Social Issue
Social Issue
ውሻጠ ማሕነቕቲ ! | ውሻጠ ማሕነቕቲ ! |
|
|
|
| Saturday, 27 October 2007 | ||||
Page 1 of 2 ኣዲኡ ንኦዶልፍ ሂትለር: ቅድሚ ምላዳ ነጲላቶ (ሰዲዳቶ) ነይራ እንተትኸውን: ሞት 6000000 ኣይህዳውያንን: ካልኦት ሚልዮናት ሂወት ህዝቢ ዓለምን ብቢልዮናት ዝቑጰር ንብረት ዝዓነወሉ: ካልኣይ ውግእ ዓለም ምተኻየደ'ዶ ነይሩ? መራሒ ሰውራ ሩስያ: ቪላድሚር ለሊን: ተነጲሉ ኔሩ እንተዝኸውን: ሕብረትሶቭየትን ስርዓት ዴሰነትን ምሃለወ'ዶ ነይሩ? ስታሊን እዉን ከምኡ ተነጺሉ ነይሩ እንተ ዝነብር: ምጽናት ኣሸሓት ሩስውያን ምተፈጸመ'ዶ ነይሩ::
ኮነርየል: መንጉሰቱ ሃይለማርያም: በቖልዕኡ ኸሎ: ሞይቱ እንተዝነብር: ዓመታት ዝወሰደ ደማዊ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምተኸሰተ'ዶ ነይሩ:: ኣብ ኣወንታዊ መዳይ ምስ እንርኢ ኸኣ: ኣልበርት ኣንስታይን ናይ ምንባር ዕድል እንተዘይረክብ: 'ተዛማድነት' ዝብሃል ሓሳብ ምሃለዎ'ዶ ነይሩ? ማርኮኒ: ረድዮ እንተ ዘይምህዝ: ረድዮ ትብሃል ኣብ ዓለም መሃለወት'ዶ ነይራ........ወዘተ:: ንኹሉ ዓውደ ፍልጠትን ስነ-ፍልጠታውያንን እንተ እናበልካ: ክትገልጵ ምፍታን: ናይ ሓሳብ ህውተታ ኮይኑ ስለ ዝተርፍ: ካብቲ ሰጢምካሉ ዘለኻ ኩነተ-ኣእምሮ ምብርባር የድሊ:: ካብ ዓለማዊ ፍለጠትን ትንታነን ሃዲምካ: ናብ መንፈሳዊ ዓለም እንተኸድካ'ውን: እቲ ወጣሪ ሕቶ ይኽተለካ:: ንኣብነት: ፎርኦን ከም ነኹሎም ህጻናት ይሁዳ: ንሙሴ ቐቲልዎ: ነይረሩ እንተ ዝነብር: ምድሓን እሰራኤል ካብ ባርነት ግብጺ ኣይምተፈጰመን ኔሩ ማለት ድዩ? ኖህ: ጳድቕ ኮይኑ እንተ ዘይርከብ: ደቁ እውን እንተ ዘይየእትዋኦ: ወሎዶ ሰብ ብኸመይ ምቐጰለ? ድንግል ማርያም: ንዕሸል የሱሰ: ነጲላቶ እንተ ትነብር: ምድሓን ፍጥረት ሰብ እንታይ ምኾነ? ነዚ እንተታት እዚ ዘራጉድ: ብዙሕ ሕቶታት ከተመንጩ ዝክኣል እዩ:: ንኣብነት: መላእኽቲ ኣምላኽ ክንደይ እዮም? ስፍሓትን ሚዛንን እግዚኣብሄር ክንደይ እዩ? ሕብሪ ሰብ ኣብ መንግሰተ-ሰማያት እንታይ ክመስል እዩ? ኣብ ሰማይ እንታይ ዓይነት ቛንቋ ኢና ክንዛረብ.....