Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Friday
Mar 12th
Home
ህይወት ሳኦል ካበይ ናበይ PDF Print E-mail
Saturday, 16 February 2008
መጽሓፍ ቅዱስ ንትምህርትና ስለ ዝተጻሕፈ ኣብኡ ካብ ዘለዉ ሰባት ክንመሃር ፍቓድ ኣምላኽ እዩ፣ ካብቶም ኣብኡ ዝተጠቕሱ ሰባት ገሊኦም ብጽቡቕ ዝወድኡ ክኾኑ ከለዉ ገሊኦም ግን ብሕማቕ ዝወድኡ እዮም፣ እቲ ኩሉ ንዓኣቶም ዝበጽሖም ንዓና መለበሚ ንክኸውን ስለ ዝተጻሕፈ (1ቆረ.10።6,11) ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ካብ ህይወት ሳኦል ክንመሃር ኢና፣ ህዝቢ እስራኤል እግዚኣብሄር ንጉሶም ክኸውን ስለ ዘይደለዩን ከምቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ንጉስ ክሸመሎም ስለ ዝደለዩን እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ንጉስ ክሸመሎም ኣዚዝዎ፣
 እግዚኣብሄር ዝኾነ ሰብ መሪጹ ኣንግሶ ኢሉ ኣይሃቦን፣ እንታይ ደኣ ሳሙኤልን ሳኦልን ቅድሚ ምርኻቦም ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ ብዛዕባ ሳኦል ንሳሙኤል ሓቢርዎ፣ ኣብታ ዝተራኸቡላ መዓልቲ ከኣ “ሳሙኤል ንሳኦል ምስ ረኣዮ ኸኣ። እግዚኣብሄር። እቲ ዝበልኩኻ ሰብኣይ እንሆ። ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዚገዝእ እዚ እዩ በሎ፣” 1ሳሙ.9።17፣ ስለምንታይ እግዚኣብሄር ካብዚ ኩሉ ሰብ ንሳኦል መሪጽዎ? እንታይ ጽቡቕ ባህርያት ርእዩሉ ይኸውን? ገለ ካብቲ ጽቡቕ ባህርያቱ ቀጺልና ክንርእዮ ኢና።-

1.    እዙዝን እሙንን ኔሩ  1ሳሙ.9።1-10

ሳኦል መንእሰይ ኮይኑ ኣብ ቤት ኣቡኡ ክቕመጥ ከሎ ንኣቦኡ ዝእዘዝ መንእሰይ ኔሩ፣ ሓደ መዓልቲ ኣእዱግ ምስ ጠፍእኦም ኣቦኡ ክደልየን ነጊርዎ፣ መጽሓፍ ቅዱስ “ንቂስ ኣቦ ሳኦል ኣእዱግ ጠፍኣኦ” ይብለና፣ ሳኦል ናይ ኣቦኡ ዝኾነ ናቱ ከም ዝኾነ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ንምድላየን ኣይተወላወለን፣ ስለዚ ሓደ ካብቶም ግዙኣት ተማሊኡ ክደልየን ከደ፣ ኣእዱግ ክደሊ ዝበጽሖ ቦታታት እንተ ርኢናዮ (1ሳሙ.9።4-5) ኣእዱግ ክደሊ ክሳብ ክንደይ ከም ዝደኸመን ንርኢ፣ እግዚኣብሄር እዚ ናይ እሙንነት ባህርይ ከም ዝረኣየሉ ክንርዳእ ኣየጸግመናን እዩ፣ ኣብ ናይ ኣቦኡ ኣእዱግ ምድላይ ዝነበሮ እሙንነት ነቲ ኣብ ብዙሕ ዘሽይም ኣብ ሒደት እሙን ምዃን ዝብል ናይ ጎይታና የሱስ ትምህርቲ የዘክረና፣ ንስኻኸ በዚ ነገር እዚ ከመይ ኮን ትኸውን? ብዛዕባ ናይ ኣቦኻ ኣእዱግ ይግድሰካዶ? ናይ ኣቦኻ ናትና ከም ዝኾነ ትፈልጥዶ? ክትደልየን ከሎኻኸ ንስለ ምድላይዶ ወይስ ንኽትረኽበን ኢኻ እትደልየን?
 
