Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color
Member Area

Eriwongel.com

Friday
Sep 03rd
Home
መልእኽቲ ንኹሎም ሰዓብቲ ጐይታ፡- ካብቶም ኣብ ርእሲ ጸበባና ጸበባ ዝውስኹና ዘለው ሃዋርያት ሐሶት ንጠንቀቕ !!! PDF Print E-mail
Tuesday, 05 February 2008
1.    እቲ ምሉእ ስልጣን ዘለዎ ቃል ኣምላኽ እንታይ ይብል?  
እቲ ልዕሊ ኹሉ መለበታዊ ድምጺ ኣምላኽ ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ትሕቲ እግሪ ቤተ-ክርስቲያን ኮይኑ ዘይኮነስ፥ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ርእሲ ወይ ኣእምሮ ኮይኑ፡ ንኽመርሓ ዝተዋህባ እስትንፋሳዊ ቃል እግዝኣብሄር እዩ፡፡ ቤተ ክርስቲያን፡ ንትምህርቲ ሓሶት ኮነ ንኻልእ ነገራት ከመይ ክትዞን ክትኣልዮን እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ክትወስድ ከም ዝግብኣ ክነግራ ምሉእ ስልጣን ዘለዎ መጽሐፍ ቅዱስ ጥራይ እምበር እቲ ልዙብን መርገጺኡ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ዝለዋወጥን ብሐጢኣት ዝተመረዘን ኣእምሮ ሰብ ኣይኮነን፡፡ "እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ፍጹም፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቑ ዝተዳለወ ምእንቲ ኪኸውን፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተጻሕፈ ቅዱስ መጽሓፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምእራም፡ ቅኑዕ ናብራ ንምምሃር ይጠቅም እዩ።" (2ጢሞ 3፡16- 17)።

ስለዚ እቲ ዝተፈላለየ መምርሒን መርገጽን ዘለዎ ሰብ፡ ይቀበሎ ኣይቀበሎ፡ የሕምሞ ኣየሕምሞ፡ ብዘየገድስ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ግሉጽ ሓቂ ቃል ኣምላኽ ደው ኢላ ንኹሉ ውዲት ሰይጣን ክትብድህን ከተፍርስን ይግባእ። ከምዚ ዘይትገብር ቤተ ክርስቲያን ንቃል ኣምላኽ ከምድላይ ሰብ ተሽርፍ ባርያ ሰብን ቤት ንግድን እምበር፡ ብፍጹም ቤት ኣምላኽ ም ዘይኮት መጽሐፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ዝነግረና ሓቂ እዩ ፡፡ "ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ኮንና ወይስ መልአኽ ካብ ሰማይ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም ንሱ ውጉዝ (ርጉም) ይኹን፡፡ ከምቲ አቐዲምና ዝበልናዮ ሕጂ}ውን ከም ብሓድሽ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ ንሱ ውጉዝ (ርጉም) ይኹን፡፡ በዚ ሕጂኸ ንሰብዶ ወይስ ንኣምላኽ እየ ባህ ዘብል ዘሎኹ? ወይስ ንሰብ ከሐጉስ ድየ ዝደሊ ዘለኹ? ገና ንሰብ ከሐጉስ እንተ ዝብልሲ፥ ባርያ ክርስቶስ ኣይምኮንኩን ነይረ፡፡" (ገላ 1፡8-9)፡፡ ስለዚ ሰብ ክዛረብ ከሎ፡ ካብቲ ጽሑፍ ከይሓለፈ ከም ቃል ኣምላኽ ክዛረብ ይግባእ። ፍጹም ስልጣኑ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይገበረን ንሕግን ስርዓትን እግዝኣብሄር ብፍጹም ልቡ ዘይግዛእ ሰብ፡ ቤተ ክርስቲያን እንታይ ክትገብር ከም ዝግብኣ ክነግራ ብፍጹም ስልጣን ኮነ መሰል ከም ዘይብሉ ቃሉ ይነግረና፡፡

