Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Friday
Sep 03rd
Home
ህይወት ዳዊት PDF Print E-mail
Saturday, 16 February 2008
ሰብ ኣብ ጌጋ ብዘለዎ ኣረኣእያን ካብኡ ዝወስዶ ትምህርትን ኣብ ሰለስተ ክንመቕሎ ንኽእል፣
  •     ቀዳማይ። ጌጋ ዝገብር እሞ ጌጋ ከምዝገበረ ተረዲኡ ዝመሃረሉ።
  •     ካልኣይ። ጌጋ ዝገብር ግን ዘይመሃረሉ (ጌጋ ከምዝገበረውን ዘይፈልጥ)
  •     ሳልሳይ። ካብ ናይ ካልኦት ጌጋ ተማሂሩ ካብ ጌጋ ዝሕሎ  
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 2ጢሞ.3።16,17 «እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ። ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ። ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ። መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ። ንተግሳጽ። ንምቕናዕ። ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ፣» ይብል፣ ካብዚ ጽሑፍ እንመሃሮ ቃል ኣምላኽ ንትምህርትና ከምዝተጻሕፈ እዩ፣ ስለዚ ካብ ህይወት ቅዱሳን ክንመሃርን ካብቲ ንሳቶም ዝፈጸምዎ ጌጋታት ክንሕሎን ይግብኣና እዩ፣ ሓደ ካብቶም ንትምህርትና ዝኾኑና ቅዱሳን ኣቦና ዳዊት እዩ፣ ካብ ህይወቱ ገለ ነገራት ብምርኣይ እምበኣር ክንመሃረሉ ኢና፣

ህይወት ዳዊት ቅድሚ ጻውዒት


ዳዊት ቅድሚ ንንግስነት ምሕራዩ ወይ ምቕብኡ ዝነበሮ ህይወት።
    ካብ ስድርኡ ዝተዋህቦ ዕዮ ብእሙንነት ይዓይይ ኔሩ፣
    ንኣምላኽ ብመዝሙር ናይ ምምስጋን ልማድ ኔርዎ፣ ብተወሳኺ ድማ ቅድሚ ንጎልያድ ምቕታሉ ኣብ ናይ ጉስነት ግላዊ ህይወቱ ጸላእቲ ናይ ምቕታል ልምምድ ከምዝነበሮ ነንብብ፣ ብዙሓት ቅድሚ ናብ ዓቢ ዕዮ ምውፋርና እንጋገዮ ነገር  ቅድሚ ምውጻእና ክህልወና ዘለዎ ብሕታዊ ልምምድ ምዝንጋዕና እዩ፣ ንዳዊት እዚ ናይ በይኑ ናይ ጉስነት ህይወት ንእግዚኣብሄር ናይ ምፍላጥ ጊዜ ኔሩ። 1ሳሙ.17።26፣
    ዳዊት ኣብ ዘመን ጉስነቱ ካብ ዝገበሮን ንእግዚኣብሄር ባህ ዘበለን ንሕናውን ክንመሃረሉ ዝግብኣና ካልእ ነገር ንሓንቲ በጊዕ ዘለዎ ተገዳስነት እዩ፣ ሓንቲ ንእሽቶ በጊዕ ወይ ዕየት ብኣንበሳ ወይ ድቢ ምስ እትተሓዝ እንቋዕ ንዓይ ኣይበልዓኒ እምበር ብምባል ሸለል ዘይብልን እኳ ደኣ ነቲ እንስሳ ብጭሕሙ ሒዙ ካብ ኣፉ ዘግድፎ ተባዕ ጓሳ እዩ ኔሩ፣ እዚ ባህርዩ ድማ ጓሳ ህዝቢ ክኸውን ኣብቂዕዎ፣

