Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Friday
Sep 03rd
Home arrow Articles arrow Cell Group Material arrow ኣገዳስነት ልቢ ብዓይኒ ቃል ኣምላኽ !
ኣገዳስነት ልቢ ብዓይኒ ቃል ኣምላኽ ! PDF Print E-mail
Friday, 13 April 2007

1. ልቢ ብስምዒታዊ መዳይ ክረአ ከሎ


  ይሓዝን ። መዝ 13:2,38:8, ህዝ 13:22          ይሕጐስ ። መዝ 13:5,16:9-10
  ይጒሂ ። ነህ 2:2                            ይጭነቕ ። መዝ 25:17,55:4
  ይምረር ። መዝ 73:21                       ይስምብድ ። መዝ 143:4   ልቢ ይብኪ ። ኢሳ15:5,ኤር 48:36              የእዊ(ሓገዝ ብምድላይ) ። ድጕ 2:18
  ይናወጸ ወይ ይሽበር ።  እያ 14:8,ሆሴ 11:8       ይቈስል  ። 1ነገ 8:38,መዝ 109:22  
  ልቢ ይስበር ። መዝ 109:16                   ክጽምሉን ክንቅጽን ይኽእል ። መዝ102:4
  ይፈቱ ። መሳ 19:3                          ይከዖ(ኣብ ግዜ ንስሓ) ። ድጕ 2:19
  ይግልበጥ(ብሰንኪ ስቓይን ሓዘንን) ። ደጕ 1:20     ይፈስስ(ጾር ንምርጋፍ) ። መዝ 62:8      
           
 

2. ልቢ ብድሌታዊ መዳይ ክረአ ከሎ


  ድሌት ኣለዎ ። ዘሁ15:39, መዝ 37:4, ምሳ 13:12,19, 2ቈረ 8:12,19
  ሃረርታ ኣለዎ ። ሮሜ 9:1
  ትምኒት ኣለዎ ።  መዝ 10:2-3,20:4,21:2

3. ልቢ ብፍቓዳዊ መዳይ ክርአ ከሎ

  ፍቓድ ኣለዎ  2ቈረ 8:12,19 ። ሰለዝዀነ ድማ ልቢ:
  ንምሃብ ይሕልን 2ቈረ 9:7
  ፈቲዩ ይህብ ዘጸ 35:5,22
  ህያብ ንምሃብ ንሰብ ይለዓዕሎን ይደፍኦን ። ዘጸ 35:21,29
  ንዕዮ ኣምላኽ ይድርኽ ። ዘጸ 36:2
  ትሕት ክብል ይኽእል ። ዳኒ 5:22
  ንድሕሪት ክምለስ ወይ ከይምለስ ይኽእል ። መዝ 44:18-19
  ውሳኔን ክውስንን ኣብ ውሳኔኡ ክጽንዕ ይኽእል ። 1ቈረ 7:37

4. ልቢ ብፍልጠታዊ መዳይ ክርአ ከሎ


  መገዲ ኣለዎ ። መክ 11:9,ኢሳ 57:18
  ዝኸደሉ መገዲ ይምድብ ። ምሳ 16:8
  ይኸይድ ።    2ነገ 5:26
  ናይ ርእሱ ዝዀነ ሓሳብ ኣለዎ ። መዝ 33:11,49:3, 73:7, 1ዜና 22:7,    
                          2ዜና 6:7-8, ኤር 23:20,30:24,ግብ 8:22
  ሓሳባት የዳሉ። ምሳ 16:1
  ይዛረብ ። ዘዳ 18:21, መዝ 27:8, 36:1,ምሳ 23:23,ኢሳ 40:2
  የስተንትን ።  መዝ 77:6
  ይርስዕ ። መዝ 31:12
  ይመርሕ ። መክ 2:3
 

5. ቃል ኣምላኻዊ መግለጺ ብዛዕባ ልቢ


   ምንጪ ህይወት እዩ ። ምሳ 4 :23,20:5
   ልቢ ዓሚቕ ኢዩ ። መዝ 64:6, ምሳ 20:5
   ካብ ኩሉ ጐራሕን ኣዚዩ ሕሱምን እዩ ። ኤር 17:9