"ንረሲእ ግና ኣምላኽ ይብሎ፡- ኣታ ተግሳጸይ እትጸልእ፥ ቃላተይውን ንድሕሬኻ እትድርብስ፥ ከመይ ጌርካ ኢኻ ስርዓተይ (ቃላተይ) እትነግር? ንኺዳነይውን (ሕገይውን) ብኣፍካ እተውስኦ?" (መዝ 50፥16-17)። ኣብዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ዘሎ ኣዝዩ ዘሕምም መግናሕቲ ንሚዛን መጽሐፍ ቅዱስ ከም ዘለዎ ዝገልጽ እዩ፡፡ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ሓሰውቲ መምህራንን ነብያትን ዘለዎ ዘየማትእ መርገጺ፥ ኣዝዩ ዘሕምም ይኹን እምበር ግሉጽን ኣዝዩ ተሪርን ዘየናሕስን ከም ዝኮነ እቲ ህያው ቃሉ ይነግረና። 'ንምንታይ ከምዚ ኮይኑ?" እንተበልና፡ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ናብ ናይ ዘለኣለም ሞት ዘሳግር ምህሮ ኣጋንንቲ ስለ ዝኾነ እዩ፡፡ ስለዚ እታ፡- "ናይ ሓቂ ኣካል ክርስቶስ እየ!' እትብል ቤተ ክርስቲያን ምእመናና ብመማህራን ሓሶት ናብ ዘለኣለማዊ ሞት ጊዒዙ ከይተወደአ ከሎ፡ ነቶም ናይ ሓሶት ማሕበራትን መማህራንን ኣሕሚማ ወይ ክሳብ ዝስምዖም ብምግናሕ፥ ነቲ መሰጋገሪ ዘለኣለማዊ ሞት ዝኾነ ጠዋይ ትምህርቶም ብቅንኣት ኣምላኽ ክትቃወምን ከተቃልዕን፡ እቲ ምሉእ ስልጣን ዘለዎ ቃል ኣምላኽ ንቤተ-ክርስቲያን ይእዝዛ እዩ። 'እዚ ምስክር እዚ ሓቂ እዩ። ስለዚ ብእምነት ምእንቲ ኺጥዕዩ ናብ ጽውጽዋያት ኣይሁድን ናብ ትእዛዝ እቶም ካብ ሓቂ ዝዘምበሉ ሰባት ከየቕልቡ፥ ኣሕሚምካ ግንሓዮም (rebuke them sharply)። " (ቲቶ 1፡13-14)። " ነቶም ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ጸልማት ዝገብሩ ሰባት ግና ኣቃልዕዎም እምበር ምስኦም ሕብረት ኣይሃልኹም፡፡" (ኤፌ 5፡11)። ". . ገሊኦም ሰባት ንእምነቶም ከምታ ብማዕበል እትጠፍእ መርከብ ኣጥፊኦምዋ እዬም፡፡ ካባታቶም ከይጸርፉ ምእንቲ ኪቕጽዑ ኢለ ንሰይጣን ዝወፌኽዎም፥ ሄሜኔዎስን እስክንድሮስ እዬም፡፡ .. . .ንሳቶም ካብ እምነት ዘምቢሎም "ትንሳኤ ሙዉታን ቕድሚ ሕጂ ኮይኑ እዩ፡፡" እናበሉ እምነት ብዙሓት ሰባት ይገላብጡ ኣለዉ፡፡" (1ጢሞ 1፥19-20 2ጢሞ2፥18)፡፡ 'ነቶም ሓጢኣት ዝገብሩ ከኣ እቶም ካልኦት ምእንቲ ክፈርሑ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ግንሓዮም፡፡ ብዘይ ኣፈላላይን ብዘይ ኣድልዎን ነዚ ምዕዶ}ዚ ክትሕሉ (ክትገንሕ)፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ የሱስን ኣብ ቅድሚ እቶም ሑሩያት መላእኽትን አማሕጽነካ ኣሎኹ፡፡" (1ጢሞ 5፡20-21) ብምባል ንዝተጋገዩ ምግናሕ ዓብዪ ሐደራን ምሕጽንታን ዘድልዮ ሰማያዊ ሃብቲ ቤተ ክርስቲያንን ወንጌልን ምዃኑ ነንብብ፡፡ ነዚ ሰማያዊ ሃብቲ ዘይትዕ ቅብ ቤተ ክርስቲያን ዝሞተትን ቀባሮ ዝደንጎይዋ ሬሳን እያ፡፡

ምናልባት "ሕጂ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስደትን መከራን ሽግርን ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ንሓድሕድና እንገናናሐሉ፡ እንነቓቐፈሉን ናይ ስነ-ስርዓት (መቅጻዕቲ) ስጉምቲ እንወስደሉን ጊዜ ኣይኮነን፡፡ ንኹሉ ጊዜ ኣለዎ፡፡" ብምባል ነቲ ንድሕነት ህዝቢ ኣምላኽ ዝግበር ዘሕምምን ተሪርን መግናሕትን፡ ነቲ ፈጣሪ ኹሉ ዝኾነን ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር ቃል ኣምላኽ፡ "ጊዜ" ብዝተባህለ ፍጡርን መቑሕን ክኣስርዎን ብጊዜ ክድርትዎ ዝደልዩ ገለ የዋሃት ኣይስኣኑን ይኾኑ፡፡ እቲ ህያው ቃሉ ግና ግቡእ መግናሕቲ ብጊዜኡን ብዘይ ጊዜኡን ክንገብሮ ዝግብኣና ክፋል ወንጌል ከም ዝኾነ እዩ ዝነግረና፡- "ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፥ ብትምኒት ርእሶም መማህራን ኪእክቡ እምበር፥ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፥ ብኹሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዕ ክትገንሕ ክትቀጽዕ ክትምዕድ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምውታንን ክፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስ በቲ ምግላጽን መንግስቱን ኤማሕጽነካ ኣሎኹ፡፡"  (ጢሞ 4፥1-4)። "እንሆ እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ፥ እንሆ እታ መዓልቲ ምድሓን እያ፡፡" (2ቄረ 6፥2)። (ብተወሳኪ ይሁዳ 23 ፤ ራእይ 2፥1-29, 3፥1-22 ፤ መዝ 32፥6 , 69፥13 , 95፥7 ፤ኢሳ 49፥8) ኣንብብ፡፡ ነዚ መለከታዊ ሓቂ እቶም መርገጺ ዘይብሎምን ሉኡማትን ( Liberal ) ኣገልገልቲ ብሓፋሻ እቶም ናይ ሓሶት መማህራን ከኣ ብፍላይ ክሰምዕዎ ዘይደልዩ እኳ እንተኾነ፡ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ትኹል ሓራ ዘውጽእ ቃል ሓቂ ከየጉደለት ከም ዘለዎ ክትሰብኽ መንፈሳዊ ግድነታዊ ሐላፍነታ እዩ።