2.    ቅድሚት ዝስራዕ ነገር ዝፈልጥ ምስትውዓል ዝነበሮ ሰብ ኔሩ፣ 1ሳሙ.9።5

ሳኦል ነተን ኣእዱግ ከይረኸብክወን ኣይምለስን እየ ዝብል ህልኽ ኣይነበሮን፣ ስለዚ ክገብሮ ዝኽእል ኩሉ ምስ ገበረ ኣቦኡ ብምጥፋእ ናይ ኣእዱግ ሓዲጉስ ብእኦም ይጭነቕ ከይህሉ ሓሲቡ ክምለስ ወሲኑ፣ ካብዚ እቲ ምስ ኣቦኡ ዝነበሮ ርክብ ኣብ ናይተን ኣእዱግ ምጥፋእን ምርካብን ከም ዘይምርኮስ ይርድኦ ከም ዝነበረ ንርዳእ፣ ቂስ ኣቦ ሳኦል ነተን ኣእዱግ ድለየን እምበር ነተን ኣእዱግ ከይረኸብካየን ከይትምለስ ኣይበሎን፣ ስለዚ ምስ ሰኣነን ከም ዝሰኣነን ንኽነግሮ ክምለስ ወሲኑ፣ ንሕናኸ እግዚኣብሄር ክልእከና ከሎ ክንገብሮ ካብ እንኽእል ንላዕሊ ክንገብር ዝሓተና ኮይኑዶ ይስምዓና? ኣምላኽ ካብ በተን ዝጠፍኣ ኣእዱግ ዝያዳ ብኣና ከም ዝግደስ ይርድኣናዶ? ጎይታ ምስትውዓል ይሃበና፣
3.    ንኣገልጋሊ ኣምላኽ ዘኽብር ሰብ ኔሩ፣ 1ሳሙ.9።7፣

ክምለሱ ምስ በሉ እቲ ምስኡ ዝነበረ ግዙእ ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ንሳሙኤል ክሓትዎ ኣማኺርዎ፣ ሽዑ ሳኦል ንኣገልጋሊ ኣምላኽ ዘኽብር ሰብ ስለዝነበረ ብዛዕባ ሒዝዎ ክኸይድ ዝነበሮ ህያብ ሓሲቡ፣ በዚ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዝግባእ ክብረት ኣቕሪቡ፣ ናብ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ከሎኻ ከም ሰባትን ከም ኣገልገልትን ክብረት ከም ዝግብኦም ትፈልጥዶ? በቲ ናይ ወንጌል ዕዮ እንተ በልዑ ሓጢኣት ከም ዘይኮነን ከም ዝግብኦምንከ ተስተውዕልዶ?

4.    ትሕትና ዝነበሮ ሰብ ኔሩ፣ 1ሳሙ.9።21 ። 1ሳሙ.10።14-16 ። 1ሳሙ.10።20-24

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሓት ናይ ኣምላኽ ሰባት ንእግዚኣብሄርን ንርእሶምን ስለ ዝርእዩ ንነፍሶም ከም ዘይብቕዕቲ እዮም ዝርእይዋ። ሳኦልውን ካብኦም ዝፍለ ኣይነበረን፣ ሳኦል ኣብ ምሉእ እስራኤል ካብኡ ዝምልክዕ ኮነ ካብኡ ዝነውሕ ሰብ ስለ ዘይነበረ 1ሳሙ.9።2 ‘ለካ እንዶ ግዳ ካብ ኩሉ ሰብ ዝጸበቕኩ/ዝነዋሕኩ ኮይነ’ ኢሉ ሃንደፍ ኢሉ ነዚ ናይ ንግስነት ሓሳብ ኣይተቐበሎን፣ እኳ ደኣ  ንዓይ ብዛዕባ ንግስነት ትዛረበኒስ ኣነ መን እየ? ኢሉ ክሓትት ንርእዮ፣ ናብ ዓዱ ምስ ተመልሰውን ሓዎቦኡ ንዝሓተቶ ሕቶ እቲ ብዛዕባ ምርካብ ናይተን ኣእዱግ ዝምልከት ጥራይ ነጊሩ እቲ ብዛዕባ ንግስነት ዝበሎ ግን ኣይነገሮን፣ ደቂ እስራኤል ንጉስ ንኽሸሙ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ተኣከቡውን ኣብ ማእከል ኣቓሑ ተሓቢኡ፣ እዚ ኩሉ ሳኦል ክሳብ ክንደይ ትሑት ከም ዝነበረ የርእየና፣ ኣምላኽ ከኣ ነቶም ትሕት ዝብሉ ስለ ዘልዕሎም ንሳኦል ከንግሶ ከሎ ንርኢ፣ ብብልሕኻ ዝሓዝካዮ ዝመስለካ ነገርን ዝበጻሕካዮ ዝመስለካ ደረጃን ኣሎዶ? ብዛዕባ ሓደ ነገር ተስፋ ምስ ተዋህበካኸ ተቐዳዲምካዶ ርእስኻ ተላሊ ወይስ ምዱብ ጊዜ ትጽበ?  

