Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Monday
Sep 06th
Home arrow Articles arrow Cell Group Material arrow መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጲ
መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጲ PDF Print E-mail
Friday, 13 April 2007
Article Index
መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጲ
Page 2
Page 3
Page 4

 

ዓውደ ጽሑፍ ናይ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጲ

 

1. ጸሓፊ

ናይዛ መልእኽቲ ጸሓፊ ሃዋርያ ጳውሎስ ምዃኑ ብዙሓት ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ኣቦታት ቤተክርስትያን መስኪሮም ኣለዉ። እኒ ቅሌሜንጦስ ናይ ሮማ፣ ፖሊካርፕ፣ ኢግናጽዮስ፣ ኤረኖይስ፣ ከምኡውን ቅሌሜንጦስ ናይ እስክንድርያ ኣብተን ጽሑፋቶም ናይ ጳውሎስ መልእኽቲ ናብ ሰብ ፊሊጲ ጠቒሶም ኣለዉ።

2. እተጻሕፈሉ እዋንን ቦታን

እዛ መልእኽቲ ጳውሎስ ኣብ ሮማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ማለት ኣብ 60-63 ዓ.ም. ከባቢ እያ ተጻሒፋ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ምስ ኤፌሶን፡ ቄሎሴ፡ ፊልሞን ብሓንሳብ „መልእኽትታት ቤት ማእሰርቲ“ ተባሂለን ይጽውዓ። (ፊሊ 1:13; 4:22)

3. ተቐበልቲ

እዛ መልእኽቲ ናብ ኣብ ከተማ ፊሊጲ ዝነበሩ ቅዱሳንን ሽማግለታትን ዲያቆናትን እያ እተጻሕፈት። (ፊሊ 1:1) ይኹን ደኣምበር እቲ መልእኽቲ ንኹለን ኣብያተክርስትያናት ይምልከት እዩ።

4. ከተማ ፊሊጲ

ፊሊጲ ኣብ መቄዶንያ (ሰሜናዊ ክፍለ ሃገር ናይ ግሪኽ) ብ356 ዓ.ዓ. ብንጉስ ፊሊጶስ ኣቦ ዓቢይ ኣለክሳንደር እያ ተሰሪታ። ጽኑዕ ወተሃደራዊ ዕርዲ ኔርዋ። ብ168-167 ዓ.ዓ. ሮማውያን ንፊሊጲ ማሪኾማ። ነበርታ ድማ ብዙሓት ጥሮታ ዝወጹ ውተሃደራት ሮማ እዮም ኔሮም። በዚ ምኽንያት እዚ „ግዝኣት ሮማ“ (Roman Colony) ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ። ኣብኡ ዘሎ ሕግታት፣ ባህሊ፣ ቃንቋ፣ ኩሉ ነገር ልክዕ ከምቲ ናይ ከተማ ሮማ እዩ። ተቐማጦኣ በቲ ሮማዊ ዜግነቶም ብጣዕሚ ይኾርዑ ኔሮም፣ ብእኡ እዩ ጳውሎስ „ሃገርና ኣብ ሰማያት እዩ“ ኢሉ ጽሒፉሎም። እታ ኸተማ ብዙሕ ሮማዊ ጽልዋ ይሃልዋ ደኣምበር፣ ዝተፈላለየ እምነታት ከምኒ ናይ ግሪኽ፡ ናይ ግብጺ፡ ናይ ሮማ ኣማልኽቲን ይምለኹ ኔሮም። ውሑዳት ኣይሁዳውያን ኣንስቲ ከኣ ኣብ ገምገም ርባ ኮይነን ነቲ ልዑል ኣምላኽ ኣማልኽቲ ይሰግዳ ኔረን። (ግብ 16:13)

5. ማሕበር ፊሊጲ

እታ ማሕበር ኣብ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጉዕዞ ናይ ጳውሎስ ምስ ሲላስ ብ 49-52 ዓ.ም. እያ ተመስሪታ። እዞም ኣሕዋት ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ እዮም ናብ መቄዶንያ መጺኦም። በዚ እዋንዚ ወንጌል ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ ኣውሮጳ ተሰቢኹ። ቅድም ሊድያ ብድሕሪኡ ከኣ እቲ ሓላው እሱራትን ስድራቤቱን ድሒኖም። (ግብ 16:6-40)

6. ዕላማ ናይቲ ጽሑፍ

•    ንኤጳፍሮዲጦስ (ንጳውሎስ ንኸገልግል ካብ ፊሊጲ ዝተላእከ ኣገልጋሊ) ኣብ ሮማ ብምድንጓዩን ብምሕማሙን   ሓሳብ ሰብ ፊሊጲ ንምሕላው (2:25-30)
•    ጳውሎስ ንሰብ ፊሊጲ ሃለዋቱ ከፍልጦምን በቲ ዝተገብረሉ ደገፍ ከመስግን ስለዝደለየ (1:5; 4:15-16)
•    ንሓሰውቲ መማህራንን ዓሌታውያንን ብዛዕባ ግዝረት ዝመሃርዎ ከፍሽል ስለ ዝደለየ (3:2)
•    ኣብ መንጎ እቶም ኣመንቲ ዝነበረ ዘይምስምማዕ ንምፍታሕ (1:27; 2:2-4; 4:2)