"ከመይ ንሕና ንሓቂ ዚድግፍ እምበር ንሓቂ ዚጻረር ገለ እኳ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና፡፡" ዝብል ልቢ ቅዱሳን ክህልወና ይግባእ (2ቆረ 13፥8)፡፡ ኣብ ዘመን ሃዋርያት ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ንጴጥሮስ ከም ፍሉይ ኣገልጋልን ከም መልኣኽን ትቖጽሮ ነበረት። ከማና ብዙሕ ግዜ ክስሕትን ክጋገን ዝኽእል ሰብ ስለዝነበረ ግና እዚ ኣባጊዕ ክሕሉ፡ ዕያውቲ ክምግብን ክጓስን ፍሉይ ሐላፍነት ካብ ኢድ ጐይታ የሱስ ዝተቐበለ፡ እወ! እዚ ዓንዲ ቤተ ክርስቲያን ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ሓደ ጊዜ ብጌጋ ኣካይዳ ኣይሁድ ተወስደ። ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ብድሕሪኡ ዳግም ልደት ዝረኸበ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ኣመንቲ ኣንጾክያ ኣብ መንጎ ዋዕላ ፊት ንፊት ክሳብ ዘሕምሞ ገንሖን ብግልጺ ተቓወሞን። ብምኽንያት እቲ ቅሉዕን ቅኑዕን መግናሕቲ ድማ ጴጥሮስ፡ በርናባስ ከምኡውን ካልኦት ኩሎም ኣመንቲ ብእምነት ከም ዝጠዓዩ ቃሉ
ይነግረና።
"ጴጥሮስ ኣብ ኣንጾኪያ ምስ መጸ ግና ኣብ ጌጋ ስለ ዝረኸብክዎ ገጽ ንገጽ
ተቓወምክዎ፡፡ ከምቲ ናይ ወንጌል ሓቂ ብቕኑዕ መገዲ ኸም ዘይተመላለሰ
ረኣኹ ..፡፡ " ይብል እቲ ጅግና መርገጺኡ ህያው ቃሉ ዝገበረ ናይ ኣምላኽ
ሰብ (ገላ 2፥11,14)፡፡


ንሕና}ኸ ነቶም "ከም ሃዋርያ ጴጥሮስ ፍጹም ተቐባልነት ኣሎና!" ብምባል ብመንፈሳዊ ናይ ቴለቪዥ ቻነላት፡ ብጽሑፋቶም. . .ወዘተ ዝፍክሩ ዘለው ናይ ዘመንና መራሕትን ኣገልገልትን፡ ብጌጋ ትምህርቲ ተበኪሎም እናርአናዬም ብትብዓት ፊት ንፊት ንቃወሞም}ዶ ንህሉ? ብፍጹም ኣይመስለናን! ምኽንያቱ እቶም ዝበዝሑ ኣገልገልቲ ኣርሒቖም ዘይጥምቱ፡ ቦኽርነቶም ዝሸጡ፡ ሐላፍነት ዘይስምዖም፡ ግቡዛትን ንኽብረት ርእሶም ዝነብሩን ስለ ዝኾኑ እቲ ፍሬኦም ከምዚ ዝስዕብ ኮይኑ እዩ፡-

1. ቤት ኣምላኽ ብእምነት ክትጥዕይ ኣይከኣለትን፡፡
እቶም ቅኑዓት ኣመንቲ (ቤተ ክርስቲያን) ኣብ ርእሲ እቲ ምእንቲ ወንጌል ዝበጽሖም መከራ ግዳያት ፍረ ናይዚ ስሑት ትምህርቲ ኮይኖም እዮም። እዚ ማለት እቶም ስሑት ትምህርቲ ዝስዕቡ ሰባት ዝገበርዎ ጌጋ ንሳቶም ከም ዝገበርዎ ተቖጺሩ ተለኪሞም ማለትና እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ፡-
ሀ. ቤተ ክርስቲያን ናብቲ እግዚኣብሄር ቅድሚ ዘመናት ዝመደበላ ዘመን ምሕዳስን ምንቕቓሕን በቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ክትኣቱ ኣይከኣለትን፡፡
ለ. ናይ ብዙሓት መንፈሳዊ ጸጋ ብኸንቱ ጠፊኡ፡፡
ሐ. ግዜ፡ ንብረትን ገንዘብን ቅዱሳን ብኸንቱ ባኺኑ፡...ወዘተ።
እዚ ኹሉ መሪር ፍረ ብሰንኪ መማህራን ሓሶት ጥራይ ዘይሠላነ፡ ብሰንኪ ቃል ኣምላኻዊ መርገጺ ዘይብሎምን ፊት ንፊት ንሓሶት ክቃወሙ ዘይደልዩ ልኡማት ኣገልገልቲ ምዃኑ ኣጸቢቝ ክፍለጥ ኣለዎ፡፡ ድሕሪ ሕጂ ግን ቤተ ክርስቲያን ነቶም ብህይወት ሰብ ዝጻወቱ መማህራን ሓሶት ፊት ንፊት ብምስጣሕ፡ ንትምህርቶም በቲ ቅኑዕ ትምህርቲ ሓቂ ከተፍርሶ ምዃና ኽፈልጡ ይግባእ፡፡ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ክትልወጥ፡ ክትዓቢ፡ንዘይተበጽሑ ዝብታት ከኣ ንበረኸት ክትከውን እንተኮይና፡ ነዚ ምግናሕ ዝብልዎ ሰማያዊ ሃብቲ ብጊዜኡን ብዘይ ጊዜኡ ክትዕቕቦ ክትትግብሮን ይግባእ (1ጢሞ 5፡20-21)፡፡