5.    ዕጉስ ኔሩ፣ 1ሳሙ.10።25-27

ሳኦል ንጉስ ምስ ተሸመን ኩሉ እቲ ህዝቢ ምስ መረቖን ሳሙኤል ነቲ ህዝቢ ናብ በቤቱ ሰደዶ፣ ሳኦል ከኣ ናብ ቤቱ ናብ ጊብዓ ከደ። ልቦም ዘንቅሐ ጀጋኑ ድማ ምስኡ ከዱ፣ እቶም ደቂ ብልያል ግን እዚ ደኣ ከመይ ጌሩ ከድሕነና እዩ ኢሎም ስለ ዝነዓቕዎ ገጽ በረኸት ኣይሃብዎን፣ ሳኦል ድሮ ንጉስ ስለ ዝኾነ ነዞም ሰባት ክቐጽዖም ኣይተሃንደደን፣ ንሱስ ከም ዘይሰምዐ ደኣ ኮነ፣ ሰባት ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ስልጣን ምቕባል ክኣብይዎ ከለዉ እንታይ ንገብር? ተቐቢእካ ክነስኻ ሰባት ክትንክዩኻን ስምካ ከጸልሙን ከለዉ እንታይ ትገብር? እቲ ንቕቡኣተይ ኣይትተንክዩዎም ዝበለ ኣምላኽ ክሳብ ዝሰርሕዶ ትጽበ ወይስ ብዛዕባ ርእስኻ ንምጥባቕ ባዕልኻ ስጉምቲ ትወስድ?
 
6.    ተባዕን ንኻልኦት ናይ ምሕጋዝ ባህርይን ዝነበሮ ሰብ ኔሩ፣ 1ሳሙ.11።1-11

ሰብ ያቤስ ጊልዓድ ረድኤት ደልዮም ናብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል ምስ ለኣኹ። እቶም ህዝቢ ክበኽዩ ምስ ረኣዮምን ክረድኦም ወሰነ፣ መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፣ ናተይ ጉዳይ ኣይኮነን ክብል ይኽእል ኔሩ። እንተኾነ ግን ነቶም ህዝቢ ከድሕኖም ከም ዘለዎ ስለ ዝተረድኦ ቅልጡፍን ተባዕን ስጉምቲ ወሲዱ፣ ካብ ኢድ ጸላእቶም ከኣ ኣድሒንዎም፣ ሰባት ተጸጊሞም ክትርኢ ከሎኻ ይስምዓካዶ? ተባዕን ቆራጽን ስጉምቲኸ ትወስድዶ? ሰባት ብሰይጣን ክጭቆኑ ከለዉ ከማኻ ሓራ ክኾኑ ትደሊዶ?

7.    ምሕረተኛ ኔሩ፣ 1ሳሙ.11።12

ኣብ ልዕሊ ዓሞናውያን ድሕሪ ምዕዋቱን ፋሕ ድሕሪ ምባሎምን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ነቶም ንግስነት ሳኦል ዘይተቐበሉ ሰባት ኽቐትልዎም ደልዮም፣ እዞም ክቕተሉ ዝበሃሉ ዘለዉ ሰባት ንሳኦል ዝነዓቑ። ሳኦል ከመይ ኢሉ ኣብ ልዕሌና ይነግስ ዝበሉ እዮም ኔሮም፣ እቲ ዝነዓቕዎን ዘነኣኣስዎን ሳኦል ግን ‘እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብ እስራኤል ምድሓን ገይሩ እዩ እሞ። በዛ መዓልቲ እዚኣ ሰብ ኣይመውትን። በለ’፣ ኣምላኽ እናኣልዓለካ ምስ ከደ ነቶም ዝንዕቁኻ ዝነበሩ እንታይ ትገብሮም? ትቐትሎምዶ ትምሕሮም?

ይቕጽል . . .
መጽሄት መልእኽቲ ቁ.8 

Comments
Add New Search
Write comment
Name:
Email:
 
Title:
Please input the anti-spam code that you can read in the image.
{poweredby} {poweredby}

3.26 Copyright (C) 2008 Compojoom.com / Copyright (C) 2007 Alain Georgette / Copyright (C) 2006 Frantisek Hliva. All rights reserved."

Last Updated ( Saturday, 16 February 2008 )
 
< Prev   Next >
Headline
  • Pause
  • Previous
  • Next
1/10
ምስክርነት ናይ ኣጸያፊ ጾታዊ ስራሕ ትሰርሕ ዝነበረት

"ባሮት ሓጢኣት ከሎኹምሲ ካብ ጽድቂ ውጹኣት ሓራ ኢኹም ዝነበርኩም። መወዳእትኡ ሞት ስለ ዝኾነ በዚ ሎሚ እትሓፍርሉ ዘሎኹም እንተ ዘይኮይኑስ በቲ ጊዜ እቲ እንታይ ፍሪኡ ነይርኩም፡ ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ናይ ዘልኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለዝወጻእኩም ኣምላኽውን ስለ ዘተገዛእኩምዎ ፍሬኹም ንቕድስና ኮይኑ ኣሎ መወዳእታኡ ኸኣ ናይ ዘልኣለም ህይወት እዩ። " ሮሜ 6 20-23

Read more...
 
