Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Friday
Sep 03rd
Home arrow Social Issue arrow Social Issue arrow መርዓ እንታይ እዩ?
መርዓ እንታይ እዩ? PDF Print E-mail
Sunday, 08 June 2008

መርዓ ኣብ መንጐ ክልተ ተጻይ ጾታታት ብስምምዕ ዝምስረት ሕብረት እዩ፣ እዚ ብናይ ክልተ ድሌት ዝፍጸም ሓዳር ወይ መርዓ። ኣብዚ ዘመን እዚ ብዘጋጥሞ ዘሎ ፈተና እምበርከ ንጽባሕሲ ተስፋ ኣሎ ድዩ? ዝብል ዘይተመለስ ዓለምለኻዊ ሕቶ ኣጋጢምዎ ይርከብ፣

ብዙሓት ናይ ሕብረተሰብና ምሁራትን ጠቢባንን። መርዓ ኣብ ትርጉም ዘይብሉን ዘይጠቅምን ደረጃ ከም ዝበጸሐ እዮም ዝዛረቡ፣ እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ እንተ ተባህለ ብዙሓት ሰባት ተመርዕዮም ኣብ ሓዳር ክንዲ ዝጸንዑ ዝፋትሑ ይበዝሑ ስለ ዘለዉ ንምንታይ መርዓ ኣድለየ ዝብል ሕቶ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ስለ ዝሰረጸ እዩ፣

 ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ሕቶታት ተላዒልና ብዛዕባ እቶም መሰረታውያን ዝዀኑ ናይ ሓዳር ሽግራት እንታይ ምኻኖም ክንዝርዝሮ ኢና፣
1. ሰብ ሓዳር ኣብ ሓዳር ዘለዎም እምነት ምዝባዕ፣
2. ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ሓዳር ምስ ኣተዉ ብሓዘን ኰነ ብሓጐስ ተጸዋዊሮም ንምንባር ድልዋት ክንዲ ምዃን ብናይ ብፍትወት ገዛእ ርእስኻ  ምትሓዝ፣
3. ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዝርከብ ሓጐስ ብናይ ክልተ ጻዕርን ትግሃትን ምዃኑ ዘንጊዕካ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ተኣምር ምጽባይ፣
ናይ ሓዳርን ናይ መጻምድትኻን ባህሪ ብዝግባኣ ሰኣን ምርዳእን። ኣብ ውሽጢ ሓዳር ብዝላዓሉ ጉዳያት ብግልጺ ዘይምዝታይን። ኣብዚ ዘመን እዚ እቲ ዝዓበየ ሽግር ኰይኑ ስለ ዘሎ ንናይ ሓዳር ምጥፋሽን ምዕናውን ቀንዲ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ፣


ሓዳር ህይወት ኣለዎ፣ ዝዓቢ። ዝዕንብብ ከምኡ ኸኣ ዝፈሪ እዩ፣ ከምቲ ንዕቤት ምግቢ ዘድሊ ከምኡ ድማ ሓዳር ከም ዝግባእ ክዓብን መቐረት ክህልዎን እንተ ዀይኑ። ዘየቛርጽ ክንክን የድልዮ እዩ፣ ሰብኣይን ሰበይትን ክሰማምዑ ኣለዎም ክበሃል ከሎ ናይ ግድን በረኣእያ ብሓሳብ ምፍልላይ ኣየጋጥሞምን እዩ ማለት ኣይኰነን፣ ናይ ሓሳብን ኣረኣእያን ፍልልይ ከጋጥም ከሎ ክንዲ ምፍሕፋሕን ባእስን ሓደ ነቲ ሓደ እንዳ ሰምዖ ክራዳድኡ ብምፍታንን ንሓድነቶም ካብ ሓደጋ ከንድሕንዎ ክጋደሉ ይግባእ፣


 ንፍቕሪ ከም ዓላምኦም ሒዞምን ጌሮምን ንሓድሕድም ክሰማምዑን ክቀባበሉን እንተ ዘይክኢሎም። ልክዕ ከም ኣብ እሾኽ ዝተጸግዐ ዓጋም ኰይኖም ኣብ ዘመን ህይወቶም ኩሉ ሓጐስን ሰላምን ዝረሓቖም ኾይኖም ክነብሩ እዮም፣
ኣብ ውሽጢ ሓዳር ምቅብባልን ምርድዳእን ዝመጽእ ስቕ ኢልካ ብሃውሪ ዘይኰነስ ንዘለካ ፍልልያት ብግልጺ ብምዝርራብን። ንዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ድማ ብኽልቲኡ ወገን ቅሩብነትን ፍቓድን ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ፣ እዚ ኣዚዩ ወሳኒ ጉዳይ እዩ፣
 ካልእ ኣብዚ ዘመን ጐሊሑ ዝረኣ ጸገም ሰባት ኣብ ክሊ ሓዳር ጥራይ ተወሲኖም ክነብሩ ስለ ዘይውስኑን ክቡርነት ሓዳር ዘንጊዖም ንረኣዩለይ ጥራይ ኣብ ሓዳር ስለ ዝኣትዉ እዩ፣ ብዙሓት ናይ ዘመንና መንእሰያት ኣብ ሓዳር ዝኣትዉ ሓሲቦምን ወሲኖም ዘይኰኑስ ብሃውርን ስሚዒትን ዝኣትውዎ ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ ይመስል፣ ሓዳር ኣርሒቕካ ምሕሳብን ምስልሳልን ካብኡ ሓሊፉ እውን ውሳኔንን ተወፋይነትን ይሓትት እዩ፣ ሓዳር ክምስረት እንከሎ ብዙሕ ምውጻእን ምውራድን ከምዘሎዎ ዘይተረድኦም ሓደ ሐደ ጀመርቲ። ገና ኣብ መጀመርያ ሓዳሮም ዝተደላደለን ዝማእመአን ናብራ ክነብሩ ይደልዩ፣ ናይ ሓዳር እቲ ትኽክለኛ ዝዀነ መልክዑ ምርኣይ ተሳኢንዎም ከኣ ብገርህነት ኣብ ሓዳር ዓለም ዝኣትዉ ሰባት። ሓዳሮም ከምቲ ዝሓሰብዎ ከይኰነ ምስ ዝተርፍ ዘለዎም ኣማራጺ ካብዝ ጀመርዎ ሓዳር ሃዲሞም ካልኣ ሓዳር ንምፍታን እዮም ዝጓየዩ፣