መግናሕቲ፡ ከምቲ መማህራን ሓሶት ዝገልጽዎ ንቕቡኣት ኣምላኽ ምዝንጣልን ከም ገሃነም ዝፍራህ መርገምን እኳ እንተ መሰሎም፡ እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻሩ መግናሕቲ ምንጪ መንፈሳዊ በረኸት ከም ዝሠላነ ቃሉ ይነግረና እዩ።

 መግናሕቲ ቅብኣት እዩ፡-
"ጻድቕ ይውቅዓኒ ለውሃት እዪ፥ ይዝለፈኒ (ይግናሐኒ) ዘይቲ ርእሲ እዩ፡፡" (መዝ 141፡5)።

መግናሕቲ መግለጺ ፍቕሪ እዩ፡-
"ካብ ሕቡእ ፍቕሪ ግሉጽ ተግሳጽ ይሓይሽ፡ ፈታዊ እንተ ጎድኣካ እኳ ንኽጎድኣካ ኢሉ ኣይኮነን፡፡" (ምሳሌ 27፡5-6)።

መግናሕቲ ህይወት እዩ፡-
"ተግሳጽ ህይወት እያ እሞ፡ ሓዛ ኣይትሕደጋ ከምኡውን ሓልዋ፡፡" (ምሳሌ 4፡13)።

ነዚ በረኸት ዝኾነ መግናሕቲ ዘይቅበል ሰብ መወዳእታኡ እንታይ ይኸውን?
"መገዲ ንዝሓድግ ብርቱዕ መቕጻዕቲ ይወርዶ፡ ተግሳጽ ዝጸልእ ከኣ ይመውት ፡፡" (ምሳ 15፡10)።
"ተግሳጽ ዝቕበል ብህይወት ይነብር ተግሳጽ ዝኣቢ ግና ይስሕት፡፡" (ምሳሌ 10፡17)።

"እቲ ብዙሕ ተገሲጹ ዘይሰምዕ ሰብ ሓደ መዓልቲ ብሃንደበት ይጭፍለቕ፡ ፈውሲውን የብሉን፡፡" (ምሳሌ 29፥1፤ ብተወሳኺ ት.ኤር 10፥24 ኣንብብ)

ኣብዛ ሓጻር፡ ብግልጺ ተጻሒፋ ዘላ መአረምታን መግናሕትን፡ ኣዝዩ ግሉጽን ዘሕምምን እዩ። እቲ ዝተጠቀምናሉ ቃላት ድማ ንኣብነት፡-"ብሃማት፡ ዝግብቱ፡ ማሕበር ኣጋንንቲ፡ ሓሳዊ ጸሓፊ .....ወዘተ " ዝብል ቃላት ብቐጥታ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተወስደ እምበር ሰብ ዝፈጠሮም ስለ ዘይኮነ ብጸጋ ክትቅበልዎ ቤተ ክርስቲያን ብስልጣን ቃል ኣምላኽ ትምሕጸን (ራእይ 2፡10፤ ራእ 3፡9)።

ከምኡ ድማ ከምቲ ጳውሎስ ኣመንቲ ካብቶም መስሓትቲ ምእንቲ ክጥንቀቑን ብእምነት ክጥዕዩን ስም ናይቶም ዝሰሓቱን ዘስሕቱን፡ ሄሜኔዎስ፡ እስክንድሮስ፡ ፊሌጦስ . . .ወዘተ ብምባል ብግልጺ ስሞም ከም ዝጸሐፈ፡ ኣብዛ ጽሕፍቲውን ስም ናይቶም ሓደገኛ ናይ እምነት ጉጅለታትን ወይ ማሕበራትን (dangerous religious groups or D.R.G) ስም ውልቀ ሰባትን ብግልጺ ተጻሒፉ ኣሎ፡፡ ስለዚ እዚ ስም ምጥቃስ ከም ስልጣን ቃል ኣምላኽ ቅንዑን ግቡእን ከም ዝኾነ ክፍለጥ ኣለዎ፡፡ ኣብዚ ግን ሓደ ክንፈልጦ ዝግብኣና፡ እቶም ዝበዝሑ ኣባላት ናይቶም ስሞም ዝተጠቕሱ ማሕበራት፡ ብየዋህነትን ብዘይ ኣፍልጦን ዝሰሐቱን ንኣምላኽ ፍሉይ ቅንኣት ዘለዎም ኩቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃኖም ከነዘኻኽር ንፈቱ፡፡

እቶም ነተን ብጌጋ ትምህርቲ ዝተወስዳ ማሕበራት ዝመስረቱ መራሕትን ኣገልገልትን ዝሰሓቱን ዘስሕቱን ግና ብንስሓ ክምለሱ ዘይደልዪ፥ ስሱዓት፡ ደፋራትን ሓደገኛታት ተዃሉን ምዃኖም ቤተ ክርስቲያን ኣረጋጊጻ እያ፡፡ እዚ ከኣ ብመርትዖ ዝተደገፈ እምበር ብሃውሪ ስሞም ንምጽላም ትዛረብ ከም ዘየላ ክፍለጥ ይግባእ፡፡ ሕጂውን የሱስ ክርስቶስ ብማሕበሩ ገይሩ፡ እቶም ዝጠፍኡ ብንስሓ ብምምላስ ንኹልና ዘመን ምሕዳስ፡ ዘመን ምጽንናዕን ዕረፍትን ምእንቲ ክመጸልና ቅድሚ ኹሉ ክንገብሮ ዝግባኣና ነገር ይምዕድ ኣሎ።

" እምብኣርስከ ሐጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ምሕዳስ ምእንቲ ኺመጸልኩም፡. . . ተነስሑን ተመለሱን፡፡"(ግብ.3፥19-20)።

2. ንኣምላኽ ዝሓተተ መን እዩ?