ወዘተ:: እዝን ካልእ እንተታትን: ኣእምሮ ሰብ ክምልሶ ብቕዓት ዘይብሉ: ንኣእምሮኸ ምሕታት: ብልሒ ዘይኮነሰ: ሰብ ምዃንካ ምርሳዕ እዩ:: ብቐንዱ እውን ምጉርጓር ሓሳብ እቲ ሞሎኮታዊ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ: ድፍረት ጥራይ ዘይኮነሰ ሓጥያት እውን እዩ:: ኣብዞም ናይ ኣእምሮ ትንግርቲ ዝኾኑ ሕቶታት: ሓደ ውዱእ ሓቂ: ንኹሉ ግሉጵ ዝኾነ ኣሎ:: እዞም ኩሎም ከም ኣብነት ዝጠቐስናዮም ሰባት: ተወሊዶም ሰለ ዝዓበዩ: ብኣወንታ ድዩ ኣሉታ ኣብ ታሪኽ ዘበኖም ለውጢ ኣምጲኦም:: ምሰዚ ክውን ሓቂ: ግን ጉኒ ንጎኑ ዝኽተል ሕቶ ኣሎ:: ምኽንያቱሰ: ዋላ ንኽብርን ፍልጠት ኣምላኽን ናይ ዘይምድፍር ውሳኔ እንተ ሃለወ:: ሕቶ ግን: ፍቓድ ሰብ ዘይሓትት: ኣብ ኣእምሮ ዝፍጰም ሰርሒት እዩ:: እቲ ጰገም ነቲ ዝሐድረካ ሕቶ ተቐቢልካ: ክትምጉተሉን ክትደርቕን ከለኻ እዩ:: ናብቶም ታሪኽ ዘበኖም ዝለወጡ ሰባት ምሰ እንምለስ: እታ ሓንቲ ሕቶ መልክዓ ቐይራ ትኽሰተካ:: ንሳ ኸኣ: ኣብ ታሪኽ ፍጥረት ሰብ: ብዙሕ ተርኡዮታት ክኸውን ዝነበሮ: ግን ብዙሓት ህጳናት ብንእስነቶም ሰለ ዝሞቱ: ወይ እተነጰሉ: ካብ ምዃን በርዒኑ ማለት ድዩ? ሃንዳሲ ታሪኽ አግዚኣብሄር እዩ:: ምኽንያቱ ንሱ ጎይታ ታሪኸ ሰለ ዝኾነ:: ፈጻሚኡ ግን ስብ! መን እዩ ሰብ ዝብሃል? እቲ ህውተታ ሓሳብ ዶብ የብሉን:: ብርግጽ: ባዕልኻ ሓቲትካ: ባዕልኻ ኣይምለስን እዩ:: እቲ መልሲ: ስብ ዝብሃል: ብአእምሮ ሰብ ምሉእ ክግለጵ ዘይከኣል ማዕሙቕ ዝምሰጢሩ: ውጲኢት ሞሎኮታዊ ዕዩ እዩ:: ክግለጵ ዘይከኣል እዩ ኢልካ: ምርሓቕ ንዕንደራ ሓሳብ ጠጠው ኣቢሉ ዘርግእ ኣይኮነን:: እቲ ሕቶ ዕረፍቲ ዝኸልእ ተመላላሲ እዩ! ንኽትፈትሖ ዘይካኣልካ ግድል: ሰለ ዝሃደምካሉ ፍታሕ ረኺብካሉ ማለት ኣይኮነን:: ብርግጵ: ብዙሓት ሕቶታት ኣብ ሂወት: ኣኣምሮ ሰብ ክምልሶም ከም ዘይክእል ምፍላጥ ሙሉእ ፍታሕ ናይቲ ግድል እዩ:: ሓደ ካብቶም መደምደምታ ዘይተረኸቦም ግድላት: መን እዩ ሰብ ዝብል እዩ:: እቲ ሕቶ ንሰፊሕ መንነት አብ ዘምልክት ሰለ ዝኾነ: እቲ ቀጲሉ ብሰፊሑ ዝገለጵ ሓሳብ ግን ኣብ እምነ ኩርናዕ ሕቶ ሞቦቆል ሰብን ሞራልን ዘተኮረ ክኽውን እዩ:: ሰባት ዝብሃሉ: ክውለዱ ኣብ መደብ ኣምላኽ ዘለዉን: ተወሊዶም ዝዓብዩ ዘለውን ድዮም? ሂወት: ኣብ ሓሳብ ኣምላኽ ምሰ ጰደቐት: ኣብ ማህጰን ድያ ትጅምር: ወይሲ ድሕሪ ዕለተ-ልደት? ነዘን ክልተ ሕቶታት ምምላስ ማለት: ነዚ ዓቢ ዛዕባ ናይ ዓለምና ኾይኑ ዘሎ: ምንጳል ጥንሲ: ማለት ሞራላዊ ድዩ ኢሞራለዊ ዝብል ሕቶ ምምላሰ ማለት እዩ:: እዚ ዓቢ ዛዕባ እዚ: ከምቶም በዙሓት ሕቶታት ትንግርቲ ወይ ምሰጢር ተባሂሉ ተጎስዮ ዝሕለፉ ኣይኮነን:: ከም ሪኢቶኻ ተባሂሉ: ንወለንታ ዝሐደግ ኣይኮነን:: ደምዳሚ መልሲ ኣለዎ:: መጵሓፍ ቅዱሰ: ሰነ-ፍጠት: ብዛዕባ'ዚ ኣርእስቲ እዚ ዝብለዎ ኣለዎም:: ቀድሚ ዝተፈላለየ ሪኢቶ: ኣብ ምንጳል ጥንሲ ዘሎ መርኣይና: ግን ታሪኻዊ ኣመጻጵኣ ምንጻል ጥንሲ ምድህሳስ ኣገዳሲ እዩ:: ምንጳል ጥንሲ: ነዊሕ ታሪኽ እዩ ዘለዎ:: ብ476 ቅ.