7. ፍሉይ መለለዪ ናይዛ መልእኽቲ

•    ጳውሎስ ካብ ኩለን ካልኦት መልእኽትታት ንላዕሊ ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወቱ ብብዝሒ ዝጸሓፈላ መልእኽቲ

     እያ።
•    ንጳውሎስ ኣብቲ ናይ ወንጌል ኣገልግሎቱ ብንዋትን ብገንዘብን ብሰብን ደጋጊሞም ዝደገፍዎ ሰብ ፊሊጲ ጥራሕ እዮም።
•    ልዕሊ 15 ጊዜ ምስ ሓጐስ ዝተታሓሓዘ ቃላት ይርከብዋ።

8. ዓበይቲ ኣርእስትታት ናይዛ መልእኽቲ


•    ባህታን ሓጎስን

ባህታ ካብ chara ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል እዩ ዝመጸ። ትርጉሙ ደስታኻ/ሓጎስካ ምግላጽ ማለትዩ። ምስቲ charis „ጸጋ/ሞጐስ“ ዝብል ቃል ይዛመድ። ካብ ኣምላኽ ብዝርከብ ጸጋ/ሞጐስ ዝመጽእ ሓጐስ ማለትዩ። ገሊኣቶም ከምዘንጸባርቕዎ ክርስትና ናይ ጓሂ እምነት ኣይኮነን፡ ናይ ሓጐስን ፍቕርን እምነት ደኣምበር። (ሮሜ 14:17) ብዛዕባ ባህታ ዝዛረባ ጥቕስታት፡ 1:3-4; 1:18; 1:25-26; 2:2; 2:17-18; 2:28-29; 3:1; 4:1; 4:4; 4:10;

•    ሕብረት

ሕብረት ካብ Koinonia  ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል እዩ ዝመጸ። ትርጉሙ ከኣ ቀረባ ዝምድና፡ ዝጠበቐ ዕርክነት፡ ንጡፍ ተሳታፍነት፡ ዘሎካን ዝስምዓካን ምምቓል፡ ሽርክነት እዩ። ብዛዕባ ሕብረት ዝዛረባ ጥቕስታት፡ 1:5; 1:7; 2:1; 3:10; 4:14; 4:15;
 
•    ሓድነትን ርእስኻ ምኽሓድን

ጳውሎስ ኣዝዩ ዘፍቅሮም ሰብ ፊሊጲ ኣብ መንጎኦም ገለ ዘይምስምማዕ ኔርዎም። ነዚ ናብቲ ቀንዲ ዕላማ ብምትኳር (ክርስቶስ ክስበኽ)፡ ርእስኻ ብምኽሃድ፡ ብትሕትና ብምምልላስ፡ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ብምቅዋም፡ ብዛዕባ ካልኦት ሰናይ ዘበለ ብምሕሳብ ከምዝፈትሕዎ ሓቢርዎም። ብዛዕባ ሓድነትን ርእስኻ ምኽሓድን ዝዛረባ ጥቕስታት፡ 1:15-17; 1:27-28; 2:2-4; 2:5-11; 2:14-16; 2:19-21; 3:2; 3:3-8; 3:17-19; 4:2; 4:8-9;

•    ብክርስቶስ/ብጐይታ

ጳውሎስ ከምኡውን ዮሃንስ ኣብ ጽሑፋቶም ብዙሕ ጊዜ ብክርስቶስ/ብጐይታ en Christo/ en kurios ይብሉ እዮም። እቲ „ብ“ „en“  ዝብል ፊደል ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር፡ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ፡ ምስ … ብጥብቂ ብምትሕብባር ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ስለዚ ምፍጣርና፡ ምድሓንና፡ ብህይወት ምህላውና፡ ምግላጋልና፡ ዘልኣለማዊ ህይወት ምርካብና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርን ጽልዋ ጐይታና የሱስ ኰንና ኢና ረኺብናዮ።  ብዛዕባ ብክርስቶስ/ብጐይታ ዝዛረባ ጥቕስታት፡ 1:1; 1:14; 1:26; 2:19-20; 2:24; 2:30; 3:1; 3:3; 3:8-9; 3:14; 4:1; 4:2; 4:4; 4:7; 4:10; 4:21


Last Updated ( Tuesday, 24 July 2007 )
 
< Prev   Next >
  • Send Postcard !
  • Advertismnet!

    Our Favorite Links

    www.bible.org
    Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

    Christ for all Nations, Cfan
    cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
    http://www.cfan.org
     
    Release Eritrea!
    release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha

    Who's Online

    We have 6 guests online
    • tigrina
    • English

    Agelglot.com

    Syndicate

    Video

    EGMM pro Mezmur

    EGMM PRO MEZMUR  

    EGMM pro Sbket

    EGMM PRO SBKET  

    EGMM pro Books»

    EGMM ORO BOOKS 

    Active Quiz»

    Active Quiz 

    EGMM PRO REDIET»

    EGMM PRO REDIET