Daily devotion
ምፍታን እምነት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፈተና ብዙሕ ጊዜ ተዛሪቡ ኣሎ። ገለ ካብኡ ምስ እንርኢ ‘ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር ናብ ፈተና ኣይተእትወና’ ኢልና ክን...
Message
‎እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ ፧‎ ሉቃ 18:41 “የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ናብኡ ኼምጽእዎ ኣዘዘ ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ የሱስ ፤ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ ፧ ኢሉ ሓተቶ ። ንሱ ኸኣ ፤ ...
 
Teaching
ክርስትናን ሃይማኖትን: ሕቖን ከብድን መእተዊ መብዛሕትና፡ ክርስትና ከም ሃይማኖት ኢና እንርድኦ። እዚ ግን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሰረት ዘይብሉ ግጉይ ርድኢት እዩ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ክርስትና ማ...
Cell Group Material
ዉሕሉል ኣገባብ ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስ መእተዊ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጸ ቓል ስለዝኾነ፡ ኸም ዉሉድ ኣምላኽ መጠን ግዜ ወሲድካ ከተንብቦን ከተጽንዖን ይግባእ። መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣ...
 
Character Study
ህይወት ዳዊት ሰብ ኣብ ጌጋ ብዘለዎ ኣረኣእያን ካብኡ ዝወስዶ ትምህርትን ኣብ ሰለስተ ክንመቕሎ ንኽእል፣     ቀዳማይ። ጌጋ ዝገብር እሞ ጌጋ ከምዝገበረ ተረዲኡ ...
 
Witness
Image ‎ቫንያ‎ ቐዳማይ ክፋል ኢቫን ቫሲሊየቪች ሞይሲየቭ (ብሕጽር ዝበለ ኣጸዋውዓ ወይ ሳጓ ድማ ቫንያ) ብ1952፣ ቮሎንቲሮቭካ ኣብ ዝተበሃለት ሓንቲ ቁሸት ናይ ግዝኣት...
         
 
  • ኣገልገልቲ
    ኣገልገልቲ እንታይ ይብሉ
    Letter5

    ሰክቡራትን ፍትዋትን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንዓኻትኩም ይኹን፣ እዚ ዘለናዮ እዋን....

  • ደቀንስትዮ
    ደቀንስትዮ እንታይ ይዛረባ? Welcome

    ክቡራትን ፍቑራትን ኣሕዋትን ኣዴታትን ኣዋልድ መንእሰያትን ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንዓኻትክን ይኹን። ኢሂን ምሂን እትብላሉ ብዛዕባ መንፈሳውን.........

  • መንእሰያት
    ካብ መንእሰያት ናብ መንእሰያት
    Letter3

    ሰላም ሰላም ንዓኻትኩም ኣብ ፈቐዶ ቦታታትን ሃገራትን ዘለኹም መንእሰያት። ጸጋን ሓጎስ ኣምላኽን ምሳኹም ይኹን። እንሆ ሓሳብኩም እትገልጽሉ ህርመት ልብኹም እትዛረቡሉ ርእይቶኹም ከኣ እትህቡሉ መድረኽ ተኸፊቱልኩም........

Advertismnet!

ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ  ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንመላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መገዲ መራኸቢ እንዝርግሕ ክርስትያናት ኢና።

Read all Books in our Web

           
   

 

Give your Vote!

What do you like most about Eriwongel.com?
 
What die you want to change?
 

Our Favorite Links

www.bible.org
Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

Christ for all Nations, Cfan
cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
http://www.cfan.org
 
Release Eritrea!
release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha

Join the EGMM team

We are seeking a English and Amharic translator / editor who will serve with us as voluntary translator.
Grafic & web Designer
If you are Graphic and web Designer and looking out for working in the Kingdom of our Heavly Father, then here's the right opportunity to work with us.
Advertiser links Geezsoft.com
Hier you can download free Geez Font
Eristart.com
First Eritrean Startpage 

Who's Online

We have 9 guests online
  • tigrina
  • English

Movies

Agelglot.com

Compassdirect.org

Syndicate


EGMM pro Mezmur

EGMM PRO MEZMUR  

EGMM pro Sbket

EGMM PRO SBKET  

EGMM pro Books»

EGMM ORO BOOKS 

Active Quiz»

Active Quiz 

EGMM PRO REDIET»

EGMM PRO REDIET