ል.ክ: እዚ ተግባር አዚ ይፍጰም ነይሩ:: ቅድሚ ማእከላይ ዘመን: ስርጰ ምንጳል ጥንሲ: (induced abortIon) ብበሊሕ ዕንጰይቲ: መርዛማት ኣቑጵልቲ: ምጵቓጥ ከብዲ: ፍሉይ ዓይነት ምንቅሰቓስ ኣካላትን ካልእ ሜላታትን ብምጥቃም: እተን ደቂ ኣንሰትዮ: ጥንሲ ይንጵላ ከም ዝነበራ ሰነ-ሰብ ጆርጅ ደቨረኩሰ (Anthropologist George Devereux) ይገልጱ:: እዚ ተግባር ኣብ ጥንታውያን ስልጣነታትን ጥንታውያን ነገስታትን እንርእዮ ንኽእል:: ኣብ ባህሊ ጰርኢ (ግሪኽ): ምንጳል ጥንሲ ኣገዳሲ ተግባር: ኣብ ምዕቃብ ሩጉእ (stable) ሕብረተስብ ኣገዳሲ ረቋሒ ከም ዝኾነ ጌሮም ይወሰድዎ ነይሮም:: ኣብ ሮማውያን እውን ነጳ እዩ ነይሩ:: ወራሲ ምሰ ዘይህሉ ግን እቲ ተግባር እጉድ ይኸውን:: እቶም ቀዳሞት ክርሰትያናት: ነቲ ተግባር ብኣወንታ ዝምልከትዎ እኳ እንተዘይነበሩ: ኣብ ሓጥያት ድዩ ኣይኮነን ዝብል ሕቶ ኣፍልጦኦም ድሩት እዩ ነይሩ:: ነታ ቤተክርተያን ዘገድሳ ጰገም እውን ኣይነበረነን:: ኣረኣእያ: እታ ጥንታዊት ቤተክርሰያን: ኣብ ማህጰን ዘሎ ዕሸል ነፍሲ የብሉን: ምሰ ተወለደ: ወዲ ኣብ 40 መዓልቲ: ጓል ከኣ ኣብ 80 መዓልቲ ነፍሲ ይረኽቡ ኢሎም ይኣምኑ ከም ዝነበሩ: ቅዱሰ ኣጎሰጢን ኣብ ጵሑፋቱ ኣስፊርዎ ኣሎ:: ኣብ ሰልጣነታት: ኣሶራውያንን ሳምራውያን ባቢሎናውያን ግን ንምንጳል ጥንሲ ዝኽልክል ሕጊ ከም ዝነበሮም ክፍለጥ ኣገዳሲ እዩ:: እቲ ተግባርን ንዕኡ ዝምልከት ሕጊ ከም ዝነበረ ድሮ ተገሊጱ ኣሎ:: እንተኾነ ግና: ኣብቲ ጥንታውን ዘመናውን ታሪኽ ወደ-ሰብ: ምንጳል ጥንሲ ሳሕቲ እዩ: ከም ኣርእሰቲ ተወሲዲ ዝዘረበሉ ነይሩ:: ኣብ ዓንኬል ክርሰትና እሞ ኸኣ ቁቡል ኮይኑ ኣይፈልጥን:: ዋላ እኳ ኣብ ማህጰን ዘሎ ዕሸል: ነፍሲ የብሉን ዝብል ኣፍልጦ እንተነበሮም:: ድርኽት እቲ ሪኢቶ ግን ኣብ ጥምቀት ዝጰቐጠ ድኣ እንበር: ነቲ ኣብ ዘበና ዘሎ ካልኣይ ሪኢቶ (ብሰፊሑ ሲዒቡ ክግለጵ እዩ) ዝደገፈ ኣይነበረን:: እቲ ኣብ እምነት ክርሰትና ሃጓፍ ፈጢሩ ዝነበረ: ኣረኣእያ: ነቲ ክቀላቐል ኣብ ምጅማሩ ዝነበረ: ሕቶ ምንጳል ጥንሲ መብርሂ ንምሃብ: ብ1869 ዓ.