|
ደቀ መዝሙርነት ብሓደ ዓይነት ቅርጺ 'ዶ? |
|
Wednesday, 18 August 2010 |
|
ራንዲ ዲ ሬይስብሩክ* ካብ ኣገልግሎት ደቀ መዝሙርነት ተመክሮኡ "ኩኪስ
ካተር" ዝብል ሓደ ጽሑፍ ኣቕሪቡ ኔሩ። መታን ክንመሃረሉ ትሕዝቶኡ ከምዚስዕብ ይኸውን፡-
"ደቀ መዛሙርቲ ንእንገብሮም ሰባት፡
ነናቶምብርቂ (ፍሉይ)ባህርይ ዘሎዎም ውልቀ-ሰባት ብምዃኖም ምንክብኻብ የድልየና።" ራንዲ ዲ ሬይስብሩክ
ከመይ ዝበለ ቅዲ ደቀ መዝሙርነት ክንክተል ይግብኣና?
ኣብ ምፍራይ ደቀ መዝሙርነት ዝተፈላለዩ ኣገባብን ቅዲን ንኽተል ንኸውን።
እቶም እንኽተሎም ቅድታት ግን ኣድማዕነቶም ክግምግሙ ይግባእ። ካብ ናይ ካልኦት ሰባት ዝቐዳሓናዮም ወይ ድማ ዝጸሎዉና
ቅድታት ኣሰራርሓ፡ ንመንፈሳውነት ከም ሓደ ትካል ጌርና ንኽንወስዶም ጌሮምና ይኾኑ። ንኣብነት፡ ሬይስብሩኽ ኣብ ኣገልግሎት ደቀ መዝሙርነት፡ ካብ ዝተጠቕመሉ ቅዲ፡
ብናይ ፍሬድሪክ ዳብሊዩው ተይለር ኣተሓሳስባ ዝተጸልወ ነበረ።
|
|
Read more...
|
|
|
Wednesday, 16 June 2010 |
|
"ንድኹም ብቓል ገይረ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ እግዚኣብሃር ኣምላኽ ናይ
ምሁራት ልሳን
ሀበኒ።
ኣብ ጸጽባሕ የንቅሕ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ።" ኢሰ.50፡4
"......ስለዚ
ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጋዩ...ይኹን።"
ያቆ.1፡20
". . . . . .....ስሙ..... ግሩም፡ መካር....
ተብሂሉ ክስመ እዩ።"
ኢሰ. 9
ዛ ጽሕፍቲ ንኹሉ ኣማኒ እያ እትምልከት፡ብሕልፊ ነቶም ንቅዱሳን ብጉስነት፣ ብምኽሪ፣
ብምጽንናዕ፣ ከምእዉን ብዝተፈላለዩ መዳያት ዘገልግሉ ኣገልገልቲ ግና ፍልይ ዝበለ ምዕዶ ዝሓዘት እያ ኢለ ይሓስብ።ብተገዳስነት ክትንበብ
ድማ ይላቦ።
ክቡር ኣንባቢ፡ ካብ ተዘክሮታትካ፡ ገለ ሽግሮም ዝኸበዶም ሰባት ናባኻ ብምምጻእ ኣጻዊቶሙኻዶ ይፈልጡ? ማዕረ ክንደይከ ኣምላኻዊ ዝኾነ ምኽርን ምዕዶን ረኺቦምን ካብቲ ዝኸበዶም ጾር ኣዕሪፎምን ይፈልጡ? ወይ ብኣንጻሩ፡ ኣብ ህይወትካ ክንደይ ጊዜ ዓብይ ጾር ኣጋጢሙካ ይፈልጥ? ነቲ ጾርካ‘ኸ ከም
ጾሮም ቖጺሮምን ጽን ኢሎም ብምስማዕ ንህይወትካ ዝረብሕዋ ኣገልግልቲ ወይ መሓዙ ክንደይ ኣጋጢሞሙኻ ይፈልጡ? ምስ ሕቶኻን ጾርካን
መጺእካ ከምኡ ኢልካ ዝተመለስካሉ ጊዜታት ይዝከረካ‘ዶ?
|
|
Read more...