 ድሕሪ ጻውዒት/ ቅብኣት ዝነበሮ ህይወት


1.    ንጸላእቱ ዘፍቅርን ንዝረግምዎ ዝምርቕን ሰብ ኔሩ


ሓደ ንኽቀትለካ ኣብ ዓድታትን በዓትታትን በረኻታትን ሃሰው ዝብለካ ዝነበረ። ኣምላኽ ዝነዓቖ። ቅብኣት ኣምላኽ ካብኡ ዘልገሰ። ንክቐትለካ ሰይፊ ደርብዩ ዘይተዓወተ ሰብ ሞይቱ ምስ እትሰምዕ እንታይ ዓይነት ስምዒት ምተሰምዓካ ? ዳዊት እቲ ብህይወቱ ዝደልዮ ዝነበረ ሳኦል ምስ ሞተ ከቢድ ሓዘን ተሰሚዕዎ።  «ሽዑ ዳዊት። ክዳውንቱ ሒዙ ቐደደ። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኹሎም ሰባትውን ከምኡ ገበሩ፣» 2ሳሙ.1።11፣ ከምዚ ኢሉ ድማ ኣልቂሱሉ። «ዎ እስራኤል። እቲ ኽብረትካ ኣብ በረኽትኻ ተወግኤ። እቶም ጀጋኑኸ ኸመይ ኢሎም ወደቑ ? . . . ካብ ንስሪ ዚቕልጥፉ። ካብ ኣንበሳ ዚሕይሉ ነበሩ፣» 2ሳሙ.1።19,23፣ ኣብዚ ናይ ሳኦል ክፉእ ገዲፉ ጽቡቑ ክጽብጽብ ከሎ ንርእዮ፣ እዚ ከኣ ሓደ ካብቲ ከም ልቢ ኣምላኽ ዝኾነ ሰብ ዘበሎ ነገር እዩ፣

ዳዊት እምበኣር ከምቲ ብዙሓት ሰባት ዝብልዎ ኣእጋሩ ኣብ ብሉይ ልቡ ግን ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ዝነበረ ሰብ እዩ፣ ጎይታ የሱስ ‘ጸላእትኹም ኣፍቅሩ። ንዝረግምኹም መርቑ’ ዝበሎ ትምህርቲ ኣብ ህይወት ዳዊት ንርእዮ ኢና፣ ክቡር ኣንባቢ ነዚ ህይወትን ንትምህርቲ ጎይታና የሱስን ኣብ ህወትካ ከመይ ትረኽቦ ? ንእሽቶ በደል ንዝበደለና ሓውና ንጽልየሉ ነፍቅሮዶ ? ቃል እግዚኣብሄር ከምኡ ክንገብር ይምህረና፣

2.  ፍቓድ ኣምላኽ ዝሓትት ሰብ ኔሩ


ዳዊት ፍቓድ ኣምላኽ ናይ ምሕታት ልማድ ኔርዎ። 1ሳሙ.23።2, 2ሳሙ.5።19, 1ሳሙ.30።8, 2ሳሙ.2።1 ከነንብብ ንኽእል፣ ዳዊት ኣብ ውግእ ጅግና ዝነበረን ኣብ ዝገጠሞ ውግእ ዝዕወት ዝነበረን እግዚኣብሄር ዝሃቦ ቅዲ (Strategy) ይጥቀም ስለዝነበረ እዩ፣ ኣብ እትኽእሎ ወይ እትመልኮ ነገር ፍቓድ ኣምላኽ ምሕታት ኣብ ኣምላኽ ናይ ዘሎካ ትውክልቲ ዝዓበየ መግለጺ እዩ፣ ንሕናውን ናይ ገዛእ ርእስና ስለዘይኮንና ኣብቲ ዘይንኽእሎ ወይ ዘይዓቕምና ኣብዝኾነ ነገር ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ እንመልኮውን ፍቓድ ኣምላኽ ምሕታት ከነጥርዮ ዘሎና ኣምላኻዊ ባህርይ እዩ፣

3.    ሕነ ናይ ዘይምፍዳይ ባህርይ ኔርዎ


ኣብ 2ሳሙ.4።8 ገለ ሰባት «. . . ርእሲ ኢሽ-ቦሸት። ወዲ እቲ ንነፍስኻ ዚደልያ ዝነበረ ሳኦል ጸላኢኻ። እንሆልካ፣ እግዚኣብሄር ሎሚ ንጎይታይ ንጉስ ካብ ሳኦልን ካብ ዘርኡን ሕነ ፈደየሉ።» ምስ በልዎ። እቲ ሕነ ምፍዳይ ናቱ ከምዘይኮነ ዝርድኦ ዝነበረ ዳዊት ግን «ዝገደደ ግዳ እኩያት ሰባት ነቲ ጻድቕ ሰብኣይ ኣብ ቤቱን ኣብ መደቀሲኡን ዝቐተልዎ። ሕጂ ኸኣ ከመይ እቲ ደሙ ኻብ ኣእዳውኩምዶ ኣይደልዮን ? ካብ ምድርስ ኣየጥፍኣኩምንዶ ?» 2ሳሙ4።11 ኢሉ እዩ መሊሱሎም፣ እቲ በዓል ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ.12።19 ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ምፍዳይ ሕነ ናይ እግዚኣብሄር ምዃኑ ዝጸሓፍዎ ዝተረድኦ ይመስል፣ ዳዊት ከምቲ ኣምልኾን ስግደትን ንእግዚኣብሄር ጥራይ ስለዝምልከት ስግደት ወይ ኣምልኾ ዘይቅበል ከምኡ ድማ ምፍዳይ ሕነ ናይ እግዚኣብሄር ከምዝኾነ ይርድኦ ኔሩ፣ ኣምልኾ ንእግዚኣብሄር ጥራይ እዩ ዝግባእ ምፍዳይ ሕነ ድማ ልክዕ ከምኡ፣

