽጎርጎሪታት ኣትዮም ቀልጢፎም ይስወሩ።"

"ከምዚ እንተኾይኑ ደኣሞ ነዓይከ ከምይ ኢሉ ክቐንዓኒ ይኽእል?"

ሉኩሉስ ድማ "እንድዕልካ! ተዋሂቡካ ዘሎ ሓላፍነት ግና ዓቢ እዩ፣ እዚ ሓላፍነት ዝተወሃበካ ከኣ ድፍረትካን ብልሕኻን ተጣሚሮም ከዕውቱኻ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ እዩ። እዚኣ ትእዛዝ ኣብ መፈጸምትኣ ከተብጽሓ እንተኽኢልካ መቸስ እንጌራኻ በሲሉልካ ማለት እዩ። ደጊም ኣነ ብዛዕባቲ ቦታ ዝፈልጦ ዘበለ ኩሉ ገሊጸልካ እየ እቲ ዝተረፈ ድማ ንሓደ ካብቶም ኮዓትቲ ጉድጓድ ቅርብ ኢልካ እንተሓቲትካዮ ክገልጸልካ ይኽእል እዩ። በል የቃንዓልካ" ድሕሪ ምባል ናብ ቦትኡ ተመሊሱ ከደ።

ብድሕር'ዚ ማርሴሉስ'ውን ብወገኑ ርእሱ ናብ መሬት ደፊኡ ኣብ ናይ ሓሳብ ባሕሪ ክሕንብስ ጀመረ። ኣብ መንጎ ሓሳቡ ድማ እቲ ሞት ዝተሰዓረሉ መንገዲ ዝእውጅ ጥዑም መዝሙር ትዝ ይብሎ ነበረ፣

"ንእኡ ነቲ ዘፍቀረና፣

ካብ ሓጢኣትና'ውን ብደሙ ዝሓጸበና .. "

Comments
Add New Search
Write comment
Name:
Email:
 
Title:
Please input the anti-spam code that you can read in the image.
{poweredby} {poweredby}

3.26 Copyright (C) 2008 Compojoom.com / Copyright (C) 2007 Alain Georgette / Copyright (C) 2006 Frantisek Hliva. All rights reserved."

 
< Prev   Next >
Headline
  • Pause
  • Previous
  • Next
1/10
 
Daily devotion
‎ከምቲ ኣምላኽ ዝርእዮ ምርኣይ‎ ኣብ 1ይ ሳሙኤል እግዚኣብሄር ንሳኦል ዝትክእል ንጉስ ክቐብእ ምስ ደለየ ንሳሙኤል ናብ እንዳ እሰይ ልኢኽዎ። ሳሙኤል ከኣ ዘይቲ ኣብ ቀርኒ ሒዙ ድሕሪ ም...
 
Teaching
‎ደቀ መዝሙርነት ብሓደ ዓይነት ቅርጺ 'ዶ?‎ ራንዲ ዲ ሬይስብሩክ*  ካብ ኣገልግሎት ደቀ መዝሙርነት ተመክሮኡ "ኩኪስ ካተር" ዝብል ሓደ ጽሑፍ ኣቕሪቡ ኔሩ። መታን ክንመሃረሉ ትሕዝቶኡ...
Cell Group Material
ዉሕሉል ኣገባብ ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስ መእተዊ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጸ ቓል ስለዝኾነ፡ ኸም ዉሉድ ኣምላኽ መጠን ግዜ ወሲድካ ከተንብቦን ከተጽንዖን ይግባእ። መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣ...
 
Character Study
ህይወት ዳዊት ሰብ ኣብ ጌጋ ብዘለዎ ኣረኣእያን ካብኡ ዝወስዶ ትምህርትን ኣብ ሰለስተ ክንመቕሎ ንኽእል፣     ቀዳማይ። ጌጋ ዝገብር እሞ ጌጋ ከምዝገበረ ተረዲኡ ...
 
Witness
Image ቃለ-መሕትት ምስ ዘማሪት ምስ ሰላም ሓጎስ 2004 ሀ. ሕሉፍ ታሪኽ ህይወት 1.      ብዛዕባ ገዛእ ርእስኺን ድሕረ ባይታኽን ኣተዓባብኽን መዕለልክና ዶ ?  ስመይ ሰላም ሓጎስ እበሃል።...
   
News
Image መልሲ ንሰብ ሓዳር ንኣብ ሓዳር ዘጋጥሙ ሕቶታትን ብድሆታትን እትምልስ ብግልጽነት ንዘሎና ጸገማት ሓዳር እተርኢ ብቡርስን ኬሮል ብሪትንን ዝተጻሓፍት ብሓው ዮናስ ወልደርፉ...
Social Issue
Image ንመንእሰይ ዕውታት ዝገብርዎ ባእታታት 3ይ ክፋል 3 ብዛዕባ ካልኦት ሰናይ ኣረኣእያ ምምዕባል። ሎሚ ኩሉትና ኣብዛ ምውድዳርን ዝናን ዝበዛሓላ ዓለም ኢና ንንበር ዘሎና። ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ወዲ ...
     
 
  • Send Postcard !
  • Advertismnet!

    ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ  ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንመላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መገዲ መራኸቢ እንዝርግሕ ክርስትያናት ኢና።

    Read all Books in our Web

               
       

     

    Give your Vote!

    What do you like most about Eriwongel.com?
     
    What die you want to change?
     

    Our Favorite Links

    www.bible.org
    Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

    Christ for all Nations, Cfan
    cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
    http://www.cfan.org
     
    Release Eritrea!
    release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha

    Join the EGMM team

    We are seeking a English and Amharic translator / editor who will serve with us as voluntary translator.
    Grafic & web Designer
    If you are Graphic and web Designer and looking out for working in the Kingdom of our Heavly Father, then here's the right opportunity to work with us.
    Advertiser links Geezsoft.com
    Hier you can download free Geez Font
    Eristart.com
    First Eritrean Startpage 

    Who's Online

    We have 17 guests online
    • tigrina
    • English

    Movies

    Agelglot.com

    Compassdirect.org

    Syndicate


    EGMM pro Mezmur

    EGMM PRO MEZMUR  

    EGMM pro Sbket

    EGMM PRO SBKET  

    EGMM pro Books»

    EGMM ORO BOOKS 

    Active Quiz»

    Active Quiz 

    EGMM PRO REDIET»

    EGMM PRO REDIET