" ስለዚ ሓደ እኳ ንሕና ዘይሰበኽናዮ ካልእ የሱስ እንተ ሰበኸ ወይስ ንስኻትኩም ዘይተቐበልኩምዎ ካልእ መንፈስ እንተ ተቐበልኩም ወይስ ዘይረኸብኩምዎ ካልእ ወንጌል እንተ መጸኩም ጽቡቅ ትዕገስዎ አሎኹም፡፡"(2ቆሮ 11፡4)። " ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጵሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኩሉ መጓሰ ሐልው፡፡ ". . ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚኣትውኹም እፈልጥ
ኣለኹ፡፡ ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኽስሕቡ ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንሰኡ እዮም፡፡" (ግብ. 20፡28-30)። አብያተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ ዝዕጸዋ እንሆ ዓመታት ንቖጽር ኣሎና፡፡ ከም}ቲ ህያው ቃሉ አብ ት.አሞጽ 3፡7፡ " እግዚአብሄር አምላኽሲ ምስጢሩ ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም ገለ እኳ አይገብርን እዩ፡፡" ከም ዝብል፡ ነቶም፡- " ኣብ ቅድሜኹም ጽቡቕ ነገር ኣሎ!' ብምባል ግዜ ፈልዮም ዝተነበዩልና ወይ ዝተዛረቡና ሓሰውቲ
ነብያትን መምህራንን ንድሕሪት ሐዲግና፡ እግዚኣብሄር ነቶም ምስጢሩ ብምግላጽ ናይ ኤርምያስ ዓይነት ኣገልግሎት ዝሃቦም ሓቀኛ ነብያትን ኣቦታትን፡- " ብንስሓ እንተ ዘይተመለስና ኣብ ቅድሜና ሓደገኛ ጸልማትን፡ ናይ ምጽራይ መስርሕ" ከም ዘሎ ካብ 1999 ዓ.ም. -ሚሮም ይዛረቡ ከም ዝነበሩ፡ ንሕናን እተን ዝተቐድሓ ናይ ቪድዮ ካሴታትን ምስክር ኢና፡፡ እንተኾነ ግን እቲ ብጠበርቲ ነብያት ልቡ ዝሸፈተ ዝንጉዕ ኣገልጋልን ምእመንን፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ነብያት ኣቦታቱ ዝነገርዎ ነገር ዘቕልበሉ፡ ብእንጻሩ ኣብ መድረኽ ከይተረፈ ምጽፋዕን ምጽራፍን ዝቐሎን ክሳብ ሕጂ ድማ ንነብያቱ ዘይግዛእ፡ ካብ ጌግኡ ዘይማሃርን ጠዋይን ወሎዶ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ከምዚ ብምግባሩ ዘስለጦ ነገር እንተሎ ድማ፡ ከምቲ እንርእዮን ብሰንኮም ድማ እንሕመሎ ዘሎና ኣዝዩ መሪር ጽዋእ ምጭላጥ ምዃኑ ኩልና ምስክር ኢና፡፡ "ንሳቶም ካብ እግዚኣብሄር ዝዓለው ህዝቢ ፥ ሓሰውቲ ውሉድ ፥ ንሕጊ እግዚኣብሄር ምስማዕ ዝኣበዩ ውሉድ እዮም፡፡ ነቶም ራእይ ዚርእዩ " ራእይ ኣይትርኣዩ"፥ ንነቢያት ከኣ፡- " ቅኑዕ ነገር ኣይትነበዩልና፥ ዜሐጉስ ደኣ ንገሩና፥ ጥበራውን ተነበዩልና፡፡ ካብ ጎደናና (መገድና) ኣልግሱ፥ መገዲውን ኣይትዕገቱና፥ ብዛዕባ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዝኾነ ኣምላኽኩም ክንሰምዕ ኣይንደልን ኢና ይብልዎም፡፡" (ኢሳ 30፡9-11፤ ብተወሳኺ ኢሳ 1፡22,25,27 ኣንብብ)።