4.     ንእግዚኣብሄር ናይ ምጽባይ ባህርይ ኔርዎ 2ሳሙ.5።4

ኣስታት ወዲ 17 ዓመት ኣቢሉ ምስ ተቐብአ ክሳብ ወዲ 30 ዓመት ዝኸውን ኣይነገሰን፣ ወዲ 30 ዓመት
ምስ ኮነ ኣብ ይሁዳ ጥራይ። ወዲ 37 ዓመት ምስ ኮነ ድማ ኣብ መላእ እስራኤል ከምዝነገሰ ኢና ንርኢ፣ ከምዚ ክኸውን ዝኸኣለ ብህድኣት ኢዱ ከይሓወሰ ንኣምላኽ ይጽበ ስለዝነበረ እዩ፣  ኣምላኽ ኣብ ጊዜ ንእስነትካ ምስ ቀብኣካ ብብዙሕ መንገድታት ኣሕሊፉ ዝበለጸ ንጉስ ክትከውን ከም ዝሰርሓካ ዝተረድአ ይመስል፣  «ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ። ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ኩሉ ንሰናይ ከም ዚድግፎም። ንፈልጥ ኢና፣» ሮሜ.8።28፣ ንሕና ግን ንቕደም ስለዝመስለና ባዕልና ክንነግስ ኢና እንጓየ፣ ኣብ ኣምላኽ ምእማንን ምውካልን ዝበለጹ ተጸበይቲ ይገብረና፣
 
5.    ንኣምላኽ ዝኸውን ነገር ናይ ምሕሳብ ባህርይ ኔርዎ 2ሳሙ.7።1

«ኮነ ድማ። እቲ ንጉስ ኣብ ቤቱ ምስ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ከኣ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ኹሎም ጸላእቱ ምስ ኣዕረፎ። እቲ ንጉስ ንነነብዩ ናታን። ርኤማ በጃኻ። ኣነ ኣብ ቤት ጽሕዲ ኽነብር ከለኹስ። ታቦት ኣምላኽ ኣብ ማእከል ድንኳን ዓለባታት ተቐሚጡ ኣሎ። በሎ፣» 2ሳሙ.7።1-2፣ ካብዚ እንመሃሮ ምስ ኣዕረፈ ኣነ ኣብ ዝበለጸ ቦታ ተቐሚጠ ታቦት ኣምላኽ ድማ ኣብ ድንኳን ዓለባታት ኣሎ ብምባሉ ንቤት ኣምላኽ ዘለዎ ሓልዮትን ተገዳስነትን የርኢ፣ ኣብዚ ጊዜ እዚ ኣምላኽ ቤት ስርሓለይ ክብሎ ኣይንርእን፣ ኣብ ልቢ ኣምላኽ ዝነበረ ሓሳብ ግን ኣብ ልቡ ስለ ዝነበረ ቤት ክሰርሓሉ ከምዝተለዓዓለ ንርኢ፣

6.    ናይ ኣምልኾ ሰብ ኔሩ 2ሳሙ.6

ኣብ ዳዊት እንርእዮ ካልእ ፍሉይ ባህርይ ድማ ኣምልኾ እዩ፣ ኣብ ህይወቱ ብዘሕለፎ ኩሉ መዝሙር ይዝምር ብመሰንቆን ከበሮን ሳዕስዒትን ንኣምላኽ የምልኽ ከምዝነበረ ንርኢ፣ እዚ ኩሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መዛሙርውን ናይዚ ውጽኢት እዩ፣ ኣብ 2ሳሙ.6።14 ከም እንርእዮ ዳዊት ኤፎድ ልሕጺ እንጣጢዕ ተዓጢቑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብምሉእ ሓይሉ ይስዕስዕ ነበረ፣ ዳዊትን ብዘለዉ ቤት እስራኤልን ከኣ ንታቦት እግዚኣብሄር ብእልልታን ብቓና መለኸትን ኣደየብዎ፣ ድሕሪ ኣምልኾኡ ድማ በቲ ዝነበረ በረኸት ንቤቱ ክባርኽ ተመልሰ (ጥቕሲ 20)፣ ብዙሓት ናይ ኣምላኽ ኣገልገልቲ መንፈሳዊ ህይወትና ኣብ ደገን ኣብ ገዛን በበይኑ ይኸውን እዩ፣ እዚ ኣብ ዳዊት ዝነበረ ባህርይ ምስ ዝህልወና ግን ከምቲ ንኻልኦት ንባርኾም ንቤትናውን ንበረኸት ክንከውን ንኽእል ኢና፣
 
ይቕጽል . . .
መጽሄት መልእኽቲ ቁ.6
Comments
Add New Search
Write comment
Name:
Email:
 
Title:
Please input the anti-spam code that you can read in the image.
{poweredby} {poweredby}

3.26 Copyright (C) 2008 Compojoom.com / Copyright (C) 2007 Alain Georgette / Copyright (C) 2006 Frantisek Hliva. All rights reserved."