6. ልቢ ብታኣማንነት መዳይ ክርአ ከሎ


  ኣብ እግዚኣብሄር ይጸንዕ ። መዝ 31 :24
  ኣብ እግዚኣብሄር ይእመን ። ምሳ 3 :5
  ይጠልም ። መዝ 40:12
  እከይ ይሓስብን ሓሶት ይዛረብን ። ዳኒ 11:27
  ይጠራጠር(ይወላወል) ። ማር 11:23

7. ግዳማዊ ኣካል ኣብ ልዕሊ ልቢ ሰብ ዘለዎ ጽልዋ

 
 7.1 እግዚኣብሄር ኣብ ልቢ እቲ ምኽሩ ንምፍጻም ዝሓረዮ ሰብ ሓሳብ ከአቱ ይኽእል ። ግብ 7:23       
     ንኣብነት: ሙሴ
 7.2 ስይጣን እውን ነቲ ክፉእ ዕላምኡ ንምፍጻም ሓሳቡ ኣብ ልቢ ሰብ’ዩ ከአቱ ዝደሊ። ዮሃ 13:2
     ንኣብነት: ይሁዳ ኣስቆሮታዊ, ሃናንያን ስጲራን ግብ 5:3
 7.3 ከምኡ’ውን በዞም ስዒቦም ተዘርዚሮም ዘለዉ ምኽንያታትን ካልእን ንልቢ ናብ ሓደ ወገን  
     ክዘብል ይኽእል እዩ ።
•    ብዝዝረብ ቃላት  መሳ 9:3, 2ሳሙ15:6,13, እያ 14:8
•    ብፍቕሪ(ወላዲ)   2ሳሙ14:1,መሃ 4:9
•    ብኣንስቲ ወይ ሰበይቲ 1ነገ 11:3,ምሳ 7:25-27,ዘዳ 17:17
•    ሃብቲ ዘዳ 17:17, መዝ 62:10      
•    ኣብዛ በቲ እኩይ ተታሒዛ ዘላ ዓለም ዘሎ ክፍኣት መዝ 141:4,1ዮሃ 5:19
•    ስስዐ መዝ 119:36

8. ልቢ ነቲ ድሒሩ ብተግባር ዝፍጸም ጽብቕ ይኹን ሕማቕ ተግባር መበግሲ ኢዩ ።


•    ንስሓ ኣብ ልቢ’ዩ ዝጅምር ። ሮሜ 2:5
•    ናይ ቅድስና ሓሳብ ኣብ ልቢ’ዩ ዝሕለን ። 2ዜና 29:34, ዳኒ 1:8,1ጴጥ 3:15
•    በደል ቅድም ኣብ ልቢ’ዩ ዝፍጸም ። መዝ 58:2
•    ጌጋ መሰረቱ ኣብ ልቢ’ዩ ። መዝ 95:10, እብ 3:10(ስሕተት)
•    እኩይ ኣብ ልቢ’ዩ ዝህቐን ። መዝ 140:1-2, ዳኒ 11:27(እኩይ ሓሳብ)
•    ግፍዒ ኣብ ልቢ’ዩ ዝሕሰብ ። ምሳ 24:1-2
•    ትዕቢት ኣብ ልቢ’ዩ ዝጅምር ። ዳኒ 8:25, ምሳ 18:12
•    ረሲእነት ካብ ልቢ’ዩ ዝብገስ ። እዮ 36:13
•    ኣምላኽ ዘይከብረሉ ሓሳብ ካብ ልቢ’ዩ ዝለዓል ። ሉቃ 24:38
  ጐይታ የሱስ’ውን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣስፍሕ ኣቢሉ ኣብ ማር 7:21 ተዛሪቡ ኣሎ ።

9. ፍሉይነት ናይ ልቢ


   ኣዒንቲ ኣለዎ። ምሳ 27:19 ,ኤፌ 1:18
   ህይወት ኣለዎ ። መዝ 22:26,69:32-33
   ናይ ምስሓብ ሓይሊ ኣለዎ ። እዮ 15:12
   ሰብ ክስሕቅ ከሎ ልቢ ክጕሂ ይኽእል’ዩ ። ምሳ 14:13
   ሰብ ክሓዝን ከሎ ድማ ልቢ ክሕጐስ ይኽእል’ዩ ። መክ 7:3
   ሰብ ዋላ እኳ እንተደቀሰ ልቢ ንቑሕ ኢዩ ። መሃ 5:2