ንምዃኑ ከምቲ እቲ ዘማሪ ኣብ መዝ 74፡1 " ዎ አምላኽ ስለምንታይ ንሓዋሩ ደርቤኻና፡ ንምንታይከ ነድርኻ አብ አባጊዕ መጓሴኻ ይተክኽ?" ኢሉ ዝሓተተ፡ ንሕናኸ ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ብምስትውዓል ካብቶም ክንሓቶም ዝግባኣና ብዙሓት ሕቶታት፡ ብውሕዱ፡-
1. እቲ ካብ 1992 ዓ.ም. ጀሚሩ ብመንግስቲ ኣብ ቤት ትምህርታት ከይተረፈ ዝወሃብ ዝነበረን ብዙሓት ድማ ዝደሓኑሉ ኣፍ ደገ ትምህርቲ መጽሐፍ ቅዱስ፡ ንምንታይ ብ1999 ክቛረጽን እዚ ኣፍ ደገ ኽዕጾን ኽኢሉ? እዚ ኣምላኽ ዝኸፈቶ ኣፍ ደገከ ብሰንኪ መን ተዓጽዩ? ብሰንኪ ሐጢኣት ወይ ብሰንኪ ትምህርቲ ሐሶት? ወይ ብሰንኪ ካልእ . . .
2. አብያተ ክርስቲያናት ኤርትራ ክዕጸዋ እግዚአብሄር ንምንታይ ፈቒዱ? ብሰንኪ መንን እንታይን }ከ ኽዕጸዋ ክኢለን?
3. ብምንታይ ምኽንያት እዩ እዚ ማዕበል ማእሰርቲ መከራን ጸበባን ብልዕሌና ክውሕዝ ዝኸአለ? ቛንቛን ' ዕላማ ናይዚ መከራከ እንታይ እዩ? " ብምባል ብውሕድ ሓቲትና}ዶ ንኸውን? አብ ኤር 2፡8  " ካህናት" " ፡ እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ? ኢሎም ኣይሓተቱለይን፡፡" ይብል፡፡ ከምኡ ድማ ኣብ ዘዳግም 32፡28-29 " እስራኤል ምኽሪ ዝጠፍኦም ህዝቢ እዮም እሞ፥ ምስትውዓል ከአ የብሎምን፥ ስለምንታይ ለባማት እንተ ዝኾኑ ከም ዝተሳዕሩ መስተውዓሉ ነይሮም፥ መወዳእታኦምውን ምፈለጡ ነይሮም፡፡" ብምባል ነቶም ብሓቅን ብንስሐ መንፈስ ካብ ምሕታት ዓዲ ዝወዓሉ ክነቕፎም ከሎ ነንብብ፡፡ ብርግጽ ግን ንእግዚኣብሄር ብጠዋይ መንፈስ ዘኮነስ ብትሕትናን ብስቡርን ቅጥቁጥን መንፈስን ንዝሓትዎ ግሉጽ መልሲ ከም ዘለዎ እቲ ህያው ቃሉ ምስክር እዩ (ኢሳ 1፡18፤ ኤር 33፡3 ኣንብብ)። ምናልባት ገሌና ብዝተፈላለየ ሃቐናን መንፈስን ሓቲትና ክንከውን ዚከአል እዩ፡፡ እንተኾነ ግን " እቲ ሓቀኛ ምኽንያት እዚ እዩ!" ኢልና ካብ ኣፍ አምላኽ ሓቀኛ መልእኽቲ ተቐቢልና ብትብዓት ብዝርዝር ክንዛረብ እንኽእል ክንደይ ኮን ንኸውን? እቲ ህያው ቃሉውን ብኣፍ ኤርምያስ ከምዚ ይብል፡-

"ኣነ ድማ፡- "ኦ ጐይታይ፥ እታ ሃገር ሓደ እኳ ብእኣ ዚሓልፍ ዘየልቦ ኮይና፥ ከም ምድረ በዳ ነዲዳ ዝጠፍኦትሲ ስለምንታይ እዩ? እቲ ነዚ ዘስተውዕሎ ጥበበኛኸ መን እዩ? ነዚ ንኻልኦት ኪገልጾኸ ንመን ኢኻ ዝተዛረብካዮ? ኢለ ሓተትኩ፡፡ " (ኤር 9፡12)። እወ! ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ብፍላይ ድማ እቶም ብሰንኮም እታ ሓቀኛ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ትሰትዮ ዘላ መሪር ጽዋእ ብቀጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ምኽንያት ዝኾኑ ኣገልገልትን ነብያት ሓሶትን፥ ነዘን ሕቶታት ዝተፈላለየ ዘይንጹር ናይ ሃተፍተፍ መልሲ ብምሃብ፡ ርእሶምን እቶም ዘስሐትዎም የዋሀት ሰዓብቶምን ሒዞም ጠፊኦም እዮም፡፡ ስለዚ ድማ እቶም ዘስሐትዎም ምእመናን፥ መገዶምን መሪር ፍሪኦምን መርሚሮም ብንብዓትን ብንስሓን ከይምለሱ እዞም ሐሰውቲ ኣገልገልቲ ንዓመታት ገዚፍ ዕንቅፋት ኮይኖም ጸኒሖም እዮም፡፡ ቃሉ ውን ከምዚ ይብል፡- "ነብያትኪ (ኣገልገልትኺ) ከንቱን ሓሶትን ጥራይ ነገሩኺ፥ ንሐጢኣትኪ ገሊጾም ብዘይ ምዝራቦም ብስብከቶም ጠበሩኺ፥ ካብ ምርኮ ምእንቲ ኽትድሕንስ ከም እትንስሒ አይገበሩኽን፡፡ " (ድ.ኤር 2፡14)፡፡ እወ! ከምቲ ጐይታ ንቅዱሳኑ ብቓሉን ብመንፈሱን ገይሩ ዝገለጸሎም፥ ናይ ኤርትራ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ዘስደምም ዓዘቕቲ ክትወድቕ ዝገበራ፡ ብሰንኪ ኣብ ውሽጥና ሶሊኾም ዝኣተዉ ዝተበከሉ እምቢተኛታት መማህራንን ነብያት ሓሶትን ምዃኑ ዘየማትእ ሓቂ እዩ፡፡ ሓቂ ምዃኑ ድማ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሕጂ ርእሱ ብዝተፈላለየ መሪር ፍረ ይገልጽ ኣሎ፡፡