|
|
|
Monday, 14 June 2010 |
|
ፍቕሪ ኣዝዩ ሰፊሕ ኣምር እዩ። ገለ ካብ መግለጺታቱ ንምጥቃስ፡ ፍቕሪ፡ "ብብርቱዕ ስምዒታዊ ፍትወትን ሓያል ውሽጣዊ ድሌትን ዝተደረኸ ስሕበት እዩ"። ፍቕሪ ኣብ መንጎ ሰባት ጥራይ ዝተደረተ ዘይኮነስ ንዝተፈላለዩ ነገራት'ውን ዝምልከት እዩ። ሓደ ኣዝዩ
ዝማርኸካ ነገር ወይ'ውን ብዙሕ ግዜን ጸዓትን እትጥፍኣሉ ስለ ተፍቕሮ እዩ። ገለ ካብ ዓይነታት
ፍቕሪ እምብኣር ጾታዊ፡ ጥቕሚ ሓዘል፡ ንዋታዊ፡ ኣብ መንጎ ውሉድን ወላድን ዘሎ ፍቕሪ፡ ሞያዊ፡ ዓሌታዊ ወይ ሃገራዊ፡ ብቐን ከኣ ኣምላኻዊ ፍቕሪ ክጥቀስ ይከኣል።
ኣብ'ዛ ሓጻር ጽሕፍቲ፡ መግለጺ ዓይነታት ፍቕርን ጽልዋ ፍቕሪ ኣብ ሕብረተሰብ
ዓለምን ከብርህ ክፍትን እየ። ኣብ ላዕሊ ከም እተጠቕሰ ብዙሕ ዓይነታት ፍቕሪ ኣሎ። ንምርድኡ ኪጥዕም ግን ኣብ ክልተ መሰረታውያን ክፋላት መዲብና ክንርእዮም ኢና። ንሳቶም
ከኣ ዓለማዊን ኣምላኻውን ፍቕሪ እዮም።
|
|
Read more...
|
|
|
እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብር መንግስቲ ኣምላኽ ይኣቱ። |
|
Thursday, 08 April 2010 |
|
ፍቓድ
ኣምላኽ ሓደ ካብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ደጋጊሙ ዝተጠቕሰ ነገራት እዩ። ጎይታ የሱስ ፍቓድ ኣቦኡ ጥራይ ክገብር ከም ዝመጸ፣ ፍቓድ
ሰማያዊ ኣቦ ዝገብር ደኣ እምበር ኩሉ ጎይታይ ጎይታይ ዝብል መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስ ተዛሪቡ። ስለዚ ፍቓድ ኣምላኽ
ምግባር እንተ ደለኻ ትገብሮ እንተ ዘይደለኻ ከኣ እትገድፎ ኣብ ምርጫኻ ዝምርኮስ ነገር ኣይኮነን። ፍቓድ ኣምላኽ ዘይምግባር
ማለት ፍቓድ ርእስኻ ምግባር ማለት እዩ፣ እዚ ከኣ ንመገዲ ኣምላኽ ዕሽሽ ኢልካ መገዲ ገዛእ ርእስኻ ምምራጽ እዩ። ብመገዲ
ገዛእ ርእሱ ዝኸይድ ሰብ ከኣ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይወርስን እዩ።
|
|
Read more...
|
|
|
ምሕዳስ ሓሳብ (Renewal of the Mind) 2nd Part |
|
Monday, 15 March 2010 |
|
6. ምሕዳስ
ሓሳብ
ምሕዳስ ሓሳብ
ካብ metamorphosis ዝብል ናይ እንግሊዝኛ ቃል ዝመጸ ኮይኑ፡ ብናይ ኬምስትሪ ኣገላልጻ ውሽጣዊ ለውጢ ማለት እዩ። ሓጺን
ኣብ ሓዊ ምስ እነርስኖ ናብ ቀይሕ ይቕየር፡ ምስ ዝዝሕል ድማ ናብ ዝነበሮ ይምለስ። እዚ ደጋዊ ለውጢ ይባሃል። በንጻሩ ግን፡
ውንጅር ናብ እንቁርዖብ ክልወጥ እምበር፡ እንቁርዖብ ናብ ውንጅር ክምለስ ንቡር ኣይኮነን። ካብዚ ብዘይፍለ ድማ፡ ምሕዳስ ሓሳብ
ነባሪ እምበር ተመላሲ ዘይኮነ ተሃድሶ እዩ።
ኣብ
ሮሜ 12፡2 "እቲ
ሰናይ፡ ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ክትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም
እዚኣ ኣይትምሰልዋ" ዝብል
ነንብብ። ቃል ኣምላኽ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ ክብለና ከሎ፡ ሓሳብና ስቕ ኢልና ንልውጥ ማለት ኣይኮነን።
|
|
Read more...
|
|
|
|
<< Start < Prev 1 2 3 4 5 6 7 Next > End >>
|
| Results 1 - 9 of 60 |