ሓዳር ውጽኢታዊ ዝኸውን ብተኣምራት ዘይኰነስ ክልተ ናይ ቃልኪዳን ተጻመድቲ ተሰማሚዖምን ተረዳዲኦምን ንሓደ ዓላማ  ምስ ዝስለፉ ጥራይ እዩ፣ ኣብ ሃገርና ሓደ ኣባሃህላ ኣሎ፣ << ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ሓደ ማይ ይፍጠሩ>> ዝብል እዩ፣ እዚ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ተመሳሳልነት ክገልጽ ከሎ፣ ብኻልእ ወገን ሰብኣይን ሰበይትን ከምቲ ጐኒ ንጐኒ ዝፈስስ ዋሓዚ ኰይኖም እሞ ኸኣ ናብ ሓደ ቦታ ዝውሕዝ ክምሰሉ ይኽእሉ እዮም፣ ክልተ ወሓይዝ ክራኸቡ እንከለዉ። ብሓይሊ ይጋጨዉ እሞ ሓደ ዘፍርሕ ድምጺ ይፈጥሩ፣ ነገር ግና ቀስ ብቐስ ብምውህሃድ ሓደ ወሓዚ ኮይኖም ግርማ ብዘለዎ መንገዲ ብሓንሳብ ክጓዓዙ ይጅምሩ፣


ስለዚ ኣብ መንጐ እቶም ዓላማኦም ፍቕሪ ጌሮም ብሓዳር ተኣሳሲሮም ጉዑዞኦሞ ክመርሑ ዝወሰኑ ሰባት። ድሕሪ መርዕኦም ዘጋጥምዎም ናይ ስምዒት ዘይምስናይን። ተስፋ ምቑራጽን። ናይ ድሌታት ዘይምምልላእን። ናይ ኣረኣእያ ፍልልይን። ካልእን ከጋጥምዎም ይኽእሉ እዮም፣ እንተዀነ እቶም ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ሓዳሮም ዝጀመሩ ሰባት። ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤቶም ብምጽዋዕ። ሓቢሮም ብምምኽኻር። ንሓድሕዶም ብናይ ኣምላኽ ፍቕሪ ንምቅብባል ፍቓደኛታት ብምዃን። ንሓዳሮም ሕጉስን። ነዊሕ ዕድመ ዘለዎን ክገብርዎ ዘለዎም ዕድል ካብ ናይ ካልኦት ዝሓሸን ዝበለጸን እዩ፣ ብዛዕባ ሓድነቶም ሓቢሮም ምስ ዝጽልዩ ብዛዕባ ሓዳሮም ብግልጽን ብእምነትን ምስ ዝዛራረቡ ዓላምኦም ሸትኡ ከይሃረመ ከም ዘይተርፍ ርዱእ እዩ፣ ዘጋጥምዎም ጸገማት ከኣ ብምሉኣቶም ክርሕቑ ይኽእሉ እዮም፣

Comments
Add New Search
Write comment
Name:
Email:
 
Title:
Please input the anti-spam code that you can read in the image.
{poweredby} {poweredby}

3.26 Copyright (C) 2008 Compojoom.com / Copyright (C) 2007 Alain Georgette / Copyright (C) 2006 Frantisek Hliva. All rights reserved."

 
< Prev   Next >

Advertismnet!

Our Favorite Links

www.bible.org
Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

Christ for all Nations, Cfan
cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
http://www.cfan.org
 
Release Eritrea!
release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha
  • tigrina
  • English

Agelglot.com

Syndicate


EGMM pro Mezmur

EGMM PRO MEZMUR  

EGMM pro Sbket

EGMM PRO SBKET  

EGMM pro Books»

EGMM ORO BOOKS 

Active Quiz»

Active Quiz 

EGMM PRO REDIET»

EGMM PRO REDIET