ትምህርቲ ሓሶት ዓብሊሉሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ብፍልጠት ኮነ ብዘይ ፍልጠት ዝሰሓቱ ብንስሓ ምእንቲ ክምለሱ ነዘን ኣቐዲመን ዝተሐታ ሕቶታት ብትብዓት ግልጽን ሓቀኛን መልሲ ትህብ ነይራ እያ፡፡ እንተኮነ ግና እቶም ብመናፍቕነት ዝሰሓቱ ሰባት ብግዚኡ ጽን ክብሉን ከስተውዕሉን ስለ ዘይከኣሉ፡ ብእዋኑ እቲ ሓቂ ክቕበልዎ እኳ እንተ ዘይመረጹ፡ ሕጂ ግና እግዚኣብሄር ብመጠን ትሪ ልቦም፡ ነቲ ሓቂ ኣብ ግብሪ ሸውዓተ ዕጽፊ ምስቲ መሪር ፍሪኡ ይኹልዖ ስለ ዘሎ፡ ብዙሓት ከስተዉዕሉን ብምስክሕካሕ ብንስሓ ክምለሱን ዘየጸግሞም እናኾነ ይመጽእ ኣሎ፡፡ "ካባኻትኩም ነዚ ጽን ዚብሎ መን እዩ ? ካብ ሕጂ ብምስትውዓል ዚሰምዖኸ መን እዩ? ያዕቆብ ንወራር እስራኤል ንዘመተ ዝወፈየ መን እዩ? እቲ ከም ፍቓዱ ክንነብር ዘይፈተና ንሕጉ ድማ ዘይተኣዘዝና ንሕናውን ዝበደልናዮ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮነን?! ስለዚ ቑጥዓ መዓቱ ሰደደልና፥ ነድሪ ውግእውን ከዓወልና፥ እዚውን ከም ሓዊ ኣብ ኩላ እስራኤል ነደደ ፥ ግናኸ እንታይ ከም ዝኾነ ኣይፈለጥናን፥ ካብኡውን ሓንቲ እኳ ኣይተምሃርናን፡፡﻾ (ኢሳ 42፡23-25)።

 ኣብዚ ጹሑፍ ተጠቂሱ ዘሎ
ናይ መጽሐፍ ቅዱስ ጥቅስታት
ካብ ክልቲኡ ዓይነት ናይ ቀደምን
ሓድሽ ትርጉማት ዝተወስደ እዩ፡፡
ይቅጽል!! 
Comments
Add New Search
Zehaie Hailu  - Vague   |74.218.249.xxx |2008-02-11 14:23:49
I couldn't understand who the false prophets or teachers were. If it is for
rebuking, it should be clear what it is about. I didn't understand what the
false teaching was.

In Christ.
A man of God  - minister   |127.0.0.xxx |2008-02-25 15:52:19
መን ኢኻ ንርእስኻኸ መን ትገብራ ኣሎኻ፡ ካብ
መጽሓፍ ቅዱስ ትቕሲ እናጠቐስካ እትጻረፍ ጸርፊ
መን እዩ ሚሁሩካ፧ ንምዃኑ እቶም ብሰሪ እትብሎም
ዘሎኻ ሰባት መን እዮም፧ ትምህርቲ ስሕተት
ኣለዎም ኢልካ ክትድምድ ዚገበረካ ስነ ሓሳብ ካብ
ናይ መን መጽሓፍ ወይ ስብከት ዝረኣኻዮ እዩ።
ተጠራጢረካ ኣሎኹ። ንኣኻውን ሻዕብያ ንምፍልላይ
ኣብያተ ክርስትያናት ኤርትራ ዚለኣኹኻ ከይኮኑ።
ዝዀነ ዀይኑ ህድእ ኢልካ ንስኻውን ንርእስኻ
መርምር ሽዑ ጾር ካልኦት ክትጸውር ኢኻ።
መንግስቲ ኣምላኽ ግና ብዘረባ ኣይኰነትን
Luwam  - dfret tsibuk aykonen   |41.223.201.xxx |2010-01-21 09:51:32
kab azerarbaka niska eka ni shaebia ziyada timesil. bzuh dfret tsibuk aykonen.
Asmara  - Aman bi aman!   |132.73.80.xxx |2009-09-20 08:57:36
Thank you, it is really an interesting and timely message.
May the lord God
bless you!
May the lord God help us to stand firm against those false teachers
of these days..... God Bless Eritrea and Eritreans!!!! amen!
dave  - dave   |212.183.140.xxx |2009-11-01 23:12:37
thanks so much and god belsses u.but i could't understand what did u say.cos
i think felt from the clear booke.can u look again frist don't spilt from
all the rigteous.remamber how did you born,basially never ever not regions
with out orthodox .............other is false teaching or busines crazey
people.sorry about that. dont teach like that just keep your self.and so......
so ..knock u brain dont joke by god if know
Amanuel  - Wonderful   |41.223.201.xxx |2010-01-21 09:45:50
Goita aezizu yibarkika. bezom abzi gets antsarka zitsihifu ahwat keytegedeska
neti kal haki mhar amlak bi tinsae tsadkan kikhseka eyu.
Anonymous   |76.184.95.xxx |2010-03-20 19:18:33
I do not know what your writing is about, this article is not clear to me. you
said folse teachers who are they? are they existed in Eritrea? It is true the
word of God says about them. Could you please clearify on your next article. do
not mislead God's people?
Yosief iyassu   |85.228.125.xxx |2010-04-01 13:39:23
Peace of Jesus our Lord be with you ! thanks for interesting article. How ever
there are some issues what left unclear. Can youtell us your name?(the author).
Who are the so called false teachers and prophets? what did they prophesief in
1999? What damage exactly did it bring to the Eritrean church?
what is clearly
the problem of Eritrean churches and how are thy gone solve the problem? i hope
you will address my quastions in your next article.
God bless !
zerai Kiros  - we wish we can tell the name!   |85.181.220.xxx |2010-04-01 14:35:25
Dear brothers and sister be blessed in the name of jesus and wish u all the best
by visiting our website. we are trying our best to give differnt kind of topic
in differnt issue. and thats why we are open to recive article from all the
world. but we have lot article from eritrea and we cant public the author name
because it is dangerous. so please understand this. the author cant answer ur
qeutions. but we will try our best to contact him again.
Write comment
Name:
Email:
 