Last Updated ( Saturday, 16 February 2008 )
 
Next >
Headline
  • Pause
  • Previous
  • Next
1/10
 
Daily devotion
‎ከምቲ ኣምላኽ ዝርእዮ ምርኣይ‎ ኣብ 1ይ ሳሙኤል እግዚኣብሄር ንሳኦል ዝትክእል ንጉስ ክቐብእ ምስ ደለየ ንሳሙኤል ናብ እንዳ እሰይ ልኢኽዎ። ሳሙኤል ከኣ ዘይቲ ኣብ ቀርኒ ሒዙ ድሕሪ ም...
 
Teaching
‎ደቀ መዝሙርነት ብሓደ ዓይነት ቅርጺ 'ዶ?‎ ራንዲ ዲ ሬይስብሩክ*  ካብ ኣገልግሎት ደቀ መዝሙርነት ተመክሮኡ "ኩኪስ ካተር" ዝብል ሓደ ጽሑፍ ኣቕሪቡ ኔሩ። መታን ክንመሃረሉ ትሕዝቶኡ...
Cell Group Material
ዉሕሉል ኣገባብ ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስ መእተዊ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጸ ቓል ስለዝኾነ፡ ኸም ዉሉድ ኣምላኽ መጠን ግዜ ወሲድካ ከተንብቦን ከተጽንዖን ይግባእ። መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣ...
 
Character Study
ህይወት ዳዊት ሰብ ኣብ ጌጋ ብዘለዎ ኣረኣእያን ካብኡ ዝወስዶ ትምህርትን ኣብ ሰለስተ ክንመቕሎ ንኽእል፣     ቀዳማይ። ጌጋ ዝገብር እሞ ጌጋ ከምዝገበረ ተረዲኡ ...
 
Witness
Image ቃለ-መሕትት ምስ ዘማሪት ምስ ሰላም ሓጎስ 2004 ሀ. ሕሉፍ ታሪኽ ህይወት 1.      ብዛዕባ ገዛእ ርእስኺን ድሕረ ባይታኽን ኣተዓባብኽን መዕለልክና ዶ ?  ስመይ ሰላም ሓጎስ እበሃል።...
   
News
Image መልሲ ንሰብ ሓዳር ንኣብ ሓዳር ዘጋጥሙ ሕቶታትን ብድሆታትን እትምልስ ብግልጽነት ንዘሎና ጸገማት ሓዳር እተርኢ ብቡርስን ኬሮል ብሪትንን ዝተጻሓፍት ብሓው ዮናስ ወልደርፉ...
Social Issue
Image ንመንእሰይ ዕውታት ዝገብርዎ ባእታታት 3ይ ክፋል 3 ብዛዕባ ካልኦት ሰናይ ኣረኣእያ ምምዕባል። ሎሚ ኩሉትና ኣብዛ ምውድዳርን ዝናን ዝበዛሓላ ዓለም ኢና ንንበር ዘሎና። ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ወዲ ...
     
 
  • Send Postcard !
  • Advertismnet!

    ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ  ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንመላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መገዲ መራኸቢ እንዝርግሕ ክርስትያናት ኢና።

    Read all Books in our Web

               
       

     

    Give your Vote!

    What do you like most about Eriwongel.com?
     
    What die you want to change?
     

    Our Favorite Links

    www.bible.org
    Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

    Christ for all Nations, Cfan
    cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
    http://www.cfan.org
     
    Release Eritrea!
    release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha

    Join the EGMM team

    We are seeking a English and Amharic translator / editor who will serve with us as voluntary translator.
    Grafic & web Designer
    If you are Graphic and web Designer and looking out for working in the Kingdom of our Heavly Father, then here's the right opportunity to work with us.
    Advertiser links Geezsoft.com
    Hier you can download free Geez Font
    Eristart.com
    First Eritrean Startpage 

    Who's Online

    We have 33 guests online
    • tigrina
    • English

    Movies

    Agelglot.com

    Compassdirect.org

    Syndicate


    EGMM pro Mezmur

    EGMM PRO MEZMUR  

    EGMM pro Sbket

    EGMM PRO SBKET  

    EGMM pro Books»

    EGMM ORO BOOKS 

    Active Quiz»

    Active Quiz 

    EGMM PRO REDIET»

    EGMM PRO REDIET