10. ልቢ ከም ሕልና ክሰርሕ ከሎ


1.    ሰብ ቅኑዕ ዘይኰነ ተግባር ክገብር ከሎ ልቢ ይሽበር(ይወቅዕ) ። 1ሳሙ 24:6,2ሳሙ 24:10,
2.    ሰብ ኣብ ሓቅን ጽድቂ ኣምላኽን ከምዘሎ ልቢ ይምስክር ። እዮ 27:6,1ዮሃ 3:21
3.    ከምቲ ዝግበኦ ንዘይነብር ሰብ ድማ ልቢ ይነቕፍ ። 1ዮሃ 3:19-20
4.    ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ልቢ ይረትዕ ። ግብ 2:37

11. ንእግዚኣብሄር ባህ ዘብል ዓይነታት ልቢ

•    ጽጹይ ልቢ  ዘፍ 20:5-6
•    ፍታው(ፍቶት ዘለዎ ልቢ) ዘጸ 25:2,35:5,22,2ዜና 29:31
•    ጥበበኛ ልቢ ዘጸ 35:10,36:8,መዝ 90:12,ምሳ10:8,11:29,15:14,16:21,23,
   መክ 7:4,8:5-6,10:2
•    ዝእዘዝ ልቢ ዘዳ 5:27-28,29,ሮሜ 6:18
•    ርህራሄ(ደንጋጸ) ዝተመልአ ልቢ ዘዳ 15:7,10
•    ጽቡቕ ልቢ ዘዳ 28:47
•    ሕጉስ ልቢ 1ነገ 8:66,ምሳ 15:13,15,16:22
•    ፍጹም ልቢ 1ነገ 11:4,15:14,1ዜና12:38,መዝ 101:2
•    ቅኑዕ ልቢ  2ነገ 10:15,1ዜና29:17,2ዜና29:34,መዝ 32:11,36:10,64:10,94:15 97:11,125:4
•    ልስሉስ ልቢ 2ነገ 22:19
•    ዘይምቁል(ዘይጠራጠር) ልቢ 1ዜና 12:33, ማር 11:23
•    እሙን ልቢ ነህ 8:9
•    ንጹህ ልቢ  መዝ 24:4,73:1,ምሳ 22:11,1ጢሞ 1:5, 2ጢሞ 2:22, 1ጴጥ 1:22-23
•    ዘይፈርህ(ተባዕ)ልቢ መዝ 27:3
•    ስቡር ልቢ መዝ 34:18,109:16,ኢሳ 61:1
•    ጽሩይ ልቢ መዝ 51:10
•    ቅጥቁጥ ልቢ መዝ 51:17
•    ገፊሕ ልቢ 1ነገ 4:29, መዝ 119:12, ኢሳ 60:5, 2ቈረ 6:11,7:2
•    ንቃል ኣምላኽ ዝፈርህ ልቢ መዝ 119:161
•    ትሑት(ዝደንን) ልቢ መዝ 131:1,ማቴ 11:29-30, መዝ 119:112,ምሳ 2:1-2
•    ዓቃል ልቢ ምሳ 14:30
•    ድቁስ ልቢ ኢሳ 57:15
•    ግሩህ ልቢ ግብ 2:46,ሮሜ 16:17-18,ኤፌ 6:5,ቈሌ 3:22