Title:
Please input the anti-spam code that you can read in the image.
{poweredby} {poweredby}

3.26 Copyright (C) 2008 Compojoom.com / Copyright (C) 2007 Alain Georgette / Copyright (C) 2006 Frantisek Hliva. All rights reserved."

 
Headline
  • Pause
  • Previous
  • Next
1/10
 
Daily devotion
‎ከምቲ ኣምላኽ ዝርእዮ ምርኣይ‎ ኣብ 1ይ ሳሙኤል እግዚኣብሄር ንሳኦል ዝትክእል ንጉስ ክቐብእ ምስ ደለየ ንሳሙኤል ናብ እንዳ እሰይ ልኢኽዎ። ሳሙኤል ከኣ ዘይቲ ኣብ ቀርኒ ሒዙ ድሕሪ ም...
 
Teaching
‎ደቀ መዝሙርነት ብሓደ ዓይነት ቅርጺ 'ዶ?‎ ራንዲ ዲ ሬይስብሩክ*  ካብ ኣገልግሎት ደቀ መዝሙርነት ተመክሮኡ "ኩኪስ ካተር" ዝብል ሓደ ጽሑፍ ኣቕሪቡ ኔሩ። መታን ክንመሃረሉ ትሕዝቶኡ...
Cell Group Material
ዉሕሉል ኣገባብ ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስ መእተዊ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጸ ቓል ስለዝኾነ፡ ኸም ዉሉድ ኣምላኽ መጠን ግዜ ወሲድካ ከተንብቦን ከተጽንዖን ይግባእ። መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣ...
 
Character Study
ህይወት ዳዊት ሰብ ኣብ ጌጋ ብዘለዎ ኣረኣእያን ካብኡ ዝወስዶ ትምህርትን ኣብ ሰለስተ ክንመቕሎ ንኽእል፣     ቀዳማይ። ጌጋ ዝገብር እሞ ጌጋ ከምዝገበረ ተረዲኡ ...
 
Witness
Image ቃለ-መሕትት ምስ ዘማሪት ምስ ሰላም ሓጎስ 2004 ሀ. ሕሉፍ ታሪኽ ህይወት 1.      ብዛዕባ ገዛእ ርእስኺን ድሕረ ባይታኽን ኣተዓባብኽን መዕለልክና ዶ ?  ስመይ ሰላም ሓጎስ እበሃል።...
   
News
Image መልሲ ንሰብ ሓዳር ንኣብ ሓዳር ዘጋጥሙ ሕቶታትን ብድሆታትን እትምልስ ብግልጽነት ንዘሎና ጸገማት ሓዳር እተርኢ ብቡርስን ኬሮል ብሪትንን ዝተጻሓፍት ብሓው ዮናስ ወልደርፉ...
Social Issue
Image ንመንእሰይ ዕውታት ዝገብርዎ ባእታታት 3ይ ክፋል 3 ብዛዕባ ካልኦት ሰናይ ኣረኣእያ ምምዕባል። ሎሚ ኩሉትና ኣብዛ ምውድዳርን ዝናን ዝበዛሓላ ዓለም ኢና ንንበር ዘሎና። ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ወዲ ...
     
 
  • Send Postcard !
  • Advertismnet!

    ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ  ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንመላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መገዲ መራኸቢ እንዝርግሕ ክርስትያናት ኢና።

    Read all Books in our Web

               
       

     

    Give your Vote!

    What do you like most about Eriwongel.com?
     
    What die you want to change?
     

    Our Favorite Links

    www.bible.org
    Beauty Spring 2007Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.

    Christ for all Nations, Cfan
    cfan.org Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
    http://www.cfan.org
     
    Release Eritrea!
    release-eritrea.org.ukRelease Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha

    Join the EGMM team

    We are seeking a English and Amharic translator / editor who will serve with us as voluntary translator.
    Grafic & web Designer
    If you are Graphic and web Designer and looking out for working in the Kingdom of our Heavly Father, then here's the right opportunity to work with us.
    Advertiser links Geezsoft.com
    Hier you can download free Geez Font
    Eristart.com
    First Eritrean Startpage 

    Who's Online

    We have 18 guests online
    • tigrina
    • English

    Movies

    Agelglot.com

    Compassdirect.org

    Syndicate


    EGMM pro Mezmur

    EGMM PRO MEZMUR  

    EGMM pro Sbket

    EGMM PRO SBKET  

    EGMM pro Books»

    EGMM ORO BOOKS 

    Active Quiz»

    Active Quiz 

    EGMM PRO REDIET»

    EGMM PRO REDIET