ም.ፈ: ካተሊካዊት ቤተክርሰትያን ዕሸል ኣብ ማህጰን ኣዲኡ ኸሎ: ነፍሲ ከም ዝረክብ ብወግዒ መግለጲ ሂባ እያ:: ምንጳል ጥንሲ: ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ሕቶታት 20 ክ.ዘ እዩ:: እዚ ኣርእስቲ እዚ: ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ዓለም ሩሱን ክትዕ ፈጢሩ እዩ:: አረ ኣብ ገለ ሃገራት'ዚ: ጠንቂ ጎንጲ ኮይኑ እዩ:: ረስኒ እቲ ክትዕ መመሊሱ ድኣ ይጉህር ኣሎ እንበር: ዛጊት ማዓልቦ ዘይተረኸቦ: ኣዝዩ ኣገዳሲ ዓቢ ሕቶ ሞራል እዩ:: ንሕብረተሰብ ዓለም ክኣ ኣብ ክልተ ደንበ ሪኢቶታት ገዚዕዋ ይርከብ:: ገለ ወገን ምንጳል ጥንሲ ሕጋዊ ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ኸለዉ: እቲ ኻልኣይ ወገን ክኣ ይቃወም:: ሰለምንታይ እዮም ሊቃውንቲ ዓለም ነዚ ሕቶ እዚ ዓቢ ግምት ሂቦም: ኣቃልቦኦም ኣውዲቖምሉ ዘለዉ? ሞራለዊ: ጥዕናዊ: ቁጦባዊ...ወዘተ ሳዕቤን ስለ ዘለዎ ድዩ? ህሉው ኩነታት ምነጳል ጥንሲ እንታይ ይመስል? መጵናዕታዊ ጵሑፋት ከም ዝገልጵሉልና: ኣብ መላእ ዓለም ብገምጋም: ኣብ መዓልቲ 126000 ኣዴታት ጥንሲ ይንጵላ:: እተን ዝበዝሓ ነዚ ተግባር ዝፍጵማ መንእሰያት እየን:: 52%: ትሕቲ 25 ዓመት ዝዕድሚአን ክኾና ከለዋ: 19% ጎራዙት (ቲን አጀርስ) እየን:: ብፍላይ ደቂ 18 ን 19 ብብዝሒ ግዳይ ምንጳል ጥንሲ እየን:: ንኣብነት: ኣብ ዓመተ 1992: ብሮሾ እንተሪኢናዮ: ካብ 1000 እተን 52 ኣብዚ ክልል እተጠቕሰ ዕድመ ነይረን:: ኣብ 54 ሃገራት: 61% ህዝቢ ዓለም ዘጠቓለለ: ምንጳል ጥንሲ ሕጋዊ እዩ:: ከምኡ ኽኣ: ኣብ 97 ሃገራት: 37% ካብ ህዝቢ ዓለም: ምንጳል ጥንሲ ዘይሕጋዊ እዩ:: ብደረጃ ዓለም: እዚ ምሰ እንርአዮ: ኣብ ዓመት 46 ምልዮን: ኣዴታት ጥንሲ ይንጵላ:: 20 ሚልዮን ካብዚ ዝተጠቕሰ ኣሃዝ ብዘይሕጊ ዝፍጰም እዩ:: ሓያሉ ኻብኡ: ብቑንጣሮ ኣፍልጦ ሕክምና ዘለዎም: ሰብ ሞያ ጥዕና ዘይኮኑ ክፍጰም ከሎ: ገለ ኸኣ ብሃውሪ ነጰልቲ ከኒታታትን መራፍእን ብምውሳድ ይካየድ:: ብገመድ ኢንፍጅንን: ቆጰለመጵሊ ዝሰተዩን: ካልእ መሳርሕን ጌርካ ዝካየድ: ኣካል ናይዚ ኣሰቃቒ ተግባር: ሰቱር ዘይሕጋዊ ምንጳል ጥንሲ እዩ:: ገለ ኸኣ ብኽኢላታት ሕክምና ግና ሰቱር: ወለድን መንግስትን ዘይፈልጥዎ እዩ:: ብኣጠቓላሊ: ሰቱር ምንጳል ጥንሲ (Clandestine