12. ካብ እግዚኣብሄር ዝዓለዉ ዓይነታት ልቢ


•    ጽንዓት ወይ ተሪር ልቢ ዘጸ 4:21,7:14,2ዜና 36:13, እዮ 11:20,ምሳ 28:14,
   ኢሳ 46:12,ኤር 9:14,ህዝ 3:7,ማር 16:14, ኤፌ 4:18
•    ናብ ቃል እግዚኣብሄር ዘየድህብ ልቢ ዘጸ 9:21
•    ጽልኢ ዝተመልአ ልቢ ዘሌ 19:17
•    ዘይተገዝረ ልቢ ዘሌ 26:41,ኤር 9:25-26,ህዝ 44:7,ግብ 7:51
•    ተጻራሪ ልቢ ዘዳ 2:30
•    ካብ እግዚኣብሄር ዝርሕቕ ልቢ ዘዳ 29:18,19,(ኢሳ 29:17,ማቴ 15:8),ኤር 17:5
•    ትዕቢተኛ ልቢ 2ነገ 14:10,ምሳ16:5,18:12,ኢሳ 10:12,ህዝ 28:2,5,17,31:10,ኦብ 1:3
•    ዝንዕቕ ልቢ 1ዜና 15:29,ምሳ 5:12-14
•    ዝተጠበረ ልቢ እዮ 31:27, ኢሳ 44:20
•    ክልተ ልቢ መዝ 12:2,ያእ 1:7-8, 4:8, ምቁል ልቢ ሆሴ 10:12
•    ውግእ ዘለዎ ልቢ መዝ 55:21
•    ቀጥ ዘይበለ ልቢ መዝ 78:5-8, ዝናወጽ ልቢ ኢሳ 7:2
•    ቄናን ልቢ መዝ 101:4,ምሳ12:8
•    ኵሩዕ ልቢ መዝ 101:5,ኢሳ 9:9-10,ኤር 49:16, ኳዕናን ልቢ ኤር 48:29
•    ስቡሕ ልቢ መዝ 119:70,17:10,ሆሴ 13:8,ዮኤ 2:13, ረጒድ ልቢ ማቴ 13:14-15,
   ዮሃ 12:39-40,ሮሜ 1:21
•    እኩይ ምኽሪ ዝፍሕስ ልቢ ምሳ 6:18,6:14,26:23
•    ተንኰለኛ ልቢ ምሳ 7:10,6:14
•    ዘይፈሪ(መኻን) ልቢ ምሳ 10:20
•    ጠዋይ ልቢ ምሳ 11:20,16:20
•    ጨካን ልቢ ምሳ 12:10
•    እምቢተኛን ዓላዊ ልቢ ምሳ 14:14, ኤር 5:23
•    ተጸባጻቢ ልቢ ምሳ 23:7
•    ሕዙን ልቢ ምሳ 25:20 ?
•    ሕሉል ልቢ ኢሳ 1:5
•    ድፉን ልቢ ኢሳ 6:10,44:18,ማር 6:52, 8:17
•    ፈራህ ልቢ 33:4
•    ህልኸኛ ልቢ ኤር 7:24, ድርቕና ዘለዎ ልቢ ደጒ 3:64
•    ዝሓረነ ልቢ ህዝ 2:4,3:7
•    ዘማዊ ልቢ  ህዝ 6:9, ማቴ 5:28
•    ብልሽው ልቢ ህዝ 16:30-31
•    ንምእማን ዝድንጒ ልቢ  ሉቃ 24:25
•    ዘይቅኑዕ ልቢ ግብ 8:21
•    ሽፉን ልቢ 2ቈረ 3:15
•    ጸቢብ(ዕጹው) ልቢ  2ቈረ 6:12
•    እኩይ ዘይኣምን ልቢ እብ 3:12-13

13. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስ ልቢ ኣዛሚዱ ንህዝቡ ዝሓቶ ነገራት

    ብኹሉ ልብና ክንደልዮ ። ዘዳ 4:9,መዝ119:2
    ብኹሉ ልብና ክንፈትዎን ክንፍቅሮን ። ዘዳ 6:5,30:6, ማቴ 22:37
    ብምሉእ ልብና ከነገልግሎ ። ዘዳ 10:12-13,11:13,እያ 22:5,1ሳሙ 12:20
    ነቲ ኣምላኽ ተዛሪቡ ኣብ ህይወትና ዝፈጸሞ ተስፋኡ ብኹሉ ልብና ክንፈልጦ ። እያ 23:14
    ንእግዚኣብሄር ብምሉእ ልብና ኣሚና ከነገልግሎ ። 1ሳሙ 12:24,1ዜና 28:9
    ብእምነትን ብምሉእ ልብን ኣብ ቅድሚኡ ክንመላለስ ። 1ነገ 2:4
    ልብና ፈጺሙ ምስ እግዚኣብሄር ክኸውን 1ነገ 8:61
    ብኹሉ ልብና ድድሕሪ እግዚኣብሄር ክንከይድ ። 2ነገ 23:3
    ንእግዚኣብሄር ብፍጹም ልቢ ፈቲና ክንህቦ ። 1ዜና 29:9
    ዕዮኡ ብምሉእ ልቢ ክግበር ። 2ዜና 31:21
    ብምሉእ ልቢ ክምስገን ። መዝ 9:1,86:12-13
    ብምሉእ ልቢ ክንጽሊ ። መዝ 119:145
    ብምሉእ ልብና ብኣምላኽ ክንእመን ። ምሳ 3:5,ግብ 8:37,ሮሜ 10:9-11
    ልብና ንቃሉ ኣጽኒዑ ክሕዞ ። ምሳ 4:4
    ንልብና ክንሕልዎ ። ምሳ 4:23
    ልብና ክንህቦ ። ምሳ 23:26
    ልብና ክንገዝር ። ኤር 4:4, ሮሜ 2:29
    ንክርስቶስ ብልብና ክንቅድሶ 1ጴጥ 3:15
ኣስተውዕል : ኣብዚ ተሰሚርሉ ዘሎ ሓረጋት ብምዕዛብ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ልቢ ካባና ከምዝጽበ ንምግማቱ ኣየሸግርን ።


14. ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ልቢ ዝህቦ መጠንቐቅታታት

•    ልቢ ከይዕበ ። ዘዳ 8:14,17, 9:4,5,17:19-20
•    ልቢ ከይስሕት ። ዘዳ 11:16-17, 17:17
•    ልቢ ሓሳብ ብልያል(ሰይጣን) ከይህልዎ ። ዘዳ 15:9
•    ብልቢ ይቕረ ክንብል ። ማቴ 18:35
•    ልቢ ርኹስ ነገር ከይምነ ። ምሳ 6:25-26, ማቴ 5:28

 
15. እግዚኣብሄር ብዛዕባ ልቢ ዝህበና ምኽሪታት

    ልብና ከይሽበርን ከይፈርህን ። ዘዳ 20:3-4, ዮሃ 14:1,27
    ልብና ብእግዚኣብሄር ክሕጐስ ። 1ዜና 16:10
    ልብና ክንምርምር ። መዝ 4:4
    ልብና ክብርትዕን ቀጥ ክብልን መዝ 27:14
    ተስፋና ኣብ እግዚኣብሄር ብምግባር ልብና ክነጽንዕ ። መዝ 31:24
    ኣብ ሃብቲ ልብና ከይነውድቕ ። መዝ 62:10
    ኣብ ኣምላኽ ክንውከልን ኣብ ቅድሚኡ ልብና ከነፍስስን ። መዝ62:8
    ልብና ንምዝራብ ከይቅልጥፍ ። መክ 5:2-3
    ጓሂ ካብ ልብና ከነርሕቕ ። መክ 11:10
    ብምሉእ ልብና ብጐይታ ጸኒዕና ክንነብር ። ግብ 11:23-24
    ብልብና ንጐይታ ክንቕነየሉን ክንደርሰሉን ክንዝምረሉን ። ኤፌ 5:18-19,ቈሌ 3:16
Comments
Add New Search
Write comment
Name:
Email:
 
Title:
Please input the anti-spam code that you can read in the image.
{poweredby} {poweredby}

3.26 Copyright (C) 2008 Compojoom.com / Copyright (C) 2007 Alain Georgette / Copyright (C) 2006 Frantisek Hliva. All rights reserved."

Last Updated ( Tuesday, 18 September 2007 )
 
< Prev
  • Send Postcard !
  • Advertismnet!

    Our Favorite Links

    www.bible.org
    Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

    Christ for all Nations, Cfan
    cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
    http://www.cfan.org
     
    Release Eritrea!
    release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha

    Who's Online

    We have 80 guests online
    • tigrina
    • English

    Agelglot.com

    Syndicate

    Video

    EGMM pro Mezmur

    EGMM PRO MEZMUR  

    EGMM pro Sbket

    EGMM PRO SBKET  

    EGMM pro Books»

    EGMM ORO BOOKS 

    Active Quiz»

    Active Quiz 

    EGMM PRO REDIET»

    EGMM PRO REDIET