Abortions): ኣብ ዓመት ካብ 10-22 ሚልዮን ይበጵሑ:: እታ ንመጀመርታ ምንጳል ጥንሲ: ሕጋዊት ዝገበረት ሃገር: ሕብረት ሶብየት ነበር: ብ1920 ብመሪሕነት ቪላድሚር ለሊን እያ:: ምንጳል ጥንሲ ብዓይኒ ሕብረተብ ኤርትራ ኣዝዩ ጵዩፍ ተግባር እዩ:: ሓንቲ ኣብዚ ተግባር እዚ ዝተረኸበት ጓል-ኣንሰተይቲ ዝወርዳ ሕሜትን ተነጵሎን ኣዝዩ ልዑል እዩ:: ዛጊት፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጳር እዚ ተግባር እዚ: ጵኑዕ መርገጵ ኣለዎ:: ኣብዚ ተግባር እዚ ዝተረኸበ ሰብ፡ ክሳዕ ሓምሽተ ዓመት ማእሰርቲ ይብየነሉ። ብፍላይ እቲ ሰብ፡ ነመኽሰብ ወይ ከም ልሙድ ስራሕ ጌሩ ዘዘውተሮ፡ እቲ ምቕጳዕቲ ካብ ሰለስተ ዓመት ክሳዕ 10 ዓመት ክብ ይብል:: ጵኑዕ ማእሰርትን ክፍሊትን ይብየነሉ:: ክሳዕ ምእጋድ ሞይኡ እውን ይቕጵል እዩ:: ከምኡ'ወን እታ ኣደ፡ ብናይ ገዛእ ርእሳ ጳዕሪ ነቲ ጥንሲ ተነጲላቶ፡ እቲ ተግባር ካብ 3 ወርሒ ክሳዕ 5 ዓመት የፍርዳ:: እንተኾነ ግና፡ ድርኽት እቲ ምንጳል ጥንሲ፡ ኣካላውን ስነ-ኣእሙራውን ጵቕጢ ዘሰዓቦ፡ ማለት ምግሳስ : ሕሉፍ ድኽነት.....ወዘተ እንተኾይኑ፡ እቲ ፍርዲ ኣብ ዝወሃበሉ ኣብ ግምት ይኣትዉ እዮም:: እዚ ገበናዊ ሕጊ እዚ፡ ብ1957 ብመንግሰቲ ኢትዮጵያ ዝወጰ፡ ሕጂ እውን ብመነግሰቲ ኤርትራ ዘሰረሓሉ ዘሎ፡ ኣንጳር ምንጳል ጥንሲ ተሪር መርገጵ ኣለዎ:: እንተኸነ ግና፡ ምሰ ምሰፍሕፋሕ ኣመንዝራነትን ዝቃላቐሉ ዘለዉ፡ ንምንጳል ጥንሲ ዝድግፉ ርኢቶታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ እቲ ሕጊ ከይፈርሰ ዘስግእ እዩ:: ምንጳል ጥንሲ: ጉሁር ኣርእሰቲ ክትዕ ኮይኑ ከም ዘሎ: ድሮ ተገሊጱ ኣሎ:: ንድምጲ ብዙሓት ፖሎቲከኛታት: ሓኻይም: ኪኢላታት ስነ-ስድራቤት: ሰባኻቲ-ወንጌል: መግለጲ ኣብያታቶኦምን ኣውያቶምን ጥሒሱ: ኣብ ሕገ--መንግሰቲ ሓያለ ሃገራት ቦትኡ የረጋግጵ ኣሎ:: ቁጵሪ ደገፍቱ: እናበዝሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን: ኣብ ማሕበራት ክርሰትና ሶሊኹ ብምእታው: ገለ መራሕተን ተወላዋሊ መርገጵ እንኪህልዎም: ገለ ኽኣ ብጉህዶ ደገፎም ነቲ ተግባር ክገልጱ ጀሚሮም ኣለዉ:: ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ: ምንጳል ጥንሲ ንሊቃውንቲ ዓለም ኣብ ክልተ ገዚዕዎም ይርከብ:: እቲ ዋና በዳሂ ሕቶ: ኣብ ማህጰን ኣዲኡ ዘሎ ዕሸል (fetus) ሰብ ድዩ ኣይኮነን ዝብል እዩ:: ናይቲ ሓደ ወገን ኣረኣእያ: ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ: እንቛቚሖ ጓል ኣንሰተይትን: ኣብ ማህጰን ምሰ ተራኸቡ: ድሕሪ 72 ሰዓታት: ማለት 3 መዓልቲ ድቂ ይምሰረት:: ነዚ ድቂ እዚ ምንጳል: ሂወት ምቕታል እዩ ዝበል ኣረኣእያ ዘለዎም: ተጣባቕቲ ወይ ደገፍቲ ሂወት (pro-life) ይበሃሉ:: እቶም ካልኣይ ወገን ክኣ: ጥንሲ ዘይፍጱም ትሕዝቶ (Imperfect substance) እዩ:: ድሕሪ ምላዱ ጥራይ እዩ: ዕሸል: ሰብ ምዃን ዝጅምር:: ክትወልድ እንድሕር ዘይደለኻ: ነቲ ጥንሲ ክትንጵሎ ነጳ ኢኻ ዝብል ኣረኣእያ ዘለዎም ከኣ ደገፍቲ-ምርጫ (Pro-choice) ይብሃሉ:: እምብኣር እዞም ክልተ ኣረኣእያታት: ንኣጀማምራ ሂወት ብኸመይ ከም ዝትንትንዎን ካብ መጵሓፍ ቅዱሰ ዝጠቕሰዎ: ቅዱሰ ጵሑፋትን ከም መርትዖ ዘቕርብዎ ሰነ-ፍልጠታዊ ሓቅታትን: ጠንቂ ምንጳል ጥንሲ ኣብ ሕብረተሰብን ኣስፊሕካ: ምርኣይ: ኣብ እንወሰዶ መርገጲ: ንጵሩን ዘየዋላውልን ክኽወን ሓጋዝቲ እዩም:: ምንጳል ጥንሲ ሞራላዊ እንተ ዀይኑ: ሕጋዊ ክኽውን ኣለዎ:: ኢሞራላዊ እንተ ኾይኑ ኸኣ ክእገድ ኣለዎ: ዝብል ክልተ በዳህቲ ሕቶታት ምላሸ ክንህበለን ከኽእለና እዩ:: |
||||
| < Prev | Next > |
|---|
Bible.org is a non-profit (501c3) Christian ministry headquartered in Dallas, Texas. The ministry launched in 1994 to leverage the internet for ministry. Bible.org has grown to serve millions in 175 countries by providing trustworthy resources.
Internationally known Evangelist Reinhard Bonnke World mission website. Focused on evangelism in Africa.
Release Eritrea! calls upon Eritreans, friends of Eritrea and members of the international community to pray and call upon the Government of Eritrea to restore freedom of religion to the people of Eritrea and release for those imprisoned for their faitha